Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ ኣሰናዳእቲ መደብ ራድዮ ኤረና

እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ኣቐዲመ ብዕለት 20\10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ። ከም ዝበጽሖም ስለ ዘየረጋገጽኩ ድማ ድሕሪኡ ደጊመ ልኢኸዮ ኔረ። እንተኾነ ገና ክሳዕ ሕጂ ከም ዝበጽሖም ስለ ዘይፈለጥኩ፡ ሎሚውን ነዚ ሓድሽ መደባቶም ኣካቲተ ብመገዲ ኣሰና

እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ኣቐዲመ ብዕለት 20\10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ። ከም ዝበጽሖም ስለ ዘየረጋገጽኩ ድማ ድሕሪኡ ደጊመ ልኢኸዮ ኔረ። እንተኾነ ገና ክሳዕ ሕጂ ከም ዝበጽሖም ስለ ዘይፈለጥኩ፡ ሎሚውን ነዚ ሓድሽ መደባቶም ኣካቲተ ብመገዲ ኣሰና ኣቢለ እልከሎም ኣለኹ። ኣብዚ ‘ስለምንታይ እዚ ኹሉ ድኻም?’ ዚብል ሓታቲ ኣይሰኣንን ይኸውን። መልሰይ፥ ዕላማይን ዕላማ ራድዮ ኤረናን ሓደ’ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ጥራይ እዩ። ማለት፡ ዕላማናን ባግናን ራህዋን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ ምጉንጻፍ ስለ ዚኾነ።

ራድዮ ኤረና ከኣ ሓንቲ ካብተን ደም ንጹሃን ብዘይምፍሳስ፡ ኣንጻር ዉልቀ መላኺ ብምጥምጣም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ፍትሕን መሰልን ንምጉንጻፍ፡ እጃመን ዘበርክታ ዘለዋ ሓያለይ ኣሃዱታት ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዝኾነት፡ ጉድለታት እናረአኹላ ከምዘይምልከተኒ ትም ክብል ወይ ምስ ዘይምልከቶም ሰባት ኮይነ ክሓሚ፡ ግቡእ ኮይኑ ስለ ዘይተሰማዓኒ፡ ብጋህዲ ርእይቶይ ከፍስስ’የ መሪጸ። ደሓር ከምቲ፥ “ሰብ ዝምነዮ ኩሉ ሰናይ እዩ። ንኺረኽቦ ግን ኩሉ ሰናይ ኣይገብርን!” ዝብሃል፡ ኣነውን ከምቲ ዝምነዮ ሰናይ ኣይገብርን ይህሉ ይኸውን፡ ሰናይ ንኽገብር ግን ምኽሪ ማእምራት (ለባማት) የድልየኒ ማለት’ዩ። “ናይ ነገር ጣዕሙ ዝግታ፡ ናይ ፈላጥ ጣዕሙ ስቕታ!” እዩ ኢለውን ጌጋታት እናረኣኹ ትም ክብል ኣይመረጽኩን። ጻዕረይ፡ ከምቲ፥ “ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!” ከይከውን ግን ብዙሕ እትስፎ።

ክቡራት ኣዳለውትን ኣካየድትን ራድዮ ኤረና፡ ብምጀመርያ ኤርትራውን ሰውራውን ሰላምታይ ከቕርበልኩም እፈቱ። ብምቕጻል፥ ኣብ መብዛሕትኡ መደባት ራድዮ ኤረና ዘሎኒ ዕግበትን ኣድንቖትን ምስናይምስጋናኡ ክገልጽ እደሊ። ናይ ብሉጽ ብሉጽ ስለ ዘሎ ግን እተን ኣውራ ዝስሕባንን ክሓልፋኒውን ዘይደልየንን መደባት ከም ብዓል፥ “ካብ ዋዛታት መንግስትና፣ መንፈስ ጋዜጠኛን ንጉሰ ዓርከይን” ምዃነን ከነጽረልኩም እፈቱ። እዚ ክብል ከለኹ ግን እቲ ብኽብርቲ ሓውትና (ናይ ብሓቂ ኣምበሳደር ኤርትራውያን) ሜሮን እስቲፋኖስ ዚቐርብ፡ ንሃለዋት እቶም ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምልእቲ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምሕጋዝ ዝጽዕር መደብ፥ “ደሃይ ስደተኛታት” ሚዛን ኣጉዲለ ማለት ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚውን ነታ ተባዕ ሓብትና ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ብልቢ ከየመስገንኩዋ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣጆኺ በርትዒ ኤርትራዊት ማዘር ትሬዛ! ክብላ ድማ እፈቱ።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ናብ ዋና ዛዕባ መጽሓፍየይ ክምለስ፥ ናይ ሎሚ ቀንዲ ዛዕባይ ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ብሓው ተስፊት ዮውሃንስ ዝቐርብ ዘሎ ሰሙናዊ መደብ፡ “መደብ ጠጥዕሙ” እዩ። እዚ መደብ’ዚ ብሓቂ ንሓደ ናይ ስነ ጥበብ ኣምር ማለት ኣፍልጦን ርድኢትን ዘሎዎ ሰብ፡ ንስነ ጥበብ ሃገርና ኣዝዩ ሃሳዪን ኣዕናውን መደብ ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብኣማራርጻ ጽሑፋቱ፣ ብእዋንነቱን ኣውራ ድማ ብኣቃራርባኡን ምንም ኣድማዕነትን ሰሓብነትን ዘይብሉ፡ ናይ ግዜን ጉልበትን ክሳራ፡ ከምኡውን ንስነ ጥበብ ዘዐኑ መደብ ምዃኑ’የ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምክትታልን ምጽባይ ምምሕያሻትን ደምዲመ።

“ቅድሚ ከተረድእ ምፍታንካ ክትርዳእ ፈትን!” ከም ዝብሃል ግን መጀመርያ ብዛዕባ ዕላማ’ዚ መደብ ክርዳእ’የ ፈቲነ። ክርደኣኒ ግን ኣይከኣለን። ብዘይቀለዓለም፡ ማለት ከይብሉኒ ወይ ድማ ከይቅየሙኒ ከይበልኩ ድማ’የ ሕጂ ድኽመትን ኣድማዕነትን ናይቲ መደብ ዝገልጽ ዘለኹ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣብ ራድዮ ኤረና ንመደብ ጠጥዕሙ ዝሰመዐ ሰብ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ዝነበሮ ፍቕርን ባህግን ይመውት’ኳ እንተዘይበልኩ ከም ዝሓምም ግን ርግጸኛ’የ። ጠንቁ ኸኣ ዜማን ኣቀራርባን ሓው ተስፊት ዮውሃንስ፡ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ሓንትን ኣሰልቻዊትን ስለ ዝኾነት ጥራይ እዩ!

ስነ ጥበብ ርእሲ ኩሉ መደባት ራድዮ እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ዜና ጀሚርካ ክሳዕ ተራ ዕላል ፈነወ ራድዮ፡ ኩሉ ስነ ጥበብ ስለ ዚኾነ። ስለዚ ድማ ርእሲ ክጥዕን ንመላእ ኣካላትና ክቕልስን ምእንቲ፡ እቲ ንኣኡ ብቑዕ ዚኾነ ክኢላ ሰብ ክምደበሉ ይግባእ። ርእሲ እንተዘይጥዕዩ ነቲ ዝተረፈ ክፍሊ ኣካላትና ከም ዝጸሉን ከም ዘበላሹንውን ስርዓት ህግደፍ ህያው ምስክር’ዩ። ርእሲ’ቲ ጃንዳ ስለ ዝመሽመሸ’ዩ ሎሚ ኩሉ ኣካላት ህግደፍ በልዝዩ (በሻዕሻዕ ኢሉ) ዘሎ። ስለዚ፡ ስነ ጥበብ ኣብ ፈነወ ራድዮውን ርእሲ ብምዃኑ፡ ትም ኢልካ ብቐሊሉ ተራእዩ፡ ንመምልኢ መደብ ጥራይ ክኣቱ የብሉን። እቲ ነዚ ዕማም’ዚ ዘካይድ ብዓል ሞያ ከኣ ብሓፈሻ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ብፍላይ ድማ ኣብ ቋንቋ፡ ብውሕዱ መባእታዊ ኣፍልጦ ዘሎዎ ሰብ ክኸውን ይግባእ። ብውሕዱ ኣብ መንጎ ኣቱምን ኣንቱምን፣ ንስኻን ንስኻትኩምን፣ ንኣኽንን ንኣኻትክንን፣ ምሳኽን ምሳኻትክንን፣ ክሳዕን ክሳብን፣ ጥራይን ጥራሕን፣ ህሞትን፣ እዋንን ወዘተ. ከምኡውን ኣብ መንጎ ተሪሮምን ፈዂሶምን ዝንበቡ ቃላት ዘሎ ፍልልይ ዘይፈልጥ እንተ ኾይኑ፡ ጋዜጠኛ ስነ ጥበብ’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ።

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዚ መደብ’ዚ ኸኣ፥ ብመጀመርያ፡ ኣናብባ ጽሑፋት’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣናብባ ግጥሚ። ናዕታ፡ ናቱ ፍሉይን ዚሰማምዖን ዚወሃሃዶን ቃናን ዜማን ኣሎዎ። ንኣብነት፥ እቲ ግጥሚ ብዛዕባ ቃልስን መኸተን እንተኾይኑ፡ ዜማን ቃናን ናይቲ ናዕታ ነድርን ቁጠዐን ይሓትት፣ ብኣንጻሩ እቲ ናዕታ ናይ ፍቕርን ምኽርን እንተ ኾይኑ ኸኣ ህዱእን ልስሉስን ቃናን ዜማን ይሓትት፣ ናይ ሓዘንን ሽግርን እንተ ኮይኑውን ናቱ ናይ ምስቁንቋን ዜማን ቃናን ኣሎዎ፣ ናይ ሓጐስውን ከምኡ ናቱ ናይ ባህታን ወግዕን ቃና ኣሎዎ። እዛ ኣብ ኩሉ ዘይትቕየር፡ ወትሩ ብሓንቲ ቅኒት እትስማዕ ንሆሄያት (ፊደላት) ግእዝን ሳድስን እናዘባረቐት ቀጻሊ ብተስፊት ዮውሃንስ እንስምዓ ቃናን ዜማን ግን ምስምንታይ ከም እትምደብውን ኣይትርደኣንን’ያ።

ካልእ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መደብ ጠጥዕሙ ዝቐርቡ ናይ መሰነይታ ወይ ድማ ናይ መሰጋገሪ መደባት ዝኾኑ ዜማታት’ዮም። ብግዝያውነቶምን መልእኽቶምን ዝተምርጹ ክኾኑ ይግባእ። ንኣብነት፥ በቲ ነዛ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ኣንጸላሊዩዋ ዘሎ ሮሶብ (ጸሊም ጽዑቕ ደበና) ‘ጸላም ተዋሒጥና’ ኢልካ ክትንትን ጸኒሕካ፡ ብድሕሪኡ፥ “ብርሃን ኮይኑ በቃ ውልዕ ውልዕ” እትብል ናይ ድምጻዊ ዮሃንስ ትኳቦ ደርፊ፤ ከምኡውን ‘ሓርነትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ተመንዚዑ!’ ብምባል፡ ብዘለማ (ብጭቆናን ረገጻን) ሰብኣዊ መሰልና ከም ዝተቐንጠጠ ከተረድእ ጸኒሕካ፡ ብድሕሪኡ፥ “ካልእ ሓርነት የለን!” እትብል ናይ ድምጻዊ ተስፋኣለም ኣራፋይነ ደርፊ እንተ ደኣ ኣድሪፍካስ፡ ‘ብዛዕባ ምረትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ’የ ዝገልጽ ዘለኹ’ ክትብል፡ ግብራውነት ዘሰነዮ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ‘ንሓርነትን ፍትሕን ንኽቃለስ’የ ህዝቢ ዝጉስጉስ ዘለኹ’ ክትብልውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ብዙሓት ቀነዪቲ (ገጠምቲ) ከም ዝሰማምዕሉ፡ ሓይሊ ናዕታ፡ ካብ ኣብ ትሕዝቶኡ ኣብ ኣናብባኡ ከም ዝንጸባረቕ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ስነ ጥበብን ባህልን ሃገርና፡ ቀደም ብገዛእቲ ሓይልታት ምስ ተቐትለ፡ ሎሚ ብጉጅለ ህግደፍ’ዩ ዝቕበር ዘሎ! (ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት እናሰነኹ ኣብ ቀጻሊ ተንቲነ ከቕርብ ምዃነይ ቃል እኣቱ) ቋንቋና፡ ቋንቋ ትግርኛ ስለ ዝተዛረብናሉን ዝጸሓፍናሉን ጥራይ፡ ቋንቋና ዚምዕብል ዘሎ ዝመስሎም የዋሃትውን ስለ ዘለዉ። ስለዚ፡ ኩሉኹም ኣባላት ራድዮ ኤረና፡ ዋላ’ኳ ንእኡ ዝበቅዕ ጋዜጠኛ ናይ ምርካብ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብን ኣጸጋምን ክኾነኩም ከም ዚኽእል ዝርደኣኒ እንተ ኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ግን ኣብዚ መደብ’ዚ ዘሎኩም ኣረኣእያን ኣቀራርባን ዳግመ ግምት ክትገብሩሉ ብትሕትና እናተማሕጸንኩ ናብ መደብ “ሽኮሪናታት” ክሰግር ፍቐዱለይ? ብቕድሚኡ ግን ንጋዜጠኛ ሓው ተስፊት ዮውሃንስ፡ ባዕልኻ ተበግሶ ወሲድካ፡ ኣብቲ ንስኻ ብዝያዳ እተድማዓሉ ስራሕ ተዋፈር፡ ዘለኻዮ ቦታ ኣይቦታኻን’ዩ! ብምባል፡ ሕውነታዊ ምኽረይ ክልግሰሉ ደስ ይብለኒ።

ይቕጽል…

ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-03-2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • hagos March 12, 2014

    hawna mesinas kemey kenika. tesfit yohnanis getamay eyu. abt tizebelkayo arebabha kalat dyu wela ab kulu nay kulna shigir eyu bi higiu silzeytemharnayo. silezi niska mejemrya nab balulu kitshfelu neyruka kitrimo inteabyuka dima titshf. nab erena kemzitsehafka gelitska ika. inte iti belika tebegso wesidka akaritso tiblo zeloka gin kurub akbrot zigodlo koynu yiseminai. izi salisin sadisin tblo zeloka dima iti niska kem mewekesi titkemelu nay tekie tesfay mezgebe kalat win tekone gega mikanu ziwekis tshuf alo. hade Dr sibhatu bizba izi metshaf aykonen metshaf elu dyu tshfwo ilu ni tekie tesfay gemznekefo youtube abzi sedidelka neyre reiayo emo niska win iti timgatelu zeloka sadisin salisin metu kemzeykone kiteflit ika silezi iti kirem zelwu kirem ni seb gin aybotkan mibal indie kurub deret zihalfe koynu rekibeyo

    • romay March 13, 2014

      ኣቶ መስዩና፡፡ ራድዮ ኤረና ከምቲ ዝመስላን እትደልዮን ጌራ ትግስግስ ኣላ። እንታይ
      ግበሪ ኢኻ ትብላ ዘሎኻ? ናትካ ምኽሪ ክወስድዎ ኣይደለዩን፡፡ መሰሎም ኢዩ ድማ፡
      እንድሕር ዘይተቀቢሎሙኻ ሱቕ ክትብል’ዩ ነይሩካ። ንስኻ ግን ከምዛ ናግራም ሰበይቲ
      ክንድዚ ምዕልባጥ እንታይ ኣምጽኦ፡ ራድዮ ኤረና ዘዋጽኦም ባዕሎም ይፈልጡ።
      ምኽርኻ ንኻልኦት ክኾነካ ከዝኖ፡፡
      ሮማይ

      • Hadge'anbes March 13, 2014

        ተናቖቱ በሉ ፣ መሰል ሰብ ዘይትፈልጡስ መሰል ድማ ትሓቱ ፣ ቶጓራት

      • Hadge'anbes March 13, 2014

        እሞ ንኣማኒኤል ሃጠው ቀጠው ግጥሚ ጽሒፍ ስለ ዝሃቦስ ክኢላ እዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ? ደሓር ድማ ኣብ ሞንጎ ምጽሓፍን ምንባብን ዘሎ ፍልልይ ትፈልጥ ዲኻ? ተስፊት ዮውሃንስ ግጥሚ ስለዝጸሓፈ ኣንቢቡ ይኽእል ማለት ኣይኮነን። ነቲ መሲናይ ብንጹር ትግርኛ ጽሒፍዎ ዘሎ ብትኹረት ኣንብብዎ ክርዳኣኩም እንተኾይኑ ፤ ብዘይ ኣፍልጦ ብስምዒት ምዝራብ ግን ትርጉም የብሉን። ንብነት ኣኪለ ብሉጽ ግጥምን ዜማን ይጽሕፍ ፣ ነቲ ዝጸሓፎን ዝደረሶን ባዕሉ ክደርፎ ስለዘይክእል ግን ንጣኒቆ ሂብዎ ፣ ጣኒቆ ድማ በቲ ብሉጽ መኣዛ ዘለዎ ድምጹ ኣቕሪብዎ። ብኣንጻሩ ድማ ጣኒቆ ክደርፍ እምበር ከምኡ ዓይነት ግጥምን ዜማን ክደርስ ኣይክእልን ፤ ስለዚ ስነጽሑፍ ፣ ግጥሚ ፣ ዜማ ፣ ስነጥበብ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ሰብ ከቕርቦ ኣይክእልን እዩ። መሲናይ ድማ ነዚ እዩ ሓቢሩ። ተስፊት ከኣ ዋላ ጸሓፋይ ግጥሚ ይኹን (እቲ ሃጠው ቀጠው ግጥሚ ተባሂሉ ብኣኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ ማለተይ እየ) ከንብብ ግን ኣይክእልን እዩ። እዚ ወድሓንካ

      • ERITRAWIT March 13, 2014

        romay,
        Erena is a very popular Radio station. I believe they have a right to do whatever they want but they should respond to person who is trying to tell them what MIGHT be better for the program. Even do I am not happy the way Mesinas finished his concern.
        you don’t need to undermine Mesinas contribution please don’t use not useful comments. Hey, this is what we do that is why we are here in a big mess what does it make us different from hgdefawyan then????

  • haile March 12, 2014

    Tesfit Yohannes is not only a talented poet he is also song writer. THe latest Amanuel Zemicahel’s song, leyti lebamat is written by tesfit http://www.youtube.com/watch?v=cbYKkjrg640

    • Hadge'anbes March 13, 2014

      Haile – እሞ ንኣማኒኤል ሃጠው ቀጠው ግጥሚ ጽሒፍ ስለ ዝሃቦስ ክኢላ እዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ? ደሓር ድማ ኣብ ሞንጎ ምጽሓፍን ምንባብን ዘሎ ፍልልይ ትፈልጥ ዲኻ? ተስፊት ዮውሃንስ ግጥሚ ስለዝጸሓፈ ኣንቢቡ ይኽእል ማለት ኣይኮነን። ነቲ መሲናይ ብንጹር ትግርኛ ጽሒፍዎ ዘሎ ብትኹረት ኣንብብዎ ክርዳኣኩም እንተኾይኑ ፤ ብዘይ ኣፍልጦ ብስምዒት ምዝራብ ግን ትርጉም የብሉን። ንብነት ኣኪለ ብሉጽ ግጥምን ዜማን ይጽሕፍ ፣ ነቲ ዝጸሓፎን ዝደረሶን ባዕሉ ክደርፎ ስለዘይክእል ግን ንጣኒቆ ሂብዎ ፣ ጣኒቆ ድማ በቲ ብሉጽ መኣዛ ዘለዎ ድምጹ ኣቕሪብዎ። ብኣንጻሩ ድማ ጣኒቆ ክደርፍ እምበር ከምኡ ዓይነት ግጥምን ዜማን ክደርስ ኣይክእልን ፤ ስለዚ ስነጽሑፍ ፣ ግጥሚ ፣ ዜማ ፣ ስነጥበብ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ሰብ ከቕርቦ ኣይክእልን እዩ። መሲናይ ድማ ነዚ እዩ ሓቢሩ። ተስፊት ከኣ ዋላ ጸሓፋይ ግጥሚ ይኹን (እቲ ሃጠው ቀጠው ግጥሚ ተባሂሉ ብኣኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ ማለተይ እየ) ከንብብ ግን ኣይክእልን እዩ። እዚ ወድሓንካ

      • haile March 13, 2014

        who is writing hatew qetew..from Taniqo’s song to what ever you are writing. WHat has Taniqo has to do with the topic. I love Amanuel’s song and par of i gave credit to the writer who is Tesfit.

  • huq March 12, 2014

    MESINAS, PLEASE STOP THERE. IF YOU HAVE PERSONAL ISSUES TALK TO THEM DIRECTLY. OTHERWISE, EVERYTIME THEY ARE IMPROVING. LEAVE THEM ALONE.

  • araya March 12, 2014

    He is not saying any thing bad, he is giving his opinion, why you guys jump to personal attack. He mentioned for the best, good, and worst. We have to practice criticize your side guys, unless keep watching while you see a mistake is not going to help as to achieve development

    • hagos March 13, 2014

      araya tsbuk dyu dia ilu ni hade medeb ayakmikan balka tebegso wesdka gidefo do yibil ayelon. men feradi geyruwo

  • Bloko March 12, 2014

    ዝበለጻ ራድዮታት ትግርኛ ብቕደም ተኸተል
    1)ራድዮ ኤረና
    2) ራድዮ ኣሰና
    3) ራድዮ መድረኽ
    4)ቪ ኦ ኤ ትግርኛ
    5) ድምጺ ሓሳሽ

  • Tesfu Kbrom March 13, 2014

    MESINAS HAS GIVEN A CONSTRUCTIVE OPINION AND IT IS UP TO ERENA TO ACCEPT OR REJECT IT. THE REST MUST NOT TRY TO BE ASSERTIVE.

  • weygud March 13, 2014

    Mr. Mesinas’s remark is evidenced based. I think he is right Erena staff should streamline some of their radio prorammes. They should not mix apples with pebles.

  • H.K. March 13, 2014

    The comments and constructive criticism of Mesinas is right.
    I have the same opinion like him. I normally never listen to that program because I am not impressed with the way it is presented and sometimes its contents.
    So, giving the right comment is constructive. ERENA must reply to his comments. It is up to them to do the necessary corrections or not but we should know why?

  • ktkat March 13, 2014

    haku eyu mesinas ane keman kemey elom eyom neza zeytiemti medeb tetiumu eloma eye zibl neare

  • ktkat March 13, 2014

    neza shikorya ketetihzena keriba zela medeb shikorinatat ewn medeb hizula alo hawna mesinas riesi riesa kichifchifa eyu minalbat ab zimexie semun

1 2 3

POST A COMMENT