Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ 6 ግንቦት መበል 20 ዓመት ምጅማር ናይቲ ብዶብ ተመኽንዩ ዝተኻየደ መዕነዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተፈላለያ ጋዜጣታት ዓለም `ኳ እንተተጠቕሰ፡ ብኽልቲኤን ሃገራት ኣይተዘከረን።

ትማሊ 6 ግንቦት መበል 20 ዓመት ምጅማር ናይቲ ብዶብ ተመኽንዩ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብውሑዱ ህይወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ክልቲኤን ሃገራት ዘህለቐ መዕነዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ገጻት ዝተፈላለያ

ትማሊ 6 ግንቦት መበል 20 ዓመት ምጅማር ናይቲ ብዶብ ተመኽንዩ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብውሑዱ ህይወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ክልቲኤን ሃገራት ዘህለቐ መዕነዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ገጻት ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ዓለም `ኳ እንተተጠቕሰ፡ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብቲ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን ኣሉታዊ ተመክሮ ኲናት ተማሂሩ ናብ ሰላም ክጥምተሉ ዝግባእ ኣጋጣሚ ብኽልቲኤን ሃገራት ኣይተዘከረን።

እቲ ብማዕከናት ዜና ዓለም ወትሩ ብናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ስልቲ ዝተኻየደ መህለቕ ኲናት ከምዝነበረ ዝጥቀስ ኲናት፡ ብ ከምዛ ትማሊ 6 ግንቦት 1998 ኣብ ባድመ ብምስምስ ዶባት ብጠርቆሽቆሽ ዝተጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ብሰንኪ `ቲ ንዘተን ሰላማዊ ፍታሕን ዕድል ዘይሃበ ሓላፍነት ዝጎደሎ ደረቕ መርገጺታት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ እቲ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝነበሮ ጉዳይ ናብ ናይ ክልተ ሃገራት ምሉእ ኲናት ዓሪጉ ህይወት ኣሽሓት ኣብ ልዕሊ ምቕዛፉ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህብታት ን 20 ዓመታት ናይ ጽልኢ መንደቕ ተኺሉ ይርከብ ኣሎ።

ድሕሪ መሪር ኲናትን ህልቂትን እቲ ንጡፍ ኲናት ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ኣልጀሪስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብዝፈረሙዎ ውዕል ደው `ኳ እንተበለ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ተባሂሉ ብኮምሽን ዶባት ዝተበየነ፡ ነታ ጠንቂ ኲናት ተባሂሉ ዝዝረበላ ባድመ ናብ ኤርትራ ዝመልስ ውሳኔ ዛጊት ኣይተግበረቶን።

ናይ ካሕሳ ኮምሽን ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ጀማሪ ኲናት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ንዝሃቦ ውሳኔ እቲ ስርዓት ኣብ ዕጹው ገዛን ብቋንቋ እንግሊዝኛን ተቐቢሉዎ ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ተወሪርካ ኢሉ ናብ ሓዊ ዝጠበሶ፡ ኣብ ኲናት ኣስዒሩ ሞራሉ ዝሰበሮ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብወግዒ ኣይተኣመነሉን።

ኣብዛ መራሕቲ፡ ሕርኽርኽ ዝብል ቃል ብምውጽኦም ዝሕተቱላን ካብ ስልጣን ዝሳናበቱላን ዓለም፡ እቲ ጠንቂ ጥፍኣት ዝነበረ ቀልቀመላኺ ኢሳይያስ ሓንቲ መዓልቲ ኳ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እንተዘይነበሮ፡ በንጻሩ፡ ሕቶ ንዘልዓሉን ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ከይድገም ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ክዝኣተ ሕጊ ክነግስ ብጥርኑፍ ንዝበድሁዎ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣባላት ባይቶን ኤርትራ ን 19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኑ ኣደዳ ሞት ገይሩዎም ይርከብ።

ድሒሩ ከምዝተቓልዐ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነቲ ኲናት ከም መመኽኔታ ምድንጓይ ትግባረ ቅዋምን ምትካል ሕጋዊ ስርዓትን ዝጀመሮ እዩ። እቲ ` መሬትና ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ኣሎ፡ ኣብ ኣይኲናት ኣይ ሰላም ኢና ዘለና` ዝብል መመኽኔታ ድማ፡ ነቲ ብቀንዱ ኲናት ዝጀመረሉ ዕላማ ምግባት ስልጣን ሪሳይክል እናገበረ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይፈለጥ። በዚ ድማ ኤርትራ ዕጽውትን ውድቕትን ሃገር ክትከውን ከላ፡ ኣብቲ ብመስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት ዓቕሉ ዝጸበቦ ህዝባ ናብ ስደት ተበታቲኑ ይዋረድ ኣሎ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT