Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትራጀዲ ላምፐዱዛ ብዓይኒ ማዕከናት ዜናዓለም (ጥምዓዊ ጸብጻብ ጽባሕ ሓደጋ 4 ጥቅምቲ 2013) ሃገረ-ጥልያን መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ – ህይወት 350 ስደተኛታት ተቐቢጹ – ሬሳታት ናይ ምርካብ ጻዕሪ ቀጺሉ ውዒሉ።

CNN ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ። ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት

CNN

ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ።

ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽቡ ኳ እንተተስፈዉ፣ ብከባቢኦም ዝሓልፉ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣይሓግዙዎምን። ኣቓልቦ መድሓንቲ ንምስሓብ ኮበርታን ክዳውንትን ኣቃጺሎም። ( ጠንቂ ባርዕ ናይታ እዚ ምዃኑ ብዙሓት ማዕከናት ኣረጋጊጸን)

CH 4

ጳጳስ ፍራንሲስ፣ ንምረት ናይታ መዓልቲ፣ ሞት ዜጋታት ዘይዓጦም ኣራዊታውያን ስርዓታት ካብ ምዉቕ ቤቶ ናብ ስደት ዘጽደፉዎም ግዳያት ዝጠፍኡላ “መዓልቲ ንብዓት እያ” ክብሉ ገሊጾማ።

The Independent

“ ብትራጀዲ ላምፐዱዛ ሓደጋ ሞት ዝገጠሞም ግዳያት ብህይወት ንምርካቦም ዝነበረ ተስፋ በኒኑ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ሃለዋቶም ዘይተረኽበ 350 ስደተኛታት ዕድሎም ሞት ጥራይ ምዃኑ ይፍራሕ።”

ኣብ መንጎ ‘ቶም ብህይወት ዝደሓኑ ልዕሊ 150 ግዳያት ዝርከቡ 40 ቆልዑን 3 ደቀንስትዮን ኣብ ሕክምና ላምፐዱዛ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ብዙሓት ካብኣቶም ካብታ ዝተቓጸለት ጃልባ ዝፈሰሰ ነዳዲ ከምዝወሓጡ ሓካይም ሓቢሮም።

The Telegraph

ሓንቲ ክብረት ዝተባህለት ከም ምውቲ ተሓሲባ ኣብ መንጎ ሬሳታት ተጸፍጺፋ ዝነበረት ጓል 24 ዓመት ኤርትራዊት፣ ዝወሓጠቶ ነዳዲ ዕግርግር ኣቢሉዋ ናይ ህይወት ምልክት ስለዘርኣየት ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረላ ብሄሊኮፕተር ናብ ሕክምና ተወሲዳ።

እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ምዃኖም ዝእመነሎም 500 ኣቢሎም ዝበጽሑ ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ካብ ሊብያ፣ ከተማ ምስራታ ዝተበገሱ እዮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ተታሒዙ ናብ ሃገሩ ተጠሪዙ ዝነበረ ቱኒዝያዊ መራሒ ናይታ ጅልባ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዩ ብጃምላዊ ቕትለት ይምርመር ኣሎ።

The Guardian

ሰራሕተኛታት ድሕነት ላምፐዱዛ ህይወት ከድሕኑ ዘካየዱዎ ቃልሲ ብምስቍርቋር ይገልጹ፣

ሓደ ካብቶም ቅድሚ ኹሉ ኣብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ዝተረኽቡ 155 ትንፋስ ዘድሓኑ ገፈፍቲ ዓሳ፣ “ንሓንቲ ጸብለል ትብል ዝነበረት ሰበይቲ ከድሕና ስሒበያ። ‘ሓዝኒ ሓዝኒ’ እንተበልኩዋ፣ ብዓይና እናረኣየትኒ ክትምልስ ኣይከኣለትን። ኣዝያ ተዳኺማ ነይራ። ጸምበለል ‘ውን ክትብል ኣይከኣለትን። ብዘይ ድምጽን ውጨጫን፣ እናረኣኹዋ፣ ምስቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩ ኣዒንታ፣ መልሓጥ ኢላ ናብቲ ባሕሪ ሰቲዃትኒ።

BBC

ባሕሪ ገማግም ላምፐዱዛ ንናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕሪ ኣጸጋሚ ኮይኑ ተቓሪጹ ድሕሪ ምሕዳሩ፣ ዓርቢ ብንጉሆኡ ዳግማይ ጀሚሩ ክቕጽል ውዒሉ። ሞያውያን ሓምበስቲ ፓለርሞ 40 ሜትሮ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥሒላ ባይታ ጥዒማ ካብ ዘላ ጃልባ ሬሳታት ከውጽኡ ፈቲኖም።

እታ ጃልባ ናብ መሬት ክትጽጋዕ 800 ጥራይ ምስ ተረፋ እያ ክትጥሕል ጀሚራ። እቶም ምህይወቶም ዝተረፉ፣ መብራህቲ ላምፐዱዛ እናረኣዩ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ይዛረቡ።

ካብቶም 500 ስደተኛታት ሓደ ኳ ሓገዝ ክሓተሉ ዝኽእል ቴለፎን ዘይምንባሩ ዘሕዝን እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝበሎ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ስደተኛ ኣብቲ ባሕሪ ተዛሕዚሑ ስለዝነበረ፣ መተሓላለፊ ኣጸጊሙዎም ከምዝነበረ ይገልጽ። መብዛሕትኦም ክዳን ኣይነበሮምን፣ ነብሶም ፍሳስ ነዳዲ ተሸፊኑ ነይሩ።

ሓደጋ ላምፐዱዛ ናይ ኤውሮጳ ደልሃመት ስደት ምዃኑ ዝገለጸ ቢቢሲ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዞም ካብ ስሜን ኣፍሪቃ ዓዲ ጥልያን ካብ ዝኣተዉ 30,100 ስደተኛታት፣ ዝለዓለ ቁጽሪ ሒዘን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት ፣ ሶርያ (7,500) ኤርትራ (7,500) ሶማል (3,000) እየን።

ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ማዕከናት ዜና ዓለም ክገልጻ ኳ እንተወዓላ፣ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ shabait.com ፈቲሽና ነዚ መንግስቲ ጥልያን ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁሉ ዝወዓለ ትራጀዲ ዝምልከት ዜናዊ ሸፈነ ኣይረኸብናን። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • filmon October 4, 2013

    RIP for all victims of the accident.

  • Dermas October 4, 2013

    May the Almighty gives them comfort that they were unable to find it at home.
    May the Almighty punishes these merciless, ruthless gangs in Eritrea.
    May the Almighty Unite us togather so that to do the right thing.
    May the Almighty give us the courage, to final say enough is enough to the ruthless dictator – who have no stake in the wellbeing of the Eritrean people.
    May we finally rise and rush to the palace in Asmara and through one stone each to shorten the life of this heinous ugly dictator.
    May we finally cut the shackles in our head and that of HIGDEF once forever.

    May the blood of this 350 young brothers and sister cure everyone form the fear that is within us and do the right thing.
    May the power of people that demolised the mighty of Mangistu and Hilesselasie surge again and take this ugly dictator and his puppets from the face of earth once again.

    It is only then we will see one another and say ” Torof… Torof… Torof”
    It is only then that our eyes will have a chance to sleep in harmony
    It is only and only then that we will start to claim our shattered dignity
    It is only then that we will sing “Free at last”
    It is only then then ….

    It is only then that we will have a chance to once again join our loved once in our loved country – Eritrea.

  • kibrom October 4, 2013

    It is very sad and tragic event. It makes you feel bad to be African decent. When will these continent be depicted as a progressing and pea eful and comfortable for its citizens. Always saddening news.

  • Kalighe October 5, 2013

    Yesterday in Italy it was a national mourning day. The media was busy reporting from Lampedusa the latest updates on the tragedy. In Parliament, speakers from different political parties discussed about influx of migrants trying to reach Europe escaping from dictatorship and poverty.
    It was a very emotional and sad day. In Rome people held candle vigil in the night. The Pope spoke about “shame” that people should feel assisting to this tragedy, [and not doing enough]. The ministry of Interior spoke about the courage and humanity shown by people of Lampedusa, while complaining that Europe is not doing enough to protect it’s frontiers. He said Italy will seek Nobel Prize for Lampedusa.
    The boat with the remaining bodies is sunk at about 50 meters deep in the sea. The weather conditions was bad yesterday, the rescuers are expected to bring to shore about 200 bodies today. The 111 many of whom are Eritreans will be buried soon.

    Is there any news from Eritrea ? …. well, I kept opening on TV-ER most of the day, till late in the evening. It briefly reported about African migrants dead while trying to cross to Italy, along side other African new such as elephants being killed in Zimbabwe by ivory smugglers.

    • Zaul October 5, 2013

      Well done Kalighe!

    • Tamrat Tamrat October 5, 2013

      First they distroy the mass media and they create their own. Then People dont know even their beloved ones are dead or just a propaganda of CIA. This much they controll dictators. This much they brain Wash their followers.

    • ተወልደመድኅን October 5, 2013

      ዝ ን ቡ ዕ ኢኻ።ደንቆሮ ሕሙም ሃንጎል።

      • ተወልደመድኅን October 5, 2013

        እዚ ጽሑፍዚ ብጌጋ ኢዩ ሰፊሩ። ን Kalighe ዝምልከት’ዩ።

  • Said October 5, 2013

    Mr. kalighe did anybody know why this ship is burning, is there any motive
    and how far it was from the land. do you think is it deliver it?? can anybody tell me why why?? what a black days.

  • Said October 5, 2013

    did anybody know how many people was in the ship? who do we cry to now, how can we stop this madness. did anybody have any solution?? because I’m going crazy over here.

    • Zaul October 5, 2013

      Ajokha Said hawey!

    • Tamrat Tamrat October 6, 2013

      Start With your neighbors, regardless wheahter they are ethiopians, eritreans, somalis.

  • Said October 5, 2013

    we have to get the names of those people man.

  • samuel October 5, 2013

    ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ምጽሓፊየይ ምኽንያት ሓንትን ሓንትን እያ። እቶም ሓደጋ ከም ዝወርዶም ዝፈልጡ ሰባት’ሲ፡ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ክጅምሩ እንከለዉ፡ ነቲ ውሳኔኦም ከመይ ገይሮም እዮም ዝገልጹዎ ዝብል ሕቶ፡ ወትሩ ኣብ ኣእምሮይ ትም ኢሉ እዩ ዝዘውር ነይሩ። ንብዙሓት በዚ ኣሰቃቒ ጉዕዞ ዝሓለፉ፡ ብቃላቶም ገይሮም ክገልጹለይ ሓቲተ እየ። ሎሚ ግና፡ ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ኣብ ቱኒዚያ፡ http://taz.de/Sudanese-ueber-Flucht/!124946/ ኣብ ዝተባህለ ዌብ-ሳይት ዝሃቦ ኢንተርቪው፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ከም ዝስእን እዩ ገይሩኒ።
    ታስ፡ ሕቶ፡- ኣቶ ሓሰን፡ ካብ እዋን ውግእ ሊብያ ክሳብ ሎሚ፡ ካብ ዘለኻዮ ፍንትት ክትብል ኣይኸኣልካን። መጻኢ ዕድልካ፡ እንታይ ክመስል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎካ?
    ሓሰን፡- UNHCR ስደተኛ ከም ዝኾንኩ ዝኣመነለይ ሰብ እየ። ክትቅበለና እትደሊ ሃገር የላን። ስለ ዝኾነ፡ ን6 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቱኒስ፡ ሰላማዊ ሰላማዊ ሰልፊ ነካይድ ኣሎና። ምስ ስድራ-ቤትና፡ ናብ ብሰላም ክንቅመጠሉ እንኽል ሃገር ኽንከይድ ኢና ደሊና።
    ታስ፡ ሕቶ፡- ንኤውሮጳ?
    ሓሰን፡- ግድን ኣይኮነን። እዚ፡ ኤውሮጳያን ዝህብዎ ፊተ-ፍርዲ እዩ። ካልእ ሃገር እንተደኣ ተረኺቡ፡ ዋላ ኣብ ኣፍሪቃ እውን እንተኾነ፡ ተኣማሚንና ብሰላም ክብረትን እንነብረሉ ሃገር እንተደኣ ረኺብና፡ ጽባሕ ንግሆ ናብኡ ክንከይድ ድሉዋት ኢና።
    ታስ፡ ሕቶ፡- ንስኻ፡ ምስ ብዙሓት ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ኣብ Choucha መደበር-ስደተኛታት ናይ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ብድረ-በዳ ንክልተ ዓመታት ተቐሚጥካ ኢኻ። ሕጂ’ኳ ተዓጺዩ እዩ። እቶም ተቐማጦ ናበይ ከይዶም?
    ሓሰን፡- ብዙሓት፡ ከም ስደተኛታት፡ ተቐባልነት ኣይረኸቡን። ወይ ከኣ፡ ናብ ካልእ ቦታ ወሲዶሞም። ገሊኦም፡ ዓቕሎም ምስ ተጸንቀቖም፡ ናብ’ተን ጀላቡ እዮም ከይዶም። ገሊኦም ጥሒሎም። ገሊኦም ከኣ፡ ምድሪ-ኤውሮጳ ክበጽሑ ክኢሎም። ሕቡራት መንግስታት ነቲ መደበር-ስደተኛታት ክትዓጽዎ እንከላ፡ ንገሊኦም፡ ኣብ ቱኒዝያ፡ ናብራ ክጅምሩ ኢላ፡ ነናይ 1500 ዲናር (ዳርጋ 670 ዩሮ)ሓገዝ ሂባቶም ነይራ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ናብ’ዚ ስድራ-ቤትካ ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን። መነባብሮና መሰረት ከነትሕዘሉ ዘኽእለና ሃዋሁው የልቦን። ኣብ ባዶሽ ዝተንጠልጠልካ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ከም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ስለ ዝኾነ እዮም፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ምእንታን መስገሪ-ባሕሪ ክኾኖም፡ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎም።
    ታስ፡ ሕቶ፡- እሞ፡ እቲ ገንዝብ ይኣክል ማለት ድዩ?
    ሓሰን፡- ምናልባት እኹል ኣይኮነን። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ገለ ርሕቀት’ሲ ከብጽሓካ ይኽእል እይ።
    ታስ፡ ሕቶ፡- ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ጥቃ ላምፔዱዛ፡ ስደተኛታት ዝጸሓነት ጃልባ ዓብዪ ሓደጋ ጥሒላ’ያ። ብዛዕባ’ቲ ቅዝፈት ምስ ሰማዕካ፡ እንታይ ተሰሚዑካ?
    ሓሰን፡- ኩልና ሰሚዕናዮ ኢና። ኩልና ከኣ፡ ኣብ ሓዘን ኢና ወዲቕና። ከም’ዚ ዓይነት ዜና ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ ኣብ Choucha መደበር-ስደተኛታት እንፈልጦም ዝነበርና፡ ኣብኡ ነይሮም’ዶ ኣይነበሩን ኢልና ኢና እንሓስብ።
    ታስ፡- ይኹን ደኣ’ምበር፡ እዞም ስደተኛታት መመሊሶም፡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ክፍትኑዎ ርኡይ እዩ። ስለምንታይ?
    ሓሰን፡- ኣብ ገለ እዋን፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ኢካ እትበጽሕ። ይጽልምተካ። መጻኢ ዕድል የብልካን። ህይወት ዝባሃል ነገር የብልካን። ንቕድሚት የለ ንድሕሪት። ኣብ’ዛ እዋን፡ ዝመጸ ይምጻእ ትብል። 20% ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘሎካ እንዳፈለጥካ፡ ንሞት ገጽካ ትኸይድ። እዚ ዳርጋ ንነብስኻ ምቕታል እዩ። ዋላ ሓንቲ እትኸስሮ ነገር ስለ ዘይብልካ ኸኣ፡ ካብ’ዚ ዝገትኣካ ነገር የልቦን። እዚኣቶም ብጣዕሚ ዝጨነቆም ሰባት እዮም። እቲ ዝጽበዮም ሓደጋ፡ ብፍጹም ኣየሰንብዶምን እዩ። ብጥራሽ፡ ነዚኣቶም ዘሰንብድ ነገር የልቦን። ንቕድሚት ወይ ከኣ ሞት።
    ሰላም

  • Bereket October 5, 2013

    What a tragedy, My heart is broken, I feel totally helpless and devastated. These are my siblings for whom there will be no national mourning in their own country, their national flag will not be at half mast, the national media will never report about them. Lord have mercy.

  • Feven Sol October 5, 2013

    The Isyas regime announced mourning national day since May 1991 and it is going on till now, thus there is no need to announce mourning day for his new victims, May their creator rest their souls in peace.

1 2 3 4

POST A COMMENT