Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትፈልጦ ዶ? – 4ይ ክፋል ቅዋም

ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክትከታተሉ ዝቐነኹም፡ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እንታይነት ቅዋም፡/Constitution/ ምስ ሕግታትን /Laws/ ኣገባባትን፡/Rules/ ብፍላይ ከኣ ገለ ኣምር ግቡኣትን መሰላትን ዜጋ ሒዝኩም ክትኮኑ እትስፎ። ከምቲ ዝተበሃሃልናዮ እምበኣር ምስ ተመኩሮታትኩም ብምዝማድ እዛ ቅዋም ተተግቢራ እንተትነብርን፡ ብዘይምትግባራ ዝ

ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክትከታተሉ ዝቐነኹም፡ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እንታይነት ቅዋም፡/Constitution/ ምስ ሕግታትን /Laws/ ኣገባባትን፡/Rules/ ብፍላይ ከኣ ገለ ኣምር ግቡኣትን መሰላትን ዜጋ ሒዝኩም ክትኮኑ እትስፎ። ከምቲ ዝተበሃሃልናዮ እምበኣር ምስ ተመኩሮታትኩም ብምዝማድ እዛ ቅዋም ተተግቢራ እንተትነብርን፡ ብዘይምትግባራ ዝ ሰዓበ ክሳራን መኽሰባትን ብፍላይ ከኣ ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋን ከተገማድሑ ክኢልኩም እመስለኒ።ብወገነይ’ውን ካብ ጽሑፍን መንፈስን ቅዋም ተበጊሰ ርኢቶይ እንሆ።

ዓንቀጽ 14፤ 1፡ 2፡ 3፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ማዕርነት ደቂ ሰባት እዩ ዝዛረብ። ሓደ ልቡ ክፍንጫሕ ዝደለየ በዓል ግዜ ካድረ ኣብ ቀድሜኹም ተገቲሩ “ፈጣሪኻ ዘየመዓራረየካስ መን እዩ ከመዓራርየካ“? ኢሉ እንተደኣ ተደናዲንኩም፡ ብጽልግልገታ ግዜ ነብሱ ልዕሊ ኩሉ ምዃና ተነጊራቶ ስለዘላ ማዕርነት ማለትኩም ኣይክርድኦን ኢዩ። ብዝተረፈ ማዕርነት ብቛንቛ ህግደፍ ፕረፖጋነዳ እምበር ዕላማ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እምበርከ መሰል ዝገፍፍን ዝግፈፈላን ሃገር፡ ወዲሰብ ከመይኢሉ ክመዓራረ ትሓስቡ? በመትከል’ቲ ሰልፊ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቱ ጥራይ አዩ ማዕረ።

“ሓለዋ ሰውራ ኣትዩ“ ኢለ ዝጸየርኩዎ ሰብ ሎሚ ሳላ ግዜ እንክዝክሮ፡ ሓርበኛ ተስዓ ካብ ምኢቲ ብዝተሸርሓሉ ፖ ለቲካዊ ገበን ክእሰር እንከሎ፡ ሞራሉ መታን ክርትም ክብል፡ ብጉልባብ ማዕርነት ደቂሰባት ምስ ሰብ ደም፡ ምስ ፈ ጸምቲ ግናይ ስነምግባር፡ ምስ ምሩዃት ወተሃደራት ኢዮም ዘመዓራርይዎ። እሱር ልምዱ ኮይኑ ወይ ተገሪሁ ንኣሰ ርቱ በታ ተራ ናይ ዕላማ መተኣሳሰሪት “ብጻይ“ እትብል ቃል እንተጸዊዑ እትወሃቦ መልሲ“ ብጻይካ ኣናዲ“ ኢያ በ ቃ። ካብታ ዝተኣሰረላ ሰዓት እቲኣ ካብ መንበረ ቀዳማይ ደረጃ ተጋዳላይነት /ብጻይነት/ ከምእተሰናበተ ይፈልጥ ነ ይሩ እሱር። ዋላ ጸኒዑ ኣብቲ ቃልሲ እንተቐጸለ ሓንሳብ ስለዝኸርደደ ከም ትጽቢት ካድራት ከምዓባቕ ማንቲለ ስ
ለዝጽየን ቀራቢ ኣይነበሮን። ክሳብ ሕጂ ቀንዲ ጥበብ ፈላሊኻ ግዛእ ኮይኑ እንሆ። በሉ ማአዕርነት ማለትናስ እቲ ዝተነፍገና መሰረታዊ መሰላት ደቂሰባት ጥራይ ማለትና ኢዩ ።

ዓንቀጽ 15፤ 16፤ ሓቂ ይኹን ኣይኹን “ኣብ መቕርበይ ብዘይግቡእ ማእሰርትን ቅትለትን ተፈጺሙ፡ ናጽነተይ ተገፊ ፈ“ ዝብል ጥርዓን ማእለያ የብሉን። ከሳብ ክሃድም ተታሒዙ፡ ሽዑ ኣብ ኮንተይነር ተኣስሩ እንከሎ ገለ ሕማም መጺኣ መንኪላቶስ ኢሎሙኒ። ሬሳኡ ሓቲትሉ ከብቅዕ “ሓርበኛ “ ኢሎም ብዘይድላየይ ባዕላቶም ክቀብርዎ ከሊኦሙ ኒ. . . ። እንተበለስ ኣበይ ይጠርዕ? መጥርዒ የለን፡፡ እንተኣልዩ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኢዩ። ንከይሕተት ኢዩኮ ድንጋገ ህጹጽ ኩነታት ኣውጁ። ወሳኺ ንኣብነት፡ብሕጊ እተወሰነ ግቡእ ዝፈጸመ ዜጋ ናጻ ክኸውን ምተገብአ። ኪኖኡ ብኣ ካል ይኹን ብማል ዝግበር ወፈያ ወይ ኣብ ሰራዊት ብደሞዝካ ምቕጻል ውዴታ እምበር ግዴታ ክኸውን ኣይምተገ ብአን። ከምኡ ስለዝኮነ ኢዩ እምበኣር ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዓምዲ ኣገልግሎት ናብ ዓምዲ ጊላነት ተሰጋጊሩ ተባሂሉ ዝጥራዓሉ ዘሎ። እቲ ደረት ዘይብሉ ሃዳምነት እምበኣር ወዝቢ ኣይመጸን። ተግባራትካ ብምሽፋን ሲ.ኣይ.ኤ ኣ ታሊልዎምዶ፡ ዘልኣለማዊ ኣገልግሎት ጥሒሶምዶ ዝብል ጽውጽዋይ ደጊም ተጋሊጹ ኢዩ። ኣእዳዎም ነዊሕ ብምዃ ኑ ኸኣ መናገፊ ህይወት ዝኽፈል ገንዘብ ተኸፊሉ ክንሱ ከምጽላሎት ደድሕሪ ሰብ እናሰዓብካ ንዝተገብረ ነውሪ ምቅላዕ ተጀሚሩ እምበር መዓስ ተዛዚሙ! መሸጣ ኣካላት መንእሰይ’ውን እምበኣር ወዝቢ ኣይመጸን።ንግዚኡ ሕጂ ብማሽነሪ ብእገዳ ክጉልበብ ይፍተን ኣሎ። ሀ………..እ፡ ገና ገና ጉዳትና ርእስና ከድንነና ኢዩ።

ዓንቀጽ 17፤ ኣይኣዝዝ እምበር፡ ኣብዛ ብሰላምነታ እትድነቕ ሃገርና ወፊርኩም ብሰላማ ገዛኹም ክትምለሱ እናተመነ ኹም፡ ዓ/ 17፤ 1፡ ተጣሒሱ ብዘይትፈለጥዎ ዱቦላ ኣብትሕቲ ቀይዲ’ቲ ስርዓት እንተትኣትዉ እንታይ ምበልኩም? ከምቲ ልሙድ ቤተ ሰብኩም ብግዳም፡ ግዳይ ድማ ብውሽጢ ቅንዕናኹም ንርእሱ ኣበር ምዃኑ ከይፈለጥኩም ስለ ምንታይነት መእሰሪኹም ምሓተትኩም። ዓ/ 17፤ 3፡ ተጣሒሱ መልሲ ዘየለ ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሰንዲኹ ም ትም እንተትኸውን ከ? ፍሉጥ ኢዩ ሽዑ’ውን ደጋጊምኩም ምሓተትኩም። ዓ/ 17፤ 5 ተረጊጹ በሂወትኩም ዘላግጽ መልእኽተኛ ጸዊዑ ፍትሒ እናተጸበኹም ንሱ ግን “ ያእ ኣነ ብዛዕባኻ/ኺ ዝፈልጦ የብለይን፡ ብሓደራ እየ ሒዘካ/ኪ ዘለኹ“ ተባሂሉ እንተዝምለሰልኩምከ? ዓ/ 17፤ 5፡ 6፡ ዝሃበኹም መሰል ደሪኽኩም ዳግማይ ምስሓተትኩምሓልዮት ብዝመስል ውሕሉል ህሹኽታ ናይቲ ዝራኸበኩም ከኣ ንበዓል እከለ ክትረኽብዎም፡ ባዕልኹም ስለዘይሰል ጠኩም ብቤተሰብ ኣቢልካ እከለታት ተረኺቦም ክሱስ ዝፈጸሞ ገበን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ግን ምእንቲ ቤተሰብ፡ ምእንቲ ፍትሒ ያኢ ኣሸላሳል ተገይሩ ተባሂሉ ኣድጊ ዘይትኽእሎ ጽዕነት ገንዘብ ተኸፊሉ ክትወጹ ትኽእሉ። መሸም በትሪ ሓቂ ኣይትስበርን ኢያ። ሓቀኛ ከኣ ኣይድቅስን ኢዩ’ሞ ነታ ጸባብ ግዜ ተባሂሉዃ ገንዘብ ይከፈልእምበር፡ ነብሱ/ሳ ብዓ/ 17፤ 7 ንጹህ ምዃኑ/ና ብምትእምማን ነየናይ በደል ጉቦ ከምዝተኸፈለሉ ከተጻርዩ ብመሰል ዓ/ 17፤8 ሸንኮለል መስርሕ ይግባይ ምተኣትወ። ግን መን ከሳሲ፡ እንታይ ዓይነት ክሲ፡ ኣበየናይ ቤት ፍርዲኸ? እቲ ፈንጠርጠር ንርእሱ ካልእ መከራ ከምዘስዕብ ብዝርደኣኩም መገዲ መልእኽቲ ከምዝበጽሓኩም ኣየጠራጥርን። ሓድሽ ክስኹም ንኣብነት ድሮ ጉቦ ስለዘብላዕኩምም ብቐንዱ እቲ ኣይብሓሳብኩም ኣይብመልሓስኩም እተወንጀልኩሞ ጠቐነ ድማ ኣብዝባንኩም ስለዝተሰመረ እንታይ ምግባር? ሓደ ሓቂ ኣሎ። ዝለመደ ኣይከደቅሰኩምን እንድዩ፡ ዳግማይ ከኣ ኣብ ፈተነ ከይተኣትወ ስለድሕነት ህይወት ካብታ ሃገር ክትወጹ ክትግደዱ ኢኹም። ሽዑ ነተን ብመን ግስታዊ ሽፍትነት ዝመሓደራ ሕቱማት ላንድክሩዘራት ክትከፍሉወን ኣለኩም። ኣብ ሱዳን ንዝጸንሕኩም ልኡኻት ክ ትከፍሉ ኣለኩም። ኣብ ሲና ምስዝሰዓበኩም’ሞ ከኣ ክትምልጠጡ ኣለኩም። ከምዕድልኩም ኢዩ ሽዑ፡ ወይብገንዘ ብ ወይ ብውሽጣዊ ኣካልኩም። እዚ ኢዩ ህግደፋዊ መስርሕ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት። እቲ ኣውራ ዝገርም በዚ ጸቢብ ፈተና ዝሓለፈ መንእሰይ ኣብ ርሒብ ቦታ ምስበጽሐ ብስም “ናብራኦም ከመሓይሹ ሃዲሞም “ ተባሂሉ ተመ ስሪሑ ዝተነግሮም ዝንቡዕ ምኽንያት ነቲ ፖለቲካዊ ሃዳምነቶም ክንዲ ብብቕዓት ዝምክትሉ፡ ዳግማይ ብመድፈና ቀተልቶም ተጎቢጦም ኣብመኣዲ ህግደፍ ከቢቦም ከመሳምሱ እንከለዉ ምርኣይ ኢዩ።

ዓንቀጽ 18፤ መሰል ብሕትና በቲ ካልእ ወገኑ ሕቶ ናጻነት እንድዩ፡ እዚ’ውን ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ስርዓት እንተፈት ዩ ከስርረካ፡ እንተጸሊኡ ክቖጽየካ፡ ትረፍ ንዝርአ ዝስማዕሲ ኣብ ኣእምሮኻ ንትሓስቦ ከይተረፈ ክቆጻጸር ስለዝሕል ን፡ እዚ ዓንቀጽ እዚ እውን ንፉግ ኢዩ። ጥሕሳ ብሕትና ኣብ ቃልሲ እንከለና ኢዩ ብስም ዝተፈላለየ ንድሕነት ብዝ ምልከት ሓረጋት ተጀሚሩ። ብምሒር ኣምልኾ ድማ ሰብ ተቐቢልዎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ መበቆል ዓድኻ ዘይምጥይ ያቕ፡ ሓላፊኻ ዘይፈልጦ ውልቀ- ደብዳበ ዘይምስዳድን ዘይምቅባልን። ሎሚኽ? ካልእሲ ኩሉ’ሞ ንግደፍ፡ እቲ ንም ዕባለ ሃገር ስለዘገድስ ናጻ ክግደፍ ዝነበሮ ዜጋ ብረሃጹ ዘምጽኦ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከይተረፈ ከም መርዛም ተተዃሲ ስለዝተኣገደ፡ “ሕቡእ ገንዘብ ከይኣቱ“ ብዝብል ምኽኒት ካብ ወጻኢ ሃገር ንዝኣቱ ደብዳበታት፡ ጻውዒት ተሌፎንን ኢንተርኔትን ከምዝፍትሽ መጠን፡ ብሕትና ጥሑስን ዘይሕሰብን ኢዩ።

ዓንቀጽ 19ን፤ 20ን፡ ከምርኢቶይ እዚ ክፋል ቅዋም’ዚ ገለ ካብቲ ኣብታ በረኻዊት ፕሮግራምና ብንጹር ዝሰፈረን ኣብ ኣተገባብራኡ ከኣ ንካሕዳይ ምሒር ዘጃጀወ ክፋል ኢዩ ። ንበል ባዛዕባ ሃይማኖት፡ “እምነት ናይ ውልቂ፡ሃገር ግና ናይ ሓባር“ ኢዩ ነይሩ መርገጽና። ብመትከል ድማ ጸረ ሃገራዊ ረብሓታት ንዘይከዳ ሃይማኖታት፡/ ጀሆባ ከይተረፈ/ ዝግበር ተጽዕኖ ኣይነበረን። ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ካብ ተጽዕኖ ሃይማኖት ናጻ /Secular/ ምኻኑ ኢዩ ተገሊጹ። ብጉልባብ ሃገራዊ ረብሓታት ድማ ተጠቃሚ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ክኸውንሲ ክኢሉ ኢዩ። እሺ ጽቡቕ ምበልና። ኣብ ጸግዒ ህግደፍ ዘዝተሰለፈ ሃይማኖት ከኣ ሽግር የብሉን። ጸገም ዝመጸ ኣብ ሃይማኖት ተጸጊዑ ንእኪት ተግባራት ብሃይማኖታው መንፈሳውን መዳያት ባሌህታኡ ንዘስመዐ ሰዓቢ ዝኾነት ሃይማኖት ግን ብሽፋን ሃይማኖ ት ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ስለዘይብሉ፡ ብኣልማማ ክቕፍድ ይርአ እንሆ። ንምዃኑ ሃይማኖተኛ ኣብ ጉዳይ ሃገር ክዋሳእ የብሉን ድዩ? ፖለቲከኛኸ ሃይማኖት ክህልዎ የብሉን ድዩ? ኢልኩም ኣይትሕመሙ። ዓለማዊ ተመኩሮና ኣይወሓደ ን። ኣብ 1968 ዝተቐንጸለ ንመሰል ጸለምቲ ዝተቓለሰ ጸሊም ኣመሪካዊ ዶክተር ማርቲን ሉተርከምኣብነት ከነቐድም ንኽእል ኢና። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ደዝሞን ቱቱ ከነስዕብ ንኽእል። ቲበታዊ ተቓላሳይን ካልኦት መሻይኽን ክንውስኽ ንኽእል። ኣብ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት፡ ብጉልባብ ሃይማኖት ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ህዝቢ ኣስሚሮም ንሓንቲ ኤርትራ ዘቃለሱ ኣይነበሩናን ድዮም? /መጽሓፍ ኣይንፈላለ/ ኣብ ግዜ ሰውራ ብዓድን ብበረኻን ንናጽነት ዝተዋደቑን ገና ንመሰል ዝቃለሱ ዘለዉን ጳጳሳት ኮኑ መሻይኻት የለዉን ድዮም? ትማሊ ብጥሕሳ መሰል ባሌህታኦም ንዘስምዑ ዝተፈጸመ መድጎንቲ ረሲዕናዮ ዲና? እቲ ኣብ ጥፍኣት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ እተገብረ ስርዓተ-ፍትሓት ዝተፈነወ ቅዱስ ምሕጽንታ ናይቶም ኣብስደት ዝርከቡ ክቡር ጳጳስከ ተጎስዩ ድዩ? ጉድለት የለን ክንብል ኣይንኽእልን። ነየናይ ዓንቀጽ ቁዋም ጥሒሶም፡ በየናይ ሕጊኸ ይቕጽዑ? ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ።

ብዛዕባ ሓበሬታ ንዝመጸ ሎሚሎሚ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ስለዝማዕበለ ዝኾነ ስብ ብናጻ ሓበሬታ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ ከምሕልና ገዛኢና ግዳ ካብ ቀንዲ መከላኸሊ ንብሱ ዝሓስቦ ሓበሬታ ምኽላእ ኢዩ። ገና ብእግሪ ተኽሊ’ተን ተበጋጊሰንዝነበራ ጋዜጣታት ተሰናቢዱ ዝፈጸሞ ጥሕሳ መሰል ሓበሬታ ከኣ ተመዝጊቡ ኣሎ። እንተ’ቲ ማሕበራት፡ ማሕበ ራዊ ጥምረታት፡ናጽነት ምንቅስቓስ፡ መሰል ውድድርን ምርጫን . . . ዝበሃል፡ቃልሲ ዘድልዮ ሕሩም ጉዳይ ኢዩ። ዋላዃ ንፕረፖጋንዳ“ ሰብ ዓዱ ክበጽሕ ዝኸልከሎ የለን፡ በዓል ተኪአ ቀሺ ከይተረፈ ኣስመራ ኣትም ተመሊሶም“ እናተባህለ እንተተጎስጎሰ፡ ግደፍዶ ኣበረኛስ ዘይኣበሰ’ውን ትርገጽ ኣይኮነትን ሃገርና።ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ።ኣብ ህግደፍ
ኣባልነቱ ዘዘሐደሰ ታሪኹ ብዘየገድስ ኣሕለን ዎሳህለን ባቃ!

ዓንቀጽ 21 ፤ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ፡ ባህላዊ መሰላት ንዝምልከት፡፡ ኤርትራ ከም ሓንቲ ሕብረ ብሔራዊት ሃገር፡ ህዝባ ንብሱ መሲሉ ከነብር፡ መበቆላዊ መንነቱ ከይጸንትን ሃገራዊ ፖለቲካዊ እጃሙ ክንጸር ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓድነት ፍሉይነቱ ከተግብር ኣይተዓደለን። እዚዝኾነሉ ኸኣ ሰብ ፈተዎ ጸልኦ ሂወቱ ኣብቲ ዝደለዮ ዘይኮነስ ኣብቲ
ዝተቐረበሉ ዕድላት ጠራይ ስለዝቕየድ ኢዩ።

ዓንቀጽ 22 ፤ ከምቲ ኣብ ቁ/ 1 ናይዛ ምዕራፍ ብንጹር ቀሪቡ ዘሎ፡መሰረት ሕብረተሰብ ስድራ ምዃና ዘይሰማማዕ የለን። ተጻባኢ ስድራ ድማ ተኾዲምልና ኣሎ። መሸም “ ሰብኣይን ሰበይትን እንተተባኢሶም’ውን ብሰንኪ ኤርትራ ኢዩ ክብሉና ኢዮም“ ክበሃል ተሰሚዑ ኣሎ። ሰራቕ ሞባእ ድማ ብኸምኡ እዩ ዝለፋለፍ። ርሑቕ ከይከድናን ሓቂ ንምዝራብን ሎሚ ኣብዛ ውሽጥና ስድራ ትበሃል ወሊዳ እትስዕም ደቃ ተጣይስ ኣሃዱ ዳርጋ የላን። ስድራ ንምምስራት ካብ መሰረታት ስድራ ኣትሒዝካ ክዝረበሉ ይከኣል። ንበል ብጽኑሕ ንምዝራብ ብእጃም ወዲተባዕታይ ክንዛረብ። ኣብ ንቡር ኩነታት ሓደ ክንዲሰብ ዝኣኸለ በጽሒ ቅድመ-ምድላዋት ሓዳሩ ካብ ዘድልዮ ቀንዲ ገንዘብ ኢዩ። እንተ ተማሂሩ፡እንተሓሪሱ፡ ነዲቑ ሸቂሉ ገንዘብን ንብረትን /ኣውራ’ዃተመርዕዩ ዝኣትዋ ቤት/ ከጥሪ ኣለዎ። እሞ ሎሚ ሓደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሓዳር ብቑዕ ድዩ? ግዜ ኣዚዝዎ ዓለማዊ ኩነታት ድርኺት ከምዘለዎ ርዱእ ይኹን’በር፡ እቲ ኣውራ ጸላኢ ስድራ እኮ እቲ ዘሎ ምሕደራና ኢዩ። ስራሕ ዝፈጥር ምንግስቲ፡ ስራሕ ዝፈጥራ ብሕታውያን ኩባንያታት ንኽይህልዋ ስለዝተደለየ እንድዩ’ዚ ዘይዛዘም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይፍታሕ ጸጥታዊ ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ።

ከምርዱእ እታ ስድራ ተጎናኒጻ እንተተመስረተት’ውን ኣገልግሎት ንመርዓ ስለዘይተዳለወ ነገር ሓድሽ መተርኣስ ማሪኽዎ ከየዕጠጢ፡ ገለ ዝረኣዮ ሽግራት ክፈትሕ ከየዕነኒ ድሮ ትሑዝ ብምዃኑ መርዓቱ ብጸኒሕ ምስስድራኡ ኣጸ ጊዕዋ ናብ ኣሃዱኡ ክምርቀፍ ኣለዎ። በጽሒ መርዓት ድማ ብጽሕቲ ወርሒ ትኾነሉ መዓልቲ ክንደየናይ ከይርሕቕ። እሞ ናበራ ሰለስተ ትውልዲ ኣብሓንቲ ጸባብ ገዛኸ ንመኖም ትጥዕም ንመኖም ተፋቕር? መን ኢዩኸ ናይ ከምዚ ዓ ይነት ጸገም ሓላፍነት ክስከም ዘለዎ? ተኣኪብና ናይ ሩባን ኩርባን ክንዛረብ እንከለና ዝመስሎ እስከከካፍለኩም።

መሽም ስድራ እንተኢልናስ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝህሉ ጥምረት መሰረት ሕብረተሰብ ማለትና እንድዩ፡ ብቀንዱ ከኣ መሰል ብሕትና ኢዩ። ምምራሕ ስድራ ከኣ ኣባታዊ ሓላፍነት ከምዝነበረ ርዱእ ኮይኑ ኣብዚ ተኣፋፊ ዘመን ብፍላይ ከኣ ኣብን ድሕርን ቃሊሲ ሰውራ ኤርትራ ግን ምስ ምንቁልቛል ስልጣን ሰብኣይ ህላወ ሓዳር ከኣ ደኺ ሙ ይርአ ኣሎ። እቲ ብሰንከልከል ሓዳር ዝመስረተ ሰብኣይ ዋሕስነት ናብራኡ ተዘሚቱ ኢዱ ምስጠወየ ንቡር ጠፊ እዎ። ስለዚ መርዓት ዝጎደላ ሳናቲም ክትምእርር ቆልዓ ሓዚላ ግዳም ትወጽእ። ሽዑ ኩሉ ከጋጥማ ይኽእል፡፡ ኣውራ ዃ ጕንፊ ሃማደኤ። እናተወደቐ ተተንስአ፡ እናተደመየ ተነብዐ ግዜ ይበርር። ጠባይ ከኣ ይቕየር። ሰብኣይ ድማ ስነ ስርዓት ከንግስ ይዋጠጥ። ስድራ ንክትሰርር ስምምዕ ክልቲኦም ከምዘድልዩ ሓቂ ኮይኑ ቀይዲ ድማ መሰረታዊ ኢዩ ግንከ ስምምዕ ክልተ እንተዘይተረኸበ ከኣ ሎሚ ሳላ ምዕቡል ፖለቲካ ሃማደኤ ልዕልና ድቂ ተባዕትዮ ተኸርቲሙ ኢዩ ይበሃል ኣሎ። እታ ብስም ሃማደኤ ካብ ገዝኣ ብዒዳ እትውዕል ኣደ ብስም ማዕርነትን መሰልን ሄዋነይቲ ኣጋንንቲ ስለ ዝስቀሉዋን፡ካልእ ተወሳኺ ረኽብታት ድማ ስለዝህሉን ገዛ ምስመጽአት ብናይ ልቓሕ ቃላት ኣብ ክሳድ ክሳ ድ ስለእትጸንሕ ፡እዚ ድማ ብሓፈሻ ንኩላ ስድራ ብፋላይ ንኣቦ ስለዘይጥዕም ጠንቂ ፍርሰት ዝበዝሐ ሓዳር ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ። ባዕላተን እተን ብመስርሕ ሃማደኤ ዝሓለፋ ዓበይቲ መራሕቲ ከምዝብልኦ’ውን፡ ዋላዃ ይመርዓዋ ይደርዓዋ ግን እቲ ዘኽለፍልፍ ዝንቡዕ ክልሰሓሳብ ጠንቂ ዕንወት ሓዳር ስለዘይተርፍ ኣይዳግማይ መርዓ ቆልዓ፡ ኣይንቡር ኣይሓዳር ባዶ ብምትራፈን እናሓደራ ዘዝጎሃያ ክዛረባሉ ይስማዓ። እቲ ጠንቂ ድማ ፍሉጥ ኢዩ።ከምርዱእ እታ ስድራ ተጎናኒጻ እንተተመስረተት’ውን ቀንዲ ስእነት ውሕስነት ናብራ ዝንቡዕ ምሕደራ ምዃኑ ዝዀነ ዝተረኽበ ዝምስክሮ ኢዩ። ዝበዝሐ ሰብ ዳህሲስዎ ከምዘሎ ነባርነት ህግደፍ ክረጋገጽ ወዲኤርትራ ክሰማማዕ የብሉን። እታ መባእታን መሰረታዊትን ሕመረት ሓድነት ዝኾነት ስድራ ትግደየሉ ምኽንያት ለካ ወዝቢ ኣይኮነትን። ንዝኮነ ወዲ ተባዕታይ እታ ወሳኒትን ተኣፋፊትን ኣካሉ ሓዳሩ ኢያ። ንዕዑ ከተንበርክኽ ስርጢጥ ኣቲኻ ሰበይቱ እንተኣንፊጽካያ ዓወት ማለት ንሱ ኢዩ። ኮነ ኢልካ ብዝግበር ተንኮል እታ ብኽለት ኣፍ ስለእትረኽብ ጉልሒንጣ እትዕምብበሉ ኣጋጣሚ ሽዑ ኢዩ። እታ ስድራ እንተርኢናያ ንኣብነት፡ ኣደ ሰብኣያን ስድራኣን ረጥሪጣ ናብ ማሕበራ ትሽሕሻሕ። መንእሰያት ድማ ናብ ማሕበሮም። ሰብኣይ’ውን ፈተወ ጸልአ ናብ ኣገልግሎቱ፡ እንተዘየሎ ኣብ ዕጹው ገዛ ዝግበር ስለዘየለ ክዛውን ይውዕል። ኣብቲ ዘዝዋዓልዎ እንታይ ተማሂሮም ይመጹ? ኣደ እንተለቢማ ምስ ኣቦ ኮይና ቀትሪ ቀትሪ ዝቐነኑ ውሉዳት ለይተለይቲ ከቕንዕዎም ምተጋደሉ። ኣደ እንተዘንቢዓኸ? ናይቶም ንኣሽቱስ ዝኾነ ምኾነ፡ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ግና ሰላም ኣይርአን።ብዙሓት ከምዝሰማምዑሉ፡ ብዙሕ እዋን ዝስማዕ ጣቛ ኣሎ። ደቂ ኣን ስትዮ ሳላ ምህሮ ማዕርነት ሰማይ ከምእተሰቓላ፡ ቀደም ተነፊግወን ዝነበረ መሰል ተረኺቡስ ውሻጠ ተሳጊረን ከም ቶም ፍንጫሕ መሰንገልኦም ከናድዩ ጽርግያ ዝወረዱ እሳተን ድማ ፡ናይ መኖም ፍንጫሕ ምዃነን ከናድያ ከምድላየ ን ከምዝሕምብጣ ኢዩ እቲ ምዕባለ ሎሚዘመን። “ሕራይ፡ የመሓድራና እምበር እንታይ ጸገም ኣልይና“ ምበልና። ምኽንያቱ ክሳብ ክንድኡ ሰማይ ከምእተሰቕላ ዝምስክሩ እንተኣልዮም ዒራ ኣብ ገገዛና ሓሓንቲ በጺሐናና ኣለዋ!! እሞ ንመሰል ደቂኣንስትዮ ድኣ ቀደምዶ ኣይሓይሽን፡ ዝብል ርኢቶ ዝጉህረሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ኢዩ። ምኽንያቱ ሕግታትና ስለዝጠፍኣና እንተዘይኮይኑ፡ ኩልናኮ ደቂ’ታ መሰል ዘይነበራ ትስመ ኣደ ኢና። ኣዴና ሓዳር ክትገብር፡ ደቃ ከተዕቢ፡ ሓዳራ ክትኣሊ ኣይተጸገመትን። ኣብ ሕጊ እንዳባ ሃገርና ተወከሱ እንተዘይፈለጥኩም ። ብሓጺሩ ግን ሽዑ ጓለንስተይቲ ብውግዒ፡ ራሕስን ዋሕስን ከምእትምርዖ ርግጸኛ ትኸውን ነይራ። ወዲተባዕታይ’ውን ብስሉም ዳስ ዝበሓታ መርዓቱ መቀረት’ውን ይረኽበላ ነይሩ። ከምገለ እንተዘይተመቓቐሩኸ? ናቱ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ንሳ ከኣ ምስጢራ ንንፋስ ኣይትህብን። ብኢደዋኒና ገዝኣ ገዲፋ ኣይትወጽእን። “ስድራይ ጸውዓለይ“ ኢላ ብኣገባብን ሕጊ ሓዳ ርን ጉዳያ ይርአ። “ብነብሰይ እየ“ ዝበለት ጓለንስተይቲ ብዘይዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ጠለባ ተፈጻምነት ነይርዎ ።ካልእ በደላትውን ካሕሳን ጣዕሳን ስለዝህሉ ሕማቕ ንፋስ ተሰጋሪ ኢዩ ነይሩ። ሎሚኸ፡ እቲ ብዘይፍቓዳ ዘይእቶ ዝነበረ ሕዙእ ውሻጠኣን ማህጸናን ብልጋብያ ባህልን መብጽዓን ተዓሻሽያ ስለዘጋለጸቶ ኣፍደገኡ ኩሉ ሓሊፍዎስ ስልጣና ከኣ ተጣሒሱ ። እሞ ወዲተባዕታይ ኣብ ጽርግያ ዝጸንሐት ጓለንስተይቲ ተጠቂሙ ኣብ ጐደናኣ እንተገደፋስ ተጋጉዩዶ?

ገለ ካብቲ እነዕልሎ ሓኸለ ሃጠውቀጠው ዶ ክውስኸኩም? መሸም ብስልጡን ፖለቲካ ቀንዲ መሰረት ልዕልና ወዲ ተባዕታይ፡ብሕትና ቁጠባ ናይታ ስድራ ኢዩ ተባሂልና ኣለና። እንተኾነ ሰብኣይ ንገንዘብ ሓዳር ክምስርተሉ፡ ነታ ካልኣይቱ ድማ ኣብ ንብረቱ በዓልቲ ፈረቓኡ ገይሩ ኣብ ህይወቱ የማሕብራ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዕላማን ህይወትን ንዝ ህሉ ጎርፈጥፈጥ ወግዑ ኣለዎ። ጓለንስተይቲ ቁጠባዊ ስልጣን እንተትጭብጥከ እንታይ ምገበረት? ርግጽ ደቃ ወሊዳ ከምእተዕቢ ሓቂ ኢዩ። ብመንጽር’ቲ ብሕቱውን ተሰራቕን ጠመተኣ ግና ብገንዘባ ሰብኣይ ተመርዕያ ሓዳር ክትገብር ን ከተማሕብሮን ኣይስልጣናን ኣይዕላማኣን ኢዩ። ኣይትምርዖን ማለተይ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ኪኖ ቤሎን ስእልን ዝሓልፍ ኣይኮነን። በሉ ቁጠባ እንተሰሊጥዋ፡ ኣውራ ከኣ ኣእምሮኣ ከይበሰለ ሕሹኽታ ፖለቲካ እንተነፊስዋ ዊንታ ሓዳር’ውን የብላን፡፡ ቀደሙ’ውንኮ ንሳ ብዕላማ ኣይተፈጥረትን። ኣዳም ጀልኣብኣብ ክብል ምስረኣዮ ኢዩ ኣባጅጎ ሓደ ራ ሂቡ ፈጢርዋ። ንሳ ግን እምነት ስለዘጥፍአት ተሰካሚት ስሕታንን ሳዕቤናቱን ድማ ኢያ። ምልእቲ ስለዘይኮነት ከኣ ሓገዝን ቀይድን ክህልዋ ኣለዎ፡፡ እንተዘየሎ ከም ኣዳመ-ሳምሶም፡ ከም ናፖሊዮነ እንድዒ ካልኦት’ውን ኣገዳዳዕ ን ኣጠላላምን ከይመጽእ ወግዕን ባህልን ክጠፍእ የብሉን ኢና ክንብል ንውዕል። እዚ ግን ሃጠውቀጠው እንድዩ፡ ንሳተን ድማ እንተዘይዕሸዋ ፡ ናብ ንቡር እንተዝምለሳ ምሓሸ። ንሕና ከኣ ኣይነበላሽወለን። ደቂኣንስትዮ እኮ ዝያዳ ይበልሓ። ሓቂ ንምዝራብ ተባዕታይ ዝገብሮ ሕዳር’ውን እኮ ዩለን። እቲ ተባሃጊ ምዉቕ ሓዳር መርኣያ ናይታ ብልጽቲ ጓለንስተይቲ እምበር መንፈዓት ሰብኣያ መዓስ ኮይኑ። ሰበይቲ እንድያስ ንሰብኣያ ስረ ተፍትሖን ተዕጥቖን። እንተኾነ ሎሚ ዘመን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ሓዳር ይበርስ ኣሎ። ንሳተን ድማ ተዓሽየን፡ “ ኣይ፡ ዘንብረኒ እየ ዘይረ ክብ እምበር ሰብኣይ ዶ ከይስእን እየ? ኣኽላባት“። ኮይኑ መዛዘሚኡ። ሓራይ ኣኽላባት ኢና ምበልናየን። ግና ናተን ገዲዱ፡ ነቲ ከልብስ ንእሽቶ ቁራስን ስጋን እናሰንደወት ነብሳ፡ ገዝኣን ጥሪታን እትከላኸል ሄዋነይቲ ምዃን ስኢነን ዘመናውያን ደቂኣንስትዮ!! ንኸልቢ ድኣ ብበትሪ መዓስ ተንበርክኾ?

በሉ ዕላል ቤላብሎ ይኣክል። እዚኩሉ ልፍለፋ እንታይ ኣምጽኦ እንተኢልኩም ግን፡ ባህልናን ወግዕናን ምስግዜ ብዝመሳሰል፡ ከምንከኣኣል ነክኽውን፡ እዚ ብሕጓ ተተሓቢኡ ንብርሰትናን ብታነናን ዓሊሙ ነንሕድሕድና ዝበታትነና ንዘሎ ጸላኢ ብመሰረት ቅዋምና ንድሕነት ስድራቤት ክንቃለስ እዩ መልእኽቱ።

ኣብ ዛዛሚ ርኢቶ ቅዋም የራኽበና።

ጎደፋ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT