Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓሶት ናጽነት፡ ህግደፍ ጥራሕ’ዩ ዘስተማቅሮ ዘሎ

እቲ ስጊንጥርን ዘይንቡር ክሰርሕ ድሕር ዘይብልን ስርዓት ህግደፍ፡ “ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን ብዝብል ቴማ፡ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንምጽምባል ዝለዓለ ምድላዋት የካይድ ከምዘሎ ካብ ኣሰናዳኢት ናይቲ በዓል ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ ካብ

እቲ ስጊንጥርን ዘይንቡር ክሰርሕ ድሕር ዘይብልን ስርዓት ህግደፍ፡ “ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን ብዝብል ቴማ፡ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንምጽምባል ዝለዓለ ምድላዋት የካይድ ከምዘሎ ካብ ኣሰናዳኢት ናይቲ በዓል ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ ካብ 16 ክሳብ 24 ግንቦት ብወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ባህላዊ መደባት ስእላዊ ምርኢትን ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ኣስመራ፡ ኣብያተ ሲነማን ስታድዮማትን ዝካየድ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዘይካፈሎ ጽምብል፡ ንመድመቂ’ቲ በዓል ብብልዮናት ሸርፊ ወጻኢ ዝተሸመተ ሕብራዊ ናይ ጎድና መብራህቲ፡ ርሽታት፡ ኣልኮላዊ መስተን ካልእ መጋየጽን ኣብ ኣስመራ ክርአ’ዩ። ብተወሳኺ ስነጥበበኛታት ኤርትራ ከምዝተወድኡን ዓቅሚ ከምዝሰኣኑን ያኢ፡ ካብ ሃገራት ጀርመን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ኣይቮሪኮስት እንተላይ ካብታ ብስርዓት ህግደፍ ፈጣሪት ጸገምን ጠንቂ ሰላምን ናይ ኤርትራ ተባሂላ ወትሩ ትኽሰስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ከምዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ጥዕና ዘለዎ ስርዓት፡ ኣብ ሃገራዊ ብዓላት ምዕዳም ናይ ወጻኢ ሞያውያን ብዙሕ መኽሰባት ከምዘለዎ ዝተካትዕ’ኳ እንተኾነ፡ ህግደፍ ከም ውራያ ዝጠዓመላ…… ዘበጥበጥ ምባል ግን፡ ሓባል መጠመቲኣ ትኮሓል’ዩ። ደቂ ሃገር ናብ ስደት ከምርሑ ደቂ ወጻኢ መዓልቲ ናጽነት ከኽብሩ ናብ ኤርትራ ክዕደሙ ድማ፡ ዘበን’ያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ’ዩ።

ብዘየማትእ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኽቡር መስዋእቲ ዝተረኽበ ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ወይ ሃገር ብድምቀትን ፍስሃን ክኸብር ኣለዎ’። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ናጽነት፡ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ስለዝተጭወየን ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዳርግቲ ዘይብሉ ሓሳረ መከራ ስለዝወረደን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝግዕረሉ ዘሎ መዓልቲ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከቶ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብሰላም ክነብር ተሓሪምዎ፡ ናብ ስደት እናነፈጸ፡ ንድሕነትን ብልጽግናን ሃገሮም ኣፎም ዝኸፈቱ ዜጋታት እናተረሸኑ፡ ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናበለዩ፡ መንበርን ኣብያተ ንግድን ህንጻታት እናዓነወን ንብረት ህዝቢ እናተዘረፈን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ቅዋምን ሕግን ብዊንታ ኢሳያስ እናተረግጸ፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን እምነትካ ምኽባርን ተነፊግዎ እንከሎ በየናይ መዕቀኒ’ዩሞ፡ እታ ናጽነት ትብሃል ጥዕምቲ ቃል ክትውሓጠሉ? ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ዋና ከተማና ኣስመራ’ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ብሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ ጥዕናን ናህሪ ሃለኽቲ ኣቁሑት እናተዋጠረ እንከሎ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ንናጽነት ክዘለላ፡ ክደርፈላ ከመስግና? ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንኹሉ ግዳማዊ ተጻብኦታት መኪቱ ዕዉት ልምዓታዊ መደባት ከምዘካየደ ለይትን መዓልትን ይምድር ኣሎ። እታ ዝጥውራ ውላዳ ብህግደፍ ተመንጢላ ብጽምዋን ድኽነትን ተዋሒጣ ዘላ ስድራቤት “ትርጉም ናጽነት እንታይ’ዩ” ተባሂላ እንተትሕተት ግን፡ መልሳ “ዘመናዊ ባርነት” ዝብል ምኾነ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መዋእል ህግደፍ፡ ደቆምን ቤተ-ሰቦምን ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ዝተወስድዎን ሞቶምን ሕየቶምን ዘይፍለጡ ዜጋታት ሓቂ ክገልጹ ዕድል እንተዝወሃቡ፡ “ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ” ዝብል ምኾነ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንእሰር ወይ ንባረር እናበሉ ብራዕዲ ዕድሚኦም ዝቆጽሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ መዓልቲ ናጽነት ርእይቶኹም ሃቡ እንተዝበሃሉ፡ “ብኤርትራውነትና ንሓዝን” “ተማህሊልና ኣምጺናኩም ረጊምና ክንሰጎኩም ኣሰኪፉና” ምበሉ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ትምህርቶምን ሰላማዊ ናብራን ተመዛቢሎም ኣብ ሃሩርን ኣስሓይታን ንሰበስልጣን ህግደፍ ዝግብሩ ዘለው ኣሽሓት መንእሰያትናን ነዛ ክብርቲ ዕለት ንምምጻእ ኣካሎም ዝጎደሉን ኣብ ክንዲ ክብረት ናብ ለማኖ ተቀይሮም ዘለዉ ጀጋኑ፡ ናጽነት እንታይ’ዩ ትርጉሙ? ብዓቢኡ ድማ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላን ምርጋጽ መሰል ሰብን እንተዝፈልጡን፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ስውኣትና እንተዝዕደሙን፡ “ናጽነት ንብረት ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ውሑዳት ዝዕንዱሩላን ዝድሰቱላን ክትከውን ኣይግባእን” ኢሎም መረርኦም ምገለጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ካልኣይ ግዜ ክስውኡ’ውን ድሕር ኣይምበሉን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (16 ግንቦት 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde May 17, 2016

    This is the tyrant’s exclusive party dedicated to him and to glamorize his achievements of 25 years, it has nothing to do with our brothers and sisters who are six feet under and those who are going to spend the day in underground prisons and containers, and not to mention those hundreds of thousands who are displaced internally and externally.At the same time it is showcasing the country for future foreign tourists.It is Costa Rica in the making, HGDEF style.So go there and party up those who are interested,there is going to be plenty of booze and sex for sale, and history is taking a note.Thanks Blue Tsilal.

  • Desalegn Berhe May 19, 2016

    Elet: 19/05/2016

    BAHRIYAT WEDI SEB NAB ARAWIT ZITEKEYERELU ZEMEN

    ENSISA TIRAH EYA WULADA BIXELAEI [BIARAWIT] ENDATEBELE KELO KABTI BOTA ELIY ELA BIFIRHI TEWAHITA BIHAZEN KAB MAHXENA NIZIWEXE KIFAL AKALA EDATEWAHTE KELO TIGEBRO AMARAXI SLEZEYBLA TIME ELA TIRIE EMBER SEB WEDI ADAM MALET NAY SEB FITRET ZIKONE ERITRAWI ABZI ZELENAYO MEWAELNAB ENSISA [ARAWIT] ZITEKEYERELU ZEMEN EYU NIRIE ZELENA. WILADUN AKALUN BIXELAE ENDATEBELEN ENDATE WAHTEN AMAEDIYU KEM ENSISA TIME EILU ZIRIALUN ZESKITELUN ZEMEN TEBEXIHU ALLO.

    TEGBARNAN BAHRIYATINAN AB KINDI NARAWIT NIMESIL NISEB WEDI WEDI ADAM NIMSEN MIKNIYATU ETI HAQEGNA BAHRIYATN WEDI SEB NISU SILEZIKONE.

  • Desalegn Berhe May 19, 2016

    Elet: 19/05/2016

    BAHRIYAT WEDI SEB NAB ARAWIT ZITEKEYERELU ZEMEN

    ENSISA TIRAH EYA WULADA BIXELAEI [BIARAWIT] ENDATEBELE KELO KABTI BOTA ELIY ELA BIFIRHI TEWAHITA BIHAZEN KAB MAHXENA NIZIWEXE KIFAL AKALA EDATEWAHTE KELO TIGEBRO AMARAXI SLEZEYBILA TIME ELA TIRIE EMBER SEB WEDI ADAM MALET NAY SEB FITRET ZIKONE ERITRAWI ABZI ZELENAYO MEWAELNAB ENSISA [ARAWIT] ZITEKEYERELU ZEMEN EYU NIRIE ZELENA. WILADUN AKALUN BIXELAE ENDATEBELEN ENDATE WAHTEN AMAEDIYU KEM ENSISA TIME EILU ZIRIALUN ZESKITELUN ZEMEN TEBEXIHU ALLO.
    TEGBARNAN BAHRIYATINAN AB KINDI NARAWIT NIMESIL NISEB WEDI WEDI ADAM NIMSEl MIKNIYATU ETI HAQEGNA BAHRIYAT WEDI SEB NISU SILEZIKONE.

Post a Reply to Desalegn Berhe Cancel Reply