Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺታት

ናይ ሓዘን መግለጺ ብመስዋእቲ ገዲም ተቓላሳይ ሓው ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ዝተሰማዓኒ ሓዘን ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን እገልጽ። ብጻይ ሃብተ፡ ንዓይ ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ናይ ቃልሲ ኣያይ ኢኻ ክብል ከለኹ ብሓበን እየ። ሃገርና ካብዚ

ናይ ሓዘን መግለጺ

ብመስዋእቲ ገዲም ተቓላሳይ ሓው ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ዝተሰማዓኒ ሓዘን ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን እገልጽ።

ብጻይ ሃብተ፡ ንዓይ ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ናይ ቃልሲ ኣያይ ኢኻ ክብል ከለኹ ብሓበን እየ። ሃገርና ካብዚ ስርዓት ህግደፍ ንጥፍእታ ወሲንዎ ዘሎ መደብ ብውህድ ቃልሲ ምሳኻን ምስ ብጾትካን ክይንና ክነድሕና ዝብል ምሉእ እምነት ኔይርኒ።

እንተኾነ ንስኻ፡  ናብ ብጾትካ ኣሕመድ ናስር፣ ዶ/ር በየነ ኪዳነ፡ ኢዮብ ብስራትን ክኸይድ ኣለኒ ኢልካ ካብ ወሰንካ፡ እቶም ተሪፍና ዘለና ነቲ ቃልሲ ክንቕጽሎን ኣብ ዓወት ክነብጽሖን ምኻንና ንገሮም ኢኻ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንክሰምዑ እዩ ናይ መዋእል  ሕልሞም።  ካባኻ ዝረጥብ መልእኽተኛ ድማ የለን።

ኣብ መደምደምታ መላእ ስድራቤት ዶ/ር ሃብተን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም እብል።

ሓርበኛ ኣይነብርን`ዩ ታሪኹ`ዩ ዝውረስ !

ዶ/ር ተስፋይ ስብሃቱ

ኣ/መንበር  ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT