Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነዞም ኣኻልብ ኣስተባህሉሎም፡

ኣብ ዝሃልፈ ሰሙን ኣብቲ ዓገብ'ስ ንመስከረም ደኣ ኣብትሕቲ ዝብል ጽሑፈይ፡ሓደ ቆነጠጠፈ'የ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡" ነዞም ኣኽላባት ዕረቑዎም ደኣ " ብዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡ነቲ ክብሎ ዝደለ ተሪኹ ኣሎ። እቲ ታሪኽ፡ታሪኽ ኣኽላባት'ዩ።ንሳቶም ይበኣሱ'ሞ፡ባእሶም፡ንዋናታቶም፡ቀጺሉ ንስድራቤት ወሲኹ ናብ ዓዲ ከምዝለሓመ'ሞ፡ዓዲ

ኣብ ዝሃልፈ ሰሙን ኣብቲ ዓገብ’ስ ንመስከረም ደኣ ኣብትሕቲ ዝብል ጽሑፈይ፡ሓደ ቆነጠጠፈ’የ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡” ነዞም ኣኽላባት ዕረቑዎም ደኣ ” ብዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡ነቲ ክብሎ ዝደለ ተሪኹ ኣሎ።

እቲ ታሪኽ፡ታሪኽ ኣኽላባት’ዩ።ንሳቶም ይበኣሱ’ሞ፡ባእሶም፡ንዋናታቶም፡ቀጺሉ ንስድራቤት ወሲኹ ናብ ዓዲ ከምዝለሓመ’ሞ፡ዓዲ ብሁከት ከምዝተበ  ጸበጸት’ዩ ዝገልጽ።እዚ ከኣ ወልዱን መስከረምን ኣኽላባት ተቖ ጺሮም ደድሕሪኦም ደቂ ዓዲ ስዒቦም ኤርትራ ባርዕ ከይኣትዋ ብምስካፍ   ‘ዩ።

ባረኣእያ ቖንጠጠፈ ኣብ ኤርትራ ክሓስብ ዝኽእል የለን።ንሱ ሓደ ጥራሕ’ዩ ወረጃ።ግጭት ወልዱን መስከረምን ናብ ሃገር ልሒሙ ባእሲ ክፈጥር ከምዝኽእል ዝገመተ።በቲ ዚረኣናዮ ናይ ቃላት ምድርባይ ከኣ ሰባት ቅር ይብሎም’ምበር ንዑ መሰረት ገይሮም ናብ ግጭት ኪኣትው ይኽእሉ ዝብል ግምት፡ግምት ዘይብሱላት ጥራሕ’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ግጭታትን ህልቂታትን ህዝብታት፡ካብ ታሕቲ ዝተበገሰ ኣይኮነን።ኩሎም ግጭታት ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ’ዩ ዝጅመር።ንኣብነት ኣብ ደቡብ ሱዳን ንርእዮ ዘሎና ግጭት፡ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ምስቲ ፕረዝደንት ስለዝተጋጨወ’ዩ ተጀሚሩ።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይፍቶ ኩነታት ህዝቢ ዝፈጠሮ ኣይኮነን፡ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ዝሰርሖን ዝደለዮ ኩነታት’ዩ።

ስለዚ ንሕና ከም መዓል ወልዱ ይኩን ካል ኦት ንዓይ ወሲካ ናእሽቱ ኣኽላባት ንገብሮን ንጽሕፎን ኣይኮነን ክነስተውዕል ዘሎና።ናትና ጽሑፍ፡ጽሑፍ’ዩ።ኣብ ስደት ፋሕፋሕ ኢልና ስለዘሎና ከኣ ናብ ኤርትራ ተወናጪፍና ንመልሶ ጸገም የለን።እቲ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ግን ዓበይቲ ኣኽላባት ዝገብሩዎን ዝሰርሕዎን’ዩ።ህዝቢ ኤርትራ ናብ ግጭት ክኣቱ እንተኾይኑ በዞም ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ዝዋስኡ ዘለው’ዩ።እዚ ስለዝኾነ ኣነ ነዞም ኣኽላባት ኣስተውዕሉሎም ። (ስእሊ ተመልከት )

Dogs
በመሰረት’ዚ ስእሊ’ዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ሳልሳይ ዘሎ ምውጣጥ በጺሖም ኣለው።ኩሎም ናብቲ ክበልዕሉ ዝኽእሉ ጥራሕ’ዮም ዝሰሃሃቡ ዘለው ዓበይቲ ኣኽላባትና።ካብዚ ኩነታትዚ ዝብላዕ ገዲፎም ንመጻኢ ክብሉ፡ህዝቢ ኪዒቡና’ዩሞ እንታይ ንግበር ኢሎም ናብ ልዝብ ኪኣትዩ’ዮም።ድሮ ጀሚሮሞ ይህልዉ ይኾኑ’ዮም።ኣማራጺ ስለዘይብሎም ነተን ተሪፈነኦም ዘለዋ ግዜ ክብሉ፡ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክሰማምዑ ከኣ ኢዮም።ስለዚ ናብተን ናይ መወዳእታ ሓሊፎም፡ቅድም ብሃደ ኮይኖም ብጸጋም ዘሎ ሕንባሻ ክብለዑ’ዮም ንዑኡ ምስወድኡ ከኣ ናብቲ ሓደ ኬክ ክሰግሩ ኢዮም።

ንሕና መሻክን፡ከኣ ከም ቀደምና ኣይምስቲ ኣይምስቲ ተሪፋና፡ገለ ነቲ ርፍራፍ ይኹን ንጋፍ ዚኣርይሉ ዕድል ክረኽቡ’ዮም።ገለ ከኣ ከምቲ ንምሉእ ሃይወቶም ዝተጋደሉ ነደኹም ማይ ውረዱላ ተባሂሎም፡ሃገር ንህግደፍ ኣረኪቦም ናብ ስደት ዘምርሑ።ኣብ ስደት ዘሎና፡ንስደትና ክንምርቕ፡ዘይተሰደዱ ከኣ ዝህዙዎን ዝብሉዎን ጨኒቑዎም ክስደዱ’ዮም።

ስለዚ ክብራት ኣሕዋት፡ናእሽቱ ኣኽላባት ዝብሉዎ ገዲፍና እዞም ኦኣበይቲ ኣኽላባት ዝብሉዎን ዝገብሩዎን ነስተውዕለሎም።

 

የቐንየለይ፡

ተወልደመድኅን።

20/02/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Kontetefe (Berhe T.) February 22, 2014

    ሓዉ ተወልደመድህን፡ ኣነ ርእይቶይ እየ ዝሃብኩ። ሓሳበይ ስለ ዝገለጽኩ ግን ኣነ ጥራይ እየ ወረጃ ዘስምየኒ እንተድኣ ኾይኑ ንስኻ’ዉን ከምኡ ክትስመ ሙኻንካስ ኣይትዘንግዕ ድኣ። ምኽንያቱ እቲ ዝመሰለካ ስለ ዝጸሓፍካ። ደሓር ድማ እቲ ዛንታ ምስላ እዩ። ንሓደ ነገር ብጽዉጽዋይ እንተገለጽካዩ፡ ትምህርቲ ክኸዉን ደኣ እምበር፡ ነቶም ሰባት ከምቲ ኣብቲ ጽዉጽዋይ ዘለዉ እንስሳታት እዮም ምባል ማለት እዩ ኢልካ ክትሓስብስ ብኸመይ ይከኣል፧ ከምኡ ገርካ ክትርድኦ ካብ ረደኻ ግን መሰልካ’ዩ። እቲ ባህልናስ ካብ ካልኦት ዝወረሶም ይኹኑ፡ ናይ ባዕሉ፡ መበቆላዊ ዛንታትን መሃርቲ ጽዉጽዋያትንስ መሊኦሞ’ዮም። ንኣብነትስ እታ ’ቃጭል መን’ሞ ይእሰራ’ እትብል፡ ዛንታ ብድሙ ዝተሸገራ’ሞ ቃጭል ክኣስራ ዝመኸራ ኣናጹ ህብብቲ ጽዉጽዋይ’ያ። ብዙሕ ግዜ ድማ ብኸምዚ ከማኻ ዝኣመሰሉ ንፉዓት ጸሓፍትን ተንተንትን ንኹነታትና ንምግላጽ ተጠቂሞምላ። ከምኡ ስለ ዝጸሓፉ ግን ህዝቢ ወይ ተቃዉሞ ደምበስ ኣናጹ እዮም ማለት ግን ኣየስምዕን። እንታይ ድኣ ዘዐዉት ወይ ንስርዓት ህግደፍ ዓነዉ ዘብል ሓሳብን ተግባርን ደምበ ተቃዉሞ’ስ ክሳብ ሕጂ ኣይመጽኣን ከስምዕ ግን ይኽእል። ተቃዉሞ ኣናጹ ማለቱ’ዩ ጸሓፋይ ክብል ንዝደለየን ከምኡ ጌሩ ክጥምዝዞ ንዝሃረፈን ግን፡ ኩሉ ከምዝገበርካዩ ስለ ዝኾነ፡ ምንም ትብሎ የለን። ኣነ እቲ ምሳሊኣዊ ዛንታ ክጽሕፎ እንከለኹ፡ ነገራት ብነኣሽቱ እዮም ዝጅምሩ እሞ ብኣግኡ ንዕገቶም፡ ዓገብ ንበሎም ከስምዕ ደልየ’የ። ንሓደ ከልቢ ንገለ ዘይወረጃ ሙዃኑ ከርእይ’ለስ ኮታ ኣይኮነን። ንስኻ ግን ከምኡ ደኣ ረኣኻ። ገለና ፍርቃ ዘይምልእቲ ኩባያ ክንርእ ንደሊ፡ ገለና ከኣ ፍርቃ ምልእቲ። እቲ ሽግር ርኡይ እዩ ኔሩ። ኣለም መጀመርያ ንዝጸሓፎ ወልዱ ምስ መለሰሉ፡ ብዙሓት ከምዚ ከማኻ ከም ዓብየት ዝቅደዱ፡ ንኣለምን ንወልዱን ዓገብ ኢሎሞም። ብዙሓት ድማ ናይ ጸርፍን ዘለፋን መደረጋሓት ተፈናንዮም። ኣብ ገለገለስ እቲ ነቀፌታት ንወልዱን ንኣለምን ሙዃኑ ተሪፉስ፡ እቶም ርእይቶ ዝሃቡ ቲፎዞታት ነንሕድሕዶም ክዘላለፉ’ዉን ተራእዮም። እቲ ገሊኡ እሞ ኸዓ ክትሰምዖ’ዉን ዝኩርክሕ፡ ብስለት ዝጎደሎ፡ ወገናዊን ስምዒታዊን እዩ ነይሩ። ብዝሑን ግዕዝይነቱን ንምርኣይ ተመሊስካ ነቶም ልዕሊ 115 ዝኾኑ ርእይቶታት ሕልፍሕልፍ ምባል’ዩ ዘድልየካ። እዚ ጉዑዙይ ኣዘራርባታት ካብ ኩልና፡ ኣባትር ወላ ተዘይኣመዛዘዘና፡ እቲ ዝገደፎ ትምህርትን ቅርሕንትንስ ካብ ኣባትር ይገድድ። እዚ ዘየሰክፈካ ሰብ እንተኾንካ ድማ ምንም ኣይንብለካን። ገዛእቲ ሓይልታት ቀንዲ ኣተፋነንቲ ሕብረተሰባት ሙዃኖም ከምቲ ዝገለጽካዮ ዘማትእ የብሉን። ነዞም ዓበይቲ ኣኻልብ ቢልካ ዝሰመኻዮም ክንጥንቀቐሎም ምዝኽኻርካ ናይ ለባማት ገበርካ። መመኸነይታና ግን ንሱ ጥራይ ክኸዉን ከምዘይብሉስ ከዘኻኽር እፈቱ። ንዝረብሕን ዘይረብሕን ባዕልና እንፈጥሮም ፍልልያት ንህግደፍ ምልጋብ ግን ካብ ሓላፍነት ምህዳምን ነብስኻ ምቅሻሽን ጥራይ’ዩ። ኣለም ዝጸሓፎን ወልዱ ዝደገሞን ንህግደፍ ይኹን ንኻልእ ከነላግብስ መመኽነይታ ኣድጊ ሞይታ ጥራይ’ዩ። ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ፡ ኣለም ህግደፍ ልኢኾሞ እዩ ከምኡ ዝገብር ኢልና እንተሓሰብና’ዉን፡ ወልዱ ንዕዑን ንጽሕፈቱን ጥራይ ደኣ እምበር ነቡኡን ንበሓጉኡን ዘዝልፍ ኣይነበሮን። ወልዱ ኣብቲ ሓሸዉየ ናይ ኣለም ስለዝኣተወ ድማ እዚ ኹሉ መሸንበባ ጸርፍታት ካብ ኩሎም ደገፍቲ እዞም ክልተ ሰባት ተሸምቢቡ። እዚ ድማ ነቲ ጋግ ምፍልላይ ወላ ብሚሊሜትራት እንተኾነ’ዉን መሊሱ ከግፍሖ ተራእዩ። ተደላይ ድማ ኣይኮነን በዒንተይ። ንምጥቅላል፡ እቲ በኣሲ ብዓጽሚ ክልተ ኣኻልብ እዩ ዝጅመር ክብለ እንከለኹስ፡ ከምቲ ትብሎ እዞም ክልተ ሰባት ኣኻልብ’ዮም ማለት ኮታ ኣይኮነን። ወረጃን ሓሳብን ከምዚ ከማኻ ድማ የለን ማለት ኣይኮነን። እቲ መልእኽቲስ ነገራት ብነኣሽቱ እዮም ዝብገሱ’ሞ ካብ ብኣግኡ ንፈዉሶም እዩ እቲ መልእኽቲ። እዚ ኣይከዉንን እዩ በሃላይ እንተኾነካ፡ ቁሩብ ታሪኽና ኣንብቦ ጥራይ እየ ክብለካ። ዓዲ ንዓዲ፡ እንዳ ንእንዳ፡ ኣስላም ምስ ክስታን ብዘይጠቅም ነገር ዝተባእስሉን ሂወት ዝሓለፈሉን ታሪኽ ኣለና እዩ’ሞ፡ ካብ ከምኡ ክንጥንቀቅስ ብኣግኡ ምእላዮም ነገራት። ኣብ መጨረሽታ ነቲ ኣርእስቲ ተገዲስካ ከምዚ ምጽሓፍካ ከመስግነካ እፈቱ። ሕጂ ድማ ከምዚ ጌረ ምጽሓፈይ፡ ’ንሕና ጥራይ ኢና ወራዙ በሃልቲ” ከየስምየኒ ተስፋ ይገብር። ሓሳበየ እየ ዝገልጽ ዘለኹ። ጌጋ እንተለኒ ድማ ጌጋይ ክእርሞስ ምንም ዝፈርሃሉ ኣብነት የለን።

    • Mahta February 22, 2014

      Excellent!

    • ተወልደመድህን February 22, 2014

      ሰላም ቖንጠጠፈ።……..”ነዞም ኣኽላባት ዕረቑዎም ” ትብል ምስላ ካብ ዘንብብ ጀሚረ መመሊሰ’የ ዝስሕቕ ምስነቭሰይ።ምኽንያቱ ሓቅነታ ባዕለይ ዝፈልጦ ስለዝኾነ።ልክዕ ከምቲ ዝበልካዮ ጓሶት ተባኢሶም፡ዚመጽእ ናይ ኦኣድታት ባእሲ ኣጸቢቕ ይፈልጥ’የ።ወድኻ ንወደይ ወቒዑዎ ተባሂሉ ኣብ ስድራቤታት ዚመጽእ ሰሃሓቦ ጉተቶ ይፈልጥ’ዩ።……ኣዘናትዋኻ ናይ ትኩራትን ናይ መስሃቕን’ያ።ብጣዕሚ ይንእደካ።…ኣነ ክጽሕፍ ከለኹ ነቲ ናትካ ምላሽ ክህብ ኢለ ኣይኮንኩን።……..ቖንጠጠፈ ኣብ ኤርትራ ክሓስብ ዝኽእል የለን።ንሱ ሓደ ጥራሕ’ዩ ወረጃ…..ትብል ቃል ክተጉህየካ ትኽእል ትከውን።…..ስለዚ ነዛ ቃልዚኣ ከምዝጎዳእኩካ ጌርካ ትወስዳ ኣንተኾንካ…..ይቕረታ….።ኣነ ግን፡እቲ ዛንታ ግርም ከሎ፡በዚ ናይ ክልተ ግርጭት ኦኣድን ስድራቤታትን ክበኣሱ ይኽእሉ ሃገር ግን ኣብጸገም ክት ኣቱ ትኽእል ዝብል ግምት ስለዘይብለይ’የ።…….ዝኾነ ኮይኑ ኣነ ጽሒፈዮ እንድየ።ጽሑፍ ቂር ከብለና ይኽእል’ዩ።በዘን ቃላት ኣዚ አን ከኣ ከምቲ ገለ ዝገብሩዎ ክንሾናጎግ ጽቡቕ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ንሕና ክንቃለሶ ዝግበኣና ካልእ ስራሕን ካልእ ቃላትን ኣሎ።ነታ ጌጋይ ከኣ ይቅረታ።እዚ ን ኣኻ ከሐጉስ ከም ቆሎኣ ክጥብረካ ኢለ ዘይኮንኩ፡ንባዕለይ እተን ቃላት ክብለን ኣይግበኣንን፡ኢለ ስለዚኣመንኩሉ ኢዩ።…….መብዛህቱ ግዜ ጌጋ ዝርከብ፡ካብ ባህ ኣይበልን፡ሕልክን’ዩ፡ሃደሃደ ግዜ ከምዚ ናተይ ከኣ ወዝበ ኮይኑ’ዩ ዚመጽእ።ኣነ ን ኣካ ከቋሽሽ ኢለ ኣይጸሓፍኩን፡ሸተት’የ ኢለ።ሾኡ ኣንቢበዮ ደጋጊመዮ ኢየ ግን ከምዚ ዚኣመሰለ ከምጽእ ይኽእል ዝብል ግምት ኣየህደርኩን።ኣብ መወዳእታ እቲ ዘይፍተወካ ኢለየ’ሞ ብይቕረታይ ክትዓግብ ተስፋ ይገብር።….ሰላም….

  • abyssinia February 22, 2014

    Bro, this is good message, precise and useful.

  • keren February 22, 2014

    Tewoldemdehn,

    You are a man of courage and dignity. Tebarek, kemaka ibZhu krhwena!

    hawka.

  • negash February 24, 2014

    The articles are filthy. Your articles are disgusting no worth reading. I cannot finish reading them. Both Meskerem and wouldu are far more better. They are exercising their own freedom of press. I respect them more.

  • Genet-orginal February 25, 2014

    Dear Toweld?
    I think, you said those two men (Woldu and Alm)can’t create conflict between two group of people or regions. Sure they can. if one or two of them tried to insult each others back ground/family, rather than addressing the issue between two of them, they can effectively exacerbate any mild misconception to a serious problem. Every situation should be a learning experience to clear misconceptions.
    Genet-O

    • ተወልደመድህን February 26, 2014

      እሞ ባረኣእያኺስ እዛ ሃገር ተስፋ የብላን።ከምዚ ወዲ ከምዚ ሃገር ናብ ጸገም ተምርሕ እንተኾይናስ ብላሽ።እንታይ ትብሊ ጓለይ።ግን እስከ ህሰብሉ።ኣቦታትና ቀደምስ ንሕማቕ ያዕ ይብሉ’ዮም።ካን ሎሚ ዘለኹም orginal በቃ ምስሊ ኮንኩም ትየሪፍኩም ማለትዩ።የህዝን።ይወኣት እቶም ህዝቢ ኣሎና ኣናበሉ ዝሓለፉ።

POST A COMMENT