Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሕና ምስ ጳጳሳትና ሸጥ መዓንጣና

ንሕና ምስ ጳጳሳትና ሸጥ መዓንጣና   ሎሚ እዛ ቅድስቲ ሃገረ ኤርትራ ዓውደ ኩናት ናይ ርኹሳንን ቅዱሳንን መናፍስቲ ኮይና ኣላ። ቅዱሳን መናፍስቲ ሕሰም ህዝብና ክዛዘምን፡ ነባሪ ፍስሃን ራህዋን ክሰፍንን፡ ብስርዓተ ሕግን ዘንግን እትምራሕ ሃገር ክትህልወናን፡  ኣርባዕቱ ወንጌላውያን ብስም

ንሕና ምስ ጳጳሳትና ሸጥ መዓንጣና

 

ሎሚ እዛ ቅድስቲ ሃገረ ኤርትራ ዓውደ ኩናት ናይ ርኹሳንን ቅዱሳንን መናፍስቲ ኮይና ኣላ። ቅዱሳን መናፍስቲ ሕሰም ህዝብና ክዛዘምን፡ ነባሪ ፍስሃን ራህዋን ክሰፍንን፡ ብስርዓተ ሕግን ዘንግን እትምራሕ ሃገር ክትህልወናን፡  ኣርባዕቱ ወንጌላውያን ብስም ኣርባዕቱ ጳጳሳን ካብ ጽርሃ ጽዮን ወሪዶም ደወል „ተለዓል,, ይወቕዑ ኣለው። ነጋሪት ,,ተበራበር,, ክእውጁ ይርኣዩ።  ርኹሳን መናፍስቲ ድማ፡ ብኢሰያስ ተወኪሎም፡  እንጌራኦም ኣብ ስቓይን ስደትን ሕጊ ኣልቦነትን ዝተሰንከተ ከምዃኑ መጠን፡ ስደት መተካእታ መግዛእቲ፡ ኣዋጅ መተካእታ ቅዋም፡  ኣውያት መተካእታ እልልታ፡  ኮይኑ ንክቕጽል የጉርዑ ኣለው።

 

እዞም ኣርባዕቱ ወንጌላውያን፡  እዚ እዋን ዕለተ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ፡ ዕለተ ትንሳኤ ናይ ኤርትራ እውን ከምዝኾነ እናተነበዩ፡ ,, ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግዓዞ ለኣዳም,,  ማለት ,,ንሰይጣን ኣሲሩ ንወዲ ኣዳም ሓራ ኣውጸኦ,, ኢሎም እናዘመሩ ፣ ስርዓት ኩናት ብስርዓተ ሰላም ክትካእ፡  ሓይልታት ጸልማት ተቐንጢጦም ኣብ ክንድኦም ሓይልታት ብርሃን ክዓስሉ፡  ናይ ምስግጋር መድረኽ ከምዝተቐራረበን ትንግርተ ሰማየ ስማያት ከምዝመጸን የበስሩና።

 

ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ተራና እንታይ ይኹን ?። ኣብዚ ዘመን ናይ ኣፈርክቡ እዚ፡  እጃምና ብከመይ ይግለጽ ? ሕጅኸ ናበይ ? ዳግማይ ትንሳኤና ብከመይ ነረጋግጽ ? ንዝብል ሕቶ ብሓጺሩ ክንምልስ እንተኾይኑ፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ሎሚ ዘይኮነ ሕጂ፡ „ ንሕና ምስ ጳጳሳትና ሸጥ መዓንጣና“ ኢልና ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ጎኖም ክንስለፍ ንግደድ። ከመይሲ፡ ኣብ ሓይሊ ፈጣሪ ንዝተሞርኮሰ ሓይሊ ውጹዓት፤ ዝዳረጎ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሓይሊ ስለዘየለ።

 

ብሓይሊ ፈጣሪ፡ ጸሓይ ምድረበዳ ሰንጢቕና፡ መሰገደል ሰጊርና፡ ነቶም ንጥፍኣትና ዝኣለሙ ኣላሽ ኣቢልና፡ ኣብ ፈቀዶ ሰሃራን ቀላያትን ተበታቲና፡ ንክንጠፍእ ዝወጠንዎ ውጥን፤ ማህሚኑ፡ ከምቲ ዝተመነይዎ ፡ ከም ማይ ክይሃፈፍና ፡ ከም ተመን ኣጻምእ ሰንጢቅና ዝወጻእና ሓላል ህዝቢ ኢና እሞ፤  ሎሚውን ሕሰምና ንክዛዘም ንስመር ጥራይ።

 

ብኢሰያስ ዝምርሑ ርኹሳን መናፍስቲ ፤ ሸውዓተ መኣዲ ልሒሶም ብሓንቲ ኩላሶና ዝቐንኡ፤ ሓምሳ ኩንታል ወርቂ ንምዕልቲ እናሸጡ ሓሙሽተ ፍረ በለስ ካብ ቆልዓ ሰበይቲ ዝምንጥሉ፤ ኩንታላት ከዚኖም ሓንቲ ርብዒት ቡሑቕ ዝህግሩ፤ ብፍቅረ ንዋይ ኣዒንቶም ዝዓወረ ደመኛታት፤  ሎሚ ,,ኣለና !!..መጻእና !!’’ እኳ እንተበሉ ኣዳራሾም ተጨዲዱ፤ ኮኾቦም ወዲቑ፡ መሬት ዓሪብዎም፡ ገዛ ጠፊእዎም፡ ነንሕድሕዶም ዓይኖም ተናቒሮም ፡  ሓሚሞም እንተኸዱ ሓኪሞም ሞይቱ ጸኒሕዎም ፤ ኣሎሞ ፡ ኣብዛ ዛዛሚት መድረኽ እዚኣ ኣብ ጎድኒ ጳጳሳትና ብግብሪ ደው ንበል። ,, እንታይ ኣሎ ሓድሽ ወረ,, ዘይኮነ ,, እንታይ ኣሎ ኣነ ዘበርክቶ,,  ኢልና ነቲ ሸኸም ሻማሻማ ንበሎ።

 

መን ኣሎ ዝሕደሶ ህግደፍ ጸለመ እንተጀመረ ?

 

ርኩሳን መናፍስቲ ኢሳያስ ፡  መጀመርያ ጽፍሪና መንጢሎም ይደናደኑ፡  ኣስዒቦም ኣጻብዕና ሒዞም ይምንዝዑ፡ ኣዳህሊሎም ኢድና ይቖርጹ፡ ኣብ መወዳእታ ግብረ/መልሲ ምስሰኣኑ ድማ ፡  ኩሉ ኣካላትና ከምዝኹሉሱ ፈሊጥና ፡ ንውልቀ ጳጳሳትና ይኹን ንውልቀ ካህናትና፡  ወይ ውን ብጾትና ብተናጸል ፡ ከጥቅዑን ከሳድዱን ወይ ክምቁሑ ከምዝፍቱኑ፡ ፍሉጥ እዩሞ፣ ,, እንታይ ገደሰኒ ንዓይ ዘይተንከፉኒ,,  ከይበልና፤ ኣይብሱል ኣይጥረ ከይኮንና ፡ ,, ሓወይ ኣበይ ኣሎ ?  ጳጳሰይ ኣበይ ኣትዩ ? ብምባል ፡ ብሓደ ትንፋስ፡ ብሓደ ህርመት፡ ንሓንቲ ሴፍ ናይ ቅዱስ ሚኪኤል ንዕተር፡፡  ሴፍና ካብ ሴፎም ከምዝበልሕ፡ ሓቅታትና ንሓሶታቶም ከምዝዕብልል፡ ካብ ዓረ ዝተረርና ካብ በርበረ ዝመረርና፡ ሕዝቢ ከምዝኾንና ይፍለጡ፡፡ ሽዑ ጥራሕ እዩ ሕዝቢ ኤርትራ ከምዝተሳቐየ ዝስቆሮም።

 

እቶም ርኹሳን፡ ብሓሶትን ጸለመን ምድረ ሰማይ ዘጣብቑ፡ ብንብዓት ንዝጠልቀየ ኣፍልቢ ኣዴታትና ማይ ሃሪምዎ፤ ብጓሂ ንዝሓረረ ልብና ጮማ በዚሕዎ፤ ብዓሶ ንዘንቀጥቀጠ ኣካላትና ጓይላ ኣድክምዎ፤ኣብ ክንዲ ብሰንክና ብሳላና አውሮፓን ኣመሪካን ሰፊርኩም እናበሉ ናይ ግልብጥሽ ዘውርዩ፤  ሎሚውን ንዓለም ንምድንጋርን፤ ,,ኣለና !! ኣብ ጎድኒ መንግስትና ,, ንምባልን፤ ኣብ ቦሎኛ ኢጣልያ፡ ካብ ምሉእ ኤውሮፓን ኣሜሪካን ዝኣኻኸብወን፡ ኣመንዝራታትን ጠንቆልትን ብላዕሊ መስቀል ብውሽጢ ሽጉጥ ዝዓጠቁ ኣቅሽሽቲ መሰል ካድራትን፡ ገፋፊጦም፤ ከርበን ዕጸ ፋርስን እናህገጉ፤ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፓዱሳ ክስዕስዑን ከጉሩዑን ንጓኔን ክውድሱን ይሻባሸቡ ኣለውሞ ፤ ትንፋስ ከይሃብና በቲ ስሙር ቅልጽምና ስዩም ነብሎም። ነቲ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፓዱሳ እናፈከሩ  ,, ገዳይ !!  ገዳይ !! ,, እናበሉ ክድብሉን ክፍክሩን ዝውጥንዎ ዘለዉ እከይ ግብሪ ናብ ገዛእ ርእሶም ንገምጥሎ።  መርገም ናይ ኣደታትን፡ ደም ናይ ንጹሃትን፡ ,,ኤህ,, ይብል ኣሎሞ፡ ኣብ ክንዲ ገዛ ዓጽዮም ዝሳራሰሩ፡ ገዛ ዓጽዮም ክበኽዩ፤ ኣብ ክንዲ ባኖን ክራባታን መንጠሊና ሕፍረት ክኽደኑ፤ ኣብ ክንዲ ካፕሬቶ በትሪ ሓቂ ክድረሩ እዮም።

 

 

ኣብ መወዳእታ ፡ መስተርሆት ህዝብና ንምቅልጣፍን፡ ሕሰምና ነባሪ መዕለቢ ክግብረሉን፡

ነዚ ትንግርት ናይ ኣርባእቱ ወንጌላውያን ጳጳሳት፤ ፡መራሕቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ውን ኣሰሮም ብምኽታል፡ ,,ተጸበዩና,,  ዘይኮነ ,,ንስዕበኩም ኣለና,,  ዝብል መልሲ ክትህቡን፡ ነዚ ብምትግባር ድማ፡ ስምኩም ኣብ ምድሪ ህያው ፡ ሰፈርኩም ኣብ ሰማይ ጥጡሕ፡ ከምዝኾነ ክትግንዘቡን እላቦ፡፡

 

 

ምሕረቱ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Mike June 18, 2014

    Where is your brother?

    Where I read the source of this saying by the Catholic fathers “where is your brother” is….

    Genesis 4:9 Then the LORD said to Cain, “Where is your brother Abel”. And it goes as this….”…Cain told Abel his brother. And it came about when they were in the field, that Cain rose up against Abel his brother and killed him. Then the LORD said to Cain, “Where is Abel your brother?” And he said, “I do not know. Am I my brother’s keeper?” He said, “What have you done? The voice of your brother’s blood is crying to Me from the ground.…

    And there goes that the blood of Eritrean fighting for liberation, fleeing the torture in the hands of their own brothers, and drowned in the bottom of the Mediterranean Ocean.

    So where are our brothers?

  • Afom June 18, 2014

    You perfectly right brother. I am 100% with you. How low can we go? We have lost our very dignity as brave Eritrea n’s. By behaving like useless and coward. we are proving it was Isaias who brought our Eritrea’so freedom. I for one do not believe that Isaias did have that honour. En stead He was our brave men and women and still he is killing us. SO I CALL TO ALL OUR VERY BRAVO MEMBERS ELF FORCES TO JOIN OUR BELOVED BISHOPS AND LEAD US AGAIN TO A COMPLETE FREEDOM FOR THE LAST TIME. LET US JOIN HAND IN HAND ALL FREEDOM LOVERS AND BRING ISAIAS AND YGDEFAWIAN INTO JUSTICE FOR WHAT THEY HAVE DONE TO OUR PEOPLE AND COUNTRY SINCE 1993. WE CANNOT FORGET THE MOVEMENT OF OUR GALLANTRY FORCES 0F 1993. SO COME ON AGAIN. YOUR PEOPLE ARE YELLING ON YOU OUNCE AGAIN. HELP THEM. THE REIGN OF ISAIAS MUST BE OVER.
    I AM WITH YOU Brother Mehretu.

  • Afom June 18, 2014

    Please read EPLf instead ELF. Thank you.

    • Goitom June 19, 2014

      Dear Afom,
      EPLF is dead no more existing and is replaced by DEMHIT. Eritrea now at crossroads. There is no promising future in Eritrea as long as Issais is there.

  • Zeray June 18, 2014

    Well Said-author Mihretu.

  • Tes June 19, 2014

    Well articulated article. Great job keep up the slogan where is your brother??? Until we get answer we need to work hard and rid off our tormentor (HGDEF).

Post a Reply to Mike Cancel Reply