Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ናይ ቀብሪ ስነስርዓትን ሓጺር ታሪኽ ሂወትን ሓውና ኣብረሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ሓውና ኣብረሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ ሎሚ ንንፈተዎ ሓውና፣ መሓዛናን ብጻይናን ኣብረሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ ክንፉነዎ ከሎና ዝስመዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ኣብረሃም ሰኑይ ታሕሳስ 07, 2015 ኣብ ከተማ ኦፍንባኽ ድሕሪ ክግበረሉ ዝጸንሐ ዕቱብ ናይ ሕክምና

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ሓውና ኣብረሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ

ሎሚ ንንፈተዎ ሓውና፣ መሓዛናን ብጻይናን ኣብረሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ ክንፉነዎ ከሎና ዝስመዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ኣብረሃም ሰኑይ ታሕሳስ 07, 2015 ኣብ ከተማ ኦፍንባኽ ድሕሪ ክግበረሉ ዝጸንሐ ዕቱብ ናይ ሕክምና ክንክን ዓሪፉ።

ኣብረሃም ኣብ የካቲት 09, 1971 ኣብ መበቆል ዓዱ እምባደርሆ ካብ ኣብኡ ኣቶ ገብረየሱስ ምሕረትኣብን ወላዲቱ ኣመተማሪያም ቀሺ ወልደሚካኤልን ተወሊዱ። ኣብ እምባደርሆ ክሳብ ወዲ 10 ዓመት ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ፍቅርን ሓሊዮትን ዝመኦ ክንክን ስድርኡ ዓቢዩ።

ኣብረሃም ካብ ካልኦት መሳትኡ ፍልይ ብዝበለ ኩነታት ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዓ ከሎ ግዳይ ኩናት ብምዃን ምረት ኩናት ኣስተማቂሩ። ሽዑ ሓደ መዓልቲ ምስ መዛንኡ እንዳተጻወተ ኮሎ ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ደርቢዮሞ ዝኸዱ ቡምባ ኢድ ረኪቦም። መጻወቲ መሲልዎም ቀጥቂጦሞ ድማ ተፈንጂሩ። ከም ሳዕቤኑ ካብቶም መሓዝቱ ገሊኦም ሞይቶምን ስንኪሎምን። ኣብርሃም የማነይቲ ኢዱን ብርሃን ዓይኑን ስኢኑ። እዚ ንብምሉእ ቤተሰቡ ብፍላይ ድማ ንወላዲቱ ኣዚዩ ዘሰንብድ ኣጋጣሚ ነበር።

 

ድሕሪ እዚ ሓደጋ ወላዲቱን ስድራቤቱን ኣብረሃም ዝበለጸ ሓገዝ መታን ክረክብ ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ኣብራሃ ባህታ ኣስመራ ኣእቲየሞ። ኣብረሃም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ባህታ ምስ ኣተወ ነቲ ሓድሽ ብድሆ ስንክልና ክለምዶ ግዜ ኣይወሰደሉን።  ብቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ከይተበድሀ ድማ ትምህርቱ ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ብሉጽ ተማሃርይ ኮነ። በቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እንዳተኣልየ ቐዳማይን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣጠናቐቀ። ውጽኢት ትምህርቱ ስለዘተባብዖን ፍቕሪ ትምህርቲ ስለ ዝሓደሮን ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከሰጋግር ወሰነ።

 

እቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርት ካብ ማእከላይ ደረጃ ንደሓር ክሕግዞም ስለዘይከኣለ፤ ኣብረሃም ብሓባር ምስ ገለ መሓዙቱ ካብቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርት ወጺኦም ብሓገዝ ወለዶምን ገል ገበርቲ ሰናይን ገዛ ተካርዮም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ክከታተሉ ጀመሩ። ሹዑ ድማ ነቲ ጠባቃ ፍትሒ ናይ ምዃን ሕልሙ ጋህዲ ንምግባር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጀመረ። ካልኣይ ደረጃ ኣብ 1990 ብኣዚዩ ልዑል ነጥቢ ብምምጻእ ዛዘሞ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ መንግስቲ ኢትዮያ ድማ ዝለዓለ ትምህርቲ ክከታተል ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መደቦ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቱ እንዳ ተከታተለ ከሎ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጻ ስለ ዝወጸት ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክፍሊ ሕጊ ቀጸሎ።

 

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመር ትምህርቱ ብግቡእ እንዳተኸታተለ ጎኒ ጎኒ ትምህርቱ ስራ ጎስጓስ ኣንጻር ናይ ሰብ ፈንጂን ካልእ ተተኮስቲ ነገራትን ኣብ ኤርትራን ኣብ ምሉእ ዓለመን ክነጥፍ ጀመረ። እዚ ተገዳስነቱን ትግሃቱን ንኣብርሃም ብዙሓት መሓዙት ከፍሪን ምስ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ተመሳሳሊ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክላለ ዕድል ከፈተሉ።

 

ካብ እዚኦም ሓንቲ ዝኾነት ካትሪን (ኣብርሃም ብሽማ ንቦኽሪ ጓሉ ዝሰየማ) ንናይ ሪቦክ ንመንእሰያት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወሃብ ዓለምለካዊ ሽልማት ረቁሐቶ፣ ምናልባት ናይ ኮርኒያ መጥባህቲ እንተጌሩ ክርኢ ይክእል’ዩ ኢላ ስለዝኣመነት ድማ ምስ ኣድ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዝለዓለ ወታደራው ሆስፒታል ኣራከበቶን ምሕከሚኡ ዝኸውን ገንዘብ ኣዋጽአትሉን። ኩል ቀኒዑ ድማ ኣብርሃም ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ንናይ ኮርኒያ መጥባሕቲ ተገብረሉ። ኣብ 1997 ኣብርሃም ዳግማይ ክርኢ በቂዑ። ነቲ ስሚዒት ናይቲ ግዜ ኣብርሃም ብቃላቱ “ከም ካልኣይ ምውላድ እዩ!” ይብሎ። ኣብ 1998 ኣብርሃም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብሕጊ ናይ መጀመሪያ ድግሪ ተመረቁ። ድሕሪ ምምራቁ ናይ 1998 ኣንጻር ፈንጂ ሰብን ካልኦት ነተጉቲ ነገራት ብዘካየዶ ንጥፈታት ሓደ ካብቶም ናይ እቲ ዓመት ናይ ሪቦክ ስልማት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ተሰላሚ ኮነ።

 

ድሕሪ ምምራቁ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሃገረ ኤርትራ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ንህዝቡ ብትግሃትን ተኣማንነት ኣገልጊሉ። ጎድኒ ጎድኒ ስርሑ ድማ ማሕበር መርበብ ግዳያት ፈንጂን ካልኦት ተተኮስቲ ነገራትን ኤርትራ መስሪቱ።

 

ኣብ 1999 ምስ ፍትውን ሓላይትን ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ነቢያት ከፋሊ ተመርዒዮም። ብሓባር ድማ ንደቆም ካትሪን፣ ሚለንን ሮዛን ወሊዶም።

 

ንማሕበር መርበብ ግዳያት ፈንጂን ካልኦት ተተኮስቲ ነገራትን ኤርትራ ምስ መስረተን በቲ ዝነበሮ ኣለምለካዊ ዝምድና ዘይተሓጎሱን ስንቡዳት ኣባላት ስለያ ህግደፍ ድቃስ ከልእዎ። ነዛ ሂወቱ ስለ ዝሰጋአ ድማ ብሽም ኣኬባ ካብ ኢዶም ፈንጺጉ ንጀርመን ኣተወ። ንከይምለስ ድማ ወሰነ። ብዙሕ ከይጸንሓ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግሮኒንገን ሆላድ ተመዝጊቡ ትምህርቱ ቀጸለ። ኣብ 2002 ብሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ብማስተርስ ዲግሪ ተመረቀ። ድሕሪ ምምራቁ ናብ ጀርመን ተመሊሱ ፖለቲካዊ ዕቁባ ሓቲቱ። ሽዑ ንሾዑ ድማ ፖለቲካዊ ዕቁባ ካብ መንግስቲ ጀርመን ረኺቡ። ኣብረሃም ኣብ ጀርመን ንጉዳይ ናይ ሰብ ነተጉቲን ካልኦት ተተኮስቲ ነገራትን፣ እምቢታ ንኩናት፣ ሰብኣውን ሲቢካውን መሰላት፣ ልዑላውነት ሕጊ ብዝመለከት ምጥባቕን ምሕጋዝ ሓደስቲ ሰደተኛ ኤርትናውያንን ብዕቱብ ሰሪሑ።

 

ኣብ ጀርመን ኣብ ዝጸንሓሉ ድማ ብሓባር ምስ ብጾቱ ተበግሶ ኣንጻር ግዱድ ዕስክርና ኤርትራ መስሪቱ፣ ንሲቢካዊ ማሕበር ስኒት ሰላም ፍራኣንክፈርት ኣብ ምምስራት ምምዕባሉን ነጢፉን መስሪቱን። ብተወሳኺ ኣብርሃም ሓደ ካብ መስረትን ኣካያድን ቴሌቪዥን መስቲያት ኤርትራ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን’ዩ ኔሩ።

 

ኣብርሃም ደኺመ ከይበለ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ንምኳን ኣበርቲዑ ዝሰርሐ ሓርበኛ ሰላማዊ ቃልሲ እዩ። ብቃላት ኣብርሃም “ኤርትራውያን ክውንነት ሃገርና ክንቅበል ኣለና። ለውጢ ከመጽእን እንተኾይኑ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራሕ እዩ። ነዚ ስርዓት ንምብዳህን ህዝብና ንምርዳእን ብዙሕ ሰላማዊ መገድታትን ዕድላትን ኣሎና” ዝብል ተሪር እምነት ነበሮ።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ኣብርሃም ንጡፉ ኣባል ተበግሶ ኣንጻር ግዱድ ዕስክርና ኤርትራ ኔሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን  ካብ ጎነጽ ዝረሓቀ ጎስጓስን ካብ ውልቀምልኪ ናብ ዲሞክራሲን ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ተርጊሙን ንሕዝቢ ዝርጊሑ’ዩ።

 

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንጡፍ ኣባል ዋር ረሲስቶርስ ኢንተርናሽናል፣ ቃልሲ ንመሰል ኣበይቲ ዕስክርና፣ ካብ ጎነጽ ዝረሓቀ ሜላ ቃልስን መስርሕ ምስግጋር ኣብ ትሕቲ ዲክታቶራውነትን ወታደራዊ ምምሕዳር ዝጸንሐት ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ምስግጋርን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራት ክነጥፍ ጸኒሑ።

 

ኣብርሃም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ሎሚ ብሰንኪ መንሽሮ ርእሲ ኣብ መበል 44 ዓመቱ እንተተፈለየና፤ እቲ እሱ ዝሃነጾ መሰረትን ተወፋይነት ንቃልሲ ሰላምን መሰል ደቂ ሰብን ኩሉ ግዜ ምሳና ነባሪ’ዩ። ኣብርሃም ኹሉ ግዜ ብወሳንነቱ፣ ተወፋይነቱ፣ ትግሃቱን ቅንዕንኡን ክዝኸር ክነብር’ዩ።

 

 

ዓወት ንሓፋሽ! ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ እዩ!

 

ዮሃንስ ኪዳነ

ተበግሶ ኣንጻር ግዱድ ዕስክርና ኤርትራ

Eritrean Antimilitary Initiative (EAI)

 

 

 

 

 

 

 

መፋነዊ ስነስርዓት

 

ንፈትዎ ሓውና፣ መሓዛናን ብጻየይንናን ኣብርሃም ገብረየሱስ ምሕረትኣብ ሰኑይ ታሕሳስ 07, 2015 ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየ ክሕብረኹም ከለኹ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ኣብርሃም ንደቁን በዓልቲ ቤቱን፣ ስድርኡ፣ መሓዙቱን ንኹሎም ደልይ ፍትሒን ሓቅን እቲ ዝተቃለሰሉን ዝጸዓረሉን ምንጋስ ቅዋማዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ከይረኣየን አዕሪፉ። ኣብረሃም መንፈስ ቃልሱ፣ ተወፋይነቱ፣ ትብዓቱ፣ ዘይተሰዓርነቱን ኣብርክትኡን እቲ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ታሪክ ሂወቱን ህያው ምስክር’ዩ። እዚ ሓዘነይ ክካፍልን ንፈተውቱን መማህርቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፍላይ ናይ ’91 batch ንምሕባር ዝጽሕፎ ዘለኹ’ዩ።

ስነስርዓት ቀብሪ ሓውና ኣብርሃም ኣብ መበቆ ዓዱ እንባደርሆ ክፍጸም እዩ። ከተፋንውዎን ስድራቤቱ ከተጸናንዑን ንእትደልዩ የሕዋት መፋነዊ ናይ ሓዘን ቦታ ከተማ ላንገን (ከባቢ ፍራንክፈት ጀርመን) ንቀዳምን ሰንበትን ተዳልዩ ኣሎ።

ዕለት፡ ቀዳምን ሰንበትን

ሰዓት፡ ካብ 9፡00 ንግሆ ክሳብ ምሸት

እድራሻ፡ Nordendstr. 45, 63225 Langen

ብተወሳኺ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሓፍትና ነቢያ ኣብ ሞባይል 0044+7951675242  ወይ ድማ ኣብ ናይ ገዛ 0044 + 121 572 4252 ብምድዋል ከተጸናንዕዋን ንድሕሪት ሰልስተ ህጻውንቲ ሓዲጉ ይፍለየና ስለዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ንእትደልዩ በዚ ዝስዕብ ናይ ባንክ ሕሳብ ተጠቀሙ።

Mrs. Nebiat Kefali
HSBC Bank
Account Number: 64073827
Sort Code: 40-11-18
International Bank Account Number: GB72MIDL40111864073827
Branch Identifier Code: MIDLGB2102K

ኣምላኽ ነብሱ ይባርካን ብሰላም ይቀበላን።

 

ዮሃንስ ኪዳነ

ካብ ተበግሶ ኣንጻር ግዱድ ዕስክርና ኤርትራ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Asgedom berhe December 13, 2015

    Let me express my condolences to the family first. It is too sad to learn the loss of such a great young man with extraordinary moral integrity and conviction. But, it also make us proud that we have many Eritreans young and old who inspire us to stand strong against morally rotten opportunists ( lekbatat gilbit gilbit bahalti serektin medenagertin), criminal gangs, and their criminal boss in Asmara. May your soul rest in peace brother.

  • knm December 15, 2015

    haw Abreham n kulatna ab denbe kalsi zelona natka mot asenbiduna b flay netom b kereba nfelteka amlak ab mengstu ykebela tsnat n beteseb tsnat n hagere Eritra ab Norway znebru deleyti fethi

  • BAHLBI KUFLU December 17, 2015

    kem Abreham jigna kitefeuka kelewu zihzin eyu gin neti zimesreton zeberketon mieqab dima natna halafnet eyu
    kab mesrhtun meqalstun neber
    BAHLBI KUFLU
    NORWAY

POST A COMMENT