Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ፍትሒ ጉየ …

ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ቦስተን ዝነብር ናይ ፌስቡክ የዕሩኸይ: ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኤርትራዊ መቦቆሉ ይመርሕ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣውጽአ: ኣብ ቦታ ስራሐይ ኮይነ: ነቲ ውድድር ላይቭ ተኸታቲለዮ:: ዋላ'ኳ ከም ኣመሪካዊ ይወዳደር: እታ ሕደ ትገብረና

ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ቦስተን ዝነብር ናይ ፌስቡክ የዕሩኸይ: ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኤርትራዊ መቦቆሉ ይመርሕ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣውጽአ: ኣብ ቦታ ስራሐይ ኮይነ: ነቲ ውድድር ላይቭ ተኸታቲለዮ:: ዋላ’ኳ ከም ኣመሪካዊ ይወዳደር: እታ ሕደ ትገብረና ኤርትራዊ መቦቆል ትብል: ናይ ስጋ ስለ ዝቐንጠወትኒ: ከምቲ ቐደም ውድድር ብሽክለታ ክርኢ እንከለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ: ሓንቲ ዘይምልእ ክንሰይ: “ሓላባይ” ክብል ጎሮሮይ ተሓርሒሩ ገዛይ ዝምለሶ ዝነበርኩ: ኣብ መንበር ስርሐይ ኮይነ ሓፍ ኮፍ በልኩ:: ምስ ተዓወተ ድማ: መሳርሕተይ እንታይ ኮይኑ’ዩ እዚ ክሳብ ዝብሉኒ: ዓው ኢለ ብታሕጓስ ጨዲረ:: እዚ ነዞም ኤርትራ ኣብ ዜና ዓለም ክትመጽእ እንከላ ዝለመድናዮ ዘሕዝን ዜናታት መብረ ዝኸውን ብስራት: ሞራል ብዙሓት ሓፍ ከብል ዝኽእል ኢለ ገመትኩዎ:: በዚ ድማ: ንኻልኦት እንድዒ: ንዓይ ግን ቁሩብ ባህ ኢሉኒ ቀንዩ::

 

እዚ ግን: ነቲ ዝደገፍኩዎ: ጎያያይ ንኣምባሳደር መላኺ ኤርትራ: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓቚፉ ዝተሳእሎ ክሳብ ዝርእይ’ዩ:: ስፓርት ካልእ: ሕልና ካልእ ምዃኑ ድማ: መሊሱ ነጸረለይ:: እቲ ጎያያይ ክንዲ’ቲ ዝፈተኹዎ ፍጊዕ ኢሉኒ:: ከም ኣመሪካዊ እንተተወዳዲሩ: ምስ መላኺ ስርዓት ዘጸጋገዖ ምርጫኡ እምበር: ከምቶም ካልኦት ዘመኻንዩዎ: ፓስፖርት ምርካብ: ኣይኮነን:: ምስ ወለደይን ኣሕዋተይን ካብ ወዲ 12 ዓመት ጀሚረ ኣብ ኣመሪካ እየ ዝነብር ስለዝበለና: ወለዱ ናይ ምብጻሕ ጸገም ዘለዎ’ውን ኣይመስለንን:: በዚ ኾነ በቲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ ካብ ኣመሪካ ዘይረኽቦ ነገር ዘለዎ ኣይመስለንን:: እቲ ዘሕዝን: በቲ ብዘይከሓድ መንፍዓቱ ዝረኸቦ ዝና: ጸገም ኤርትራውያን: ናብ ዓለማዊ መድረኽ ከውጽኦ እናኸኣለ: ምስ ወከልቲ ምልኪ ክስኣል ምምራጹ እዩ:: ክንደይ ደቆም ዝተኣሰሩዎም: ክንደይ ኣሕዋቶም ዝተጸገሙዎም: ክንደይ ብእምነቶም ዝተኣስሩ: ክፍትሑ ጉዳዮም ናብ ባይቶታት ዓለም ንክቐርብ: ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ዮርሳሌም (ሆሎት) ለውጢ ዓቕሙ ክገብር ምኸኣለ:: ኣብ ጉዳያት እሱራት ፍትሒ ካብ ኣደርሰር ክሳብ ዒራዒሮ ጸቕጢ ከገብር ዘኽእል ሚዛን ረኺቡ ክንሱ: ትም ኢሉ: ኣጽቂጡ ዘይኮነስ: ምስቶም ወጻዕቲን ፈጠርቲ እዚ ሽግርን ብምውጋን ሕሱር ምርጫ መሪጹ:: የሕዝን ድማ::

 

ዝኸበርካ ጎያያይ: ኣብ ምዝዛም ጉያኻ: ስም ፈጣሪ ደጋጊምካ ስለዝጠቐሰካ: ካብ ቅዱስ ጽሕፍ ሓደ ጥቕሲ ከዘክረካ::

“በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልካስ፡ [ንኤርትራውያን] ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ:: [ምናልባት] ንከምዚ ንዝበለ እዋን ናብ [ዝና] መጺእካ እንተክነይርካ፡ መን ይፈልጥ።”

 

ንስኻ ግን ነቲ ቦታ ኣይበቓዕካዮን:: ዘሕዝን ኣዋድቓ ወዲቕካ:: እዚ ሓደ ተራን ትሑትን ዘረባ ካብ ተራ ሰብ ናብ ሓደ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበ ኦሎምፒካዊ ስፓርተኛ እዩ:: ዋጋ’ውን ዘይክትህቦ ትኽእል ኢኻ:: እቶም ዝሓቖፍካዮም ዘይኮኑስ: እቶም ሓቀኛ ዋናታት እቲ ዘበጻሕካዮ ቤት ጽሕፈት ነዚ ጽሑፍ ስለዘንብቡዎ ግን ኣነ’ውን ዋጋ ዘይሃብካዮ ኢለ ኣይስከፍን:: እቲ ብዛዕባ ፈጣሪኻ ዝበልካዮ ግና ሓቂ ዩ ኢለ ስለዝሓስብ ካብ ትም ዝብል ክኹሕክሓካ ኢለ ይደግመልካ::

 

ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ድማ: ነስተብህል:: እዚ ጸላእቲ ንምብዛሕ ኣይኮነን:: ከም ሓቂ: ካብ ፈታዊ ንላዕሊ ብ ዓወቱ ዝተሓጎስና ሓውና ዝመሰለና ሰብ እዩ:: የግዳስ: ብዛዕባ ቃንዛና ኣውሮጳን ኣሜሪካን ካልኦት ርሑቕ ዝሃገሮም: ዝመቦቆሎምን ዜግነቶምን እናጠራዕናን: እናፈለጡዎን: እቲ ከማና ተመሳሳሊ መቦቆል ኣለኒ ዝብል ከመይ ኢሉ ይስሕቶ:: እንተዘይሰሓቶ ግን ድማ እናፈለጠ ጌጋ ምስ ዝመርጽ’ከ: እንታይ እዩ እጀታና:: ትም ኢልካ ምጥቓዕ? እቲ ተጣቕዓሉ ዘለኻ: ምስ ጸላኢኻ እናወገነ ከምዘይርኣኻ ምዃን? ወይሲ ዓው ኢልካ ተጋጊኻ ምባል ?

 

እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ: ብዙሓት ባህ ከይብሎም ይኽእል’ዩ:: ከመይ ኢልካ ከምኡ ትጽሕፍ ኢሎም ስኽፍክፍ ዝብሎም’ውን ክህልው ምዃኖም ይርድኣኒ እዩ:: ኣነ ግን ከምቲ ደጋጊመ ዝብሎ: ሰብ ንኸሐጉስ ዝገብሮ ነገር የለን:: ምረጹኒ ኣዋጽኡለይ’ውን ይብል የለኹን:: ኣብ ሃገር ድልየትካ ተዛሪብካ ዘይትስከፈሉ ስለዘለኹ እታ ዘላ ኣብኣ እንከላ ይህበኩም:: እቲ ምርጫ – ጣቕዒት ምቕጻል ድዩ: ንግጉይ ምምካር  – ናትኩም እዩ::

 

ኣነ ግን ” እንተኾነ: ደሃይ ዝጠፍኡ ዘለው ኣሕዋትካ ምገበርካ: እተዘይኮነ ትም ምበልካ: ወኪል መላኺ ክትሓቁፍ ምምራጽካ ግን ዓቢ ጌጋ ተጋጊኻ: ናብ ልብኻ ተመለስ: ካብ ሕጂ ኣብ ጉያ ማራቶን ዘለካ ዕምሪ ካብ ሕጂ ነዊሕ ከምዘይኮነ ንስኻ’ውን ትፈልጥ ኢኻ: ስለዚ ካብ ሕጂ ንንዮ ዘለካ ዕምሪ ናብ ፍትሒ ክትጎዪ ሕሰብ::

 

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
143 COMMENTS
  • Birhane May 3, 2014

    ጠገለ ዘይብሉ ጽሑፍ አዩ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ UN ኪበጽሕ ኣብዝሓስበሉ ጊዜ ናብ ናይ ሃገሩ ኣምበሳደር ተበጽሐ ሓጥያት ዘለዎ ነገር ኣይኮነን፡ ዝኾነ ቕድመኩነት ከየቕረብና፡ ብዓቢኡ ድማ ናቱ ውልቓዊ ምርጫ ዘይተኽብሩ ጉዳማት ፖለቲክኛታት ዘመንና ትገርሙ ኢኹም፡ እዚ ኣመሪካዊ ተቐዳዳማይ ቐዳማይ ወጺኡ ኢልኩም ኣብዜናኹም ዘምጻእኽሞ ኣትሌት ሕጂ ድማ ኣመሪካዊ ህግደፍ ኪትብሉና ዲኹም shame for uuuuuuuuuuuuuuu

    • Yohannes May 6, 2014

      To Mebrahtu, “The opposite of love is not hate, it is indifference” Elie Wiesel. It is the silence and naïve followers that helped Hitler, Stalin, Mussolini. Etc accomplish their gruesome acts on humanity. If it is truly not a photo shop, Someone with your caliber of nurture and dipper understanding of humanity and spirituality, is simply beyond me to see you hugging and bowing to the messengers/facilitators/servants of a de facto regime/tyrant, whose crimes of humanity have been bold, primitive and barbaric. May God/Allah/Yahweh guide you out from the dungeons of barbarians’/tyrants’ camp. Remember, it is never too late to side with the oppressed/imprisoned/executed/disappeared. Your actions/inactions and behavior will be in the minds and hearts of the oppressed/poor/prosecuted people for ever, in conjunction with your historic marathon victory for which you failed to use the opportunity to echo the sufferings of Eritrean people at this critical moment. In addition to the Eritrean people’s sufferings, your prestige could have echoed other people’s sufferings, such as the Syrians, Sudanese…etc. Thanks

      • Genet-orginal May 6, 2014

        Dear Yohannes
        Well said!
        I just want to add one point. No body is asking Mebrahtu to join any group, but to stand up for justice and liberty for the Eritrean people. Mebrahtu history will judge you.

  • Hidat May 3, 2014

    HGDEF= SERVING THE TRUTH.

    AGELALXAKA ADENIKEYO.

    • Genet-orginal May 6, 2014

      Hidat
      “Disobedience is the true foundation of liberty. The obedient must be SLAVES” (Henry David Thoreau)
      If HGDEF=SERVING THE TRUTH, then Hidat=SLAVE

  • ወዲ ሓጎስ May 4, 2014

    ዘገርም እዩ ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ እዩ ነገሩ 360 ንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ሓንቲ ህሞት ክሃልቁ ኸለዉ ድምጹ ዘየስምዐ ሰብ ዓሚ ኣብ ቦስቶን ብዘጋጠመ ናይ ውሑዳት ሞት በኽይሉ ክክክ ኣብ ኪንዱኡ ሓፊረ ተሰልቢጡ ኻኣ ምስቶም ቀተልቲ ሃገርን ህዝብን ተሓቛቚፉ ክሳኣል ጥዑይ ኣእምሩኡ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ ሚስተር ጎያያይ እቲ ካብ ገፋዕቲ ነፊጹ ኣብ ኢድ ገፋዕቲ በደዊን ዛኣቱ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ፈቐዱኡ ዝዋረድን ዝግፋዕን ዘሎ ኸ ንዑኡ ኣይንታዩን እዩ ቤተሰቡን ኣሕዋቱን ሓቚፉ ስለ ዘሎ ዘተዓዛዝብ እዩ ግን ብርግጽ ክወግሕ እዩ ወይልኹም ለቕለቕትን መዳኸርቲን ህግደፍ

1 7 8 9

Post a Reply to tesfaldetabraha Cancel Reply