Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ፍትሒ ጉየ …

ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ቦስተን ዝነብር ናይ ፌስቡክ የዕሩኸይ: ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኤርትራዊ መቦቆሉ ይመርሕ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣውጽአ: ኣብ ቦታ ስራሐይ ኮይነ: ነቲ ውድድር ላይቭ ተኸታቲለዮ:: ዋላ'ኳ ከም ኣመሪካዊ ይወዳደር: እታ ሕደ ትገብረና

ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ቦስተን ዝነብር ናይ ፌስቡክ የዕሩኸይ: ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኤርትራዊ መቦቆሉ ይመርሕ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣውጽአ: ኣብ ቦታ ስራሐይ ኮይነ: ነቲ ውድድር ላይቭ ተኸታቲለዮ:: ዋላ’ኳ ከም ኣመሪካዊ ይወዳደር: እታ ሕደ ትገብረና ኤርትራዊ መቦቆል ትብል: ናይ ስጋ ስለ ዝቐንጠወትኒ: ከምቲ ቐደም ውድድር ብሽክለታ ክርኢ እንከለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ: ሓንቲ ዘይምልእ ክንሰይ: “ሓላባይ” ክብል ጎሮሮይ ተሓርሒሩ ገዛይ ዝምለሶ ዝነበርኩ: ኣብ መንበር ስርሐይ ኮይነ ሓፍ ኮፍ በልኩ:: ምስ ተዓወተ ድማ: መሳርሕተይ እንታይ ኮይኑ’ዩ እዚ ክሳብ ዝብሉኒ: ዓው ኢለ ብታሕጓስ ጨዲረ:: እዚ ነዞም ኤርትራ ኣብ ዜና ዓለም ክትመጽእ እንከላ ዝለመድናዮ ዘሕዝን ዜናታት መብረ ዝኸውን ብስራት: ሞራል ብዙሓት ሓፍ ከብል ዝኽእል ኢለ ገመትኩዎ:: በዚ ድማ: ንኻልኦት እንድዒ: ንዓይ ግን ቁሩብ ባህ ኢሉኒ ቀንዩ::

 

እዚ ግን: ነቲ ዝደገፍኩዎ: ጎያያይ ንኣምባሳደር መላኺ ኤርትራ: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓቚፉ ዝተሳእሎ ክሳብ ዝርእይ’ዩ:: ስፓርት ካልእ: ሕልና ካልእ ምዃኑ ድማ: መሊሱ ነጸረለይ:: እቲ ጎያያይ ክንዲ’ቲ ዝፈተኹዎ ፍጊዕ ኢሉኒ:: ከም ኣመሪካዊ እንተተወዳዲሩ: ምስ መላኺ ስርዓት ዘጸጋገዖ ምርጫኡ እምበር: ከምቶም ካልኦት ዘመኻንዩዎ: ፓስፖርት ምርካብ: ኣይኮነን:: ምስ ወለደይን ኣሕዋተይን ካብ ወዲ 12 ዓመት ጀሚረ ኣብ ኣመሪካ እየ ዝነብር ስለዝበለና: ወለዱ ናይ ምብጻሕ ጸገም ዘለዎ’ውን ኣይመስለንን:: በዚ ኾነ በቲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ ካብ ኣመሪካ ዘይረኽቦ ነገር ዘለዎ ኣይመስለንን:: እቲ ዘሕዝን: በቲ ብዘይከሓድ መንፍዓቱ ዝረኸቦ ዝና: ጸገም ኤርትራውያን: ናብ ዓለማዊ መድረኽ ከውጽኦ እናኸኣለ: ምስ ወከልቲ ምልኪ ክስኣል ምምራጹ እዩ:: ክንደይ ደቆም ዝተኣሰሩዎም: ክንደይ ኣሕዋቶም ዝተጸገሙዎም: ክንደይ ብእምነቶም ዝተኣስሩ: ክፍትሑ ጉዳዮም ናብ ባይቶታት ዓለም ንክቐርብ: ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ዮርሳሌም (ሆሎት) ለውጢ ዓቕሙ ክገብር ምኸኣለ:: ኣብ ጉዳያት እሱራት ፍትሒ ካብ ኣደርሰር ክሳብ ዒራዒሮ ጸቕጢ ከገብር ዘኽእል ሚዛን ረኺቡ ክንሱ: ትም ኢሉ: ኣጽቂጡ ዘይኮነስ: ምስቶም ወጻዕቲን ፈጠርቲ እዚ ሽግርን ብምውጋን ሕሱር ምርጫ መሪጹ:: የሕዝን ድማ::

 

ዝኸበርካ ጎያያይ: ኣብ ምዝዛም ጉያኻ: ስም ፈጣሪ ደጋጊምካ ስለዝጠቐሰካ: ካብ ቅዱስ ጽሕፍ ሓደ ጥቕሲ ከዘክረካ::

“በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልካስ፡ [ንኤርትራውያን] ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ:: [ምናልባት] ንከምዚ ንዝበለ እዋን ናብ [ዝና] መጺእካ እንተክነይርካ፡ መን ይፈልጥ።”

 

ንስኻ ግን ነቲ ቦታ ኣይበቓዕካዮን:: ዘሕዝን ኣዋድቓ ወዲቕካ:: እዚ ሓደ ተራን ትሑትን ዘረባ ካብ ተራ ሰብ ናብ ሓደ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበ ኦሎምፒካዊ ስፓርተኛ እዩ:: ዋጋ’ውን ዘይክትህቦ ትኽእል ኢኻ:: እቶም ዝሓቖፍካዮም ዘይኮኑስ: እቶም ሓቀኛ ዋናታት እቲ ዘበጻሕካዮ ቤት ጽሕፈት ነዚ ጽሑፍ ስለዘንብቡዎ ግን ኣነ’ውን ዋጋ ዘይሃብካዮ ኢለ ኣይስከፍን:: እቲ ብዛዕባ ፈጣሪኻ ዝበልካዮ ግና ሓቂ ዩ ኢለ ስለዝሓስብ ካብ ትም ዝብል ክኹሕክሓካ ኢለ ይደግመልካ::

 

ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ድማ: ነስተብህል:: እዚ ጸላእቲ ንምብዛሕ ኣይኮነን:: ከም ሓቂ: ካብ ፈታዊ ንላዕሊ ብ ዓወቱ ዝተሓጎስና ሓውና ዝመሰለና ሰብ እዩ:: የግዳስ: ብዛዕባ ቃንዛና ኣውሮጳን ኣሜሪካን ካልኦት ርሑቕ ዝሃገሮም: ዝመቦቆሎምን ዜግነቶምን እናጠራዕናን: እናፈለጡዎን: እቲ ከማና ተመሳሳሊ መቦቆል ኣለኒ ዝብል ከመይ ኢሉ ይስሕቶ:: እንተዘይሰሓቶ ግን ድማ እናፈለጠ ጌጋ ምስ ዝመርጽ’ከ: እንታይ እዩ እጀታና:: ትም ኢልካ ምጥቓዕ? እቲ ተጣቕዓሉ ዘለኻ: ምስ ጸላኢኻ እናወገነ ከምዘይርኣኻ ምዃን? ወይሲ ዓው ኢልካ ተጋጊኻ ምባል ?

 

እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ: ብዙሓት ባህ ከይብሎም ይኽእል’ዩ:: ከመይ ኢልካ ከምኡ ትጽሕፍ ኢሎም ስኽፍክፍ ዝብሎም’ውን ክህልው ምዃኖም ይርድኣኒ እዩ:: ኣነ ግን ከምቲ ደጋጊመ ዝብሎ: ሰብ ንኸሐጉስ ዝገብሮ ነገር የለን:: ምረጹኒ ኣዋጽኡለይ’ውን ይብል የለኹን:: ኣብ ሃገር ድልየትካ ተዛሪብካ ዘይትስከፈሉ ስለዘለኹ እታ ዘላ ኣብኣ እንከላ ይህበኩም:: እቲ ምርጫ – ጣቕዒት ምቕጻል ድዩ: ንግጉይ ምምካር  – ናትኩም እዩ::

 

ኣነ ግን ” እንተኾነ: ደሃይ ዝጠፍኡ ዘለው ኣሕዋትካ ምገበርካ: እተዘይኮነ ትም ምበልካ: ወኪል መላኺ ክትሓቁፍ ምምራጽካ ግን ዓቢ ጌጋ ተጋጊኻ: ናብ ልብኻ ተመለስ: ካብ ሕጂ ኣብ ጉያ ማራቶን ዘለካ ዕምሪ ካብ ሕጂ ነዊሕ ከምዘይኮነ ንስኻ’ውን ትፈልጥ ኢኻ: ስለዚ ካብ ሕጂ ንንዮ ዘለካ ዕምሪ ናብ ፍትሒ ክትጎዪ ሕሰብ::

 

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
143 COMMENTS
  • asmarino May 1, 2014

    I have some information the man that with eye glass in the photo his name is Meharena he got his green card base on political asylum now he works for pfdj ambassador in new York I heard from a fraind about 10 years ago but now his photo speaks it selfe possible he is usa citizen by now .

    • Yerhiwo May 2, 2014

      This clown lady near Meb also is a new comer from Swiss I believe. She was in EriTV and said she works in the embassy at UN office in NY and she said she wants to start a hotel in Embatkala…really amazing! Once they show her on TV organizing Eritrean show in Swiss an she was dancing some Eritrean tribal dance, it made me laugh. She looks like white monkey jumping up and down after getting few bananas. She seems non-Eritrean, with identity crisis, a novice entertainer to make it to the top like her idol Sofia Tembar.

      They put her in NY for sole purpose….entertain the big criminals such as Monkey and DIA when they come to NY.

  • asmarino May 1, 2014

    why you remove my comment about the man in photo with eye glass name meharena works for the pfdj ambassey in new York he got his green card base on political asylum I am not black mail him I heard from a friend that he is workining when I saw his photo I can control my anger

  • tesfaldetabraha May 1, 2014

    KEEP ON CRAYING ILOVE IT HE THROW YOU LIKE ABEER OF CAN SO YOU CAN NOT HELP IT HE PUT IT INYOUR FAICE ANBESA MEB REAL ERITREAN HE DONT LIKE BEGERS WEYANE STINKING ASS SO JAST KEEP COMMENTING BAD HE IS STANDING WITH LIONS

  • tesfaldetabraha May 1, 2014

    IHEARD THAT SIMMERR WAS MAKING PLAN TO INVITE HIM HE SAY TO THEM FOOO YOU STINK AFTER THEY LAY RED CARPET THIS IS WHAT HAPPEN IF YOU TRY TO MESS WITH LIONS

  • asmarino May 1, 2014

    correction the name of the man in eye glass in the photo works for pfdj embassy that got his green card base on political asylum is Alemayo

  • TaEsa May 1, 2014

    there is no eritrean named Alemeyo. such people with identity crises are the gloves of Monster, Isaias.
    most of the embassy workers they ask asylum in the country where they work, then after they got permistion, they worship their got wedi berad.

  • kibrom May 1, 2014

    kem sebeyti bdehri tehabeakin kab tehshekshuka asebut ab adom eyom zelewu ab metkelom kedkin bkulue tekawemuom bogabug gogelo brasho

    • Selam May 1, 2014

      Kibrom, definitly not your real name!
      ab Media wetsina ina nzareb zelona! nay mntay hsukhsukh? Metkel do belka? kndeike tdefr? seb metkel ms hzbom eyom zwgnu! mush me ketal hzbom zewdekhdkhu!

    • tesfaldetabraha May 1, 2014

      Kibrom you are talking to the rock this cowerds dont want fight whay do you think they use to run to AWSSA conference THEY THINK WEYANE is going to attack eritrea again all this ALSHEBAB ALSHEBAB TERORIST THEY WHER HOPING THE U S A OR UK to inveid ERITREA SO YOU telling them something they dont want hear what they hope is ERITREAN people fight each ather by AWRAGAS TRIPS LIKE WE SEEN IN NAGERIA & ATHER AFRICAN CAOUNTRYS

  • kibrom May 1, 2014

    ambesa mebrahtom gigna hubun eritrawi naymen dea kitwesid naytom geganu ayatatkan merahika issayasn ember ketslo awetatka nkid tray

  • Bhaki May 1, 2014

    KELBIN ZIB’AN AEXMI NDHRI RYOM NABA AYOM ZGOYU,
    MEBRAHTOM DMA MEBRAHTU DA GB TBEL AMBER,KAB KELBI ZEYHAYSH ZBI AYU, SLEZKONE DMA M’S AZABE’A ANTTESAALE AEYTGEREMU.

  • Truly Truly i say to you May 1, 2014

    ዝኸበርካ ቢኮ፡ ኣብቲ ጹሑፍካ ዝኸበርካ ጎያያይ፥ ኣብ ምዝዛም ጉያኻ፥ ስም ፈጣሪ ደጋጊምካ ስለዝጠቐሰካ፥ ካብ ቅዱስ ጽሕፍ ሓደ ጥቕሲ ከዘክረካ፥፥

    “በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልካስ፡ [ንኤርትራውያን] ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፥፥ [ምናልባት] ንከምዚ ንዝበለ እዋን ናብ [ዝና] መጺእካ እንተክነይርካ፡ መን ይፈልጥ። ኢልካ ነቲ ዘቅረብካዮ ረዚን መልዕኽቲ ካብ መጽሓፈ ኣስቴር ምዕራፍ 4; ፍቕዲ 12 ጀምሩ ንዘሎ ጠቂስካ፣
    ኣንውን ንኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዩስ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ንዘለዎ መዝነትን ተሰማእነትን ኣብ ግምት የእትዬ፣ ነቲ ዝርኸቦ ዕድል ንሱውን ነዚ ናይ ኣስቴር ኣብነት ተጠቒሙ ንሕዝቡ ካብ ምጽናት ከድህን ሚኢደዮ ነረ።
    ግናስ ከምቲ “ካብ ጸባ ዘይተረኸበስ፣ ካብ ማይ ጸባ” ኾይኑ ነገሩ፣ ንስኻውን ነዚ ክቡር ቃል ገሊጽካ ነዚ ጎያያይ ክትምእዶ ፈቲንካ፣ በዚ ምኽንያት ክልቴና ንዘይግብኦም ሰባት ገሊጽና ነቲ ክቡር ናይ ኣምላኽ ቃል ዘራኸስናዮ ኮይኑ ስለዝተሰማኣኒ ጉሄ። ግናስ ከምቲ ንግስት ኣስጢን ብእሽነታ ነቲ ዝረኸበቶ ዕድል ስለዘራኸሰት፣ ኣብመወዳእታ ብኣስቴር ንግስነታ ከምዝተመንዘእት፣ ነቲ በዞም ኣሻታት ዘይረኸብናዮ ድህነት´ከኣ መንይፈልጥ ኣምላኽ ብኽቡር ኣቦና ተወልደ ተ/ ማርያም ከርህወልና መሪጹ እዩ መስለኒ፣ እንሆ ወዲ ቫካሮ ኣብግዜ ዕረፍቱ ሕማሙን ድኻሙን ከይጸብጸበ፣ ናይህዝቡ ሕልቂት ዕረፍቲ ስልዝኸልኦ እነሆ ከም ኣስቴር ሕዝቡ ንከድህን ንላእሊ ታህቲ ይወናጨፍ ኣሎ። ኣምላኽ ሃሳብ ልቡ የስምረሉ።

Post a Reply to ወዲ ሓጎስ Cancel Reply