Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ዓዲ ጥልያን – ኣብ መላእ ዓለም ካብ እንርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ዓዲ ጥልያን፡ ማእከል መጥቃዕቲ ናይቲ ኣብ ቻይና ዝጀመረ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ እትኸውን መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። ትማሊ ቐዳም 21 መጋቢት 2020 ጥራይ፡ 793 ኢጣልያውያን ግዳያት ናይቲ ሕማም ኮይኖም ህይወቶም ሓሊፉ። እዚ ዘሕዝን ጥፍኣት`ዚ፡ ኣብ ዓለምና

ዓዲ ጥልያን፡ ማእከል መጥቃዕቲ ናይቲ ኣብ ቻይና ዝጀመረ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ እትኸውን መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። ትማሊ ቐዳም 21 መጋቢት 2020 ጥራይ፡ 793 ኢጣልያውያን ግዳያት ናይቲ ሕማም ኮይኖም ህይወቶም ሓሊፉ። እዚ ዘሕዝን ጥፍኣት`ዚ፡ ኣብ ዓለምና በዚ ሕማም`ዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ ዝዓበየ ናይ ሞት ሓደጋ ኮይኑ ይርከብ።

ዓዲ ጥልያን፡ ካብተን በዚ ሕማም ፈለማ ዝተለኽፋ ሃገራት ብተዛማዲ ዝወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ብረሾ ናይቶም ዝልከፉ ዘለዉ ዜጋታታ ክርአ ኸሎ እቲ ቁጽሪ ዓቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ መዓልታዊ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ሞት ንህዝቢ ጥልያን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣትን ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን የስውዕበሉ ምህላው ዝሰሓት ኣይኮነን።

1ይ ሚኒስተር ጥልያን ጂሰፐ ኮንቲ፡ ሃገሩ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝኸበደ እዋን ገጢሙዋ ከምዘሎ ምግላጹ ድማ ንጽንኩርነት ናይቲ ቅልውላው ዝምስክር እዩ።

ኣብዚ ህዝቢ ጥልያን፡ ኣብ ከርሲ ናይቲ ንዓለም ኣብ ከቢድ ፈተነ የእትዩዋ ዘሎ፡ ከም ሰላሕታ ሳልሳይ ኲናት ዓለም `ውን ክግለጽ ዝከኣል ለበዳ  ኮሮናቫይረስ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት  ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ በቲ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዕዞ ስደት ማእከላይ ባሕሪ እናጠለቑንን እናሓምበሱን ኣብ ዝተጓዓዙሉ እዋን፡ ናይ ድሕነት ጀላቡ ኣዋፊሩ ከምዝረድአ፡ ነቲ ወሓጢ ባሕሪ ሰጊሮም ድሕሪ ፈተነ-ሞት ኣብ ገማግም መሬቱ ኣብ ዝረገጹሉ እዋን ግዝያዊ ዑቕባ ሂቡ ተስፋ ዳግማይ ህይወት ከምዝሃቦም፡ ብሕልፊ ኣብቲ 365 ዜጋታትና ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ላምፐዲዛ ዝሃለቑሉ፡ እቲ ቅድሚ `ዚ ዓለማዊ ኮሮናቫይረስ ናይ በይንና ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ስርዓት ሬሳታትና ኣብ ዝኸሓደሉ፡ መዓንጣ ኸብድና ኣብ ዝተቐረጸሉ እዋን፡ ህዝቢ ጥልያን፡ ባንዴራኡ ናብ ፍርቂ ዘንጊ ኣውሪዱ ኣብ ጎኒ ኤርትራዉያን ከምዝሓዘነ ዘኪርና፡ ኣብዚ ጽንኩር ብድሆ ገጢሙዎ ዘለወሉ ህሞት፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ወገን ደገፍና ክንገልጸሉ ግቡእ እዩ።

ኤርትራውያን፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ናይ ህይወት ክርክር እንነብር ህዝቢ ከም ምዃና መጠን፡ ትማልን ሎምን ተገዲድና መገሻ ስደት ኣብ ዝሓዝናሉ፡ ብዙሓት ካባና ንዓዲ ጥልያን ከም ኮሮድዮ ስደት ተጠቒምናላ ኢና `ሞ፡ ነቲ መእተውን ምውጽእን ዘይከልከለና፡ ዝተደናገጸልና ህዝቢ ጥልያን ከም መርኣያ ምስጋና፡ ደገፍና ክንገልጸሉ ኸለና ንዓና ሕልናዊ ዕረፍቲ፡ ንዕኡ ድማ ሕልናዊ ደገፍ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ጥልያን፡ ጎደናታትካ ኣሰርካ ጸምዩዎ፡ ከተማታትካ መልኣከ ሞት ወሪሱወን ጭውጭው ኣብ ዝበላሉ ህሞት፡ ብፍኒስትራ ተቐልቂልካ ብድምጽኻ ንጽመዋአን ሴርካ ምስዓርካ፡ ኣብዚ ትራጂካዊ ታሪኽ ዝጸሓፈሉ ዘሎ ጽንኩር ወቕቲ፡ መደምደምታኡ ብዘየገድስ፡ ተዓዋቲ ምዃንካ ዘበስር ምልክት `ዩ። ኣብ ርእሲ`ቲ ከም ስደተኛታት ዝሃብካና ዑቕባ፡ በቲ ኣብ ሕምብርቲ ትራጀዲ ዘብቆልካዮ ዘይሰዓር ተስፋ ንዓለም ናይ ሞራል መሪሕነት ብምዃንካ `ውን ኣድናቖትና ንገልጸልካ።

ኣጆኻ ህዝቢ ዓዲ ጥልያን ኣብ ጎንኻ ኣለና

ሰላምን ጥዕናን የወርደልካ!

ደገፍ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንህዝቢ ዓዲ ጥልያን ካብ መላእ ዓለም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo March 23, 2020

    እወ ህዝቢ ጣልያን ይህሰ ኣሎ።እቲ ጠንቂ ማህሰይቲ ግን ምኽኒያት ኣለዎ።ንሱ ድማ፡ ሕብረ-ሰብኣዊ ረቋሒ (social life ) እዩ እቲ ቐንዲ።እዚ ፡ባህሊ ንበሎ ወይ ልምዲ ብጠቅላላ ምስ ሓበሻዊ ኩነተ-ኩነት ዝመሳሰል እዩ።ስለዝኾነ እቶም ኢትዮጲኣውያ/ኤርትራውያን ንብሃል ክንጥንቀቀሉ ዘለና ቡዙሕ እዩ’ሞ “መለበሚ ኣይግበረና ኣይኽልኣና።

POST A COMMENT