Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምምካት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሓላፍነቱ ምስካም ዝኣበየ መንግስቲ – ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ

  Photo: Migrant Voice UK   ንምምካት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሓላፍነቱ ምስካም ዝኣበየ መንግስቲ  - ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ንምክልኻል  ቫይረስ  ኮሮና ዝኸውን  መሳሪሒታት ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክማን ጉጅሊኡ ኣሊባባን ናብ ኤሪትራ ዝተላእከ ሓገዝ መንግስቲ ኤሪትራ ምንጻጉ ይዝከር። እታ ሒዛቶ

 

Photo: Migrant Voice UK

 

ንምምካት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሓላፍነቱ ምስካም ዝኣበየ መንግስቲ  – ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ንምክልኻል  ቫይረስ  ኮሮና ዝኸውን  መሳሪሒታት ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክማን ጉጅሊኡ ኣሊባባን ናብ ኤሪትራ ዝተላእከ ሓገዝ መንግስቲ ኤሪትራ ምንጻጉ ይዝከር። እታ ሒዛቶ ዝመጸት ነፋሪት ክትወርድ ፍቃድ ተኸሊኣ ተመሊሳ።

ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ድኻታት ሃገራት  ነዚ ሐደገኛ ቫይረስ ዝከላኸል ትሕዝቶን  ዓቅሚ ሰብን  የብለንን።  እዚ ብዓለም ደረጃ ተለልዩ  እተን  ምዕቡላት ሀገራት ከም ሐላፍነተን ወሲደን  ንሐገዝ ዝኸውን ድሮ ባጀት ይስልዓ ኣለዋ። ላዕለዋይ ወኪል ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል  ከምዚ ይብል ፥ ንቅድሚት ዘሰጉሙና  ተሐጋጊዝካ ነዚ   ሐደገኛ ቫይረስ ምምካት እዩ። ስለ ዝኾነ ሕብረት  ኤሮጳ 15.6 ቢልዮን ዩሮ  ንኢስያን፣ ኣፍሪቃን፥  ላቲን ኣመሪካን፥ ከማኡ`ውን ንባላካን ሀገራት   ንተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ክቃለሰኦ  ድሮ ባጀት ሰሊዓ ኣላ። ካብኡ 3.25 ቢልዮን ንኣፍሪቃ ክወሃብ  እዩ።  ናይ ቻይና ሐገዝ ኣብ ብዙሕ ሀገራት ይበጽሕ ኣሎ – ኣብ ኣዲስ እበባ መደበር ገይሮም ድሮ ን 55 ሀገራት ኣፍሪቃ ዓዲሎም ኣለው። እታ ርእሰ ሐያላን  ኣመሪካ ከይተረፈት  ቨንቲለተር ካብ ቻይና  ተቀቢላ።

 

ኩለን ሃገራት ተሐጋጊዘን ነዚ ቀዛፊ ቫይረስ ምስ  ዝምክቶኦ እየን ክዕወታሉ ዝኽእላ ዝብል  ሓሳብ ተቀባልነት ረኺቡ  ኣሎ።   ቀዳማይ ሚኒስተር  ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ  ብወገኑ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት  ነዚ ቫይረስ ክምክቶኦ  ዓቅሚ የብለንን ሐገዝ ካብ ምዕቡላት ሃገራት የድልየና ኢዩ  ከምኡ እንተ ዘይገብራ ግን እቲ ቫይረስ ናብ ሃገረን ተመሊሱ ንዔኤን  እውን ከጥቅዔን ከምዝኾነ ክፈልጡ ኣለዎም ይብል። ስለዚ  እቲ ዝሐሸ ብደረጃ  ዓለም  ዘወሃህድ መሪሕነት ምምስራት እዩ ። ናይ ኣቢይ ኣሕመድ   መሓዛ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድልየት ግን ከማኡ ኣይኮነን። ብተወሳኺ  መራሕቲ  ሃገራት ኢጋድ፡  ኢትዮጵያ፥ ኡጋንዳ፥ ከንያ፥ ጅቡቲ፥ ሶማሊያ፥ ሱዳን፥ ደቡብ ሱዳን ነዚ ኮቪድ-19 ተላጋቢ ሕማም ንምምካት ናይ ሐባር መደብ ከውጽኣ  ብኢንተርነት ኣኼባ  ከካይዳ ከለዋ ኤሪትራ  ጥራሕ እያ   ዘይተሓወሰቶ።  ጨካን  ዲክታተር ኢሳያስ  ኣፈወርቂ  ሂወት  ኤሪትራዊ  ዘይግድሶ ምዃኑ  ንኹሉ እንበርሃሉ ይኸይድ ኣሎ።   ብ ደርኛ  ዓለም ኣብ  ልዕሊኡ ጸቕጢ ኣናበዝሔ  ከም ዝኸይድ ዘሎ  ግን ዋላ ክርደኦ  ኣይከ ኣለን።  ብዙሓት ኣህጉራዊ ጋዜጣታት እውን ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤሪትራ ሐሊዮት ከምዝይብሉ  የቓልሖኦ ኣለዋ ። ብመንግስቲ ደረጃ ሀገረ ጀርመን  ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው  ደለይቲ ፍትሒ ምስ ሑቡራት መንግስታት ርክብ  እናገበራ ንህዝቢ ኤሪትራ  ፍሉይ ቖላሕታ ክገብረሉ ጎስጓስ ከካይዱ ይግባእ።- መንግስቲ ኤርትራ እውን ጸቕቲ ስለዝበዝሖ ዘሎ እንቢ ክብል ክጽግሞ እዩ።

ካልእ ህጽጽ ኣሰካፊ ጉዳይ ህግደፍ መዓስከር ሳዋ ምዕጻው ምእባዩ እዩ። ኣብ ሳዋ  ሰባት ኣብ ዓበይቲ ኣደራሻት ብብዝሒ  ይድቅሱ ፥ ኣብ ካፈተሪያታት  ብሓባር  ይበልዑ – ንዝርጋሔ ኮሮና ቫይረስ ምቹእ  እዩ። በዚ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት     ብሩህ  መጻኢ  ዕደል መንእሰያትና ኣበርዒኑ፥ ዕምባባ ሀገርና ዝኾኑ መንእሰያት ንስደት ከም ዝቃልዑ ገይርዎም። እቲ  ምኽንያት  ግን  መንእሰያት ምግሃስ  መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከይቋወሙ ጀሆ ንምሓዝ ተባሂሉ ዝተማህዘ ኣዕናዊ ፖሊሲ እዩ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉልበት መንእሰያት ኣብ   ምምዝማዝ  ማዕድናት ሃብቲ ሃገርን   ብ ኮረነላት ዝውነኑ ሕርሻታትን ከም ባሮት  ይሰርሑ።  ወርቃዊ  ጊዜኦም ብኸንቱ  ይባኽን ኣሎ።  ሕብረተሰብ ኤርትራ ብድኽነት ተዳኺሙ ኣብ ዘለወሉ  ወቅቲ  እዚ ተላጋቢ ሕማም ሳዋ   እንተ ኣትዩ  ህልቂት ጥራይ  እዩ ከስዕብ ዘኽእል።

ህግደፍ  ሐገዛት ምእባይ ይኹን እሱራት ዘይምፍታሕ  ሳዋ ዘይምዕጻው  ገበን ከም ዝኾነ ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ ።ግን ሳዋ እንተተዓጽዩ፥ እሱራት እንተተፈቲሖም  ጸገም ከምጹኡለይ እዮም ብምባል ስለዝፈርሕ እዩ። ኢሳያስ ነብሰ ተኣማንነት  ስለዘጥፋኤ እዩ ኣምበኣር  ኣብዛ  ሕማቅ   ጊዜ ንህዝቢ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ጽቡቅ ስም ክንዲ ዝረኽበላ ኣብ ህውተታ ኣትዩ። መታን  ህዝቢ ኤሪትራ  ከይነቅሓሉ  ቀልጢፉ   ብዘረሳስዕ  ፕሮፖጋንዳን ሓሶትን   ንህዝቢ   ከዳህልሎን ክጥብሮን ተጓይዩ።   ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኣብ ኤሪትራ የለን ፥ ዝተለኽፉ 39 ጥራሕ ኢዮም ፥ ኩሎም ከኣ ነጻ ኮይኖም  ኣለዉ እናበለ ኣቃልቦ ህዝቢ  ካብቲ ሐደጋ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ከምዘይቶክር  ይገብሮ።  እቲ ሐቂ ግን ካልእ እዩ ዘቅሰን እውን ኣይኮነን።  ተላባዒ ኮሮና ቫይረስ ካብዚ ዓለም ከይጠፍኤ ኣብ ብዙሓት ሃገራት  ክሳብ ዘሎ  ኣብ ሃገርና  ከይኣቱ  ሐንቲ ውሕስና የብሉን።   በንጻሩ  ሰብ ሞያ ተመራመርትን  ሓኻይምን  መጠንቀቅታታት ይህቡ ኣለዉ። ህግደፍ ነዚ ምኽሪ ተቀቢሉ ጉቡእ  ምቅርራባት ክገብር ነይርዎ። ሐደ ከስመረሉ ዘለዎ ህግደፍ ናይዞም ሰብ ሞያ ሐኻይም ጸማም እዝኒ  ክህብ ከሎ ኮነ ኢልካ  ሐላፍነት ምስካም ምእባይ እዩ።

እዚ  ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ህዝቢ ዓለም እውን ይንጽሎ ኣሎ።   ጋዜጣ ጋርድያን  ብፊዮና ሃርቪ ዝተጻሕፈ ንርኤ `እዚ ኮቪድ-19  ተላጋቢ ሕማም  ኣብተን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት  ገና ክዝርጋሕ ተኽእሎ ኣሎ – እዘን ዘይማዕበላን ኣብ  ምምዕባል ዘለዋ ሀገራትን ንህዝበን እኹል ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክህባ ትሑስቶን ብቕዓትን የብለንን  ብምባል ነቲ ሐደጋነቱ ጽቡቅ ገይራ  ትገልጾ። ኣብ  ኤርትራ እሞ  ሕጽረት ሕክምና  መወዳደሪ የብሉን።    ሕክምና ሞይቱ እዩ ክብሃል ይከኣል።   ኣብ ወጻኢ ዘመድ ዘለዎ ሰብ  መድሃኒታት  ይለኣኸሉ  እዩ።    ትሽዓተ  ወርሒ ይገበር ብቤተክርስታያን ካቶሊክ  ዝመሐደራ ዝነበራ  29 ናይ ጥዕና ትካላት ምዕጻወን  ክሳዕ ን 200,000 ሰባት ንዓመት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ተቋሪጹ፥ ሳዕቤኑ ሞትን ምድናስን እዩ ፡   ብሕልፊ ኣብ ጊዜ ሕርሲ። ዳኒኤላ ክራቨትዝ ( Daniela Kravetz the UN Special Rapporteur for Eritrea )  “ኤሪትራውያን-  ኣብ ድንገት ከም ዘለዉ ፥ንሕቡራት መንግስታት  ጸብጻባ  ሊኢኻ እያ።  ኢሳያስ ሕጊ ዓለም ናይ ዝተኣስሩ  ኣየኽብርን እዩ።  እሱራት ቤተሰቦም ክበጽሕዎም  ሕክምና ክረኽቡ፣ ጊዜ መሕለፊ ወይ መምሃሪ- መጻሕፍቲ ክኣትዎም ቀይሕ መስቀል ክበጽሖም ፈጺሙ ኣይደልን እዩ።  ኮሮናቫይረስ ከይውድኦም ከም ኢትዮጵያን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት  እሱራት ፈቲሔን እየን። በንጻሩ ሕቡራት መንግስታት ንኢሳያስ እሱራት ፍታሕ ኢሎሞ  እንቢ ምስበለ ኣይኮነንዎን ብሓጺሩ   ናይ ፕሮፖጋንዳዊ ጠላዕ  ጠጠው ኣቢሉ – ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንንት ተቀቢሉ    ሐገዝ  ክቅበል  ሃናጺ ነቀፈታ ክገብሩሉ ነይሩዎም።  ኣይገበሩን ግን።  ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ እምበአር ነዚ ፋሉልነትን ዘይሓልፍነታዊ ተግባራትን ዘቃልዕን ዝኹንን ዝጣበቅን ብዝያዳ  ደለይቲ ፊትሒ  ክብገስሉ  ዘለዎም።

ጉዳይ  ኤሪትራውያን  ሐተቲ ዑቝባ  ኣዚዩ መሪር እዩ ዘሎ።    ሎምስ ነዊሕ ጊዜ ኮይኑ እተን ዑቝባ ዝህባ  ሃገራት ከም ኤሮጳ ማዕጾኤን ዓጽየን እየን።  መንግስቲ ጣልያን ነቶም ናይ ሂወት ኣድሕን መራኽብ ዝውንኑ ገበርቲ ሰናይ ንስደታኛታት  ዝጸዓና ንኣሽቱ መራኽብ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ናይ ምጥሓል ሽግር ምስ ዘጋጥመን ከይትሕጉዝወን ዝብል ባርባራዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም። ደጊም ኤሮጳ ማዕጾኣ ዓጽያ ብ (Fortress Europe) ዝብል ስም ከኣ  ተጠሚቃ። ሓተቲ ዑቅባ ጺዕነን ካብ ሊብያ  ንዓዲ ጣልያን ዘመላለሳ መራኽብ ሐደጋ ከጓነፈን ከሎ ናይ ሂዎት ኣድሕን   ኣውያት (SOS) ብሞባይል  ምስ  ተፈነወ ዓብይቲ ናይ ግብረ ሰናይ  መራኽብ  ተጓይየን  ከድሕነኦም ይፍትና እየን ፥ብዙሓት ድማ ኣድሒነን እየን። ቁጽረን ውሑድ ዘይኮነ    መራኽብ ግን ሐገዝ ሲኢነን ምስ ኩሎም ተሳፈርተን ዝጠሓላ ኣለዋ። እቲ ዓለም ዘንቀጥቀጠ 368  ሕጻናት ዝርከብዎም ኤርትራውያን  ዝሓዘት መርከብ ኣብ ላምፓዱሳ ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ምጥሓላ እዩ። ኣብዚ ክዝከር  ዘለዎ ከም በዓል ኣባ ሙሴ ዘርኣይን ፣ ሜሮን እስጢፋኖስ (the unsang heroes) ኣብዚ ሂውት ኣድሕን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም።   እቲ ዝኸፍኤ ከኣ ኤሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ  ሊብያ ናይ ገንዘብ ሐገዝ (ጉቦ)  እንዳሃበት ንሰደተኛታት  ካብ ሊብያ ንዓዲ ጣልያን ከይከዱ ከም ዝዓግትዎም ትገብር።   ሊብያ ግን ገሀነም እዩ።  እቶም ስደተኛታት ኣብ ኢድ ዕጡቃት ሚሊሽያ ይኣትዉ – ጾዎታዊ ዓመጽ- ምግፋዕ ጥመየት ተፈራሪቁዎም ኣብ ኣዚዩ ኣሰካሕካሒ ኩነታት ካብ ዝርከቡ ሐያለ ጊዜ ኮይኑ-።  እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪክ ናይ ዝተፈላለይየ ግፍዕታት ተሰኒዱ ዘሎ እዩ። ህግደፍ ግን ድምብርጽ ክብሎ ዲዩ።

 

ኣብዚ ገበርቲ ሰናያትን – ተጣበቅቲ  መሰል ወዲ  ሰብ ንሰደትኛታት ካብ ሊብያ ኣውጺኦም ናብ ካልኦት ሀገራት ክውሰዱ ይጣበቁሎም እዮም።  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጅልያ ትረንቺና ዝተባህለት  ናይ ሓተቲ  ዑቅባ  ጠበቃ ብቕጥታ ምስ ኣብ ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ርክብ ገይራ ጸገሞም ብደቂቅ ፈሊጣ ናብ ናይ ሊብያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ተብጸሓሎም – ንካላኦት ሰባት – ኣብ ፈየስቡክ ቁጽሪ  ሰልኪ ናይ ሊብያ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታት ኦፊስ እናሃበት  ቡዙሓት ሰባት ከምዝድዉሉ ትገበር።   ኣብቲ ብደለይቲ   ፍትሒ  ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ትካፈል  ከም ዝፍለጥ  ኣብ ኢምባሲታት ሊብያ፣ ጣልያን ከምኡ እውን ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤሮጳን – ቤት ጽሕፈት  ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ እንግሊዝ   ኣብ ለንዶን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ሐደ ጉጅለ ጸለምቲ (Black Lives Matter) ዝበሃሉ ናቶም  መጉልሕ ድምጺ ሒዞም ኣብቲ ሰልፊታት ዓቢ ተራ ነይርዎም።   ብጠቅላላ፥  ጻዕሪ ናይ ዝተፈላለየ  ማሕበራት ወሲኽካ ውጺኢት ነይርዎ ክበሃል ይከኣል። ን ኣብነት ገለ ሃገራት ከም  ጀርመን ጥልያን ሩዋንዳን ወዘተ ካብ ሊብያ እጃመን ዑቅበኛታት ወሲደን  እየን።  ቑሩብ ቅር ዝብለካ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ዋሕዲ ናይ ኤርትራውያን ነይሩ እዩ።  ኣነ እውን  ኣብ ኣሰና   ኣብ ክለተ ዓንቀጻት ዝጽሕፎ ጽሑፋት  ሓናጺ ነቀፌታ   ኣብ ዘቅርብኩሉ  ጊዜ ዘገርም ሪኢቶታት ይወሃበኒ ነይሩ።  ገለገለ ሰባት ንሰላማዊ ሰልፍን ጐስጓሳትን ረብሓ ከምዘይብሉ እዮም ሪኢቶኦም ዝህቡ ዝነበሩ።  ስለዚ  ስለምንታይ  1. ነተን 29 ብካቶሊክ ዝመሐደራ ክሊኒካት ክዕጸዋ ከለዋን፥ 2. ብ ፋይናሲዊ ሐገዝ ኤሮጳዊ ሕብረት ብዘይደሞዝ ብኣባላት ሀገራዊ ኣገልግሎት ጽርግያ ክስራሕ ከሎ ፥ 3.  ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪት ሽማግለ መንግስቲ ኤሪትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙን ይፍጽምን ከም ዘሎ ጸብጻባት ኣቅሪቦም ክነሶም  ኤርትራ ኣባል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ሰብኣዊ መሰላታት ኮሚሽን (Human Rights Commission) ክትከውን ምፋቃዶም። ኣምር ናይ    ጎስጓሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ካብ  ዘይምርዳእ  ምዃኑ ይበርሃልካ።   ነዘን  3  ፍጻሜታት ሸለል ምባል ናይ ደላይ ፍትሒ  ዝዓበየ ስርሑ “ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ዝበል   ጭርሖ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ  ማለት እዩ።  እታ ካላኤቲ  ናይ ሕብረት ኤሮጳ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምብጽሓ ሐደ ዓወት እዩ።

 

 

ኩነታት ኢሪትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን።   ኣብ ሐደ እዋን ድሕሪ ምውዳቅ ኣልበሽር  ኣብ ልዕሊ  ኤራትራውያን ምግፋፍን ምእሳርን ካብ ስራሕ ምብራርን፥ ብገንዘብ ምቕጻዕን ዝኣመሰሉ  ግፍዕታት ተፈጾሞም እዮም። ኣብዚ  ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኣብዚ ሃገር  እንግሊዝ  ዘለዉ ሱዳናውያን ተቃለስቲ እናተራኸቡ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጠበቃ ክገብሩሉም ፥ ንኻልእ ሓገዝ እውን፥  ላዕለን ታሕትን ይብሉ ነይሮም።   ድሓር ግን እቲ መጥቃዕቲ ዚሒሉ።   ብሕልፊ ብዙሓት ሱዳውያናን ምስ ኤሪትራውያን ምድንጋጽ ስለ ዘለዎም እሞ ብተዛማዲ  እቲ ሲቢላዊ ማሕበረ ሰብ ብድሕሪ  ምዳቅ ኣልበሺር – ተሰማዕነት ክህልዎ ስለ ዝኽእል ምስኦም ጥቡቅ ዝምድና ምግባር  ሐጋዚ እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብመጠኑ ሱዳናውያንን ኢሪትራውያንን ጽቡቅ  ዝምድና ኣለዎም።

 

 

ኩነታት ኢሪትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣስጋኢ ኮይኑ ኣሎ።  እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ዝተገብረ ሰላም ኣብ መንጎ መራሕቲ ተሐጺሩ። ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን መሊሱ ደኣ ገደደ ብኡ መጠን ስደት ወሲኹ። እሱራት ኣይተፈትሑን ንህዝቢ ኤሪትራ እዚ ሰላም   ፍትሒ ኣልቦ  ኮይኑዎ። በንጻሩ ኩነታት ኢሪትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሐደጋ ኣትዩ። ካባኡ ዝኸፋኤ ነቶም  ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር  ሰደተኛታት ህጻጽ ዘሎው 14,000 ኢርትራውያን  – ንመንግስቲ ህግደፍ ጸገም ከይፈጥሩሉን መታን ኣብ ኣዳማ መሬት ኦሮሞ ክግዕዙ ተበይንሎም። እዚ ኣንጻር ድልየትን ኣብያን ናይቶም ዑቅበኛታት እዩ። ኣብዚ  ተላባዒ ኮሮና ቫይርስ ዝነገሰሉ ህሞት ሂወት ናይዞም ስደተኛታት ንሐደጋ  ዘቃልዕ እዩ።   ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢሪትራውያን ሐተትቲ ዑቅባ ከይትቅበል ሐዲሽ ፖሊሲ  ኣውጺኣ።  እዚ ምስቲ ናይ ኢሳያስ ሐደገኛ  ውሽጣዊ ጉዳያት  ኢትዮጵያ  ኢድ ምትእትታው  ዝተኣሳሰር  እዩ። መሳኪን ኢሪትራውያን ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣትዮም ኣለዉ። እዚ እውን ተውሳኺ  ሸኸም ንደለይቲ ፍትሒ እዩ።

 

ሐደ  ዘሕጉስ ነገር ግን  ባይቶ ይኣክል  ኣመሪካ (Yiakl) ነዚ ግፍዒ ንምብዳህ ብመደብ ተተሓሒዞሞ ኣለዉ።   ብቅጽበት ብሕጊ ኣመሪካ  ከም ትካል ግብረ ሰናይ ተመዝጊቦም  ይንቀሳቀሱ ኣለዉ። ብስም Covid-19 Relief For Eritrean Refugees by Eritrean Community Connections  ብኢንተርነት  ብመንገዲ gofundme  ገንዘብ ኣኪቦም።  እዚ ቁዱስ ዕላማ ኣህጉራዊ ኮይኑ: 7 ናይ ይኣክል ሃገራት ከም ዓዲ እንግሊዝ  ተወሲኾኖኦ እየን።  ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ እቶም ብመገዲ ህግደፍ ንምክልኻል ኮሮናቫይርስ ናብ ኤሪትራ ገንዘብ ዘዋጽኡ – እቲ ገንዘብ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ምወዓሉ ጸብጻብ ክወሃቦም ክሰማምዑ ኣለዎም።  ውሕስነት እንተ ኣሊይዎ ዋላ ደለይቲ ፍትሒ እንተሐገዙ ጽቡቕ እዩ።

እቲ ካልእ ዘሕጉስ ምምስራት ፥ ኤሪትራዊ ሐይሊ ዕማም ጥዕና DMV እዩ። 24 ሰዓት 7 መዓልቲ ብዛዕብ ተላባዒ ኮሮናቫይረስ ናይ ስልኪ ምኽርን ሓቤረታን ብነጻ ይህብ።

ደለይቲ ፍትሒ ክንቃሳቀሎም ዘሎዎም  ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዝሮም ዘለዉ ነጥብታት ኢዮም፥

  1. ንናይ ሂወት ኣድሕን ሐገዝ ዘይምቅባል ፡ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ጎስጓስ ምክያድ፡
  2. ተቓውሞ ነቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ብሕብረት ኤሮጳ ዝምወል ዘሎ ጽርጊያ ብዶሞዝ ከም ዝሰርሑ ምግባሮም ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ ኣሎ።
  3. ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ፡ መዓስከር ሳዋ ክዕጾ።
  4. 29 ብካቶሊካውያን ዝምወላ 29 ናይ ጥዕና ትካላት ክኽፈታ
  5. ሕቡራት መንግስታት ዝገበርዎ ዓቢ ጌጋ ዓገብ ምባል። ንሱ ከኣ ባዕላቶም ዘቖምዋ መርማሪት ሽማግለ ኣብ ኤሪትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ተፈጺሙ ዝብል ጸብጻብ ሂባ ክነሳ ንኤሪትራ ኣባል ኮሚሽን ናይ ሰብኣዊ መሰል ክትከውን ምቅባሎም።
  6. ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ ምትፍናን ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ትግራይን ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ወጊኑ ። እዚ ምትፍናን ኣብ ብረታዊ ጎንጺ እናምረሔ   ይኸይድ ኣሎ።ኢሳያስ  ንህዝቢ ኤሪትራ ኣብ  ዳግመ ኩናት ከእትዎ ማለት እዩ።  ነዚ ከይከውን ደለይቲ ፍትሒ ሓያል ተቛውሞ ኣዳልዩ እዚ ሕግውን ደልየት ህዝብን ከምዘኮነ መርገጺኡ ከነጽር ኣለዎ።

 

እዞም ነጥብታት ኣብ ኣጀንዳ ሰፊሮም ከከም ሚዛኖምን ህጽጽነቶምን   ኣብ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ይውገኑ። እቲ ስራሕ በቀራርባን ብዕምቆቱን ተቀባልነት ክርክብ እንተኾይኑ ምሁራት ሰብ ሞያ ክዋሳኡ መታን ማዕጾ ክኽፈተሎም ኣለዎ።  እዞም  ብማኒፊስቶ መልክዕ ፡ መደባቶም ዘብርሁ 95  ዶክተራት ወሳኒ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ እቲ ዝዓበየ  ደስ ዘብል ወረ እዩ።

 ኣቀዲምካ ከም ድሕሪ ባይታ ሐጺር ታሪኽ ኤሪትራ ዝገልጽ ሜሞራንዶም ክዳሎ ሐጋዚ እዩ። እዚ መሞራንዱም ንዝተፈላለየ (Advocacy Campaign)  መእተዊ (introduction) ይኸውን።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ብቐዳምነት  ኣቓልቦ ዝወሃቦ ግን እዚ ኩነታት ተላባዒ ኮሮና  ቫሪስ እዩ። እዚ ውዕል ሕደር ዘይብሃሎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ሐጺር ጊዜ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ሐገዛት ክግበረሉ ይኽእል እዩ።   እቲ ካልእ   ጊዚኡ  ሓልዩ ምስቲ ሐፈሻዊ ፖለቲካዊ  ቃልስታት ዝኸይድ እዩ።

 

ስልውዚ ናይ ሂወት ኣድሕን ሓገዝ ዘይምቅባል ኣብ ቅድም ዝስራዕ ህጽጽ ጉዳይ እዩ። ሐገዝ ምሕሳም፥እሱራት ክፍትሑ ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት ዘይምስማዕ ንህግደፍ ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዓለም ኣውዲቕዎ እዩ።  ህዝቢ ኤሪትራ ጥራይ ዘይኮነ ወጻተኛታት እውን ንኢሳያስ ኪዒቦሞ እዮም። ዓበይቲ ናይ ጥብቅና ትካላት  ከም ዳንካን ለዊስ (Lawfirm Duncan Lewis  ብሐገዝ  ንኤርትራ ፎካስ ክጣበቅሎም ከለዉ ክሳብ ክንደይ ቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ዓለም ተንኪፉ  ከም ዘሎ ይበርሃልካ።  ስለዚ ንህዝቢ ኤርትራ ተነፊግዎ ዘሎ ሐገዝ ክግበረሉ ምጽዓር ውጺኢት ክርከበሉ ከምጽኽእል ኣሚንካ ክትንቀሳቀስ ኣድላዬ እዩ።  ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ ወረታት፡ ህዝቢ ኣብ ገዛኡ ተወሺቡ  ብጥመየት ከም ዝሳቀ ዘሎ እዩ። እዚ ንናይ ዓለም ናይ ጥዕና ውደብ (World Health Organization (WHO)ን  ናይ ሕቡራት መንግስታት ኢመርጀንሲ ፋንድ (UNICEF)  ኣቤት ተባሂሉ ዓወት ዝርከቦ ጉዳይ እዩ።  እቲ ዳኒኤላ ክራቨትዝ ( Daniela Kravetz the UN Special Rapporteur for Eritrea )  “ኤሪትራውያን-  ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ፥ ንሕቡራት መንግስታት  ጸብጻብ  ሊኢኻ   ዝብል እውን ንሑቡራት መንግስታት ኣይከቅስኖምን እዩ ናቶም – ወኪል ስለ ዝኾነት።

ስለዚ እቶም ሐገዝ ዝህቡ ሃገራት ከም ቻይና ዳግመ ግምት ክገብሩ ተሐቲቶም ሕራይ እንተኢሎም ህግደፍ እምቢ ዝብሉ ኣይመስለንን።   እንተ ኣብዩ ኣብ  ወጻኢ  ቤት ፍርዲ ብህዝቢ ምጽናት  ክኽሰስ ይከኣል እዩ። ብሕልፊ እንተደኣ እቲ ቫይረስ ኣብ ኤሪትራ ተዘርጊሑ ብዙሕ ሰብ እንተቀዘፈ (ኣይግበሮ  እምበር)። ኤርትራ ፎካስ ድሮ ምስ ፍሉጣትን ዓበይትን ትካላት ሕጊ ዝምድና ስለ ዘጥረየት ኣበርክቶ ክትገበር ትኽእል ኢያ። ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ተላፈና እንተዘይኮይኑ ግን በይና ትገብሮ ነገር ኣይኮነን።  

  እዚ ክግበር ከምዝከኣል ተመክሮታት ዜጋታት ንሰላም ምርኣይ ይከኣል። ኣነ መስራቲ ኣባል ዝነበርኩዎ   ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤሪትራ (Citizens for Peace in Eritrea): ኣብ እዋን ኲናት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ዝነበረት ኩነታት ናይቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤሪትራውያን ዝበጽሖም ጉድኣት  እተጽንዕ- ከምኡ እውን ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ክግበር – እትጉስጉ ዝነበረት ዘይመንግስታዊት ማሕበር እያ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ-ቁሩባት ኤርታውያን- ንብረቶም ተወሪሱ ክምለሰሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ክኸሱ ከም ዝከኣል ተነጊሩ።  ነቲ ጉዳይ  ኣመሪካውያን ጠበቃታት ሒዞሞ ኣብ ናይ ኣመሪካ ፍርዲ ቤት ቀሪቡ።  ንሕንና ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤሪትራ  ናይቶም ከሰስቲ ንብረቶም ተዘርዚሩ – ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሪትራ   (High court)  ሕጋዊ ቅጥዕታት (affidavits)  ተማሊኡ   ተፈሪሙ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣምሪካ ከም ዝብጽሕ ብምግባር ተሓባቢርናዮም። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንብረቶም ክንሞልሶ ድለዋት ኢና ግን ንዑኡ እተጽንዕ ኮሚሽን ስለዘላ ምስ ወድኤት ነቲ ንብረቱ ዝጠፋኦ ካሕሳ ክንህቦም ቁሩባት ኢና ክብሉ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተኸራኺሮም። በዚ እቲ ፍርዲ ቤት ዓጊቡ ብምርድዳእ ተዛዚሙ።  እቲ ኤርትራ ተሐሲማቶ ዘላ  ሐገዛት ዳግመ ግምት ክግበሮ መንቅስቃስ ምስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሂወት ምድሐንን እቲ ቫይረስ ኣብ ጎረባብቲ ሀገራት ከይዝርጋሕ ዝሕግዝ ስለ  ስለዝኮነ ጽቡቅ ውጺኢት ክህልዎ ይኽእል እዩ ። ነዚ ጠለባት  ጽቡቅ  ገርካ ኣብ መሸጣ  ከተቅርቦ ወሳኒ እዩ።

 

ክሲ ኣብ ልዕሊ ኤሮጳዊ ሕብረት ጽልዋኡ  ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ፤

 

ናይ ኤርትራ ፎካስ (Eritrea Focus) ጠበቃ ዝኾነ ዳንካን ሊዊስ (Lawfirm Duncan Lewis) ዝተባህለ ትካል ጥብቅና – ነቲ ብሓገዝ ሕብረት ኤርጳ ብነጻ ጉልበት ብኣባላት   ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝስራሕ ዘሎ ጽርግያ ደው ከብል ኣብ ቤት ፍርዲ ክምክትዎ ምኻኖም ኣብ ኣሰና ቲቪ   ኣቦ መንበር ፎካስ ሃብተ ሐጎስ ገሊጽዎ እዩ። እቲ ክሲ ኣንጻር መንግስቲ እንግሊዝ እዩ፥  ከም ኣባል ኤሮጳዊ ሕብረት እጃሞም ገንዘብ ስለ ዝኸፈሉሉ፥   ሕጂ ግን እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤሮጳ ኣባልነታ ሲሒባ እያ።

ከምኡ እውን ኣብ ሆላንድ  ብኤርትራውያን ዝቖመት  ንኤሪርትራውያን ስደተኛታት እትሕግዝ ትካል  ብወገና  ክሲ ኣንጻር ሕብረት ኤሮጳ ኣቅሪባ ኣላ።  ነዚ ክልተ ሐደ ዓይነት ክስታት ብዙሓት ናይ መድያ ማዕከናት ኣቃሊሖንኦ እየን።  Reuters፥ Sunday Times, BBC ወዘተ። ዘኒዩዮርክ ታይምስ (The New York Times)    ሕብረት ኤሮጳ  ነቲ ስራሕ ጽርግያ ክሳብ ሕጂ 80 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዝሃበትን 120 ሚልዮን ተወሳኺ ከም ዝስዕብን ገሊጻ።

እዚ በቀሊል ዝረኤ ኣይኮነን ነቲ ደላይ ፍትሒ   ሞራሉ ሐፍ የብሎ፥ ብኡ መጠን ተወፋይነቱ ክብ ይብል፡ ። ዓለም እውን ንመንቅስቃስ  ደለቲ ፍትሒ ኣቃልቦ ይገብራሉ። ኣህጉራውያን  መንግስታት እውን ብዛዕባኻ ክፈልጣ ይደልያ። እት ቀንዲ ግን መንጠሪ ንኻልእ ዓበቲ   ምንቅስቃሳት  እዩ።

ነቶም ኣንጻር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝቃወሙ ዓቢ ፍናን እዩ። ን ኣብነት ከም ሂዩማን ራይትስ ዎች፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ከማኡ እውን ነተን  ናይ ኤሪትርውያን ማህበራት።  ካልእ ዘሕጉስ ወረ መንግስቲ ጀርመን.ንመንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ህዝቡ ዘይኽበር ብምዃኑ ሐገዝ ኣይግባኦን ኣዩ ኢላ ምስሐባ ኣብተን ኣባላት ሃገራት ሐድነት ኤሮጳ ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ  ከተሕደር ትኽእል እያ። እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳ ነብሰን ከም ዝሓካ ፍሉጥ እዩ። ብሕልፊ ጀርመን ዓባይን ዝሃብተመትን ኣባል ኤሮጳዊ ሕብረት ብምዃና።

እቲ ኣውራ ኣገዳሲ ግን ናይ ወጻኢ ኣዋፈርቲ – ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ደሞዝ ከስርሑ ( ሕራይ ክብሉ) ከሸግሮም እዩ።  እቲ ሕቶ መንገዲ ኣይሰራሕ ኣይኮነን፡ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ደሞዝ ክግበረሎም ኣለዎ፡፡  ኣብ ርእሲኡ ጉቡእ  ሕክምና- ጥጡሕ መነባብሮ ወዘት ክረኽቡ ኣለዎም።  ወዮ  ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢሪትራ  ናይ ስለላ መርበብ ናይ ህግደፍ ስለዝኾነ እዩ እምበር – ንሱ እዩ ኣንጻር ደሞዝ ዘይምኽፋል ክማጎት ዝነበሮ።

ነዛ ጽሕፍቲ ኣብ ምልኣኽ ከለኹ።   ካብ  (Europe External Policy Advisrs ) ዝረኸብኩዎ ሐበረታ ደስ ዘብል እዩ፥ ንሱ ከኣ ክልተ ካብ ናይ ውድብ ሕቡራት ትካላት UNICEFን  WHOን  ኣብ ኤሪትራ ምልባዕ ኮቪድ-19 ጠጠው ከብሉ – ዓቢይ ምቅርራብ ገይሮም ስራሕ ጀሚሮም ኣለው።  2000 ጥርሙስ  ናይ ኣእዳው ሳኒታይዘር፥ ናይ ኤሪትር ፍርያት ዝኮነ  ናይ ጥዕና 86,000 ሳምና ኣብ ቤት ትምህርቲታት  ነቶም ግዳያት ክኾኑ ዝኽእሉ (most vulnerable) ዝዕደል። ኣብ ርእሲኡ ዩኒሰፍ፣ ብመንገዲ ረድዮን ተለቪዥንን ኣቢሉ ተክኒካዊ ሓገዝን ሓበረታን ኣብ ምግባር ይነጥፍ ኣሎ። ንክኢላታትውን ንጥዕናን ኣመጋግባን ዝምልከት ፍሉይ ስልጠና ይህብ ኣሎ። ግን ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ቍጽሪ ቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተጠቕዑ ዜጋታትን ዘድልዮም ሓገዛትን እኹል ሓበረታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ንሰብኣዊ መሰል ዝጣበቓ ትካላት ስግኣተን ይገልጻ።

እቲ ዘሕዝን ግን ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቃ ማሕበራት ብምኽንያት ምዕጻው ብኻቶሊካውያን ዝካየዳ 29 ናይ ጥዕና ማእከላት- ሃጓፍ ኪኢላ ዓቅሚ ሰብን ማእከላት ጥዕናን ስለዘሎ  ስክፍተኤን ገሊጸን ኢየን።

እታ ሐንቲ ዘላ እቲ ናይ ሕክመና መሳሪሒታት ኣብ ዘለዎ ተዓሽጉ እንተሎ ኣብ ቦታኡ ኣምጺኻ ነተን ዝገልግላ ደናግል እንደገና ናብ ቦተኤን ምምጻእ እዩ። እዚ እውን ክሕተተሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

 

ተፈጸመ

1.ፍቶግራፍ፥ ብማይግራንት ቮይስ (www.migrantvoice.org)   ሐተቲ ዑቅባ ሰኣን ሂወት ኣድሕን ጃካታት ይሞቱ ኣለዉ ። እዚ ንወዲ ሰብ ኣዚዩ ዘሕዝን ተግባር ከተርፍ ኣለዎ ዝበል ጎስጓስ እዩ። ጽሑፋት እውን ይዕደል ነይሩ።

  1. ዘጋታት ንሰላም።Citizens For Peace፡ ኩነታት ናይቶም ክሳብ 70,000 ካብ ኢትዮጲያ ዝተሰጉ

ግዳያት ኣጽኒዓ ሐገዝ ክግበረሎም ትንቀሳቀስ ዝነበረት ማሕበር እያ።  ናይ መጽናዕቲ   ኣበርክቶ ዘለዎ  ኣንትሮፖሊጂስት ፕሮፈሶር ኣስመሮም ለገስሰ እዩ።

  1. ዜጋታት ንሰላም – ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብግዲ ኣብ ዊዓ ተወሲዶም 2 ተመሃሮ ብጸሓይ ወቅዒ ምስ ሞቱ መንግስቲ ኤርትራ መሰል ተመሃሮ ጊሂሳ ኢልና ኣብ መቃልሕ ብተሪር ቃላት ኮኒንናዮም።  ብድሕሪኡ ብመንግስቲ  ምፍርራሕን ምጥንቃቅን ምስ በዝሔ  ዜጋታት ንሰላም ነጻ ኮይና ክትሰርሕ ኣይከኣለትን።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

yakobe@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT