Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብተይ፣ መልሲ ንርእይቶታት ኣንበብቲ!

መልሲ ንርእይቶታት ኣንበብቲ! ብመጀምርያ ንኹሉኹም ኣብ ትሕቲ እታ “ትዕዝብተይ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝነቐፍኩምን ዘተባባዕኩምን ኣሕዋት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልኩም እፈቱ። ብፍላይ ድማ ንሓው ወዲ ማይተመናይ ብልቢ ከመስግኖ እደሊ። ምኽንያቱ፡ ነዚ ኣብ ቋንቋና ዘሎኒ ድሩት ኣፍልጦ ንምድራዕ እትሕግዘኒ

መልሲ ንርእይቶታት ኣንበብቲ!

ብመጀምርያ ንኹሉኹም ኣብ ትሕቲ እታ “ትዕዝብተይ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝነቐፍኩምን ዘተባባዕኩምን ኣሕዋት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልኩም እፈቱ። ብፍላይ ድማ ንሓው ወዲ ማይተመናይ ብልቢ ከመስግኖ እደሊ። ምኽንያቱ፡ ነዚ ኣብ ቋንቋና ዘሎኒ ድሩት ኣፍልጦ ንምድራዕ እትሕግዘኒ መጽሓፍ ሰዋስው ደራሲ ኣማኑኤል ሳህለ ስለ ዘበርከተለይ። ብምቕጻል፥ ነቲ ኣብቲ ሰሌዳ ርእይቶ ወሪቕኩሞ ዘለኹም ንቋንቋና ዝምልከት ሕቶን ዓለቕን (ርእይቶን) በብሓደ መብርሂ ክህበሉ ፍቐዱለይ?

ብኽቡር ሓው ኣሕመድ ሳልሕ ክጅምር፡ ክቡር ሓው ኣሕመድ ሳልሕ፡ ኣብ ርእይቶኻ “language is a tool of communication, Sometimes we should considerate for those who didn’t have opportunity to learn the Tigrigna language ”  ብምባል ቋንቋ መረዳድኢ ጥራይ ምዃኑ ሓቢርካ ኣለኻ። ኣይፋል። ቋንቋ መሳርሒ ናይ ዝርርብ ጥራይ ኣይኮነን ልዕሊኡ እውን’ዩ ድማ እብለካ። ብሓጺሩ ኣብቲ ብዙሕ ኣገልግሎቱ ከይኣቶኹ፡ ቋንቋ ማለት መንነት ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ቋንቋኻ ዘይምፍላጥ ማለት መንነትካ ዘይምፍላጥ ማለትውን እዩ። ብኸመይ? ዝብል ሕቶ እንተሎካ፡ ካልእ ግዜ ብዝርዝር ከብርሃልካ እኽእል’የ። ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንካ። ነቶም ቋንቋኦም ንኽፈልጡ ዕድል ዘይረኸቡ ወገናትናውን ንዝተዛረቡዎ ጌጋ ቃላት ብምውቃስ ከነፈራርሆምን ክንድህሎምን ዘይኮነስ ቀስ ኢልና ክንእርሞምን በብዓቕምና ክንምህሮምን’ዩ ዝግብኣና።

ክቡር ሓው ተስፋዝጊ ይትባረኽ እውን ኣብ መልእኽትኻ “ኣብ ፍሉይ ዓምዲ ምምሕያሽንእሩም ዝኾነ ኣጠቓቕማ ቓንቃና ኢልካ እንተ ጀመርካን ንሰባት ኣብ ቓንቓኦም ተገዳስነት ከሕድሩን ክዋሱኡንምሓገዘ ዝብል ግምት ኣሎኒ።” “ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ቋንቋና እንምሃሃረሉ ዓምዲ እንተዝፍጠር” ኢልካ። እዚ ቅኑዕ ሓሳብ’ዩ። ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ እውን ብኢመይለይ ከምዚ ኪብል፥ “ፈለማ ‘ውን ኣውኪኤልካ ከምዝነበርኩኣብ ቋንቋ ትግርኛን ስነጽሑፍን ዘለካ ክእለትን ተውህቦን ዓቢ እዩ’ሚ ከምዚ ዚገበርካዮ፣ ቀጻሊ ኣስተምህሮእንተትህብ ጽቡቕ ነይሩ። ዝኽረይ ምስ ጥዕንኡ እንተሎ ፈለማ ‘ውን ተበግሶ ወሲድካ ዝነበርካ ይመስለኒ፣ምናልባት ብወገና ‘ውን ዘተባብዕ ባይታ ኣየጣታሕናን’ ሞ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮክትህበሉ እትኽእል ተኽሎታት ምርኣይ ጽቡቕ ይመስለኒ። ኣብ ቋንቋ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግጥሚ ይኹን ካልኦትዓውድታት ማለተይ እየ” ብምባል፡ ሓሳቡ ወስ ኣቢሉለይ ኔሩ’ዩ። እዚ ማዕረ ማዕረ ቃልሲ ሓርነት ብዘይጸገም ክግበር ዝከኣል ነገር’ዩ። ጉጅለ ህግደፍውን ድሓሪ ናጽነት ደኣ ተበላሽዩ’ምበር ኣብ ሜዳ ከሎስ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ብምውሳድ፡ ልዑል ተገዳስነት ኣብ ቋንቋ ብምርኣይ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክኢላታት ቋንቋ ከፍሪ ፈቲኑ ኔሩ’ዩ።

ናብ ክቡር ሓው ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ክሰግር፡ ባሻይ፡ ኣብ ርእይቶኻ “Words do not make language. It is only grammar that makes language “ሰዋስው እምበርቃላት ቋንቋ ኣይፈጥርን’ዩ!” እዩ ይመስለኒ ትርጉሙ። ብመጀመርያ ከምዚ ኪትብል ከለኻ ኣብ መንጐ ቃላትን ስዋስውን ዘሎ ዝምድና ዚዘንጋዕካ ኮይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ፡ ቃላት ሰዋስው ይፈጥሩ፣ ሰዋስው ከኣ ቅኑዕ ስነ ሓሳብ ወይ ድማ ሓረግ ይፈጥር፡ ሓረግ ከኣ ቋንቋ እዩ ዚፈጥር ይመስለኒ። ካልእ፥ “Your work is interesting, but requires team work,” “ስራሕካ ኣገዳሲ’ዩ ግን ናይ ሓባር ስራሕ ይሓትት” ኢልካኒ። ብርግጽ ናይ ሓባር ስራሕ ይሓትት’ዩ። እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግብኣና ግን እቶም ሰብ ብርዒ እንብሃል ኣነን ንስኻን ካልኦት ከማና ዝኣመሰሉንዶ ኣይኮናን ኢና? ኣነ ዝፈልጦ ንኣኻ፡ ንስኻ እትፈልጦ ድማ ንኣይን ንኻልእን እናተለጋገስና ክንመሃርን ክንምህርን ኣይንኽእልን ዲና?

ብተወሳኺ፥ ንስኻ ኮነ ካልእ ከምዚ ናትካ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ሰባት፡ ክፈልጡዎን ክርድኡዎን ዘሎዎም ጉዳይ ኣሎ። ሰዋስው ኣብ ክፍሊ፡ ህዝቢ ኣኪብካ ብምምሃር፡ ኣጽኒዕካ እተዘውትሮ ዓይነት ፊዚክስ ወይ ባዮሎጂ ከምዘይኮነ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሓደ ሰብ እዚ ቃል’ዚ መስተጻምር’ዩ፣ እዚ ድማ መስተዋድድ’ዩ፣ እዚውን ክንዲ ስም’ዩ ወዘተ. እናበልካ ስርዓተ ሰዋስው ብምንጋር፡ እሩም ቋንቋ ከተዛርቦ ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ካብቲ ሰብ ብርዕን ምሁራትን ዝጽሕፍዎን ዝዛረቡዎም እሩም ቃላት’ዩ ክመሃር ዘለዎ። መምሃራን፣ ጋዜጠኛታት፣ ጠበቓታት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣማሓደርትን መሳርሕቶምን ከምኡውን ኩሎም ስነጥበባውያን ናይ ግድን ተማሂሮምን ጽዒሮምን እሩም ቋንቋ ክጥቀሙ ኣለዎም። በዚ ኸኣ ብሰፊሑ እሩም ቋንቋ ናብ ህዝቢ ይሰጋገር፤ ከም ባህልን ልምድንውን ይወራረስ። ምዕባለን ዕብየትን እሩም ቋንቋ ከኣ በዚ መገዲ’ዚ ክረጋገጽ ይኽእል።

ከምኡውን እተን ክልተ መሰረታውያን መትከላት ጸሓፍቲ፡ ኣብ ግብሪ ክንሰርሓለን ይግባእ ይመስለኒ። መሰረታውያን መትከላት ጸሓፍቲ ዝብሃላ፥ ቀዳማይ ንዘይፍለጡ ወይ ድማ ዘይዝውቱራት ቃላት ምስ ህዝቢ ምልላይ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ንዝተረስዑ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ቃላት፡ ዳግም ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓሎም ንህዝቢ ምዝኽኻር እየን። ስለዚ ባሻይውን፡ ኣብ ጽሑፋትካ ከም ቀናዪ (ገጣሚ) መጠን ከምዚ ክትገብር ስነጥበባዊ ግዴታኻ’ዩ። ብዙሕ ቃላት ምፍላጥ ከኣ ንጽሑፍ ብፍላይ ድማ ንግጥሚ ከምድላይካ ገማጢልካ ከተመቅሮን ክትገልጾን እኮ’ዩ ዝሕግዘካ። ሃብቲ ቃላት ኣብ ናዕታ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ሓው በላይ ተወልደውን ከምዚ ኪብል፥ “ሓው መሲናስ ርእይቶኻ ቅቡል እዩ። እቲ ብጣዕሚዝብል ግን ንጣዕሚ ዘመልክት ዘይኮነ ካብቲ በጣም ዝብል ኣምሓርኛ ዝተወስደ እዩ።” ብምባል፡ ርእይቶኻ ሂብካ ኔርካ። ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ሓው። ኢትዮጵያውያን ብኸምዚ ዝገለጽካዮ እዮም ዝጥቀሙሉ፡ እንተኾነ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ግእዝ’ምበር ካብ ኣምሓርኛ ዝተውርሰ ዋላ ሓንቲ ቃል ዘሎ ኣይመስለንን። ግእዝ ከኣ ንትግርኛ፡ ትግረን ኣምሓርኛን ዝወለደ ገንኢ (ወላዲ) ቋንቋ’ዩ። ስለዚ ክቡር ሓው፡ ብጣዕሚ ካብ ኣምሓርኛ ዝመጸ ቃል ኣይኮነን። መበቆሉ ግእዝ’ዩ። ትርጉሙ ኸኣ ጥዑም፣ ምቁር ማለት’ዩ። ኣምሓሩ፡ ኣብ ክንዲ ኣዝዩ ወይውን ኣመና ምባል ብጣዕሚ ስለ ዝብሉ ግን ንሕናውን ንእኡ ተርጒምና ብኸምኡ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን።

ሓው ማይትእምባሶይራ እውን ከምዚ ኪብል ሕቶኡ ኣቕሪቡ ኣሎ። “first you should tell us about your Tigrigna language education’s background. How would we know some of the words that you use are not bogus?” ሕቶኻ እዚ ትጥቀመሉ ዘለኻ ቃላት፡ ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ክንጥቀመሉ ንኽእልዶ ኪብል’ኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ክንዳኡ ብዛዕባ ትምህርተይ ወይ ድማ ድሕረባይታይ ክትፈልጥ ካብ ደለኻ ግን ጸገም የብሉን። ብመጀመርያ ግን እቲ ኣነ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ትምኑይ ወይ ድማ ፋልሶ ዘይኮነስ 100% ግእዝ ዝመበቈሉ ትግርኛ ምዃኑ ከረጋግጸልካ እፈቱ።

ኣነ ናይ ስነ ቋንቋ ምሁር ኣይኮንኩን። ንቋንቋና ብዝምልከት ኣብ ዝተዋህበ ትምህርቲ እውን ዋላ ንሓንቲ ካልኢትውን ትኹን ኣይተኻፈልኩን። ምሁራትን ክኢላታትን ቋንቋ ትግርንኛ ዝጸሓፉዎ መጻሕፍቲ ግን ዳርጋ ዘየንበብኩዎን ዘይተመራመርኩሉን መጽሓፍ የለን ክብል እደፍር። በዚ መሰረት ከኣ ኣብቲ ቋንቋ ዘሎኒ ኣፍልጦ ክብ ኢሉ። ነዚውን ብናተይ ምርምርን መጽናዕትን ዝያዳ የስፍሖ ስለ ዘለኹ፡ ኣብ ቋንቋይ ከም ድላየይ ክጋላበጥ ኣኽኢሉኒ ኣሎ። ምዕባለ ቋንቋ፡ ብሓደ ክልተ ሰባት ስለ ዘይረጋገጽ ግን ኣፍልጦይ ምስ ህዝበይ ክካፈል ልዑል ተገዳስነትን ተወፋይነትን ስለ ዘሎኒ’የ ብዛዕባኡ ደጋጊመ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ካልእ፥ “the reason for not writing in Geez alphabet is because of its inconvenience of typing it (at least to me). The software I have is not robust enough to let me type more than few sentences.” ዝበልካዮውን ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ኣቲኻ ፊደላት ግእዝ ናብ ቀማሪትካ (ኮምፑዩተርካ) ኪትጽዕኖ ትኽእል ኢኻ። ንኣገልግሎቱ ግን ንዋናኡ ምውካስ ከድልየካ’ዩ። www.geezsoft.com

ኣብ መእወዳእታ መልሲ ዓለቓትኩም በዛ ሓው ወዲ እምባ ጋልያኖ ዝሃባ ርእይቶ ክዛዝሞ። ቅድሚኡ ግን ንሓው ወዲ እምባጋልያኖ/ማይተመናይ ስለ’ቲ ዝሃቦ ሃናጽን ኣተባባዕን ርእይቶኡ ደጊመ ብልቢ ከምስግኖ እፈቱ። “ነቲ ቛንቋና ዝዀነ ትግርኛኽንሕብሕቦን ከነዕብዮን ክንዕቅቦን ኣሎና። ትግርኛ ናቱ ዝዀነ ሰዋስውን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ኣለዎ። ኵላትና ነቲስርዓት ሓሊና እንተ ጽሒፍና ድማ ጽቡቕ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል። ስለዚ፡ ብናተይ ኣረኣእያ፡ ዝዀነ ይኹንጽሑፍ ክንጽሕፍ ከለና፡ ነቲ ዝጸሓፍናዮ ምልስ ኢልና ኸነንብቦን ክንእርሞን ኣሎና። እቲ ውልቀ ሰብ ነየናይመገዲ ተጠቒሙ ደኣሉ እሞ ኼረጋግጽ ዚኽእል፧ መጻሕፍቲ ሰዋስው ምንባብ፡ ኣዝዩ ጠቓምን ኣገዳስን እዩ። ነዚዚሕግዝ ብዙሕ መጻሕፍቲ ድማ ኣሎ። ከም እኒ “ሰዋስው ትግርኛ ብሰፊሑ” ዘርእስታ ብኣማኑኤል ሳህለእተዳለወት መጽሓፍ፡ ኣዝያ ጠቓሚት እያ።” ብምባል፡ ንኹልና ዝጠቅም ኣገዳሲ ሓበሬታሂቡና ኣሎ። ሃየ ንኹለንተናዊ ሃገራዊ ለውጢ ኢደይ ኢድካ ንበል።

ከም ዝፍለጥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ንኽብርን ሃብትን ናይዛ ሃገር’ኳ ብኸቢድ የብርስ እንተሎ፡ ብርሰትን ሃስያን ባህልና፣ ቛንቋናን እምነትናን (ክልቲኡ እምነታት) ግን መዘና የብሉን። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ስፍሕ ዝበለ’ኳ እንተ ኾነ፡ ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ዚስዕብ ይመስል፥ እቲ ቀዳማይ ባህልና’ዩ። ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ንኣዝዩ ውሑድ ድሑር ኣተሓሳስባታት ገዲፍካ፡ እቲ መብዛሕትኡ ግን ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣዝዩ ብሉጽን ክቡርን’ዩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ጉጅለ ሕሰም ይብለል ኣሎ። ምጥፍፋእ፣ ስሰዐ፡ ኣያ በያ፣ ደርሆ ጽውሪት ማለት ጉቦ፣ ሰበይ ሰብካ፣ ንኣይ ይጥዓመኒ፣ ዓበይትን ኣርካናትን ዘይምኽባር፣ ኣቦን ወድን ከምኡውን ሓው ንሓው ኣብ ቤት ፍርዲ ምውጣጥ፣ ፍትሕ፣ ጭካነ፣ ባህሊ እናበልካ ናብ ጓይላን ዳንኬራን ዘብዘብ ወዘተ. ይርአ ኣሎ፤ ስርዓት ኢሳያስ እዚ ኣውሪሱ ይሓልፍ ኣሎ።

ኣብ ቋንቋ እንተ መጺእና ኸኣ እዚ ህዝቢ “ቋንቋ ደኣ መንግስቲ ኣሎዎ’ንዶ” ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ምክትታሉን ምምዕባሉን ስለ ዝበዀረ፡ ቋንቋና ብድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። ሃስያ ቋንቋና ከኣ ካብተን ብጉጅለ ህግደፍ ዝወነና ማዕከናት ዜና’ዩ ዝፍልም። ንኣብነት፥ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እንተወሲድና፡ ዋና ኣሰናዳኢኣ ብፍጹም ብዛዕባ ጽሑፍን ስነጥበብን ኣምር ዘይብሉ፡ ተራ ጋዜጠኛ ስፖርት ዝነበረ ሰብ’ዩ። መለኪዒታት ሞያ ህግደፍ ግን ኣፍልጦ ዘይኮነስ ተማእዛዝነት ስለ ዝኾነ ጸገም የብሉን። ረቢናት (ምሁራት) ከምቲ ቀደም ኣብ ሜዳ “ንኡስ ብርጁዋ!” እናተባህሉ ዝህደኑን ዝደሃሉን ዝነበሩ ሎሚውን ፈላጣት ቋንቋን ባህልን “ዝንቡዓት!” እናተባህሉ ይጉነዩ ስለ ዘለዉ ቋንቋናን ባህልናን ብኸቢድ ይህሰ ኣሎ። ኪኢላታት ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሓንቲ ገጽ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ካብ 1000 ቃላት ብውሕዱ 100 ጌጋታት’ዮም ዘውጽኡ። ኣብ ራድዮን ተሌቪዥንንውን ከምኡ።

እቲ ዝዓበየ ዘሰክፍ ጉዳይ ከኣ እዞም ሕጂ ዘለዉ ኣብ ቋንቋናን ባህልናን ሰፊሕ ፍልጠት ዘሎዎም ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ኣፍልጦኦም ከየውረሱናን ከይሰነዱልናን ይሓልፉ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምድላው ከቢድ ብድሆ ከጋጥመና ብምዃኑ’ዩ። ብዓብይኡ ግን እቲ ሃስያ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ምዝርዛሩ ከይነውሓና ናብ ዝርዝሩ ኣይኣቱን’የ። ብሓጺሩ ግን እዞም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዛረቡዎ ቃላትን ዝጽሕፉዎ ጽሑፋትን ምውካስ እኹል ጭብጢ ስለ ዝኾነ ንሎሚ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ኣይክብልን’የ። ናይ መወዳእታ ግን ሓንቲ ኣብነት ክጠቕሰልኩም ፍቐዱለይ?

ኣብታ “መንእሰይ” ዘርእስታ ብድምጻዊ ቴድሮስ ሓጐስ እተዜመት ደርፊን ኣብታ “ኣባኻ’ዩ” ዘርእስታ ብድምጻዊት ሄለን መለስ ዝቐረበት ደርፊን ዘላ ቃል ገለ ክብለኩም። ክልቲአን ኣብ ፈስቲቫል ሳዋ’የን ተደሪፈን። ምናልባትውን ብሓደ ሰብ ዝተደርሳ ክኾና ይኽእላ’የን። ኣብ ክልቲአን ሓንቲ ጌጋ ትርጉም ዝተዋህባ ቃል ኣላ። ስነ ጥበበኛታት ረቢናት (መምህራን) ህዝቢ’ዮም። ብጌጋ እንተ ምሂሮም ድማ ወለዶ ብምልኡ ጠፊኡ ማለት’ዩ። እታ ብጌጋ ተተርጒማ ዘላ ቃል “ኣፍላ” እያ ትብል።

ከምዚ ኢሎም ድማ’ዮም በብወገኖም ዘዚሙዋ፥ “ኣፍላየ ኣፍላየ መንእሰይ ኣፍላ፣ ሳላ ብርክኻ’ወ እዛ ሃገር ደው ኢላ!” ይብል እርሩ። ሄለን መለስ እውን ብተመሳሳሊ፥ “ስለዚ ጎበዛይ ብርኪ ከይጠለመ፣ ዳምዳም ደኣ በል ኣፍላ ከሎ ዕድመ” ኢላ ተዝይም። እዞም ድምጻውያን እዚኣቶም ኣብ ቋንቋና ዘሎዎም ኣፍልጦ ድሩት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኩሉ ብዘይምፍላጦምውን ከም ገበን ክቑጸሮሎም ኣይግባእን። ንነገሩ እዚ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት’ዩ። ጉድለት ዝፍጽሙ ስነ ጥበበኛታት ግን እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮኑን። ኣነውን ኣብ ቀዳሞት ስራሓተይ ጌጋ ፈጺመ’የ።

እቲ ኣብ ዝባን ፎርቶ ኮፍ ኢሉ ንዝመጸቶ ጽሕፍቲ ሓደ ብሓደ ቃላታ ብምቑማል፡ ከም ገለ እንብዓል መ-መንግስቲ ፐ-ፖሊስ ሰ-ሰራዊት ወዘተ. ዝኣመሰሉ ቃላት እናለቐመ ስነጥበበኛታት ከከላብት ዝውዕል መማሪ ወይ ነቓፊ (censure) ግን እዚ ቃላት እዚ ጌጋ’ዩ ተተርጒሙ ዘሎ ኢሉ ዋላ ንእግረ መገዱ ክእርም ኣይክእልንድዩ? ወይስ ኣይፍቀዶንዩ? ብዝኾነ ኣፍላ ማለት ፈለማ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ኣፍለ ማለት ከኣ ጎበዝ ወይ በጽሒ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብዘን ቃላት ናይ ትርጉም ፍልልይ ስለ ዘሎ ከነስተውዕል ይግባእ። ኣብዚኣ ብዛዕባ ደረፍቲ ካብ ኣልዓልኩ ንእግረ መገደይ ክሓታ ዝደሊ ነገር ኣላ። ናይ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ጉዳይ እያ።

እዚ ወናም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ሓያል ኣበርክቶ ዝገበረ ድምጻዊ እዚ፡ ብኣስሉ (ብትውልዱ) ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ስለ ዝዓበየ ግን ኩሉ ደርፍታቱ ብቋንቋና፡ ብትግርኛ’ዩ። ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ግን ኣብ ተሌቪዥን ህግደፍ ተራእዩ ኣይፈልጥን! ስለምንታይ!? ብኣንጻሩ እቲ ናይ ሳሚ ብርሃነ ደጊሙ ዝደርፍ ሱዳናዊ፡ ብቐጻሊ ይርአ! ጽልኢ ህግደፍ እንኮላይ ምስቲ ቋንቋድዩ? ወይስ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ናብ ሳዋ ወሪዱ ስለ ዘይተዓለመ’ዩ? ቋንቋኻ ንዝደርፍ ወጻእተኛ ዝያዳ ወዲ ዓዲ ከተተባብዖ እኮ’ዩ ዝግባእ ይመስለኒ። ጉጅለ ምልኪ ግን ስነ ሓሳቡ’ምበር ቋንቋን ባህልን ኤርትራ ስለ ዘየገድሶ፡ ኩሉ ድሌቱ ዘይፈጸመ ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኤርትራዊ ወይውን ሰብ ኣይኮነን።

እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት’ዩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ኩሉ ብሳዋ ይሓልፍ ስለ ዘሎ፡ ሳዋ ማለት ከኣ ቀታሊትን ቀባሪትን እምነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነት፡ እምነት ዘሎዎ ወተሃደር ንምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን’ዩ። (እምነት ማለት ፈጣሪ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ ማለት ከምዘይኮነ መቸም ንኹልና ብርሩህ’ዩ።) ከምዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብሰንኪ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ዘይብሉ ጉጅለ’ዚ፡ እምነት ኣብ ኤርትራ ይበርስ ከም ዘሎ፡ ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ንኽእል ኢና።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣነ ልክዕ ከም ሰበይ ኣፍልጦይ ኣብ ቋንቋና ድሩት’ዩ። ካብ ካልእ ሰብ ዝፈልየኒ ነገር እንተሎ ግን ነዚ ኩሉ ኣነ ዝጽሕፎ ርእይቶ ይኹን ዘንብቦ መጻሕፍቲ ንቋንቋና መታን ከማዕብል ትግርኛ’የ ዝጥቀም። ተገዳስነተይ ንምዕቃቡውን ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ነገር ከኣ ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ፡ እተን መሰረታውያን መትከላት ጸሓፊ ማለት፡ ቀዳማይ ንዘይፍለጡ ወይ ድማ ዘይዝውቱራት ቃላት ምስ ህዝቢ ምልላይ ክኸውን ከሎ፣ ካላኣይ ከኣ ንዝተረስዑ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ቃላት፡ ዳግም ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓሎም ንህዝቢ ምዝኽኻር ምዃኑ’ዩ።

ስነጥበበኛ ግን እዘን ክልተ ነገራት ጥራይ ኣይኮነን ክገብር ዘለዎ፡ ስርዓተ ሰዋስውን ግቡእ ስርዓተ ነጥብን ዘማልአ ስነ ሓሳብን ኣዘራርባንውን ከዘውትር ኣለዎ። ቅኑዕ ስነሓሳብ ወይ ድማ ሕጊ ሰዋስው ድማ መጀመርያ ብብዓል ቤት’ዩ ዝፍልም፡ ድሕሪኡ ተሳሓቢ ይስዕብ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ግሲ ይመጽእ። ዝኾነ ጽሑፍ ብኸምዚ ኪቐውም ኣለዎ። ንኣብነት፥ ኣሰና ትግርኛ ጽሒፉ። እንተኢልና፡ ኣሰና ብዓል ቤት፣ ትግርኛ ተሳሓቢ፣ ጽሒፋ ድማ ግሲ እዩ። በዚ ኢና ድማ ክንምራሕ ዘለና። ሓሳበይ ጥራይ ይረዳኣዮም እምበር እንታይ ሕጊ ሰዋስው ዘኸትል ኣለኒ ብምባል፡ ቋንቋና ኣይነባላሹ።

ኣርካይቭ ኣብ ክንዲ ምባል ቤት መዝገብ ወይ ድማ ቤት ማህደር ኪብሃል ይግባእ።

ዶኩመንት ኣብ ክንዲ ምባል ሰነድ ኪብሃል ይግባእ።

ኣርቲክል ኣብ ክንዲ ምባል ዓንቀጽ ኪብሃል ይግባእ።

ቡምባ ማለት ማይ ዘተሓላልፍ ሻምብቆ ወይ ቱቦ ኪኸውን ከሎ፡

ቦምባ ማለት ግን ተተኳሲ ወይ ድማ ተፈንጃሪ ነገር ማለት’ዩ።

ኣዎንታዊ ኣብ ክንዲ ምባል እወታዊ ኪብሃል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ እወ እምበርኣዎ ስለ ዘይንብል።

 

ሊባ= ደቡባዊ ምብራቕ (መኣዝን ምድሪ)

ኣዜብ= ደቡባዊ ምዕራብ (መኣዝን ምድሪ)

መስእ= ሰሜናዊ ምብራቕ (መኣዝን ምድሪ)

ባሕር= ሰሜናዊ ምዕራብ (መኣዝን ምድሪ)

 

በሃም= ዚሰምዕ ክነሱ ኪዛረብ ግን ዘይክእል፡ ዓባስ

በሃር= ናይ ሓርማዝ ኣርሓ

“ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/01/2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • keren January 12, 2014

    wonderful!

  • MightyEmbasoyra January 12, 2014

    Mesinas,
    First, sorry for not say Mr. or Ms., since I have no idea what Mesinas is.
    Second, thank you for replying politely and we all should learn to respect others’ ideas/comments.
    Third, please allow me to provide constructive criticism. Ato Redi/Belay T./Meretse have provided you very valuable inputs and you should take them to heart and that will help you grow your literature. I agree with Ato Ahmed that a language is a mean of communication and I disagree with your response regarding to that. For instance, all English speakers do not have the same language and this will contradict with your assesment.
    Last but not least, I thank you for telling us your background on Tigrigna literature. You don’t have to go to school to be an expert on something. A lot of times, reading can be more important than going to school. I don’t mean to encourage anyone by not going to school though.
    Over all, what you are doing here is a service to all and too valuable and please keep it up!

    • MightyEmbasoyra January 14, 2014

      Meant to say all English speakers do not have the same “culture” rather than “language”

  • Tsehaye January 12, 2014

    Dear writer,

    There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. The Arabic language was/is a classic example in our neighbourhood that is still used (in the name of religion) to destroy many of the Middel East and African languages and with that the permanent loss of the identities (cultures and customs) of the natives. English, French and Spanish were used to destroy the native languages in Africa and other colonized countries in the nineteenth and twentieth centuries. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.

  • Yemane Johar January 12, 2014

    Dear: Mr.Mesinas I have a keen interest in learning and improving my command in the Tigrigna language and I read your articles/poems with that in mind. You are authentic in your Tigrigna delivery and the new words that you intentionally use to introduce are icing on the Cake! I Thank you for exerting your effort on something productive! Keep it up!

  • mesel January 12, 2014

    ልቢ ምስጋና ይግበኣካ’ዩ መሲናስ፡፥ ዕማም ኩላትና ኢኻ ኣብ ክንዲ ኩላትና ኮይንካ ትዓምም ዘለኻ።
    ብዝኾነ፥

    1. ንስኹም ምስ ንስኻትኩም
    2.ኢዩ ምስ እዩ
    3.ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቀንስትዮ
    4.ኑክሌሳዊ ምስ ኑክሌራዊ
    5.ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ
    እናኣናጻጸርካ እስከ ትርጉሞምን ኣጠቓቕመኦምን ሓግዘና

    ኣንነብዝፈልጦ
    1. ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን —-ኣብዚ እዋን’ዚ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ
    2. ሓዱሽ—–ኣብ ኣሰና ይኹን ኣብ ካልእ ወብሳይታት ንሓድሽ ዝብል ቃል ናይ ትግርኛ ተኪኡ ይረአ። ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ኣይንብልን ኢና
    3. ብዝነገርናዮም ግዜ——–ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜ ተባሂሉ ይእረም
    ኣብ ቀጻሊ የራኽበና፨

  • ER ITRAWIT January 13, 2014

    Mesinas,
    Netey Kulu tgebro zeleka be kelelu zre aykonen emo yekenyelna kbur haw.

  • hagos January 13, 2014

    Zikebreka mesinas gitmitatkan tshufatkan geltstin mebkolawyann eyom. iti astemhroka dima kitktslo etsfo. Ita afla afle kikwin alewo zibeljayo gin silmtay kemu ilka mebrhi ziyada midelku. silemntay inte ilkani afla ane kemzfelta tirguma wey ane abziabeklu kebabi kemta iti getamay ab derfi nay tedros hagos tetekumla zelo eyu. afla nhade betsihi mensey wey mejmeryu nizgbuz zelo mesey ziglits eyu. silezi wey iti bikemu zitekemlu ekbaibi bimlue gega alo wey niska meliska trguma reaya. wedhanka

  • Mesinas January 14, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ልሙድ ልባዊ ሰላምታይን ኣኽብሮተይን ብምቕዳም፡ ሎሚውን ከም ወትሩ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናይዚ ኣቕሪብኩሙለይ ዘለኹም ሕቶታትን ርእይቶታትን መልሲ ክህበኩም ክፍትን’የ። የቐንየለይ።

    ካብ ኻውኹም መሲናስ 14/01/2014

  • Twida January 15, 2014

    Dear Mesinas,

    Your article is very interesting and full of fascinating insights into the vernacular of Eritrea’s as well as Tigray’s Tigrina.

    You said, ” ኣርካይቭ ኣብ ክንዲ ምባል ቤት መዝገብ ወይ ድማ ቤት ማህደር ኪብሃል ይግባእ።
    ዶኩመንት ኣብ ክንዲ ምባል ሰነድ ኪብሃል ይግባእ። ኣርቲክል ኣብ ክንዲ ምባል ዓንቀጽ ኪብሃል ይግባእ።
    *, suggesting that we avoid or prefer one to the other. But don’t you think having many words (regardless of their origins) to express an idea or an object decreases ambiguity and increases understanding among the speakers (readers). For example , English language is said to have been greatly influenced by Latin not to mention that it has adopted many words from many other languages throughout history. For example, the Oxford English Dictionary has over 250,000 words whose origins are neither Latin nor the “old english”. As a result, it has become the dominant language in the world.

    *Emphasis is mine.

POST A COMMENT