Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቲ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዘህለቐ ትራጀዲ ላምፐዱዛ ናይ ኣፍሪቃውያን ‘ሞት ኢሉ ብምንእኣስ ክሓብኦ ዝቐነየ ውዱቕ ስርዓት ኢሳይያስ ክእመነሉ ተገዲዱ።

ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንዓለም ኣስካሕኪሑ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት ልዕሊ300 ኤርትራውያን፣ ሞት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኢሉ ብምንእኣስ፣ እንተተመሰለሉ ንሰሙን መመላእታ ሓቢኡዎ ዝጸንሐ ጥስጡስ ስርዓት ኢሳይያስ፣ በቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ደም

ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንዓለም ኣስካሕኪሑ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት ልዕሊ300 ኤርትራውያን፣ ሞት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኢሉ ብምንእኣስ፣ እንተተመሰለሉ ንሰሙን መመላእታ ሓቢኡዎ ዝጸንሐ ጥስጡስ ስርዓት ኢሳይያስ፣ በቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዐ መሪር ሓዘንን ዘየቋርጽ ዋጭዋጭታ ዓለምን ተደሪኹ ከይፈተወ ተኣሚኑሉ።

እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምብትታንን ህልቂትን ኤርትራውያን ዝኾነ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣመልኪቱ ሎሚ 9 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ንብዓት ሓርገጽን ምስምስን ዝበዝሖ መግለጺ፣ “ቀዳመይቲ ተሓታቲት ናይቲ ህልቂት ኣመሪካ እያ” ክብል ክትሰምዖ ዘደንጹ ክሲ መስሪቱ።

እንተኾነ፣ እቲ ድሕሪ ሰሙን መመላእታ፣ “ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከምዝበልዎ” ኢሉ ‘መንግስታዊ’ መግለጺኡ ዝጀመረ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰንፈላል ኮይኑ ከሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ክፈልጥ ዘይፈተነን ዘይተገደሰን ስርዓት፣ እቲ ከቢድ ሓደጋ ዝያዳ ጽልእን ናዕብን ከየምጽኣሉ ስለዝሰጋአ እዩ ክዛረበሉ ተገዲዱ።

መንግስቲ ጥልያን ኣብ ጽባሕ ‘ቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጁ ኸሎ፣ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ብዛዕባ ኣብ ጎልጅ ዝተኸትባ ኣባጊዕ ዝዛረብ ዝነበረ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሕጂ መርድእ ብዙሓት ግዳያት ድሮ ናብ ስድራቤታት በጺሑ፣ ሓዘን ተፋሪቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን እንተኾነለይ ኢሉ ብሃሰሰ ለባም ዝሓንጠጦ መግለጺ ግን ፋይዳ የብሉን። ቅንጣብ ሓልዮት ዜጋታት ከምዘይብሉ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦ ተመዝጊቡ፣ እቲ ዕንወት ድሮ ተፈጺሙ እዩ።

እቲ ዓመጽን ዕንደራን ዝመለለይኡ ዝኣጎለ ምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝፈጠሮ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ነቶም ቀንዲ ግዳያት ውድቀቱ ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ተስፋ ኣቕሪጹ ናብ ኩሉ መኣዝናት ስደት ከምዝበተኖም፣ ካብ ሞት ክሃድሙ ክብሉ ድማ ናብ ሞት ይኣትዉ ከምዘለዉ ህጻናት ኤርትራ ከይተረፈ ዝፈልጡዎ መባእታዊ ፖለቲካ እዩ።

ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ዘስካሕክሕ ቅዝፈት ኤርትራውያን፣ ናይ ኣፍሪቃውያን እናበለ ንሰሙን ካብ ኤርትራ ከርሕቖ፣ ሕጂ ድማ ካልኦት ‘ውን ኣለዉ እናበሉ ክጅልሑዎ ‘ኳ እንተፈተኑ፣ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ውጻእ መዓት ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሰኑይ መደብ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ቃለመጠየቕ ከምዝሓበሩዎ፣ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ተሳፊሮም ዝነበሩ 518 ስደተኛታት 8 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ፣ 512 ኤርትራውያን እዮም።

በዚ ትማሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ዝወረደ ናይ ኣስታት 350 ኤርትራውያን ህልቂት፣ ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መድረበዳ ሰሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ቅዝፈት ኣሽሓት ዕሸላትን መንእሰያትን ኤርትራ ዝሕተቱ ኸኣ ኢሳይያስን መጋበርያኡን እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Simon October 10, 2013

    Isias and his followers generlas their children living happily. Now is the time to declare war against them. Including those people go to Eritrea and pay 2%.

  • Henok October 10, 2013

    Even though I feel sorry for the death of my fellow Eritreans, I do not blame the smugglers. They were paid by the smugglee; the immigrants PAY THEM. You do not have a family member who requested for some money because she/he found a way to Europe from Sudan via Libya? We should blame the root cause of the exoduse not the smugglers.

  • Sorobeti October 10, 2013

    When DIA and his Kisha (Hagos) heard the news of the tragic perishing of our brothers and sisters the following conversation went between them:

    ሓጎስ ክሻ፥ ኣንታ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ኣብ ላምቢዶሳ ጢሒሎም ይብልዎም ኣለዉ
    ኤሰያስ፥ እሞ ንስኻ እንታይካ ኾይኖም ኢኻ ትሓዝነሎም ዘለኻ
    ክሻ፥ ኣነ ዘሕዝነኒ ዘሎ ናይቲ ሒዘሞ ዝጣሓሉ ገንዘብ እዩ
    ኤሰያስ፥ አየናይ ገንዘብ እዩ እዚ
    ክሻ፥ ዋእ ጠፊኡካ ዶ፧ እቲ ተዓጻጺፍና ከነኽፍሎም ዝነበረና ክልተ ካብ ሚእቲ፥
    ንምሳሌ ብውሑዱ ሓደ ካብኦ ኣብ ዓመት ክልተ ሚእቲ ዩሮ ምኸፈለ ነሩ
    ኤሰያስ፥ እወ ሓቅኻ ሓምሳ ሽሕ ምኻኑ እዩ
    ክሻ፥ ናይ ሓደ ወርሒ መሻሪፍ ናይ ጀማዓና ዲምሓት ምዓጸወልና ነሩ
    ኤሰያስ፥ ግዲ የብልካን ኣብዛ ሰሙን ክንደኦም ክኸዱ እዮም።

  • Kinfe October 10, 2013

    This devil will bring many more chaos, miseries and deaths to this nation. Worst of all, he has brought a very fatal difference between us and our hgdef brothers, who are spending their lives dancing to his music and repeating every word he utters. They have given up their nationalism and patriotism to worshipping an insane dictator. Anyone who doesn’t adore this man is no more an Eritrean. Eritrea had its own share of religious and tribal differences which is settled with no damage. But the difference between between hgdefawian and the rest of the nation will have a very fatal effect for the country unless they get rid of this demon.

    • Teame Tewolde-Berhan October 10, 2013

      Shame on you Hegdefawyan……too late too little…….you have too much blood in your hands…..that will be the day when you will pay your dues…

    • Sorobeti October 10, 2013

      Brother Kinfe

      Our brothers who are worshiping the maniac dictator, has not only gave up their nationalism and patriotism they had also lost their humanity, but once the mafia regime is dismantled, they will restore their humanity so that they will start to think and feel the agony of their people.

  • sara gual eritra October 10, 2013

    nay hazenina AYEGEDOSOMN zelo kburat yehwatey
    nhade hade degeftom kitbru nmalet iyu
    ( zmotu beteseb slezelewom)
    HGDF n12 oct ab milano bzaeba zishyet
    gezawti kizarebom kotsiruwom alo

  • Pleroma Righteousness October 11, 2013

    Atta Entay’mo Kgber Eyu … Goyta Libonna Keli’ewom … Seb Zgebro Nbur Tefi’ewom….. Kabey Kmetzelom ….. Nay Arawit Libi Kulu Gzie Kem Arawit Yezarbeka… Kem Arawit Yehsibeka…. gBRI Arawit Edageberka Arawit Slezkhonka Nbur Koynu Eyu Zsm’aka…. Hji Nab Goyta Tzolotna Ne’ereg Goyta Ksem’anna N’Ertra Zkown Seb (Sebat)Kwahabuna….. Atum Sebat bejakhum Knyo Zelo Shgrna Neklb! Ember DErgi Ekhua Halifu! Ezi Ajus Gemel Ab Afefiet Wdkettu Eyu!

Post a Reply to Sorobeti Cancel Reply