Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ተለዓል ደወል

ናይ ተለዓል ደወል ናይ ተለዓል ደወል ዝጽውዕ፡ ዋዜማ ንለውጢ፡ ብከበሮ መፕቅዕ፡ ብፍትሒ ዲሞክራሲ፡ ንቶንኮለኟ ዚረትዕ፡ ሕድሪ ጀጋኑ አሕዋቱ፡ ፍጹም ዘይርስዕ፡ ምእንቲ ህዝቡ፡ ብደሙ ሚሒሉ ዚጠቅዕ፡ ጀሚሩ ክኑቂ

ናይ ተለዓል ደወል

ናይ ተለዓል ደወል ዝጽውዕ፡
ዋዜማ ንለውጢ፡ ብከበሮ መፕቅዕ፡
ብፍትሒ ዲሞክራሲ፡ ንቶንኮለኟ ዚረትዕ፡
ሕድሪ ጀጋኑ አሕዋቱ፡ ፍጹም ዘይርስዕ፡
ምእንቲ ህዝቡ፡ ብደሙ ሚሒሉ ዚጠቅዕ፡
ጀሚሩ ክኑቂ ከም አርሓ ዝራብዕ፡ አያ ክኾኖ ንውጹዕ፡ ብህግደፍ ከይነብዕ።

ሓየት ኮርዒዳ ፡ አብ ፎርቶ እንዳ ዜና ኤርትራ፡ ኽጭድር ተራእዩ፡
አራሚ ምንቅስቃስ ተሰይሙ፡ ክእርም ንዚተጋገዩ፡
ነቶም ትኽ እንተበሉ፡ ከም ማዕጺድ ዝተጠውዩ፡
በቀለኟታት ከም ቃኤል፡ ብደም ዝጨቀዩ፡
ብሰንኮም አብ ምድረ በዳ ሲናይ ክንደይ መንእሰያት ዘይተሳቀዩ፡
እዚኦምስ እንካንዶ ሃገር ክመርሑስ፡ ንክምርሑ እውን ስግንጢር ኢዩ: ክርዳድ ዝፈረዩ።

ጃንዳ ህግደፍ፡ ዓይኖም ከይርኢ፡ ብቶንኮል ዚተ ዓመተ ፡
አእዛኖም ከይሰምዕ፡ ብቅንኢ ዚተለኮተ፡
አንዊሐም ከይሓስቡ፡ አእምሮኦም ብትዕቢት ዚተደረተ፡
ሕረድ ጉመድ ዝአጀንድኦም፡ ልዝቦም ዘተ፡ናይ ሓሶት ዘመተ፡
ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሎም፡ ልቦም ብስስዐ ዚገበተ፡
ክተርክበሎም ኢያ ሓለንጊ ሓቂ፡ ብጀካ ዚሞተ፡ የለን ካብኣ ዚሸፈተ።

ህጠር ኣባ ዳህሪ፡ ብዝጀመርካዮ ቐጽል፡
ሕጂ ኢያ እታ ጊዜ ፡ሎሚ ጽባሕ ዘይትብል፡
ይሓንን ኣሎ መንእሰይ፡ ምሳኻ ኮይኑ እምኒ ክፍንቅል፡
ዝተጸቕጠ ህዝብና ኪትንስእ፡ እግሩ ክተክል፡
ንስኻ ድማ ዘለዓለማዊ ክብሪ ክትረክብ፡ ናይ ዓወት ኣኽሊል፡
ናይ ጀጋኑ ጅግና ስለዝኾንካ፡ ኣርሓ ጎብለል፡ናይ ህዝቡ ኣበሳ ዝቅበል።

ብኤርትራዊነትካ ትሕበን እንተ ድኣ ኮንካ ፡ኩሉኻ ኤርትራ ዊ፡
ኣብ ዘለኻዮ ቦታ፡ ምእንቲ መሰል ውጹዓት፡ዓው ኢልካ ኣእዊ፡
ወጊድ ኢልካ ኣፈላላይ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ኣውራ ጃ ዊ፡
ንትኣማመን ንትሓቌቀፍ፡ ንዛተ ንሓደ ዕላማ፡
ህግደፍ ካብ ሱሩ ክንቀል፡ ሃገርና ክዓስላ ሰላማ፡
ዝሞጠገ ማዓጋጉርቲ ኣዴታትና ፡ ክምለስ ናይ ቀደሙ ግርማ፡ ወርቀን ክስለማ።

ካብ ደላዪ ለውጢን፡ ፍትሕን።
ማይክል ተኽለ
ሆላንድ
03/02/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • akonsam November 7, 2013

    we need be done some thing else in this year what shall be done in the past time No thing No thing? come into post of Eritrean that has been improper our community just be stranger.
    what we done ? how /When / where? we are just talking by lip and teeth

POST A COMMENT