Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ንሓውኻ ኣይትንዓቆ”

ኩሉ ናይ ወዲሰብ ባህራዊ ፀባዩ ይፈላለ እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ይመሳሰል ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዝተፈላለ ፀባያት ወዲሰብ ናይ ከባቢኡን ኣተዓባብይኡን ጽልዋ ገይሩ ተወሳኺ መግለጺ ናይቲ ሰብ መንነት ባህርያቱ የንጸባርቕ። ናይ ሐደ ሐደ ሰባት ግና ካብቲ ሕብረተ

ኩሉ ናይ ወዲሰብ ባህራዊ ፀባዩ ይፈላለ እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ይመሳሰል ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዝተፈላለ ፀባያት ወዲሰብ ናይ ከባቢኡን ኣተዓባብይኡን ጽልዋ ገይሩ ተወሳኺ መግለጺ ናይቲ ሰብ መንነት ባህርያቱ የንጸባርቕ። ናይ ሐደ ሐደ ሰባት ግና ካብቲ ሕብረተ – ሰብኣዊ ዝኾነ ቅቡል ኣርአእያን፣ ብባህሪኡ ካብ  መብዛሕትኡ ዝኣምነሉ ባህላዊ ልምድን ስርዓትን ወጻኢ ዝኾነ ኣሰራርሓ ፈጺሙ ዘይቃደው ኮይኑ ይርከብ። እዚ ከአ ናይ ሕብረተ – ሰብካ እምነትን ልምዲን፣ ብሰንኪ ናይ ድሑር ዘየመዛዝን ዕሽነት ኮነ ጨካንነት ነቲ ሃገራዊን ሃይማኖታውን ባህሊ ክርገጽ ይድርኾ። “ኣተዓባብያ ኣይበድለካ” ዝበሃል ከአ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ስስዐን ጭካነን ከም በልሓት ንነብሶም ዝቖጽሩ ግለሰባት ክቕልቀሉ ከለዉ ዘጋጥም ሽግር’ዩ።

ሎሚ ከምቲ ኩላህና ንፈልጦ፣ ኣብ ዘዘለናዮ ኩርናዕ ዓለም ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ከይኮነስ ንዓለም ኣደንጺዩን ተኸሲቱ ዘሎ እቲ ሓቂ ባህርያት መራሕ “ህግደፍ” ኢሳያስ አፈወርቂ ኣግሂዱ። ነቲ የማናይ ኢዱ (ናይዝጊ ክፍሉ) ናይ ግፍዒ መሳርሕቱ ዝነበረ ብጻዩ ከይተረፈ ኪሕድዎ። ከም ብጻዩ ጥራይ ከይኮነስ ከም ሓው፣ ካብኡ ንላዕሊ ከአ ከም ማንም ኢርትራዊ ኣብ ሃገሩ ብወግዒ ዕላዊ ናይ ሐመድ ድበ ስነስርዓት ኣብ ሃገሩ ከግበረሉ ምሕንጋዱ፣ ኢሳያስ አፈወርቂ ዓይቢ ናይ ጥዕና ሽግር ከም ዘለዎ ዘረጋግጸሉ ተግባር ኢዩ ፈጺሙ።

እዚ ሕጂ ንዓለም ዘቃልሖ ኣረመናዊ ግብሩ ብብጻዩን ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሎ ናይ ክፍኣት መሻርኽቱ ብምኻኑ የስደምምን የዛርብን አሎ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ዝተሰቕየሉ፣ ብሉጻት ኣባል ስድርኦም ብሰንኪ እዚ ስራሕ ጨካን ሰብን ኣተግበርቱ ከም ንዓል ነፍሰ ብሄር ሓውናን መሳርሕቱን ናይዝጊ ክፍሉ ሓፍ ዘይብል ዋጋ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪኡ’ውን ንጹሃን ዜጋታት ዝኸፈለሉ ታሪኽ ብምኻኑ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ኢሳያስ ብጋህዲ ክፍለጠሉ ምግባሩ ካብ ዕብዳን ይኹን ካብ ሕማም ንምፍላዩ ዘደናግር ኣይኮነን። ምሕማሙን ምዕባዱን ንህዝቢ ሕቡእ ኣይኮነን። ነቶም ከም ኣምላኽ ዝኣምንዎን ዝጽልዩሉን ከምኡ’ን ነቶም ንጥቕሚ ብደም ንጹሃን ዝተገዝኡ ዕሱባት ብሕልና ምዉታት ብኣካል ግና ምኽንያታት ንምፍጣር ዝጋየዩ ምናልባት የደናግሮም ይኸውን።

ኢሳያስ አፍወርቂ ጠላማይ ምኻኑን ምንባሩን እቶም ኣብ ዝባኖም ሓንጊጦም ሃገር ነፃ ገይሮም ዘእተውዎ ከይተረፈ መንነቱ ኩሉዕ ኢሉ ከም ቀትሪ ፀሓይ ኣበርቲዑ ጸሊዎም ከምዘሎ ኣይሳሓትን። እንተኾነ ኢሳያስ ንብጻዩ ናይዝጊ ክፍሉ ሓዲስ ብዝኾነ መልክዕ ጥልመቱ ምፍጻሙ ፍሉይ ዝገብሮ ዘሎ እንተሎ፣ ካብ ቁጽጽሩን ክሓብኦ ኣብ ዘይኽእለሉ ወጻኢ ቦታ ምዕራፉ’ዩ። ከምቶም ኣብ ሜዳ ቅድሚ ናጽነት ዘጽነቶም ናይ ቃልሲ ብጾቱን፣ ድሕሪ ናጽነት ዝጨወዮምን ዘሕቀቆምን ንጹሃን ዜጋታት ከምድላዩ ነቲ ግፍዒ ክዓብጦ ዘይምኽኣሉ ጥራይ ኢዩ።

ኢሳያስን ሰዓብቱን ግና ከም ናይ ፖለቲካ ተዓጻጽፊነትን ኤርትራ ካብ ወጻእተኛታት ጸላእቲ ንምድሓን ዝወሰዶ ናይ መከላኸሊ ሕንጻጽ፣ ብመርገጽ ኣብ ዕላማ ሃገር ናይ ምድሓን ኣማራጺ ዘይነብሮ ውሳነ ከምዝነበረ ሕሹሹኽ ምባል ክጅምሩ ዘይተርፎም ምኻኑ ባዕሎም ዘኣተውዎ መጻወድያ ኣረጋጊጽሎም አሎ”።

እምበኣርከስ፣ ኢሳያስ ብዓብዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብምጥላሙ፤ ንናጽነት ዜጋታት ገፊፉ ብባርነት ምቕያሩ ሎሚ ኣይኮነን ኣግሂድዎ። ነዚ ኸአ እንዳራኣዩን እንዳሰምዑን ዝስዕብዎን ዘጫፍሩን ናይ ምውታት ምውታት ስለዘጥረየ ኣየገርምን። ግና የሕዝን። ካብ ምሕዛን’ውን ሓሊፉ፤ ንምኻኑ ኣብ ሐደ ዓለም ምፍጣርናን ምህላውናን ከጠራጥረና ጀሚሩ።

“ኢሳያስ፣ ከም ኣሕዋት ሐደ በተሰብ ተሓቓቒፎም ዝተጋደሉ ናይ ቃልሲ ብጾትን ኣህዋቱን ብኸምዚ ዓይነት ጭካነን ጥልመትን ክሕቅቖም ዘይተሰከፈን ዘይቀጨጮን፤ ነቶም አለኹ አለኹ ዝብሉ ሰብ ጊዜ ኣጣቓዕቲ፣ ተራኦም ምስ በጽሐ እንታይ ከምዝጽበዮም ምህላው ዘብርሃሎም ወሳኒ “ኣዋጅ ፈርኦን” ክንብሎሎም። እንተሰምዑን ናብ ልቦም እንተተመልሱን ምመረጽና።

ኣብ ዓለም ብዙሕ ምንቅስቓስን ቃልስን በብግዚኡ ኣብ ቲሕቲ ናይ ባዕሉ መለለዪ ክሳብ ሎሚ በብናቱ ጊዜን ኩነታትትን ተኻይዱ ኢዩ። ኩሉ ኸአ ንዝሓሸ ለውጥን፣ መስረታዊ ምዕባለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሌት ህዝቢ ክውዕል ዝተሓለነ ቃልሲ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይምስክሮ። ንኣብነት ናይ ሕቡራት ኣመሪካ ቃልሲ (American Revolution ) ነዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ መንገዲ ጸሪጉሉ ስለ ዝሓለፈ ፍረኡ ኩሉ ዜጋ ከስተማቕሮ ኣኽኢሉ። ናይ ፈረንሳይ ናዕቢ (French Revolution) ፤ ናይ ሩስያ ናዕቢ (Russian Revolution) ፤ ከምኡ’ውን ናይ ቻይና ነዊሕ ጉዕዞ (China’s Long March) ዘመዝገብዎ ዓወት ወላ ብናይ መራሕቱን ሰዓብቶምን ዘይልወን ዘይስበርን ኒሕ፣ ሓቦ፣ ቆራጽነትን ይመዝገብ እምበር፣ እቲ ውጺት ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን፣ ነፃነቱን መሰሉን ከኽብር ብዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ዜጋታቱ ዝመጽአ እዩ።

ማዕረ ማዕረ ከአ እቲ ንነዊሕ ሱር ሰዲዱ ዘሳቕይ ዝነበረ ኣጸያፊ ስርዓት መግፋዕቲ ወጻእተኛታት ገዛእቲ ኣፍሪቃን ካልኦት ውጹዓት ህዝቢ ብዙሕ ናይ ንጹሃን ህይወት ገፊዑን በሊዑን ዝሓለፈ ረሳሕ ታሪኽ ናይ ወዲሰባት’ውን ኣይርሰዓን። እዚ’ውን ብመስዋቲ ሓቦኛታት ዜጋታትን ተደናገጽቲ ኣመንቲ ማዕርነት ደቂ ሰባት ክእለ ወላ እንተኸኣለ ፤ ኣብ ሐደ ሐደ ክፍሊ ዓለምና እቲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ናብ ዝገደደ ባርነትን ግፍዒ ብናይ ወዲ ዓድን፣ ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረተ – ሰብ ብዝቦቐለ ክርዳድ ኣተሓሳስባን፣ ብድኹም ኣረመናዊ ፍልጠት ድንቁርና ዝተበገሰን ፤ ዝተዋህደን ናይ ስልጣን ስስዐ፣ ነቲ ብዙሕ ዝተጻዕረሉን ብሉጽ ዋጋ ዝተኸፍለሉ ዕላማ ጨውዩ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ናብ ዝገደደ ዳህለሞት ጸልማት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝዳጉኑ ከም ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱን ሎሚ’ውን ዓለምና ዕጽረት ፍንጫል ንዓል አዶልፍ ሂትለር (Adolph Hitler) ኣይሰኣነትን።

ባንጻሩ ጽቡቕ ታሪኽ ናይ ከም በዓል ነልሰን ማንደላ (Nelson Mandela) ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ምዕባለ ሃገሮምን ህዝቦምን ንኣፓርታይድ (Apart hayed) ስርዓት ሲዕሮም ናብ ቂምን በቐልን ምውጻእ ወይ ኩሉ ንምቁጽጻር ኣይተጋየዩን። ምኽንያቱ ኸአ ንረብሓ ህዝቦም ዘምጽኦ መኽሰብ ከይኮነስ ብኣንጻሩ ነቲ ነዊሕን ብዋጋ ዘይትመን መስዋትን ዝተኸፍሎ ዓወት ናብ ካልእ ናይ ድኽነትን ስቓይን ክሽምሞም ከምዝኾነ ተገንዚቦም ናብ ሰላማዊ መገዲ ከምርሑ ዝመረጹ። እዚ ከአ ናይ ለባማትን ሓላፊነትን ዝፈልጡ ናይ ቃልሲ ትርጉሞም ዘይሰሓቱ ናይ ስልጣን ዕቡዳት ዘይምኻኖም፣ ግና ሓቀኛ ሃገራውያንን ተገደስቲ ህዝቦምን ዘመስክር ሰናይ ግብሪ ንዓለም ዘርኣይሉ ናይ ቅኑዕ ተቓላሳይ ባህሪይ (selfless and honest) መግለጺ እዩ።

ሎሚ ኸአ ኤርትራና ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ዝረኸበቶ ነጻነት እንታይ መልክዕን ትርጉምን ሒዙ ይርከብ እንተበልና፤ መልሱ ንቃልዑት ከይተረፈ ዘስካሕክሕ ኣእምራዊ ጭንቀት ዝፈጠረ ኣረመናዊ ሰብ ምስ ሰዓብቱ ወኒንዋ ኣብ መዓልታዊ ጸልማትን ንዜጋታታ ተስፋ ዘቑረጸ ስርዓት ዳጉንዋ ካብ ዓለም ሕብርተሰብ ተነጺላ ትርከብ። እዚ ኸአ ብዉሑዳት ናይ ስልጣንን ንዕቀት ህዝቦም ዝተጸለሉ ሰብ እከይ ግብሪ እኽብካብ ዝካየድ ዘሎ ስርዓት ክፈጥር ኪኢሉ።

ንሓውኻ ኣይትንዓቆ”

ኣብ ነዊሕ ቁመት – ሓጺር ሓሳብ

ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ – ሕልኽልኽ ምስሕሓብ

ኣብ ቁምነገር ዘይብሉ – ብዙሕ ምርብራብ

ተበሊዑ ተሰትዩ ቆየቓ – ዘየጽግብ ዘይዕግብ

ጠስሚ ርግኦ ብራሕ – ክትጽበ ዘሕሰብ

ከብቲ ከየጥረኻ – ፀባ ከምዘይሕለብ

ንድሕሪት እንዳሰሓብካ – ንቕድሚት ዘይጋለብ

ፈረስ የብጽሕ እምበር – መኣስ አለዎ ጠለብ

ጎልጎል ህዝቢ’ዩ – ይጠርነፍ ክዘራረብብ

ክሰመር ብዕላማ – ብመትከል ክተኣኻኸብ።

ኣብ ኦም ተሰቒልካ – ሰማይ ኣይተርክቦ

ዘረባ ኣኻኺብካ – ኣይትቓጽሮ ኣይተላግቦ

ሓቂ ናተይ ጥራይ – ኢልካ ብዙሕ ኣይትላቦ

ዋናታቱ ከለዉ – ብዙሓት ሰብ ሓቦ

ንቕድሚት ንዝጋዓዝ – ብልምዲ ኣይትስሓቦ

ንሃገር ንህዝቢ – ዕንቅፋት ኣይትኹን ጎቦ።

ኣብ ሰብ ውራይ ኣቲኻ – ባዕልኻ ክትዕጠቕ

ብበለ በለካ – ውራይ ስዋ ኣይጽሞቕ

እንታይ ኣውዲቅካ እንተበሉስ – ምልሓስ ዘይቅጥቀጥ

ብደንጎላ ከይኮነስ – ብበለጽ ህዝብኻ ክጽቀጥ

ብሽም ጀጋኑ ስውኣት – ፈቐዶ ክሽቀጥ

ነንሕድሕድካ ምክትታር – ኣፈቐዶ ወሽመጥ

ኣማዕዲኻ ምጥምማት – ወገንካ ክዝበጥ

ብሰንኪ ድኽመትካ – ውራይ “ህግደፍ” ክሳለጥ።

ብጸቢብ ኣተሓሳስባ – ንህዝቢ ኣይተጨንቆ

ብፍቕሪ ንደቆ – ብዕላማ ጽሞቆ

ብዓወት ብግብሪ – ንድሌት ህዝቢ ከድምቖ

ህግደፍ ክድርመስ – ክስበር ናቱ ሕቖ

ምዕባለ ክኹላዕ – ንድኽነት ባርነት ክብርቅቖ

ጊደኻ ኣበርክት – ድሌትካ ከተዕውቶ

ንሓዘን ንጭንቂ – ሰላም ቅሳነት ክሰርቆ

ኣማዕዲኻ ሕሰብ – ንሓውኻ ኣይትንዓቆ

ናይ ጨቆንቲ ስርዓት – ብሕብረት ከተውድቖ።

ቅሳነትን ራህዋን ምዕባለ ንህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ንስውኣትና

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 02/25/2012”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • M I March 9, 2012

    ተረቢጽኩም ሞይትኩም

  • Semhar March 9, 2012

    We should read and implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand United my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

  • Semhar March 9, 2012

    We should read and implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

  • Seled March 9, 2012

    How can we implement that ?

  • Seled March 9, 2012

    I hated it when you get this all attention when are dead than when you are alive. I care less what happen to your dead body, I hope your soul rests on the hands of your perished victims .I am glad that you gone, one less evil gone, more innocent would be your victims are saved.

  • Seled March 9, 2012

    I hated it when you get this all attention when you are dead than when you are alive. I care less what happen to your dead body, I hope your soul rests on the hands of your perished victims .I am glad that you gone, one less evil gone, more innocent would be your victims are saved.

  • Semhar March 9, 2012

    You are a mercenary just like your boss the mad dog Isayas who is from Tembien Ethiopia sent to dissolve the Eritrean straggle for independence.

    if you are Eritrean please lern from your fellow Eritreans.

    ! 980 destroyed ELF, 1993 he dissolved EPLF. And replaced it by HIGDEF, his followers.
    1993 he took down our Liberation fag and replaced it by his own flag
    1993 hi abolished our historical provinces and implemented his own Zorbas.
    1993 he started to dismantle all religions in Eritrea and replaced them by his own believers. (They are serving him rather than to their God).
    1993 he took control of the land and the people in Eritrea.
    It was the law of the land for an Eritrean to own a land to build his house and to have a farming land in his or her parent’s village. The mad dog has changed it. Now Eritreans now are forced to buy a land from the mad dog only.

    All these were implemented buy force, by dividing and ruling. He made Eritreans fight against their interest, against one another. Fathers betray their wives and mothers betray their husbands and kids. and at the end he jail or kill them all.
    The perfect example, Naizghi Kiflu, the number one man of the mad dog, after he killed many dissent Eritreans now he has been denied by his master the mad dog to be buried in Eritrea, the land of his ancestors.

    • Seled March 9, 2012

      why you rush to wrong conclusion . all i asked was how can we implement on what you mention as the advice of the founders.

    • habte March 9, 2012

      semhar ati fokas tanika bahri, emo isayas nisiki bizidelekiyo diki zeykedelki, nezi fokis atehasasiba akalibo kigebrelu gizie yebilun, but rather you are reviling your identity, how light feather you are. amlak yimharki kabzi awarjawinet atehasasiba , number one idiot iki niski.

  • Seled March 9, 2012

    Besides. I am an Eritrean, unless you think the southern border of Eritrea is Godiaf.

    • Seled March 9, 2012

      whom he killed many innocent Eritreans does not deserve the decent burial, should be feed to pigs on England . Why are crying for him and accusing of him tyranny at the same time.

  • Semhar March 9, 2012

    Eritrea needs a man like IDRIS AWATE to get read the mad dog and his followers!!!!!!!!!!!!!!!

    Shame on us to let the mad dog destroy our land and our people!

    We should implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

    • habte March 9, 2012

      iway meshak ati abey iki bokuilki , kemey gualey suriki teborkuikua titifae, kemey gualey nisikis shinti koinki terifki zeytinebri. bilashhhhhhhhhhhhhhhh

  • samrawit March 10, 2012

    habte ihi hasabu begahdi zigeletse seb shinti koynu kikeyid alewo semhar, enquae teweledki kab 1000 habte 1 semhar ne hagerna waga alewa . habte ,semhar kabey bokila tihizto tsihufa yimiskiro alo niska kabey bokilka gen???????????????????????????????????????

POST A COMMENT