Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መደበር ዕደና ወርቂ ኤርትራ ደብዲበን” (ሳሓፋ፣ ሱዳናዊ ጋዜጣ)

ብመሰረት ሓበሬታ ብዓረብ ዝሕተም ሱዳናዊ ጋዜጣ ሳሓፋ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመደበር ዕደና ወርቂ ቢሻ ድሕሪ ምድብዳበን፣ ኣብቲ ቦታ ቃጸሎ ኣጋጢሙ። ጋዜጣ ሳሓፋ ግምታት ተዓዘብቲ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ዜና፣ ኤርትራ ብመንገዲ እቶም እትሕብሕቦም ዘላ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ

ብመሰረት ሓበሬታ ብዓረብ ዝሕተም ሱዳናዊ ጋዜጣ ሳሓፋ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመደበር ዕደና ወርቂ ቢሻ ድሕሪ ምድብዳበን፣ ኣብቲ ቦታ ቃጸሎ ኣጋጢሙ።

ጋዜጣ ሳሓፋ ግምታት ተዓዘብቲ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ዜና፣ ኤርትራ ብመንገዲ እቶም እትሕብሕቦም ዘላ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝመጽእ ምርጫ ንምዝራግ ውጥን ኣለዋ ዝብል እምነት ስለዘለዋ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ኣሚቱ።    

እቲ ጋዜጣ ኣብ ናይ ኣስመራ ምንጭታቱ ተመርኵሱ ኣብ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ካብ 300-400 ሚልዮን ዶላር ንዓመት ኣታዊ ይረክብ።  ( ነቲ ካብ ዓረብ ብ google ናብ እንግሊዝ ዝተተርጎመ ዜና ከምዘለዎ ንምንባብ ንባብ ቀጽሉ)

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ደብዳብ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ከምኡ ብወግዒ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የልቦን።

ኣብዝ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ኪሎሜተር ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያድ፣ ብወግዒ ስጉምቱ ኣብ ዝኣወጀሉ ግዜ ከይተረፈ፣ ብዛዕባ ‘ቲ ሃገራዊ ጸጥታዊ ፈተነ ብጋህዲ ተዛሪብካ ንህዝብን ዓለምን ኣብ ክንዲ ምፍላጥ፣  ከም ብዓል ደሓን ጽፍዒቱ ቆርጢሙ ውርደቱ ምሕባእ ከምዝመረጸ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።

እቲ ዘሕፍር፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነዚ ኣሽንባይ ዶ ግብረመልሲ ክህብ ተተዅቡ ቂቕ ምባል ስኢኑ ዘሎ ምዉት ስርዓት “ልኡላውነት ሃገር ይሕሉ ኣለኹ” እናበለ ዝዝርግሖ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሰኒቖም እናጣቕዑ ይነብሩ ምህላዎም እዩ። ብተደጋጋሚ ግዜ ከምዝተረእየ ግን፣ ኤርትራ ተኸላኻሊ ዘይብላ ሃገር ኮይና ኣብ ጥራይ ጎልጎል እያ ተሪፋ ዘላ። እዚ ድማ ነቲ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኣብቲ መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘርኣዩዎ ጅግንነት ጎሊሑ ዝነበረ ሓበን ኤርትራውያን ዝድውን፣ ውጽኢት ፍሽለት ስርዓት ኢሳይያስ እዩ።  

እዚ ተረኽቦ’ዚ ጭቡጥ እንተደኣ ኮይኑ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ’፣  ነቲ ሃገር ክከላኸል ንዝግብኦ ዝርካቡ ሰራዊት፣ መግዛእቱ ተመንዩዎ ብቐጻሊ ዝደፍሮ ዘሎ ህዝቢ ሓይሉ ብምርኣይ ከርዕሞ መታን ኣባይቲ ኣብ ምዕናው ኣዋፊሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምግጣሙ ስግንጢራዊ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ እቲ ስርዓት ስማዊ ህላወ ጥራይ ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።  

bisha_bombed

Continue reading for the google English translation form the Sudanese Arabic newspaper – Sahafa  

Ethiopian aviation bombed gold mine for Eritrea

Asmara: Exclusive (Sahafa:  Sudans’ Newspaper)

Ethiopian air force bombed the Bisha gold mine 150 kilometres from Kailua Asmara and flames were seen rising from it.

According to our sources from Asmara that the Bisha mine for gold pour s into the Eritrean Treasury annually between 300 to 400 million dollars, which observers considered a blow to the Eritrean economy in depth?

The observers most likely reckon that the blow came as a result of the belief of Ethiopia’s that Eritrean intention to foil the upcoming Ethiopian elections untapped in the Ethiopian opposition hosted by Eritrea.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
50 COMMENTS
  • Fisehaye March 22, 2015

    Bombard him , demolish his residental
    house at Asmara , and Massawa
    then he wll understand that
    How much suffere he cause
    to the people of Eritrea.

    Fisehaye

  • Gezae March 22, 2015

    Mass of lies, evasions, folly, hatred and schizophrenia.

  • Iron man March 22, 2015

    Many Eritreans lost hope on Ethiopian gov’t on this regard that some even say Ethiopia doesn’t really want to remove shabia b/c they don’t want to help Eritrea. I have heard this from many Eritreans, but the fact is the Ethiopia gov’t badly wants shabia to be removed, and they know they can do that easily since the Eritrean people & military simply want this system gone as bad. And only reason why they choose not to in my opinion is b/c many Ethiopians would oppose any war with Eritrea and can work against them/EPRDF in many ways. This gov’t especially TPLF is blamed by many for working for Eritrea more than the country they represent, from fighting for the break away of Eritrea to the 2nd war and Isias is saying it openly this days that they are pushed for independence by TPLF and told esat tv just this month that “the border b/n Ethiopia & Eritrea is nothing and even after being separated by TPLF for all this years, the people remains units” It’s really confusing and could create a big blow to TPLF one day why they waste time arguing & defending Eritrean independence more than an Eritrean gov’t.

    BTW, I don’t believe this news is true at all. It just doesn’t make any sense. Why would they bomb a mining place? As Ethiopian, I think that it would be a big mistake if it’s true and could harm Ethiopia more than it does to shabia. It’s not a military place, what if this bomb kills people who work there?? It just doesn’t make sense.

  • ERITRAWIT March 22, 2015

    Negram sebeytey kab geza nab gorebabtey, kabew ka nab gezawtey eya tkeyed. Isaias ka toblekelek amelew eu. nezei hzbi dekew kulu zhabe ko zkede!!!!Werkey Bisha N hgdef ymlkete. Entay alena abzey botana atena nzareb wanatatew yehmemlew. kab 3 baney nmaltey 1 ko zeydgem habtey.

  • akel March 22, 2015

    Good job hgdf must go

  • merhawit March 22, 2015

    For Weyane, the tyrant in Eritrea is a god-sent adversary: no fire power, no army, no allies, no diplomacy, no domestic support. Isaias Afewerqi, what a disgraceful creature u are!! What a crippled nation u have made out of our Eritrea! !

  • Truly Truly i say to you March 22, 2015

    ዕለታዊ ውግእን ወረ ውግእን እናዘራእካ ሰላም ክእጸድ ይከኣል´ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘበት እዩ። ምክንያቱ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ “ሰብ ናይቲ ዝሓስቦ ዝዛረቦን ናይቲ ዝዘረዖን ናይ ጽልኢ ፍሬ ንዝኾነ ኲናት ክኣጽድ” የግድን ስለዝኾነ። እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ ልቦና ዘለዎ ሰብ ዝስሕቶ ዋላ እንተደይኮነ፣ እቲ ዘዛርብን ክሕሰበሉ ዝግባእ ግን ኢሳያስ ስልጣኑ ከናውሕን
    ንኤርትራ ናብቲ ዝነበረቶ ናብ ኢትዮጵያ ግዝዓት ንክጽንባር በቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ተንኮል ውዲት፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ምልካሙን ነቲ ብክንደይ መስዋእቲ ዝተረከበ ልዑላዊነት ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ሃደጋ ሸኪልዎ ምህላዉ እዩ። ንህና ነዚ ሓደጋ ተገንዚብና ብህግን ብፍትሕን ብቋዋምን ዝምእዘዝ ሕዝቢ ዝመረጾ ሕጋዊ መንግስቲ ንትከልሞ ምስ ጎረባብትና ኮነ ምስ ዓለም ብሰላም ከናብረና ዝክዕል መንገዲ ብምንዳይ ነቲ ኣሎ ትብልዎ ተጻብዖ ብስልጡን ዲፕሎማስያዊ መንገድን ብሓባራዊ ናይ ሙሉእ ሕዝቢ ተሳትፎ ክንብድሆ ንፈትን ስለዝበልና ጥራይ፣ ከምዘይሓገራውያንን ከም ዓጋሜን ተቆጺርና ክንደይ ጸርፍን ውርደትን ኣትሪፍና ኢና። እሞ እቶም ነቲ ምኽርና ኣቃሊሎም፣ ብሽም መከተ ነቲ ተንኮሎኛ ስርዓት መጋበርያ ብምኳን ዕድሜ ዘናውሑ ዘለዉ ብሓማት ብሕጂ ክንብሎም ንደሊ፣ ይትረፍ ውግዕ መጺዑ በቲ ዝትናውኸ ሓገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ብምቁራጽ ብ50 ሺሕ ዝቁጸር ሰራዊትና ናብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ኢዱ ይህብ ከምዘሎ እናተኣዘቡ፣ ውግዕ እንተተጀሚሩ ግን በየናይ ዘሎ ናይ ሰራዊት ሞራልን ኃይልን ገሮም ሃገር ከድህኑ ከምዝሓስቡ ንኣይ ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ብኣጽዋርስ ተኮነ ኢትዮጵያ ካብ ዩክሬን ዝገዛኣቶ (ይቅሬታ ኣነኳ ዝገዛኣቶ ኣይብልን እዬ፣) ግናስ ነቲ ናይ ኣሜሪካ ተልዕኮ ኣብ ሶማል ኢትዮጵያ ስለዝፈጸመቶ፣ ከምካሕሳ መግዚኢ ብዝብል ሽም ብ፭ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ቁጽሩ ኣዝዩ ብዙህ ዝኾነ ዘመናዊ ታንክታትን ዘመናኢ ነፈርትን ካልዕን ኣጽዋር የእጢቆምዋ እንከለዋ፣ ብቀንዱ ድማ ሙሉእ ናይ ምዕራባውያን ሓገዝ ከለዋ፣ እቲ ሰራዊትና በየናይ ኣጽዋርን ሞራልን እዩ ሓገሩ ከከላከል ዝሕሰብ ኣጀብ እዩ ኮይኑና ዘሎ። ከምቀደም ብኒሕናን ቅልጽምናን ከይንብል ከኣ፡ እቶም ሓገር ዘውሓሱ ተባኣት ተጋደልትን መራሕትን ደቀባት ብሜላ ከምዝሓቁ ኮይኖም ገሊኦም ብደይ ፍትሒ ተኣሲሮም ገሊዖም ጠፊዖም፣ ብሕጂ ተሪፎሞ ዘለዉ ንሕዝቢ ኤርትራ ብሜላ ንምጽናትን ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባርን ዝሓቀኑ ሓለፍቲ ካድራትን ደማሒትን እናመርሑኻ ከመይ ገርካ እዩ ሓገር ከም ቀደም ክምከት ዝከዓል?

  • Truly Truly i say to you March 22, 2015

    part 2
    ክቡራት ደቀ ሓገር! ኢሳይስ ቅድሚ ሕጂ ውግዕ ከፊቱ ነቲ ዘይተዋሓጠሉ ነጻነት ክቅልብስ ፈቲኑ ዋላዃ እንተዘይሰለጦ፣ እነሆ ሕጂ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱን ሞራሉ ሴሩ ኣብዘዳከመሉ ዕዋን፣ ምስቶም ናይ ኤርትራ ነጻነት ዘይዋሓጠሎም ሓርበኞች፣ ግንቦት 7፣ ደማሒትን ካልዖት ጉጅለታትን ምሕዝነት ብምፍጣር ነገር እናተናኮሰ ናብቲ ዘየዋጽኣና ኲናት ሸሚምና ይርከብ ኣሎ። ብሓቂ ንምዝራብ ቅድሚ ሕጂውን ናይ ኤርትራ ኢትዮጵያ ግጭት ዝተለኣለ ብናይ ኤርትራ ነጻነት ዘይተወሓጠሎም ጉጅለታት ጎስጓስ ከምዝነበረ ማንም ዝስሓት ኣይኮነን። እዞም ናይ ኢሳት (ESAT)ጋዜጠኛታት ቀረባ ግዜ ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ምስ ኢሳያስ ዝገበርዎ ቃለመጠይቅም ነዚ ሓቂ ዘብርህ እዩ ነሩ። ማለት ውግዕ ንክባራእሞ እንተተከኣለ ከምቲ ኣይተ ስብሓት ነጋ ዝበሎ፡ “ወይ ጠቅላላ ንኤርታራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ወይ ተዋሓደ ንኣሰብ ንምሓዝ እዩ እቲ ዕላማ። እዚ ስለዝኾነ ሰራዊት አርትራን ኣዘዝትን ኣብ ክንዲ ምስ ኢትዮጵያ ምዋጋእ፣ ነዚ ናይ ጥፍኣት መልዕክተኛ ዝኾነ ሂደት ጉጅለ ካብ 5 ዘይበልጹ ውልቀሰባት ቀንጺካ ሕዝብን ሓገርን ካብ ጥፍኣት ንከድሕኑ ተዝፍትኑ ብወገነይ እመርጽን እምዕድን። ኣይ ኣይፋለን ንዋጋእ ትብሉ ተዄንኩም እቲ ምርጫ ናባኹም እዩ። ግናስ ንክትፈልጥዎ ቅድሚ ሕጂ ብኢትዮጵያ መሳሪሕነት ነት ስርዓት ንምዕላይ ናይ ኣውሮፓ ሕበረት ሃሲብሉ መኺሩሉ ከምዝነበረ በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ዘይፈለጥኩም ወይ ዝዘንጋእኩም ምዝካሩ ኣገዳሲነት ስለዘለዎ ነቲ ውሳኔ
    ዝሓለፈሉ ውሳኔ ዘርእይ ቪድዮ ከም ቀደም ብቀሊሉ google ገረ ከቅርበልኩም ፈቲነ ንግዚኡ ክሰልጠኒ ስለዘይከኣለ እቶም ትኽእሉ ነቲ ቪድዮ ሕዝቢ ደጊሙ ምእንቲ ክሓስበሉ google ገርኩም ከተቅርብዎ እንትትክእሉ ጽቡቕ ነሩ። ነዚ ቪድዮ ብምርኣይ ምርጫኹም ከተስተካክሉ ደጊመ እምዕድ።

  • Semere March 22, 2015

    Issayas has crippled and weakened Eritrea. At this point of time Ethiopia is growing while Eritrea is weakening itself. Eritrea is isolated from the world and because of DIA. Weak Eritrea can not stand any invasion from the prosperous and powerful Ethiopia. Ethiopia has repeatedly invaded Eritrea and there is no any response from DIA. Eritreans do feel bad the bombing of bisha but Isyasa really doesn’t care anything about the bombardment and invasion of eritrea as long as his power is safe in asmara. The only time he feels the invasion is when his power in asmara is threatened. As for eritreans we should oppose any bombardment of Eritreans and eritrean economic resources. If ethiopia wants to help Eritreans it should stop invading and bombing sovereign nation. Ethiopia will get support from eritreans only when it targets and bombs Isayas’s palace. Definitely Ethiopia has the power to do that. Ethiopia do not want to see Isyasas leave power. Because if Isayas leaves power Eritreans will rise up and build a strong nation. Ethiopia do not want to see strong nation. they wantr to see weak and isolated Eritrea. Ethiopia is not against Isayas but against Eritrea.

  • Semere March 22, 2015

    ክቡራት ደቀ ሓገር! ኢሳይስ ቅድሚ ሕጂ ውግዕ ከፊቱ ነቲ ዘይተዋሓጠሉ ነጻነት ክቅልብስ ፈቲኑ ዋላዃ እንተዘይሰለጦ፣ እነሆ ሕጂ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱን ሞራሉ ሴሩ ኣብዘዳከመሉ ዕዋን፣ ምስቶም ናይ ኤርትራ ነጻነት ዘይዋሓጠሎም ሓርበኞች፣ ግንቦት 7፣ ደማሒትን ካልዖት ጉጅለታትን ምሕዝነት ብምፍጣር ነገር እናተናኮሰ ናብቲ ዘየዋጽኣና ኲናት ሸሚምና ይርከብ ኣሎ። ብሓቂ ንምዝራብ ቅድሚ ሕጂውን ናይ ኤርትራ ኢትዮጵያ ግጭት ዝተለኣለ ብናይ ኤርትራ ነጻነት ዘይተወሓጠሎም ጉጅለታት ጎስጓስ ከምዝነበረ ማንም ዝስሓት ኣይኮነን። እዞም ናይ ኢሳት (ESAT)ጋዜጠኛታት ቀረባ ግዜ ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ምስ ኢሳያስ ዝገበርዎ ቃለመጠይቅም ነዚ ሓቂ ዘብርህ እዩ ነሩ። ማለት ውግዕ ንክባራእሞ እንተተከኣለ ከምቲ ኣይተ ስብሓት ነጋ ዝበሎ፡ “ወይ ጠቅላላ ንኤርታራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ወይ ተዋሓደ ንኣሰብ ንምሓዝ እዩ እቲ ዕላማ። እዚ ስለዝኾነ ሰራዊት አርትራን ኣዘዝትን ኣብ ክንዲ ምስ ኢትዮጵያ ምዋጋእ፣ ነዚ ናይ ጥፍኣት መልዕክተኛ ዝኾነ ሂደት ጉጅለ ካብ 5 ዘይበልጹ ውልቀሰባት ቀንጺካ ሕዝብን ሓገርን ካብ ጥፍኣት ንከድሕኑ ተዝፍትኑ ብወገነይ እመርጽን እምዕድን።

    That is what am saying. Isayas is not eritrean and he doesn’t care about eritrea. Why would an eritrean would allay with the enemy of Eritrea such demhit genbot and arebegna gembar. Those Ethiopian political groups never accepted Eritrea as independent nation. Issayas long time dream to weaken and cripple Eritrea and reverse the Independence of Eritrea. His goal is to starve eritreans and made them them regret voting for independence.

    • Sossena March 22, 2015

      O my bro Semere u r so confused. Take one position. Let me tell u: the government led by EPRDF is commited and principled. It will not go to topple DIA to please u and your likes. If u want to know if they want to see strong and independent Eritrea then follow DIA’s interview with ESAT then review what u wrote above.

POST A COMMENT