Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕግስቲ ድዩ ፍርሒ ከቢዱና

ትዕግስቲ ድዩ ፍርሒ ከቢዱና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ዕለታዊ ዜና ሕሰምን መከራን ግፍዕን ጭቆናን መግለጺ ዘይርከቦ ዓቀኑ ዝሓለፈ ምዝመዛ ደቂ ሰባት ተከሲቱ እነሆ፣ከም ሳዕቤኑ ከኣ ስደት መናእሰይ ኤርትራ ብሓፈሻ እግሪ ዝተኸለ ኩሉ ዜጋ ሃገሩ

ትዕግስቲ ድዩ ፍርሒ ከቢዱና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ዕለታዊ ዜና ሕሰምን መከራን ግፍዕን ጭቆናን መግለጺ ዘይርከቦ ዓቀኑ ዝሓለፈ ምዝመዛ ደቂ ሰባት ተከሲቱ እነሆ፣ከም ሳዕቤኑ ከኣ ስደት መናእሰይ ኤርትራ ብሓፈሻ እግሪ ዝተኸለ ኩሉ ዜጋ ሃገሩ ራሕሪሑ ክስደት ዓለም ብዓለማ በጺሑዋ።እቶም መበገሲ ስደት ኤርትራውያን ቡዙሓት እኳ እንተኮኑ ገለ ካብቲ ሩኡይ ጭቆና መናእሰይ ኤርትራ ካብቲ ገደብ ዘይቡሉ ሃገራዊ ባርነት (ሃገራዊ ኣገልግሎት)ንምግልጋል ክብሉ ካብታ ዝፈትዋ መረበቶም ራሕሪሖም ኣብ ፈቀዶ ባሕርን ምድረ-በዳን ዛሕዛሕ እንዳበሉ መጻወቲ በደዊን ኮነ ኩሉም ምስቲ ሰርዓት ገመድ ዘሎዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ናይ ሰብ ነጋዶ ግዳይ ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዓቢ እዋናዊ መዛረቢ ቴማ ኮይኑ ከም ዘሎ ወሰን እልካ ዘፈልጥ ኤርትራዊ የለን።ውሽጡ ሑሩር ይበሃል እቲ ጾርን ሕማምን ኣብ ማንም ኤርትራዊ ውነ ተጻዒኑ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ።እሞ ዳኣ እዝስ ትዕግስቲ ድዩስ ፍርሒ ከብዱና ክበሃል ብመላኪ እሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱን (ህግድፍ) ሃገር እንዳ-ባደመት ኣእሙሮናን ኣተሓሳስባናን ሸፊና ኣርሕቅና ከነማዕዱ ዘይምክኣልና ከም ምንታይ ይቁጸር እዚስ ትዕግስቲ ድዩ ፍርሒ።

ክቡራት ተከታተልቲ ብዛዕባ ስርዓት ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ክቁዝም ኣይኮነን መንቀልየይ እንታይ ድኣ ከም መእተውን መበግስን ዳኣለይ እምበር ብዛዕባ ሰርዓት ኣስመራ ብተባዓት ገዳይም ተጋደልቲ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ተረክትን ተገሊጹን ተመዲሩን እዩ።ስለ ዝኮነ ምድጋሙ ኣይመረጽኩን

እስከ ኣብ ጥምሮ ሓሳበይ ክኣቱ‘ሞ ከምቲ መበገሲ ኣርእስተይ ብትዕግስቲ ክጅምር ትዕግስቲ ነብስካ ንምቁጽጻር እትጠቅም ዓባይ ትሕዝቶ ስለዝኮነት ዋጋኣ ክቡር እዩ፣ዝውንንዋ ከኣ ውሑዳት እዮም ትዕግስቲ ናይ ጽቡቅ ግብሪ መሰረት እያ እቲ ብኣ ዝማላለስ ፍጡር ዓበይቲ ዓወታት የመዝግብ እዕግስቲ እንታይ‘ያ እንታይ እንታይ‘ከ ተጠቃልል ትዕግስቲ ምጽውዋር ትፈጥር ትዕግስቲ ሓይሊ ትፈጥር፣ትዕግስቲ ምዕባሌ ትፈጥር፣ትዕግስቲ ኣብ ዓወት እተብጽሕ መሳልል ስነ- ሓሳብ ወዲሰብ እያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን፣ ምናልባት ትርጉም ትዕግስቲ ንዘይ ርድኣ ግን ከም ስንፍና ሕመቅ ይትርጉማ ይኩውን፣ስለዚ ከኣ ናይ ቁጣዔ ግዙእ ኮይኑ የንጸርጽር ይቀትል ይዘምት ይዝንጥል መሰል ወዲ ሰብ ይግህስ እንተ ዘይተጻረፍን ዘይወጭጨን እንተ ዘይበደለን ዘየቃናደበን ዘየዋዓወዐን ከኣ ሰብኣዊ ክብሩ ዝጠፍኦ ኮይኑ ይስሙዖ‘ሞ የዕገርግር።

ሊቃውንቲ ዓለም violence is the result of fear. ነድሪ ውጺኢት ናይ ፍርሒ እዩ ይብሉ። እዚ ቢሂል እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን ሓደ ሰብ ፍርሓት እንተዳኣ ሳዕሪርዎ ከይቀደመኒ ክቅድሞ ከይ ቀተለኒ ክቀትሎ ብዝብል ሰነፍ ኣተሓሳስባ ሂወት ንጹሃት ሰባት የጥፍእ ስለዚ ውጺኢት ፍርሓትናን ድክመትናን ድማ ብጠቅላላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኩን ኣብ ደገ በዚ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ዝርዓደን ዝፈርሕን ይመስል ብሕልፊ እቶም ቀለም ዝቆጸሩ ንረብሕኦም ዝቋመቱ መደከርቲ ኣካላት፣ ምናልባት ግን ንጣር ኣይተሳእኑን ጉልባቦም ዝቀልዑ። ነቶም መርሕ ኮይኖም ወጽዓ ህዝቦም ዝምክቱ ከኣ በርትዑ ንብሎም፣ እሞ ድኣከ እቶም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ዝዓጸው ሙሁራት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኩን ኣብ ስደት ዘለኩም ፍርሕን በለጽን ጥቅመይ ጥቅምካ ኣወጊድኩም እታ ትዕግስቲ እትብል ኣምር ኣምሪሕኩም ተበገሱ።ንትዕግስቲ ናይ ሰላም መሰረት ምኳና ኣሚንኩም ንመናእሰይ ወለዶ ኤርትራ ከይተሓለልኩም መሪሕ ግደ ብምጽዋት ግቡእኩም ኣበርክቱ።ምርሕዎ ንመንእሰይ ወለዶ ትርጉም ትዕግስቲ ምክብባር ምድምማጽ ምጽውዋር ከዘውትሩ ከም ዘሎዎም ምክርኩም ካብ ምልጋስ ከይተገበህኩም ክትውፈዩ ከቢድ መስዋእቲ ክትከፍሉን መድረክ ይጠልበኩም ኣሎ፣ እዚ ከኣ ውዓል ሕደር ዘይባሃለሉ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራን መርየቱን እዩ በሃላይ እየ። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወይ‘ውን ሓደ ሃገር ንክዓቢ ብሙሁራት ኣካላቱ ኣቢሉ ስነ-ስርዓትን ትዕግስትን ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት መሰሎም ሙኳኑ ከእሙኑ፣ከምኡውን ናይ ወዲ ሰብ ብሕታዊ ዋንነት ኣብ ንብረቱን ጥሪቱን መሰል ከም ዘሎዎ ምእማን ወዘተ እዚኣቶም እቶም ኣገደስቲን መስረታውያን ኣዕኑድ ከም ምኳነን መጠን ብግቡእ ንክፈልጠን ከም ዘሎዎ ምግባር። ዘይ-ቅኑዓት መራሕትን እቶም ተብለጽቲ ሙሁራት ኢና በሃልቲን መጋበርያ ዲክታቶር ብዓል እሳያስን ሰዓብቱን ነቲ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ናይ ሓሰብካ ምግላጽ ነጻነት ዲሞክራስያዊ ጠለባትን ዝክልኩሉ ምእንቲ ሊቃውንትን ሙሁራትን ከይፍጠሩ‘ሞ ህዝቢ ነቂሑ ጉዳይ ሃገሩ ባዕሉ ከይውስን ብምስጋእ ንመሰል ሊቃውንቲ ዘቆናጽቡን ዘናሽውን ገለ እንተሎ‘ውን በቶም እንዶ ዘይብሎም በሃማት ሰዓብቲ ዘ-ዲጋ ዓዲሃሎ ክብረቶም ንምንኣስ ክዝንጠሉ ከለው ክትሰምዕ ከለካ ትሓዝን። እዚ ከኣ እቲ ንቅሓት ሕብረተ-ሰብና ስጋብ ክንደይ ትሑት ከም ዘሎ የገምተካ። ከም ኣብነት በርትራንድ ሩሰል ዝበሃል እንግሊዛዊ ከምዚ ዝስዕብ ይብል . . . . Men fear thought as they fear nothing else on Earth – more than ruin ,more even than Death, Thought is Subversive and Revolutionary ,Destructive and terrible ,Thought is merciless to Privilege , Established Institution and Confortable Habits ,Thought is anarchic and Lawless Indifferent to Authority,, Careless of the well- tried wisdom of the Ages . ተጉም ናይ እዚ ዝተጠቅሰ ሙሉእ ሓሳባት ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፣ደቂ ሰብ ካብ ዝኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኩሉ ነገር ኣብሊጾም ዝፈርሕዎ ሓሳብ (ወይ ርእይቶ) ምግላጽ እዩ።ካብ ዑና ካብ ሞት ንላዕሊ እውን እተኮነ ይፈርሕዋ፣ሓሳብ (ወይ ርእይቶ) ተጻባእን ሰውራውን ኣዕናውን ሕደገኛን እዩ፣ሓሳብ ወይ ርእይቶ ንጣዕሚ ዘሎዎ ልማድ ዝክተልን ንብሕጊ ዝቆመ ስርዓትን ንመሰልን ርህራሄ ዘይብሉ እዩ፣ርእይቶ ፋሉልን ሕጊ ዘይክተልን ስልጣን ዘይግድሽን ንብዕድመ ዝበሰለ ተሞኩሮ ወይ ፍልጠት ዘይዓጅቦ እዩ ይብል። እዚ መልእቲ‘ዚ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝክእል ሙኳኑ የረዳኣና።ስለዚ ከኣ እዮም እቶም ዲክታቶራውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቅሚን ስልጣንን ንምሕላው ድኣምበር ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ርእይቶካ ምልጋስን ነጻነት ዝዓግቱ።ሙሁራት ኤርትራውያን ተጠርኒፍኩም ገለ ግበሩ ሃገር ትበርስ ኣላ ንሃገርካ ምግልጋል ብግዜ ሰላም ይኩን ብግዜ ውግእ ዝቅጽል ገድሊ እዩ።እቲ ፍልጠቱ ኣማዕቢሉ ናብ ጥቅሚ ሃገሩ ከውዕሎ ዝደሊ ሰብ ኣቀዲሙ ናይ ሓሳብ ዋጋ ኣጽኒዑ ንዝስዕቦ ሽግር ከይፈርሄ ብቆራጽነት ክሰርሕ ይግባእ።ናብዚ ንምብጻሕ እትመርሖ መንገዲ ከኣ ትዕግስቲ እያ።(ኣሪስቶትለ) ይብል ትዕግስቲ ነብስካ ንምቁጽጻር እትሕግዝ ናይ መንፈስ ሓይሊ እያ ዝብል ተርጉም ይህባ። ኣብ ዓለምና ጽቡቅ ታሪክ ገዲፎም ብዕብየት ዝዝከሩ ሰባት ንትዕግስቲ ከም እምነኩርንዖም ዝተጠቅሙ ስለ ዝኮኑ ጥራይ እዮም ወትሩ ኣብ ናይ ታሪክ ማህድር ሰፊሮም ዝነብሩ።ስለዚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘለኩም ገዳይም ተጋደልቲ ከምኡው‘ን ዓበይቲ ዓዲ ሙሁራት መናእሰይ ኤርትራ ኣብ ስደት ዘለኩም ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ሃገርና እንዳ ባደመት ህዝባን መርየታን እንዳተጓሕጎሐ እንከሎ ኣብ ናይ ስልጣን ሕሳባት ምውጣጥ ከምውን ኣብ ክንዲ ዓቅሊ ጽበትን ጭካነን ኣብ ክንዲ ነንሕድሕድካ ምውንጃል፣ቁምነገር ገዲፍካ ኣብ ጓል-ነገር ኮለል ምባል ተሪፉ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቅሙ ብዘፍቅዶ ብቀንዱ ድማ እቶም ምሁራት ኤርትራውያን ከም ቀንዴል ኮንኩም ንህዝቡኩም ካብዚ ዘሎዎ ናይ ጽልግልግ እዋን መሪሕኩም ኣብ ራህዋን ዲሞክራስን ሰላምን ዘሎዋ ሃገር ከተሰጋግርዎ መድረክ ይሓቶኩም ኣሎ፣እዚ ከኣ ትዕግስትን ምጽውዋርን ምክብባርን እንተ ተለሚዱ ንሃገርኩም መሪሕኩም ካብዚ ግሃነብ-እሳት ስርዓት ዲጋ ዘ-ዓዲሃሎ ከተናግፍዎ መድረክ ይጠልበኩም ኣሎ። ስርዓት እሳያስ ስርዓት ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ሕልሙን ትምኒቱን ከምቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ሙኩራትን ተባዓትን ተጋደልት ዝተንተንዎን ዝገልጽዎን ዘለው እቲ ሕሉፍ ኣረሚን ታሪኩ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ ተተንኪፉ ዘሎ እምበር ኣይተጣዕሞን።ተግባራት እሳያስን ሰዓብቱን ማለት ከምቲ ኣብ 1967 ዓ.ም ሃጸይ ሃይለ-ስላሴ ንኤርትራውያን ሰበ-ስልጣንን ምኳንንትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ናይ ኣስመራ ቤተ-መንግስቲ ኣኪቦም ዝበልዎ ‘ንእትዮጵያ ኤርትራዊ መሬት ድኣምበር ኤርትራዊ ህዝቢ ከምዘየድልያ ብወግዒ ዘፍለጥሉ።እንደገናውን እዚ ቃላት‘ዚ ኣብ ካልእ ኣኬባን ግዜን ብእንድ-ራሴ ኣስራተ-ካሳ እተደግመ ኣተሓሳሳቢ ቢሂል ኮይኑ፣ድሕሪ ነዊሕ እዋን ግዜን ድማ በቲ ናይ ምስጢር ልእኮም ዝኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ከጥፍእ ዝተላእከ እሳያስ ኣፈወቂ እነሆ ብተግባር ኣብ ግብሪ ንዕዘብ ኣሎና።ሃገር ብዘይ ህዝባ ህዝባ ብዘይ ሃገር ከም ሓደ ጨናፍሩ ዝተቆርጸ ገረብ እያ‘ሞ፣ሓደ ገረብ ብዘይ ጨናፍሩ ህልውንኡ ኣጠራጣሪ እዩ። ኤርትራ ከኣ ብዘይ ህዝባ ህልውንኣ ኣጠራጣሪ እዩ‘ሞ ስቦያ ኣብ ኑቡራ ንምለሳ።

ካብ ብርሃነ ተስፋይ ሃገር ጀርመን 17.09.2017

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! September 20, 2017

    Once upon a time a concerned activist Eritrean priest
    said ;
    “To kill an evil person to save a whole society is not
    a sin but a blessing ” . Everyone is entitled how to
    interpret his message . No problem at all .
    And isn’t it true how they taught us to fight and kill our common enemy during the time of Ethiopian occupation ?
    So now what happened to look the other way when
    our own leaders became oppressors worst than
    previous occupiers ? Are we playing black and white
    game of fools ? Hahaha , lets fool ourselves .

    For some sold outs it may sound an attempt of
    conspiracy against Eritrean interest but at whom
    expense is the question a fair minded person must
    address .
    Thousands of Eritreans inside and refugees outside the country are crying for help at this moment we
    speak . For how long it stays this way is a matter we
    need to feel concerned if genuine brotherhood and love still exist among each other as a society .
    May Allah-God bless us to do the right things in life .

  • Kalighe September 21, 2017

    A notorious rootless know as Teclay and many other nicknames, is here on a mission to distruct public attention from main issues that people read and discuss here at Assenna.
    Obviously, the only entity that has a vital interest in such distructive activity is Higdef. Teclay and people like him are not injecting negative energy here on Higdef’s behalf at no cost, gratis. I have no doubt they are paid for it. What they seem not understanding is that they are not fooling anyone. Higdef is doomed to be dismantled and remembered in history as ‘the Red Khmers’ of Eritrea. No amount of hate propaganda will let Eritreans kill each other. We are determined to stand shoulder to shoulder against Higdef’s conspiracies.

  • Amba September 22, 2017

    Here is another sad and cruel treatment of the Eritrean christian refugees in Sudan, again, by the Arab Islamic Republic of Sudan under the Islamist Field Martial Omar Al Bashir. The Arabs continue to mistreat and deport the Eritrean Christian refugees, sadly, with cruelty, in Yemen, Libya, Egypt, Saudi Arabia ….:

    “Sudan deports another 36 Eritrean migrants
    September 20 – 2017 KASSALA ”

    https://www.dabangasudan.org/en/all-news/article/sudan-deports-another-36-eritrean-migrants

  • Amba September 22, 2017

    The abuse of Eritrean refugees continue in the Arab Republic of Egypt:

    “Along with a series of high-profile arrests, the grizzly discoveries in Egypt again raised the specter of illicit organ trafficking in a country that has become a launching point for the migration of vulnerable people from sub-Saharan Africa to Europe and beyond.”

    https://www.worldpoliticsreview.com/trend-lines/23181/the-abuse-of-migrants-and-refugees-rears-its-ugly-head-in-egypt

  • Fanko September 24, 2017

    መንነትካ ታሪኽካ ብሓዊ ኣንዲድካን ፤ መንነትካ ታሪኽካ ውርሻ ኣብሓጎታትካ ፈንፊንካ ዝህነጽ ሃገር የልቦን ። ብናይ ሓሶት ናይ ክራይ ናይ ግብጺ ስዑድያ መንነት ወደኽደኽ ምባል ፋያድኡ እዚ እንርእዮ ዉርደት ስደት ሕፍረት ስቓይ … ጥራይ እዩ ። ንሕና ኤርትራውያን ንነብስና ከም ኣል-ኣኽዳም ወይ ኣል-ዓቢድ ናይ ካለኦት እንተዘይረኣናያ ይሓሽ ፤ እሞ ለብሙ፤ ነብስኹም ኣይተሕፍሩ።

POST A COMMENT