Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትራጀዲ ላምፐዱዛ ብዓይኒ ማዕከናት ዜናዓለም (ጥምዓዊ ጸብጻብ ጽባሕ ሓደጋ 4 ጥቅምቲ 2013) ሃገረ-ጥልያን መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ – ህይወት 350 ስደተኛታት ተቐቢጹ – ሬሳታት ናይ ምርካብ ጻዕሪ ቀጺሉ ውዒሉ።

CNN ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ። ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት

CNN

ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ።

ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽቡ ኳ እንተተስፈዉ፣ ብከባቢኦም ዝሓልፉ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣይሓግዙዎምን። ኣቓልቦ መድሓንቲ ንምስሓብ ኮበርታን ክዳውንትን ኣቃጺሎም። ( ጠንቂ ባርዕ ናይታ እዚ ምዃኑ ብዙሓት ማዕከናት ኣረጋጊጸን)

CH 4

ጳጳስ ፍራንሲስ፣ ንምረት ናይታ መዓልቲ፣ ሞት ዜጋታት ዘይዓጦም ኣራዊታውያን ስርዓታት ካብ ምዉቕ ቤቶ ናብ ስደት ዘጽደፉዎም ግዳያት ዝጠፍኡላ “መዓልቲ ንብዓት እያ” ክብሉ ገሊጾማ።

The Independent

“ ብትራጀዲ ላምፐዱዛ ሓደጋ ሞት ዝገጠሞም ግዳያት ብህይወት ንምርካቦም ዝነበረ ተስፋ በኒኑ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ሃለዋቶም ዘይተረኽበ 350 ስደተኛታት ዕድሎም ሞት ጥራይ ምዃኑ ይፍራሕ።”

ኣብ መንጎ ‘ቶም ብህይወት ዝደሓኑ ልዕሊ 150 ግዳያት ዝርከቡ 40 ቆልዑን 3 ደቀንስትዮን ኣብ ሕክምና ላምፐዱዛ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ብዙሓት ካብኣቶም ካብታ ዝተቓጸለት ጃልባ ዝፈሰሰ ነዳዲ ከምዝወሓጡ ሓካይም ሓቢሮም።

The Telegraph

ሓንቲ ክብረት ዝተባህለት ከም ምውቲ ተሓሲባ ኣብ መንጎ ሬሳታት ተጸፍጺፋ ዝነበረት ጓል 24 ዓመት ኤርትራዊት፣ ዝወሓጠቶ ነዳዲ ዕግርግር ኣቢሉዋ ናይ ህይወት ምልክት ስለዘርኣየት ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረላ ብሄሊኮፕተር ናብ ሕክምና ተወሲዳ።

እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ምዃኖም ዝእመነሎም 500 ኣቢሎም ዝበጽሑ ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ካብ ሊብያ፣ ከተማ ምስራታ ዝተበገሱ እዮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ተታሒዙ ናብ ሃገሩ ተጠሪዙ ዝነበረ ቱኒዝያዊ መራሒ ናይታ ጅልባ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዩ ብጃምላዊ ቕትለት ይምርመር ኣሎ።

The Guardian

ሰራሕተኛታት ድሕነት ላምፐዱዛ ህይወት ከድሕኑ ዘካየዱዎ ቃልሲ ብምስቍርቋር ይገልጹ፣

ሓደ ካብቶም ቅድሚ ኹሉ ኣብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ዝተረኽቡ 155 ትንፋስ ዘድሓኑ ገፈፍቲ ዓሳ፣ “ንሓንቲ ጸብለል ትብል ዝነበረት ሰበይቲ ከድሕና ስሒበያ። ‘ሓዝኒ ሓዝኒ’ እንተበልኩዋ፣ ብዓይና እናረኣየትኒ ክትምልስ ኣይከኣለትን። ኣዝያ ተዳኺማ ነይራ። ጸምበለል ‘ውን ክትብል ኣይከኣለትን። ብዘይ ድምጽን ውጨጫን፣ እናረኣኹዋ፣ ምስቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩ ኣዒንታ፣ መልሓጥ ኢላ ናብቲ ባሕሪ ሰቲዃትኒ።

BBC

ባሕሪ ገማግም ላምፐዱዛ ንናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕሪ ኣጸጋሚ ኮይኑ ተቓሪጹ ድሕሪ ምሕዳሩ፣ ዓርቢ ብንጉሆኡ ዳግማይ ጀሚሩ ክቕጽል ውዒሉ። ሞያውያን ሓምበስቲ ፓለርሞ 40 ሜትሮ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥሒላ ባይታ ጥዒማ ካብ ዘላ ጃልባ ሬሳታት ከውጽኡ ፈቲኖም።

እታ ጃልባ ናብ መሬት ክትጽጋዕ 800 ጥራይ ምስ ተረፋ እያ ክትጥሕል ጀሚራ። እቶም ምህይወቶም ዝተረፉ፣ መብራህቲ ላምፐዱዛ እናረኣዩ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ይዛረቡ።

ካብቶም 500 ስደተኛታት ሓደ ኳ ሓገዝ ክሓተሉ ዝኽእል ቴለፎን ዘይምንባሩ ዘሕዝን እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝበሎ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ስደተኛ ኣብቲ ባሕሪ ተዛሕዚሑ ስለዝነበረ፣ መተሓላለፊ ኣጸጊሙዎም ከምዝነበረ ይገልጽ። መብዛሕትኦም ክዳን ኣይነበሮምን፣ ነብሶም ፍሳስ ነዳዲ ተሸፊኑ ነይሩ።

ሓደጋ ላምፐዱዛ ናይ ኤውሮጳ ደልሃመት ስደት ምዃኑ ዝገለጸ ቢቢሲ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዞም ካብ ስሜን ኣፍሪቃ ዓዲ ጥልያን ካብ ዝኣተዉ 30,100 ስደተኛታት፣ ዝለዓለ ቁጽሪ ሒዘን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት ፣ ሶርያ (7,500) ኤርትራ (7,500) ሶማል (3,000) እየን።

ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ማዕከናት ዜና ዓለም ክገልጻ ኳ እንተወዓላ፣ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ shabait.com ፈቲሽና ነዚ መንግስቲ ጥልያን ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁሉ ዝወዓለ ትራጀዲ ዝምልከት ዜናዊ ሸፈነ ኣይረኸብናን። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • simon October 6, 2013

    My fellow eritrean brothers and sisters, we just witnessed a tragic accident but this is not the first time that is happening infact since the past 15 yeaes thousands of eritreans lost their life seeking freedom, and this won’t stop until this cruel regime is dissipated. Lets get together and work for one aim, lets look our past,we won over the strongest “Dergee” regime not because we had arsenal and man power but we were united.The same is true here, lets make history.

  • wedi Hailom October 7, 2013

    You are 100% right Simon, that is the only solution we Eritreans are left with! Let’s us get united as before & make history again. The more we are divided as we are now, the more tragedies will follow!

Post a Reply to simon Cancel Reply