Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ – 1ይ ክፋል

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ ናይ መወዳእታ ዕርዲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ተጣሒሱ፣ ጥፍኣት ከንጸላሉ ኸሎ፣ ካብ ስዕረት ንምድሓን ብኣባይ ይኹን ብወገን ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ዝካየደሉ መስመር እዩ። ካብዚ “ድፋዕ” ’ዚ እንትወጺእካ መቓብር ጥራይ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ተጣሒሱ፣ ጥፍኣት ከንጸላሉ ኸሎ፣ ካብ ስዕረት ንምድሓን ብኣባይ ይኹን ብወገን ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ዝካየደሉ መስመር እዩ። ካብዚ “ድፋዕ” ’ዚ እንትወጺእካ መቓብር ጥራይ ‘ዩ ዘሎ። ኣብኡ እንተጸናሕካ ‘ውን ንርእሱ መቓብር’ዩ ዝኾነካ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ መዝገብ’ዚ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ዕጥቅን ስንቅን ኩሉ ተወዲኡ ‘ዩ። ካብቲ ኩሉ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝመሃዞ ትንኮለኛ ጥበባት ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ሜላ ንህዝቢ ፈላሊኻ ከምዘይተኣማመን ብምግባር ካብ ሓድነታዊ መኸተ ህዝቢ ምኽዋል እዩ። መዋደዲ ናይ’ዚ ከፋፋሊ ኣጀንዳ ‘ዚ ህግደፍ ‘ኳ እንተኾነ፣ መሳሰይቱ ግን ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ እቶም ምስ ህግደፍ ኮነ ኣንጻር ህግደፍ ዘለና (ደገፍቲ ንኹን ተቓወምቲ) ኢና።

ንህግደፍ ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ዕርድታቱ ተዋጊኡ ዘወጽኦ የልቦን። ባዕሉ እዩ ኣብ ናይ መወዳእታ ድፋዕ በጺሑ። ንተቓወምቱ ሓጊዙዎም፣ ንሳቶም ግን ንነብሶም ኣይሓገዙዋን። ነቲ ናይ ህላወ ምርኩስ ኪገብሮ ዝፍትን ዘሎ ሜላ ምፍልላይ ብምኽታል፣ ጸረ-ሓድነት ብምዃን ብዘይቃልዓለም ይኽሕሱዎ ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ኢና፣ ንዕርዲ ቅብጸት ኢሳይያስን ስርዓቱን፣ ነታ ናይ ምወዳእታ ዕርዱ፣ ቀዳማይ ድፍዖም ገይሮማ ንብል ዘለና።

እቲ ዕርዲ ሓደ እዩ – ዕርዲ ምፍልላይ፣ ዕርዲ ዘይምትእምማን፣ እቶም ዒላማታት ናይቲ ውግእ ግን በበይኖም ‘ዮም። ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ድፋዕ፣ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ንተቓወምቱ ብዘይጥይት ክዋግኦም ከሎ፣ ተቓወምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ድፍዖም ኮይኖም ኵናት ሕድሕድ የካይዱ ‘ለዉ። እቲ ንዓወት ሓደ ህዝቢሓድነት ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ኢሳይያስ፣ ንምፍልላይ ከም ስልቲ ድሕነት ስልጣኑ ክሓርያ ኸሎ፣ ንሳቶም ለባማት እንተዝኾኑ፣ በንጻሩ ንሓድነት ከም ሜላ ዓወት ክመርጹዋ ነይሩዎም። ኣይትተዓወቱ ኢሉዎም ግን ኣብ ክንዲ መኸራኽርቱ ብተዘዋዋሪ ደገፍቱ ኮይኖም።

ኢሳይያስ ንህዝቢ ካብ ምፍልላይ ዝረኽቦ ረብሓ ርኡይ እዩ። ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን። ረብሓ ተቓወምቲ ካብ ምፍልላይ እንታይ ምዃኑ ግን እዝጊሄር ዋንኡ። ዕብላለኻ ረጋጊጽካ ብምጽናሕ፣ ስልጣን ንምጭባጥ እንተኾይኑ፣ “ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ፣ መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ” እዩ ነገሩ።

ሓደ ካብ መሰረታውያን ጉድለታት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንናጽነት ምድሙድ ባይታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ናይ ዕዉታት ሓለፋ ምድላዮም እዩ። እዚ ጸገም’ዚ ሓደ ካብቶም ለውጢ ክእርሞም ዘለዎም ቄናናት እናኾነ፣ ዕብለላ ኣብ መዝገብ ለወጥቲ ቀዳመይቲ ኣረእስቲ ኮይና ተጻሒፋ ምህላዋ ድማ ጋዶ እዩ። ኣብ ጉባኤታትን ዋዕላታትን ተቓወምቲ ምልኪ ከመይ ኢሉ ይፍረስ ዘይኮነስ “በሪኽ ባይታ ሒዘ ክጸንሕ ኣለኒ” ዝብል ሕማም ኣውራ መከራኸሪ መራሕቲ ተቓውሞ ምዃኑ ኸኣ፣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ከም ቀንዲ ዓገብ ናይቶም ምሉእ ግዚኦም ንገድሊ ናጽነት ዘወፈዩ፣ ንእስነቶም ዘጥፍኡን ዝሰንከሉን እናተጠቕሰ ደኣ’ሞ ነቶም ብወንጭፍ ለውጢ ከምጽኡ ዝፍትኑ ዘለዉ ናይ Part-Time ፖለቲከኛታት ከመይ ኢሉ ከምሕረሎም ይኽእል?

ንህግደፍን ተቓወምትን ግን፣ ፈላልየቲ፣ ጸረ ሓድነት፣ ስልጣንን ዕብለላን ምህራፎም ጥራይ ኣይኮነን ዘመሳስሎም። ኣበሮም ክቃላዕ ከሎ ዘቕርቡዎ ምስምስን ጩቕጡቕታን ‘ውን ተመሳሳሊ እዩ። ጌጋኦም ክንቀፍ፣ ውዲቶም ክቃላዕ ከሎ፣ እቲኦም “ወያነ! ወያነ!” እቲኦም ከኣ “ህግደፍ! ህግደፍ!” እዩ ቋንቍኦም። ብትብዓት ነብስኻ ናይ ምርኣይ ድሌት ይኹን ክእለት የብሎምን። ንተቓወምቲ ብማዕዶ ካብ ምቅዋም፣ ቀሪብካ ምቅርራቦም ደኾን ይሓይሽ ኢሎም ተበግሶ ንዝወሰዱ ብዙሓት ግዱሳት እዚ ዕጫ እዚ እዩ ኣጋጢሙዎም።

መቸም ብዙሓት ተቓዋማይ ክንቀፍ የብሉን ዝብል ስምዒት ዘለዎም ኣለዉ። ገሊኦም ህግደፍ መታን ትንፋስ ከይረክብ ዘሰክፎም ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ግን ንጌጋታቶም መሸፈኒ ስለዝደልዩዎ እዩ። ጎባጥ ተቓዋማይ ግን ቅኑዕ ተቓዋማይ ክኸውን፣ መንግስቲ ከቕንዕ ኣይክእልን እዩ። ካብ ዝገርም፣ ገለ ካብቶም ነቐፌታ ደምበ ተቓውሞ ከጸይኑ ዝደልዩ፣ እቶም ኣብ ገድሊ ናይ ተቓውሞ ባህሊ ከምዘይነበረ ኣምሪሮም ዝነቕፉ እዮም። ናብ ታሪኽ ተመሊስካ ክትከስስ እናተመጣጠርካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝመጽኣካ ነቐፌታ ምህዳም ከኣ ተገራጫዊ እዩ።

ብምኽንያት ዕለተ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብ20 ሰነ 2013 “ሰማእታትና፣ ካብ ቅብጸት ናብ ተስፋ ካብ ፍልልይ ናብ ሓድነት ተመሊስና ንዘክሮም!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍናዮ ቃል ኣሰና፣ ፈላላዪ ፖለቲካ ኣብ ኤርትራውያን ተስፋ ምቝራጽን ቅብጸትን ኣስፊኑ ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ኣሉታዊ ግደ ይጻወት ምህላዉ በዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መንገዲ ጠቒስና ኔርና።-

“ ከም ህዝቢ ወይ ከም ሕብረተሰብ፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ንምግጣም ርእሰ ምትእምማን ስለዘጥፋእና፡ ጉዳያት ክለዓሉ ኸለዉ ኣብ ክንዲ ምስ መሰረታዊ መትከላት ኣነጻጺርና ብነጻ ኣእምሮ እንምርምሮም፡ “ተጋደልቲ ‘ዮም ገባር ባ፡ ኣስላም ‘ዮም ክርስትያን ‘ባ ፡ ሓማሴን ‘ዮም ኣከሎጉዛይ ሰራየ’ባ፡ ሻዕብያ’ዮም ጀብሃ ባ፡ ኢትዮጵያ ‘ዮም ኣመሪካ ባ….እቲኣቶም፡ እቲኣቶም፡ እቲኣቶም…” እናበልና ዋጋ ዘይብሎም ጽውጽዋያት ኣብ ምንብድባድ ተሓጺርና ካብ ቃልስን ተወፋይነትን ከነድሓርር ንነበር ኣለና። እቲ ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ዝገጥሞ ስሙርን ተሪርን ግንባር ስኢኑ፡ ፍልልያትና ብምምዝማዝ ኣብ ኣፍደገ መቓብሩ ትልኽ እናበለ ይጻናሕ ‘ሎ።

ብርግጽ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣብ ሕብረተሰብና ተኣፈፍቲ ተባሂሎም፡ ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ክለዓሉ ከለዉ ከም ነውሪ ሰብ ዘጠማምቱ ዛዕባታት እዮም። ኣብ ጽሙው ዝበለ ዕላላት ኤርትራውያን ግን ካብ ብዛዕባ’ቲ ቀንዲ ጉዳይ ብዛዕባ’ዚኣቶም ዝዝረብ ይበዝሕ። ስለዚ፡ ካብዚ ኣብ ኤርትራውያን ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ድርብ ሰብ ኴንካ ናይ ምንባር ምስሉይ ኣመላት ውጽእ ኢልና፡ ነዞም ነገር ዝሓላልኹልና ዘለዉ ዛዕባታት ብሓቂ ኣንጉዕን ትሕዝቶን ዘለዎም ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብርትዓዊ መንገዲ ክንምርምሮም ይግባእ።”

ስለዚ ብዛዕባ ገለ ካብዞም ክዉንነቶም ኣለሊና ክንእርሞም ካብ ምፍታን፣ ዘየለዉ ከነምስል እንገብሮ ነብስኻ ናይ ምቕሻሽ ጻዕሮም ከፊኡና ዘሎ ጽውጽዋያት እስከ ንላዘብ። ን ኩርናዕ (Context) ናይዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ጉዳይ ብዝያዳ ንምግንዛብ ናብቲ ዝጠቐስናዮ ኣርእስርቲ ተመሊስካ ምንባብ ምናልባት ክሕግዝ ስለዝኽእል፣ በዚ ክብ ኢሉ ተዋሂቡ ዘሎ ሊንክ ምውካሱ ይከኣል።

“ገድሊ ገደል ‘ዩ” – ብሓቂ?

“ኤርትራ ብሰንኪ ገድሊ እያ ኣብዚ ኹሉ ሽግር ወዲቓ። ገበነኛታት ናይዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ተጋደልቲ እዮም። ፍርቂ ናጽነት ብኻ ተሪፉና! ስለዚ፡ ገድልን ተጋዳላይን ኣሰር ታሪኹ ክጠፍእ ኣለዎ። ተጋዳላይ፡ ኣብ መጻኢ ናይዛ ሃገር ቦታ ‘ውን ክህልዎ የብሉን…” ኢሉ ዝጅምር ጽውጽዋይ ኣሎ።

እቲ ነገር ፈለማ “ምጽብባቕ ገድሊ” ንምእራም ተመሲሉ እዩ ተበጊሱ። እንተኾነ ንርእሱ ምክሽማሽ ገድሊ ኮይኑ ተረኺቡ። ምጽብባቕን ምንእኣስን ከም ጉድለታት ብሚዛን ክዕቀኑ ከለዉ ፍልልይ የብሎምን፡ ክልቲኦም ማዕረማዕረ ሰለል ዝብሉ መዛኑ እዮም። ንሓቂ ኣጋኒንካ ምቕራብ (ምጽብባቕ) ጌጋ እንተኾይኑ፡ ንሓቂ ኣነኣኢስካ ምቕራብ (ምስትውሓድ) ‘ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ገድልን ተጋዳላይን ከምቲ ዝነበሩዎ እዮም ኣብ ታሪኽ ክቕመጡ ዘለዎም።

ናብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ጽውጽዋይ ቅድሚ ምእታው ሓደ ክንጸር ዘለዎ ሓቂ፡ ከም ዝኾነ መድረኻት ኤርትራ ገድልን ተጋዳላይን ከም ታሪኽ ገምጋም ክግበረሎም፡ ክንቀፉን ክውቀሱን ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፣ ውቅያኖስ ናብ መሬት እንተፈሰሰ ‘ውን ዘይሓጽቦ ሓደ ሓቂ ኣለዎም። ተጋዳላይ ብዋጋ ንእስነቱን ህይወቱን መግዛእቲ ስዒሩ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ ወሳኒ እጃም ዝተጻወተ፡ ሃገራዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዘሐየለ፣ ንኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ከም ሃገር ዘመዝገበ፡ “ወርቃዊ ወለዶ” ኤርትራ ምዃኑ ክቕየር ዘይከኣል ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ነዚ መሰረታዊ ሓቂ’ዚ ክሒድካ፡ ካብኡ ዝገደደ ድማ ነዚ ሓቂ ‘ዚ ንምቕያር ዝግበር ወቐሳን ነቐፌታን ከንቱ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ነቐፌታ ንትምህርትን ተመክሮን ክኸውን ኣለዎ።

ሃለዋት ናይቲ ገድሊ ይኹን ተጋዳላይ ዘረጋግጾ ናጽነት ይጥፋእ ይሃሉ፡ መልክዑ ዋላ ካብ መግዛእቲ ይኽፋእ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ተጋዳላይ “ወርቃዊ ወለዶ” ዝብሃለሉ ሓደ ቁልፊ ምኽንያት ኣሎ። ድሌት ህዝቡ ንናጽነት ሰሚዑ፡ ነታ ኣብ ዓለም ሓንሳብ ጥራይ ዝነበረቶ ዕድል ምንባር ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ከወፍያ ምቕራቡን ብግብሪ መስዋእቲ ህይወት ምፍጻሙን ካልኣይ የብሉን። ብሃለዋትን መልክዕን ናይቲ ዝገደፎ ናጽነት ዝሕተትን ሓላፍነት ዝስከምን እቲ ካብኡ ዝሰዓበ፡ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ፡ እቲ ዝተጋደለ ይኹን ዘይተጋደለ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መቐረቱ ምግላጽ ኣጊሙካ፣ ተመሲጥካ ናይ ዝበላዕካዮ ባናና ቅራፍ ረጊጽካ እንተተሰበርካ ንነብስኻ እምበር ነቲ ባናና ዝቐረበልካ  ኣይኮንካን ክትሓሚ ዝግባእ። ነቲ ቅራፍ ባናና ናብ ዘምቢል ጓሓፍ ሰኣን ምእታው ናይ ዝሰዓበ ጉድኣት ጠንቂ ባዕልኻ ክንስኻ፡ ዝቐለለ ምግባር ተሃክዩካ ዝኸበደ ንዝገበረልካ ገባሪ ጽቡቕ ከተማርርን ኢደ ሰባራ ክትገብሮን ምሕላን ከኣ ቅቡል ኣይኮነን።

ሓደሓደ ግዜ ስለ ፖለቲካዊ ምቝሉልነት፡ “ናጽነት ‘ኮ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኣምጺኡዎ” ተባሂሉ ብተጋደልቲ ይኹን ፖለቲከኛታት ዝዝረብ ምሉእ ሓሳብ፡ ዋላ ‘ውን ነቲ ኢሳይያስ “ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር 4 ሚልዮን (ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ) እዩ ክብል ጋዜጠኛታት ወጻኢ ከም ጥቕሲ ክጥቀሙሉ ጸሪቡ ዝሃቦም ቃል፡ ከም ጻልጣ ሓቂ ወሲዶም፡ ምስ ተጋዳላይ መመዓራርዪ እንተኾኖም ምድጋሙ ዝምእምኦም ሰባት ነይሮም እዮም። (መቸም ሕጂ ሕጂ፣ ነቀፊታ ገድሊ ፋሽን እናኾነ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ‘ኳ ገለ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ነበር ሞይኡ ክሓብእ፣ ገድሊ ቀዲሞም ዝገደፉዎ ኸኣ ‘ብልቦናኦም’ ክሕበኑ ክቀላቀሉ ንርኢ ኣለና) ክልቲኡ ወስታታት ግን ስንፍና እዩ።

ዳርጋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ናጽነት ‘ኳ እንተነበሮ፡ ብምሉኡ ነቲ ተጋዳላይ ዝገበሮ ተወፋይነትን ኣበርክቶን ውዒሉዎ ኢልካ ምዝራብ ዕባራ ሓቂ እዩ። ማዕረ ተጋዳላይ ተወፋይነት ዘርኣዩን ዘሳለጡን፡ ከም ተጋዳላይ ዘይተመዝገቡ ሓረበኛታት ኤርትራውያን ኣለዉ። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግን፡ እቲ ህይወቱ ንህዝብን ሃገርን ክህብ ቆሪጹ ዝተዓጥቀ ተጋዳላይ ቀስቲ ናይቲ ሃገራዊ ወፍሪ ናጽነት እዩ ነይሩ። እቲ ንውጉእ ደም ዝለገሰ፡ ገንዘብ ዘዋጽአ፡ ዝጸለየ፡ ብማዕዶ ዘጣቕዐ አእጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። ኤእ፡ ማዕረ’ቲ ህይወቱ ዝመነነ ከትጽብጽቦ ግን ድፍረት እዩ።

እዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ነጥቢ ብዓይኒ ተጋዳላይ ነውሪ እዩ። ብዘይካ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ “ኣነ ከምዚ ዝኣመሰለ ጅግንነት ፈጺመ” ኢሉ ዝጀሃር፡ ንናጽነት ብሕታዊ ዋኒኑ ክገብሮ ዝብህግን ዝጸባጸብን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይ ኣየጋጠመንን። ኣሽንባይ ዶ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ በፈፍ-በፈፍ ክብል፡ ጠዊቕካዮ ዝዛረብ ክትረክብ ‘ኳ ንጋዳ እዩ ነይሩ። ናጽነት ብጋሽኣ ብፍላይ፡ ኣብ ጽብብ ዝበለ ምዉቕ ዕላል ብጾት፡ ዋሕዚ ትዝታታት ገድሊ ምስ በዝሖ፡ ንርእሱ ናጽነት ብምርኣዩ ዝግረም፡ እቶም ብመስዋእቲ ዝሓለፉ ብጾቱ መኻፍልቲ ናይቲ ክኣምኑዎ ዘይከኣሉ ዕድል ዘይምዃኖም ክነብዕ ዝተራእየ ግን ብዙሕ እዩም። ሕጂ ምስሊ ናጽነት ምስተበለለ ኸኣ፡ እተን የዒንቲ ካልኣይ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።

ነዚ ብኣንጻር’ቶም ንዛረበሎም ዘለና ኣሉታዊ ጽውጽዋያት፡ ኣውንታዊ ዝኾነ ዛንታ ወይ ከኣ “ነውሪ-ተጋዳላይ” ዘልዕሎ ዘለኹ፡ እቶም ኣይወዓሎ ኣይሓደሮ ንተጋዳላይ ብምጽብባቕ ታሪኹ ዝኸሱዎ፡ መነነ-ህይወቱ መዳርግቲ ስለዝሰኣኑሉ ንዝተሰምዖም ሕልናዊ ሓቕያ በቋራጭ ከፋኹሱዎ ዝፍትኑ ኣምር መንፈሱ ብጩራ ከርእዮም ኢለ ጥራይ እየ። እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋንነት ነጻነት ክስምዖ ዝሕግዝ ኣውንታዊ ኣበርክቶ እንተልዩዎስ ወሸለ ጸዲቑ። ቀደም ዘይምግዳሉ ክሳብ ክንድዚ ሸቕሸቕ ዘብሎ እንተልዩ ግን፡ ተጋዳላይ እምበር ገድሊ ኣይተወደአን። ነታ “ፍርቂ ናጽነት” እንተመሊኡዋ ክብረወሰን ናይ ቀደም ተጋዳላይ ሰይሩ፡ “ኣልማዛዊ ወለዶ ኤርትራ” ካብ ምዃን ዝዓግቶ የልቦን። እዚ ግን ታሪኽ ተጋዳላይ ብምንእኣስ ዘይኮነ ዝበለጸ ተጋዳላይ ኴንካ ዝውቃዕ ሸቶ እዩ። ከም ናይ ተጋዳላይ ወይ ኪኖኡ ቅሩብነት ንመስዋእቲ ግን ይሓትት። ኣፍራስ ጥራይ ንኹን እምበር እንሆ ጋላቢ ዘንቀላውጥ ጎልጎል።

ተጋዳላይ ናጽነት ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኮነን ክሳብ ክንድ’ዚ ዝምጎስ፡ ምእንቲ ህዝባዊ ዕላማን ሓባራዊ ረብሓን ዜጋታት ሃገሩን መጻኢ ወለዶ ኤርትራን ዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሕልንኡ እዩ ክብረ-ወሰን ዘትሕዞ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ክዳረጎ ወይ ክብረ-ወሰኑ ክሰብር ዝኽእል ከኣ፡ እቲ ናጽነት ንምዕቃብ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ዕላማን ተመሳሳሊ ተወፋይነት ከርኢ ዝተቐረበ እምበር፡ እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተሰጢሑ ንዝነበረ ናይ ቃልሲ መኣዲ ብጎቦ ዓይኑ ጠሚቱ፡ ካብ ህዝባዊ ረብሓ ውልቃዊ ጠቕሙ ብምቕዳም፡ እንኮ ነብሱ ሓቝፉ ባሕሪ ዝተሳገረ፡ ጥፍኣት ተጋዳላይ ኣብ ኢንተርነት ብምጽብጻብ ዝዋራዘ ዘሎ ኣይኮነን። ጸኒሕና ብዝርዝር ከምእንርእዮ፡ ካብ ዝተኸተትናሉ ደልሃመት ምውጻእ ኣጸጊሙና ካብ ዘሎ ሓደ ምኽንያት ነዚ ሓደ ወሳኒ ክብርታት ተጋዳላይ ዝነበረ ተወፋይነት ምጥፋእና እዩ።

ኣብ 1988 ኣብ ሽዕብ 400 ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ንጹሃት ኤርትራውያን ብታንክታት ደርግ ተረጊጾም፣ ብጥይት ተረሽርሾም ከምዝሃለቑ ብራድዮ ዝሰምዐ ተጋዳላይ ብኡንብኡ ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን፣ ቁጥዐን ሕርቃንን፣ ሕኑን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት፣ ምስቲ ኣብ ሚያዝያ 2011 ኣብ ገማግም ሊብያ 400 ኤርትራውያን ምስ መራኽቦም ብጅምላ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ምስ ተሰምዐ ዝነበረ ልኡም ግብረመልሲ ኤርትራውያን ከተነጻጽሮ ኸለና መንፈስና ክሳብ ክንደይ ተዳሂሉ ከምዘሎ፣ ሰብነት ኣጥፊእና ከምዘለና እዩ ዘዘኻኽር። እቲኣቶም ኣብ ምድረበዳ እቲኣቶም ኣብ ባሕሪ ‘ኳ እንተጠፍኡ፣ እቲ ትራጀዲ ብቑጽሩ ኮነ ብመንነት ግዳያቱ ሓደ እዩ። ግብረልስና ግን በበይኑ ኮይኑ። ሽዑ ተጋዳላይ፣ ነቲ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ምሕራር ከተማ ምጽዋዕ ዘመዝገቦ ዓወት ከም ሕነ ግዳያት ሽዕብ ክቖጽሮ ኸሎ፣ ነዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ህግደፍ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዓለም ዘዛረበ ህልቂት ዘጽቀጠ ስርዓት ብጭካኔኡ ብህዝቢ ከይከዓብ፣ በቲ ኸኣ ንጽምብል ናጽነት ኣመኽንዩ ዝዳለወሉ ዝነበረ ፈንጠዝያ ጥምዝሕዝሕ ከይብሎ፣ ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ እቲ ፍጻሜ ሓሶት ምዃኑ ንዝዘርግሖ ሓሶት ብምእማን ንህልቂት 400 ዜጋታቲም ምኽሓድ እዩ ቀሊሉዎም። እቶም መሳኪን ግዳያት ከኣ ሽምን ዝኽርን ዘይብሎም ብኡ ኣቢሎም ጠፊኦም፣ ተረሲዖም። ካብኡ ቐጺሉ ኣብ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስናይ ውርደቱን ሕስረቱን ዝወረደ መዓታት ‘ውን ተመሳሳሊ ዕሽሽታ እዩ ገጢሙዎ።  ብምረት ናይዚ ዘበን ዝሓለፈ ወለዶ ክንከስስ ከኣ ኣየምሕረልናን። እዚ ዘበን ንመልክዕ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እዩ ዝመስል ዘሎ።

መቸም ካብ ጌጋታት ታሪኽ እምበር ካብ ጽቡቕ ታሪኽ ምህሮ ከምዘየለ ዝእምቱ፣ ኣብ ጌጋታት ገድሊ ምትኳር ዝመኽሩ ኣለዉ። ታሪኽ ግን ብቐንዱ ንመጻእቲ ወለዶ እምበር ንሰራሕቲ ታሪኽ ኣይኮነን ዝጸሓፍ። እቶም ኣጋይሽ ታሪኽ ከኣ፣ እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ብሚዛናዊ መንገዲ ተሰኒዱ ክቐርበሎም ከሎ ‘ዮም ምሉእ ምህሮ ዝረኽቡ። ብስርዓት ህግደፍ ይኹን ብተቓወምቲ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ጥቁው ኣዘንታዊ ኣይረኸበን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ሕጻብ ገድሊ ምግባር ስኢኑ፣ ነቲ ገድሊ ዝሓምሰሾ መግዛእቲ መሲሉ ዘሎ ህግደፍ፣ ኣብቲ ጸጽቡቑ ቅያታት ገድሊ ልሕግ ኢሉ ካብ ታሪኽ ገድሊ ከምድላዩ እናቐድሐ ክጥቀም ክነብር፣ ንኢሳይያስ ዋና ናይቲ ታሪኽ ክገብሮ ህርድግ ክብል ከሎ፣ ተቓወምቲ ኸኣ፣ ንገድልን ኢሳይያስን ምፍልላይ ኣጊሙዎም፣ ገድሊ ንዕኡ ‘ውን ከምዝብጽሖ ክሒዱ፣ ናብ ክፋእ ገድሊ ኣመና ኣድሂቡ በልማማ ብምጥቃዕ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ሃቐነ ዋንነት ገድሊ ሓቅነት ከልብሶ ይርአ። ኣብዚ ህሉው ወለዶ እቲ መለለዪ ተጋዳላይ ዝነበረ ተወፋይነት ቦዅሩ፣ ቃልሲ ተጸይኑ ስደት ኣጕላዕሊዑሉ ዘሎ ምኽንያት ሓደ ከኣ እዚ ዝንቡዕ ኣቀራርባ ታሪኽ’ዚ እዩ።

ናጽነት ኤርትራ ውጽኢት ናይቲ ካብ ማህጸን ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓልበ ተጋዳላይ፣ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ገድሊ ምዃኑ እንተኣሚና፡ ዘይምግዳል ንኤርትራውያን ዝገድፈልና እንኮ ምርጫ ሃገር ኣልቦነት ‘ዩ። በንጻር ናይዚ እምነት’ዚ፡ እቲ ዝተረፈ ካልእ ገጽ ምጕት ናይቶም “ገድልን ተጋዳላይን ብኻ እንተዘይነብሩ” ዝብሉ ኸኣ መቝረንቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እዩ። እዚ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቶም ዕብለላ ኤርትራ ዘገድሶም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዕላማ ግን ፈሺሉ እዩ። ስለዚ ሚዛኑ ብዘይሓለወ ነቐፌታ ንገድሊ ምጥቃዕ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ዝፈታተን፣ ንገድሊ ይኹን ናጽነት ፋይዳ ኣልቦ ምዃኑ ዘጋጊ፣ መንፈስ ቃልሲ ዘዳኽም፣ ንስደት ዝዕድም ተርእዮ እዩ።

ዝበዝሑ ተጋደልቲ ነበር፡ ካብቲ ኣብ ገድሊ ዘሕለፉዎ፡ ድሕሪ ናጽነት ዘቝጸሩዎ ዓመታት ይበዝሕ። (1977-78 ዝበዝሐ ሰብ ናብ ገድሊ ዝተጸንበረሉ እዋን እንተነይሩ፡ ክሳብ እዋን ናጽነት ን14 ዓመታት እዩ ተጋዲሉ ማለት እዩ) ናጽነት 20 ዓመታት ምስ ኣሕለፈ ተጋዳላይ ዝምረረሉ ምኽንያት ደኣ ‘ሞ እንታይ እዩ?

በቲ ካልእ ገጽ፡ ብመጠን ቁጽሩ ክርአ ከሎ ክንደይ ካብ ተጋዳላይ ኣብቲ ስርዓት ድላዩ ክገብር ዘኽእሎ ስልጣን ሒዙ ተሪፉ ከምዘሎ ምርኣይ ‘ውን ተወሳኺ መረዳእታ ክህብ ይኽእል። ብምሉኡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ እንተላይ ስንኩላኑ ኣብ 1991 ብገምጋም 80 ሽሕ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ እንተነይሩዎ፡ ኣድማ ተጋደልቲ 1993 ተኸቲሉ ብሃታሃታ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ምጥያስ፡ ህግደፍ 50 ሽሕ ከምዘጓደለሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብ ሰራዊትን ሲቪላዊ ስራሕን ዝተረፉ ተጋደልቲ 30 ሽሕ እዮም ዝኾኑ። ነዚኣቶም ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰውኡ፡ ብሕማም ዝሰዓቡዎም ብዙሓት፡ በብውልቆም ምሉቕምሉቕ ኢሎም ናብ ስደት ዝተበተኑ እንተወሲኽካሎም፡ እቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘለዉን፡ ኢሳይያስ ዘደስከሎምን ዝኣሰሮምን ተጋደልቲ ጥራይ ብቑጽሪ ማዕረ እዮም። ስለምንታይ እዩ ደኣ እቲ “ተጋዳላይ” ዝብሃል ስም ነቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ በደልቲ ተዋሂቡ፡ ነቶም ጥዩሳት፡ ድስኩላት፡ እሱራት፡ ግፉዓት ተነፊጉዎም? ግደ ሓቂ፡ እቶም ንናይ ተጋዳላይ ክብርታት ዘይረስዑዎ፣ እቶም ነቲ ስርዓት ስለዝተቓወሙን ዘይተማእዘዙሉን ዝደስከሉን ዝተኣሰሩን ብምዃኖም፣ ካብቶም ነቲ ክብርታት ዝጠለሙ ንላዕሊ ነቶም መብጽዓ ዘኽበሩ ደኣ ይግብኦም ‘ምበር ምስቶም ኣብ ከተማ ሸፊቶም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ተደሚሮም ክቕጥቀጡ ኣይነበሮምን።

ስለምንታይ ከ ‘ዩ ተጋዳላይ ዒላማ ኮይኑ?

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተጋዳላይ ምሩጽ ዒላማ (Selected Target) ኮይኑ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ክንፍታት ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ እዩ። መንነት ናይቶም ኣጥቃዕቲ በበይኑ ‘ኳ እንተነበረ፡ መበገሲኦም ግን ሓደ እዩ። ፍርሒ ተጋዳላይ። ዓንዲ ሕቖ ኤርትራ እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡዎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ንምምላኽ ኮነ ንምቍጽጻር ‘ዓንዲ ሕቖኣ ክንሰብሮ ኣለና’ ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሑ እዮም ኣነጻጺሮምሉ። ማዕረማዕሪኡ ድማ፡ “ተጋዳላይ ሲቭል (ገባር)” ኢልካ ብምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ህዝቢ ተቓድዩ ከይግስግስ፣ ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ቸሜንቶ ኮይኑ ህዝቢ ኣብ ምትእስሳር ግደ ከይጻወት ዘስግኦም ሓይሊ ከዳኽሙዎ ወይ ከንበርክኹዎ ነይሩዎም። እቲ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንገድሊ ንናጽነት ኣመኽንዮም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን ተጸልጺሉ፣ ሃገራዊ መንፈስን ተወፋይነትን፣ ዝኣመሰሉ ክብርታት ተጋዳላይ ብስልጡን መንገዲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክሰጋገሩ እንተዝኽእሉ፣ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ወዲቓትሉ ዘላ መዓት ኣይምወደቐትን። ስለዚ፡ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጸልኡዎን ከንበርክኹዎ ዝሕልኑን ንተጋዳላይ ዒላማ መውቃዕቶም እንተገበሩዎ፡ ዘዋጽኦም እዮም ገይሮም።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ እዞም ተጋዳላይ ኣብ ክቢ ሃገርን ህዝብን ተጋዳላይ ዘማዕበሎም ከም ብጻያዊ ምትሕልላይ፣ ተወፋይነት፣ ቅንዕና፣ ስስዕቲ ኣልቦነት፣ እስትሕያ፣ ልቦና፣ ሓባራዊ መንፈስ፣ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝኣመሰሉ ክብርታትን ኣብ ጫካ ናቶም መሪሕነት ገድሊ ዘማዕበሎም ብሕሉፍ ምስጢራውነት፣ ዘይግሉጽነትን ዘይተሓታትነትን፣ ዘይትካላዊ ኣሰራርሓ ዝልለዩ ስርዓትን ኣካይዳን ተጻቢቦም እዮም ዓዅኾም።

ምስቲ መግዛእቲ ናይ ምስዓርን ናጽነት ናይ ምርግጋጽን ቀዳምነት ኣዛሚዱ፣ እቲ ዘይንቡር እዋን በዞም ዘይንቡራት ኣካይዳታት ክስገር ከምዝኽእል ከከም ደረጅኡ ተቐቢሉ ክሳብ ንቡር ግዜ ዝብጻሕ ሕድገት ገይሩሎም እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ግዜ ገድሊ ‘ውን ‘ኮ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ በዞም ዘይንቡራት፣ ሕጋውነት ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ግዳይ ኮይኑ እዩ። ቃልሲ ማለት ግጥም ምስ ጸላኢ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ። መስዋእቲ ‘ውን ከምኡ ኣብ ዓውደ ውግእ ጥራይ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ንቡር እዋን ምስ በጽሐ (ድሕሪ ናጽነት) ኣብ መንጎ መንፈስ ተጋዳላይን ስርዓት ገድልን ግጭት ተኸሲቱ። ኣድማ ተጋደልቲ 1993፣ ኣድማ ስንኩላን 1994፣ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 (2001) ምንቅስቓስ ሰራዊት 2013 (ስርሒት ፎርቶ) ከኣ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይከኣሉ።

ድሕሪ ናጽነት (ኣብቲ ንቡር)፣ ነቲ ኣብ ገድሊ (ኣብ ዘይንቡር) ዘማዕበልናዮ ስርዓት ክንቅጽሎ ኣይነበረናን። ምኽንያቱ ከምዚ ንርእዮ ዘለና፣ መሳርሒ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ ኮይኑ። ኣገልግሎቱ ከምዝወድአ ጓንቲ ምስ መግዛእቲ ክጓሓፍ ነይሩዎ። መንፈስ ተጋዳላይ ግን፣ ኣብ መኸተ ናይዚ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ‘ውን ኣድላዪ ስለዝነበረ በንጻሩ ክዕቀብ ነይሩዎ።

ክንፍታት መጥቃዕቲ ተጋዳላይ ግን መን ‘ዮም?

ኢሳይያስ

ንተጋዳላይ ቅድሚ ኹሉ ዝገጠሞ ቀዳማይ ተጻባኢ፣ እቲ ካብ ገድሊ መሪሑዎ ዝኣተወ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ተጋዳላይ ኣብ ልቡ ዘስፈሮ ‘ኩሉ ድሕሪ ሃገር!’ ዝብል መብጽዓ ጥልመት ከይፈጸመ፡ ናብቲ ኣብ መወዳእታ ዝወዓሎ ‘ኣነ ቅድሚ ሃገር!’ ዝጭርሖኡ ብሕትውና ስልጣን ክሰግር ከምዘይክእል፡ ክብርታት ተጋዳላይ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኾኖ ብኣግኡ ዝፈልጦ ‘ኳ እንተነበረ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም፡ ሽምን ንህብን ንዓመትን ፈረቓን በብወገኖም ኣብ ሕጽኖት ናጽነት ተጣፊኦም ስለዘይተረኣኣዩ ንግዚኡ ረሲዑዎ፡ ዘንጊዑ ነይሩ ‘ዩ። ሕጽኖት ተጋዳላይን ኢሳይያስን በበይኑ ኮይኑ፡ ዝመረሮም ተጋደልቲ ኣብ 20 ግንቦት 1993 ኣድማ ኣልዒሎም ምስ ደፈሩዎ ግን፡ ኢሳይያስ ቀዳማይ ስግኣቱ ተጋደልቲ ምዃኖም ዘከረ ‘ሞ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ቀጢኑ፡ ናይ ምግባር ዓቕሞም ንምድኻምን ተሰማዕነቶም ንምህሳስን ድሎ ኢሉ ብመደብ ተተሓሓዞ። ብኡ ንብኡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ካብኣቶም ብስም ምጥያስ ኣብቲ ተፈልዮሞ ዝጸንሑ ሕብረተሰብ ሃንደበት ብምብታን፡ ኣብ ንቡር ህይወት ምሕንባስ ኣጊሙዎም ዒቕዒቕ ክብሉ ከለዉ ህዝቢ ከምዝርእዮም ገበረ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ በብግዚኡ ከም “ሰረቕቲ ሓሰውቲ” ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይተረፈ እናዘለፈ ኣፍኮሶም። ብዙሓት ርእሶም ዘቕንዑ ኸኣ ኣብ ሸላታት ተሓየሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ብምውላዕ፡ ነቶም ሓንባሲት መሊኾም እግሪ ዝተኸሉ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘሪኡ ከምጻህያይ ተማሕዮም ከውምዝጠፍኡ ገበረ። በዚ መንፊት ‘ዚ ንዝሓለፉ ኣደስከሎም። ብዙሓት ተስፋ ቆሪጾም ናብ ስደት ተበተኑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ኣብቲ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኢሳይያስ ዝኣጎዶ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዓውደ ኵናት ቀንዲ ዒላማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ‘ውን ተጋዳላይ እዩ። (ኣብቲ እዋን’ቲ ክኸቱ ብኣኼባ መምርሒ ዝተዋህቦም ጥዩሳት ተጋደልቲ ነበር “ብኣኻትኩም ዝወርደና ውርደትን ሕስረትን ርኢናዮ ኣለና፡ ግን ሃገር ስለዝኾነት ደሓን ታተ ክንብለሉ ዝጸናሕና ምርኩስ ገዲፍና ስለ ሃገር ክንወፈ ኢና” ኢሎም ናብ ግንባራት ወፊሮም። ኣብ ኣድማ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ብጻዕዳ ወረቐት ዝተረፈቱ ከይተረፈ፡ ንመራሕቲ ህግደፍ ኣናሓንሓኑሎም፡ ስለ ሃገር ተወፍዮም። ምስቲ ኣብ ገድሊ ዘጥረዮ ተመክሮ ተዋጊኡ ዘዋግእ፡ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝወፈረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሞራልን ኣብነትን ኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ኣካል ምዃኑ ስለዘስተብሃሉሉ፡ የዒንቲ ‘ቀጭ ሕርሙ’ (Snipers) ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብኡ እየን ቀኒዐን። በቲ ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ዝዓይነቱ ጥበብ ተለቒሙ ኸኣ ሃለቐ። ነዚ ሓቂ ‘ዚ እቶም ኣብቲ ዓውደ ኵናት ዝወዓሉ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ‘ውን ዝምስክሩዎ እዩ።

ተፋለምቲ ኢንተርነት (ተቓወምቲ)

ናይ ኢንተርነት ተፋለምቲ ኸኣ ነቲ ካብ ኢሳይያስን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተረፈ ተጋዳላይ ኣብ ምቕራም ካብ ዝወፍሩ ዓመታት ቆጺሮም ኣለዉ።

እዚ ጸረ-ገድልን ተጋዳላይን ኣብ ኢንተርንት ዝካየድ ጽዕጹዕ ጎስጓስ “መሰረት ሽግርና ካብ ሱሩ ክንፈልጥ ምእንቲ” ተባሂሉ እዩ ዝምኽነየሉ። እንተኾነ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ የዕለቕሊቁ ዘሎ ርኡይ ጸገም ንምርዳእ ናብ ታሪኽ ምምላስ ‘ውን ዘድሊ ኣይኮነን። ነቲ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ካብ ዝልግሶ መረዳእታ፡ ዘምጽኦ ምድንጋር (Confusion) ይኸፍእ። እቲ ጊላነት ስርዓት ህግደፍ ዘሳጸዮ መንእሰይ ብፍላይ ግዳይ ናይዚ ምድንጋር ‘ዚ ብምዃን፣ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንክብርታትን መንፈስን ተጋዳላይ ምስ ዝያዳታት ናይቲ  ዝደሃኾ ስርዓት ለኻኺሙ ብሓባር ንምጽልኡ ተደናዲኑ።

እዞም ክልተ ዳሕረዎት ክንፍታት ማለት ኢትዮጵያን ተፋለምቲ ኢንተርነትን ግን ኢሳይያስ ንተጋዳላይ ናብ መቕተሊ መሬት ኣቃሊዑ፣ ኣሕሊፉ እንተዘይህቦም ኣይመረኻኸቡሉን። ህግደፍ ኵናት እንተዘየባርዕ ተጋዳላይ ንኻልኣይ ግዜ ግዳይ መቕዘፍቲ ጥይት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣይምኾነን። ህግደፍ ንኤርትራ ከምቲ ናይ  ተጋዳላይ መብጽዓ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ንገድልን ተጋዳላይን መሸቀጢ ስልጣን እንተዘይጥቀመሎም፣ መብጽዓ እንተዘይጠልም ‘ውን ፍልስፍናዊ ውርዝይና ተፋለምቲ ኢንተርነት ባይታ ኣይምሃለዎን። ስለዚ በዝን በትን እቲ ሓላፍነት ናብ ኢሳይያስ ኢዩ ዝጥቕለል።

ክብርታት ተጋዳላይን ገድልን ብህግደፍ ኮነ ብተቓወምቲ ክብለል ከሎ፣ ብዓቢኡ ንእስነቱን ህይወት ብጾቱን ዝተኸፍላ ሃገር እናዓነወት “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ብሸለልትነት ዝተሰነፈ ተጋዳላይ ‘ውን ኣብቲ ፍሽለት ኣሉታዊ እጃም ሓዊሱ እዩ። ሓጥያት ናይቶም ብስልጣንን ገንዘብን ተደሊሎም ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከገልግሉ ነብሶም ዝፈረዱ፣ ብብልሽውናን ወገነይ ወገንካን ዝተቖማጥዑ ንጎድኒ ገዲፍካ፣ እቲ ዝበዝሐ መሰረት ህይወቱ ከንጽፈሉ ዝግብኦ ንእስነት ብገድሊ ኣብልዩ ሃገር ኣምሊሱ ክንሱ፣ ሃገር እናጠፍአት ተረፍ ገድሊ ንዝኾነ ቁልቁለት ዕድሚኡ ምብቃቑ፣ ኣብ እግሪ ‘ቶም ዝጸመዱሉ ከምዝተንበርከኸ እዩ ዘረጋግጽ። “ልዕሊ ዓቕመይ ገይረ ‘የ ከምሰበይ ዝረኸበ ይርከበኒ” ኢሉ ድኻሙ እንተጸብጸበ ኣብ ቤትፍርዲ ዝጸባጸቦ የለን። ሕልናዊ ቅሳነት ከምዘይብሉ፣ እናሓደረ ስነኣእምሮኣዊ ስቅያቱ ከምዝብእስ ግን ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ እዋን ክስራን ዝያዳ ዘውፈረ ዝያዳ ክሳራ ስለዝስምዖ ስዕረት ንምስዓር ብሓለፋ ክዕጠቕ ዝነበሮን ዘለዎን ንሱ እዩ።

ምክሽማሽ ገድልን ሳዕቤናቱን

ከምዚ ልዕል ክንብል ዝጠቐስናዮ፡ ፈለማ ንገድሊ ዘከሻመሾ ኢሳይያስ እዩ። ንሰማእታት ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ረሲዑዎም ክንሱ፡ “ሰማእታትና ይዘከሩ!” እናበለ ንልዕሊ 22 ዓመታት ካብ ታሪኽ ገድሊ ምጥቃም ኣየሕፈሮን። ንኣበርክቶ ገድሊ ዋንኡ ኮይኑ ብምቕራብ፡ ኤርትራን ኢሳይያስን ሓደ ምዃኖም ንህዝቢ ኤርትራ ከምእኖ ዘይገበሮ የልቦን። እንተኾነ፡ ንገድልን ኢሳይያስን ሓደ ጌርካ ብሓደ ስላዕ ምቕጥቃጥ፡ ነቲ ኢሳይያስ ምስ ሃገር ንምምዕርራይ ዘለዎ ባህጊ ዘጽድቕ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስ ዋና ገድልን ተጋዳላይን ከምዝነበረ ክግለጽ ክትሰምዕ ከለኻ ስግድግድ ዘብል እዩ። ኣብ ገድሊ “ዓወት ንሓፋሽ!” እናበለ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ይውፈ ምህላዉ ዘሐብኖ እምበር፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና ስእሊ ኢሳይያስ እናሰራሰረ ብኢሳይያስ ዝምሕል ተጋዳላይ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት፣ ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ፈስቲቫል፡ መላለዪ ነቶም ኣብቲ ውራይ ተዓዲሞም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕትን፡ “እንሀዉልኩም በሉ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ጀጋኑ” ኢሉ ምስ ኣላለዮም፣ ኣብ ኤርትራ ብቪድዮ ዝረኣዩዎ ተጋደልቲ፡ “ኣቤት ‘ወ!” ኢሎም ከምቶም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣየጣቕዑን። በንጻሩ ተቖጢዖም እዮም።

እቲ ንገድሊ ብጅምላ ከምዝጽየን ጌርካ ኣስተብህሎ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ሓዱሽ ወለዶ ንምንፋጉ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ፡ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ገድሊ ክብርታትን ዓወታትን ብኣብነት ንምምሃር ዘለዎ ተኽእሎ ዝሓጽር ሃገራዊ ክሳራ እዩ።

ሓደ ካብቲ ወለዶ ገድሊ ዝዓመሞ ዝዓበየ መባእታዊ ዓወት፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ምስ መግዛእቲ ፊትንፊት ምግጣሙ እዩ። እዚ ቆራጽ ስጉምቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ቃልሲ ንናጽነትን ምምብርካኽ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ዘሎ ፍልልይ ብዓይኑ ርእዩ ከመዛዝን፡ ዘዋጽኦ ምርጫ ክወስድ ዕድል ከፊቱሉ። ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፣ ሓሳብ ልቢ ህዝቢ ብቐረባ ሰሚዑ ክልብምን ክምዕብልን፡ ህዝቢ መንፈስ ተቓለስቲ ተዓዚቡ ተሳታፍነቱ ከዕብን ዋና ቃልሲ ክኸውን ኣኽኢሉዎ። እቲ ቃልሲ ንህዝቢ ተስፋ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ቃልሲ ሓይልን ቀጻልነትን ሂቡዎ። እዚ ምሉእ ህይወት ዘለዎ ዘየቋርጽ ዝምድና ዘማዕበሎ ህዝባዊ መኸተ ከኣ ‘ዩ ነቲ ዓርሞሸሽ መግዛእቲ ዝሰዓረ። ካብኡ ናብኡ፡ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እናኾነ ‘ውን፡ ኣብ እዋን ምዝላቕ (1978) እቲ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ካብቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከተማታትን ዓድታትን ተደፊኡ፡ ኣብቲ ስሑው ህዝቢ ዝነበረሉ ርሑቕ ከባቢታት ሳሕልን ባርካን ምስተሓጽረ፡ ዘጋጠሞ ተነጽሎን ዘስዓበሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን ርኡይ እዩ ነይሩ።

በዚ መንጽር፡ እዚ ካብ ኤርትራ ኣሽሓት ማይላት ርሒቕና ካብ ስደት ብወንጭፍ እነካይዶ ክፊለ-ግዝያዊ (Part-time) ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ህዝቢ ይኹን ኣብቲ ስርዓት እንታይ ስምብራት ክህልዎ ኢና ንጽበ? ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት እንርከብ፡ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ትካላት ይኹን ውልቀሰባት እንዓሞ ስራሕ ኣብ ንጥፈታት መራኸቢ ብዙሃን ዝተሓጽረ እዩ። ንሱ ‘ውን ስሩዕነት፡ ዕምቆትን ኣድማዕነትን ቀጻልነትን የብሉን። ኣብ ጣሻ ኢንተርነትን ፓልቶክን ኣቲና “ንቃለስ ኣለና” ኢልና እንተመደርና፡ ነብስና ጥራይ ኢና ንቕሽሽ ዘለና።

እቲ ብማዕዶ እነዘውትሮ ምንቅስቓስ፡ ካብቲ ንለውጢ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ከም ዜጋታት፡ ቃንዛ ውጹዕ ህዝብና ከምዝስምዓና ገሊጽና ሕልናና ብምቕሳን እንረኽቦ ፍሬኡ ይዓቢ። ልክዕ ‘ዩ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበር ህዝብን ሰራዊትን ተጻጊሙ ዝረኽቦ ስንቂ ሓበሬታ ንቕሓት ክውስኸሉ፡ ብዘገምታ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ድረጃ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ቃልሲ ክበሃል ኣይክእልን። ከም ሰብና ተስፋ ቆሪጽና ወይ ከኣ ውልቃዊ ናጽነት ሓሪና ናብ ስደት ኣምሪሕና ክንስና፡ ኣብቲ ሃገርካ ካብ ክትዝክር ሃገርካ ክትርስዕ ዝቐለሉ ናይ ዑቕባ ሃገራት ነንእሽቶ ኣበርክቶ ምግባርና ንባዕሉ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፡ ጃለ ክንስና፣ በቲ ዕጥቂ መግዛእቲ ዘፍትሐ ተጋዳላይ ካብ ምውርዛይ ክንቁጠብ፣ ሚዛን ኣበርክቶና ክንፈልጥ ይግባእ። ብቐንዱ ንቓልስን ተቓለስትን ብምቍንጻብ ተቓለስቲ ንኸይፈርዩ ኢና ነጓናድብ ዘለና። ገድሊ ገደል ምዃኑ እናዘንተኻ፣ መንእሰይ ወለዶ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዘይብሉ ምዃኑ ምንቃፉ ንባዕሉ ስግንጢር እዩ።

ካልእ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዋላ ሃገራዊ ባንዴራን እውጅቲ ሃገርን እንተዘይነበረና፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንጡፍ ቃልሲ ምንባሩ፡ ጀጋኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዘለዉና ምፍላጥና ጥራይ፡ ርእሰ ተኣማንነት ህይበና ስለዝነበረ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ቀለልቲ ግዳያት ሸፋቱን እንስሳታትን ኣይንኸውንን፡ ኣይንዋረድን ኔርና። ብቐንዱ፡ ከከም ግዚኡ ክብ ለጠቕ ይነብሮ ይኸውን እምበር፡ እቲ ናብ ሜዳ ዝውሕዝ ካብቲ ናብ ስደት ዝመሉቕ ዝበዝሓሉ መድረኻት ‘ውን ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን ሳሕልን ባርካን ኣብ በቦትአን ‘ኳ እንተለዋ፣ እቲ ኤርትራዊ ናይ ቃልስን ተወፋይነትን መንፈስ ግን ካብ ቦትኡ ሃዲሙ’ ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስደት-ስደት ጥራይ ኢና ንሽትት ዘለና። ስለዚ፡ “ገድሊ ገደል” ዝብል ጽውጽዋይ ክንደጋግም ካብ እንነብር፡ ኣብ መንጎ ስደትን ገድልን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርና፣ ሚዛናዊ ፍልጠት ኣበርክቶን ሕጽረታትን ገድሊ ብምቕራብ ናይ ቃልሲ መንፈስ ክንኵስኵ ይግባእ።

ካልእ ዘመተ ምክሽማሽ ገድሊ ወትሩ ጎስዩዎ ዝሓልፍ ቁምነገር ተጋዳላይ፡ ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ‘ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ብጥልመት መብጽዓታት ናጽነት ዘየደቀሰ ተጋዳላይ በብግዚኡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ህግደፍን ፊትንፊት ገጢሙ ምብድሁን ካልኣይ መስዋእቲ ምፍጻሙን እዩ።

ኣብዚ ህዝበይ 10 ሽሕ ማይልስ ኣብ ወጻኢ ርሒቓ ክንሳ፡ ብፍርሒ መልሓሳ ኣብ ኣፋ ቆሊፋ እትኸደሉ ዘላ ናይ “ንግዚኡ ተበለጽ፡ ግዜ ምረጽ” ዘበን፡ ተጋዳላይ ኣብ ቅድሚ ዓረርን ሰንሰለትን ናይቲ ጠላም ስርዓት ህግደፍ ኣርባዕተ ዙርያታት ተቓውሞ ኣካይዱ፣ ተመቝሑን ተሰዊኡን እዩ። 1993 ኣድማ ተጋደልቲ፡ 1994 ብስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ፡ 2001 ጉጅለ 15፡ ኣብ ጥሪ 21 2013 ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ስርሒት ፎርቶ እቶም ርኡያት ኣብነታት እዮም። ኣብ ኣርባዕቲኡ እዋናት ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኣይተኸተሎምን። ኣብ ግዳም ከኣ፡ ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ከምዝብሃል “ከምዚ ዘይገበሩ ‘ባ ከምቲ” እናበልካ ምውርዛይ ኣየቋረጸን። ገለ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንሰላማዊ ሰልፊ ካብ ኵናት ንላዕሊ ዝፈርሑዎ ሰባት፣ ነቶም ህይወቶም ወፍዮም ዓቕሞም ዝገብሩ ተጋደልቲ “ክጽግኑ ጥራይ’ዮም ሓሲቦም፣ ዘይንርእሶም ከምኣቶም እዮም ነይሮም” ኢሎም ክነኣእሱ ምስማዕ ከኣ ልሙድ እዩ።

ንኤርትራ ገድሊ ኣይፈጠራን። እንተኾነ፡ እቲ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብና ሓቢሮም ዝተቓለሱሉ ባይታ፡ ሓድነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራዉያን ኣብ ምሕያል ካብ ዝኾነ መድረኻት ሃገርና ንላዕሊ ጎሊሑ ዝርአ እጃም ከምዝነበሮ ኣየማትእን። ምቍንጻብ ገድሊ ኸኣ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ናይዚ ሃገራዊ መኽሰብ’ዚ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ስርዓት ህግደፍ ህላወ ምዝጉባት ተቓወምቱ ኣብ ወጻኢ ኣይተፈለጦን። እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ኣብ ውሽጡ ዝፈልሑ ተቓውሞታት ተጋደልቲ ‘ዮም ኣሰንቢዶሞን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ተሰማዕነት ፍሒቖም ኣፍኵሶሞን። ሕጂ ‘ውን ቀንዲ ስግኣቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።

ኣብ’ዚ ህዝብና ተስፋ ቆሪጹ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ውልዕ ጥፍእ እትብለሉ ዘላ እዋን፡ ክብረት ተጋዳላይ ካብ ምክልኻል ንላዕሊ፡ ተሪፉዎ ዘሎ ሓይልን ተሰማዕነትን ኣኻኺቡ ድፍኢት ብምግባር ኣብ ድሕነት ኤርትራ እጃሙ ከበርክት እምብኣር፡ እዚ ናብ ተጋዳላይ ቀኒዑ ዘሎ መጥቃዕቲ ከዕርፍ፡ እቲ ዝርካቡ ተጋዳላይ ንገዛእ ርእሱ ተስፍኡ ኣበራቢሩ “እንታይ ገደሰኒ” ኣብ ክንዲ ምባል ነቲ መጭወይቲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣእጕሉዎ ዘሎ ናጽነት ከድሕን ክንቀሳቐስ ይግባእ። ምናልባት ኣብዚ “ተጋዳላይ” ኢልና ነልዕሎ ዘለና፣ ነቲ ዘይበለየ ፍልልይ ብንጹር ክንዛረበሉ ስለዘለና እንተዘይኮይኑ፣ ድሕሪ ዒስራ ዓመት ተጋዳላይ ዘይተጋዳላይ ኢልና ክንፈላሊ ‘ውን ግቡእ ኣይኮነን። ንተጋዳላይ ነበር ተርኡ ከም ሓደ ሓላፍነታዊ ዜጋ እምበር ከም ጉጅለ ክንጽበዮ ኣይግባእን።

ሓደ ካብቶም ተስፋን ናይ ቃልሲ መንፈስን ንምብርባር ዝሕግዙ ስጉምታት ኣብ ኩሎም ኤርትራውያን ወገናት ህዝቢ ይኹን ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ከምዘብቅዕ ምግባር እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መብዛሕትኡ ህዝቢ ይኹን ተጋዳላይ ነበር ንተቓወምቲ ብደገፍ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ክመጽኡ ጭንን ዝብሉ ዘለዉ “ሓሙሻይ መስርዕ”፡ እቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ብወገኖም ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተጋዳላይ መሳርሒ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እዮም ዝርእዩዎ። እዚ ዘይምትእምማን’ዚ ዋላ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ጀብሃ ነበር ዝዕብሉሉዎ ተቕወሞ ‘ውን ኣሰራት ከምዘለዎ ምስትብሃል የድሊ። ጂኦግራፍያዊ ህላዌና ይኹን ፖለቲካዊ ድሕረባይታና ብዘየገድስ ኩሉ ፍልልያትና ወጊና ከም ኤርትራውያን ኢና ክንላዘብን ክንወዳደብን ዘለና። ኣብ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዝተመስረቱ፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ጥምረትን ማዕርነትን፣ ሰብኣዊ ሓርነታት፣ ናጽነትን ክብረትን ዜጋታት ዝኣመሰሉ መትከላት እዮም ዓንድታት ቃልስና ክኾኑ ዘለዎም።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

28 ሓምለ 2009

እዚ ኣርእስቲ ‘ዚ ዝሓቖፎ ትሕዝቶ ድሮ ነዊሑ ስለዘሎ ብኽፋላት ክቕጽል እዩ። ኣብ ራድዮ ‘ውን ምስ ጽበት ግዜ ጽማቝ ትሕዝቶኡ ጥራይ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ – ምስቲ በጋጣሚ 20 ሰነ  ንተስፋን ቅብጸትን ኣድላይነት ስምረትን ብዝምልከት ዝቐረበ ዓንቀጽ ብቐጥታ ስለዝተኣሳሰር፣ ከም መቐጸልትኡ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ ክፋል – ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዲዩ?

3ይ ክፋል – ምስምስ ብኢትዮጵያ፣ ብኣመሪካ፣ ብህግደፍ ጣቋ ኣለዎ ዶ?

4ይ ክፋል – መዋጽኦ — ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ናይዚ ዓንቀጽ ተኸታቲሎም ክስዕቡ እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Kalighe August 1, 2013

    Why we are so divided ?. Is it only because of PDFJ or there are some other reasons ?

    The fascist junta of Mr. Iseyas has been working very hard to divide Eritreans in every possible way:

    – akeleguazai-hamasier
    – beniamer-maria
    – tegadali-gebar
    – moslem-christian
    – highlander-lowlander
    – eplf-elf
    – yikaalo-warsai

    Every time they focused on a group, we ordinary people helped them, let’s admit it:

    – by looking somewhere else
    – tried to find excuses for the government
    – simply showed indifference
    – blamed the victims
    – spied on victims and secretly reported to government agencies
    – financially supported the regime
    – insulting the opposition as ‘trifraf ama’, ‘xamushai-mesrii’ .. etc.

    Til they came for us, in one way or another we were part of the tragedy.

    Now, after two decades of such divisive politics, we find ourselves all in the opposition camp, except for a few. The regime has prepared the country for a civil war, started even distributing guns to that effect. Many of us were not even alarmed !!!

    So, why we are so divided ? : It’s because we did not act as one people, but as groups.

    The only way to reverse the destructive effects of Isyeas’ policies:

    – It’s important to acknowledge that we are partly to blame, by not voicing concern when fellow Eritreans were targeted.
    – Put pressure on every opposition group to either work for unity or should risk to be abandoned.
    – Combat divisive ideas at home, in your tribe, in your region, in you religious denomination .. etc.
    – Work for peace, justice and build bridges with all.

    The most effective way to bring change is by denying fertile ground for the regime’s divisive policies.

  • Truly truly i say to you August 2, 2013

    Brother Amanuel like always from his uncorrupted clear genius mind and very trust worthy heart he gave massage,i hope the whole society, but specially individuals like Yosef gebrehiwot who is hardly despising the Eritrean Gedli while he glorifying the Ethiopian Gedli in one side, and the others wicked personalities like Mesfin Hago and Adahanom G/ mariam who blowing dust to cover up the Gedily history , even somehow Tegadalay Tesfay temenowo self would be other side, i am sure all together as have learnt something useful lesson from his brilliant excellent massage. And from this day i hope they will stop their filthy argument Except Wedi Temenwo i mean. Generally about oppositions wickedness brother Mesinas like correctly commented it , Brother Amanuel already well explained it clearly, i have nothing to add also . Once again Thank you brother Amanuel for very brilliant analysis. You are for me a real trust worthy patriot with all side capability and courage, who deserve respect! I wish Assenna media expand its dimension and be able to open and growth like the Ethiopian opposition Satellite TV media (ESAT) like, because i believe to have such media it would be helpful, first to accelerate the downfall of PFDJ regime, second all the scattered Eritrean oppositions in all over the world,so that to bring them all together in one discussion table, in order to debate how to create unity by seeing eye to eye each other. May God bless you and expand Assenna´s vision! Actually it is all justice seekers vision and our all responsibility is that to do.

POST A COMMENT