Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትንታነታት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሓመድ ኣዳም ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉን መልስታቱን

ሬሳ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ሓመድ ኤርትራ ንከይለብስ ምኽልካል ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ወሪሑ። ርእሰ ኣጋንንቲ ኢሳያስ መልሲ ካብ ምሃብ ትም ዝመረጸሉ ምኽንያት ስዒቡ ዝመጾ ሕቶ ዝኸፍእ ምዃኑ ፈሊጡ ካልእ ነዚ ዘረስዕ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣብ ምህንዳስ ይርከብ። ልዕሊ

ሬሳ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ሓመድ ኤርትራ ንከይለብስ ምኽልካል ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ወሪሑ። ርእሰ ኣጋንንቲ ኢሳያስ መልሲ ካብ ምሃብ ትም ዝመረጸሉ ምኽንያት ስዒቡ ዝመጾ ሕቶ ዝኸፍእ ምዃኑ ፈሊጡ ካልእ ነዚ ዘረስዕ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣብ ምህንዳስ ይርከብ።

ልዕሊ ዝኾነ ወገን እዚ ጉዳይ ንደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ ዓቕሎም ኣጽቢብሎም። ምኽንያቱ እቲ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ቃል’ውን ትኹን በጨቕ ስለዘየበለ ከዳምቑዎ ዝኽእሉ ዕድል ኣይረኸቡን። ክንድዝኾነ ከምቲ ንሱ ግብሩ ፈሊጡ ጥርቅም ዝበለ ዓቕሊ ጌሮም ጊዜ ክጽበዩ እቲ ምቕላሕ ዝለመደ ህንጥዩነቶም ኣየኽኣሎምን።

ቀጺልና እንበኣር ባዕላዊ ትንታንኦም ምስ ክውንነታዊ መልሲ ንመልከት።

  1. ናይዝጊ ክፍሉ ሬስኡ ሓመድ ኤርትራ ዝተነፍገሉ ምኽንያት ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2010 ዓ.ም ምስ ስለያ ዓዲ እንግሊዝ ተሰማሚዑ ንፕሬሲደንት ኢሳያስ ንምቕታል ውዲት ብምግባር ዕጡቓት እንግሊዛውያን ኣብ ማያት ኤርትራ ስለዘእተወን ኣብ ወደብ ባጽዕ ስለዝሰለየን እዩ። እዚ እከይ ተግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን መራሒኣን ክፍጽም ዝሓለነ ሰብ መሬትና ንሬስኡ ትቕበለሉ ምኽንያት የለን። ኢሳያስ ንሕሉፍ ገድላዊ ኣበርክቶ መዋቲ ኣብ ግምት የእትዩ እዩ ሸለል ኢልዎ እንበር ብሂወቱ ከሎ ካብ ለንደን ኣንጠልጢሉ ዓዲ ብምእታው ፍርዱ ምሃቦ ኔይሩ።

እቶም እንግሊዛውያን ካብ ዕለት 7 ሰነ 2010 ስጋብ 14 ታሕሳስ 2010 መዛረቢ ኮይኖም ዝነበሩ፣ ሽድሽተ ወርሒ ዝኣክል ብዘይ ፍቃድ ኣብ ግዝኣት ማያት ኤርትራ ኣቲኹም ተባሂሎም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብናጻ ተለቒቖም። ንሶም ዝሓተትዎ ይቕሬታ ኣይነበረን። ገበነኛታት ኢኹም ኢሉ ዝበየነሎም ቤት ፍርዲ ውን የለን። ስለዚ እዞም ፐረዚደንት ክቕትሉ መጺኦም ዝተብሃሉ ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብ ዝልቐቁ እቲ ተሓባቢሩዎም ዝበሃል ዘሎ መዋቲ ደኣ ኣበይ እዩ እቲ ገበኑ? ብልክዕ እቲ ምኽንያት ከምኡ እንተኾይኑ’ኸ ሽዑኡ ጉዳይ እዞም እንግሊዛውያን ኣዘራራቢ ኮይኑሉ ኣብዝነበረ ጊዜ ስም ነብስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ከምተሓባባሪ ናይ ሽበራ ዘይተጠቕሰሉ ምኽንያት እንታይ ኔሩ? ሕጂኸ መልሓስ ህ.ግ.ደ.ፍ ሓጺራ ድያ ባዕሎም እዞም ደገፍቲ ህውቱት ትንታነ ዘቕርቡ ዘለው።

2. ናይዝጊ ክፍሉ ናይ እዋን ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ዝፈልጦ ኣገዳሲ ምስጢር  ንCIA ኣህሊፍ ሂቡ። ኣብ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ምስጢር ምውጻእ እቲ ዝኸበደ ገበን እዩ። ኣሽንባይ ምስጢራዊ ኣስራርሓ ንጸላኢ ምሕባር መስዋእቲ ናይ ሓውኻ ወይ ናይ ዓርክኻ እንዳፈለጥካ ንዝኾነ መቕርብ ወይ ፈታዊ ምንጋር ነውሪ እዩ። ናይዝጊ ክፍሉ ዝኣክል ምስ ኩሉ ዝነበሮ ከቢድ መዝነት ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጽም ባህሊ ኤርትራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ክንድዚ ዝርዝነቱ ክሕደት ፈጺሙ ተመሊሱ ሬስኡ ናብ ከርሲ’ዞም ጀጋኑ ዝሓቆፈት  መሬት ክኣትው ጽቡቕ ኣይኮነን። ብዓቢኡ መንግስትና እኳ ክፋኡ ካብ ምግላጽ ሰቲሩዎ ኣሎ።

እዚ ዜጋ’ዚ ምስጢር ናብ CIA ከምዘሕለፈ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ? ናይዝጊ ብዘይካ’ ቲ ምስ ኢሳያስ ኮይኖም ዝፈጸሙዎ ገበን ካልእ ዝፈልጦ ምስጢር ኣይነበረን። ስለዚ ንሱ ንባዕሉ ካብ ተሓታትነት ዘይድሕነሉ እንታይ ንምኽሳብ እዩ ኣሕሊፍ ዝህብ? በዚ ጉዳይ እዚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንባዕሉ’ ውን ተሓታቲ  እዩ’ ሞ ንዑዑ ዘወድስን ዝከላኸልን እንታይ ኣለኩም? መዋቲ ከምዚ ትብልዎ ዝርዝነቱ ሃገራዊ ክሕደት ዝፈጸመ እንተኾይኑ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ እንታይ ከዋጥዩ ናብ እንዳ መዋቲ በጺሖምን ወጻእታት ናይ ቀብሩ መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝስከም ገሊጾም? መልስኹም ስለዘይፈለጡ እዩ እንተኾይኑ ንስኹም ልዕሊኦም ክትፈልጡን ክትንትኑን ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስጋብ ኣብ ነብስኹም ዝበጽሓኩም ጥራሕ ተጸበዩ።

ናብ ቦታ ሓዘን ከይዶም ንስድራቤት ነፍስሄር ናይዝጊ ጽንዓት ይሃብኩም ዝበሉን ናይ ቀበሪ ወጻኢ ክንሽፍን ዝበሉን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ 

3. ናይዝጊ ክፍሉ ብዳሬክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ተኸሲሱ፣ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ መንበሪ ገዝኡ ምስ ፈተሽዎ ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ብዙሕ ጥረ ገንዘብ ተረኺብዎ። እዚ ገንዘብ እዚ ብናይ ስልጣን ብልሽውና ዝኣከቦ እዩ። ሰብ ንምክልኻል ሃገር ህይወታ እንዳበጀወት፣ ብዘይ ደሞዝ ንዳግመ ህንጻ ረሃጻ እንዳፍሰሰት ከላ መንግስትን ህዝብን ዘንበረልካ እምነት ኣጉዲልካ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዘሪፍካ ኣብ ዓዲ ጓና ካብ ምሕባእ ዝዓቢ ክሕደት ሰማእታት የሎን። ንከምዚኣቶም ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምቕባር ማለት ንኽብሪ እቲ ቅዱስ ቦታ ምምርሳሕ እዩ ይብሉ።

እቲ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መንበሪ ገዛ ነብስሄር ዝረኸቡዎ ገንዘብ ናይ መን ምዃኑን ብኸመይ ከምዝመጸን ክንደይ ምዃኑን ትፈልጡዎ ኣለኩም ድዩ? ባዕሉ ሊቀ ኣጋንንቲ ኢሳያስ ኣስኒቑ ዝሰደዶ እንተኾነ’ ኸ? ከመይ ኢሉ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ኢሳያስ ብጹዕ ካልእ ግን ዘይቕኑዕ ዝኸውን? ንምዃኑ ኣብ መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ዋላ’ውን ዝኸበደ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ሬስኡ ናብ ሃገር ከይኣቱ ዝኽልክል ወይ ኣብ ኤርትራ ከይቅበር ዝእግድ ወይ ፕረዚደንት ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወስድ ዘፍቅድ ዓንቀጽ ኣሎድ’ዩ?

4. ናይዝጊ ክፍሉ መልሓሱ ዒደር እያ። ንፕረዚደንት ኢሳያስ ፈርዖን ዝብል ሳጓ ኣውጺእሉ። ካብኡ ሰጊሩ’ውን ቅድመይ ሞይቱ እንተዝርእይ ኢሉ ይዛረብ ኔሩ። ስለዚ እዚ ሰብ’ ዚ ደላይ ሕማቕ መራሒ ሃገር ካብ ዝኾነ፣ ክፋእ ሃገርን ህዝብን ክርእይ ካብ ተመነየ፣ ሬስኡ ነተኣናግደሉ ምኽንያት የለን። ብቀደሙ’ውን መራሒና ከም ጠባዩ እዩ ዝሕዞ ነይሩ እንበር ካብ ዝሰርሖ ዘበላሽዎ እዩ ዝበዝሕ ኔሩ።

መልሓስ ነብስሄር ዋላ ዓንዴር ትኹን ሕጂ ዝትቐየረት ዘይኮነት መፋጥርቱ እያ። ንኢሳያስ ጥራሕ ኣይኮነን ፈርዖን ዘጠመቖ። ነቶም ዲሞክራስያውያን ባእታታት ኣብ 1973 ዓ.ም. ንለውጢ ዝተንቀሳቀሱ’ ውን መንካዕ ዝብል ስያመ ዘጥበቐሎም ንሱ እዩ። ሽዑዑ ግን ዘይ ስሞም ኣይትሃቦም ዝበሎ ዋላ ሓደ የለን። ኣብ ሞት በጺሕካ ወለዲ ጥራሕ እዮም ምስ ሸምገሉ ንደቖም ቅድሜኹም ይግበረኒ ዝብሉ እንበር፡ እሱኹም ደገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ’ውን ቅድሚ ኢሳያስ ክትመቱ ኣይትደልዩን ኢኹም። ስለዚ መዋቲ ኤህ ኢሉ ዝረገመሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ከይፈለጥኩምን ምባሉን ዘይምባሉን ከየረጋገጽኩም ንነብስሄር ሕማቕ ህዝብን ሃገርን ክርኢ ዝትምነ ዝነበረ ሰብ እዩ ኢልኩም ክትውንጅልዎን ኩነኔ ቀብሪ ዓደቦ ምኹንይ ክትገብሩ ናይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ተግባር ኣይኮነን።

ሕጂ ንመዋቲ ካብ ዝሰርሖ ዘበላሽዎ ይበዝሕ ነይሩ ክትብሉ እንተኮንኩም እቲ ናይ ስራሕ መዝነት ባዕሉ ኢሳያስ እዩ ዝህቦ ነይሩ። ስለዚ ናይዝጊ የበላሽው እንተኔሩ በቲ ብልሽውና ቀዳማይ ተሓታቲ ባዕሉ ኢሳያስ እዩ። ንጉስ ሃይለስላሰ ንሬሳ ካብ ማኪንኦም ወሪዶም ደው ኢሎም የሕልፍዎ ምንባሮም እዩ ዝዝንተው። ጽላለ ኢሳያስ ግን ብገዛእ ስልጣኑ ንመዋቲ ኣብ መድሓንቱ ዝተቐብረላ መሬቱ ከይዓርፍ ከልኪልዎ ንርእይ ኣለና።

5. ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ደኣ ከመይ ኢሉ ንኤርትራ ክኣትው? ምኽንያቱ ብኣፍ መንግስተይ እንዳበለ ብምስጢር ምስ ተቓወምቲ ውድባት ይራኸብ ኔሩ እንድዩ። መንግስትና ወግዓዊ መግለጺ ምግባር ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ንኸምዚኦም መገዲ ጥፍኣት ዝመረጹ ሓተላ ጊዚኡ ዘባኽነሉ እዋን ኣይኮነን።

ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣቶ መስፍን ሓጎስ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ንመደብ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቅ ነፍስሄር ናይዝጊ ምስተቓወምቲ ውድባት ርክብ ከምዘይነበሮ መስኪርሉ እዩ። ብሓቂ ምስንርእዮ’ ውን ብኸቢድ ሓሚሙ ዓራት ካብ ዝሕዝ ውሑድ ኣይገበረን። ስለዚ ልዕሊ እቶም ካብ ነዊሕ ዝፈልጡዎ ኮንኩም ባዕላዊ ትንታነኹም ብምሃብ ንዕብዳን መራሒኹም ምኹንይ ንምግባር ንመዋቲ ዘይታሪኹ ኣይትሰልሙዎ።

ጽንዓት ይሃባ ወ/ሮ ሓረጉ ብዓልቲ ቤት ነብስሄር ናይዝጊ ክፍሉ። ብመሰረት ለበውኡ ኣብ መሬት ዓደብኡ ክትቀብሮ ሳላ ዝጸንዕት ዕብዳን ኢሳያስ ተቓሊዑ እንበር ንሳ’ውን ካብ ሰብ ስለዝተወልደት ናብ ዓደቡኣ ወሲዳ ብኽብሪ ሓመድ ኣዳም መልበሰቶ ወይ’ ውን መለሳ ሓመድ የብሉን ኢላ ተስፋ ብምቁራጽ ኣብ ዘለዎ ዓዲ ምቐበረቶ’ ሞ ጊዜ ምስተለወጠ ኣስክሬኑ ኣልዒላ ብምውሳድ ለበዋኣ ብምፍጻም  ሕልናኣ መቕሰነት።

እዚ ወቅቲ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ጥዑይ ኣእምሮ ከምዘይብሉ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰዓብቱ ዝጸየኑሉ እዋን እዩ። እቶም ተሪፎም ዘለው በሃማት ሽሕኳ ጊዜ እንተገደፎም ኣብ ነብሶም ምስበጽሖም ግን ጣዕስኦም ዘይተርፍ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ከነረጋግጾ ንደሊ፣ ናይዝጊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቑባ ኣይሓተተን። ብምኽንያት ስድርኡ መንበሪ ወረቐት ኔሩዎ እዩ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ

14 መጋቢት 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mr. T March 14, 2012

    This is the most interesting article so far written about Naizghi’s death. The article is graced with wisdom and respect to the dead. One of the most important proverb in the English language is, “Opportunity knocks, but only once.” The death of Naizghi Kflu and the PFDJ’s refusal to allow remains to be buried in the village where he was borne have created so many opportunities for the opposition groups, but instead of taking advantage of the situation to hammer the regime’s immoral practice and convince many of the regimes supporters and the silent majority that the PFDJ regime does not only have a problem with the living but also with the dead, these rotten opposition groups and their myopic supporters have been denigrating Naizghi’s dead body. It is so disgusting indeed!

    • Eritrawi March 16, 2012

      Mr T, I agree with you that the opposition should concentrate in using the immoral deeds os the psycho leader (his decision not to allow Nizghi’s remains rest back home).
      Rest assured my friend the support for PFDJ is definitely dwindling down by the day, just because people have not publicly abandoned it, it does not mean they support PFDJ. If you know better ways in convincing PFDJ supporters to publicly dennounce it and work for democracy and prosperity of the country then as the saying goes enho meada eniho feres…..

  • M I March 15, 2012

    “ነዚ ክትግዕታ ዶ ትርህጻ”

    ኣማን ነብሲ። እዚ ሓበሬታ ምንጩ ካብ ተራ ሰብ ክኸውን ከምዘይክእል ርዱእ’ዩ። ብዝኾነ ምናልባት ብዘይካ ምዝራብ ምስማዕ ስለዘይትፈቱ ድኣምበር፡ እዚ ሕክያ ትብሎ ዘሎኻ ቅድሚ ልክተ ቕነ ድምጺ ኣሜሪካ ንኣቶ መስፍን ሓጎስ ኣብ ዘዛራረቡሉ እዋን “ ምናልባትዶ ገለ ዘረባታት ምስ ሰበስልጣን ዓዲ እንግሊዝ ተመሳጢሩ ኢልካ ምግማት ይክኣል ይኸውን ….” ክብል፡ በጨቕ ዘበሎ ሓበሬታት እዩ። ሕጂ ንስኻ ተገልቢጥካ ደገፍቲ ህግደፍዶ ደገፍቲ ኢሰያስ ኢልካ ንመን ከተታልል ኢኻ?

    ካልእኻ ድለ።

    ሱቕ ኢልካ ደኺምካ። ክንድዚ ጽሑፍ’ኳ ኣይመንድለየን።

    • Eritrawi March 16, 2012

      M I, are you saying what PFDJ have decided to do with Nizghi’s remains is right?

  • aman ande March 16, 2012

    hi ezi mot hzbi eritrea eyu zeraka ab zikone smiet keyatena
    emo hade seb resa kkele dea entay tblo

POST A COMMENT