Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንመድረኽ ተቐሪብናዶ?

ንመድረኽ ተቐሪብናዶ? 6 ማዝያ2012 ክቡራትን ክቡራንን፡ ዓበይትን ናእሽትን ደቂ ሃገርይ፡ሒዝናዮ ዘልና መድረኽ ግዜኡን፡ኡዋኑ ተሃዋሲ እናኾነ ይኸይድስለ ዘሎ፡ደምበ ተቓውሞ ድማ ገና ዘይ ዓኾኸ ኮይኑ ይጛዓዝ ብምህላዉ፡ንዝመጸና ከቢድን ተሓላላኽን መድረኽ ንቕረብዶ ኣለና?ወይስ “ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና” ኢና ክንብል። እስከ ንገንዘብ

ንመድረኽ ተቐሪብናዶ?

6 ማዝያ2012

ክቡራትን ክቡራንን፡ ዓበይትን ናእሽትን ደቂ ሃገርይ፡ሒዝናዮ ዘልና መድረኽ ግዜኡን፡ኡዋኑ ተሃዋሲ እናኾነ ይኸይድስለ ዘሎ፡ደምበ ተቓውሞ ድማ ገና ዘይ ዓኾኸ ኮይኑ ይጛዓዝ ብምህላዉ፡ንዝመጸና ከቢድን ተሓላላኽን መድረኽ ንቕረብዶ ኣለና?ወይስ “ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና” ኢና ክንብል።

እስከ ንገንዘብ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት ከመይ ኣለና?፡ ከምኡ ድማ ደምበ ተቃውሞ እስከንተዓዘብ፡ ኪዳን? ዘይ ኣባላት ኪዳን? ሲቪካውያን ማሕበራት? ሰልፊ ህዝቢ? ግዱሳት ሃገራውያን ንለውጢ? መንእሰያት? ደቂኣንስትዮ? ከም ኡውን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲን ለውጥን? ዝብል ኣስማት ሒዝና ንጛዓዝ ኣለና፡፡ ጽባሕ ስርዓት ኢሳያስእንተወደቐኸ! ተቐሪብናዶ?

ዝተቐርቡ ኣይሳኣኑን ይኾኑ ፍሉይ ዓላማ ዘለዎም እንተኾንኸ? እዚ ፍሉይ ዓላማ ኣብ ጽልእን ቕርሕንተን ዝትመርኮሰእንተኮነኸ! እንታይ እዩ ክግበር ዝከኣል? “ዉሕጅ ከይመጸ መገዲ ዉሕጅ ጽረግ” ዝብሃል ምስላ ግዜኡዶ ኣይኮነን?

ሰማይ ደበና ድብንብን ይብል ኣሎ! ሰማይ ይሃምም ኣሎ፡ በርቅን ነጎዳ የጉረምርም ኣሎሞ! ዝናብ ምስ ዘነበ ዉሕጅምስጋሩ ከየጸግም “ድልድልዶ ተሰሪሑ”?፡፡

ንመድረኽ ተቐሪብናዶ? ክሓትት ዘገደደኒ ምኽንያት ስለ ዝረኸብኩን፡ ቀጺል ድማ ኣነ ድየ ዲሒረስ ወይስ ምስቶምኣርሒቖም ዝሓስቡ እዬ ተጸንቢረ? እናበልኩ ይሓስብሞ!

እስከ ምስ ኣሕዋተይ ክማኸር ኢለ እዬ ሕቶ ናብ ኩላትና ከቕርብ ተገዲደ፡፡

ሕጂ ኤርትራውያን ኣብ ምንታይ ኩነታት ንርከብ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ማንም ኤርትራዊ ዝሓስቦን ዘስተንትኖን ዘሎ ስለዝኾነ፡ መልሲ ንኹላትና ዘተሓብብር ክንረክን ግና ነጻ ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ካብ ስምዒት ሓራ ዝኾነ ኣእምሮ ተጠቒምና ክንሓስብእንተተኻኢሉን፡ ብኩዉንነት ምስ እንርኢን ማለት ክልተ ተደመሮ ክልተ= ኣርባዕተ(2+2=4) ከም ዝኾነ ኣሚና እንተ መጙትናንጥራሕዩ እቲ ሓቅነት ዝግለጽ፡፡

እምባር ኤርትራውያን ዘልናዮ ኩነታት ኣብ ውሽጥ ሃገርን ኣብ ስደትን እንነብር ኣይጠዓምናን፡ ስርዓት መንግአስቲኣስመራ ኣብ ዓለም ተወጊዙ፡ ህዝቢ ፍትሒ ሲኑ፡መነባብሮ ሰብ ከቢዱ፡ ሓዳር ተመዛቢሉ፡ቖሉዑ ብዘይ ኣቦታቶም ይዓብዩ፡ ኣንስቲብዘይሰብኣይ ይኣርጋ፡ ኣደታት ደቆን ስኢነን ብናፍቖት ይስቐያ፡ ኣረግቶት ወለዲ ኣላዪ ስኢኖም ይሽገሩ፡ መንእሰያት ተስፋቖሪጾም ፈቀዳኡ ይመቱን የቅዘፉን፡

መጻኢ ትውልዲ ብድንቑርና ይጽበ……ዘርዚርካ ኣይዊዳእን ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡፡

“ሕማቕ ዘበን ባዓል ጋዕሳ ኣለዋ” ከም ዝበሃል ሕጂ ዝጠዓሞም የለዉን ማለት ኣይኮነን፡እንተ መሕለፊ ፍቓድ ሸይጦም፡እንተ ጉቦ ተቐቢሎም፡ እንተ መንዚዖም ዝጠዓሞም ኣለው፡ ከም ኡውን ኣብ ስደት ዝነብሩ ተበላጾ ሙህራትን፡ እንታይ ገደሰኒ በሃልትንወሲኽካ ብዙሓት ዝጠዓሞም ኣለዉ፡፡

ሕቶይ ግና ነቲ ሓላይ ህዝቢ እየ ኢሉ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዝዋሳእ ዘሎ ዜጋ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣባላት ኪዳን ኣብ ኤውሮጳን ክዘሩ ቀንዮም፡ ምንም ኣይኮነን ሙሉእ መሰል ኣለዎም ክዘሩ፡እንተኾነ ገዳ ኣብ ዘይስራሖም ከይ ኣትዉ ጥንቃቐ የድሊ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኪዳን ዝበሃሉ ኣብ “ፈጻሚት ሽማግለ” ኣካይዲኣካል ተመሪጾ ከምዘለዉ ፈሊጥና ነርና፡ ሕጂ ግና፡ ኣቶ በሺር ኢስሓቅ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤውሮጳ ዑደት ጌሩ ህዝቢ ኣኪቡገንዘብውን ሓቲቱ ዝብል ወረ ይስማዕ ኣሎ።

ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ ኣቦ መንበር ናይ ሳግም፡ ተወስኺ ኣቦ መንበር ናይ ኪዳን፡ ቀጺሉ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ኣካይዲ ዜናን ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣብዚ ሓድሽ ሃገራዊ ባይቶ።እዚ ተደራራቢ ህዝባዊ ስልጣን ኣቶ ተወልደ ብጣዕሚ እሙን ስለዝኾነ ድዩ፡ስልጣን ህዝቢ ምግባት ናይ ስልጣን ብልሽውና ወይ ቃልሲ ንኸይስጉም ምዕጋትዶ ኣይኮነን?።

ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲን ለውጥን ሓላፍነት ህዝቢ ተሰኪሙ ከብቅዕ፡ ናይ ባይቶኣካይዳ፡ ካበይ ጀሚሩ ናበይ ከም ዝጛዓዝ ንህዝቢ ከፍልጥን ክጉስጉስን ዶ ኣኮነን ሓላፍነት ዝተርከቦ? ብዘይ መጽናዕቲ ኣባልባይቶ ወካሊ ናይ ሲቪክ ከደስክል ግዜ ኣይወሰደሉን፡ ኣብ ቅድሜኡ ኣቶ በሽር ኢስሓቅ ኣብ ሎንደን ኣኼባ ከካይድ ዓገብ ግንኣይበለን።

ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ናይ ለጻሚት ሽማግለ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ ክስብ ሕጂ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፉ ስልጣንካብ ዝርከብ፡ እንተኾነ ምስ መድረኽ ክጉዓዝ ኣይተራእየን፡ እንታዩ ጸገሙ? ኣባላት ኪዳን ኣብ ዘይሓላፍነቶም ክንቀስቀሱንምንታይ ስቕ ኢሉ ይርኢ ኣሎ? ንምኻኑ ፈጻሚት ሽማግለ ሸሞንተ ካብ ኪዳን፡ ሸሞንተ ካብ ህዝቢ፡ ሓሙሽተ ካብ ኣባላት ኪድንወጻኢ፡ ክኾኑ ከለዉ ንምንታይ እዮም ኣብቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣካየድቲ ካብ ህዝቢን ካብ ኪዳን ወጻኢን ዘይተመርጹ?

“ዝመጸጸ ስዋ ኣብ ሓድሽ ዕትሮዶ!” ኣይኮነን?።

ኣብ መርበብ ዓዋተ ከም ዝተገልጸ ዲፕሎማቲክ ዓወታት ከም ዝተመዝገበ ብኣባላት ተቃለስቲ እስልምና ማሕበርኤርትራውያን ኣብ ግብጺን ኣብ ኣልጀርያን ሰሚዕና፡

ኣሕዋት ኣስላም ግብጺ ጽቡቅ ፍቃዶም ኮይኑ ንኣሕዋት ኣስላም ኤርትራውያን ከምዘዘራርብዎም ተገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ባይቶ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝጛዓዝ ዘሎ ኮይኑ ኣይተራእየንን ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ኣሎ? ኣብመንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኹሲ ምልውዋጥ ከም ዝተገብረ ዓለም ሰሚዕዎ፡ ዶክተር ዮሱፍን፡ ኣቶ ዮውሃንስን፡ ኣቶ ሸንገብን፡ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴን ሰሚዔምዎዶ? ኢለ ንነብሰይ ሓቲተ፡፡ እንታይ ክገብሩ ዲና መሪጽናዮም? ኢለውን ሓተትኩ ንነብሰይ።

ኤርትራን ህዝባን ኣብ ቅልውላው ምህላው ንማንም ክዉል ኣይኮነን፡ መሪሕነት ኪዳን ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ዝብል ዘረባኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብ ፈጻሚት ኣካል ዘይተመርጸ ሰብ ኣሎ ዝብሃል ኣቶ ሑሴን ኸሊፋን ኣቶ በሽር ኢስሓቅን እዮምጉጅለ ተዳሙ (መንዓምርን ቢለን መቀጸልታ ኣደቡሓ) ስልጣን ኣብ ኢዶም ኣሎ።ከምዚ ኢልካ ድማ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ዜብጽሕ ኮይኑኣይራኣየናን።

“ሰብ ኣብ ዓዱ፡እክሊኸ ኣብ ዓውዱ” ከም ዝብሃል መንነትና ንፍለጥ፡ መንነት ሓበሻ ጥንታዊን ታሪኻውን እዩ። ኤርትራዊመነቱ ድማ ዓዱ ስል ዝኾነ፡ከም ነውሪን ከም ዘሔፍርን ገርካ ክውሰድ ኣይግባእን፡ ሕጊ ዓደቦ፡ መሰረት ህዝቢን፡ መበቆሉን ክኾኑከለዉ፡ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሳስባ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገር ምስ ተኣትወ ምርጫታት በብዓዱ፡ በብወረዳኡን፡በብኣውራጃኡንስለ ዝከውንሲ ሰብ ይቕረብዶ ኣሎ? ወይስ ደርፊ ህግደፍ ኤርትራዊየ እንበል ኮቦሮ ምውቅዕዩ! ማለት መሰረት ስል ዝየትሕዝ ኣብዓዱ እዩ ሰብ ዝመርጽን ዝምረጽንሞ! ብዝሒ ህዝቢን ቦታን ግደ ስለዘለዎ ስብ ይቕረብዶ ኣሎ? ዝመጾ ይፈልጥዶ ኣሎ?

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ባይቶ ኣመሰራርታ ሚዛን ዘይሓለወን፡ ኣግባብ ዘይተኸተል ኣተዓዳድላ ሪም፡ቢሔራትን፡ቆላን ደጋን፡ሃይማኖትን፡ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን፡ ብግቡእ ኣይተዳላደልን ዘሎሞ! ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከመይጌርና ከንደላድሎ ንመድረኽ ተቀሪብናዶ?

እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ፈጻሚትን ኣባላት ባይቶ ዝልዓለ ቦታ ሒዞም ዘለዉኸ! ሓላፍነቶም ከቢድ ምኻኑን ተሃዋሲነቱንኣዕሚቖም ንኽፈልጡ ግዴታ ኣለዎም።

ኣሰራርሓ ግሉጽነትን፡ ኪእላታት ዜጋ፡ ፈላጣትን፡ምሁራትን፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ህዝብና ከሳትፉ ምጽዓርን ከም ኡድማ ብሓላፍነትዘሕትት ስልዝኾነዉን መራሕቲ ክፈልጥዎ ይግባእ፡ ሓልፍነት ህዝቢ ብዓርከይ ዓርከይ ዝመሓደር ኣይኮነን።ህዝቢ ኤርትራ “ካብ ሓዊወጺኡ ናብ ረመጽ ንኸይኣቱ” ክሕሰበሉን ክጸዓረሉን ዘለዎ ጉዳይ ከም ምኻኑ ከማሕጽን ይፈቱ። ሕጂውን ንመድረኽ ተቐሪብናዶ?

ዓወት ንውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Marosso April 6, 2012

    Mr haile did you ask yourself what have i done what can i do!! you forgot to include that you are doing working hard by giving money helping Eritreans back home and have you working hand to hand with one those organization,instead of posting 4-5 page make short and clear(summarize) it’ good but you need to ask yourself most what you wrote. our Bandera is in border hgdef is going down soon,let us put our hands together and save the country.

    ዓወትና ቀሪቡ ዉድቀት ሕግደፍ ናይ ግድን’ዩ።

    • Baraee April 6, 2012

      Marosso,
      That is the problem with old and defunct thinking of years of struggle….Look even the flag shown there is indicative of regressive thinking. …We have liberated our land and have a flag…we do not need to rethink that….What we need is now liberate ourselves our people democratically. …This is the exact reason the ELP failed too much decree, 10 page minutes of minutes and “demdimu”…decree after decree and end up to be an old lion without no teeth.
      Let the young re-shape our jouney….they may not hae the education or elite of our own sturggle led us to an indoctrined movement….but they have real time experience around a failed govenroment most of them served on the pretext to serve the nation…they understand what a failed organization is a failed governoment is….In fact they will do better the ENASA and all elite organization that ever existed.

      • Baraee April 6, 2012

        read ELP to mean ELF

  • Abnet Tesfai April 6, 2012

    Marosso
    let us put our hands together and save the country………..
    good conclusion but how can we unite and dismantle the wolves in Eritrea and build a nation with constitution by which every body is ruled by the law and have the right to leave and work in his own country rather than committing suicide in the diaspora, Sinai and other unsafe places of the world.
    the main problem is most of the people in the diaspora are speaking for the sake of their narrow interest like how to seize power based on religion, friendship. their start clearly reveals if they replace the Asmara regime by now they could not handle the eritrean case better than the dictator. because they have neither the ability nor the aim of doing that. the reason behind the Eritrean people is not following to their ideology and initiative is their fragile attitude and vapid mentality. therefore at this very moment the eritrean people wants any leadership with clearly stated goals and missions and transparency. or else the country will be worst than Somalia after the downfall of the dictator.

  • Hazhaz April 7, 2012

    like it or not Hawasa and its leaders are dead, like their defunct long dead mother Jebaha ELF.
    they did not yet say a word about Weyane’s military attak on Eritrea.
    The gangs in Hawasa only speak when Ethiopia orders them to open their smelly mouths.

    • Baraee April 7, 2012

      and that is why they will fail….the people of Eritrea are passively defensive which is bad because we wait too long to fix things….but it is not easy to befool them from start. I am proud of EYGM for their stand to Ethiopian agression.
      ELF and it’s defunct methods continue to fail…I honor those men who spent their life long in ELF battles…but it is time they get off the leadership ambition. No ONE over 50 years OLD will in the next governoment we build in Eritrea.

      • Translate April 8, 2012

        Baraee
        Don’t take me wrong here my friend because I am with you all the way. We must free our people. But you say “no one over 50”? If I were you, I would seriously think that over.

  • SINGAPO - ERITREAN April 7, 2012

    ኣስላም ድዮም በዚሖም ወደይ ፧ እቲ ብሌንከ ኮቶሊኽ ድዩ ኣስላማይ ፧ ድሓን ኣጆኹም ናይ ክርስትያን ህግደፍ ኣላ። ኪዳንኩም ይበተኽ ፣ተኻትዑ ድሓን ንስኻትኩም ካብ 1975 ጀሚርኩም። ካብዞም መን እሰያት ንዓኹም ዝኣምን እንተልዩ ግን ኣብ ሳንታ ክላውስ፣ ንኤርትራ ሓራ ከውጽኣ እዩ ኢሉ ምእማን ይሕሾ።ኣየ ኤርትራ ምስ ኣሕዋትና ዘጻልኡና ድኣ የጕህየካ !!!

  • Cambo April 7, 2012

    ዝገርም እዩ፣ ንዓመታት ዝኾነን ዘይኮነን ጽውጽዋያት እንዳመሃዙ ኣብዚ ሓዊ ዝወተፉና።
    ሎሚ፣ ብውሽጢ መፍቶ ህግደፍ፣ ብግዳም ድማ መጻወቲ ባዕዳውያን በደዊን ኣዕራብን ደለልቶምን ኴና።
    ብዕሽነቱ ኣርሒቑ ምርኣይ ዝተሳእኖ ህዝቢ፣ ከምዚ ከማና የዒንቱ ተዓሚቱ ንህጉም ዝኣተወ ይህሉ ዶ ኾን?
    ንነዊሕ ዝጠመተ ራእይ፣ ንረባሓና ዘይጻረር ብኸመይ ሰሓትናዮ?

  • ገርዖልታ April 7, 2012

    ዘድል ዘሎ ዘረባታት ዘይኮነስ ከምዚኣ ናይ ወያን ነውዲ ኣፍ በርቂ ምብራቕ

  • ahmed saleh April 9, 2012

    I prefer to be careful not to over react in analyzing a political situation and it’s
    perspectives. I believe we should put our thought where we want to end up to
    the future, not on the past. Beware of power battles based on age and try to
    take advantage of current opportunities to heal and shed old values and beliefs.
    Overall disregarding un-neccessary judgements to each other only guarantee the
    success of this political movement for democratic Eritrea. Life goes two way, not
    by my way kind of ideas but with inclusiveness.

POST A COMMENT