Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ ኣሰናዳእቲ መደብ ራድዮ ኤረና

እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ኣቐዲመ ብዕለት 20\10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ። ከም ዝበጽሖም ስለ ዘየረጋገጽኩ ድማ ድሕሪኡ ደጊመ ልኢኸዮ ኔረ። እንተኾነ ገና ክሳዕ ሕጂ ከም ዝበጽሖም ስለ ዘይፈለጥኩ፡ ሎሚውን ነዚ ሓድሽ መደባቶም ኣካቲተ ብመገዲ ኣሰና

እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ኣቐዲመ ብዕለት 20\10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ። ከም ዝበጽሖም ስለ ዘየረጋገጽኩ ድማ ድሕሪኡ ደጊመ ልኢኸዮ ኔረ። እንተኾነ ገና ክሳዕ ሕጂ ከም ዝበጽሖም ስለ ዘይፈለጥኩ፡ ሎሚውን ነዚ ሓድሽ መደባቶም ኣካቲተ ብመገዲ ኣሰና ኣቢለ እልከሎም ኣለኹ። ኣብዚ ‘ስለምንታይ እዚ ኹሉ ድኻም?’ ዚብል ሓታቲ ኣይሰኣንን ይኸውን። መልሰይ፥ ዕላማይን ዕላማ ራድዮ ኤረናን ሓደ’ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ጥራይ እዩ። ማለት፡ ዕላማናን ባግናን ራህዋን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ ምጉንጻፍ ስለ ዚኾነ።

ራድዮ ኤረና ከኣ ሓንቲ ካብተን ደም ንጹሃን ብዘይምፍሳስ፡ ኣንጻር ዉልቀ መላኺ ብምጥምጣም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ፍትሕን መሰልን ንምጉንጻፍ፡ እጃመን ዘበርክታ ዘለዋ ሓያለይ ኣሃዱታት ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዝኾነት፡ ጉድለታት እናረአኹላ ከምዘይምልከተኒ ትም ክብል ወይ ምስ ዘይምልከቶም ሰባት ኮይነ ክሓሚ፡ ግቡእ ኮይኑ ስለ ዘይተሰማዓኒ፡ ብጋህዲ ርእይቶይ ከፍስስ’የ መሪጸ። ደሓር ከምቲ፥ “ሰብ ዝምነዮ ኩሉ ሰናይ እዩ። ንኺረኽቦ ግን ኩሉ ሰናይ ኣይገብርን!” ዝብሃል፡ ኣነውን ከምቲ ዝምነዮ ሰናይ ኣይገብርን ይህሉ ይኸውን፡ ሰናይ ንኽገብር ግን ምኽሪ ማእምራት (ለባማት) የድልየኒ ማለት’ዩ። “ናይ ነገር ጣዕሙ ዝግታ፡ ናይ ፈላጥ ጣዕሙ ስቕታ!” እዩ ኢለውን ጌጋታት እናረኣኹ ትም ክብል ኣይመረጽኩን። ጻዕረይ፡ ከምቲ፥ “ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!” ከይከውን ግን ብዙሕ እትስፎ።

ክቡራት ኣዳለውትን ኣካየድትን ራድዮ ኤረና፡ ብምጀመርያ ኤርትራውን ሰውራውን ሰላምታይ ከቕርበልኩም እፈቱ። ብምቕጻል፥ ኣብ መብዛሕትኡ መደባት ራድዮ ኤረና ዘሎኒ ዕግበትን ኣድንቖትን ምስናይምስጋናኡ ክገልጽ እደሊ። ናይ ብሉጽ ብሉጽ ስለ ዘሎ ግን እተን ኣውራ ዝስሕባንን ክሓልፋኒውን ዘይደልየንን መደባት ከም ብዓል፥ “ካብ ዋዛታት መንግስትና፣ መንፈስ ጋዜጠኛን ንጉሰ ዓርከይን” ምዃነን ከነጽረልኩም እፈቱ። እዚ ክብል ከለኹ ግን እቲ ብኽብርቲ ሓውትና (ናይ ብሓቂ ኣምበሳደር ኤርትራውያን) ሜሮን እስቲፋኖስ ዚቐርብ፡ ንሃለዋት እቶም ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምልእቲ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምሕጋዝ ዝጽዕር መደብ፥ “ደሃይ ስደተኛታት” ሚዛን ኣጉዲለ ማለት ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚውን ነታ ተባዕ ሓብትና ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ብልቢ ከየመስገንኩዋ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣጆኺ በርትዒ ኤርትራዊት ማዘር ትሬዛ! ክብላ ድማ እፈቱ።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ናብ ዋና ዛዕባ መጽሓፍየይ ክምለስ፥ ናይ ሎሚ ቀንዲ ዛዕባይ ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ብሓው ተስፊት ዮውሃንስ ዝቐርብ ዘሎ ሰሙናዊ መደብ፡ “መደብ ጠጥዕሙ” እዩ። እዚ መደብ’ዚ ብሓቂ ንሓደ ናይ ስነ ጥበብ ኣምር ማለት ኣፍልጦን ርድኢትን ዘሎዎ ሰብ፡ ንስነ ጥበብ ሃገርና ኣዝዩ ሃሳዪን ኣዕናውን መደብ ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብኣማራርጻ ጽሑፋቱ፣ ብእዋንነቱን ኣውራ ድማ ብኣቃራርባኡን ምንም ኣድማዕነትን ሰሓብነትን ዘይብሉ፡ ናይ ግዜን ጉልበትን ክሳራ፡ ከምኡውን ንስነ ጥበብ ዘዐኑ መደብ ምዃኑ’የ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምክትታልን ምጽባይ ምምሕያሻትን ደምዲመ።

“ቅድሚ ከተረድእ ምፍታንካ ክትርዳእ ፈትን!” ከም ዝብሃል ግን መጀመርያ ብዛዕባ ዕላማ’ዚ መደብ ክርዳእ’የ ፈቲነ። ክርደኣኒ ግን ኣይከኣለን። ብዘይቀለዓለም፡ ማለት ከይብሉኒ ወይ ድማ ከይቅየሙኒ ከይበልኩ ድማ’የ ሕጂ ድኽመትን ኣድማዕነትን ናይቲ መደብ ዝገልጽ ዘለኹ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣብ ራድዮ ኤረና ንመደብ ጠጥዕሙ ዝሰመዐ ሰብ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ዝነበሮ ፍቕርን ባህግን ይመውት’ኳ እንተዘይበልኩ ከም ዝሓምም ግን ርግጸኛ’የ። ጠንቁ ኸኣ ዜማን ኣቀራርባን ሓው ተስፊት ዮውሃንስ፡ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ሓንትን ኣሰልቻዊትን ስለ ዝኾነት ጥራይ እዩ!

ስነ ጥበብ ርእሲ ኩሉ መደባት ራድዮ እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ዜና ጀሚርካ ክሳዕ ተራ ዕላል ፈነወ ራድዮ፡ ኩሉ ስነ ጥበብ ስለ ዚኾነ። ስለዚ ድማ ርእሲ ክጥዕን ንመላእ ኣካላትና ክቕልስን ምእንቲ፡ እቲ ንኣኡ ብቑዕ ዚኾነ ክኢላ ሰብ ክምደበሉ ይግባእ። ርእሲ እንተዘይጥዕዩ ነቲ ዝተረፈ ክፍሊ ኣካላትና ከም ዝጸሉን ከም ዘበላሹንውን ስርዓት ህግደፍ ህያው ምስክር’ዩ። ርእሲ’ቲ ጃንዳ ስለ ዝመሽመሸ’ዩ ሎሚ ኩሉ ኣካላት ህግደፍ በልዝዩ (በሻዕሻዕ ኢሉ) ዘሎ። ስለዚ፡ ስነ ጥበብ ኣብ ፈነወ ራድዮውን ርእሲ ብምዃኑ፡ ትም ኢልካ ብቐሊሉ ተራእዩ፡ ንመምልኢ መደብ ጥራይ ክኣቱ የብሉን። እቲ ነዚ ዕማም’ዚ ዘካይድ ብዓል ሞያ ከኣ ብሓፈሻ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ብፍላይ ድማ ኣብ ቋንቋ፡ ብውሕዱ መባእታዊ ኣፍልጦ ዘሎዎ ሰብ ክኸውን ይግባእ። ብውሕዱ ኣብ መንጎ ኣቱምን ኣንቱምን፣ ንስኻን ንስኻትኩምን፣ ንኣኽንን ንኣኻትክንን፣ ምሳኽን ምሳኻትክንን፣ ክሳዕን ክሳብን፣ ጥራይን ጥራሕን፣ ህሞትን፣ እዋንን ወዘተ. ከምኡውን ኣብ መንጎ ተሪሮምን ፈዂሶምን ዝንበቡ ቃላት ዘሎ ፍልልይ ዘይፈልጥ እንተ ኾይኑ፡ ጋዜጠኛ ስነ ጥበብ’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ።

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዚ መደብ’ዚ ኸኣ፥ ብመጀመርያ፡ ኣናብባ ጽሑፋት’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣናብባ ግጥሚ። ናዕታ፡ ናቱ ፍሉይን ዚሰማምዖን ዚወሃሃዶን ቃናን ዜማን ኣሎዎ። ንኣብነት፥ እቲ ግጥሚ ብዛዕባ ቃልስን መኸተን እንተኾይኑ፡ ዜማን ቃናን ናይቲ ናዕታ ነድርን ቁጠዐን ይሓትት፣ ብኣንጻሩ እቲ ናዕታ ናይ ፍቕርን ምኽርን እንተ ኾይኑ ኸኣ ህዱእን ልስሉስን ቃናን ዜማን ይሓትት፣ ናይ ሓዘንን ሽግርን እንተ ኮይኑውን ናቱ ናይ ምስቁንቋን ዜማን ቃናን ኣሎዎ፣ ናይ ሓጐስውን ከምኡ ናቱ ናይ ባህታን ወግዕን ቃና ኣሎዎ። እዛ ኣብ ኩሉ ዘይትቕየር፡ ወትሩ ብሓንቲ ቅኒት እትስማዕ ንሆሄያት (ፊደላት) ግእዝን ሳድስን እናዘባረቐት ቀጻሊ ብተስፊት ዮውሃንስ እንስምዓ ቃናን ዜማን ግን ምስምንታይ ከም እትምደብውን ኣይትርደኣንን’ያ።

ካልእ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መደብ ጠጥዕሙ ዝቐርቡ ናይ መሰነይታ ወይ ድማ ናይ መሰጋገሪ መደባት ዝኾኑ ዜማታት’ዮም። ብግዝያውነቶምን መልእኽቶምን ዝተምርጹ ክኾኑ ይግባእ። ንኣብነት፥ በቲ ነዛ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ኣንጸላሊዩዋ ዘሎ ሮሶብ (ጸሊም ጽዑቕ ደበና) ‘ጸላም ተዋሒጥና’ ኢልካ ክትንትን ጸኒሕካ፡ ብድሕሪኡ፥ “ብርሃን ኮይኑ በቃ ውልዕ ውልዕ” እትብል ናይ ድምጻዊ ዮሃንስ ትኳቦ ደርፊ፤ ከምኡውን ‘ሓርነትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ተመንዚዑ!’ ብምባል፡ ብዘለማ (ብጭቆናን ረገጻን) ሰብኣዊ መሰልና ከም ዝተቐንጠጠ ከተረድእ ጸኒሕካ፡ ብድሕሪኡ፥ “ካልእ ሓርነት የለን!” እትብል ናይ ድምጻዊ ተስፋኣለም ኣራፋይነ ደርፊ እንተ ደኣ ኣድሪፍካስ፡ ‘ብዛዕባ ምረትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ’የ ዝገልጽ ዘለኹ’ ክትብል፡ ግብራውነት ዘሰነዮ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ‘ንሓርነትን ፍትሕን ንኽቃለስ’የ ህዝቢ ዝጉስጉስ ዘለኹ’ ክትብልውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ብዙሓት ቀነዪቲ (ገጠምቲ) ከም ዝሰማምዕሉ፡ ሓይሊ ናዕታ፡ ካብ ኣብ ትሕዝቶኡ ኣብ ኣናብባኡ ከም ዝንጸባረቕ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ስነ ጥበብን ባህልን ሃገርና፡ ቀደም ብገዛእቲ ሓይልታት ምስ ተቐትለ፡ ሎሚ ብጉጅለ ህግደፍ’ዩ ዝቕበር ዘሎ! (ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት እናሰነኹ ኣብ ቀጻሊ ተንቲነ ከቕርብ ምዃነይ ቃል እኣቱ) ቋንቋና፡ ቋንቋ ትግርኛ ስለ ዝተዛረብናሉን ዝጸሓፍናሉን ጥራይ፡ ቋንቋና ዚምዕብል ዘሎ ዝመስሎም የዋሃትውን ስለ ዘለዉ። ስለዚ፡ ኩሉኹም ኣባላት ራድዮ ኤረና፡ ዋላ’ኳ ንእኡ ዝበቅዕ ጋዜጠኛ ናይ ምርካብ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብን ኣጸጋምን ክኾነኩም ከም ዚኽእል ዝርደኣኒ እንተ ኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ግን ኣብዚ መደብ’ዚ ዘሎኩም ኣረኣእያን ኣቀራርባን ዳግመ ግምት ክትገብሩሉ ብትሕትና እናተማሕጸንኩ ናብ መደብ “ሽኮሪናታት” ክሰግር ፍቐዱለይ? ብቕድሚኡ ግን ንጋዜጠኛ ሓው ተስፊት ዮውሃንስ፡ ባዕልኻ ተበግሶ ወሲድካ፡ ኣብቲ ንስኻ ብዝያዳ እተድማዓሉ ስራሕ ተዋፈር፡ ዘለኻዮ ቦታ ኣይቦታኻን’ዩ! ብምባል፡ ሕውነታዊ ምኽረይ ክልግሰሉ ደስ ይብለኒ።

ይቕጽል…

ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-03-2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • ktkat March 13, 2014

    hawna Mesinas ezi medeb sport zenibib gazeytena ewn entezeytegagye sehabnet yeblun kenibib enkelo nastro tineks zela tape eyu zitiem wey kemehaysho alewo wey kikyer alewo wey ewn eti medeb sport zibehal kiterf alewo entay ke sport adlyuna eyu bezi lomi ewan sporteynatat sport gedifom enahademu mukan hakom ke’a sport kem kuinat tekoxiru bjeneralat enatemerhe de’a emo entay kigebru kab kuinat seb kihadm tixibeyo eka

  • simon March 13, 2014

    kbur haw mesinas kab zgermeka ane hanti mealti ms semaekwa bdhriu teklala semieya ayfeltn klu azi zbelkayo haki au emo neta medeb kemahayshwa tesfa ngebr

  • abraham March 13, 2014

    አቶ መሲናስ ይቃለሱ ምበር ኣብ ሰራሕ መንግስቲ ተመዲቦም እኳ ኣይኮኑን ዝሰርሑ ዘለዉ democracy ትፈልጥ ዶ ብልክዕ፧መሰል ግሂስካ ኣለኻ!ኣማኒኤል ድማ ዓገብ ኣይትጋገ ንሶም ባዕላቶም ኣለውዎ;please respect them this is not yours amanuel. so ዓገብ amanuel eyasu

  • ANTUM SEBAT March 13, 2014

    NAY BEHAKI QUBUL RE’EYTO REDIO ERENA HSEBULU !!!!!!!!!!

  • Mihretu Berhe March 13, 2014

    Anta mesinas kndey testbahil bejaka. Ane kulu gzie ksema keleku; anta seb dyu tesaeinu iye zbl niere. kem memlei nay programom ztkemula eyu zmesleni nieru: leka eti segem nay kulatna eyu:: kla bel ezi wedis kab sbah jemirom yakleka entezblwo::

  • Zufana March 13, 2014

    Haw Mesinas, Let’s just say ‘Radio Erena’ have still a program that is “work under progress”. In other word, it needs more time for perfection.

  • yelewun moitom March 14, 2014

    ሃዉና መሲናስ ሎሚስ ነቲ ትሃቢካ ኢትሰዶ መልክትስ ከተማሃድረሉ ጀሚርካ ኣስማቶም ገሊጾም ንሂወቶም ኣብ ሃደጋ የአቲዮም ዝካለሱ ካብ ስራህ ክተባሪሮም ትፍትን ኣለካ ኣገብ ስምካ ኣይንፈልተካ ኣበይ ከምዘለካ ኣይንርየካ ጽሁፍካ ከነንብብ ትንፋስና ወጽናስ ንፈልቶምን ንርየምን መንሰያት ኣብ ክንዲ ተስፋ ምሃብካስ ገጋ ኣገብ ድማ

  • McKefa March 16, 2014

    Bmeseretu Radio Arena Bisim Hzbi Mesheqeti GenEb ember WetsiA hzbi ziridOm aymeslenn…..Biantasru Degefti Mengisti Koynom yom zisimiEka…Gn zeyTeAdene Genzeb sle Zihafsilu Yiqesil all…KiKat elka RiEto zihabKa sport TitseliE mesleni..gn ETA zihashet medeb sport eya..

  • sofia March 18, 2014

    NAB HAWINA MISENAS
    BZEABA RADIO ERENA ZITSHAFIKAYO AYISEMAALUN EYE MEDABATOM ZIWETSO YEBILUN.HANTI ZIRESEAKAYA ZELA AB MEDABATOM KIREMWA ZELWU ABAY GEGA,PRESDENT ISEYAS TIBILIL TIRAY ZELATOM GEGA MEN ZIMERTSO PRESDENT AYRIDANIN NIFTHI NIKALES ALENA ENDABELU DICTATOR KIWHIDO,MIANALBAT BINIAM AB ENDA ZENAKOLO SILEZILEMEDA YIKEWIN.

  • Mesinas March 19, 2014

    ዝኸበርኪ ሓብቲ ሶፍያ ዓለቕኪ ነቢበዮ። ዋላ’ኳ ከምዚ ከማይ ነዊሕን ዓሚቊን መጽናዕቲ ጌርኪ ርእይቶ ትሂቢ እንተዘይሃለኺ ዝመስለክን ዝስማዓክን ትዛረቢ ስለ ዘለኺ ግን ተጋጊኺ ክብለኪ ኣይክእልን’የ። ርእይቶይ ግን ብቕንዕና እንተተሰሪሑሉ ንምዕባለን ዕብየትን ራድዮ ኤረና ብዝለዓለ ዝድርዕ’ምበር ዝሃሲ ከምዘይኮነ 100% ርግጸኛ’የ። ከምኡውን እቲ ናይ መላኺ ኢሳያስ ፕረዚደንት ምባልን ንጉጅለ ህግደፍ መንግስቲ ኢልካ ምጽዋዕን ክልተ ነገር’የ ዝብሎ። 1ይ ከምቲ ኣብ ጽሑፈይውን ዝገለጽኩዎ ንድምጺ ኣመሪካ ናይ ምምሳል ድሌት ስለ ዘሎ’ዩ። እቲ 2ይ ድማ እንታይነት መንግስትን ትርጉም ፕረዚደንትን ካብዘይምፍላጥን’ዩ እየ ዚብል።

POST A COMMENT