Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ለውጢ ግዜ በሲሉ ኢዩ፡፡

ሰመረ ዓርከይ፡ ብዛዕባ ሊቢያስባ ቅንጣብ  ነገር ኣይተዛረብካንን። ብዛዕባ ኣመሪካን ተግባራታን ክገዓር እናተዋዕለ ስደተኛታት መንእሰያትና ድኣ ከይቅየሙልና’ምበር፡ ቃዛፊ ዝኣክል ኣቦ ኣፍሪቃን ፈታው ኤርትራን ብግህዶ ክዕመጽ እናተራእየ ድምጽኻ ምህጣሙ እንታይ ንበሎ? ጻልጣ ጥልመት ድዩ ዋላስ ኣብቲ ጉዳይ

ሰመረ ዓርከይ፡ ብዛዕባ ሊቢያስባ ቅንጣብ  ነገር ኣይተዛረብካንን። ብዛዕባ ኣመሪካን ተግባራታን ክገዓር እናተዋዕለ ስደተኛታት መንእሰያትና ድኣ ከይቅየሙልና’ምበር፡ ቃዛፊ ዝኣክል ኣቦ ኣፍሪቃን ፈታው ኤርትራን ብግህዶ ክዕመጽ እናተራእየ ድምጽኻ ምህጣሙ እንታይ ንበሎ? ጻልጣ ጥልመት ድዩ ዋላስ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣጽኒሕና ኮይንና? ክልቲኡ እንተዘይኮይኑኽ መልኣከ-ሞት ዶኽን ተቐልቂሉ? መልኣከሞት ግናይ ኢዩ። ሕብርኻ ይድውን፡ ኩሉ ነገራት ድማ ይዘባረቐካ። ምስጢርካ ልዕለኻ ዝፈልጦ ስለዘየለ ዝተኸሻሕካ እናመሰለካ ቅብጸት ተፋጥተልካሞ፡ ገጽካ ከምገለ ንውሽጣዊ ጸገማትካ እንተኸወለ ተባሂሉ እቲ ዘይተፈጥረካ ፍቕርን ልውሃትን ከምዘምሓረልካ ናይ ሓሶት ባህታን ፍሽኽታን ከተዘውተወር ትጅምር። ግናኸ ሕልናኻ ንኩሉ ክትከውን ስለዘይከኣላ ሕብርካ ይድወን፡ወዝካ ድማ ብሽ ብርያታት ዘይምለስ ይኸውን። ጽባሕ ብዝወርደካ ሕነ ብምስርጣይ’ውን ወዮ ከውሒ ልቢ ተዋሊኡን ሕልናኻ ተራ ቲዑን ኣብዛ ገፋሕ ዓለም እንከለኻስ ጸቢባትካ ካን መሰኩዒ ይሕርብተካ። ምናዳ ከምተን ቀዳሞት በዓል ኦዴሳ ዝ ኣመሰላ ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ሸምገልቲ ምስዝጠልማ /እምበር ዝኾነ መራሒ ምስአን ከየሕሾኽሾኸ ኣይኮነሉን ኢዩ/፡ መዋጽኦ ስለዘይህሉ ምሕረት ኢልካ ነገር ቅብጸት ኢዩ። መቸም እቲ ዝመጽእ ሽኦል ንኩልና ክሽልብበና እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቀደምና ናይ ዕላማ ስትራተጂካዊ ምዝላቕ’ዃ ኣይኹን እምበር፡ ምንዮት ህላወ ካብዘይተርፍ ናበይ ገጽና ንንጎድ ዓርከይ? ናብ ደጀናት ሳሕል ዶ ዋላስ ቶራቦራ ሶማለ-ደቡብ ሱዳን ክንእምት?አእ! ኢድ ሸናሒት ኣይተጋብርን ኮይና’ምበር እታ ዝበለጸት ፍታሕስባ ንህዝብኻ ምሕረት ምልማን ኢያ ነይራ ።

ዓርከይ’ሞ ከምመከሓሓሲ ግዲ ሓሲብካዮ፡ ኣብ ኣመሪካ ኤርትራውያን ንመራሕ ሃገር ዘርኣይዎ ኣምልኾ ከተረድኣና ብምፍታንካ ሽዑ ሳልሳይና ብኣኻ ክቱር ተደኒቑ። ኣነ’ውን ብግርህና ክልቴኹም ከምተገረምኩ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸ ልካ እፈቱ። “ከመይ“ እንተበልካ፡ ብኣውራኡ ነቲ ምስጢርካ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ ዝሰረቱ ኤርትራዊ ኒሕ ከም ግህ ዶ ኣምልኾ ስለዛተረዳእካዮ። ኪኖኡ ድማ ፕረሲደንትና ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ኣመሪካ ብምርጋጹ ብኽንደይ ሜላታት ህግደፍን ጨጨጓሩ ንውሽጢ ዓብዒብካ ናይ ’’ጸላእትና ባህ ኣይበሎም“ ዝዓኢነቱ ስምዒት ናይቲ ንጹህ ዜጋን ክል ተ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ካብተኣከበስ፡ እቶም ዓሰርተ ዓመታት ዝተሓየሩ እሱራት ብገለ ተኣምር ተፈቲሖም ኣብታ ቦ ታ’ቲኣ ኣብቅድሚ ህዝቢ እንተዝቐርቡኸ ክንደይ ዝቑጽሩ ኤርትራዊ ተቐማጢ ኣመሪካ ኮን ምተኣከበ? እዚ ካብተሰ ሰወረካ ድማ ብልበይሲ “ እዚ ገዲም ፖለቲከኛ ዓርከይሲ ካን ድዩ ተደፊኑ’’ ? እናበልኩ ክገድፎ ፈቲነ። ዓርከይ ግ ን በቲ ሓደስ ብኡነት ገርሂ ኢኻ። ሸለል ከምዘይንብለካ ኢኻ ገይርካና። ክትቖጻጽረን ዝቐነኻ ኣረግቶት ፖለቲካ ጌር ካ ’’ኣመሪካ ድኣ ሓቂ እንተኣለዋ ንጸለምቲ ሰልፊ ዘይትፈቕደሎም? ነቶም ደቀባት ድማ ንእሽቶ መሰል ዘይትህቦም’’ ኢልካና። እቲ ብሂል ብቐንዱ ፖለቲካ ኣይኮነን። እንተዝከውን’ውን እታ ሃገር ’’ ናይ ጸለምቲዶ ናይ ብጫ’’ ብዝብል ሃልወሳ ተመሊሳ ናብቲ ዝተቓለሰቶ ዓሌትነት ክትምለስ ኣይኮነትን። መዓረ ዓርዓረ፡ ኣብታ ሃገር ብጭቡጥ ሰልፍታ ት ኣለዋ። ኩሉ ዓይነት ሰብ ከኣ ኣብዝመረጻ ሰልፊ ክጽምበር ይኽእል። ኣብኡ “ወይ ህግደፍ ኩን ወይ ሃገርና ግደፍ ዝብል ጸቅጢ የለን። ሃገራዊ ምርጫ ድማ ይካየድ ኢዩ። ርግጽ ኣብቲ ውዕሎና ናይ ምዕራብ ኮነ ናይ ምብራቕ ፖለ ቲካ እንታይና ኣይነበረን። ዓርከይ ግን ቀጻሊ ክትጣበብ ኢና እንርእካ። ሳልሳይ ደረጃ ኣገልግሎታ ብዝወደአት ብላይ መደረ ጌርካ“ ዘይከምሰብና ኢና፡ ኣብ ዓለም’ኮ ዲሞክራሲ የለን“  ክትብል ትዒብካ ። መቸም ናይስጋ ሕሱም እንድዩ፡ እታ ኩሉ ዝተተስፈወላ ሰልፊ፡ /ህግደፍ/ ምስጠለመት፡ ቀደሙ’ውን ምስተግባራታ ብዘይሳነ መጸውዒ ተሰ ምያ ስማ ስለዝኸበዳ ከም ርእሲ ክሱእ ሰብ ክትቆላዓጽ እናተራእየት ዕድልና ኮይኑስ ንዓና ግን ገና ኣይተሰቆረናን። ካብ ብዘመን ውበ ምጽማም የድሕነና ጎይታይ!! ከይንብል ድማ ድሮ ጸሚምና ኮይንና።

ኣመሪካ ንምጽራፍ እትጥቀመሉ ናይ ልቓሕ ቃላት ማእለያ የብሉን። ብመጀመርያ ሓደራኻ ክኢለዮ ኢልካ ፕረሲደንት ኢሰይያስ ዝተዛረቦ ኣይትድገም። ንሱ ናይባዕሉ መልሲ ኣለዎ። ንስኻ ግን ክትውረጥ እየ ዝርእየካ ዘለኹ። ንኣ-ብነት፡ መንእሰያት ኣመሪካ ከይተፈለጦምን ገና ስራሕ ከይጀመሩን ሓሓምሳ ሽሕ ዶላር ልቓሕ ከምዘለዎም ገሊጽካ ። ስር ኢልካስ ናብ ኣመሪካ እንታይ ኣመጣጠረካ? እስከ ክሓተካ። ብሰንኪ’ቲ ድሒሩ ከምዘይፍትሓዊ ዝተቖጽረ ህ ግደፍ ብተንኮል ዝወልዖ ኩናት፡ ክንከፍሎ ተገዲድናስ ዝተቐበልናዮ ካሕሳኸ ኤርትራዊ መንእሰይ ከክንደይ ኣማኢት ኣሸሓት ከምዝእወድ ሓሲብካሉ ዶ ትፈልጥ ?እቲ “ ኣብ ዝባንኩም፡ ኣብጎድንኹም ክጸንሓንልኩ  ም “እናተባህለ ዝፍረም ዘሎ ወረቓቕቲ፡ እቲ “ ደቅኹም ኣህዲምኩም“ ተባሂሉ መንእሰያት ጅሆ ንዝተታሕዙ ኣረጋውያን ወለዶም ከናግፉ ዝኸፍልዎ ሓምሳታት ኣሽሓት፡ እቲ ንምስላጥ እናተባህለ ዝኽፈል ጥማራት ኣሸሓት…………..ከኒ ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ?

ኣብ ሃገርና እኩልን ኩሉ ጎድናውን ለውጥታት ስለዝተገብረ፡ እንታይ ኢዩ ዝድለ ዘሎ? ዝብል ዱቦላ ሕቶ ኣቕሪብካ ኔርካ። ከም መርትዖ ብማለት ከኣ ሎማቕነ ብዛዕባ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተራእየ መጽናዕታዊ ዳህሳሳት ወፍሪ ጠቒስካ።ንሱ’ሞ ድሌትና ኢዩ ነይሩ። ሃብቲ ከምዘለና ፈሊጥና ኢና’ኮ ተጋዲልና። ከምነፋሒቶ ዝቀያየር መግለጺ ሰበስልጣን ግን ናብራ ህዝቢ ካብ ባህሪያዊ ሃብቱ ከመሓይሽሉ ኣብክንዲ ምግዳል ንርእሳቶም ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ተኮይጦም ብሓባር ከጥምይዎ ስለዝቐለለሎም  ሃገርና ልዕሊ መሬታ ኮነ ትሕቲ መሬታ ገለ ከምዘይብላ ገይሮም ገሊጾሙልና “ኮ ኢዮም ።ዓርከይ ግን ብርግጽ ብዙሕ ዘይትፈልጦ ኣሎ። ቕድሚ ዝኣገረ “ስለምንታይ ኣብዛ ግዜ እዚኣ ውጥናት  ወፍሪ ተጋኒኑ ክፍኖ ተፈቒዱ“? ኢልካ እንተትሓስብ ኣብ ሰማዒ’ውን ኣይምበጻሕካን። እንተድኣ እከይ ተግባራትን ፍርህን ኣልይካ ድማ ገና መመሊስካ ክትሕቆን ኢኻ ። ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ። እቲ ዝኸፍአ ነፍሶምን ቤተሰቦምን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይኖም ብናይ ወረቐት መንነት ክልተ ሰለስተ ባንዴራ ራታት ክስዕሙ ዝውዕሉ ሃገራውያ ሃገሮም ጽቡቕ ከምዘላ ኣምሲሎም ክጭርሑ እንክረኣዩ ምስምንታይ ይቑጸር? ሕራይ በልእስከ ንሳቶምስ ኣርሒቖም ጭቡጥ ኩነታት ኣይፈለጡን።ቲቪ ድማ ኣጋግያቶም’ሞ ንበል።ንስኻኸ ኣንታ ካን ዲኻ ቀልብኻ ተደፊኑ? ዜናዊ ስረሓት ብሓቂ ከምቲ ባይታኡ ዲዩ? ንኣብነት ሎማቕነ ብሰንኪ ሽቃጦን ካልእን ሃለኽቲ ነገራት ጠፊኦም ተባሂሉ ተመኽንዩ። ሓይሊ ኤለክትሪክከ ብሰንኪመን ኣቛሪጹ“ዶዋላስ ክልተ-ሰለስተ መልሓስ ኣጽሊእካስ ሰፍሊልካ? ናይ ኤርትራ ሸባብን ኣልቃዒዳን ዝስመዩ ግዳያት እንዳወንጀለት ዕድመስርዓት ንምንዋሕ እንታይከ ዘይተባህለ!! በል ድሓን፡ ሰብ በቢተግባራቱ ዝሕተተላ መዓልቲ ኣላ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ድሃይ ለውጢ ሰሰሚዑ ዝሕቆንሲ ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካብኦም እቶም ምሁራት ትብሎም ዝጸናሕካ ክኾኑ ይኽእሉ። እስከ ቁምነገር ክሓተካ፡ መዐቀኒ ፍትሕን ዲሞክራስ ናይ ሓንቲ ሃገር እንታይ ኢዩ?

ከይትጽገም ካብ ኣበሃህላኻ ባዕለይ ክምልሰልካ። ወርቂ ተዃዒቱ፡ ጽርግያ ተሰንጠቐ፡ ኣባይቲ ተሰሪሑ—–እኮ ኣይ ኮነን’ቲ መልሱ። ከምኡ እንተኾይኑ እሞ ድሕሪ’ቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ ስልጣነ ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣይምሰዓበን ። ይተግበር ኣይተግበር ዘየፍለጠ፡ ዝተተግበረ ከኣ ቀጻልነቱ ዘይተረጋገጸ ፡ እንተተፈጺሙ ‚ውን መዋዕሎኡ ካብኣገ ልግሎት ሓፋሽ ወጻኢ ምዃኑ ካብሕጁ ንዝተነግረሉ ፕሮጀክታዊ ተምሳል ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ እንታይ ክጽበየሉ ኢኻ ክትስፎ ተደናግሮ ዘለኻ?

ብዛዕባ ለውጢ እንተኾይኑ ኣባና’ውን ዘይነበሩ ተራእዮም ኢዮም። እዚ ማለት ግን ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ብዝተሰርሑ ነገራት መግለጺ ዲሞክራሲ ጌርና ኣይነመሳምስ። ዝኾነ ገዛኢ ድማ ክሳብ ውሱን ግዜ ነናይባዕሉ እወታ’ዃ እንተኣለ ዎ መሰረታዊ መዐቀኒት ግን ፍትሒ ኢያ። ጥልያን’ውን እኮ ከምሃገር ሰሪሕና ጥራይ ዘይኮነ ዘይነበረና ምዕባለ ኣተኣ ታትዩ ክንሱ እንትርፎ ጊላነት ፍትሒ ኣጥፊእዋ ኢዩ። ሎም’ውን ነገር ሓድሽ መግዛእቲ ኮይኑ ብስም ለውጢ ብማን ካ እንተሂቦሙኻ ንሳቶምከ ክንድይ ኮን ወሲዶም ይኾኑ? ኣብ ዴሳውያን ሃገራት መራሕቲ ውልቀ-ዋኒን የብሎምን ይበሃል። ዕድመ ልክዖም ስልጣን ከይገደፉ ንደቆም እንተኣውሪሶምን ከሳብ ክመቱ እንከለዉ ብሳንዱቕ ኣልማዘ-ወርቂ  እንተተቐቢሮምን እንታይከ ዘይነበሮም። ዘመናውያን ፎርኦናት ምዃኖም ዘየስተብሃለ ሰብ ኩዕታ ግብጻዊ ፒራሚድ ምክትታል ይኣኽሎ። ስለምንታይ ነጋውስ ንሓዋሩ ዝኮኖም ምስኦም ክቕበር ይእዝዙ ነይሮም ንዝምልከት ባህሪ ደቂሰባት ብምዃኑ ጥራይ እያ መልሳ። ስለኡ ኢዩ ከኣ መራሕቲ ቁጽጽር ዘድልዮም። ቀንዲ ባይታ መቆጻጸሪት ድማ ብምርጫ ምቕያሮም ጥራይ እያ። ሰብ’ኮ ምስ መራሕቲ ሕዱር ጽልኢ ወይ ደም ስለዘለዎ ኣይኮነን ዝጣራዕ ዘ ሎ። ብነብሱ ናይ ሰብ ናይ ርህራሀ ዓቕሚ ድሩት ኢዩ። ኣባና’ውን ካብ ሰብ ዝተሓብአ ገዲፍካ ማእሰርቲ በዚሑ፡ ሰ ብ ምስተኣስረ ብኡ ኣቢሉ ይጠፍእ፡ ፖለቲካ ጠቀስ’ሞ ክወጽእ ኣይሕሰብን፡ መንእሰይ ኣብ ኣገልግሎት በልዩ፡ ናብ ራ ሓሲሙ፡ ህዝቢ ዓቕሉ ጸቢብዎ ተገዳዲዑ፡ሃገራዊ ጉዳያት ይፍትሑ የለዉን፡ …….. እዩ ዝበሃል ዘሎ ። እዚ ድማ ብርግጽ እርጋን ገዛእቲ ኢዩ ዘመልክት።እዚ ምስምስ ኣድልዮን ኢዩ ። ነዞም ዝቕተሉን ዝእሰሩን ዘለዉ ኣካልና፡ ነዚ ምእንቲ ውልቀ ምልኪ ተባሂሉ ንብሃገራ ዘራስሓ ዘሎ ሕቡእ መንግስታዊ ሽፍትነትን፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ዝሓልፍ ኤርትራዊ እንተኣልዩ ጥልመት ካብ እንዳማትና ኣይንጸበያ። ብሃቂ ጥልመት ኣብውሽጥና ኣትያ ከምዘላ ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኩሉ ዝሰምዕን ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎን ይጋደል ኣሎ። ምእንቲ ለውጢ ምእንቲ ማዕረ ናይ ምንባር መሰል ይጋደል ኣሎ ኤርትራዊ ። ለውጢ ከኣ ዓጋቲ ብሉን።

 

ይቕጽል

                 ጎደፋ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • PFDJ(Popular For Dictatorship and Jail) November 1, 2011

    even the media of the cancer of peace isayas didnot report a single news about libya. and arab uprising in general.
    hell they try to hid using the fake motto: ” serving the truth” while the real is it is ” serving the tyrant”
    death to cancer isayas, victory for our people

    • Huluf November 1, 2011

      PFDJ,

      Neither did they protest of the debumanised corpses of our brethern in Egypt.

  • zemen beraki November 1, 2011

    ERITV or Hadas ertra will never ever broadcast news about Gadafi because Isayas will destroy each and everyone including Ali Abdu, Asmelash, etc etc.. so they kept as if a rat died in Libya. Deep inside their heart they have paid their condolence, maybe secretly to Gadafis wifr who is now livinf in Algeria. I wish a sad ending to the tyrant Isayas also. May his osul rot in hell!!!

  • zemen beraki November 1, 2011

    I mean may his soul rot in HELL!!!!

    • Haqqi Nezareb November 1, 2011

      Amen!

    • Beles November 1, 2011

      there is no hell or heaven.

POST A COMMENT