Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን – ኣማኑኤል ሳህለ (2ይ ክፋል)

መውጻእቲ ሓራ መውጻእቲ ሓራ ወይ ምንቅስቓስ ዚብሃሉ እንታይ እዮም? ኣስታት 130 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሮማውያን ንእስራኤላውያን ብመግዛእትን ጭቆናን ሞኽ ምስ ኣበሉዎም፡ ባር-ኮኽባ እተባህለ ምዑት ሰብ ዝመርሖም ተቓለስቲ ኣንጻር መንግስቲ ሮማ መኪቶም። ከምዚ መግበሪኦም፡ ሃይማኖቶምን ባህሎምን

መውጻእቲ ሓራ

መውጻእቲ ሓራ ወይ ምንቅስቓስ ዚብሃሉ እንታይ እዮም? ኣስታት 130 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሮማውያን ንእስራኤላውያን ብመግዛእትን ጭቆናን ሞኽ ምስ ኣበሉዎም፡ ባር-ኮኽባ እተባህለ ምዑት ሰብ ዝመርሖም ተቓለስቲ ኣንጻር መንግስቲ ሮማ መኪቶም። ከምዚ መግበሪኦም፡ ሃይማኖቶምን ባህሎምን ዓሌቶምን ንምዕቃብ እዩ። እቲ ዕላማኦም ጽቡቕ እዩ ነይሩ፡ ግን ሮማውያን ብዂናትን ብመሳርያታት ኲናትን ብወትሃደራዊ ውደባን ስልትን ልዕሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም መውጻእቲ ሓራ ኪዕወቱ ኣይከኣሉን።

እዚ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ምርጫ ብምንባሩ ኩሉ ህዝቢ ተሳቲፉዎ ነይሩ። ናይ ሮማውያን ዲል፡ ናይ እስራኤልን ናይ ኣይሁድነትን ውድቀት እዩ ነይሩ። ብፍላይ እስራኤላውያን ንነብሶም ካብ ሃይማኖቶም ፈልዮም ኪርእዩ ዚጽግሞም ስለ ዝነበረ፡ ኪሰዓሩ ማለት በሪሶም ማለት እዩ ነይሩ።

እቲ ኲናት ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ቍርቍስ ኣይነበሮን። ዳርጋ ቅዱስ ኲናት እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ግን ከኣ ተሳዒሮም።

እንተ ዚስዕሩ ነይሮም፡ እቲ ሃይማኖትን ባህልን ዓሌትን እስራኤል ኣብ ፓለስቲንያ ከም ቀደሙ ምቐጸለ ነይሩ። ህዝቢ እስራኤል ድማ በቲ ዝኣምኖ መገዲ ንኣምላኹ እናኣመስገንን እናዘከረን ነቲ ካብ ሙሴ እተዋህቦ ትእዛዛትን መምርሒታትን እናሰዓበን እናኽበረን ኣብ ሃገሩ ምነበረ ነይሩ። ንግዜኡ ግን ኪኸውን ኣይከኣለን።

እዚ ዓይነት ሓራ-ምውጻእዚ ህዝባዊ ኾይኑ ናይ ሞትን-ህይወትን ሕቶ እዩ። ኩሉ ሰብ ይሳተፎ። ፓርቲ ኣየድልዮ፡ ዶግማ ኣየድልዮ፡ ኣይዲዮሎጂ ኣየድልዮ፡ ፕሮፓጋንዳ ኣየድልዮ። ምትላል ዚብሃልውን የብሉን ከመይሲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስለ ዚጎድሎ። እቶም መራሕቱውን ንውግእ ደኣዮም ዚመርሑ እምበር ናይ ነዊሕ ፖለቲካውን ስልጣናውን ኣጀንዳ የብሎምን። ምስዚ ዚመሳሰል ናይ ስፓርታኩስ ኣድማን፡ ናይ ሃገር ጀርመን ናይ 16 ክፍለዘመን ናይ ዓዃይ ኣድማን ኪጥቀስ ይከኣል።

እቲ ካልኣይ መውጽእ ሓርነት ምንቅስቓስ ግን በቶም ጥቕሞም ዝተተንከፎም መብዛሕትኡ ካብ ንኡስ ቡርዣ እተዋጽኡ ግንባራት እተመስረተ እዩ። ኣብ  ከምዚ ዝበለ ናይ መውጽእ ሓራ ምንቅስቓስ ናይ ምትላልን ናይ ስሰዐን ተንኮልን ባህርያት ንላዕሊ ኪግንፍል ንቡር እዩ።

ይኹንምበር እቲ ቀዳማይ ይኹን እቲ ካልኣይ ዓይነት ናይ ሓርነት ቃልስታት ናቱ ዝኾነ ድኽመታት ኣለዎ። ብሓጺሩ ኩሉ ካብቲ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ባህርያት ከምልጥ ኣይክእልን። ንርእሱ ናጻ ወይ ሓራ ዘይወጸ ሰብ ናጻ ወይ ሓራ ከውጽኣካ ኣይክእልን። ሰብ ካብ ናይ ካልእ ሰብ ጭቆና ናጻ ከውጻኣካ ይኽእል ይኸውን፡ ስልጣን ምስ ዓተረኸ ነታ ናቱ ጭቆና ከም ጭቆና ይሓስባዶ? ኣይፋልን: ከም ፍትሒ እዩ ዚቖጽራ።

ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ብምንታይ ይፍለ? ማለት እቲ ዚጭቁንን እቲ ንጭቆና ዚቃለስን ክልቲኣቶም ሰብዶ ኣይኮኑን? ብመሰረቱ እቲ ናጻ ከውጽኣካ ዝብለካ ዘሎ ሰብ ወይ ውድብ ንርእሱ ካብቲ ከም ናይ ጸላኢ ባህርይ ጥራይ ገይሩ ክደጋግሞ ዚውዕል ሓጥያት ናጻ ዲዩ?

ኣብዚ ግዜዚ መትከልን ግብርን ናይቶም መውጻእቲ ሓራ ኢና ዚብሉ ተቓለስትን ምንቅስቓሶምን ኣበየናይ ደረጃ ተሸሚሙ ከም ዘሎ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ነብሶም ዘየለ ሓርነት ኣብ ካልእ ሰብ ከስፍኑዎ ኣይክእሉን። ኣብ ነብሶም ዘየለ ጽሩይ ልብን ጽሩይ ኣእምሮን ኣብቲ ህዝቢ ከንጸባርቑዎን ከተግብሩዎም ኣይክእሉን። ካብቲ ጨቋኒ ደኣዮም ሓራ ኣውጺኦምኻ እምበር ካብቲ ጭቆናስ ሓራ ኣየውጽኡኻን።

ጨቋኒ ብጥይትን ብቦምቢን ብታንኪን ኪሃድም ወይ ኪስጎጕ ይኽእል እዩ። ጭቆና ግን ብጥይት ኣይጠፍእ፡ ብቦምብ ኣይስንብድ፡ ብታንክ ኣይሃድም ከመይሲ ሰፈር ጭቆና ድፋዓትን ኣኽራናትን በዓትታን ኣብ ናይ ጸላኢ ካምፕን ዘይኮነስ ኣብ ኣእምሮ ወድሰብ እዩ። በዚ ምኽንያትዚ ኸኣዩ መብዛሕትኦም መውጻእቲ ሓራ ኢና ዚብሉ ሓይልታት፡ ነቲ ዘሳጎጉዎ ጭቆና ብሓድሽን ብዘብለጭልጭን ወረቐት ጠቕሊሎም ከም ገጸበረከት ዘቕርቡልካ።

ሓራ ዘውጽኣካስ ትምህርትን ንቕሓትን እዩ። ነቲ ንኽትነቅሕን ንኽትፈልጥን ዚኽልክለካ ሓይሊ ክትምክቶ ዝሓሸ እዩ። ሰኣን ኣብ እዋኑ ተንሲእካ ብውልቅን ብጉጅለን ብማሕበርን ምክርኻርን ምምካትን ግን፡ ግዜ ምስ ነውሐ መውጻእቲ ሓራ ይፍጠሩሞ፡ ድሕሪ ነዊሕ ስቓይን መከራን “ናጻ“ የውጽኡኻ፡ ነቲ ዝላደኻሉን ኣካላትካ ዘማሰነን ጭቆና ብሓድሽ መገድን ቅድን ገይሮም ዳግማይ የቕርቡልካ። ካልኣይ ግዜዶ ክንዛረብ ኴንና ብምባል ድማ ነቲ ብሓድሽ ቅዲ ተሰፍዩ ዝመጸካ ናይ ስቓይን ጭቆናን ካባ ወይ መንጠሊና ለቢስካ ስቕ ኢልካ ትነብር። ክሳዕ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሰብ ተራ ተላዒሎም “ናጻ“ ከውጽኡኻ ዚፍትኑ።

ንምጥቕላል፡ ብዘይካ ኣብ ውሑድ ኣጋጣምታት (መብዛሕትኡ ኣብ ጥንቲ) ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን እተፈጥሩ መውጻእቲ ሓራ ካብ ንኡስ ቡርዥዋ ወይ ማእከላይ ቍጠባዊ መደብ እተዋጽኡ እዮም። ሓረስታይ ወይ ዓዃይ ካብ ለውጢ ብዙሕ ኣይጽበን። ምስ መሬቱን ኣምላኹን እዩ ዚጽጋዕ። እንተ ኸፍኦ ድማ ይምህለል ወይ  ይስደድ። ሓራ ከውጽእ ግን ዓቕምን ድሌትን የብሉን።

እቲ ህይወቱ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኩነታት ሃገር ዝተኣሳሰር ንኡስ ቡርዥዋ ግን ምእንቲ ጥቕሙ ኢሉ እዩ ለውጢ ከምጽእ ዚጓየይ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን ሓደ መውጽእ ሓራ ካብቲ ሓደ መውጽእ ሓራ ኣብ ፍልስፍንናን ንቕሓትን ኣብ ናይቲ መራሒ ድሕረባይታን ናይቲ ሃገር ታሪኻውን ፖለቲካውን ቍጠባውን  ድሕረባይታ እተመርኮሰ ፍልልይ ከርእይ ይኽእል። ኩሉ ነንጻሕሉ ኪኸውን ከሎ፡ ሓደ ግን ብተዛማዲ መገዲ ካብቲ ሓደ ኪሓይሽ ይኽእል።

ደሞክራሲ

ደሞክራሲ ዚብል ቃል ዳርጋ ኣሽካዕላል እዩ ኾይኑ ተሪፉ። ቃዛፊ መራሕ ሊብያ፡ ኣብ ዓለም ከም ሊብያ ደሞክራስያዊት ሃገር የላን ይብል ነይሩ። መራሕትናውን  ከምዚ ዓይነት መዝሙር ኪዝምሩ ይስምዑ ኣለዉ። ናይ ሰሜን ኮረያውን ከምኡ።

ደሞክራሲ ብህዝቢ ዚምራሕ ዓይነት ምሕደራ እዩ። ብኣበሃህላ ኣምባገነናት ግን ደሞክራሲ ማለት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ እዩ። ናይዚ ደሞክራሲዚ ሓድሽ ትርጉም  ዘይተረደአ ሰብ፡ ጸረ-ደሞክራሲ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ኣምባገነን ምስ ሞተ፡ ወዱ ይትክኦ። ናብ ሰሜን ኮረያ ጠምቱ። ኣብቲ ናይቲ ዝሞተ ኣምባገነን ቀብሪ፡ ሽዑ እዩ ናይ ብኽያት ደሞክራሲ ዘሎ። ኩሉ ሰብ ከም ድላዩ ገይሩ ክበክይን ክሓዝንን ይኽእል። ግን ከኣ ደሞክራሲ ብወገኑ ገደብ ኣለዎ ዚብል መምርሒ ድማ ኣሎ። ስለዚ: ብግቡእ መገዲ ዘይበኸየ ጀነራል መዓርጉ ይቕንጠጥ። ዘይወጨጨት ኣደመንበር ደቀንስትዮ ካብ ስርሓ ትስጎግ። ኣብ ምድሪ ዘየንገርገረ ካድረ ድማ መጠንቀቕታ ይወሃቦ። እዚውን በቲ ቄናን ናይ ኣምባገነን ትርጉም ህዝባዊ ደሞክራሲ እዩ

ደሞክራሲ ተዋሂቡኩም ኣሎ ግን……. ዚብሃል ኣዘራርባ ኸኣ ኣሎ። ድሕሪ öግንöእንታይ እዩ ኪብሃል ተደልዩ?

ግን….. ናይቲ ሃገር ሕጊ ክትክተሉ ኣሎኩም። ኣየናይ ሕጊ? መን ዘውጽኦ? ንመን ዘርብሕከ እዩ? ነቲ መንግስቲ ዲዩስ ወላ ነቲ ህዝቢ?

ናይ ደሞክራሲ ተቕዋማትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘይብሉ ሃገር ደሞክራሲ ኪህልዎ ኣይክእልን። ናይ ደሞክራሲ መሓውራትን መትንታትን ዘይብሉ ምሕደራ፡ ንስሙ እዩ ደሞክራሲ ዚብሃል እምበር ጭው ዝበለ ኣምባገነንነት እዩ። ግን ከም ቃዛፍን ኢሳያስን ዝኣመሰሉ መራሕቲ፡ ነቲ ምምሕዳሮም ፍጹም ደሞክራሲ ኢሎም ኪሰምዩዎ ኣየሕፈሮምን።

ደሞክራሲ ምስቲ ናይ ወድሰብ ናይ ስልጣን ህርፋንን ናይ ዘይነቕሐ ሕዝቢ ባርነታዊ ስነልቦናን ኣይከይድን። ደሞክራሲ ብዙሕ መስርሕ ተሳጊርካ ዚርከብ ኣገባብ ኣመሓድራ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ክድንጒ ኣይነበሮን። ብሰንኪ ትሑት ንቕሓትን ብሰንኪ እቶም ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እናበሉ ዚሓልፉ ዘለዉ መራሕትን፡ ብሰንኪ ድሑር ቀቢላውነትን ኣውራጃውነትን ጥሩፋዊ ሃይማኖትን ግን ከይተተግበረ ይነብር ኣሎ።

እዚ ህዝቢኮ ደሞክራሲ ኣይፈቱን እዩ፡ ጭቆና እዩ ዚፈቱ… ኪብሃል ንሰምዕ ኢና። ግን ደሞክራሲ ከይፈቱ ዝገበሮ ምሒር ናይ ኣእምሮ ጭቆና እዩ። ንሓደ ከልቢ ንሓሙሽተ ዓመት ብሰንሰለት ኣሲርካዮ ምስ ጸናሕካ እሞ ፈቲሕካ ምስ ኣፋነኻዮ፡ ተመሊሱ እዩ ዚመጸካ። ዓለሙ ስለ ዝገልበጥካዮ፡ ንማእሰርቲ ከም ናጽነት፡ ንናጽነት ድማ ከም ባርነት ገይሩ ከም ዚወስዶ ስለ ዝገበርካዮ። ኣእምሮኡ ኣበላሺኻዮ። መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ በዚ ተግባርዚ ገበነኛታት እዮም።

 

ናይ ፖለቲካ ምሁራት

ናይ ፖለቲካ ምሁራት ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዚግበር ፖለቲካዊ ለውጥታት ብዙሕ ኣበርክቶ ዘለዎም ኣይመስሉን። ካብቲ ኣብቲ ለውጢ ዚካየደሉ ሃገር ኮይኖም ዚዋስኡዎ: ኣብ ደገ ኮይኖም ዚዛረቡዎን ዚጽሕፉዎን ይበዝሕ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን እቲ ዚጽሕፉዎን ዚዛረቡዎን ዋጋ የብሉን ማለት ኣይኮነን: ግን ኣብቲ ዚካየድ ርሱን ኩነታት እዋናዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን: ከመይሲ እቲ ዚካየድ ዘሎ ለውጢ ግዜኡ ሓሊዉ  ዝመጸ ውጽኢት ናይ ነዊሕ መስርሕ ደኣምበር ብሃንደበት እተኸሰተ ፍጻመ ኣይኮነን።

ናይ ፖለቲካ ምሁራት ንዝሓለፈ ታሪኻውን ፖለቲካውን ፍጻመታት ኪትንትኑ ዚኽእሉኳ እንተ ኾኑ: ንናይ ሓደስቲ ፍጻመታት ውጽኢት ግን ኪትንበዩ ኣይከኣሉን። ሓደ ካብቲ ንውጽኢታት ምትንባይ ኣሸጋሪ ዚገብሮ ድማ ናይ ወድሰብ ብሳየንስ ዘይዕቀን ባህርያት እዩ።

ከምቲ ንኹነታት ኣየር ከምቲ ዚግባኦ ጌርካ ክትትንብዮ ዘይትኽእል: ናይ ወድሰብ ናይ ሓሳባትን ስምዒትን ለውጥታትን ተግባራትን ድማ ከምቲ ዚግባእ ጌርካ ክትንበየአሉ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ድማ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥን ኣብቲ ብዝሕን ርቀትን ደጋዊ ጽልዋታት እተመርኮሰ ብምዃኑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዚካየድ ዘሎ ፋሉል ፖለቲካዊ ኣመራርሓ:  ክሳዕ ሎሚ ካብቶም  ናይ ፖለቲካ ምሁራት ምንም እተገብረሉ ነገር የልቦን። እቲ ናይቶም ምሁራን ምልፍላፍ ኣየቋረጸን። እቲ ፋሉላዊ ኣመራርሓውን ከምኡ።

ካልእ ተሪፉ ነቲ ስርዓት ብናይ ሰብኣዊ መሰላት ከሲሶም ኣብ ቤትፍርዲ ዘቕርቡውን ኣይተረኽቡን። መጻሕፍቲ ግን ይጸሓፍ: ኣስተምህሮ ይወሃብ: እታ ገመል ግን ትም ኢላ ትጎዓዝ ኣላ።

ንሳዋ ዚምክት ካምፕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንተ ዚህሉ ነይሩ: መብዛሕትኦም መንእሰያትና ካብቲ ጸቢብን ሕልማውን ኣተሓሳስባኦም ምተናገፉ ነይሮም። ንሳዋ ዚምክት ኪብሃል ከሎ ብኣተሓሳስባ ማለት እዩ። ሳዋ: ኲናትን ኣነነትን ጃህራን ጽልእን ፍልልይን ክትምህርን ከተደንፍዕን ከላ: እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚኽሰት ሳዋ ግን ሰላምን ተጻዋርነትን ትሕትናን ፍቕርን ሕብረትን ከስፍን ይግባእ። እዚ ድማ በቶም ናይ ፖለቲካ ምሁራትና ኪገሃድ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • feven amaniel January 24, 2015

    Kab amanuiel temharu dma yblom netom mhurat ina bhalti. Kab frhi wxu.have guts please wereja maedo mmsal trgum yeblun hager enatefeet. Were abey ikum atikum.

  • Johans January 24, 2015

    መ/ም ኣማኑኤል ከምወትሩ ሊላይ ትሕዝቶ ዝስማዕ ዘረባ እዩሞ ኣብ ፍረ የውዕሎ። መተሓሳሰቢ ኣሎኒ ንሱ ከኣ መጽሔት ስምረት ኣብ ኩሉ ኤውሮ ኣይትባጻሕን ዘላ እሞ ከም ኣዳላዊ መጠን ምስ መሳረሕትኹም ኮንኩም ግዜ ከይወሰደት ከተባጽሕዋ ተስፋ እገብር ወደሓንኩም።
    ሰናይ ወሰላም

  • teddy January 24, 2015

    thanks good idea

  • Almaz Gual Asmera January 24, 2015

    ይበል ዘብል ጽሑፍን ትንተናን እዩ መምህር ኣማኑኤል፡ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ሂቡካ፡ ትንፋስካ ክሳብ ዘላ ክትምህር እምነየልካ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍካ ዝሃብኩዎ ርእይቶ ኣብ ግምት ኣእቲኻዮ ክትከውን እትስፎ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ ኣተሮጓጉማ ሃይማኖትን ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢኡ ዘሎዎ ክብርን በዞም ዘመናዊ ፊደል ቖጺርና ንብሃል ኪብጻሕ ዘይኽእልን፡ ንፈጣርን ፍጡርን ዘራኽብ ረቒቕ ግን ትርጉም ዘሎዎ ህይወት ብምዃኑ እዩ። በብውልቅና ኣብቲ ንስዕቦ ሃይማኖት ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ካብኡ ተበጊስና ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ እንዛረቦን እንጽሕፎንውን ኣይሰኣንን። እንተኾነ ነቲ ናይ ፍጡር፡ ፈጣሪኡ ኣምላኽ ጥራይ ኪሞልኦ (ምልኣት ኪህቦ) ዝኽእል ባህርያዊ ሃጓፍ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን። ስለዚ ከም ፍትሓውያን ኤርትራውያን ሃይማኖት ናይ ውልቅና ጌርና ነቲ ወሪዱና ዘሎ ናይ ሓባር መዓት ክንቕንጥጥ ስነ-ኣእምራዊ፡ ሞራላዊ፡ ነገራውን ብቕዓት ከነጥሪ እዩ እቲ እዋናዊ ሃልሃል ዝብል ጻውዒት። ጽሑፋትካ ኸኣ ብንጹርን ቀሊልን ትግርኛ ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ዝደፍእ ስለዝኾነ ቐጽሎ። ብዙሓት ብሃንቅውታ ከምእንጽበዮን ነቶም ኣብ ጸሊም ስራሕን ታሪኽን ወዲቖም ዘሎዉ ከሓድያንን ጨካናት ዘርኢ መርገም ድቃስ ዝኸልእ ምዃኑ ኣነ ኪነግረካ ከምዘይትጽበ ይኣምን እዮ። በርትዕ ኣጆኻ፡ ቅልስና ኣብ ምዕራፉ ኪሳብ ዚበጽሕ ኪትጋደል ኣምላኽ (ኣላህ) ይደግፍካ።

  • tes January 24, 2015

    Thank you memhir Amanuel for your timely and very educative article. Keep on coming and enlighten us.

  • Yemane Johar January 24, 2015

    Thank you Memhr Amanuel!

  • efrem January 24, 2015

    it is attractive article.please compile it in magazine or booklet. as you said all our politicians spoiled our mentality to their own poll.as the bible says “therefore my people go into exile for lack of knowledge….” isa. 5:13 because of our ignorance we shut down our liberty,we lost our best friends,we bounded by minor extremes and we are living far away from our beautiful dream (civilized, more inclusive democratic exercise, harmonious and wealthy state.

  • ambabi January 25, 2015

    ENTAYMO ENTAYMO ENTAYMO ENTAYMO
    ABZA ERITREA EZI A MO

  • Lul January 25, 2015

    Dear Amanuel,
    This is part of article who made me the whole day laugh. Funny, yet strongly important message. Thank you for coming back.
    ኣምባገነን ምስ ሞተ፡ ወዱ ይትክኦ። ናብ ሰሜን ኮረያ ጠምቱ። ኣብቲ ናይቲ ዝሞተ ኣምባገነን ቀብሪ፡ ሽዑ እዩ ናይ ብኽያት ደሞክራሲ ዘሎ። ኩሉ ሰብ ከም ድላዩ ገይሩ ክበክይን ክሓዝንን ይኽእል። ግን ከኣ ደሞክራሲ ብወገኑ ገደብ ኣለዎ ዚብል መምርሒ ድማ ኣሎ። ስለዚ: ብግቡእ መገዲ ዘይበኸየ ጀነራል መዓርጉ ይቕንጠጥ። ዘይወጨጨት ኣደመንበር ደቀንስትዮ ካብ ስርሓ ትስጎግ። ኣብ ምድሪ ዘየንገርገረ ካድረ ድማ መጠንቀቕታ ይወሃቦ። እዚውን በቲ ቄናን ናይ ኣምባገነን ትርጉም ህዝባዊ ደሞክራሲ እዩ

  • Semhar January 30, 2015

    Thanks Amanuel.
    ሰላምን ተጻዋርነትን ትሕትናን ፍቕርን ሕብረትን ክነስፍን ኢና።

POST A COMMENT