Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትምኒት ደልይቲ ፍትሒ ንሓዲሽ ዓመት እንታይኮን ይከውን

ትምኒት ደልይቲ ፍትሒ ንሓዲሽ ዓመት እንታይኮን ይከውን  ርሑስ በዓል ልደትን ሓዲስ ዓመትን ክኮነልና ዘሎኒ ምንዮተይ ክገልጽ። ሰላምን ሰናይን ንኵልዅም ደለይቲ ሰናይ። ብምቅጻል ንሕና ከም ሕዝቢ ኤርትራ ፡ብፍላይ ከኣ ከም ደለይቲ ፍትሒን ሰናይን፡ ምንዮትናን ድሌትናን ብሰናይ  ግብርና እዩ እሞ፡

ትምኒት ደልይቲ ፍትሒ ንሓዲሽ ዓመት እንታይኮን ይከውን
 ርሑስ በዓል ልደትን ሓዲስ ዓመትን ክኮነልና ዘሎኒ ምንዮተይ ክገልጽ።
ሰላምን ሰናይን ንኵልዅም ደለይቲ ሰናይ።
ብምቅጻል ንሕና ከም ሕዝቢ ኤርትራ ፡ብፍላይ ከኣ ከም ደለይቲ ፍትሒን ሰናይን፡ ምንዮትናን ድሌትናን ብሰናይ  ግብርና እዩ እሞ፡ ቅድም መብጸዓና/ድሌትና እንታይ ምኳኑ፡ ድሓር ከኣ ንክዉንነቱ ገዛእ ርእስካ ምድላውን እታ ክንገብራ ንክእል ምብርካትን እዩ።
ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትካእ ንቡር እዩ’ሞ ፡ወዲ ሰብ ከኣ ንዝመጽእ ዓመት እዚ ክገብር/ ከምዚ ተዝኮነለይ ካብ ምባልን ምትስፋውን ከቶ ዓዲ ኣይንውዕልን።
ነፍሲ ወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ፍጡር ናይ ሓዲሽ ዓመት መብጽዓ ቅድም ኣብ ገዛእ ርእሱ ንዕብየት እንክሓስብን/ ክሕልንን፡ጎድኒ ንጎድኑ ከኣ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ንስለ ሕዝበይ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝከኣለኒ ከበርክት/ክሳተፍ እየ ኢልካ ምሕላን የድልየና።
ሎሚ ብዘይ ኣጋንኖ ውሉደ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ክሕደት፡ መግዛእቲ፡ሓርፋፍ ናብራ፡ማእሰርቲን መከራን፡ግዝኣዊት እፎይታ ዝረክበላ ባይታ/ሃገር ንምርካብ ዳግማይ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዕዞ ክሰግርን  ክምእርርን ይርከብ። ንሱ ግን ግዝያዊ ፍታሕ እምበር ነባሪ ፍታሕ ከምዘይኮነ ምእማን፡ደሓር ከኣ ንስካ እቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ንናጽነትን ክውንንቱን ዝረኣካን ዝመስከርካን ኢካ’ሞ፡ ሕድሪለካ ናብ ንቡር ክትመልሶ፡ ሕድሪለካ እታ ዝተወለድካላን መዳሕንትካ ዝተቀብረላ ዓድካ ናብ ንቡር ክትመልሳ፡ሕድሪ ኣለካ ንዝመጽእ ወለዶ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተ ቤት ክትሓንጽ፡ ሕድሪለካ ዝሰገርካዮን ንሓለፍካዮን መስገደል ሂወት ዳግማይ ከይድገም ሓላፍነት ክትወስድ።
 ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ንገብሮ ኣበርክቶ ንስለ ሕዝብን ሃገርን ክዉንነትን ውጽኢትን ንክህሉዎ እምበኣር እዘን ዝስዕባ ገለ ንኡሳን መበገሲ እንተንገብር ሰናይ እዩ’ሞ ዝመስለኒ ክልግስ።
ትምኒተይ ሰናይ ድሌተይ እምበር ካሊእ የብሉን እሞ፡ ንኩሉ ተዓዘቦ ነቲ ሰናይ ሰዓቦ እዩ።
1.ኣብ ስደት ከም ምህላውና መጠን ሕዝብና ዝተሓቃቀፈሉን ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዘሉን ማሕበረ ኮም ኤርትራ ምምስራት።
 ሓደስቲ ስደተኛታት የሕዋትናን ኣሓትናን እንቃዕ ደሓን መጻኩም ንብለሉ፡ ሓበሬታ ዪኩን ካልእ ዝረክቡሉ ባይታ ምድላው ። ንሕና ከም ሕብረተሰብ መጠን ንትኣማመነሉ፡ ሕውነትና ዝድልድለሉን ፍልልያትና ነጽብበሉን ዕድል ምክፋት። እቶም ኣብ ስደት ዝተወልዱ ደቅናን የሕዋትናን/ ኣሓትናን ንንሕድሕዶም ዝላለይሉ፡ ባህልና ዪኩን ታሪክና ብግቡእ ዝፈልጥሉን ንሓዋሩ ከኣ ኣካልና ኮይኖም እጃሞም ዝገብሩሉ ሰናይ መደብን ኣፍልጦን ንክድልቡ ምሕጋዝ።
ማሕበረኮም ምህላው ማለት ገዛ ክህልወና ግድን ኣይኮነን። ክሳብ ዝተጠርነፍናን ናይ ሓባር ባይታ ንክንከፍት ዝተበገስናን ፡ዝተረፈ ቀስ ኢሉ እዩ ዝመጽእ። ድሌትን ሓልዮትን ምስ ዝህሉ ዝተረፈ ናይ ግዜ ሕቶ እዩ። ኩነታት ሕዝብናና ሃገርናን ብጥርኑፍ ኣገባብ ምስ ንገብሮ ካብ ከተማ ናብ ስቴትስ፡ ካብ ስታተስ ናብ ሃገር፡ ካብ ሃገር ናብ ኮንቲነንትስ ምስ ነተሓሕዞ ድምጽናን ድሌትናን ሓደ ሙካኑ ንዓለም ምስ ነፍልጥ፡ ሕዝብና ብሓባር ንናይ ሓባር ሽግር ፍታሕ ንደሊ ከም ዘለና ምስ ነርእዮ፡ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሕ ስርዓት ከም ዘየሎ ምፍላጥ።
2.ኤርትራውያን ሓልፍነት ወሲድና ንመዓስከር ስደተኛታት ዝሓሊ/ዝከታተል ኣካል ከም ዝህልወና ምግባር ካባና ዝግበር ሓገዛት ምጽናዕን ምግባርን ኣብ ኩነታት ህዝባናን ሃገርናን ተራ ኣለዎ።
ናይ ዓለም ግብረ ሰናይ መዓስከር ከፊቱ እዩ፡ ግን ንሕና ንዘሎን ዝግበርን ምክትታል እቲ ዳግማይ ስደት ን ሊብያ ዪኩን ዩሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ስለምንታይን ከምንይን ገርና ደው ከም ዝብል ንምግባር ምክሪ ምልጋስን ጉዳዮም ናይ ምስግጋር ናብ ሳልሳይ ሃገር ምቅልጣፍን ሓልፍነት ክንስከም ከድልየና እዩ። ጥርኑፍ ሓይሊ ምስ ንከውን ንኩሉ ዝከውን ዓቅሚን ክእለትን ከም ዘሎ ርግጸኛ እየ፡ ግን ሎሚ ከም ንርእዮ ፡ገለ ገበርቲ ሰናይ እውን ነቲ ማሕበር ከም ትካል መክሰብ፡ንረብሓ ዝተቀረን ከም መንበሪ ሂወቶም ምውሳዶምን ሓልዮት ክቅህም ይርኣ ኣሎ። ኣብ ሓልዮትን ግብረ ሰናይን ዘለና ኣረኣእያ ሓደ ካብቲ ቃልሲ ሙካኑ ኣይንረስዕ። ከምዚ ክብል ከለኩ ግን ኣዚዮም ለወሃትን ትጉሃትን ኤርትራውያን ኣብ ግብረ ሰናይ ዝተዋፈሩ የለዉን ማለተይ ኣይኮነን። ኣምላክ ፍረ ጻማኩም ዪፍደኩም።
3.ድሉውነትካ ምርግጋጽን ቅድም ዝከውን ምፍላጥን። ኣነ ኣካል ለውጢ እየ ክብል ከለኩ፡ ካልኦት ዝገብሩዎን ክገብሩዎ ዝህቅኑን ብቅንዕና ቀሪበ ሓሳበይ ክህብ፡ ነቲ ዝገበሩዎ ከሞጉስ/ክእርም ደሓር ከኣ ንቅድሚት ክስጉሙሉ ክዓብዩሉን ዝክእሉ ልቦናዊ ምክሪ ክህብ፡ ኣካሉ ንሙኳን ዝከኣለካ ምጽዓር እምበር፡ ኣነነት ዝብሉን ካልእን ከም ዝሓለፉ እኩያንን ድሑራት ኣተሓሳስባን ካብ ኣእምሮና ምልጋስ ክሕግዘና እዩ። ተሳትፎካ ኣብ ከባቢካ ምስ ዘለዉ ደልይቲ ፍትሒ ምስራሕ ሓጋዚ እዩ’ሞ ንሳተፍ።
4.ማሕበረይ/ውዱበይ ዝብል ሓሳብ ምስ ዘለናዮ ኩነታት ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ከይበዝሕ ኣስተውዒልና ምሕሳብ። ኣብ ንነሕድሕድና ንተኣማመነሉ ባይታ ዘይምፍጣር፡ ንሕዝብና ብንገብሮም ንጥፈታትን ኣካይዳን ስርዓት ቀይርና ዝሓሸ ስርዓት ከም ነምጽእ ዘተኣማምን ባይታ ዘይምፍጣር፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ሃገርናን ብመንግስቲ ዝወርድ ዘሎ ጥልመት ን ክሕደትን  እንዳፈለጠ ዝጸመመ ውሑድ ሙካኑ ኣይንዝንግዖን፡እንተኮነ ሎሚ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ነቲ ስርዓት ፎእ ዝበሎ ግን ከኣ ብምክንያት ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ፍልልይን ካልእን ኢዱ ክእክብ ዝመረጸ ንምክሳብን ተሳታፋይ ንምግባርን ዘይሕለል ጻዕሪ ምግባር፡ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ ንድሕነት ሃገርን ደው ካብ በልና ቅድም ንሕና ክንቅየርን፡ንኩሉ ዘሳትፍ ባይታን ምፍጣርን ሓላፍነትና እዩ። ንጽባሕ ዝበሃሎ ኩነታት ኣይኮነን ኣጋጢሙና ዘሎ።
5.ንኩልና ዘማእከለ ኣካል ዲፕሎማስይ/ ኣድቮኬት/ ሎብይ ዝገብር ምህላው።
ናይ ሓባር ሽግር ብናይ ሓባር ፍታሕ እንተ ደኣ ኣሚንና። ቅድም ንጥርነፈሉ መደባት ምስራዕ ደሓር ከኣ ንዓና ክውኩሉናን ሽግርናን ጉዳይናን ዓለም ንክፈልጥ ዝሰርሕ ኣካል ምህላው እዩ (advocate group)። ዝሓለፉ ዓመታት ዝገበርናዮም ብተናጸል ዝግበሩ ጎስጉሳት ካብ ንሽም ማሕበርካ ምልላይ ሓሊፎም ንህዝብን ሃገርን ዝሕግዝ ለውጢን ኣቃልቦን ዝተዋህቦ ብዙሕ ኣይነበረን። ተራ ናይዚ ጉጅለ ብዝግባእ እንተ ደኣ ክሰርሕ ክኢሉን ተኣልዩን ሽግርና ዝሓጽረሉን ዝፍትሓሉን እሞ ከኣ ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ጽባሕ ውን ሰረት ሓድነትና ዘንጽፍ ምስክር እዩ እሞ በብዘለናዮ ክዉን ንምግባሩ ንጽዓር። ኣነነት፡ ውዱበይ ውዱብካ፡ ማሕበረይ ማሕበርካ  ገዲፍና፡ እቲ ሓደገኛ ኩነታት ህላውነትና ጸንጸላሉ ዘሎ እዋን ከም ቅድመ ኩነት ንበደሃዮ። እዚ ክብል ከለኩ ግን ንውድብካ ኣይትሕለ ማለት ኣይኮነን ግን መድረክ ዝጠልቦ ቅድም ኣመት ክንገብር እየ ዝላቦ። ውድብና ፡ ማሕበርና ምባል ኣብታ መጻኢት ኤርትራ፡ ብትሰርሖን ዘለካ ተቀባልነትን መሰረት ሕዝቢ  እዩ ዝውስነካ።
 ባይቶ ዓደቦናን እንዳናን እንዳበረሰ፡ ሰረት ህላዌና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክምሕውዎ እንዳ ተሃንደዱ፡ ንሕና ግን ኣብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ተሸሚምና ኩለንትናና ኣንጻር እቲ እከይ ስራዓት ክንዲ ምግባር ኣብ ነንሕድሕድና ክንበላላዕ ግዜ ዪበልዓና ኣሎ ። ቅድም ዝከውን ቅድም ምግባር እዩ’ሞ ሃየ እዚ ሓዲስ ዓመት ብሓዲስ ኣተሓሳስባ ክንብገስ ፡ ጉድለትና ክንፈልጥን ክንኣምንን ብኡ መሰረት ከኣ ቅድም ክክወን ዘለዎ ቅድም ንምግበር ንዳሎን ንሓልንን።
6.ለውጢ ብከመይ ዝብል  ስነ ሓሳብ ጥራሕ ንባዕሉ ኣብ ጓል መንገዲ ኮለል የብለና ኣሎ
ቅድም ሓቢርና ክንገብሮም ንክእል መደባት ንምግባር ቦታ ምሃብን ምልዛብን፡ኩልና ንስለ ህዝብን ሃገርን ሓለፋ ክንከውን ደው ካብ በልና ፍልልያትና ብሰላማዊ መንገዲ ዘይንፈትሓሉ የለን’ሞ ሕጂው’ን ንኢሂን ሚሂን ባይታ ንሃቦ። ኣብ ሓዲስ ዓመት ሓዲስ መንፈስ ከም ዝበሃል ገዛእ ርእስና ነዳሉዋ። ኩለንትናካ ዘብርሰካ ዘሎ እከይ ዶ ወይስ ኣነነት ይቅድም? ንሕሰብ።
7.ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝምድናን ቦታ መቃለሲ ምርካብን።
ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መሰረታዊ ለውጢ ከድሊ እንተኮይኑ፡ እሞ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ቦታ ንጥቀመሉ ከም ምህላውና፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ክቃለሱ ናብቲ ሃገር ዝኣተዉ ህይወቶም ከወፍዩ፣ ገንዘቦምን ናብረኦምን ራሕሪሖም ብግሊ ዪኩን ብውዱብ፡ ኣበይን ከመይን ከም ዘልዉ ኩነታት ምምዛን፡ መርገጺ ኢትዮጵያ ምንጻርን ምፍላጥን ከድሊ እዩ። እዚ ማለተይ ምቅዋም ዘይኮነስ ብዙሕ ሓርፋፍ ዪርኣን ተራእዩን እዩ እሞ፡ ብሃሰሰ ለባም መቃለሲ ቦታ ጥራሕ ስለ ዝተረከበ፡ ሰጊድ ወሰላም እንዳ በልናን እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር ዝብል የዋህ ምክንያት ከይሃብና፡ከም ጸሓይ ቀትሪ መርገጺ ይብራህ፡ ባዕልና ንውንኖ ቃልሲ ክንረክብ ንስራሕ፡ ምፍንጫል ስለ ምንታይ ይገንን ኣሎ መርሚርካ ንመጻኢ ፍታሕ ምድላይ።
ምናልባት ሓንቲ ትደጋገም ዘረባ እንተላ ኢትዮጵያ እንድያ ስደተኛታት የሕዋትናን ደቅናን ሒዞም ዝናብዩልና ዘለዉ ትብል ቃል “ መደበር ስደተኛታት ምክፋት ምስ ረብሓ ውን ስለ ዝከይድ ንሕና ንሓዋሩ ፍታሕ ንረክበሉን ባዕልና ንውንኖ መቃለሲ ቦታ ክንረክብን ንደልዮ ሓገዝ ንክንረክብን ምስ እንክእል እዩ”
ህ.ግ.ደ.ፍ ብርግጽ ኣብ ማእከልና ሰብ መሰል ግን ገባብል ከም ዝሰድድ ዝሰሓት ኣይኮነን፡ ግን ንሕና ውን ምሳና ብመትከል ንዘይተሰማመዐ ፡ ሞራል ደቂ ሰባት ክንሰብር፡ ኣብ ዘየረጋገጽናዮ ተጻይ ክንሰርሕን ንርከብ ኢና’ሞ፡ ኩለንትናዊ ኩነታትና ብምስትውዓል ንግበሮ።
8.ማሕበር/ምንቅስቃስ መንእሰያት ዝበሃል ዘረባ ክሳብ መዓስን ንመንን እዩ ዝውክል?
 እቲ ካብ ሃገር ዝስደድ ዘሎ ንባዕሉ መንእሰይ እንዳበለ ንርእሱ ከየታልልን፡ ዕላማና ፈሊጥና ንኩሉ ዘማእከለ መድረዅ ቃልሲ ክንከፍት  ምጽዓርን የድሊ።  ንዝተገብረን ዝተፈተነን ቃልሲ ምንእኣስን፡ ኣብ ገዛእ ርእስካ ርእሰ ምልዓል ምግባርን ኣይክሕግዘናን እዩ። ዝከኣሎም ከም ዝገበሩን ዝገበሩዎ ውጽኢት ብዘየገድስ ሞጎስ ሂብና ሕጂ ውን ኣካል ለውጢ ክኮኑን ዝከኣሎም ከበርክቱን ዘይምሕላል። ሎሚ መንእሰያት እቶም ኣብ ስደት ዝተወልዱ/ዝዓበዩ ናብ ቦታና ዝመጹሉ መድረክ ክንከፍተሎምን ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ፈሊጦም ዝብገስሉን ክንገብር እላቦ።
ንሶም ኣብ ስደት ዝመሃሩን ዝተማህሩን ከም ሙካኖም መጠን ኣብ ጎስጉስ ጉዳይናን ሽግርናን ንዓለም ብቀሊሉ ሓያል ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝክእሉ ምእማን ድሕሪኡ ከኣ ንዕዓቶም ቦታ ሂብና ግቡኦም ክገብሮ ምጽዓር ዪሓይሽ።
9.ሲቪክ ማሕበራት ናይ ሓባር ባይታ ፈጢረን ጎስጓስ ክገብራን ጉዳይና ዓለም ክፈልጠሉ ዝክእል መድረክ ክከፍታን ግዜ ዝጠልቦ እዩ’ሞ ሕጂውን ዳግማይ ክንሓስባሉ ይግባእ። መብጸዓ ሓዲሽ ዓመት ዪኩነና።
ፖለቲካውያን ውዱባት ናይ ሓባር መቃለሲ ቦታ ጌረን ንናይ ሓባር  ሽግርና ዝከውን ፍታሕ ክደልያ ድሕርኡ እዚ ዘሎ ስራዓት ዝለግሰሉ ባይታ ክገብራ ምጽዓር እዩ። ምፍልላይ ዘምጽኦ ሳዕቤንን ምስልና ኣብ ቅድሚ ሕዝብን እኩል እዩ መስለኒ።
እዘን ክልተ ዘይምትግባረን፡ ሳዕቤኑ እምበኣር።ደላዪ ፍትሒ ክንሱ ስቅ ዝመረጸ ክዛይድ፡ ሕዝቢ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሌና እምነት ክስእን፡ዘሎ ቃልሲ መድረኩ ክቅይር ወይ ክሕይል ዘይምርኣይ፡ ዓለም ኣብ ጉዳይና ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይምርኣይን ካልእን ብሩህ እዩ።
10. መድያ ናይ ሓባር መደባት ብዘለወን ዓቅሚ ከወሃህዳ
መድያ ሓቢረን ነቲ ብደገን ብውሽጥን ዝግበር ቃልሲ ንለውጢ ሓያል ተራ ክጻውታ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ፍታሕ ውን ግድኡ ዝገብረሉን ዝዳለወሉንመድረክ ዝጠልብ ሓያል ጎስጓስ ምግባር ክገብራ ንላቦ። ፓልቶክ ከም መድያ ንጥቀመሉ እኳ እንተኮነ ኣብ ክንዲ ብሓባር ኣንጻር እቲ ኩለንትናና ዘብርስ ዘሎ ኣካል ምድሃብ ኣብ ንንሕድሕዱ ክበላላዕን ክፈላለን ይርኣ ስለ ዘሎ ዳግማይ ምሕሳብ ክግበረሉ። ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሒ ውን ኣበይ ክንመሃር ከምንክእል፡ ኣበይ ክንገብር ከም ንክእል ፈሊጥናን ተረዲእናን ክንከይድ ከድሊ እዩ። ነገራት ይትሓዋወስ ከይህሉ ምርዳእ።
11. ሓለፍቲ/ኣካየድቲ ኣብያተ ክርስትያን/መስጊድ
ሎሚ ዓመት መሰረታዊ እምነትና ምርኩስ ብምግባር ንስለ ዝተበደለን ዝተዓመጸን ደው ምባል/ምዝራብ ሓወርያዊ ስራሕና እዩ’ሞ ፡ቅድም ንስለ ሓቂ ደው ንበል፡ ደሓር እቲ ኩዉን ኣብ ምድረ ሕዝብኩምን ሃገርኩምን ዘሎ ሓሳረ መከራን ምዝራብ ድሕር ኣይትበሉ፣ ንስለ ሓቂ ስበኩ፡ ምእመናንኩም ንስኩም ኢኩም ጕሰይቶም። እቲ ኩላሊት ወዲ ሰብ ዝምርምር ኣምላክ ጽባሕ ክሓተና እዩ። ሎሚ ውሉደ ኤርትራ ኣደዳ ሞትን ጥፍኣትን እንዳኮነ ሕዝቢ ሰላም ኣሎ እንዳበልካ ምስባክ ኣይፋል።
12.ስነ ጥበባውያን የሕዋትናን ኣሓትናን
ተጠርኒፎም ነዚ ዘሎ ቃልሲ ዘሓይልሉ መደባት ክገብሩን ንሕናውን ክንተሓጋገዞምን ከድሊ እዩ። ግዜ ዝጠልቦ እዋናዊ ኩነት ሙካኑ ግን ምስትውዓል ከድሊ እዩ’ሞ ንምትግባሩ ከኣ ሕጂ’ዩ።
13.ለበዋ ንምሁራት ኤርትራውያን
 ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኮነ እዋን ህዝብና ተፈላልዩ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ እምነት ሲኢኑ፡ እዞም ደለይቲ ፍትሒ እምበርዶ ንዚ ዘሎ ስርዓት ቀይሮም ዝሓሸ መንግስቲ ክተክሉ እዮም ኣብ ዝብሃልለሉ እዋን እጃምኩም ብዛዕባ ሎሚ ዝግበር ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ጽባሕውን ዝሓለነ እምነ መሰረት ዘንበረ መሳርሒ ክትሕግዙን ከተበርክቱን እዋኑ እዩ። እጃምኩም ከተበርክቱ ሕዝብኩም ዪሓተኩም ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ
እዚ ዝጽሕፎ ዘለኩ ናይ ብሕተይ ርእይቶ ከም ሙካኑ መጠን ንዘይንኣምነሉ ገዲፍና ነተን ንኣምነለን ክንገብር፣ ኩለን እንተዘይኣሚናለን ከኣ ናትኪ/ካ ሓጋዚ እዩ እትብልዮ/ሎ ሓሳብ ኣምጺእካ ንክውንነቱ ተበገስ።
ሓውዅም
George Ghebreslassie

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! December 28, 2014

    George
    Your article has important points to learn about
    weak sides which were main obstacles on issues of our past political process . With the new year coming ahead we need to evaluate all the faults
    that held back our expectations . Divisions also
    played to divert the intended progress. Time to
    stop unrealistic dreams and to take control on
    our cause independently without outside influence
    or intervention .
    Happy new year you all especially to well wishers
    who seek justice for the voiceless .

  • Yoditta gaul Yemane December 29, 2014

    Isaias Afeworki will die sooner or later but….. national responsibility
    prevent the deterioration of the situation in the country.
    I would also call upon the Eritrean Defense Forces to …. put an end to all the
    abusive policies and practices of the one-man dictatorship…. and for the masses
    of our people to rise up and dislodge the incumbent dictatorship. Happy New Year to all.

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply