Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ኣስማትን ቅርጸ- መሬትን ፖለቲካ (Politics of Nouns and Topography)

ብሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር ትርጉም፡ ማሕሙድ ሳልሕ መእተዊ፡ እዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ ሓው ሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር ነቲ ብመጋቢት 29፡2014 ብስም “ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት” ኣብ ለንደን ዝተጋብአን ዘውጸኦ መግለጽን ኣመልኪቱ ብእንግሊዘኛ ዝጸሓፎ ርኢቶ ትርጉም እያ። እቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ብሚያዝያ 17፡2014 ኣብታ

ብሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር

ትርጉም፡ ማሕሙድ ሳልሕ

መእተዊ፡

እዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ ሓው ሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር ነቲ ብመጋቢት 29፡2014 ብስም “ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት” ኣብ ለንደን ዝተጋብአን ዘውጸኦ መግለጽን ኣመልኪቱ ብእንግሊዘኛ ዝጸሓፎ ርኢቶ ትርጉም እያ። እቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ብሚያዝያ 17፡2014 ኣብታ ንሱ ዝመስረታን ዘካይዳን ዓዋተ.ኮም (Awate.com) ኣውጺእዎ። ብእንግሊዘኛ ክተንብብዋ ንእትደልዩ ኣብዚ ጠውቑ።

ኣገዳስነት ናይቲ ጉዳይ ብምርኣይ ብትግርኛ ክረብሑ ዝኽእሉ ወገናትና ይህልዉ’ዶ ይኾኑ ካብ ዝብል ብወለንታን ብናጻን እገብሮ ከምዘለኹን፡ ተራ ረባሒ ናይቲ ኣብ ዓዋተ.ኮም ዝወጽእ ጽሑፋት ጥራይ ምዃነይ ክገልጽ እፈቱ። ሓው ሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር ብፍላይ ነቲ ብስም “ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት” ዝምልከት ጉዳይ እዋናውን ግቡእን መልሲ ምሃቡ ስለዝደገፍኩን፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘለኒ መትከል ስለዘንጸባርቕን እየ ብወለንታ ዝፍትኖ ዘለኹ። ኣቦታትና ንሓንቲ ኤርትራ ምሒሎምን ተሰዊኦምን እዮም። ሰማእታት ኤርትራ ከምቲ ሓው ሳልሕ ኣብቲ ጽሑፉ ዘቐመጦ “ኤርትራ” እንዳበሉ እዮም ተሰዊኦም። ትማሊ ንገታር ጸላም መግዛእቲ ብሓባር ወፊርና ገሊህናዮ። ሎሚ እውን ነዚ ዘይፍትሓውን ረጋጽን ኣገዛዝኣ ህግድፍ ብሓባር ኢና ንብድሆ። ሓድነት ሓይሊ እዩ። ንተሓላለ ግን ኣይንፈላለ።

ገለገለ ብዛዕባ’ቲ ትርጉም፡

1-     ገለገለ ቃላት እንግሊዝ ጣዕሞምምን ትሕዝቶኦምን ከየጥፍኡ ብክልተ ተመሳሰልቲ ቃላት ትግርኛ ወይ ድማ ኣብ ሓጹር መብርሂ ብምውሳዅ ከብረሆም ፈቲነ።

2-    ነቲ ንባብ ዋሕዙን ሙዚቃዊ ላዝኡን ክዕቅብ መእሰርን መሰጋገሪ-ቃላትን ሓጸርቲ ሓረጋትን ወሲኸ እኸውን።

3-    ንሓደ ቋንቋ ፍሉይ ዝገብሮ ላዛን ናዕታን ስምዒታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንቃላት ዘይኮነስ ንሓሳባት ክትርጉም ፈቲነ። ኣገደስቲ ዝበልክወን ቃላት ግን ብዝተኻእለ ከብርሀን ፈቲነ። ኣብ ገሊኡ፡ ዝተኣሳሰሩ ነኣሽቱ ምሉኣት-ሓሳባት (compound sentences) ትሕዝቶ ጸሓፋይ ብዘይትንክፍ መገዲ፡ ንተዛራባይ ትግርኛ መቐረት ክህበሉ ብዝኽእል መልክዕ በታቲነዮም ኣለኹ። ዘይብሩህ ነገር ምስዝህሉ ሕጽረት ተርጓማይ እምበር ድኽመት ጸሓፋይ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ንዝያዳ ሓበሬታ ነቲ መበቆላዊ ናይ እንግሊዝ ዓንቀጽ ተወከሱ። ብዝተረፈ ሰናይ ንባብ።

Xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx

ናይ ኣስማትን ቅርጸ-መሬትን ፖለቲካ

ክሳብ እቲ ቀይሲ ምስ ኣማል ዓሊ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ዝሰምዕ ንመድረኽ ከም ሓደ ካልእ ክረምታዊ ማእቶታዊ  ፕሮጀክት ወጊነዮ ነይረ። ቀይሲ ዝበሎ ደስ ኢሉኒ፤ ብፍላይ ሓድጊ ቃልስና ንኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ይብጻሕ ኢሉ ብምጽቃጡ። ኣገላልጽኡ ትኽክልን ቅኑዕን ነይሩ። ሓንቲ  ዝጎሰያ ኣገዳሲት ሕቶ ግን ነይራ- ብፍሉይ ንህግሓኤ እንደገና ንምትንሳእ ዝግበር ምንቅስቃስ እትምልከት እያ። እቲ ዘገርም፡ ኣብዛ ነጥቢ’ዚኣ ፡ ንህግሓኤ ዳግም ሂወት ምስኳዕ ዝብል ርኢቶ መድረኽ  ምስቲ ሓድጊ ገድልና ነቶም ምስ ህግሓኤ ዝተወደቡ ወይ ዝተሰለፉ ጥራይ ዘይኮነስ ንኩሉ ኤርትራዊ ይብጻሕ እዩ ዝብል መግለጺ ቀይሲ ተገራጫዊ ወይ ኣንጻራዊ ኮይኖም ንረኽቦም። ነዛ ጉዳይ ‘ዚኣ ገዲፍካ ኣዘራርብኡ ይኹን ዝበዝሕ ካብቲ ዝበሎን ፈትየዮ። ብጾቱ (ኣብ መድረኽ ዘለዉ) ምስ ህዝቢ ኣብ ዝግበር ርኽክብ ብከመይ መልእኽትኻ ከምተመሓላልፍ ካብዚ(ናይ ቀይሲ ኣዘራርባን ኣቀራርባን ) ጠቓሚ መዘኻኸሪ ክቐስሙ ምተመነኹ።

ብዛዕባ’ቲ ንሓሙሽተ ዓመት ኣንጻረይ ዝተኻየደ “ ዓሊ ሳልም፡ ሳልሕ ጋዲ እዩ” ዝብል ዝነበረ ጽዑቕን ዝተቐናበረን   ናይ ጸለመ ዘመተ ክጽሕፍ ደልየ ነይረ። ንዕኡ ብግቡእ ክምልሶ ምደለኹ። ግን ሓደ ዓርከይ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብካልእ ኣማራጺ መገዲ ከዕርፎ መኺሩኒ። ሓቁ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ምርጫ ክወስድ (ምኽሩ ክሰምዕ) እመርጽ። ምኽሩ ቅኑዕ ክኸውን ድማ እትስፎ፣ እንተዘይኾይኑ ካልእ ግዜ ተመሊሰ ግቡእ መልሲ ክህበሉ እየ። እዚ ናይ ሕጂ ሕታም ናይ ነጋሪት፡ ኣብቲ ናይዚ ወርሒ’ዚ ውዑይ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ፤ ማለት ኣብቲ “ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት” ዝበሃልን ንሱ ወሊዕዎ ዘሎ ኣከራኻሪ ክትዓትን ዘተኮረ ክኸውን እዩ። ነቶም ዓረብኛ ዘይተንብቡ፡ ኣገዳስነትን ዕምቖትን ናይቲ ክትዕ ዘይክተስተማቕሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣብ ዓዋተ ወጺኡ ዝነበረ ውሑድ ናይ እንግሊዘኛ ጽሑፋት ነቲ ላዕሊ-ላዕሉ ጥራይ እዩ ተንኪፉ።

 ነቲ ሰሚናር ዘዳለዉን ዘበገሱን ሰባት

ኣብ መጋቢት 29፡ 2014 ካብ መታሕት ዝውለዱ ሰባት ኣብ ለንደን ብምእካብ “ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት” ዝስመ ምንቅስቃስ ኣበጊሶም። ሽውዓተ መስረትቲ ናይቲ ምንቅስቃስ ነቲ ደኩመንት ፈሪሞሞ። ንኹሎም እፈልጦም እየ።ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝከታተለሉ ዝነበርኩ ዓመታት ፡ጣሃ ያዕቆብን ሳልሕ መሓመድን ደቂ ክፍለይ ነይሮም። ማሕሙድ ኣደሮብ ድማ ኣባል ቤት ትምህርተይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ወዲ ገዛውተይ እውን ነይሩ እዩ።  ኣነን ማሕሙድ ኣደሮብን ደሓር ናብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰሊፍና፤ ሎሚ ድማ ክልቴና ኣብ ኣሜሪካ (ተሰዲድና) ንርከብ።ኣብ ዓዋተ ብተኸታታሊ ዝጽሕፍ ዝነበረ ኡስታዝ ማሕሙድ ኢብራሂምን ሓምድ ዑመር እዛዝን ከም ኣዕሩኽተይ ዝቖጽሮም ሰባት እዮም። ንመሓመድ ኢስሓቅ በቲ ኣብ ስወድን ኮይኑ ዘካይዶ ፓልቶክ ኢና ንሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመታት ዝኸውን ፍልጠት ዘለና። ንእስማዒል ኣድም ኣብ 2000 ኣብ ኣመሪካ ምስ መጻእኩ እየ ተፋሊጠዮ። እስማዒል፡ ብዙሓት ኣንበብቲ ከም ትዝክርዎ ርግጸኛ እየ። እዚ ሰብ እዚ እቲ ብ1993 ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ብዛዕባ ጉዳይ (ቦታ) ቋንቋ ዓረብ ጥራይ ስለዝሓተተ ኢሰያስ ዘባጨወሉን ዘዋረዶን መንእሰይ እዩ። ንጀማል ክልተ ግዜ ረኺበዮ ኣለኹ፤ ሓንሳብ ኣብ ጀርመን፡ ካልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ኣዋሳ። ዝበዝሑ ተሳተፍቲ እውን እፈልጦም እየ። ንኣብነት፡ ወይዘሪት ገዓስን ደክቶር መሓመድ ኼርን ኣዕሩኽተይ እዮም።.

ምኽንያት ዝርዝር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣስማት፡ ምስ ነፍሰወከፎም ዘለኒ ሓያል ምትእስሳር ንምድማቝን፤ ብዝያዳ ግን፡ ኩሎም ኣብቲ ኣንጻር ኢፍትሓዊ ግዝኣት ህግድፍ ዝግበር ቃልሲ ብዘየሻሙ መንገዲ ብጾተይ ምኻኖም ከስምር ስለዝደለኹ እየ። ብባህረይ፡ ነቶም ካብ ኣጀንድኦምን ኣኼባኦምን ሓሊፎም ንብቕዓት ናይዞም ሰባት’ዚኦም ዝምልከት  ብገለ-ገለ ሰባት ዝተባህለ ነገራት ኣየድንቖን፣ ቅኑዕ ወይ ግቡእ እዩ እውን ኣይብልን። ንሓርበኝነቶም ምጥርጣር ግጉይ እዩ። መበገሲ ናይቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ከሰላስሎ ዝጸናሕኩ ንጥፈታት ተቃውሞ፡ እዚ ንሶም ዘልዕልዎ ዘለዉ ሕመረት-ነገርን መረረን እዩ። ኣነ ዝቃወሞ ዘለኹ ኣተሓሕዝኦምን ዝኽተልዎ ዘለዉ መገድን እዩ።

እዚ ኣቀዲመ ዘቐመጥክዎ መእተዊ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ መንፈስ እጽሕፋ ከምዘለኹ ኩሉ ሰብ ክርደኣለይ ካብ ዝብል እዩ። ብሱሩ ዘይስማማዕ ሰብ ከምዘይኾንኩ፡ ግን ኣብዚኣ ጉዳይ’ዚኣ ምስ ብጾተይ ከምእፈላለ ንምሕባር እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት እንወስዶ መርገጺ ኣብ ውልቃዊ ዝምድናታትና ጣልቃ ክኣቱ ክነፍቅድ የብልናን። በዚ ሕልና’ዚ እየ ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ነጋሪት ብዛዕባ ጉጅለ መድረኽ ዝጸሓፍኩ። በጋጣሚ ድማ ክልቲኡ ምንቅስቃሳት ብትሕዝቶኦም (ብዘልዕልዎ ጉዳያት) ዘይኮነስ በቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ እየ ጉጉያት ዝብሎም። ብመድረኽ ክጅምር እየ። ግን ኣቀዲመ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘንበብክዎ ገለ መስሓቕ መስመራት ጽሑፍ ከካፍለኩም።

ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ተረድኦን መሰል

ሓደ ሰብ፡ ” ኤርትራውያን ብዝደለይዎ ወይ ዝጥዕሞም መንገዲ ክውደቡን ክቃለሱን መሰሎም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ።ካብ ዓስራይ ደርቢ ክትዘልል መሰል’ኳ እንተ ኣሎካ፡ ክትገብሮ ይግበእካ ማለት ግን ኣይኮነን!

ገሊኦም፡ ኤርትራውያን ይጥዕም ‘ዩ ብዝበልዎ ኣገባብ ክውደቡን ክተኣኻኸቡን መሰሎም እዩ ኢሎም ክከራኸሩ ይኽእሉ እዮም ( ድሮ እውን ውሑዳት ዘይኮኑ ኣለዉ)። ሓቂ እዩ፡ ኣብዚ ዘካትዕ ነገር የለን። ግን ነቲ ግሁድ ነገር ዝደግም ስለዝኾነ መስሓቕ እዩ። ወላ ሓይሊ ወሲኽካ “እቲ ሰማይ ሰመያዊ እዩ” ኢልካ ምጭዳር ናይ ምግራም ስሓቕ ምዕዳም ጥራይ እዩ ዘስዕብ። ልክዕ ከምቲ ህዝቢ መሰል ከምዘለዎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ፡ ሰማይ ሰመያዊ ምዃኑ እውን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።ስለ’ዚ፡ ንምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘነኣእስ ኣመለኻኽታ ( ኣስተምህሮታት) ኣድለየ! ህዝቢ ሰሚናር ክገብርን ማሕበር ክምስርትን ንምንታይ ኣከራኻሪ ኾይኑ? ዘከራኽር የብሉን።

ነዚ ኣድማሳዊ ተቀባልነት ዘለዎ ክብርታት ዓው ኢሉ ስለዝተዛረበሉ ጥራይ ንሓደ ሰብ ዝያዳ ላባም ወይ ዲሞክራስያዊ ኣይገብሮን እዩ። መሰላት ብጹኣት ወይ ዘይትንከፉ እዮም። ግን መሰል ንሓደ ሰብ ዝደለዮ  ክገብር ሊቸንሳ ኣይከውንን እዩ። ሰባት መሳላቶም ኣብ ዝጥቀሙሉ ግዜ፡ ንርትዒ (ማለት ናይ ሰባት ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ዓቕሚ/  reason) ከምኡ እውን ሕጊ፡ ሃይማኖትን ልምድን ታሪኽን ኣብ ግምት ብምእታው ክንቀሳቐሱ ይግበኦም። ሰባት ብዘይ ክዳን ኣብ ጎደናታት ክኸዱ መሰል ኣለዎም ዝብል ክህሉ ይኽእል። ግን መሰል ስለዘለዎም ጥራይ ብዙሓት ጥራሕ ዝባኖም ኮይኖም ኣብ ጎደናታት ክዛወሩ ኣይንርእን!  መስተ ዝሰትዩ ሰባት እፈልጥ እየ። ክሰትዩን ክገድፍዎን መሰሎም ምዃኑ ዝገልጽ ፍሉጥ ዝኾነን ኣሰልቻውን መልሲ ድማ ይህቡ። ግን ካብቶም ንቀይድታት ዘይብሉ መሰል (unfettered rights) ደቂ-መታሕት ዝከላኸሉ ገለገለ ሰባት፣ ጠርሙዝ መስተ ቅድሚ ምሓዞም ዓስርተ ግዜ ምሓሰቡ ነይሮም። መሰላት ኣብ ባዶሽ (ሰብ ዘይብሉ) እንጥቀመሎም ኣይኮኑን። ሓደ ሰብ  ነቲ “መሰለይ” ዝብሎ ኣብ ምጥቃም ወይ ምስልሳል ንመሰል ካልኦት እንተደኣ ዝትንክፍ ኮይኑ፡ ወላ ኣብ ደረጃ ስምዒታት ዝተሓጽረ ይኹን፡ እቲ ብሩህ ዝኾነ ዶብ ቅንዕናን ምቕላለን ብምጥሓሱ፡  ንመሰል ካልኦት ይጉዕጽጽ ኣሎ። ሳዕቤን ናይ’ዚ ጥሕሰት ድማ፡ ክብደቱ ካብቶም ንመሰሎም ብዓይኒ ውልቃዊ ጥቕሞም ጥራይ ዝርእይዎ ውሑዳት ሰባት ብዝያዳ ናብቲ እኩብ ስርዓተ-ክብርታት ናይቲ ህዝቢ የዘብል። (መሰል ስለዘለካ፡ ናትካ ተጠቃምነት መሰል ነቲ ንመዋእል ዝተደለበን ዝተሰንቀን ክብርታት ናይቲ ሕ/ሰብ ክትደናደን ኣለካ ማለት ኣይኮነን)።

ናይ ምውዳብ መሰል ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት ዝቕበል እንተኾይነ ደኣ ስለምታይ እየ ዝቃወሞ?

ሰለስተ ኣስማት፡ መድረኽ/ ሙንተዳ/ ፎረም(Forum)

ፖለቲካዊ ባህሊ ኤርትራ፡ ኣክንዲ ኣብ ሓቀኛ ነጸብራቑ ብዝያዳ ኣብ ምልክትነት (symbolism) ናይ ብዙሕነት (diversity) ዘተኩር ምዃኑ ዘሕዝን እዩ።ዙሕነት ማለት ኩሉ ህዝቢ ምዃኑን፡ ኩሎም ጉዳያት ድማ ኣብቲ ንሃገራዊ ጉዳያት ንዛተየሉ ጣውላ ክቀርቡ ኣለዎም ማለት ከምዝኾነን ከቶ ክንርስዖ ወይ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይግበኣና ጉዳይ እዩ። (ነዚ ከይገበርና ክንስጉም ከጽግም እዩ)። ዝኾነ ሰብ ይኹን ጉዳይ ክተርፍ የብሉን። ትሕዝቶ-ኣልቦ ጭርሖታትን ናይ ጽቡቕ ምንዮት ወስታታትን ኣየድልን። “May Allah/God bless you.” ኢሎም ሰባት ክጽሕፉ ከለዉ የቖጣዓኒ እዩ። (ንእግዚኣብሄር ብእንግሊዘኛን ዓረብኛን ይጽሕፍዎ)። ኣስላምን ክርስትያንን ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎዎም። ስለ’ዚ ብእንግሊዘኛ ኣብ ዝጽሕፉሉ ግዜ ኣላህ ወይ እግዚኣብሄር ምባል ኣገዳሲ ኣይኮነን። ብከምኡ ምጽሓፉ፡ ክልተ ሰዓብቶም ከዕብዩ ዝወዳደሩ ዘለዉ ፈጠርቲ ከምዘለዉና የሰምዕ።

መድረኽ ኣእምሮኦም ከዕውር ክኢሉ ዘሎ ዕድል ዝረኸቡ ይመስሉ። ክብድ ዝበለ ምወላ ዝጨበጡ ምዃኖም ንሶም እውን ብዓውታ ዝዛረብዎ እዩ። ዘጕሂ እዩ። ነቲ ኣብዚ ዝሕዝን ፖለቲካዊ ውድዕነት ዝሸመመና ኣገባብ ኣሰራርሓ ክቅጽሉ መሪጾም። መድረኽ ኣክንዲ  ኣንጻር ኢፍትሓዊ ስርዓት ህግድፍ ዝቐንዐ ዘይሰልፋውን ንኩሉ ዘካትትን ባይታ ዝፈጥሩ ንህግድፍ ክጽግኑ መሪጾም።  ነታ ስሞም ብዓረብ ተርጒሞም ብምቕማጦም ጥራይ ሓቖፍቲ ኩሉ ኣየግብሮምን እዩ። ስሞም ብዓረብኛ ጥራይ ብምቕያሮም ኣንጋድነት ወይ ንኩሉ ጉዳያትን ኣካላትን ከም ዘካትቱ (inclusiveness) ከርእዮም ኣይክእልን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ብዛዕባ ሓድነት ዘለዎም ኣረኣእያ ካብቲ ናይ ህግድፍ ዘይፍለ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ፡ ካብቶም ዝግባእ ውክልና ዘይነበሮም ክፋላት ህዝብና ስማዊ ውክልና ጥራይ ብምግባር፡ ማለት ካብ ዝተወሰነ ክፋላት ህዝብና ዝወጹ ውልቀሰባት ጥራይ ብምእታው ነቲ ሰዓቢ ክኸውን ዝጸብይዎ ክፋላት ሕ/ሰብ ብምሕጓስ ሓድነት ከምዘሎ ከርእዩ ዝግበር ቀደም ዝፈሸለ ቅመራ ምጥቃሞም እዩ።

ካልእ ዘሻቕል ንመድረኽ ዝምልከት ጉዳይ ድማ፡ ገሊኦም ኣባላቱ ንኤርትራውያን ስደተኛታት (ብፍላይ ከኣ እቶም ንዓስርተታት ዓመታት ኣብ መዓስከራት ሱዳ ዝጸንሑ) ብዛዕባ ዝምልከት ሕቶ፤ ብዛዕባ ባህሊ፤ ብዛዕባ ምምቕራሕ ስልጣን (ማለት ስልጣን ኣክንዲ ኣብ ላዕለዋይ ወይ ማእከለዊ መንግስቲ ጥራይ ዝጽዕቕ ናብ ታሕቲ፡ ናብ ዞባታት/ኣውራጃታት ምዝርግሑ/devolution of power)፤ከምኡ እውን ንመሰል ዋንነት መሬት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ዘዕግብ መደምደምታ ዘይምብጸሖም እዩ።  መድረኽ፡ እዞም ሕቶታት እዚኦም ንተ.ሓ.ኤ ጥራይ ዝምልከቱ  ውድባውያን ጉዳያት ጌሮም ይወስድዎም። ኣነ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ናብ ቅጽበታዊ ነብሰ-ቅትለት ዘምርሕ ሜላ ምዃኑ ይኣምን።  ብቀንዱ እውን፡ ምኽንያትን መነሳስኢ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ኣንጻር ህግድፍ ዝጀመረ ተቃውሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢፍትሓዊ ኣረኣያታትን ተግባራትን እዩ። ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ምርግጋጽ ፍትሕን ክብረትን መሰላትን ከም ውዱእ ነገር ክቁጸር ነይርዎ። ድሕሪ እቲ ድኻምን ጻዕርን ዝሓተተ ናይ ሳላሳ ዓመታት ቃልሲ፡ ኤርትራውያን ነዞም መሰላት’ዚኦም ከስተማቕርዎም ይግባእ። ካብዘን ዝሓለፋ 14 ናይ ዕንክሊል ዓመታት ዝተመሃርናዮ ነገር እንተሎ፡ ገጽ ህግድፍ ምጽብባቕ ወይ ምቕያር ፍታሕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ዘሎ ኢፍትሓውነት ቀጻልነት ዝህብ ቀታሊ ሜላ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ነዚ ኩሉ ዝፈልጦ ስትራተጂ’ዚ ዝቕበል የለን።

መድረኽ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝተሸኽተ ንካልኦት መርሓባ ዘይብል ወጋኒ ወይ ወጋዲ እዩ። ሎሚ ዝድለ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ፖለቲካዊ ሃጓፋት ዘጽብብ እዩ። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዕድል መዝሚዞም ኣቍሳል ደቂ ሃገር ኣክንዲ ዘሕውዩ ነቲ ሰሪቱ ዝጸንሐ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ዘጋድድ መገዲ ክኽተሉ  መሪጾም ኣለዉ። ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣሰራርሐኦም ብምምሕያሽን ነቲ ኣብቲ ኣበጋሲ ጽምብሎም ዝሃብዎ ጣቛ መደረ ብምግላፍን ንኣንነታዊ ጠባዮም ብምልጋስን ብደረጃ ሃገር ክሓስቡ ተስፋ እገብር። ሰልፋዊ ወይ ውድባዊ ፖለቲካ ንምክያድ ግዜ ክህሉ እዩ። ሕጂ ግን እዋኑ ኣይኮነን። ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብቲ ነዓቒ ኣረኣእያን ጠባያትን ህግድፍ ምስ ተላቐቕና፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዘይተወገነን ከም ዘይተረሰዐን ዘረጋግጸሉ ግዝኣተ-ሕጊ  ምስ ኣንገስና፡ ናይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ፖለቲካ ክነካይድ እኹል ግዜ ክህልወና እዩ። እዚ ክረጋገጽ ድማ ጌና ተስፋ ኣይቝረጽኩን፤ ምኽንያቱ፡  ተስፋ እቲ እንኮ  ኣብ ኢድና ዘሎ ውጽኢታዊ መሳርሒ እዩ።

ጂኦግራፊ ብዘይ  ስነ-ህዝቢ (Demography)

ከምታ ዝምሰለላ ሰገን፡ ገና ኣራእሶም ኣብ ሑጻ ክቐብሩ ዝመርጹ ሰባት ኣለዉና። ሽታ ኣየት ኣብ ኩሉ ይነፍስ ከምዘሎን ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕድና ምዉቕ ዝምድና ከምዘለና ክነምስል ኣይንኽእልን። ውሑኣዳት ከባና ሓቂ እንዛረብ ወይ እነፍልጥ ኣለና። ብሰንኩ ድማ ከቢድ ዋጋ እንዳከፈልና ንርከብ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን።

ኣብ ነብሰወከፍ ክፍለ-ዓመት፡ ነቲ ድሮ ተደኒሱ ዘሎ ፖለቲካዊ ገጽታ ኤርትራ ዘጓንፉዎ ክፍኣትን ተንኮልን ንምቕላዕ ብድፍረት ቤዛ ዝኸውን ሰብ እንዳኣድለዮ እዩ። ብሰንኪ ተንኮል ስሱዓት ፖለቲከኛታት ኣብ ጸላም ዝተርፍ ወይ ብሜልኦም ዝዓውር ኤርትራዊ ክህሉ ኣይግባእን። ከምኡ እውን ብኣንነታውን ወገናውን (ሰልፋዊ) ውድድር ዝቕሸሽ ኤርትራዊ ክህሉ የብሉን።

ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝኸውን ብዛዕባ ማሕበራዊ ጥርዓናት ክጽሕፍ ጸኒሐ።  ጌና ክልኩል ወይ ውጉዝ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ርኹስ (ማለት ከም ንቅዱስ ነገር ምርኻስ) ኣብ ዝሕሰበሉ ዝነበረ፡ ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ኩናማ (ንዕኡ ዘንጸባርቕ ምንቅስቃስ/ ጻዕሪ) ደጊፈ እየ። እቶም ሎሚ ዘልዕልዎ ዘለዉ ገና ካብ ናይ ኣብያተ ሻሂ ክትዓት ከየሕለፍዎ፡ ንመሰል ምምላስ ስደተኛታት ናብ መሬት ዓደበኦም ይኹን ኣንጻር ባህላዊ  ዕብለላ ዝምልከቱ ጉዳያት ብቀጻሊ ክሕለቕን ክማጎት ጸኒሐ እየ።  ብርግጽ፡ ካልኦት ንኤርትራን ኤርትራውያንን ዝምልከቱ ጉዳያት እውን ኣለዉ- ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ሃይማኖታት ዝግበር ምጭናቕን ምቕጻዕን (persecution)፤ እቶም ኣብ ገዛእ መሬቶም ጓኖት ዝኾኑ ህዝቢ ዓፋር፤ ከምኡ እውን መሬቶም ብመንግስቲ እናተመንዘዐ ዝዕዘቡ ዘለዉ ኩናማን ናራን። ናይዞም ዳሕረዎት ክልተ (ኩናማን ናራን) ኣብቲ ናይ ደቂ-መታሕት ፖለቲካዊ ዛዕባ ከይደመቑ እዮም ሓሊፎም። ካልኦት ብዙሕ ዘይጥቀሱ መሰላት እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነበርቲ ሰምበልን መጋርሕን በቶም ናይ ወጻኢ ሸርፊ  ክኸፍሉ ዝኽእሉ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስለዝተዓደገ መሬቶም ስኢኖም። ከምኡ እውን ኣብ ከበሳ፡ ጐላጉል ሽመጃናን ዓላን ጽልማን ሳቡርን ምራራን ሰለሙናን ብመንግስቲ ተመንዚዑ ናብ ሕርሻዊ ፕሮጀክትታት ሰራዊት ተቐዪሩ ኣሎ። ሎሚ፡ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ መንጭታት ማያት ዝተደኰኑ ቦታታት ወተሃደራዊ መዓስከራት ኮይኖም ኣለዉ። ናይቲ ከባቢ ተቃወምቲ፡ ብፍላይ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወሙ ውድባት ዓስኪሮምሉ ዘለዉ መሬት ካብ ዓድታት ገጠር ኤርትራ ዝተመንጠለ እዩ።  ደንካልያ መሬታ ደረቕ ብምዃኑ እታ ኣዝያ ዝተሃሰየት እያ። ዝበዝሕ ካብቲ ዝርካቡ መንጭታት ማያ ብሰራዊት ተወሲዱ ኣሎ። እቲ መስኪን ህዝቢ ከጥርዮ ዝይክእል ዘመናዊ መግፈፍ ዓሳ ብምትእትታው እቲ ሰራዊት ኣብ ጸጋታት ባሕሪ ከይተረፈ እውን  ምስቶም ልምዳውያን ገፋፎ ዓሳ ክወዳደር ይረአ ኣሎ። ንጓሶት መጋህጫ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ስቡሕ ጐላጉል ባርካ ናብ ዓበይቲ መዓስከራት ሰራዊት ተቐዪሩ ኣሎ። ሳዋ ኣብቲ ልሙድ ናይ መጓሰ ቦት እያ ትርከብ። ዶባት ኤርትራን ኢትዮያን ጸጥታ ስለዘይብሎም፡ ጓሶት ከም ዘድሊ ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ሕጂ ብሰራዊት ናብ ዝውነን ዘመናዊ (ዝተመኽየነ/ mechanized) ሕርሻታት ተቐዪሩ። ምምንዛዕ መሬት ዓድ ዑመር፡ ነዞም ደቀባት ካብ ዘጋጥሙ ዘለዉ ኢፍትሓውያን ተግባራት ሓደ ጽቡቕ ኣብነት እዩ።

ጣልያን ንኤርትራ ጎቢጦም ሒዞምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንኩሉ’ቲ ስቡሕ መሬት ከበሳ ብሓይሊ ወሪሶሞ ነይሮም። ዜጋታት ነቲ ጎበጣ ተቓዊሞም ምስ ሓረኑ፡ ብፈረሰኛታት ሰራዊት ኢጣልያ ተረጋጊጾም ሃሊቖም። ኢጣልያውያን ነቲ ብሓይሊ ዝመንዘዕዎ መሬት “ ተራ ዶማኒያለ” ኢሎም ጸዊዖሞ። ኣብ ባርካ፡ ብዋጋ ሓቀኛ ደቂ መሬት፡ ከም ተክረሬትን ዓሊ ግድርን ዝኣመሰሉ ኮንሰስዮነታት መስሪቶም። ሎሚ ካብኡ ዝኸፍአ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣላ ትበሃል  ቃጽዖ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳ ብሓይሊ ተወሲዳ ብመንግስቲ ተወኒና ኣላ። መንግስቲ ኤርትራ ገዛእቲ ዝተኸተልዎ ፖሊሲታት ብምቕጻል፡ ካብቲ ገዛእቲ ዝመንዝዕዎ መሬት ንላዕሊ ብምጕባት ህዝቢ ክብረት ዘለዎ ነብራ ከይመርሕ ሓሪምዎ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ታሪኽን ንውሓት ግዜን ኣብተን ዞባታት/ ኣውራጃታት ዘፈላለ ይኹን እምበር ምልእቲ ኤርትራ ትሳቐ ምህላዋ እዩ።

እዞም (ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ) ጉዳያት እዚኦም ኩሉ ግዜ ጉዳያተይ ኮይኖም ጸኒሖም እዮም። ጉዳያተይ ኮይኖም ከኣ ክቕጽሉ እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራውያን ጉዳያት ናይ ቀዳምነት-ቀዳምነታትና ክኾኑ ኣለዎም። ንመስረትቲ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት ኣልዒለ ስለዘለኹ ግን፡ ኣተኩሮይ ናብቲ ንሶም ኣልዒሎሞ ዘለዉ ጥርዓናት ዝተወሰነ ክኸውን እዩ።

ንነበርቲ መታሕትን ካልኦት ብሄራውያን/ ኡማውያን (Nationalist Eritreans)ዝምልከቱ ጉዳያት ኣርበዓተ እዮም። ንሶም ድማ፡- 1. መሬት 2. ስደተኛታት( ኤርትራውያን)  3. ባህልን ቋንቋን 4. ምምቕራሕ ስልጣንን ጸጋታትን ምዕብልናን ይኾኑ። እዚኦም ብጋህዲ ክተሓዙን ክዝረበሎምን ዘለዎም ጉዳያት እዮም ኢለ ይኣምን። ናይ ደቂ-መታሕት ጉዳያት ጥራይ ኮይኖም ኣይረኣዩንን እዮም። ቀንዲ ልብን ነፍስን ኤርትራዊ ፖለቲካ እዮም።

እንታይ እዩ እቲ ደራኺ ድሕረ-ባይታ ናይዚ ኣረኣያይ?

ስነኣእምሮኣዊ ኣቃውማይ፡ ልክዕ ከም ዝኾነ ወዲ ከረን (ዘርእዮ ጠባያትን ኣረዳድኣን) እዩ። ንኤርትራውያን ዘሕጉስ የሕጉሰኒ እዩ። ዘሕዝኖም ድማ የሕዝነኒ። በቶም ሓጺናዊ ዊንታን ዘይጸዓድ ተወፋይነትን ዓጢቖም ምስ ኣዝዩ ገዚፍ ጸላኢ ዝተፋጠጡ ጀመርቲ ቃልሲ እንዳተሓበንኩን እንዳኣድነቕኩን እየ ዓብየ። ከም ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ነቶም እግሪ እቲ ንቀዳማይ ማዕበል ቀዳሞት ተጋደልቲ“ ካባኹም፡ ንወገኑ (ዓዱ/ኣውራጅኡ) ወይ እንድኡ ከርብሕ ወይ ውልቃዊ ሕነኡ ንምፍዳይ ዝመጸ እንተሎ ብረቱ ኣውሪዱ ይመለስ። ኣብዚ (ቃልሲ) ኩላትና ምእንቲ ሓርነትን ሓድነትን ኤርትራ ኢና ተበጊስና ዘለና” ዝበለ ጅግና እድሪስ ሓምድ  ዓዋተ ዝሰዓቡ የኽብር።

ኣቀዲሙ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ካልእ ምስሊ ሓርነት ዝኾነ ኤርትራዊ ጅግና፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ነቶም ብትግረ ዝፍለጡ ዝነበሩ (ብግብርነት ተሞቚሖም ዝነበሩ) ሓራ ድሕሪ ምውጽኡ ናብቲ ዝቅጽል ራእይ ማለት ናብ ምምስራት ናጻ ኤርትራ  ኣቕኒዑ። ንምምቕቓል ኤርትራ ብምቅዋም፡ ካብ ሓይልታት ፖለቲካ ናይቲ ግዜ’ቲ ዝቐረበሉ ዘወናውን ህያባትን ጉቦታትን ነጸጎ። ንናይ ሃይለስላሴ ናይ ምሕብሓብ ፈተነታት ብምንጻግ፡ ምስ ካልኦት ጀጋኑ ኤርትራ ምትእስሳር ፈጢሩ።   ምስ ቀዳማይ ስዉእ ኤርትራ፡ ዓብዱልቓድር ከቢረን ምስቲ ለባምን መስተውዓልን ራስ ተሰመ ኣስበሮምን፣ ከምኡ እውን ምስቲ ዓቢ ደራስን ፖለቲከኛን ወልደኣብ ወልደማርያም ዝገበሮ ዝምድና ኣብነት እዩ። እዞም ዓበይቲ ወረጃታት እዚኦም ንቀጽሪ ናጽነት መስሪቶም። ቀጽሪ ናጽነት ኣበጋሲት ናይቲ መሓመድ ስዒድ ናውድ ዝመስረታ ሓረካ (ማሕበር ሸውዓተ) እያ ነይራ። ሓረካ ድማ እቲ ናጽነት ኤርትራን ኤርትራውያንን ከረጋግጽ ብዓዋተ ዝተጀመረ እምቢታዊ ቃልሲ ወለደ። ጠቕሊልካ ክትርእዮ ከለኻ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ነታ ቀኒእና እንሕልዋን እንፈትዋን ኤርትራ ዘማእዝኑና ሓበርቲ ምልክታት ኣንቢሮም እዮም።

ብታሪኻዊ ዓይኒ ክረአ ከሎ፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ናይቲ ቃልሲ ዝተራእዩ ገለገለ ሃሰይትን ኣሕዘንትን ተመክሮታት ገዲፍካ፡ ብሓፈሽኡ ፖለቲከኛታት ደቂ-መታሕት፡ ንነገራት ብጸቢ ዝርእዩን ንካልኦት ዝውግኑን ጸበብቲ ብሄርተኛታት ኣይነበሩን። ወትሩ፡ ዓይኖም ኣብ ምልእቲ ኤርትራ ምስ ዓለበትን ወትሩ ድማ ዕድል ኤርትራውያን ሓደን ዘይፈላለ ምሉእን እዩ ኢሎም ምስ ኣመኑን እዮም። ትርጉም ሓቀኛ ሓድነት ተገንዚቦሞ ነይሮም። ንሱ እንተዘይግንዘቡ፡ ክርስትያን ደቂ ከበሳ ኣብ መሳርዖም ክስለፉ ኣይመፍቀዱን። ኤርትራ ንኩሎም ኤርትራውያን፤ “ ፍትሕን ሓርነትን ንኩሎም ዜጋታት ዝዓሰላ ሓንትን ዘይትቑርመምን” ዝብል ተረድኦ ወይ ኪዳን ኣብ መንጎ ኩሎም ኤርትራውያን ሰፊኑ ነይሩ። ንሓደ ክፋል ኤርትራ ዘሕምም ንካልእ ክፋል እውን የሕምሞ እዩ። ምእንቲ “ሓንቲ ኤርትራ” እዮም እቶም ኣብቲ ነዊሕ ቃልስና፡ ካብ ደብር ኣዳል ጀሚሮም ኣብ ናቕፋን ኣስመራን ሂወቶም ዝበጀዉ። ንሕና ድማ ነቲ ኤርትራውያን ከም ንኸውን ዝገብረናን ንሓድነትናን ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ከይንፍሕቖን ከይነድክሞን ክንጥንቀቕ ሓላፍነትና እዩ። ብመንጸር ጥሙሓትና፡ ብዙሕ ኣይሰጎምናን። ግን ንጌጋ ብጌጋ ኣይእረምን።

እቲ ናይ ደቂ-መታሕት ጥርዓናትን ጠለባትን ሓቀኛን (ክዉን) ሃገራዊ ባህሪ ዘለዎን እዩ ኢለ ይኣምን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ክረኣዩን ክፍትሑን ይግበኦም። ኤርትራውያን፡ ነዚ በቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ተሓሪምዎም ዘሎ ሃገራዊ መድረኽ ክፈጥሩ ክቃለሱ ጸኒሖም። ማኦን ስታሊንን ለኒንን ብዛዕባ መሰል ርእሰ-ውሳነ ዝበልዎ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኩላቶም ኤርትራውያን ዝኾነ ይኹን ኣካል ወገኖም ንዝስመዖ ቅሬታን ጥርዓናትን ከልዕሉን ክዛረቡሉን ፍታሕ ከናድዩሉን ሓላፍነት ይስከሙ።  ናባኻ ስለዘይተፈጸመ፡ ንናይ ካልኦት ወጽዓ ጎሲኻ ምኻድ ዘይሓርበኛውን ዘይሓላፍነታውን እዩ። ከምኡ ምግባር፡ ንማሕበራዊ ህውከት ምዕዳም እዩ።

ብስቓይ ካልኦት ደቂ ሃገሩ ዘይግደስ ሰብ ብጭርሖታት “ሃገራዊ ሓድነት” ከጽምመና የብሉን። በዚ መሰረት፡ ከም ጎይታ ኮይኖም ዝዓዩን ንኩሉ ክቆጻጸሩ መለኮታዊ ግዴታ ወይ ትእዛዝ ከምዘለዎም ብዘርኢ ኣገባብ ዝዋስኡን ውሑዳት ምሁራት ደቂ ከበሳን ጠባያቶምን ቅጭ ዘምጽእ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ብዙሓት ካብ ከበሳ ይኹን መታሕት፡ ንሓርነርት ወዲሰብ ዝግደሱ (liberals) ኣብቲ’ቶም ውሑዳት ትምክሕተኛታት ዝፍንውዎ ጫውጫው ህልም ኢሎም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ነገራት እንዳተመሓየሹ ይመጹ ኣለዉ። እቲ ኩነታት ካብቲ ዝነበሮ ዝሓሸ እዩ።  የግዳስ፡ ብዙሕ ምምሕያሻት ኣመላኻኽታ ከድሊ እዩ። በዚ ከኣ እየ ነቲ ተዓቢጡ ዝነበረ ናይ ደቂ መታሕት ጸረ-ትምክሕተኛነት ዘተባብዕ፡ ወላ ቅሩብ ይኹን፡ ዝኾነ ምንቅስቃስ መርሓባ ዘይብል።

ብወገን ደቂ-መታሕት፡ ብዙሓት ነታ “ ሓበሽ” እትብል ቃል ብኣናሻዊ መልክዕ ከየቃለሕዋን ንብዙሓት ደቂ ከበሳ ከም መሻርኽቲ ኢሰያስ ከይከሰሱን ሓንቲ መዓልቲ ‘ኳ ዘይተሓልፎም ከምዘለዉ እፈልጥ እየ። ኣክንዲ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕን ርግኣትን ምትኳር፡ ነቲ ናይ ዘመን ጥንቲ ናይ ዶባት ሕማቕ ዝኽርታት ብምልዕዓል፡ ነቲ ብዛዕባ ጽውጽዋይ ፕሮጀክት ሓበሻ ዘለዎም ምጥርጣራት ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ብምንቅስቃስ ተመሳሳሊ ስግኣቶም የተንብሁ። ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ ዝረኣናዮ ኣብ ሓበሻ ዘተኮረ ወይ ዘማእከለ (Habesha-centric) ንጹርን ዘየጋግን ልዑል ድምጽታት (high pitched) መልሰ-ግብሪ ክወሃቦ ከምዝኽእል ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ገለገለ (ደቂመታሕት) ድማ እንተደኣ ገለ ባእታታት “ሓበሽ” ንኢትዮጵያ ዘለዎም ናፍቖት ብዓውታ ዝገልጹ ኮይኖም፡  ንሕና እውን በቲ ምስ ምብራቕ ሱዳን ዘለና (ናይ ደም) ምትእስሳር ክንህድዶም ኢና ብምባል ተጻራሪ ብድሆ የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ከኣ ነቶም ትምክሕተኛታት ደቂ ከበሳ ከነድር ከሎ እቶም ትምክሕተኛታት ደቂ መታሕት ግን ሕነ ዝፈደዩ ኮይኑ ይስመዖም። ክልቲኦም ካብ ነንሕዶም ኣይሕሹን። እቶም ዝበዝሑን ኣብ ማእከል ዘለዉን ንነብሶም ከም ሊበራላውያን ዝቖጽሩን ሰባት፡ ነቲ ምሕራር ኤርትራውያን ካብ ኣርዑት ህግድፍን ንዕኡ ዝመስልን ዝብል ቀንዲ ሽቶ ክስሕቱ የብሎምን።

        ናብተን ፖለቲካውያን ውድባት ተጸንበሩ

ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ከምዘለዋ ዕሽሽ ዝበልዎ ሓቂ እዩ። ገለ ካብዘን ውድባት ብደቂ-መታሕት ጥራይ ዝቖማ እየን። ኣስታት ሓሙሽተ ዝኾና እስላማውያንን ካልኦት ኣብ ዘየገድስ ነኣሽቱ ነጥብታት ብምስምማዖም ጥራይ ሕቡናት ዝኾኑ ኣባላት ዘለዉወን ውድባት ኣለዋ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ዝበዝሓ ውድባት ላቦራቶሪ ትኹላውን ጋድማውን ምምቓላት ኮይነን ዝጸንሓ። ነንሕድሕደን ዘይምቅታለን ጥራይ ከም መዓቐኒ-ደረጃ ዓወተንን መንፈዓተንን ክውሰድ ክኢሉ ኣሎ።

ደምበ ተቓውሞ ሓባራዊ ኣመራርሓ ስለዘይቀረበ ወይ ስለዘየርኣየ ህዝቢ ተደናጊሩን ፋሕ-ጭንግራሕን ኢሉ ኣሎ። እቲ ሓባራዊ ኣመራርሓ ከምጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከይተረፈ፡ ኣንነቶም ዛሳሓዮም ሰባት፡ ኣብ ትርፊ ግዚኦም ወይ ጥሮተኛታት ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ወይ ድማ ናይ ዕርፍቲ ፍቓድ ኣብ ዝረኽቡሉ ግዜ፡ ክእለቶም ዝፍትኑሉ ባይታ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ እሞ ከኣ ንፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ካብ ምዕራብ ከካይዶ ብምሕሳቡ ኣዝዩ ድንግርግር ኢልዎ ኣሎ። ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኤርትራውያንን ነቶም ቀንዲ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከቶም ስደተኛታትን ንክእዝዝዎምን ገልታዕታዕ ከብልዎምን ከም ንዕኦም ዝጽበዩ ዘለዉ ሓይልታት ሚሊሻ ጌሮም ይሓስብዎም። ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት፡ ንዕላማታቶም ኣክንዲ ብደረጃ ክልል ብደረጃ ሃገር ወዲቦሞ ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ምኽኑያት ምኾኑ ኢለ ይኣምን። ምኽንያቱ፡ ብቅልል ዝበለ፡ ሓድጊ ወይ ታሪኽ መታሕት ወትሩ ሃገራዊ እዩ ነይሩ። እዚ ሓድጊ እድሪስ ሓምድ ዓዋተን ሓድጊ እቶም “ኤርትራ” እንዳበሉ ናይ መወዳእታ ዘስተንፈሱ ሰዓብቱን እዩ።

ከምቲ ቀሪቡ ዘሎ እንተኮይኑ ግን፡ ብጾተይ ንሓድግን ተመክሮን ናይቲ ጽኑዕ ዝኾነ ህዝቢ መታሕት ብሕሱር ዝሸጥዎ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ጉዳይ ናይ ሓደ ታሪኽ ዝውንን ከምኡ እውን መሪሕን ጸዋርን ቃልሲ ዝኾነ ነቕ ዘይብል ህዝቢ በብንእሽቶ ተጠቕሊሉ ብሕሱር ዋጋ ንዞባዊ ጠለብ ክቐርብ የብሉን። እቲ ኣብ 1991 ኤርትራ ናጻ ዘውጸአ ቃልሲ ዝጀመረሉን ዝተዓንገለሉን ዝተኻየደሉን ብምዃኑ፡ ብመንፈስ ደረጃ፡ ኤርትራ ብምልእታ መታሕት እያ። (ኩላትና ኤርትራውያን እውን ደቂ-መታሕት ኢና)። ንምዃኑ ሳሕል እንታይ እዩ? መታሕት ድዩ ወይስ ደጋ? ቁጠባዊ ምውስሳብ ኣውራጃታት ሰምሃርን ባርካን ካብቲ ሃገራዊ መዓቐኒታት ወይ ረቛሕታት (parameters) ወጻኢ ድዮም? ብዛዕባ ሰንሒት ከ? “ሃገራዊ መንነት” ናብ ደቂ-መትሓት ብኸመይ ኢኹም ትውዝዕዎ? ጂኦግራፍያዊ መታሕት ካብ ስነ-ህዝባዊ መታሕት (ደሞግራፍያዊ መታሕት) ወጻኢ ክግለጽ ይከኣል ድዩ? እቲ ተበግሶ (ናይ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት) ካብ ዝምልሶም፡ ዘልዕሎም ሕቶታት ይበዝሑ።

ንሕጂ፡ ብልቦና ናይ ሓደ ተዋዛያይ ዓርከይ ክኸይድ እየ። ንሱድማ ከምዚ ዝብል እዩ። ከረን ኣይ መታሕት ኣይ ደጋ እያ። ኣብ ማእከል ሃገር እያ። ዝድነቕ ኣቀራርባ እዩ።

ባርካ ብመጓሰኣዊ ኣነባብራ ይፍለጥ። ጋሽ ከኣ መጓሰን ቀዋሚ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝተሓዋወሶ እዩ። ናይ ሰምሃር ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። ብታሪኽ ክረአ ከሎ፡ ሰምሃር ብቀንዱ፡ ኣብ ንግዳውን ቁጠባውን ንጥፈታት ናይታ ብዘመናውነታን ዕብየታን ብዙሕነታን ምጽውዋራን እትፍለጥ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ይምርኰስ። ኣቢሲንያውያን (ሓበሻ) ወትሩ ዓማውል ምጽዋዕን ደኸኖን ካልኦት ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከባ ንኣሽቱ ወደባትን ከምዝነበሩ ታሪኽ ይሕብር። ወላ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ግብጺ ከይተረፈ፡ ኣብቲ ሙዚንገር ነቲ ከም ታካ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ካብ ካሳላ ክሳብ ምጽዋዕ ዝዝርጋሕ ዝነበረ መሬት ኣብ ዘመሓድረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኣቢሲንያውያን ከበሳ ሓሊፎም ንሰምሃር እዮም ከም ኣፍደገ ባሕሪ ዝጥቀሙ ዝነበሩ።  እዚ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ምትእስሳር እዚ  ክጉሰ ኣይከኣልን። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ጀብሃ ነዚ ኣገዳሲ ምትእስሳር እዚ ዘይምግንዛባ ጠንቂ’ቲ ደማዊ ምፍላይ ናይቲ ብሳበ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ። ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ዝተመስረተ ኪዳን ናይ ኢሰያስን ዑበልን ምስ ሓይልታት ሰምሃር፡ ኩነታት ዝደረኾ ወተሃደራዊ ልፍንቲ እዩ ነይሩ። ከይጸንሐ ድማ ፈርኰሽ ኢሉ። ድሕሪ ናጽነት እውን ካብኡ ኣይሓሸን። ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ኣይነበረን። ኣብ እዋን ቃልሲ እቲ ቀንዲ ነቃዕ እቲ ኣብ መንጎ ሰምሃርን ባርካን ዝነበረ እዩ።

ንዘማናት፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሰምሃር ነቲ ካብ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ዝወርድ ህዝቢ ናይ መጋሃጫን ማሕረስን መሬት ኮይኑ ነበረ። ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ካብ ከበሳ ዝወርድ ኣጻድፍ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ደምበላስ ምስ ባርካ ላዓል ዝኣስር ሓውሲ እትው ዝበለ መታሕት መሬት እዩ። ግን ብፖለቲካ ዓይኒ ከም መታሕት ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክትቀውም ከላ፡ ኣብ መንጎ ባርካ ለዓልን ሰራየን ፍልልይ ኣይነበረን። ክልቲኦም ብፖለራ ዝበሃል ኢጣልያዊ ገዛኢ ከም ሓደ ኣሃዱ ኮይኖም ይመሓደሩ ነይሮም።

ብሓጺሩ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት ንሓደ ኣገዳስን ወሳንን (vital) ሃገራዊ ዛዕባ፡ ማዕረ ሓደ ናይ ንኡስ ጉጅለ ጠለብ ጌሩ ነኪይዎ። ቁጽሩ ክንዲ ሓደ ሲሶ ኤርትራውያን ዝኸውን ክፋል ህዝብና ከመይ ኢሉ እዩ ከም ሓጋዚ-ኣልቦ ወይ ተስፋ- ቅሩጽ (helpless) ኮይኑ ዝዋሳእ? ሕቶኦም ብርኡይን ብፍሉይን (distinction) ኣብ ቀዳምነት ሃገራዊ ዛዕባታት ክኸውን ዝግበኦ ክንሱ  ከመይ ኢሎም እዮም ብሕሱር ዝዋገይዎ? ከመይ ኢሎም እዮም ከ ካብቲ ንዓስርተታት ዓመታት ንቃልሲ ዘንቈሐን ዝጫጨሐን ዞባ ዝውለዱ ሰባት ከምዚ ዝበለ ድኹምን ልሙስን ኣሰራርሓ ዘርእዩ? ከመይ ጌሮም እዮም ነዚ ዛዕባ’ዚ ማዕረ’ቲ ሓደ ሓረስታይ ዝተሰርቓ  ኣሓኡ ንምምላስ ዝገብሮ ጠለብ (ክርክር) ዘውርድዎ? ሕመረት ጓሀይ ድማ ንሱ እዩ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝፈጥሮ ሳዕቤን ማለት ነቲ ተደጕሉ ዝጸንሐ መልሰ-ግብሪ ናይ ገለገለ ትምክሕተኛታትን ናይ ምብርባር ተኽእሎኡ ንሓዘነይ ዘጋድድ እዩ። ገለገለ ወገናት ነቲ ደኩመንት ከም ሊቸንሳ ብምቍጻር ኣብቲ ወገናዊ ህውተትኦም ክዋፈሩን ክዕንድሩን ይሓስቡ ኣለዉ። ዝያዳ ድፍር ዝበሉ ኮይኑ ይስመዖም ኣሎ።

እቶም ኣበገስቲ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-መታሕት ትምኒቶም ነቲ ኣብ መንጎ መታሕትን ከበሳን ዘሎ ምትእስሳር ክሰብሩ ምዃኑ ብፍጹም ኣየመልከቱን። ይኹን እምበር፡ ኣገባብ ኣቀራርባን፡ ተበግሶኦም ከም ፖለቲካዊ ጉዳይ ዝፈጠሮ ጫውጫውታን፡ እቲ ሕቶ ኣብ ክንዲ ጉዳይ ፍትሒ ዝኸውን፡ ንመታሕትን ከበሳን ከም ንምንጻል ዝግበር ተበግሶ ኣምሲልዎ ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንሃገራዊ ዛዕባታት ከም ክልላዊ ወይ ዞባዊ ዛዕባታት ጌርካ ምቕራቦም እቃወም። ከምኡ እውን ኩሎም ኤርትራውያን ከርትዕዎም ወይ ከዕርይዎም ግድነት ክቃለሱሎም ዝግበኦም ፍትሒ-ጠቐስ ጉዳያት ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ውድድር ቑመና (መን ከማይ/posturing) ምጥቃሞም እቃወም። ተበግሶኦም፡ ከም ሓደ ኩሎም ሃገራውያን ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ክካትዑሉ ዝኽእሉ ሃገራዊ ዛዕባ ጌሮም ከቕርብዎ ተስፋ እገብር። ይኹን እምበር፡ ሳዕቤኑን ኣብ ቃልሲ ዘምጸኦ ጉድኣትን ብግቡእ ከይገምገሙ፡ ነቲ ደኩመንት ኣብ ቃልዕ ስለዘውጽእዎ፡ ኣብተን ንድሌቶም ዝውክላ ውድባት ክጽንበሩ የተባብዖም። በዚ ከኣ ነተን ተደኒሰን ዘለዋ ፖለቲካውያን ውድባት ሂወት ክሰዅዑለን ይኽእሉ።

እዚ፡ ናተይ ትዕዝብታትን ሓገዝ ዘይተሓተትኩሉ ምኽርታተይን እዩ። ነቶም ኣበገስቲ “ኣጆኹም” ምባል ምኽሪ ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
107 COMMENTS
  • million April 22, 2014

    Dear Saleh Gadi,

    My hat off for you. I found it to be extremely constructive article with a very sound content. Excellent job Mr. Translator.

  • ahmed saleh April 22, 2014

    “Hadghi metaht wetru hagherawi iyu
    neyru. Izi hadghi Idris Awate hadghi itom Eritrea hagherey indabelu nay naymewedaEta tinfas zetenfesu ahwat
    deki hager iyu ” end of the quote .
    Very well said brother Saleh Gadi .

  • MightyEmbasoyra April 22, 2014

    Ato Mahmud,
    This is very great article and thank you for translating it. Well written as usual!
    Wow, this must been so hard for Ato Saleh Gadi because he personally know a lot of them. It takes a man to take that kind of independent action. What an honor.

    • Bloko April 22, 2014

      Yeah he is a courageous and articulate man.

    • Meretse Asmelash April 23, 2014

      Brother MightyEmbasoyra,

      You said, “Wow, this must been so hard for Ato Saleh Gadi because he personally know a lot of them. It takes a man to take that kind of independent action. What an honor”.

      Brother You got a point there . Imagine these days how many people are affiliated to an old or a new organization just due to a friendship, family member, religion, region, sponsorship,… etc. To take such action during these dusty days a man has to be : a man of principle, charismatic, fearless and of course visionary. All I can say is I wish him to stay the course.

  • hadnet April 22, 2014

    How can we change the dictator? I am sorry Eritrea. Lowlands and Highland, chirstian and aslam. Akeleguzay
    ,hamasien, and seraye. Are we going to the right direction? Does it the sign of Unity? Who is better for the people? Opposition or the present government (isayas)? I hate the dictator but I vote him….all oppositions are high risk for the country. Ya all cancer. It is so sad. Pls you guys have no purpose. Don’t divided the people for your advantage. “POWER”. Selam habwo neti hizbi…nskatkum si neti kemzi endabelkum eti delo srAt ktkyru….no way I am 100% sure. But one thing to say he ( dictator ) is very lucky. All opposition why don’t take care of your family. So sad…

  • Hagherawi April 23, 2014

    About 30 other Lowlanders met in London last week, and issued a declaration to distance themselves from those seeking a separate solution. They stressed the need to preserve national unity and work together with all Eritreans to remove dictatorship.
    Despite problems created by dictatorship now and Ethiopia in the past, Eritrean nationalism is very strong, and there is no way for any group to split the country. There is no risk of tribal or sectarian wars. Eritrea is more integrated than many countries in the continent.

  • andinet hizbay April 23, 2014

    I think the confused highlanders consider Arabita Aleslamia as good party that fought for freedom but in reality its mission was to islamize and arabize the ppl of eritrea ,now the Low landers league want the same ,if u accept the former ,what is wrong with the latter ,here is the contradiction of the highlanders.
    we died for the cause of arabs.
    Don’t be fooled that Gadi opposes their ideas,he is pretending opposing them b/c he wants the service of the useful christian idiots to hate and fight their brothers in ethiopia. I hope the sooner the better the highlanders establish unionists party to unite back our country with ethiopia as what our grandfathers did.

    • Hagherawi April 23, 2014

      “I think the confused highlanders consider Arabita Aleslamia as good party that fought for freedom but in reality its mission was to islamize and arabize the ppl of eritrea ,now the Low landers league want the same ,if u accept the former ,what is wrong with the latter ,here is the contradiction of the highlanders.
      we died for the cause of arabs.”

      hadnet aka Cow[ard] Face

      Your efforts to destabilize our beloved Eritrea and cut it pieces will not succeed.
      All those who wish bad for Eritrea will be disappointed.

      • Gideon April 23, 2014

        Hagherawi aka al-Hagherawi, al-Kalighe, al-Fithawi, al-Wedi Hager also so many coward rats name……
        Please tell/inform us why your 30 Lowlanders(mahber talibab/sahos) met in London last week in the first place! It is definitely not to distance themselves from those seeking a separate solution!!!! Simply Wedi Halima, there is no smoke without fire taliban wahid.

    • abdu April 23, 2014

      Andent
      All i can say to youl; since you are already dead; and i will wish you to rest in peace(RIP Andent)

    • Tsehaye April 23, 2014

      andinet hizbay,

      It is sometimes very exhilarating to see one courageous man like you among the aimless highland educated elites. The reason why Saleh Gadi is not happy with the ELL’s announcement is not because he disagrees with their long-term goal, as you can see the time spent to criticize Medrek and insult them as kebesa chauvinists, but because the ELL did not have the patience to wait and started spilling the bins.

      When Younis Hossein Omer (aka Ali Salem) ruled supreme at the talibans website (awate.com), Saleh Gadi never criticized the divisive articles of Ali Sali even when Ali Salem declared that one day Highland Eritreans would be kicked out of Eritrea and “join mamma Ethiopia”. Ali Salem’s articles were given unlimited and space in the talibans’ website and there was not a single Eritrean Muslim who showed his or her displeasure. Ali Salem was hailed as a Muslim hero and was praised by the top fanatical extremists such as Ismail Omer-Ali and by the bottom trash highland’s useful idiots.

      Let truth be told that the reason why this ghedli era criminal (Saleh Gadi) is not happy with the paper of the ELL is because the ELL is doing it at a time that highland Eritrea is at its lowest and weakest point. PERIOD. He is just saying to them, “Are you nuts? Why advocate just for the barren land that cannot even feed a goat while you can have the whole Eritrean soon?”

      If people don’t know this dangerous man by now, maybe they don’t know Eritrea too. People like Hagerawi are in fact not just the wedini and skuni sympathizers of these Arab-wanna-be extremists, but they are the extremists themselves. In tiny Eritrea, we all know each other. There is no place to hide for the crook to hide.

      • Gideon April 23, 2014

        Tsehaye( Anbessa Wedi Anbessa),

        “Let truth be told that the reason why this ghedli era criminal(Saleh Gadi) is not happy with the paper of the ELL is because the ELL is doing it at a time that highland Eritrea is at its lowest and weakest point.”
        Very well said indeed brother. You have really done a commendable job for calling a spade a spade. You making valid points as usual and please continue your great contribution and input as it is highly appreciated indeed.

        • Tsehaye April 24, 2014

          Gideon,

          Thanks for the nice compliment. I have been fighting and trying to expose the fanatical extremists for a huge chunk of my life and I will continue to do so. Let me repeat this again: in tiny Eritrean, we all know everyone’s history and there is no cave for hiding. Let the truth also be told that Highland Eritreans are victims of their own making.The Highland educated elites (the useful idiots) have chosen to serve the fanatical extremists instead of struggling to save their own people.

    • Gideon April 23, 2014

      andinet hizbay,
      Simply excellent. Indeed, you’ve been very brave and courageous to make valid and timely points brother/sister. Unreserved trust is what it put us here and we shouldn’t trust most of those ex-tegadelti and ‘the mahber taliban/mujahadin’ in particular.

  • brhan April 23, 2014

    eti teneyetelu awate tekone shefeta zenebere dey shaebiya neakatekum kehegus awate jemari sewra tebelekum……………………………………… nefelto ena. temal temal besem jehad ab leeli hazbi zeweredekumo bedel ayreseanayon . WE ARE NOT FORGET. ASLAMAY ZEAMENEN MAI ZEHAKONEN…………BEZEKONE SEB METAHET CANCER HAGER HELEMU. CANCER HAGER EKUM NESEKATEKUM. KEM LEMADEKUM AB PORT SUDAN KEDEKUM ADEROB ENA NEHENA NATIONALITY NAI SUDAN HABUNA BELUOM.

    • MightyEmbasoyra April 23, 2014

      ብርሃን፣
      ንስድርኻ ዶ ጽንዓት ይሃብኩም ምባል ይሓይሽ? ከመይ ጌርካ ከምዝ ዓይነት ዘይእርኑብን መግለጺ ናይ ደናቑር ወስታታት ተቕርብ? ምኽሪ ክልግሰልካ ሓሲበ ኔረ ግን ትሰምዕ አይመስለንን. መተካእታ ምኽረይ ግን ብልቢ ክሓዝነልካ’የ. ስለምንታይ ብርሃን ከምዝመረጽካ ግን ብሩህ አይኮነን.

      • ahmed saleh April 23, 2014

        It is pity to see arrogant bark on the
        wrong tree after they change low-
        land to criminal activity hot spot .
        Whose fault was to put those poor victims at the hands of those Rashaida criminals ?

        • Gideon April 23, 2014

          Defence lawyer of arabs/sahabti gimel, please spare us your crocodile cries!
          For once, halewlew gedifika just stick with the issue at hand negis wahid.
          Why are you trying to divert or derail what we discussing in to Rashadia
          criminals? We deal with one taliban mahber first before moving to the next
          evil one even though they are all the same old shit to us. CAPITO afari wahid.

          • ahmed saleh April 23, 2014

            Anta weyal hasawi
            You see truth hurts

    • wedi Keren April 23, 2014

      ብርሃን፥
      እዞም ሎሚ ትጸርፎም ዘሎኻ ደቂ መታሕት ኣሽምባይዶ ዜግነቶምን መንነቶምን ክሒዶም ኣደሮብ ኢና ምባል ብዓቢኡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ኣገልግሎቶምን ስድራ ቤቶምን ጠንጢኖም ምእንቲ ሃገሮም ተሰሊፎም ዝተሰውኡ ምዃኖም ዓዕ እንዳበልካ ክትቅበሎ ወይ እትቅበሎ ሓቂ ኢዩ።
      ብዛዕባ ናይ ሱዳን ዜግነት ነውሪ ወይ ውንጀል ኣይኮነ እቲ ምንታይ ሰባት ናይ ኩለን ሃገራት ዓለም ዜግነት ሒዞም ይዛወሩ ክከም ጥቅሞም ኣሽምባይዶ ናይ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ዝሓዙ ከ ዘለዉ ኣይትረስዕ

      • abdu April 24, 2014

        Well said wedi Keren.But i don’t think those animals got this( zay semaaka debri eyetemahlel eyou negaru)

    • m April 23, 2014

      i think you are bull shit how can you say like that

    • Gideon April 23, 2014

      brhan,
      Well said brother. Indeed, “brhan yihabka.” Ketselo hakegna rietoKa.

  • Dawit April 23, 2014

    Mezena albo hanatsi muebul tsuhuf anbibe

  • Meretse Asmelash April 23, 2014

    Brother Mahmud thank you for translating this “Must Read Article” into Tigrina. After I read the article the same day it was posted my excitement went to the roof. I consider this as a great gift of wisdom from a distinguished writer.

  • Tekluu Gubtaan April 23, 2014

    Well, done guys for both of u( the writer n the translator ) for conducting the truth of our history which the pfdj always prefers to conceal .
    loosing “Semhar ” was the biggest failure is an absolute true, and it is requesting the eritrean mass lots ,it just been costing towards the justice that we all are seeking for. i believe Salh Sabe was the right man to lead the past independence struggle.

1 2 3 5

POST A COMMENT