Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትፈልጦዶ?ሕግታት ኣገዛዝኣ።4ይ ክፋል

ትፈልጦዶ?ሕግታት ኣገዛዝኣ።4ይ ክፋል    16-06-14። Robert Greene on his 48 laws of power: 'I'm not evil – I'm a realist'“ኣነ ተንኮለኛ (ክፉእ) ኣይኮንኩን - ኣነ ሓቀኛ(ውዱዕ) እየ’”። ብ1959 ኣብ ኣመሪካ ካሊፎርኒያ ዝተወልደ ጸሓፍን ተመራማርን ሮበርት ግሪን ገና ብሂወቱ

ትፈልጦዶ?ሕግታት ኣገዛዝኣ።4ይ ክፋል    16-06-14።

Robert Greene on his 48 laws of power: ‘I’m not evil – I’m a realist’“ኣነ ተንኮለኛ (ክፉእ) ኣይኮንኩን – ኣነ ሓቀኛ(ውዱዕ) እየ’”።

ብ1959 ኣብ ኣመሪካ ካሊፎርኒያ ዝተወልደ ጸሓፍን ተመራማርን ሮበርት ግሪን ገና ብሂወቱ ኣሎ። ንሱ ነዛ 48 ናይ ኣገዛዝኣ ዓንቀጻት “ሕግታት ስልጣን”፡ (laws of power) ትብል መጽሓፉ ክደርስ ካብ ዝደረኽዎ ቀንዲ ነገራት ልክዕ ከምቲ ናይ ማኪያቬሊ ናይ ሰብ ባህሪ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። ብመግለጺ’ዞም ፈላስፋታት ባህሪ ወዲ-ሰብ ምጽናዕ ንዓይነት ኣገዛዝኣኡ ወሳኒ እምነ-ኩርናዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ፕረሲደንት ኢሳይያስ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ስለዝፈለጦ ኢዩ ብጥበብ መላኽ-መለኽቲ ዝመታትረና ዘሎ። ምናልባሽ ገሌኦም’ውን እንተ ሓሓንሳእ፡ እንተ ንሓዋሩ ንወዲ-ሰብሲ (ብፍላይ ንኤርትራዊ) ከምኡ ከምዝግብኦ ክምነይሉ ይስምዑ። ብዝኾነ ኩሎም መለኽትን እቶም ምልኪ ተወናውኖም ዘላን ዘይምልስዋ ሕቶን ዝሓፍሩላ መዓልትን ኣላ። እቲ እዞም ዘልኣለማውያን ዝምነይዎ ኣገዛዝኣኦም እምበር ዓለም ናይ ባዕላ መስ ርሕ ከምዘለዋ እናፈለጥዎ ክሳብ ዝድሰቑ ኣይኣምኑሉን ኢዮም። ካብ ዘይኣመኑ ድማ ዝተገብረ እንተተገብረ ናይታ ናይ ኩሉ ግዜ ውርደቶም ትዛዘመላ ዘልኣለማዊት ናይ ሕፍረትን ውርደትን ካባ ከምዝጉምጎሙዋ ምንም ዘጠራጥር የብሉን።

ፈላስፋታት ነዚ ናይ ኣገዛዝኣ ብልሓታት ከምሓደ ማኑዋል ከዳልዉ እንከለዉ ገዛእቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ስላዕ ንዓና ነዞም ድኹማን ኣህዛብ ብቐሊሉ ደም ክሳብ ነጉስዕ ይስልቑና እነዉ ። ኩሉ እንካብኮነ መንኢዩ ገዛኢ? መንከ ተገዛኢ? ንምምላስ ምስዝድለ’ውን ብቐዳምነት መንነትካ ምፍላጥ ወሳኒ’ዩ። እቲ ዝገርም ነገር ግና ተጠቀምቲ ናይዚ ናይ ምዕራብ ፍልስፍና ዝያዳ መራሕቲ ናይቲ ሰብ ብሰብ ከይምዝመዝ ዝሕለቑን ዝተጋደሉንምዃኖም ኢዩ። ንሱ ቀቀሊሉ፡ ነገር ረብሓ ኮይኑስ ኣብ ሓደ መንግስቲ ከምፖሊሲ ዝስራሓሉ ጥበብ ምሕደራ ክርአ እንከሎ ምእማኑ ዘጸግም ዕማም ናይቶም ክቡርን ውሳኒ እጃምንዘለዎም ሰባት ክዓጅበና ይኽእል። ናይተን ብዴስነት ዝሓለፋን ገና ህዝበን ዘሽቆጥቑጣ ዘለዋን ገዲፍና ንምዕራብ ምስእንጥምት ንኣብነት ክልቲአን ሰልፍታት ኣመሪካ ንረብሓ ህዝበንንዓለምን ከምዝሰርሓ ኢየን ዝገልጻ። መብዛሕትኡ እዋን ግን ሪፖፕሊካን ዝያዳ ተጓነጽትን ዓደምቲ ኲናትን ከምዝኾኑ ይግለጽ። ኣብውሽጢ’ቲ መንግስቲ’ውን ገለ ኮሚተታት ከምዘለዋኦም ይንገር። ኮሚተታት ፈጠርትንፈታሕትን ሽግር። ዕማማት ኮሚተ ፈጠርቲ ሽግር ኩሉሳዕ ካብ ህዝቢ ክምስጠርን፡ ሞያኦምን መደብ ስርሖምን ኮነ ንርእሳቶም’ውን ክስወሩን ኣለዎም። እቶም ፈታሕቲ ሽግር ግን ‘በየን ከምዝመጸ’ ንዘይፈለጥዎ ጸገም ክፈትሑ ዕንክሊል (ሓርኮትኮት) ይብሉ። ወዮ መከረኛ ህዝቢ ድማ ገሊኡንዲሞክራትስ፡ ገለ’ውንንሪፖብሊካንከም ሓቀኛ ፈተውቱን፡ ፈታሕቲ ሽግሩን ስለዝቖጽሮም ምስኣታቶም ክውግን ይስትውዓል።

ንሳቶምስ ነናቶም ብልሓታት ኣለዎም። መራሒና ድማ ‘እዛ ዓለም ሓሳዊት ምዃና’ ቀዲምና ስለዝፈለጣ’ ዩ ምሳና ከምዘይወ ፈረን ከምሓደ ‘ፈላጥ ሰውራዊ’ከምዘይመደረን “ዲሞክራሲ ኣበየናይ ዓለም ርኢኹም” ክብል ዝተሰልበጠና። ብምዃኑ ሰልፊ ህግደፍ ብብሕቱ ኣልፋን ኦሜጋን ናይ ሃገርናን ህዝባን ተጸብጸበ። ኪኖኡ ካልእ ፖለቲካ ዘዝሓሰበ ዜጋ ህግደፍ ኣብ ዘይበጽሖ ናብካልእ ዓለም ክኸይድ ኣዚዙንዝተረፍና ቅዋም ክሰርሓልና ኣተስፍዩ ክረሚያ (ኡክረይን) ምዃዱስ ንጣቛ ዶኾን ይኸውን?

ብወገነይ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዓለም ኤርትራን ኤርትራውያንን እንተዘይተራእየቶ ፍጹም ኣይተጋገየን። ናይ ሎሚኡ ጥራይ ዘይኮነስ ብዓንተቦኡ’ውን ኣይነበሮን እምበር። ብኡ እንተዘይተሰማሚዕና ካብ ሓደ ብተረ-ፍመረፍ ውልቀ-ምልካዊ ባህርያት ዝሳሓግ ዘሎ ዕሩብ ሕልና ሰብከ ብዘይካ ኣቃጫጭ እንታይ ዝኣመሰልዎ ‘ወርቃዊ ቃላት’ ትጽበዩ?

ዝኾነ ኮይኑ ኩሉ’ቲ ናይዞም ተመራመርቲ ናይ ኣገዛዝኣ ሕግታት ተወራራሲ ኢዩ። ኣብ ዓድና ዘይተገብረን ዘይተፈተነን ጸይቂ ብዘይምህላዉ፡ ነብሲ-ወከፍ ተገዳሲ ከንብቦ እንከሎ ከምተረካቢ መጠን ዝጓየዩዎ ጭብጢ ኣብነታት ማእለያ የብሎምን።ስለ’ቲ ንሱ ኣነ ብዛዕባ ኩሎም ክዛረብ ኣይደልን ኣይከኣለንን’ውን። ከምቲ ናይ ማኪያቬሊ ድማ ገለ ቁሩብ ቅንጫቦ ካብ ሕጋጋት ኣገዛዝኣ ሮበርት ግሪን እነዋለ’ሞ ኣብዝመጽእ እዋን ብዛዕባአን ከነውግዕ ኢና። ንስኻትኩም ድማ ምስኣተን ቀንዩ።

ሓበሬታ፡ ንምንታይ ዓላማ’ዩ እዚ ሕግታት ገዛእቲ ምቕራብ? ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ከምተን ካልኦት ክፍልታትና ካብ ተመኩሮታት ዓለም ጉቡእ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ከምዘዕጠቐና መጠን፡ ሓመድ ሃገሩ ዝተሓረመ ስዉእ ሚኒስተር ዜና ናይዝጊ ክ ፍሉ’ውን ብፍላይ ነዚ ናይ እኪት መጻሕፍቲ እናተርጎመ ንመራሒና የዕጥቖ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮና ኢዩ። ንነገሩ ዋላ’ዃ ነብሲሄር ነቲ ምንቅስቓስ በታ “መንካዕ” ትብል ቃል እንተጠመቖን ቀዳማይ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ እንተተባህለን፡ ከምሓቂ ግን ቀዳሞት ጀመርቲ ሓለዋ ሰውራ’ሞ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ስዉእ ጀነራል ውጩን ከምዝነበሩ ዝፈልጡ ኣለዉ። ኢሳይያስ ከምመርማሪ፡ ዉጩ ከምመጋቢ። ሽዑ ኢሳይያስ ካብ ዝነበሮ ሕቡእ ኣጀንዳን ነብሰ-ምንኣኣስን ተበጊሱ ከምተመሃራይ ግብረ-እከይ መጠን ዘይገበሮ ነገር ከምዘይነበረ ይዝረብ ኢዩ። ብሂወት ዝተረፉ እንተ ኣልዮም ክሳብ ኣፋቶም ተኸፊቱ ታሪኽ ናይቶም ሸውዓተ ብሉጻት ብጾት ብርሃነ ኣፍሮ(ወዲ ንጽህቲ) ዘዕልሉና ናብ ናይዝጊ ክመልሰኩም።

ናይዝጊ መጻሕፍቲ ምስተመኩሮ ሃገርና እናኣዛመደ ተርጒሙ ዘረከበ በሊሕ ተርጓሚመጽሓፈ-ገዛእቲ ነበረ። ሽዑ ገዛእትና ንምምካት ብልሓት ኣገዛዝኣኦም ምፍላጥ ጽቡቕ ምዃኑ ተኣሚንሉ ነበረ። ሎሚ ወያ በትሪ ብኢድ መራሒናክሳውድና ምስኣ ንጠረትና ድማ እቶም ብሂወት ዘለና በዓል ኣልደመልዲ ታሪኽ ምስግጋሩ ግቡእና ኮይኑ ከምቲ ሞያ ወሓላሉ ልዕሊ ምትርጓ ም መራሒና ብኸመይ ጥበብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ንምብራህ ክንፍትኖ ቅኑዕን እዋናውን ስለዝመሰለኒ ኢየ።ንቐጽል እስከ፡-

1፣ሕጊ 1፡ ንመራሒኻ ወይ ሓለቓኻ ክትበልጾ ፈጺምካ ኣይትሕሰብ። Never outshine the master.

2፤ሕጊ 2፤ ንኣዕሩኽትኻ ብዙሕ እምነት ኣይተሕድረሎም፡ ንጸላእትኻ ከመይ ከምትጥቀመሎም ተማሃር።  Nevere put too much trust in Friends. Learn how to use Enemies.

3፣ሕጊ 6፡ ዝተኸፍለ ይከፈሎ ተቐባልነት (ተኣማንነት) ክትረክብ ጸዓር። Court attention at all cost.

4፣ ሕጊ 7፡ እቲ ስራሕ ካልኦት ይስርሕዎ፡ እቲ ምስጋና ንስኻ ሕፈሶ። Get others to do the work for you, but alwa ys take the credit.

5፣ ሕጊ 11፡ ሰባት ጽግዕተኛታትካ ከምዝኾኑ ክትገብር ተመሃር።  Learn to keep people dependent on you.      

6፣ ሕጊ 14፡ ከምፈታዊ ተጸጋዕ፡ ከምሰላይ ስራሕ። Post as a friend, work as a spy.

7፣ ሕጊ 15፡ ጸላእትኻ ፈጺምካ(ካብሱሮም) ኣጥፋኣዮም። Crush your Enemy Totally.

8፣ ሕጊ 29፡ ኩሉ ጉዕዞኻ ክሳብ መወዳእታ ውጥኖ። Plan All the way to the End.

9፤ ሕጊ 42፡ ንጓሳ ዓምጾ(ቀርስሞ፡ጨልግሞ)፡ መጓሰ ክብተና ኢየን። Strike the shepherd and the sheep will scatter.

10፤ ሕጊ 43፡ ብናይ ካልኦት ልብን ኣእምሮን ስራሕ:: work on the hearts and minds of others.

ኦይ! ክንደይከ ክንብሎ? ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ ሎሚ ካብ ሕግታት ገዛእቲ’ዃ እንተዘይተናገፍና፡ ግን ሓንቲ መዓልቲ ኣላ ፡ ስድራ ልዕልን ትሕትን መሬት(እሱራት)፡ ናይ ዓድን ስግርን፡ ቅሩብን ርሑቕን፡ እስላመ-ክርስትያናይ፡ ደገታይ ቆለታይ………. ተጠራኒፍና በሰላናን ጉድለታትናን ነዘንትወላን ይቕረ ንወሃሃበላን።እሞ ንሎሚ በዛ ኣብታሕቲ ዘላ ሕጊ ገዛእቲ ክፋነወኩም።

“ክጥዕመካ ሕያዋይምሰል፡ ኣብ ኣድላይ ግዜ ድማ ክፉእ፡ ብጣዕሚ ክፉእኩን። ሕያውነትን ክፍኣትን ናይ ኣገዛዝኣ መሳርሒኻ ኢዮም”፡_____________ማኪያቬሊ።

ሰላም ቅነ ውግእ ሓድሕድ ግምባር ቦለኛ ይግበረልና!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • yonas June 19, 2014

    Godefa:hahaha eza nay mewedaeta xhufka afrihatna .no comment:bdhrey comment zxhafe ayhsebelun eyu .hahah ferihna

Post a Reply to yonas Cancel Reply