Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነድምጾም ቃላት ንርደኦም’ዶ ?

ብዙሕ ጽሑፍ ከንብብ ከለኹን፡ርእይቶ ገለ ሰባት ክሰምዕ ከለኹ ዘተሃሳስበኒ ሕቶ ኣሎ።ንሱ ከኣ እቲ ዝዝረብ ዘሎ ቃላት ንርደኦ'ዶ ዝብል'ዩ።ፈለማ ኣብ ኅልናይ ቅልቅል ዝብል ከኣ፡እቲ ቃል ንዛረቦ'ምበር ትርጉምን ዘለዎ ሳዕቤን  ኣይንርደኦን ኢና ዝብል ምላሽ'ዩ። መብዛሕቱ ግዜ፡ንዛረቦ ናይ ባዕልና

ብዙሕ ጽሑፍ ከንብብ ከለኹን፡ርእይቶ ገለ ሰባት ክሰምዕ ከለኹ ዘተሃሳስበኒ ሕቶ ኣሎ።ንሱ ከኣ እቲ ዝዝረብ ዘሎ ቃላት ንርደኦ’ዶ ዝብል’ዩ።ፈለማ ኣብ ኅልናይ ቅልቅል ዝብል ከኣ፡እቲ ቃል ንዛረቦ’ምበር ትርጉምን ዘለዎ ሳዕቤን  ኣይንርደኦን ኢና ዝብል ምላሽ’ዩ።

መብዛሕቱ ግዜ፡ንዛረቦ ናይ ባዕልና ኣይኮነን።ናይ ባህሊ፡ካብቲ ኣረኣእያ ኅብረተሰብ ከይንወጽ እ፤ዘመን ኣምጸኦ  መ ሲሉና፡ወይ ከኣ ኣብዚ ግዜ ቃልሲ ዝማዕበሉ ከምልምዲ ንሕዞም ከኣ ዚማዕበልና መሲሉና ኢና ንጥቀመሉ።

በዚ ምዕቡል ፍልስፍና ምዕራባውያን ይኹን በቲ ኣረኣእያ ኣቦታትና፡ንኃይሊ ቃላት ተረዲእና ክንጥቀቀሎም ኣይበቓዕናን።ዘይምጥንቃቕና ብዙሓት ረቛሒታት ክንጽብጽብ ንኽእል ኢና።ካብቶም ቀንዲ ግን፡ሰውራ ይኹን ንቕሓት ተባሂሉ ካብ ዝዝረብ ንነጀው ዘጥፋኣናዮ ብዙሕ ክቡር ባህርታት ኣሎ።ነዚ ባህርታት ክንሓድግ ዝገደዱ ከኣ እቶም ን ጥቀመሎም ቃላት ኢዮም።ሳላ ውድብ ተማሂርና፡ነቒሕና ዝብሉ ነጻ ዘይኮነ ሓደስቲ ቃላት ዝነበረና ብሕታዊ ሓሳብናን ርእይቶናን ደምሲሶም ኢዮም።

ስለዚ ኩላትና ኣብዝመነ ቃልሲ ዚነበርና፡ነቶም ቃላት ፍጹም እንታይነቶም ከይተረደእና፡ከከም ዚመጹልና፡እዚ ወገናዊ’ዩ፡ስልጣን ዚተመነዩ፡ኣውራጃዊ ንብል።ኣውራጃውነት እንታይ ምኳኑ፡ኣበይ ክውቀስ ከምዘለዎ ኣይንመዝኖን። ኣብቲ ኩነታቲ ዝተፈጥሩ ዘይምስምማዕ ከኣ፡ብሰንኪ’ቶም ስልጣን ዚምነዩ ንኡስ ብርዥዋ’ምበር፡ንጥቀመሎም ቃላት ትርጉሞም ስለዘይንፈልጦም፡ኣብ ምትርጓሞም፡ኣብ ምርዳኦም ንጋገ ምንባርና ፍጹም ንርደኦ ስለዘይነበርና፡በቶም ቃላት ንርእስና ተረብሽና ብሰንኮም ማሕበራዊ ኣከያይዳ ይርበሽ።

እንተ ብምፍላጥ ወይ ብዘይምፍላጥ ነቲ ንፈልጦን ከም ዲሌትና ክንቅልሶ ንኽእል ቃላት ገዲፍና’ ዮ ኢና።ክሳብ ውሱን ቦታን ኩነታትን ጥራሕ ዚወስዱ ቃላት ኣብቒዖም፡ናብ ስቕታ ኣምሪሕና።እዚ ስቕታዚ፡ኩሉ ኣብ ርእስና ዘሎ ምትእምማን ኣጥፊኢና፡ናይ ምፍራድ ዓቕምና ተዳኺሙ፡ኩሉ ካብ ሰበ ሰልጣን፡ካብ ሓለፍትን ካልእን ስለንጽበዮ፡ንብሎ ዘይብልና ባዶታት፡ተጸበይቲ፡ተኣዘዝቲ፡ፈጸምቲ፡ተመራሕቲ’ምበር ክንመርሕ፡ክንእዝዝ ወይ ክንፈርድ ዘይንኽእል፡ ከምቲ ” ኣደ ኣበይ ኢና ንሓድር ” ኢላ ጓል ህበይ ነዲኣ ሓቲታስ፡ኣደ ከኣ ” ኣቦኺ ኣብዝበለና ” ኢላ ዝመለሸት፡ንሕና ከኣ ነታ ንውንና ሕይወትና ባረኣእያ ሓለፍትና ንመርሓ።

ሎሚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ንጥቀመሎም ቃላት ኣብቲ እንገብሮ ዘሎና ዝተመስረቱ፡ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝጸልዩ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ተሸሚቶም ተለኪዖምን ዝወሃቡና፡” መን ኮይና ኢና ንፈርዶም “ዝብሉ ቃላት መስረት ገየረ’የ።እዚ ቃልዚ፡ኣብዚ ሎሚ ቅነ መድረኽ ዝበሃሉ እኩባት ሰባት ተቐላቒሎምስ፡ንዚመጾም ተቃውሞ ን ምብዳህ ዝተጠቀምሉ ቃል’ዩ።

ኣባላት መድረኽ ነጻነት ደልዮም ብንእስነቶም በረኻ ዝወጸጹ’ዮም።ሽዑ ስሚዒቶም ተሸኪሞም’ዮም ንቃልሲ ተጸንቢሮሞ።ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ሓንጎሉ ብሓደስቲ ቃላት ተሓጺቡ፡ምሉቕሉቕ ኢሎም’ዮም፡ዝተመደበሎም ስራሕ ጀሚሮም።ንዓታቶም እቲ ኣብ ኡ ዝጸንሖም’ምበር ካብ ገዛ ሒዞሞ ዝወጹ ዋጋ ኣይሃቡዎን።ሎሚ’ውን፡ኢድካን እግርካን ርእስኻን ኩሉ ስለዝተወርሰ ዝተለኣካዮ ኢካ ትገብር፡ርእስኻ ምጥቃም ዘይከኣል’ዩ ዝብል ካብ ላዕሊ ዝመጸ ውሳነ ይኹን ፍርዲ ምስ ቃላት ክትጥቀም ዘገድድ ኣሰራርሓ ሜዳ’ዩ ኣብ መትኒታቶም ዘሎ።እዚ ስለዝኾነ ብፍላይ ኣብቲ  ክሊ ሓላፍነታት ዝጸንሓ ኣካል ብታሕታዋይ ኣካል ክፍረድ’የ ዝብል ስኽፍታ የብሉን።ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ዓመት ቃልስን፡ኣብዚ ናይ 20 ዓመት ግዜ ነጻነት፡ሕግን ስርዓትን ዘይብላ፡ፍርድን ምዕቡል ቤትፍርድን ፈራድን ዘይብላ፡ሓደ ሓጋጊ፡ፈራድን ከሳስን ዘለዋ ኤርትራ ምምስራቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጡ፡ዝኸሰና ሕጊ የለን፡ዝፈርድና ቤትፍርዲ ስለዘየለ፡ከምድላይና ክነሽካዕልል ንኽእል ብምባል፡ኣቐዲሞም ትጠቕመና ዝበሉዋ ድፋዕ፡ተቐዳዲሞም ክከላከሉዎም ናይ ዝኽእሉ ውልቀሰባትን ጡሩኑፋት ሰባት ሓንጎል ” መን ስልጣን ሂቡዎም ዝፈርዱና ” ትብል ቃል ርቕሕ ኣቢሎሞ።የዋሃት ከኣ “መን ኮይና ኢና ንፈርዶም ” ክብሉ ጀመሩ።

መበገስየይ ብዛዕባ መድረካውያን ዘይኮነ፡” መን ከይና ኢና ንፈርዶም ” ዝብል ቃል ሃደገኝነቱ ኣገሪሙኒ’የ።

ርግጽ ድዩ ንሕና ክንፈርዶም ኣይንኽእልን ?።ክንፈርዶም መሰል ይኩን ግቡእነት የብልናን ?

ንሓደ ገበነኛ ሰብ ሕጊ ብዝትግብሩ ሰባት ( ማለት ፖሊስን ) ተታሒዙ’ዩ ናብ ቤትፍርዲ ዝኸይድ።ቤትፍርዲ ከኣ ብሕጊ መሰረት ገበነና ምዃኑ እንድሕሪ ኣረጋጊጹ ይፈርዶ፡ገበነኛ እንተዘይኮይኑ ከኣ ነጻ ይሰዶ።ሰባት ብውልቆም ተጠርኒፎም ባዕሎም ሒዞም ናብ ቤትፍርድን፡ናይ ባዕሎም ዘይመንግስታዊ ይኹን ዘይሕጋዊ ፍርዲ ክህቡ ኣይክእሉን። ኣብቲ ክህልዎ ዝኽእል ብሕታዊ መሰሉ ክንትንክፎ ኣይንኽእልን።ብነጻን ብዘይስኽፍታ ክንቀሳቀስ፡ንብረቱ ይኹን ናይ ዜግነት ክብሩ ከኣ ክንትንክፈሉ ኣይግባእን።

ኣብዚ ዝሕተት ዘሎ ግን ፖለቲካዊ’ዩ።ፖለቲካ ማለት ከኣ ህዝቢ ምምሕዳር ማለትይ።ስለዚ መደረኻውያን ህዝባ ዊ ሓላፍነት ክቅበሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ክሕብሩ ደልዮም ኢዮም መድረኽ ዝብል ሽም ሒዞም መሽሽ ኢሎም።ግድን ‘ዩ፡ካብ ሕሉፍ ግርህነቱ ዝተጎድኣ ህዝቢ ከኣ፡ሕሉፍ ድሕረ ባይተኦም መርሚሩ፡ኣብቲ ጥፍኣትን ጸገምን ድዮም ኔሮም ወይስ ኣብቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝግበር ኢሉ ክመዝን ግድንዩ፡ሓላፍነቶም’ዩ ከኣ።ሳላ ሳይበር ቴክኖሎጂ ከኣ ብሓጺር ግዜ እንታይነቶም ተቐሊዑ፡ኩሉ በብዘለዎ ተቃውሞኡ ገሊጹ።

ተቃውሞ ምግላጽን ከም ገበነኛ ምኽሳስን ክልተ ናይ በበይኑ ክብደትን መምዘንን ዘለዎ’ዩ።ህዝቢ ክፈልጦም ምቅላዕን ምቅዋምን፡ነቲ ዝገብሩዎ ተበግሶ ከይስዕቦም’ምበር ፍርዲ ዝተበየነሎም ኢዮም ኣይተባህለን።ድሕረ ባይታኦም ተገምጊሙ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ይነቕፎም ኣሎ።ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ሰብ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ዕላ ማኡ፡ሕሉፍ ታሪኹ ተመዚኑ ይመርጽ ይስዕር ወይ ከኣ ይሰዓር፡እዚ ፖለቲካዊ ፍርዲ’ዩ።

ስለዚ ንሕና ከም ህዝቢ መጠን ናይ ምፍራድ ግቡእነት ኣሎና።ወዲ ሰብ ሜትሮ ( መልክዒ ) ኢዩ ይበሃል’ዩ። ብውልቀ፡ብማሕበር ዝግበር፡ኣብ ኅብረተሰብ ዝስራህን ዝግበርን።ኣዘራባታትን ኩነታት ሕይወት ይልክዕ፡ይመዝን’ዩ።እዚ ብባህሪ ዝተኦኣደሎ’ዩ።እዚ ትዕድልቲ’ዚ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ክሰርሕ ዘይምኽ ኣሉ፡ፈለማ ሕመቕና ቀጺሉ ከኣ ሕመቕ መማህራና’ዩ።ንሕና ከም ኩሎም ህዝብታት ዓለም ዚተዓደሉዎ ጽቡቕን ሕማቕን ዚተኦኣደልና ኢና።ነዚ ባ ገባቡ ተጠቂምና ክንጸብቖ ናትና ሓላፍነት’ዩ።ነዚ ባህሪያዊ ዕድል ባገባብ ክንጥቀሙሉ እንተዘይኪልና ደኣ እቲ ናይ ም ምዛን ምልካዕን ውሳነ ናይ ምሃብ ዕድላት ኣበይ ክንትግብሮ ኢና።ነዚ እንተዘይኪኢልና ከኣ ብመን ተኣሊና ክንከይድ ኢና።ስለዚ ቃላት ኩነታት ናይ ምጥምዛዝ ክእለት ዘለዎም ብርቱዓትን ሓያላትን ኢዮም።ንኣብነት ፡ኣብ ግዜ ቃልሲ ዚ ተፈጸሙ ዘይፍተው ተግባራት ንምጥምዛዝ ዝተጠቀሙ ቃላት ነረኣእያ ሰባት ጠምዚዞም’ዮም።

ስለዚ ንሕና ተመላኢ ገንኢ ዘይኮና፡ናትና ክብሪ፡ናትና ጽቡቕ ዘሎና ሰባት ኢና።ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ፍርዲ ምሃብ ናትና ሓላፍነት ስለዝኾነ ምእንቲ ረብሓኦም ክጥቀምሉና ዝጽዕሩን፡ምእንቲ ክብርና ክንቃወም ግቡእና’ዩ። ‘ዩ።ክሳብ ሎሚ ክንጓዓዘሉ ዝጸናሕና ኣገባብን ክነድምጾም ዘጸናሕና ቃላት፡ንሕና ከም ባሮት፡ስልጣን ዝሓዙ ከም ኣስራሕትን ኣዘዝትን ኮይና ጸኒሕና።ክብሉዎም ዝጸንሑ ቃላት፡ክገብሩዎን ዝጸንሑ ከኣ ንዕና ሓራ ዘይገብር፡ንዓታቶም ጥራሕ ዝከላከል ኣገባባት’ዮም ክሰርዑ ጸኒሖም።ስለዚ ክብርና ደርቢና ድሌት ካልእ ጥራሕ ክነማልእ ንጥቀመሎም ቃላት ቅድም ንርእስና ይጎድ ኡ።ቀጺሎም ንከባብና፡ቐስ እናበለ ከኣ ኅብረተሰብ ይልክም።ኣብ ኅብረተሰብ ዚ ኣተወ ሕማም ንምፉዋሱ ከቢድ ስለዝኾነ፡ቅድሚ ሕማም ምፍጣር ” መን ኮይና ኢና ንፈርዶም ” ዝብሉ ቃላትን ካልእን ካብ ሎሚ ደምሲስና ናይ ምፍራድን ሚዛና ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ክነጥሪ ኣሎና።እዚ ክእለትዚ፡ከይደለካዮ ባዕሉ ኣይመ ጽእን’ዩ።እንተደሊካዮ ግን ክቀባበለካ ይኽእል’ዩ።ምእንቲ ክቀባበለካ ከኣ ኅልናካ ኣንጺሂካ፡ጥልቕ ኢልካ ብምስትውዓል ዚመጽእ’ዩ።ነዚ ንምዕዋቱ፡ኣብ ውሽጢ ገዛ ንቕሩብ ደቓይቕ ኮፍ ኢልካ ምስ ርእስኻ ናይ ምዝራብን፡ኩነታትና ናይ ምልካዕ ባህሪ ምምዕባል የድሊ።ንበይንና ንቕሩብ ደቓይቕ ኮፍ ምባል ተጸጊምና፡ንሕወሶ ኣኼባን ናይ ሰባት ጥርኑፉነት ከኣ ንብሕታዊ ርእይቶና ክነማዕብል ዘይሕግዝ፡ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ ክን ኣቱ’ዩ ዝግድደና።ምስ ኦም ኣንተዘየጣቒዕና፡ዝበሉዎ እንተዘይደጊምና ምስ ኦም ዘየሎና ተገሚቱ ጸገማት ክመጻና ስለዝኽእል፡ከይተረደኣና ን ኣትዎ ዘሎና ምስ ከባብና ኣረዳዲኡና ሰላምና ዝረከብና ኮይኑ ተሰሚዑና ንቕጽሎ ኣገባብ እንተቋሪጽናዮ ጥራሕ’ዩ።

ብከመይ ምምጻኦም ዘይንፈልጦም፡ዝተባህለና ጥራሕ ክንገብር፡ዝሰማዕናዮ ጥራሕ ክንደግም ምድሪ እንተዓሪቡና፡ዚመጽእ መዓልቲ መዓልትና ኣይኮነን።

 

የቐንየለይ።

ተወልደመድኅን

21/02/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • daniel February 22, 2014

    silemntay tixihif aleka zibil hito dima meliso

    • ተወልደመድህን February 23, 2014

      ስለምንታይ ንጽሕፍ ከምዘሎና ንምፍላጥ ነዚ ጽሑፍዚ ምንባብ ኣጸቢቕካ የድሊ።…….ኩሉ ዝጽሕፍ ዘሎ ወልፊ ወይ ሸውሃት ናይ ምጽሃፍ ተከፊቱሉ ኣይኮነን።ፍርቂ ገጽ ክጽሕፍ ዘጥፍኦ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን።ግን ኩሉ ሓደ ብህጊ ኣለዎ።ርእይቶ ሰባት የንብብ፡ርእይቶኡ ይህብ።እዚ ከኣ እቲ ብህግደፍ ተለኪቱ ዚነበረ ርእይቶ ናይ ምልውዋጥ ኣገባብ ተሳዒሩ፡ነቲ ንሳቶም ዝብሉዎ ሃሳብ ዝቃወም ክንፈጥር ስለዘኽእል’ዩ።ሓሳብን ሰብን እንድሕሪ ተሰማሚዑ ከኣ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ገቢቱ ሒዙ ዘሎ ስሮኣት ንምዕናው የኽእል።እነሆ ተመኩሮ ካብዘለዎም ሰባት ዚመጽእ ርእይቶ ንህግደፍን መራሕቲ ህግደፍን ቆጭቆጭ ኣቢሉዎም።ስለዚ ንጽሕፍ ኣሎና፡ዝተጻሕፈ ከኣ ነንብቦ ኣሎና።ዓቕምና ንምምዕባል፡ርእይቶና ንምክፋል፡ርእይቶ ሰባት ንምስማዕ።ዘየንብብ ኣይዕንብብን ይብሉ።ስለዚ ምንሻው ናብዝወስዶ፡ኣብ ሃሳብካ ምዕጻው ዘይጠቅም ኮይኑ ምእንቲ ኣረኣእያንምግፋሕ ፈለማ ኣብ ጽሑፍ ክትለማመድ የድሊ ስለዝኾነ፡ጸሃፍ ክነንብቦ፡ንስካ ከኣ ኣንብብ ክትዕንብብ።ከምቲ ሃደ ሰብ ዝበሎ ንባዕሉ ገለ ዘይብሉ ክነሱ፡ንሳትኩም ዝጸሓፍኩሞ ዘንብብ፡ዝንበብ መኣስ ሲኢነ ዝበሎ፡ንሳትኩም ዝጸሃፍኩሞ ዘንብብ እንታይ ምስኮንኩ’የ ትብል እንተኾንካ ይፍተሓላ፡ኣነ ምስዝውቀር ሓንጎል ጥራሕየ ክዛረብ ዝደሊ።ጽሑፈየ ከኣ ነቲ ዝውቀር ጥራሕ’ዩ ዝጠቅም’ምበር ንደረቕ ኣይኮነን።ስለዚ ንጽሕፍ ኣሎና፡ምእንቲ ኢድኒድ ተተሃሂዝና ንቅድሚት ክንምርሽ።

  • Samsome February 22, 2014

    good job.

  • Zereba Seb February 22, 2014

    meshrefet Asha kemzkone bsielu yfleT

    • ተወልደመድህን February 23, 2014

      ስእለይ እንትይ ኦኣይነት ሕብሪ ሂቡኪ።ኣየ ኤርትራውያን፡ኣየ መዓል ኣካኪ ዘራፍ…..ካልእ ትብሉዎ ጨኒቑኩምስ ንስእሊ ሕብሪ ቁጢ ተውጽእሉ።እቶም ኣብ ቅድሚ ኦኣይንኹም፡ኣቶም ኣብ ጉንዲ ኣዝንኹም ዝዝረቡ ቃላት ግዳይ ዘይትልክዑ።ንቃላት ሕብሪ ኣይተውጽእሎምን።ተባሂሉ፡ተባሂሉ በቃ።እምበኣር ጽቡቕ ምስሊ ኣልዩኒ ኣይጸሃፍኩን።ስእለይ ከር ኢ ኣይኮንኩን ዝጸሃፍኩ፡ኣነ ርእይቶይ’የ ዝሃብኩ።ክሞደኪ ግን ጽቡቕ መልክዕ ዘለዎ ጥራሕ ኣይኮነን፡ጽቡቕ ዝዛረብ፡ሕማቕ ዚመልክዑ’ውን ድንቂ ዝኾነ ሓሳብ ኣለዎ።ርግጽ’ዩ፡ጽቡቕ ዝተከድነ፡ጽቡቕ ዝምገብ፡ጽብቕቲ መኪና ዘለዎ፡ጽቡቕ ንብረት ዘለዎ፡ጽቡቕ ሃላፍነት ዘለዎ በዓል ስልጣን…..ዚኣመሰለ ቅኑዕት ምኳኖም ምእማን ካብ ነዊሕ ክንጥቀመሉ ዚጸናሕና።ኣብ መትንታትና ሰሪጹ ዘሎ ኣረኣእያ’ዩ።እዚ ኣረኣኣያዚ ሒዝና ከኣ ኣነሆ ሎሚ፡ህግደፍ ዚኣከቦም በጋምኒዶ ከምድላዮም ክፍንጡሑና ክሰርሑና ንርከብ።እቶም ካብ ወዲ ሃረስታይን ሸቃላይን ተወሊዶም ብጻዕሮም ተማሂሮም ሎሚ ርእይቶኦም ወስ ዘበሉ፡በቦኦም ስለዘይፍለጡ ይነዓቑ፡ቃላቶም ኣይስማዕን።ውጺኢቱ ከኣ ኣዚ ዘሎናዮ ኩነታት ሃገርን ሕይወት ህዝብን ወሊዱ።ስለዚ ንመልክዓይ ኣይትር ኣዪ፡ነቲ ዝብሎ ጥራሕ ገምግሚ።

    • Asmeret February 23, 2014

      zereba seb how old are you? that is such a childish u need to grow up.

  • ERITRAWIT February 23, 2014

    Zereba Seb, (wela Zereba Asha).

  • Haile K. February 23, 2014

    ሓዉ ተወልደ-መድህን በቲ ዘምጻእካዮ ሞገተ፡ ባዕልኻ በቲ ተፍርሶ’ለኻ። ምፍራድ እቲ ትርጉሙ ምፍላጡ ጽቡቅ’ዩ። ከምቲ ልዕል ኢልካ ዝገለጽካ’ዩ ኸዐ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብዘይካ ሰብ ሕግን ኣብያተ ሕግን ክፈርዱ ዝኽእል የለን። ኣብ ስርዓት-ሕጊ ዝነገሶ ቦታን ግዜን እንተድኣ ሃሊና። ምናልባት እቲ ክትብሎ ደሊኻ ዘሎኻስ፡ ሓፋሽ ክሲ ምቅራብ ይከኣሎ’ዩ፡ ወይ መሰሉ እዩ ማለትካ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ንዝኾነ ናብ ህዝቢ ዝወጽኣ ሰብ፡ ክትከስስ ትኽእል ኢኻ። ክትከስስ ከሎኻ ድማ መስረጂ ወይ ጭብጢ ከተምጽእ ክትግደድ ምዃንካ ክትፈልጥ ኣሎካ። እንተ ድኣ ብሕግን ብስርዓትን ንዛረብ ኣሊና። ኣብ ድሒሪ መጋረጃ ኢንተርነት ኮንካ ግን ድልየትካ ክትጽሕፍ ትኽእል። እዚ ናይ ሕልና ጉዳይ እዩ። ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ሰብ፡ ከምቲ ዝጠቀስካዮ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ሕሉፍ ታሪኹ ተመዚኑ፡ (ተፈሪዱ?) ይምረጽ። እዚ ማለት ግን ማንም ዜጋ ከከምዝመሰሎ ስም ከጠምቆ ማለት ኣይኮነን። እቲ ስራሕ ናይቶም ዝምልከቶም ሰብ ፍርዲ’ዩ። ማንም ሰብ ንሕጊ ኣብ ኣብ ኢዱ ክጭብጥን፡ ከም ድላይ ክገብርን ክበልን መሰል የብሉን። ዝብሎ እንተለዎ ከኣ፡ ተንጠልጢሉ ንቤት ሕጊ ምስከደ፡ ክምልስ ከምዘለዎን ጭብጢ ከቅርብ ዝግደድ ንሱ እምበሪ እቲ ተከሳሲ ከመዘይኮነ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ትብሎ ዘሎኻ፡ ነቲ ብኮመድያዉያን ናይ ኪነ-ጥበብ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ናይ ፓለቲካ ሰባት ወይ ህቡባት ሰባት ዝግበር ላግጺ እንተኾይኑ ነንበይኑ እዩ። ንኣብነት መራሒ ኦባማ ቅድሚ ፕረዚደንት ሙኻኑ ምስ ጥሩፋዉያን እስላም ይሰርሕ ነይሩ ኢልካ እንተኸሰስካስ፡ እንተድኣ ደልዩ ብዃሌታኻ ኣንጠልጢሉ ኣብ ትሕቲ ምጽላም ስም (ደፋሜሽን ወይ ላይብል) ክኸሰካ ከምዝኽእል ኣይትረስዕ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ፖለቲካዊ ክሲ ደኣ እምበር፡ ፓለቲካዊ ፍርዲ ክህብ መሰል የብሉን። ምምዛን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሰባትን ፓለቲካዊ ይኹን ካልእ መርገጺታቶምን ዘሎካ ርእይቶ ክትህብ ሓርነት ኣለካ። ምስኡ እትስከሞ ሓላፍነት ከም ዘሎ ግን ኣይተዘነግዕ። ንሱ ድማ እቲ ትብሎ ሓቅነቱ ምርግጋጽ’ዩ። ንኣብነት’የ ዝብለካ፡ ተወልደመድህን ኣዉራጃዊ’ዩ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብትሕቲኡ ዝነበሩ ሰባት በዲሉ’ዩ፡ ሓላፊ እንከሎ ድማ ብዘይካ ደቂ ዓዱ ካልእ ኣይቆጽርን ሓላፍነት ድማ ኣይህብን ኢለ ከሲሰካ፡ እሞ ኣብ ሓላፍነት እንተነበርካስ፡ ወላ ጌርካዮ’ዉን እንተትነብርስ፡ ነቲ ክሲ ጭብጢ ከቅርበሉስ ኣነ ብሕጊ ይግደድ’የ። ንስኻ ኣይኮንካን ከምዘይኮንካ ጭብቲ ከተምጽእ ዘለካ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፡ ስመይ ኣኽፊኡኒ፡ ብሰንኩ ’ዉን ብዙሕ ንዋታዊ፡ ሞራላዊ፡ ይኹን ስነ-ኣእሙራዊ በደልን ክሳራን ወሪዱኒ ኢልካስ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ መድሪ ጠልጠል ከተብለኒ ትኽእል ኣብ ቤት ፍርዲ። እቲ ሽግር ግን ኣፍና ዘዝሃበና ንድርቢ፡ ምክንያቱስ ብስለቲ ጂኦግራፊካዊን ካልእን ጸገማት እቲ ሰብ ኣየረኻኽበልናን እዩ ኢልና ስለ ንኣምን። እቲ ዝገርም፡ መሊኦም ኣብ ስደት ዘለዉ መሳርሕቲ ደርጊ ዝነበሩ፡ሃገርን ህዝብን በዲሎም ዝባሃሉ፡ እቲ ኤርትራዊ ክኸሶም’ዉን ሃቂኑ ኣይፈልጥን። ግዜ ሓሊፉ ድማ ተረሲዑ። ንመድረኽ ሕቶታት ከነቅርበሎም መሰልና’ዩ። ንሳቶም ክምልሱ ድማ ጉቡኦም’ዩ። እዚ ግን ንዖዖም ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከት። ንኹሉ ደምበ ተቋዉሞን፡ ዉድብን እንኮላይ። ብግልጺ፡ ብወግዒ ኣብ ህዝቢ ንመጀመርያ ዝወጽኣት ዉድብ፡ ኣነ እዝን እዝን ዕላማይ፤ ኣባላተይ ክንድዚ እዮም፤ መራሕተይ ኩስቶን ኩስቶን እዮም፤ ካብዝን ካብዝን ከምዝን ከምዝን ክእለትን ተሞክሮን ኣለዎም፤ ኣታዊየይ ወይ ፋይናነስ ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ይረኽቦ ኢላ ቅድሚ ሕጂ ዘፋለጠትን ፍጹም የላን። ኣላ ትብለና እንተላትካ ድማ እዚኣ በለና። እሞ ሕጂ ደኣ ካብ መድረኽ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ዝጥለብ ዘሎ ስለምንታይ’ዩ። ጌሮሞ ተዝኾኑ ክንደይ ጽቡቅ ነይሩ። ኣብነት’ዉን ምስኮኑ። ስለዘይገበሩዎ ግን ክንድዚ ዱላን ዳንጎላን ስለምንታይ ይወርዶም። ሓንሳብ ርግእ ኢልና ዘይንዕዘቦም። ስለምንታይ ኩሉ ጭማራታትነ ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ተጠምዚዙ ናብኦም ቀንዐ፧ ኣይናይለባማትን። ደምበ ተቋዉሞ፡ ደምበ ዕርቅን ሓድነትን እምበር ደምበ ቅርሕንትን ሑንኩልትን ክኸዉን ኣይግባእን። እቲ ዝቀለለ ዝነበረ ተጠንቂቅካ ምዕዛቦም’ዩ። ርእይቶኻ ከኣ ብዉርዙዩን ብኽብርን ምግላጽ። ገለ ገለ ሰባትስ ተዘይዘሊፎም ተዘይተጻሪፎም ዝተቃወሙ ኣይመስሎምን። ኩሉ ሰብ ድማ ከምቲ ናቶም ኣረኣእያ እንተዘይወነነስ ተቃማዊ ወይ ደላይ ፍትሒ ኣይቆጽርዎን። ካብዚ ዝኸፍእ ድንቁርናስ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧ እንተተኻኢሉስ፡ ከምቲ ስምና፡ ደለይቲ ፍትሒ ክንከዉንስ፡ ኩሉ ሰብ ብዘየገድስ መሰል ከምዘለዎ ምፍላጥ። እቲ ሃገር ንማን ኣይርሕቆ ንማንም ኣይቀርቦ። ነዚ ዘይፈልጥ ማልያ ፍትሒ ደኣ ወድዩ እምበሪ፡ ስጋን መንፈስን ፍትሒስ የብሉን። ኩሉ በብዝመሰሎ ክቃለስ ክንገድፎ ኣለና። እንተተኻኢሉ፡ ብሓደ ክንቃለስ ምጽዓር፡ ክንቀራረብ ከይደቀስና ምሕዳር። ፍልልይና ጸርና፡ ንግዚኡ ኣወጊድና እቲ ጭራቅ ብኸመይ ይእል ምሕሳብን ዓቅምና ምዉህሃድን። እዚ ምስ ዘይኸዉን ግን ሰባት ብመንገዶም ክቃለሱ ምኽባርን ምግዳፍን። እቲ ምትሕስሳብን ናተይ ሓሳባት ይበልጽ ምባልንስ ግዚኡ ጽባሕ ዓማጺ ክንዮ ሓጹር ምስ ተደርበየዩ። ወድሓንካ።

    • Mahta February 23, 2014

      Ato Haile, Brilliant! ezgher afleteka!! We need more sensible people like you!

      • ተወልደመድህን February 23, 2014

        ይዋእ ማሕታ።ደጊመ ይዋእ ጥራሕ’የ ክብለካ ዝደሊ።ቀጺለ ኣበይናይ ኦኣለም ትነብር፡እንታይ ዓይነት ኣተሃሳስባ ከምዘለካ ከኣ ይገርምርኒ’ዩ።ኣኺሉካ ኣነ ንዝሃብኩዎ ርእይቶን ዘቕረብኩዎ ርእይቶይ እግረ እግረይ ስዒብካ ክተጸልምን ክትጸርፍ፡ንዓይ ዚወቕሱ ክትንእድ ተሕልፎ ግዜካ።ክትግደሰሎም ዝግበኣካ ቆልዑትን ስድራቤትንዶ የብልካን ኢካ።ነቶም ደቅካን ስድራቤትካን ዝከውን ዓለም ክትምስርት’ዶ ኣይትደልን ድካ።ንጽሑፈይ ተቋሽሽ ኣየናይ ንብሕታዊ ጉዳየይ ዚምልከት ጽሑፍ ሪኢኻ።ደሓን ክትቋወም ትኽእል ኢኻ።ምናልባት ካባይ ፍልይ ዝበለካ ሰብ ክትከውን ስለትኽእል።ግን ፍለጥ ዘሎካ ጽቡቕ ኦድልን ግዜን ንጽቡቕ እንተዎኣልካዮ ጽቡቕ ኣምላኽን ኦኣደቦካን ውጹዓት ሰባትን ዝፈትዩዎ ስራሕ’ዩ፡ኣነስ ኣይኮነን፡ሞራላዊ ይኹን ካልእ ናይ ምግምጋም ዓቕመይ ኦጹው’ዩ ደድሕሪ ዚጸሃፉ ከይደ ምልኻፍ’ዩ ዘፍትወለይ ካብ በልካ ሽፋ ይግበረልካ።ኣብ ዘመን ህግደፍ ካልእ ስራሕ ዘይብሎም፡ንሃደ ሰብ ክስልዩ ዝውዕሉ ዝሃድሩ ዝውርሑ ከምዘለው ጽቡቕ ገይረ ሰለዝፈልጥ ኣየገርመንን’ዩ።

        • Mahta February 23, 2014

          Dear Teweldemedhen, entay dea gyrena? I have never called you any names. It is true that i dont agree with all you opinions, but that is not personal. Sometimes i try to write my feed back but apparently someone always do it for me so neger medegegam yekoneni emo yegedefo…other than, I appologize if you feel offended by any of my opinions! No hard feelings brother!

    • ተወልደመድህን February 23, 2014

      ምምልላስ ሕማቕ’ዩ።ግን ርእይቶይ ክህበካ።እቲ ሂብካዮ ዘሎካ ሰፊሕን ገፊሕን እንተኾነ ብዓቕመይ ክምልሶ።ቅድሚ ኩሉ ነታ ኣርእስቲ ተረዳኣያ።ከምቲ ዝበልካዮ፡ኣነውን ጠቒሰዮ ዘለኹ፡…ህዝቢ ፖለቲካዊ ፍርዲ ክህቦም ግቡኡ’ዩ።ካብ ተበጊሶምሉ ዘለው ዕላማ ደው ንምባል ግን ናይ ሓደ ቤትፍርዲ ጉዳይ ኢዩ።ክወቕሶም ንዕላማኦምን ኣከያይዳኦምን ክቃወም ይኽእል ምኳኑ ገሊጸዮ ኣለኹ።….መስረጅን ወይ ጭብጢ ክትህዝ ኣሎካ ….እቲ ስራሕ ናይቶም ዝምልከቶም ሰብ ፍርዲ’ዩ። ማንም ሰብ ንሕጊ ኣብ ኣብ ኢዱ ክጭብጥን፡ ከም ድላይ ክገብርን ክበልን መሰል የብሉን።…..ግርም ሕጂ ንሕና በዚ ትብሎ ዘሎካ ተኾሊፍና ኣፍናን ኢድናን ክንህዝ ምፍርራህ’ዩ።ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ተሃቢኣካ ምባልካ፡ፍለጥ ንሕና ኣኤርትራውያን ብዘይካቲ ኣካኪ ዘራፍ ንብለሉ እንዳ ህግደፍ ኣየናይ ነጻ ዕድል ኣልዩና ወይ ኣበይ ኮይነ ክዛረብ ደሊካ።ክንደይ ኤርትራዊ ፈላጥን ፍትሃውን’ኮ ተፀቒጡ ወይ ጃፓን ተሰዲዱ’ዩ ዚነብር ዘሎ።ብዛዕባ ኣብነት ኦባማ ዘምጻኣካዮ ግርም፡ውጹዕ ኤርትራዊ ክብደል ከሎ፡ወይ ቀደም ክብደሎ ከሎ ምስነመዛዝኖ ኩነታት የለን።ሎሚ ድሕሪ ጥፍኣትን ክሳራን ክንዛረብ ምስጀመርና ግን መሰል ሰባት ክነኽብር ንግደድ፡ብሃላፍነት ትሕተተሉ ጉዳይ’ዩ…..ወዘተ ጨለ ዘረባ።…ሕጂ’ውን ነጢርካ ዘሎናዮ ኩነታት ረሲዕካ…. እትስከሞ ሓላፍነት ከም ዘሎ ግን ኣይተዘነግዕ።ግርም ሎሚ ንመድረኽ ንከሶም ዘሎና ትከላከል ኣሎካ።ርግጽ’ዩ እቶም ምስ ስሮኣት ደርጊ ኮይኖም ህዝቢ ዝብድሉ ዚነበሩ ኣኤርትራውያን ኣብ ኣኤሜሪካን ካልእን ኮይኖም ንህግደፍ የገልግሉ ኣለው፡ኣብ ቃልሲ ሰባት ዝቕንጽሉ ዚነበሩ ኣፍልቦም ነፊሖም ይከዱ’ለው።ኣዚ ህግደፍን ምስ ህግደፍ ዚተሃባበሩ ዚነበሩ ዚፈጠረዎ ሃጋፍ’ዩ።…….እሞ ሕጂ ደኣ ካብ መድረኽ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ዝጥለብ ዘሎ ስለምንታይ’ዩ..ክንድዚ ዱላን ዳንጎላን ስለምንታይ ይወርዶም……መልሱ።ንሳቶም ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ዝሰርሕ ዘሎን ክሰርሕ ዝጸንሃ ሚስጢራዊ ውድብ ኣባላት’ዮም።ብዘይካ መስፍን ሃጎስ ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳይ ተለኣኽትን ኣሳሰይትን ዚነበሩ፡ነቲ ንጥይት ግንባሩ ዚሃበ ዘይውክሉ ኢዮም።ኣብ ህግ ከኣ ንሳቶም ጥራሕ ኣይኮኑን ፈላጣታን ኪኢላታትን ዚነበሩ፡በቲ ዚነበረ ኣገባብ ዘይሕጉሳት ኮይኖም ሞራሎም ወዲቑዎም’ምበር ብዙሃት ኤርትራውያን ከምዘለው ኣይትረስዕ።…… ሓንሳብ ርግእ ኢልና ዘይንዕዘቦም…..ግርም ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ዘይብልካ ሰብ ከም ኡ ክትብል ትኽእል።ንትፈልጦም ኣብ ናይ 30 ኦኣመት ብርታዊ ቃልስን ኣብ ናይ 20 ኦኣመት ነጻነት ተዋሳኣቲ ኔሮምስ፡እቲ ኣገባብ ኣብዚ ካብ ኣውደቐና ከመይ ኢልና ክንጽበዮም።ንፈልጦም እንዲና።ፍለጥ ተጋደልቲ፡ቅድም ክሳብ ነጻነት ጥራህ ንብጻሕ ክብሉ እዞም ናይ ፖለቲካ ኪኢላታት ትብሎም ዘሎኻ፡ደድሕሪኦም ኣናሰዓቡ ኣብ ግንባር ኦኣደረሶ ዝተሰወ መራሒ፡ኣብ ወቀርቲ ዝተሰወ አ መራሂ ከቢድ ብረትን ምንባሩ ክትሰምዕ ከሎኻ እንታይ ይሕብር ምንባሩ ፍለጥ፡ኣናጻፈፍካ ምምጻኣ’ዩ።ኣብ ነጻነት ተበጺሑ፡እስከ ቅዋም ይተግበር ክብል ዘጸንሃ ከኣ፡ዘይተሃስበ ኩናት ባድመ ተወሊዑዎ ኣነሆ ኤርትራ ካብ 2001 ክሳብ ሎሚ ኣብ ዕግርግር ትረክብ።ሽዑ ኣዞም ትብሎም ዘሎካ መድረኽ ኩሎም ኔሮም’ዮም።ኣብቲ ኩናት ዝተፈጸመ ኣገባባት’ውን ብዙሃት ከምዝብሉዎ ዘህዝን ኣመራርሃ ኔሩ’ዩ፡ሽዑ’ውን መድረክ ዝበሃሉ ኩሎም ኔሮም።ስለዚ ሎሚ ለቢሞም ቀደም ግን ኣይተረደኡዎን ድዮን ኔሮም ንህግደፍ።ስለምንታይ ከኣ ገሊኦም ካብዝወጹ ኣትሒዞም ስቕ ኢሎም ጸኒሖም ሎሚ ይቀላቀሉ ኣለው።ርግጽ መድረኽ መጽዩ ኢዩ።ድሕሪ ጥፍ ኣት ኤርራውያን፡ድሕሪ ኤርትራ ካብ ዓለም ምንጻላ፡ድሕሪቲ ኣኤርትራውያን በቲ ተወቕሶ ዘሎካ ኢንተረነት ተራኺቦም ተመኩሮ ተለዋዊጦም፡ታሪኽ ኣንቢቦም በብዘለውዎ ተቃውሞ ምስማዖም፡ሳላቲ መስዋእቲ ወዲ ዓሊ ዝኾነ ምንቅስቃስ ውሽጢ፡መድረኽ ጽዕዩሎም ሰብ ተመኩሮ ኢና፡ንፈልጦ ብዙሕ ኣሎና ክብሉ ጀመሮም።ንህግደፍ ከወድቕ ዝደሊ ኣባል ህግደፍ ጽባሕ ንህግደፍ ዝገደፈላ መኦኣልቲ ስረሃት ህግደፍ ከቃልዕ ኔሩዎ።ን ኣብነት፡ወዲ ዳፋላ፡እስቲፋኖስ፡ጀነራል ተከስተ፡ኮነሬል ሕፉን…..ካልእን ክጠቕሰልካ ኣብቲ ስሮኣት ዘለዎም ቅሬታን ካልእን ብቃለመጠይቕ ኣቕሪቦም።እዚኦም ግን ገሊኦም ስቕ ኢሎም ዝጸንሑ ገሊኦም ነቲ እኩብን ጥርኑፉን ክፈናጥሁ ዝጸንሑ ናይ ህግደፍ ል ኡኻት ስለዝኮኙ፡ግዜ ከይሃብካ ክውቀሱን ፖለቲካዊ ፍርዲ ክትህበሎም ዘሸግሩ ኣይኮኑን።……ደምበ ተቋዉሞ፡ ደምበ ዕርቅን ሓድነትን እምበር ደምበ ቅርሕንትን ሑንኩልትን ክኸዉን ኣይግባእን……ግርም ኅልና ነዘለዎ ኣካል ዝበሃል’ዩ።ፖለቲካ ናይ ቅዱሳት ኣይኮነን ክብሉ ዝጸንሑ ፖለቲካውያን ግን ኣብ ሕይወቶም ዘይኮነ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኦድል ምሃብ ኣየድልን።ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካ ሓንቲ ግዜ እንድሕሪ ተጋጊካ ኣኺሉካ’ዩ።ስለምንታይ ኢሳያስ ዚመርሖ ህግደፍ ነቶም ተኣሲሮም ዘለው ተጋጊና ክብሉ ኣለዎም ዝብል።ርግጽ’ዩ ሃደ ግዜ ኣብ ፖልቲካ ጌጋኻ እንተኣሚንካ ናብ ፖለቲካ መልሲ የብልካን።ምኽንያቱ ነቲ ዝፈጸምካዮ ተመሊስካ ክትትግብሮ ኢካ።።……ርእይቶኻ ከኣ ብዉርዙዩን ብኽብርን ምግላጽ። ገለ ገለ ሰባትስ ተዘይዘሊፎም ተዘይተጻሪፎም ዝተቃወሙ ኣይመስሎምን.. ኩሉ ሰብ ድማ ከምቲ ናቶም ኣረኣእያ እንተዘይወነነስ ተቃማዊ ወይ ደላይ ፍትሒ ኣይቆጽርዎን……እዚ ጉዳይዚ እቲ ኣዞም ሰባትዚኦም ኣብ ኣኤርትራ ተኺሎም ካብዝሓለፉ ነገራት ሃደ’ዩ።ንሱ ከኣ ሰባት ብእሕሕታ ክነብርሉ ዝኽእሉ ስሮኣትን ኣገባብን’ዮም ሃኒጾም።ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ እንካን ሃባን ርእይቶ ተሃኒጹ ኔሩ ኣንተዝከውን ሎሚ፡እቲ ምክብባር፡ኣቲ ምጽውዋር ምዕቡል ምኾነ ኔሩ።ንሳቶም ግን ጸቕጢ ኣማዕቢሎም፡ጸቕጢ ሃስዩዎ ዝጸንሃ ኣካል ከኣ በቲ ዘለዎ ህማቕ ክእለት ይጽሕፍ ይወቅስ’ሞ ኣብ ገሊኡ ሃሳይን ዘላፍን’ዩ ዝኸውን።ምኽንያቱ ርግእ ኢልካ ኣብንጽሕፈሉ ኩነታት የለንን፡ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዝጽሕፍ የለን።እቲ ዝጽሕፍ ዘሎ ኣብ ስደት ዘሎ’ዩ።ናብራ ስደት ከኣ ምቁርን ጥዑምን ኣይኮነን።……ንዝዝልፉ እናወቐስካ……ካብዚ ዝኸፍእ ድንቁርናስ እንታይ ክህሉ ይኽእል…. ኢልካ’ሞ ተመሊስካ ሕሰበሉ።…..ኩሉ ሰብ ብዘየገድስ መሰል ከምዘለዎ ምፍላጥ….ኣብ ጽሑፈይ ናይ ዜግነት መሰሎም ክሕሎ፡ዘለዎም ውንነት ክሕለወሎም ዝኾነ ይኹን ቤትፍርዲ ዘይወሰኖ ክምንጥሎም ከምዘይክእል ሰፊሩ ኣሎ።።…..ኩሉ በብዝመሰሎ ክቃለስ ክንገድፎ ኣለ…ነዚ ኣይተቃወምኩን ግን ኩሉ ግዜ ንዝብሉዎ ምቅዋም ከኣ መሰል ህዝቢ’ዩ።ንተቃውሞ ህዝቢ ዘይሰምዕ ፖለቲካዊ ኣካል ከኣ ሳኦቤኑ ህዝብን ሃገርን ምክፍፋል’ዩ።…..ብሓደ ክንቃለስ ምጽዓር፡ ክንቀራረብ ከይደቀስና ምሕዳር። ፍልልይና ጸርና፡ ንግዚኡ ኣወጊድና እቲ ጭራቅ ብኸመይ ይእል ምሕሳብን ዓቅምና ምዉህሃድን….ንሳቶም ኣብዚ እዋንዚ ምቅልቃሎም ነቲ በበመዳዩ ዝቃለስ ዘሎ ተቃውሞ ንምብታን’ዩ ቀዳማይ ዕላማኦም።ድሕነት ህዝቢን ሃገርን ዘገድሶም ኣንተዝከውን፡ከምዚ ፈላላይ ዕላማ ከየውጽ ኡ ነቲ ዘሎ ምንቅስቃስ ብድሕሪት ኮይኖም ምደፍ ኡ።ንሳቶም ግን፡ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ናይ ምር ኣይ ልምዲ ስለዘለዎም፡ካብ ብድሕሪት ምኳን ብቅድሚት ኮይኖም ነገራት ከበላስው መሪጾም፡ ኣነ ብመዳየይ በዚ ይነቕፎም።ብሰንኮም ህዝቢ ክከፋፈል ፈሊጦም ጽፉፍ ፖለቲካዊ ስራሕ ዘይምስራሖም።ብመሰረቱ ንምክፍፋልና ዚመጹዮም።…….እቲ ምትሕስሳብን ናተይ ሓሳባት ይበልጽ ምባልንስ ግዚኡ ጽባሕ ዓማጺ ክንዮ ሓጹር ምስ ተደርበየዩ……እወ ኣነ ሃሳበይ ይሰማዕ ኣይበልኩን።ርእይቶይ ሂበ’የ።ንገለ ቅቡል’ዩ ገለ ክነጽግዎ ይኻሉ።ኣዚ ባህሪዚ ኣብ ኣኤርትራ ክህሉ ዘኽ ኣሎ እቲ ክሳብ ሎሚ ክንምረሃሉ ካብዚ መድረኻውያን ዚፈልጡዎ ኣሰራርሃ’ዩ።ስለዚ መድረኽ ሓደ ባህሊ፡ኣረኣእያ ህግደፍ ጥራሕ ኢዩ ቅኑዕ ዝብል ባህሊ ዘማዕበሉዎ ኢዩ።ኣብዚ ኩነታትዚ ዝዓበ ከኣ ግድንዩ ” ላም ከም መራሒታ ይበሃል “

  • Ghizie-3 February 23, 2014

    Haw T/Weldemedhin.
    Good work. Please keep it up this wonderful contribution. K.I.

  • fetahawidelina February 24, 2014

    ንብጻይካ ዓሻ ኣይትበል ፤መጽሓፍ ቅዱስ
    ንኩልና ኤርትራውያን ወለዶ ዝጸልወና ዘሎ ጽዩፍ ናይ ዘይምክብባር ምጽርራፍ ምብጫው ሃዱሽ ሓሳዪ በሓሪ ብኣጋ ወጊድና ናይ ምስምማዕን ኣዎንታዊ ነቀፌታ ምቅባል ባህሊ ዲሞክራሲ ክነማዕብል ይግበኣና ሰብ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘይዘተየ ኣብጉዳይ መን ደኣ ክዝቲ፧ ኣነ ለበዋይ ንኩላትና ሓዱሽ ወለዶ ደቂ ኤረይ ኢዩ ። ምክብባር ሕውነት ሃገራዊነትን ሓድነትን የደልድል ኢዩ ስለዚ ገለ መራሕቲ ሃይማኖትን ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣቦታትናን ኣደታትን ነዚ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ንክሳተፍዎ ብወብሳይት ኣሰናዳእቲ ዕድል ተዝወሃቦም ዝበለጸ ምሓሸ…..

POST A COMMENT