Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቐለ ነቐለ ንጀነቫ ነቐለ

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ ንመርማሪ ኮሚሽን ባይቶ ውድብ ሕ/ሃገራት ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ ብመናውራ ህግደፍ ከይተደናገረ ህግደፍ ዝፈጸሞ ግፍዒ መሊኡ ከም ዝፈሰሰ ስለ ዝመስከረ ክክሓድ ዘይክእል ሓቂ ከውጽእ ስለ ዝኸኣለ ደላይ ፍትሒ ጀነቫ ውዒሉ ብሓጎስ እናዘለለ ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ በቲ ዘሕለፎ

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

ንመርማሪ ኮሚሽን ባይቶ ውድብ ሕ/ሃገራት

ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ

ብመናውራ ህግደፍ ከይተደናገረ

ህግደፍ ዝፈጸሞ ግፍዒ

መሊኡ ከም ዝፈሰሰ ስለ ዝመስከረ

ክክሓድ ዘይክእል ሓቂ ከውጽእ ስለ ዝኸኣለ

ደላይ ፍትሒ ጀነቫ ውዒሉ ብሓጎስ እናዘለለ

ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ

በቲ ዘሕለፎ ሰብራ ዜና

ድሕሪ ጸላም ብርሃን ከም ዘሎ ፈሊጥና

እናደጋገመ እናዘመረ

ክጽበዮ ዝጸንሐ ዓወት ስለ ዝኾነ

ስለ’ቲ ህዝቢ ንሙሉእ ናጽነት ተቓሊሱ

ሓርነቱ ዝተመንጠለ

ዓው ኢሉ ከልቅስ’ኳ ዝተኸልከለ

ኣብ ዓዱ ክነብር ዘይከኣለ

ነቲ ‘ብሰንኪ’ዚ ኣረመኔ

ንርብዒ ዘመን ንጠፍእ ኣለና!

መን’ዩ ዘድሕነና

መን’ዩ ሕነ ዝፈድየልና!’ እናበለ

ግን ከምቲ ‘ንመን ኣለዎስ እዝጊ ኣለዎ’ ዝተባህለ

ኢሳያስ ቀቢረዮ ዝበሎ ገበናት

መርማሪ ኮሚሽን ባይቶ ውድብ ሕ/ሃገራት

መሬት ፈንቂሉ ረኺቡ ዘርጊሒዎ ንዓለማት

ኢሳያስን ስዓብቱን ናብ ህዝቢ ዝፍፈጸሙዎ ገበናት

ኣንጻር ሰብኣዊነት

ምዃኑ ብዓለም ቤት ፍርዲ ዘሕትት

ክዕጸፍ ዘይክእል ዋላ ብ45 ሺሕ ናይ ህግደፍ ሓሶታት

 

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

23 ሰነ ንጀነቫ ክምርሽ ክደግማ’ታ ዓወት

ከርድኦም ነቶም ሓቂ ትቕበር ዝመስሎም ዓዋናት

ምሳኹም ኣለና! ክበል ነቶም ዝገለጹ ክክሓድ ዘይከኣል ጥፍኣት

ደጊሙ ከቃልሕ ክጽውዕ

ፍትሒ ንግዳያት ኣንጻር ሰብኣዊነት!

ኣይፋል ንጊላነት! እወ ንሓርነት!

እናበለ ከቕርብ ንዓለማት

ክምርሽ ንጀነቫ ንዳግማይ ዓወት

ከቃልዕ ነዚ መሬት ዝኸደነ ናይ ህዝቢ ጥፍኣት

ስለዚ ህግደፍ ኣብ ዘበለ እንተበለ

ንጹሓት ዝስውር ዘጥፍእ ምዃኑ ብዓለም ይለለ

ብገበኑ ክሕተት ክፍለ

 

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

ከጸናንዕ ብጓሂ ንዝተረመሰ ዝሓዘነ

መርድእ ገዛ ተረሖ ስለ ዝኾነ

መን ንመን ከርድእ ስለ ዘይከኣለ ስለ ዝጸገመ

መናድቕ ኣስመራ ብቃል ሓዘን ስለ ዝመልአ

ህዝቢ ስለ ዝቖሰለ ዝሓመመ

 

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

ከበስር ከም ዘሎ ኣውያት ሕጋዊ ኣካል

‘ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪ ኮሚሽን’ ዝብሃል

ንህዝቢ ዝሕለቕ

ጭቡጥ ሰነዳት ገፋዕቲ ብምቕራብ

ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቕዩ ንዓመታት

ናብ ዓለም ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝጠልብ

 

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

ክነግር ነቶም ‘ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ!

ዝብሉ ‘ናብ ልብኹም ተመለሱ!

ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምኩሞ ጌጋ ይኣኽለኩም

23 ሰነ ጀነቫ ተረኺብኩም

ክሓሱ ንዝበደልኩሞ ህዝብኹም

ተጠንቀቑ ከኣ ህግደፍ በታ ሰራም ብልሓቱ ከይሕዘኩም!

21 ሰነ እያ እናበለ ከየጋግየኩም

ከምዛ ትሰምዑዋ ተጸይቓ’ያ ናይ ህግደፍ ወረቐት

ክውሕጦም ቀሪቡ’ዩ ንዓመታት ዝፈጸሙዎ ጥፍኣት

የዕለብጡ’ዮም ዘለዉ ናይ ዓቕሊ ጽበት

ስለዚ መዋጽኦ ድለዩ ከይልክሙኹም ብጸልማት!’ እናበለ

 

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ

ደጊሙ ከቃልሕ ክጽውዕ

ፍትሒ ንግዳያት ኣንጻር ሰብኣዊነት!

ኣይፋል ንጊላነት! እወ ንሓርነት!

እናበለ መጸዋዕታ ከቕርብ ንዓለማት

ክምርሽ ንጀነቫ ንዳግማይ ዓወት

ከቃልዕ ነዚ መሬት ዝኸደነ ናይ ህዝቢ ጥፍኣት

ህግደፍ ኣብ ዘበለ እንተበለ

ንጹሓት ዝስውር ዘጥፍእ ምዃኑ ብዓለም ይለለ

ብገበኑ ክሕተት ክፍለ

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 17 ሰነ 2016

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • yemane June 20, 2016

    So happy feeling good, dictator president that think as he is the top of the low , now he knows as there is a low that put him down , so happy to see him down in my life time.

Post a Reply to yemane Cancel Reply