Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትርጉም 8 መጋቢት ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ እንታይ ይመስል?!

ሓፈሻዊ  ኣገዳስነት ታሪኽ  8 መጋቢት ኣብ ክርክር ዚኣቱ ኣይኮነን፣ ኣበይን መዓስን ስለምንታይን ከም ዚተጀመረ  ርዱእ እመስለኒ። ንዓና ኤርትራውያን ኪግድሰና ዚግብኦ ግን  ኣብ ሃገርና ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ህይወት

ሓፈሻዊ  ኣገዳስነት ታሪኽ  8 መጋቢት ኣብ ክርክር ዚኣቱ ኣይኮነን፣ ኣበይን መዓስን ስለምንታይን ከም ዚተጀመረ  ርዱእ እመስለኒ። ንዓና ኤርትራውያን ኪግድሰና ዚግብኦ ግን  ኣብ ሃገርና ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ኤርትራ ፍረ ሓርነት ኣርኢዩዶ ወይስ ኣየርኣየን ኢዩ። ግቡእ መልሲ ናይዚ ሕቶዚ ኢዩ ኸኣ እቲ ታሪኻዊ መዓልቲ ብኸመይ ኣጋባብ  ኪኽበር ከም ዚግብኦ ኪሕብር ዚኽእል።

ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ ይብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ። ክትዘርእ ጊዜ ኣሎዎ፣ ዚዘራእካዮ ክትዓጽድ  ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንኹሉ ድማ ኣጋባብ ኣሎዎ። ኣብቲ ምዕሩግ ባህልና ጓይላ መግለጺ ሓጐስና ኢዩ፣ ሓዘንና ድማ ወግዑ ኣልዎ። ኣብ ዘመነ ህግደፋዊ ጸልማት ግን ወግዒ ዝበሃል ተደምሲሱ ኢዩ።

ክቡራት ኣሓትና  ነግ ፈረግ ብዘይነበሮ ጅግንነት ምእንቲ ሓርነት ህይወት ዘሪአን፣  ኣንጻር ድርብ ጭቆና ማዕረ ኣሕዋተን  ንናጽነትን ሓርነትን ቅያ ብዘትረፈ ጅግንነት ተሰዊአንን ሰንኪለንን። እንተ ኾነ ግን፡ ምህርቲ ሓርነትን ፍትሓዊ ማዕርነትን ኪሓፍሳ  ኣይከኣላን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ድሕሪቲ  ዘዓወታኦ ናጽነት ባዕዳዊ ገዛኢ ኣብ ልዕሊአን ዘይፈጸሞ ውርደትን ሓሳርን የሕልፋ ኣሎዋ።  ነታተን ካብቲ ቅድሚ እዋን መግዛእቲ  ዚነበረ ብዚተዓጻጸፈ ዝኸፍአ ምህላዉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዘሎ ጸልማት ኤርትራዊት ስድራ ቤት ዝምስክሮ መሪር ሓቂ ኢዩ። ክትዝርዝሮ ኣብ ምፍታን እውን ብቑዕ ቃላት ኪርከቦ  ዚከኣል ኣይኮነን።  እሞ ነዚ ዘሕዝን ኩነታትዚ ከምቲ ጠንቂ ናይዚ ኩነታትዚ ዚኾነ ሽፍታዊ ፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዚገብሮ ብጓይላ  ጥራይ  ተሓጺሩ  ኪዝከር የምሕርዶ?

እወ! ተስፋ ከይትቕህም ጓይላ እንተ ተገበረ ኣበር ኣይምሃለዎን፣ እንተ ኾነ ግዳ፡ በዚ ዘሎ ብሰሪ ስእነት ፍትሒ ዚዓበረ፡ ብሰሪ ስእነት ሓርነት ዚጸልመተ ተካል እዋን፡ እዋኑ ንህዝቢ ግድነት ናብ ዳግመ ቃልሲ ስለ ዘእተዎ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይስ ምክያድ መኣዲ ዘተ ኪኸውን

ምተገብአ።

ውልቀምልካዊ ሽፍታዊ  ስርዓት ህግደፍ  ዓሚቝ ፍልጠትን ምሁራትን ዚጸልእ፡ ነታ ሳላ ደናግል ዚተሰርሐት እንኮ  ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ባዕዳዊ ደርጊ እኳ ኪዓጽዋ ዘይደፈረ፡  ስርዓት ድንቍርናን  ጸልማትን ግን ንሓዋሩ ረጊጥዋ፡ እቲ ምንታይ  ብተፍርዮም ምሁራት ስለ ዚርዕድ። ኣብ ዓለም ስርዓት ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ስርዓት ድንቍርና ም ዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ  ምትእትታው  ናይ ጓይላ  ዕጸፋርስ (ሓሺሽ) እውን ኣብ ዓለም መወዳድርቲ የብሉን።  ህግደፍ ትርጉም ባህሊ ቀዪሩዎ ኢዩ፣ በቲ ደንቆሮን እኩይ ዕላማን ህግደፍ፡ ባህሊ ማለት ኳይላ ማለት ጥራይ ኢዩ። ነዚ ንምዕዋት ኣፎም ዘየጽረዩ ቈልዑ ከይተረፉ ኣብ ክንዲ ንመጻኢ ህይወቶም መሰረት ዚኾኖም ትምህርቲ ዘጠጥሕ ደረፍቲ ኪኾኑ፡  ዓለሞም ብራኢ ደረፍቲ ምዃን ተጋሪዳ ከም ትነብር ንምግባር  ከዋዳድሮም ይረአ ኣሎ። ኩነታት ብዘየገደስ፡ ኣብ ጓይላን ፈንጠዚያን ኣጽዒቑ ከድህብ ከሎ ዕላማ ኣሎዎ፤ ጓይላ ቀንዲ መሳርሒ  ምልካዊ ፕሮፓጋንዳኡ ኮይኑ፡  ሀ) ንህዝቢ ኤርትራ ኣቓልቦኡ ንምቍጽጻርን ኣእምሮኡ ንምድንዛዝን፣ ለ) ንሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከም ራህዋ፡ ንጊልያዊ  ህይወቱ ከም ሓርነት ጌሩ ስለ ዝርእዮ – ወትሩ ጓይላ፡ ጓይላ ቀትርን ምሸትን፡ ጓይላ ወጋሕ ትበል  ለይትን፣ ጓይላ ኣብ ሓዘን፡ ዕልልታ ኣብ ምንጋር ስዉኣት! ናይ ከይሲታት ከይሲ። እንኮ ውርሻኡ፣ መሰል ምስ ተጋህሰ፡ ፍትሒ ምስ ፈረሰ  ስለምንታይ ኢልካ ካብ ምሕታት ዚዓግት  መደንዘዚ ሓፋሽ ህዝቢ ሓቀኛ መግለጺ ፋሺስትነቱ ኢዩ። ናይ ቀረባን ርሑቕን ሳዕቤኑ ኪስቈረና እንተ ዘይክኢሉ፡ ጸገም ኣለና።

እቲ ኣብዚ ዘተኵረሉ ዘለኹ ኣገዳሲ ነጥቢ ባህርያት ህግደፍ ዘይኮነ ባህርያት ምእንቲ ፍትሕን ሓርነት ህዝብና ኣጻር ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ደው ክንብል ዝመረጽና ንዝተጠልመ መንፈስ  8 መግቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ  ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዚጸልመተ ናጽነት ብኸመይ ኣገባብ ነኽብሮ ኣለና ኢዩ። እወ፡ ናጽነት ስለ ዚተዓወተ ጓይላ ሓዊስካ ብትፍስሕቲ ከተብዕሎ ግቡእ ኢዩ፤ ግን ስለ ዚተጠልመ ኸኣ መኣዲ ዕቱብ ዘተን ኣስተምህሮታትን ቅድሚ ጓትላ ኪስራዕ ምተገብአ እብል።

ናይ ልብን ኣእምሮን ምርኻብ ዚስስን ኣብ ምክብባር ዚተመስረተ ቀጻሊ  ዘተ እናተኻየደ ናይ ሓባር መደብ ምስ ዚዳሎን ተግባርን ውጽኢትን ምስ ዚረኣየሉን ጥራይ ኢዩ።  ካብ ብዘይ ኣጋባብ ቅኑዕ ሓሳብ፡ ህዝቢ ብደሞክራሲይዊ  ዘተ ሓሳባቱ  ዘፍሰሰሉ ጌጋ ሓሳብ ይምረጽ፣ ናይ ሓባር ጌጋ ብሓባር ተማሂርካሉ ኪእረም ስለ ዚከኣል፡፡

እምበኣር፡ እቲ ዚሓሸ  ነዚ  ዘሕዝን  ኩነታት ደቂ  ኣንስትዮ  ሃገርና ዕቱብ  ዘተ ብምክያድ  ዓቕሚ  ዚፈቕዶ ተግብባር  ምስሳይ ኣዚዩ መምሓረልና፤ እቲ  ደው ዝበልናሉ ዕላማ ፍትሕን ሓርነት ኸኣ ህያው ምዀነ።

ጸልማት ምልኪ ይቀንጠት!

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ማዕርነትን ንደ.ኣ. ኤርትራ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን

8 መጋቢት፡2012

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • haki ytakeb March 11, 2012

    aten eritreawyan deki anistiyyo ab eritrea abey betsihen kemzelewa yfelit dius wala kitsihf kbl halewlow kibl slezidleye eu.himamat ante alyuka bkala mengedi fewsi dleyelu.antezey kone wala hanti tfelto negerat yeblkan bzaaba deki anistiyo.yblwo elka aytbel.

  • ahmed saleh March 12, 2012

    We Eritreans used to say ” KALSNA MERIR IYU AWETNA GN NAYGEDN IYU” .
    And now observing our fate, we are to the second stage of struggle to fight
    our inner circle reactionaries (ADHARHARTI) from our society. And again
    NO DOUBT AT ALL ” AWETNA NAYGEDN IYU” .

  • tegadalay March 12, 2012

    idont want to see this ugly looking picture evry time way are you posting this stupid picture

    • Abnet Tesfai March 13, 2012

      tegadalay
      KAN ETI TILMET AYNI ZEFTETE TILMET KOINU JEGANU WALA SIELOM KETSILAAKA JEMIRU
      KALAY BELAE KILTE SIGHA!!!!!!!!!

POST A COMMENT