Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ ክቡራት ሓለፍትን ኣባላትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ (ኤሃባደለ)

ብዛዕባ፡ ዝመጽእ ባይቶ፤ ባይቶ ኩላትና ምእንቲ ክኸውን ብመጀመርያ ንኩሉኹም ኣባላት ባይቶን መራሕትን ናይ ኣኽብሮትን ሕውነታውን ሰላምታይ አቕርብ ። ደጊመ ከኣ በቲ በብዓቕምኹም ንህዝብኹም ክትብሉ እትገብርዎ ዘሎኹም ስራሕን ተወፋይነትን ናይ ልቢ ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ነዛ ሓጻር መልእኽቲ ከስፍር ዝደረኸኒ

ብዛዕባ፡ ዝመጽእ ባይቶ፤ ባይቶ ኩላትና ምእንቲ ክኸውን

ብመጀመርያ ንኩሉኹም ኣባላት ባይቶን መራሕትን ናይ ኣኽብሮትን ሕውነታውን ሰላምታይ አቕርብ ። ደጊመ ከኣ በቲ በብዓቕምኹም ንህዝብኹም ክትብሉ እትገብርዎ ዘሎኹም ስራሕን ተወፋይነትን ናይ ልቢ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ነዛ ሓጻር መልእኽቲ ከስፍር ዝደረኸኒ እቲ ብብጾትና መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ዝተጻሕፈ ትዕዝብትታን ቁም ነገር ሓዘል ማዕዳታትን ምስኣንበብኩ እዩ። ለባምን መስተውዓልን ወገንካ ክነቕፈካን ክምዕደካን ከሎ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሓልዮት ዝተላዕለ ስለ ዝኸውን ከም ዓቢ ጸጋ እዩ ዝቑጸር።

ኣነ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ናይ ሃዋሳ ዓቢ ትጽቢት ዝነበሮም ካብቲ ኣብኡ ዝተመስረተ ባይቶ’ውን  ብመጠኑ ተስፋ ዝነበረኒ እየ። ባይቶ ክብል ከሎኹ ክልቲኡ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ማለተይ እዩ። ሕጂ እንተኾነ’ውን ምስቲ ኩሉ ርኡይ ሕጽረታት ናይቲ ባይቶ፡ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞን ክግምግሞ ከሎኹ በዚ ሰዓት’ዚ ብዘይክኡ ካልእ ኣማራጺ ወይ ዝሓሸ መቃለሲ ባይታ ከምዘየሎ እዩ ዝረኣየኒ።  ግን ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ካብ ኩሉ ወገናት ካብ ኣባላትን ተተስፈውትን ናይ ባይቶ ብዛዕባ ናብቶም መራሕቲ ዝውርወር ዘሎ ትዕዝብትታትን ጠለባትን ግዜ ከይወሰዱ (እቲ ነገር ኣዝዩ ከይሳዕረረ) ብቕልጡፍ  እንተመኸሩሉን እንተተኣረሙሉን ጥራይ እዩ እቲ ናይ ህዝቢን ሰዓብቶምን ተስፋን ሕልሚን ክማላእ ዝኽእል።

ሓቂ እዩ ገለ ሰባት እዚ ባይቶ’ዚ ካብ መሰረቱ ድልዱል ስለዘይነበረ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ትጽቢት ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ዝብሉ ኣሎዉ። ኣነ ግን ኣብቲ መሰረቱ ዘይኮነስ ኣብቲ ልዕሊ መሰረት ዝተሰርሐ ህንጻ እዩ እቲ ሽግር ዘሎ ኢለ ስለ ዝኣምን ሕጂውን ክመሓየሽን ነቲ እንዳተሃንደደ ዝመጸና ዘሎ ፈታኒ ግዜ ከገልግለና ከም ዝበቅዕ ጌርካ ክተዓራረ ይኽእል እዩ በሃላይ እየ። ኸምዚ ክብል ከሎኹ ምናልባት ኣባይ ዘሎ ናይ ባይቶ ኣራኣእያን ትጽቢትን ሕጅውን ከም ትማሊ ኣብ ዘይሕለል ተስፋ ስለ ዘዘንብል ይኸውን ካብቶም ካልኦት ብጾት ፍልይ ዝበለ እምነት ዘሎኒ።

ብዝኾነ ምስቲ ኩሉ እቶም ናይ መርበብ ኤውሮጳውያን ብጾት ዝብልዎ ትዕዝብታትን ማዕዳታትን ኣነውን ብምሉኡ እሰማማዓሉ እየ። ኣብ ርእስቲ ንሳቶም ብውሕሉል ኣቃራርባ ዝለገስዎ ብሱል ነጥብታት’ውን  ቁሩብ ዝውስኸሉ ኣሎኒ። ኽውስኸሉ ከሎኹ ግን ኣነ ኣራኣእያይ ኣብቲ ባይቶ ከም ናይ ብዙሓት ዝርእይዎ ዘይኮነስ ከም መሰጋገሪ ወይ ከም ናይ ሓጋዚ ተራ ከም ዝጻወት ኣካል ጌረ ከም ዝቖጽሮ ከስምረሉ እደሊ።  እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዝተፋላለዩ ጽሑፋተይ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረ ከም ዝገለጽኩዎ፡

ሀ) ለውጢ ካብ ውሽጢ ከም ዝመጽእን

ለ) ብዘይ ሓገዝ ናይ ኣብ ወጻኢ ዘሎና እቲ ዝድለ ለውጢ ከምዘይዕወት

ሐ) ግንከ ኩሉ ዓቕምና እንተዘይ ኣታሓባቢርናዮ (ከም ብባይቶ መሳሊ)፡ ፋሕ ኢልና እንገብሮ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሓገዝ፡ ብጣዕሚ ውሱን ከም ዝኾነን እዩ።

ሕጂውን ምናዳኳ ናይዚ “ብስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ፈተነ ምስ ረኣኩ ነቲ እምነተይ ኣጠንኪርዎ እዩ።  እቲ ናይ ውሽጢ ለውጢ ብዘይ ሓገዝ ናይ ኣብ ደገ ዘሎና ኤርትራውያን ፍጹም ዕዉት ክኸውን ኣሸጋሪ እዩ።  ኣድማዒ ሓገዝ ካብ ኣብ ደገ ዘሎና (ሓቢርና) እንተዘይረኺቡ ወይ እንተዘይሃልይዎ ንምድኻሙ ይኹን ንምፍሻሉ ቀሊል እዩ ዝኸውን። እዚ ከኣ በቲ ሓደ ወገን በቲ ዘሎ ናይ ውሽጢ ናይ ህግደፍ ናይ ሰኩሪቲ ጽዕቀት እቲ ነዚ ዘተግብር ጋንታ (ናይ ወተሃደራት ይኹን ሲቪል) ብዙሕን ውሕሉልን ምቅርራብ ንኽገብር ከሸግሮ እዩ፡፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ህዝቢ ከምቲ ንፈልጦ ብሓሳርን ፍርህን ተዋሒጡ ስለ ዘሎ ዋላ ብዓይኑ እንዳረኣየ ነቲ ዝትግበር ዘሎ ለውጢ ኣንኳይዶ (ከምዚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ እንርእዮ ዘሎናስ ይትረፍ) ከም ናቱ ኣሚኑ ብዉዑዩ ክካፈሎን ክደፋፍኦንሲ፡ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቲ’ውን ምእማኑን ምጽንባሩን ዘጣራጥር እዩ።  ከምዝመስለኒ እቲ “ስርሒት ፎርቶ’ውን” ናይቲ ህዝቢ ምጥርጣር ከየጠንከሮ ኣይክተርፍን እዩ። እምበኣር ኣብዚ እዩ እቲ ናይ ደገ ባይቶን ህዝብናን ዓቢ ተራ ክጻወት ዝኽእል።

እምበኣር ናተይ ተወሳኺ ትዕዝብቲ ኣብ ርእሲቲ ኣብ መርበብ ኤውሮጳውያን ዝተዘርዘረ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

1-    ኣትሪረ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ ኣዝዩ ክውሕድ ኣሎዎ በሃላይ እየ። 129 ኣባላት ባይቶ ኣሽንኻይዶ ኣብ ከም ናትና ኩነታት ንዘሎ ባይቶ፡ ኣብ ብዙሓት ዲቕ ዝበሉ መንግስታት እኳ ኣዝዩ ካብዚ ዝውሕድ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ እዩ ዘለወን፤ ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ እንተረኣና፡  ቶጎ 81፤ ቦትስዋና 63፤ በኒን 83 ኣይቮሪ-ኮስት 70፤ ጋምቢያ 53 ኣባላት ባይቶ ኣሎዉወን። ካልኦት ብዙሓት መንግስታት’ውን ኣሎዋ ኣብ ዓለም ካብ 129 ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ኣባላት ዘሎዉወን። ብሓጺሩ ክንድዚ(129) ዘይመጣጠንን ዘየድልን ቁጽሪ ዝተወሰነ ብስርዓት ስለ ዘይተጸንዔን ኣጉል ህርፋንን እዩ፡ እምበር እቲ ባይቶ ብሓቂ ክሰርሕ እንተድኣ ተደልዩ፡ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚት ኣካልን ተደሚሩ ካብ 30 ክበዝሕ ኣይነበሮን። ኣነ ብዛዕባ’ዚ ባይቶ ኣስፊሔ  ቅድሚ ጉባኤ ምጅማሩ ጽሒፈ ንዝግድሶም ኣካላት ኣቕሪበ ኔረ እየ። ንርእይቶይ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን።  በቲ ግዜ ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ኣብ ጉጅለታት ምስ ተኸፋፊልና ኣብቲ ዝተመደብኩሉ (workshop) ክልዕሎ ኢለ ምስሓተትኩ’ውን ብዘገርም ኩነታት በቶም ሓለፍቲ ናይቲ (workshop) ሓሳባተይ ንኸስምዕ ፍቓድ ተኸልኪለ እየ። ብዝኾነ ብሓቅን ብቕንዕናን ክስራሕ እንተተደልዩ ኣብ ቁጽሪ ምብዛሕ ዘሎ ጉድኣታት ኣዝዩ ብዙሕ ክኸውን ከሎ፤ ብኣንጻሩ ኣብ ቁጽሪ ምውሓድ ዘሎ ጥቕምታት ኣዝዩ ብሩህን ብዙሕን እዩ። ሓኻይም ምስ ዝበዝሑ ሕሙም ይመውት ይበሃል!

2-    ቀጺለ እቲ ባይቶ ብብዝሒ ኣባላት ወይ ብኮታ መሰረት ዘይኮነስ ብብቕዓት ኣባላት ክምስረት እዩ ዘሎዎ (qualty not quantity) በሃላይ እየ። ንኹሉ ወገን ነናቱ ዝውክል (ናይ ፖለቲካ ውድብ፣ናይ ክፍለ ሃገር፤ ናይ ሃይማኖት፤ ናይ መንእሰይ ናይ ወዘተ እንዳበልካ) ነቲ ቁጽሪ ምርባሑ ነቲ ባይቶ ከም ዘይሰርሕ ኢኻ እትገብሮ።  ከም ግቡእ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብቲ ባይቶ ዝምረጽ ንሓደ ጉጅለ ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘይኮነስ ንኹሉ ኤርትራዊ እዩ ክውክል ዘሎዎ። ስለዚ ኮታ ዝበሃል ኣብ ሞንጎ ሲቢክን ፖለቲካልን ማለት እቲ 60/40 ክፍፍል ምእንቲ ንኽሕሎ ምግባር ንግዜኡ ኣድላዪ እኳ ኢንተኾነ፤ ብዝተረፈ ግን ኩሉ ኣባል ጉባኤ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኪቡ፤ ካብቶም ዝቐርቡ ሕጹያት ተወዳዲሮም፤ እቶም ይበቕዑ እዮም (ንሃገርካ ኢልካ ኣብ ክንዲ ጉጅለኻ) ዝበሃሉ ብድምጺ ብልጫ ከም ዝምረጹ ይግበር። በዚ መገዲ’ዚ ኣብ ጉባኤ ዝምረጹ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ብሓቂ ወከልቲ ህዝቢ ንኽብሃሉ የብቅዖም እዩ።

ከም ናተይ ትዕዝብትን ኣገማግማን ኣባላት ባይቶ 30 እንተኮይኖም፡ 18 (60%) ካብ ሲቪክ 12 (40%) ከኣ ካብ ፖሊቲካል ፓርቲታት ይኾኑ። ካብዚኦም እታ ፈጻሚት ኣካል 7 (5 ቀወምቲ 2 ተለወጥቲ) እንተ ኮይና፤ እቶም 4 (3+1) ካብ ሲቪክ ይኾኑ፡ እቶም 3 (2+1) ከኣ ካብ ፖሊቲካል ፓርቲታት ይኾኑ ማለት እዩ። እቲ ስራሕ ምእንቲ ክስራሕ ሓለቓታት ዘይኮኑስ ሓገዝቲ እዮም ክበዝሑ ዘሎዎም።

3-    እቲ ባይቶ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጀት ሃልይዎ ብዝከኣል ካብ ህዝቡ ብዝተዋጽኤ ገንዘብ ክመሓደር ኣሎዎ። ንኣብነት ኣብቲ ፈጻሚ ዘገልግሉ (5) ምሉእ ግዜኦም ዝወፈዩ ኮይኖም፡ ምሉእ ኣበሎም ከኣ ካብቲ ባጀት ክኽፈለሎም ኣሎዎ፡፡ ወጻኢ ንናይ ኣባላት ባይቶ ኣኼባውን (4 ግዜ ኣብ ዓመት) ኣብቲ ባጀት ክኣቱ ኣሎዎ፡፡  እንተወሓደ እዘን ዝተጠቕሳ ወጻኢታት ካብ ጁባ ኤርትራውያን ክወጻ ክከኣል ኣሎዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ መንግስቲ እቲ ካልእ ወጻኢታት ዝሽፍኖ ውሑድኳ እንተዘይኮነ ይኣኽሎ እዩ።  ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ ከም ዝበሃል፤ እቲ ባይቶ ቅርጡው ኮይኑ ናብ ናይ ይምሰል ወይ ናይ ሽመት ዘይኮነስ ናብ ስራሕ ዘምርሔ ምዃኑ ምስ ተዓዘበ ህዝብና በዚ ሰዓትዚ ነቲ ዘድሊ ወጻኢ ኢደይ ኢድካ ኢሉ፡ ከም ዝሽፍኖ ብወገንይ ኣይጠራጠርን እየ። ካብ ንትርጉም ዘይብሉ 129 ትርጉም ንዘሎዎን ኣፍራዪን 30 ኣባላት ንዘሎዎ ባይቶ ክትሕግዝ/ከተዋጽእ ይቐልል።

4-    ኣብ መኽፈቲ ከም ዝበልክዎ ለባምን መስተውዓልን ወገንካ ክነቕፈካን ክምዕደካን ከሎ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሓልዮት ዝተላዕለ ስለ ዝኸውን ከም ዓቢ ጸጋ እዩ ዝቑጸር። ኹሉ ከም ዝርድኦ ዝሰርሕን ዝውፈን ጥራይ እዩ ዝጋገን ዝእረምን። ግንከ ንዕኡ ዝበቅዕ ልቦናን ተጻዋርነትን ክህልወካ ከሎ ከኣ ነቲ ነቕፈታኡን ማዕዳኡን ኣብ ክንዲ ብምጥርጣርን ብምትህልላኽን ብምውድዳርንሲ ከምቲ ኣማጻጽኡኡ ብቅኑዕ ሕልና ተቐቢልካ ርኢኻ መርሚርካ ከምቲ ዝድለ ተግባራዊ እርማት ከተርኢን ክትገብርን ከሎኻ ነቲ ማዕዳ ናብ ዝለዓለ ጸጋ ትሰቕሎ ኣሎኻ ማለት እዩ።  እዚ ቅዱስ ባህርያት እዚ ምስዚ ኣቲናዮ ዘሎና ተኣፋፊ ኩነታት ኣዛሚድና ክንሰርሓሉ ይግባእ። ምኽንያቱ እንተድኣ ነዚ እነካይዶ ዘሎና ባይቶኣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኽዓስሎ ኾይኑ፡ መሪሕነት ባይቶ ንዝተገብረ ጌጋታት ብወግዒ ምቕባልን ንኽዐርዮ ድማ ብምሉእ ሕልናን ዓቕምን ምብጋስን፡ ንምዕባለ ቃልስና ኣገዳስን ወሳንን ስጉምቲ ከም ምዃኑ ምስ ዝኣምን እዩ። ክምዚ ብምግባር እቲ ባይቶ ገዚፍ ግደ ክህልዎን ክጻወትን ይኽእል እዩ። ስለዚ መሪሕነት ባይቶ ናይ ባዕሉ ናይ ውሽጢን ናይ ግዳምን ጸገማቱ ኣሪሙ፡ ንሕዝቡ ዘሎዎ ሓላፍነቱ (ካብዚ ሕጂ ዘሎዎ ብዝለዓለ ደረጃ) ብግቡእ ክስከም ከም ዝኽእል ከእምን ኣሎዎ።  እዚ ምስ ዝገብር ጥራይ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ድጉል ተቓዉሞ በዚ ናይ ደገ ጥሙርን እሙንን ሓይሊ ተኣማሚኑ ንለውጢ ክሓስብን ክፍትንን ዝጅምር ምስኡ’ውን ብምስጢር ክሰርሕ ዝደልን።

ኣብ መወዳእታ ከኣ በዛ ቅድሚ ሕጂውን ዝተጠቕሰት ምሕጽንታ እዚኣ ክፋነወኩም ፍቐዱለይ፡፡

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍጠር ናይ ባይቶ መሪሕነት፡ መሪሕነት ቃልሲ ደኣንበር ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ዘይኮነ ኹላትና ኣብ ኩሉ ዓይነት ተቓውሞ ዘሎና ክንርድኦ ኣሎና። ስዒቡ ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ኣብ ዓድና ካብ ህዝብና ዝምንጩ ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባኣናን። ስለዚ እቶም ኣብ ኣቃዋውማን መጻኢ ዕድልን ናይ ባይቶ ወሳኒ ሓላፍነት ዘሎኩም ሓደራ እቲ ባይቶን ኣባላቱን ናይ ቦታ ምሓዝ ምቅድዳም ዘይኮነስ ከቢድ ተወፋይነትን፤ ሓላፍነትን፤ ናይ ስራሕ ብቕዓትን ዝሓትት ቃልሲ ከም ዝኾነ ኣሚንኩም እቶም ንዕኡ ክበቅዑ ዝኽእሉ ጥራይ ጉጅለይ ጉጅለኻ ወገነይ ወገንካ ከይበልኩም፡ ኣብ ባይቶ ንኽገልግሉ ዓድምዎምን ኣሳትፍዎምን ሕጸይዎምን ምረጽዎምን። እዚ እንተዘይተጌሩ ሳዕቤኑ ህግደፍ ክልወጥ እንዳተጸቤኻ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ህዝብኻን ሃገርካን ክበርስ እንዳረኤኻ፡ እንዳተሳቐኻ፡ ዕድሜኻ ክሳብ ዝጽንቀቕ ምጽባይ ማለት እዩ ዝኸውን። ኣይገብሮን ግዲ !

ምስ ጽቡቕ ምንዮትን ዓወትን ንዝመጽእ ‘ጉባኤ ንሓድሽ ባይቶ’

ብርሃነ ገ/ንጉስ

7/9/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Harnetna2013 July 10, 2013

    Brhane g/ngus, well said, these are good point, however in the number one, ‘ change can only come from inside’ that is possible but can not as well, it should be as well come from the united opposition.I agree we do not need international force in our land, but opposition force can change the reality, because the people inside can not move, they are afraid of the brutal regime.Lets work in both sides. your point is supportive. well said again.

  • Stefanos Temolso July 10, 2013

    Brother Berhane, specially the leaders of the political organizations will not listen to you. Because their basic aim is their organizations’ interest not the national interest. Whateever may be in their mind I wish they think twice before they make big deciusions.

  • Brhane Misghina July 10, 2013

    ዝኸበርካ ኣቶ ብርሃነ

    ኩሉ ዝቕበሎ ኣብ መሬት ዘይወድቕ ከበድቲ ነጥብታትካ ገና ኣብ ኣዋሳ ኣብ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ተዛሪብካዮ ዘኹርዕ ሓሳባት ስለዝኾነ ድማ ክትኮርዓሉ ይግባእ። እንተኾነ ግን ከምቲ ሽዑ ኣብ ኣዋሳ ተደጋጊሙ ዝበሃል ዝነበረን ከም ጉዳይ ምጽራግ ህግደፍ ውዲእና ኣብ ናጻ ሃገር ዘሎና ክመስል ኣካውና ሃገርና እንዳተባህለ ነዚ ብዙሕን ጥምዙሕን ባይቶ መስሪተና። ካልእ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብሓው እስቲፋኖስ ዝተባህለ መርሒነት ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ያኢ ናይ መጻኢት ኤርትራ ስልጣን ካብ ሽዑ ክመቓርሑ ዘርኣዩና ፍዳ ኣይትርስዖን ትኸውን ኣይሰምዑን እዮም፡፤ እሞ እዚ ቅዱስ ሓሳባት ምጽንጻል ባይቶ ናብ ዝወሓደ ቁጽሪ ይድግፎን ንተግባራውነቱ ድማ ንዝምልከቶም ኣካላት ሕብረተ-ሰብና ቆብዐይ ኣውጺኤ ብምድናን ኣእዳወይ ነሲኤ ይምሕጸኖም። “ኣይትርብሑ እምበር ኣይትብዝሑ መርገም ኣይኮነን” ከምዝበሃል ውሑዳትን ኣብ ስርሖም ጽፉፋትን ብፋይናንስ ብዓቕምና እንኽእሎምን ኩሉ ቅርጺ ዘለውዎ ባይቶ ክህልወና ዝበለጸ ይብል።
    ካልእ ክውስኾ ዝደሊ ኣብ ብዝሖም ይኹን ኣቃውምኦም ኣዝየ ዝንእዶም እዞም ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኢዮም። ምኽንያቱ ቁጽሪ ባይቶ ውሑድ ከምኡውን ፈጻሚ ገለ ክንርእዮም ዝግብኣና ዘይረኣናዮም መንእሰያት ህላውነቶም ምስሓተትና ግን ብናቶም ካብ ቃልሲ ክእለዩ ደልዮም ዘይኮነ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያታት ኣብ ቃልሲ ናይ ምስታፍ ዓቕሞም ከምዝወሓደ ንሰምዕ። ገለ ካብቲ ምኽኒታት ስእነት ብቑዕ መንቀሳቐሲ ካብን ናብን ኢዩ እሞ ኩልና ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ኩሉ ማሕለኻታት ፈሊጥና ዓቕምና ዝፈቕዶ መፍትሒ ክግበር እንተንጽዕር። ወደሓንኩም

    ኣምላኽ ንሃገርና ኤርትራ ይባርኽ
    ልበና ድማ የብዝሓልና

  • seliho July 10, 2013

    mr Birhane

    the article above is a kind of criticism to the BAYTO. it was wise to discuss it within your inner circle /Bayto. here, you as part of that Bayto, are not expected to tell the public that your Bayto is so weak from with in. it is not good for the image of that Bayto. there is what we call image and reputation of a new movement and its rules and regulations…its code of ethics, its values and taboos…but here you sold your image… i do not mean hide it from the mass, but these points that you have raised concerns the leadership.

  • ghezai July 10, 2013

    seliho
    Image it doesn’t bring victory unity and experience does

  • weygud July 10, 2013

    129? Let alone a party or a group, a formal government never form such a huge number.

    This is good for power politics. That is why the so called ECNDC is stuck in mud.

  • weygud July 10, 2013

    Seliho, I think you didnot read his article very well. He said that he had brought his concerns during group meetings, however, the didnot want to tske it well. What do you mean when you say that he should not tell the public?. We have the right to be informed whst is going on. We are stakeholders on the matter. I appreciate him very much. Transparency is one of the principles of democracy (what you are crying out, if you are real). The elected guys are not to coerce and execise power over the civil society, they are meant to serve and lead the opposition movement.

  • Kombishtato July 10, 2013

    ato Birhane, you are trying teach an old dog new tricks, good luck on that.

    ኣየየ ዓሰርተ ግዜ ሓድሽ ጀለብያ ጋማል ዓብደል ናስር ቀይርሎም፣ ስጋብ ሕጂ ድማ ከምታ ዝገደፎም ኣለዉ። ኣብ ግብጺ ክንደይ ለውጢ ዘይትራእየ ናይዚኦም ግና በዓል ተሓጺቦም ንጭቃ ።

  • NEW HOPE ERITREA July 10, 2013

    ¨ንረሳሕ ሲሚንቶ ብዝጋዕግዔ መውወልወሊ ጌርካ ምጽራይ መሊሱ መጭነዊኡ እዩ¨

    እንዳሓዘን እንተዘይበጺሕኩም WELFARE /FOOD STAMPS ክትክልኡ ኢኹም ዝበለኩም መንግስታዊ ሓይሊ ወይ ድርጅት የለን።ማንም ከየገደደኩም ድማ ዋላ ከም ሞት ትጸልኡዎ ሰብ´ውን እንተሞተ ትኸዱ ጥራይ ዘይኮነስ ገንዘብን እንጀራን ጉልበትኩምን ተወፍዩ፣ዘር ኢ መርገም ዝነበረ ሰብ እውን ፣ብሩኽ ሰብ እንድዩ ኔሩ ኢልኩም ንስድርኡ ተጻናንዑ።ንምንታይ ኣቦይ ቀሺ ምሓሪ ይኹኑ ሸኽ ኣልኣሚን ነጊሩኩም ወይ ሕልናዊ ሚዛን ደፊኡኩም ጥቕሙ ንሓደ ሕብረተሰብ ዓንዲሕቖ ስለዝኾነ ትፍጽምዎ ።ኣብ በትኽስያን ይኹን መስጊድ ድማ እቶም ብቴስታ ጌርካ ራዕ ተብሎም ቀሺ ይኹን ሓጂ፣ገዚቶም, እንድሕሪ ስግደት ወይ ቅጽዓት ጌሮምልካ ድማ ኢዶም ተሳሊምካ ትቕበሎ።ክሉ ሕለፉ ክትብሎም ኣንኳይ ክትሓስቦ ክትሓልሞ እውን ኣይትደፍርን።2% ኣየገደዱኻ ወይ እዚኣ እንተዘይጌርካ ክትእሰር ኢኻ ዘይበሉኻ ፣በቲ ሓቀኛ ኢልካ ዝኣመንካሉ፣ወኪል ፈጣሪ ጌርካ ስለ ዝኣመንካሉ ትግዝኦም ።

    ከምቲ ሸፋቱ ኤርትራ ዝገበርዎ፣ብሓይሊ ካብ ትሕቲ ዓራት ይኹን ካብ መሮር ኣገዲዶም ንሞት ዘይደፍኡኹም ፣ሃይማኖትኩም ይድፈር ኣሎ ክብሃል ቅድሚ ሰብ ብፍናን ትልዓሉ፣እዚ ናይ ብሓቂ እምነት እዩ።ዋላ ኣቦይ ቀሺ እንተዘየለዉ እውን እቲ ልዑል ፈጣሪ ይርእየና ኢልኩም ስለ ትኣምኑ ብዝክኣል ካብ ሓጥያት ትቑጠቡ።ሓጥያት እንተፈጸምኩም እውን ንመራሕ ሃይማኖትኩም ኬድኩም ትናዘዙ መታን ምስ ኣምላኽኩም ከተዓርቐኩም።እዚ ሓቀኛ እምነትን ፍቕርን ኣኽብሮትን እዩ፣ግዳጅ ሸፋቱ ዘይብሉ።
    ኣብ 1991,ኤርትራ ባርነታ ምስተጐናጸፈት ማንም ከይሓተቶም ኣዲስ ኣበባ ዝተወልዱን ዝዓበዩን ቆለውዕ ከይተረፉ፣ገዛውቲ ናይ ኣብሓጎታትን ,ጸዋሪ ዘይብለን ኣዴታትን ክሃንጹ ኤርትራ ሃገረሰባት ኣትዮም ።ነቲ ንዅናት ዝማህመነ ህዝቦም ክድግፉ።
    ስለዚ እዚ ሰብ ስለዘይተረድኦ እዩ ዘይመጽእ ዘሎ ወይ መሪሕነት ስለ ዝዛሕተለ እዩ ዝብል 100.000 ጊዜ ሰሚዕናዮ !!!
    ኣግሂደ ክነግረኩም ህዝቢ ጥቕሙ ስለ ዘይርኣዮ እዩ።እቲ ንሽፍትነት ቲፎዞ ኮይኑ ዘሕለፎም እውን ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረት ገደል ስለ ዝርኣዮ እዩ እምበር ኤርትራዊ ንዝኣመነሉ ጸዋዒ ውን ብዙሕ ኣይደልን እዩ።ኣብቲ ንዓጋመ ንኽድምስሶም ወይ ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከእትዎም ምስ ተጎስጐሰ´ውን ኣብ ጊዜ ውግእ ¨ዶብ¨ ፍርቂ ሚልዮን ብሓጺር ጊዜ ኣዋጺኡ እዩ።
    እዚ ናይ ሃዋሳ ይኹን ናይ ጀርመን ኣኼባ ድማ ብተስፋ ዝቖረጸ ህዝቢ, መሕለፍ ጊዜን መራኸብን እምበር ብፍናን ኣይተላዕለሉን።እቶም ዘቃናብርዎ እውን ፣ጀብሃ ነበር ፣እቲ ኤርትራዊ ቃልሲ ኣብ 1981 ከም ዘኽተመ ይፈልጡ እዮም ስለዚ ካብቲ ቢሒቑ እዩ ካብቶም ሰንከትቲ ኣይኮነን ምንም እኳ እቶም ሰንከትቲ ውን ብዙሕ ቦሶሮነት እንተሀለዎም።

    The always brilliant NHE

    n.b- Ireally emvy you guts ,having a brilliant person like me showing you the light.

    • NEW HOPE ERITREA July 10, 2013

      correction…….please read ……
      ¨n.b- Ireally envy you guys ,having a brilliant person like me showing you the light, is a blessing.

      thanx

POST A COMMENT