Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ንምጽላም ብሓሶት ክምስክር ዝተቐስበ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ሓድሽ ርክብ ኢርትራን ኢትዮጵን ካብ ማእሰርቲ ነጻ ተለቒቑ ሃገሩ ከምዝኸደ ተፈሊጡ።

እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ዝጠለቡ ብ 2001 ብውለመላኺ ኢሳይያስ ዝተመቚሑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ንምጽላሞም ክጥዕመሉ መታን ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ ዑቕባ ክሓቱ ፈቲኖም ከምዝነበሩ፡ ብሓሶት ክምስክር ብስርዓት ኢሳይያስ ጸቕጢ

እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ዝጠለቡ ብ 2001 ብውለመላኺ ኢሳይያስ ዝተመቚሑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ንምጽላሞም ክጥዕመሉ መታን ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ ዑቕባ ክሓቱ ፈቲኖም ከምዝነበሩ፡ ብሓሶት ክምስክር ብስርዓት ኢሳይያስ ጸቕጢ ዝተገብረሉ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ፍስሃ ዝተባህለ ትግራዋይ 17 ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ ድሕሪ ርከብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነጻ ተለቒቑ ሃገሩ ከምዝኸደ ምስኡ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ ካብ ኣስመራ ብዝብሃበና ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ፡ ሰለይቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤምባሲ መጺኦም ኢዶም ክህቡ ሓቲቶም ከምዝነበሩ ተዛረብ፡ እንተዘየለ ክንቀትለካ ኢና ምስ በሉዎ፡ `ከምኡ ዘይገበሩ `ሞ ከመይ ኢለ ከምኡ ክብል፡ ኢሉ ምስ ኣቕበጾም፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሰንበል ን17 ዓመታት ዝተኣስረ እዩ። በቶም ሰለይቲ ን 23 ዓመታት ክእሰር `ኳ እንተተፈርደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስም ሰላም ዳግም ርክብ ምስ ተገብረ ነጻ ተለቒቑ ናብ ዓዱ ከምዝኸደ ተፈሊጡ።

ሓደ ካልእ ንተመሳሳሊ ጉዳይ በቲ ስርዓት ዝተኣስረ ኢትዮጵያዊ ከምዝነበረ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ እቲ ተንበርኪኾም ምስ ኢትዮጵያ ርከብ ነይሩዎም ክብል ኣብ 2001 ዝኣለሞ ጸለመ ብናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣብ ቴለቭዥን ኣዳሚቑ ህዝቢ ንምድንጋር ዝኣለሞ ውዲት ኳ እንተፈሸሎ፡ ነቲ ሓሶት ብባዶ ሰለስተ ካብ ምዝርጋሕ ግን ከምዘይተቖጠበ ይዝከር።

ነቲ ግዳይ ንምርካቡን ንምዝርራቡን ዘካየድናዮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይሰለጠን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Zeregabir Teaghes January 21, 2019

    It is not full news. Who is Fis’ha?
    Is he Shambel Basha Fisha Tekle born and grown in Senafe and the father of three Martyrs.
    Two martyred in the Eritrea war of Independence with Shaebia, the other on the border war in Badme.