Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ክደጋገም ከሎን – ግደ ተጋሩን

ታሪኽ ክደጋገም ከሎን ግደ ተጋሩን ጥቅምቲ 13/ 2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ታሪኽ ክደጋገም ከሎ (ብዝምድናዊ ኣበሃህላ) እቲ ሕማቕ በሰላ ምሕንጣጥ፡ ዋላ እቲ ጽቡቕ’ውን ጋም-ማን ስለዝዀነ ኣብ ዘለኻዮ ደው ወይ ደውታ ምዃኑ እዩ። እቲ ምዕባለ ዝብሃል ግን ነቲ ጽቡቕ ክትውስኸሉን

ታሪኽ ክደጋገም ከሎን

ግደ ተጋሩን

ጥቅምቲ 13/ 2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ታሪኽ ክደጋገም ከሎ (ብዝምድናዊ ኣበሃህላ) እቲ ሕማቕ በሰላ ምሕንጣጥ፡ ዋላ እቲ ጽቡቕ’ውን ጋም-ማን ስለዝዀነ ኣብ ዘለኻዮ ደው ወይ ደውታ ምዃኑ እዩ። እቲ ምዕባለ ዝብሃል ግን ነቲ ጽቡቕ ክትውስኸሉን ክትጽግኖን ከምኡ ድማ ናብ ሓድሽ ለውጥታት ከተሰጋግሮን ከለኻ ኢዩ።

ኣብ ጒዕዞ ቃልስና ወይ ታሪኽና ኣወንታዊ ዝተመዝገበ ሽቶን ከምኡ ድማ ኣሉታዊ ዝተደጋገመ ሃስያታት ፍረ-ኣልቦ ከንቶን ኣጋጢሙና ኢዩ። እቲ ኹሉ ተቓሊስና ዘምጻእናዮ ክሳብ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ምርግጋጽና ብኣወንታ ዝግለጽ ጽቡቕ ሸነኻት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኹሉ ሕድ-ሕድ ኲናታት ሕልኽልኻት ጥልመታት ብዓቢኡ ክኣ ወረራታት እናሳዕ እንዳተደጋገመ ሰላም ዝኸልኣና ተመኲሮታት ክኣ ኢቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ወይ መዳይ ኢዩ።

እዚ ሕውስዋስ ምህርቲ ናይ ናብራ ፍረ ዘለዎን ፍረ-ኣልቦን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘጋጠመ፡ ዘጋጥም ደሎ፡ ወይ’ውን ንብድሕሪ ሕጂ ከጋጥም ዝኽእል ኢዩ። ንኤርትራ ሃገርና ኣጋጢሙዋ ነቲ ጽቡቕ ከተስተማቕሮ ከይጀመረት ከላ ደግሲ ናይቲ ኣሉታዊ ታሪኽ ምድግጋም ኣርኪቡ።

ከምቲ ታሪኽ ዝትርኾ ሕብረተሰብና ካብ ሰንሰለታዊ ወራራት ኣየዕረፈን። ኣብ ግዜ መሳፍንቲ ብውሽጣዊ ብመሳፍንታዊ ጎነጻት ህዝቢ ሓሊቑ፡ ወኻርያ ዓዲ ሶጒዶ ጸጊብኪዶ? ጸጊበ’ወ ወልዱ ዝሓረዶ ተባሂሉ፡ እዚ መስክር ዘየድልዮ ብደርፊ ዝርታዕ ኣሉታዊ ሸነኽ ታሪኽና ኢዩ።

ኣብ ወረራታት እንተ ኸድና ክኣ ሃጸይ የውሃንስ ኣብ ልዕሊ ራእሲ ወልደሚካኤል ዘካየድዎ “ሰላማዊ” ተመሲልካ ናይ ዓመጽን ቀይድን መስርሕ ተራእዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ብሃጸይ ሃይለ-ስላሴ ተደጊሙ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ብደርጊ ናብ ዝበኣሰ እሳተ-ጎመራ ዓሪጉ፡ ሎሚ ኣብዛ ዘበናዊት ዓለም ክኣ ብዶ/ኣብይ ዝመርሓ ኢትዮጲያ ናይ ሰላም መንጠሊና ተጎምጒማ ብጥበብ ናይ ሃጸይ ዮውሃንስ ትወረና ኣላ።

ኤርትራውያን ኣእምሮ ከነዕቢ እንተዘይ ክኢልና ዝተፈላለየ ገበር ዘለዋ ሓንቲ መጽሓፍ ጥራይ ከነንብብ ከንነብር ኢና። ኣብ ከምዚ ኲነታት’ዚ ደው ወይ ክኣ ጋም-ማን እንተድኣ ንብል ኰንና እቶም ዘዝቐደምና ነዛ ትደጋገም ደላ ምጽሐፍ ዘንብቡ ወወሊድና ካብ ምስንባት ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና ።

ኣብዛ ዘበናዊት ዓለም ብትኽክል ኣእምሮና ከነስፍሖ እንተ ዘይክኢልና ኤርትራውያን ንኹን ኢትዮጵያውያን ብእንገብሮ ኣሉታዊ ሸነኽ ናይ ታሪኽ መድግጋም ኣብ ተጣዒስካ ዘይሕከም ህዝባዊ ክሳራ ፈፎው ምባልና ኣይተርፈናን ኢዩ። ከምቲ ኣምሓራ ዝምስልዎ “ ከወደቁ ወድያ መንፈራገጥ ጀርባ መምለጥ” ክኸውን ኢዩ። ትርጒሙ መስ ወደቕካ ምግልባጥ እንግድዓ ምምላጥ ምኻኑ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ደሎ ፖለቲካዊ ኲነታት ናይ ዓለም ኣርቂቕና እንተርኢናዮ፡ ሓያላን መንግስታት ብፍላይ ክኣ ምዕራባውያን ከምታ ዝሰርሑና ይፍንጥሑና ኣለዉ። እቲ ቅድም በቲ ቀጥታዊ መግዛእዊ ወረራ ሰሪሖምና፡ ብድሕሪኡ ብሓድሽ መግዛእቲ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ባንዴራ ዓዲሎም ከናቝቱናን ክምዝምዙናን ጸኒሖም፡ ሕጂ ኽኣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከምታ ዝሰርሑና ክፍንጥሑና ህርድግ ይብሉ ኣለዉ።

ዋእ! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ኣብ ኰረሻ ናይ ዝተቐየደት በቕሊ ኰንካ ክትስግር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ንሱ እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ታሪኻዊ ደውታ ኢዩ። እዚ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ደሎ ገበን ምናልባት ኢትዮጵያ ትዕንድረሉን ትስሕቀሉን መሲሉ ዝረኣዮም ሳዕቤን ናይ ወረራ ዝረስዑ ደቂ ክልትኡ ሃገር ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ምድግጋም ታሪኽ እዚ ግን እንተ ዘይለቢምና ደቂ ኽልትኡ ህዝቢ ዝዂርመየሉን ዝነብዓሉን ክኸውን ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ ክንግንዘብ ይግብኣና። ሕጂ ብእዋኑ ህዝቢ እንተ ዘይተበራቢሩ ድሕሪ ውድቀት ንዝጠለሙ መራሕቲ ምምራር ካብ ዕንወት ዘድሕነና ኣይኰነን። ምስክርና ዘለናዮ ሃለዋት ስለዝዀነ ኣቐዲምና ንፈልጦ።

ዝዀነት ትኹን ሃገር እንዳወረረት ወይ ክኣ ንወረርቲ እንዳተሓባበረት ወይ’ውን ህዝቢ መሰሉ ክቕንጠጥን ልዕላውነቱ ክገሃስን ከሎ ተዓዛቢት ኰይና ኣብ ትሓልፎን ደሞክራሲየዊት ክትበሃል ብወገነይ ትኽክል ኣይኰንን። ኣብ ደሞክራሲ ፍርቂ ተረድኦ ትርጒም የብሉን። ደሞክራሲ ከም ጁባን ስረን ከከም ዝጥዕመካ ትኽደኖ ክዳን ኣይኰነን፡ ኣብ ገዛኻ ሰላም ትደሊ ንኻልኦት ክኣ ትወርርን ወይ ባዕሎም ይፈልጡ ትብልን እንተድኣ ኰንካ ሌላኻ ምስ ደሞክራሲ ጎደሎ ብኡን ፈረቕኡን ኢዩ። እዝን ወድ-ኸምዝን ዝሕላገቱ ኣሰራርሓ ሓያላን ምንግስታት ክኣ ኢዩ ንዓለም ዘሸግራን ሰላም ከሊኡዋን ደሎ።

ደሞክራሲ ብዙሕ ግዜ ኢያ ተምዝመዝ፡ ማለት ወረርቲ ብስም ኣብዝሓ ድምጺ (ማጆሪቴ ዊንሰ) ብዝተፈላለየ ጥበብ ኣደናጊሮም ህዝቢ ዝወሰኖ ኢዩ ኢሎም እዚ ክበሃል ዘይክኣል ገበናት ይፍጽሙ። ተበለጽቲ ክኣ ብኣነ ኣየድመጽኩን ጒልባብ ጌሮም ካብ ገበን ክሃድሙ ላዕልን ታሕትን ይብሉን የማኻንዩን። ደሞክራሲያዊ መሰል ብዓቐን ድምጺ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኰነን። እቶም ዝወሓዱ’ውን ኣብቲ ቅኑዕ መርገጽ ጸኒዖም እንተተቓሊሶም ሳዕርን ልብን እንዳሓደረ ይቦቍል ከም ዝብሃል ሓይሊ ሚዛን ኣብ ሓደ ደረጃ ምዕባሌ ክምዝቕየር ይኸውን ኢዩ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ኩሉ ኣብ ዓለም ዝግበር ወረራራት ነተን ኣብ ስልጣን እንዳተበራረያ ዘካይድኦ ዓበይቲ ፓርትታት እንዳዀነኑ ገና ኣብ ስልጣን ከድይቡ ዕድል ዘይረኸቡ ንኣሽቱ ፖለቲካዊ ፓርትታት መሊኦም ኣለዉ። ከም መማህራን መጠን ክኣ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዓቢ ትርጒም ኣለዎም። ስለዚ ደሞክራሲ ከም ናይ መሰል መሳርሒ መጠን፡ ናይ ዓበይቲ ፓርትታትን ናይ ዓመጽ መትንታቶምን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብዝተፈላለየ ጥበብ ደጋገምቲ ወረራን ዘልኣለማዊ ንብረት ክኸውን የብሉን።

እምብኣር ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልኽልኻት ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ከም ዝገለጽክዎ ይርከባ ስለዘለዋ፡ እሞ ኤርትራ ክኣ ብሰላሕታዊ ጥበብ ትውረር ብምህላዋ እዚ ምድግጋም ታርኽ እዚ ካብ ህዝቢ ትግራይን መንግሰቱን ዘይተኸወለ ኣዚዩ ብሩህ ዝዀነ ጸረ ሰላም ዝዀነ ንደሞክራሲያውነት ተጋሩን ብፍላይ ክኣ ንመራሕቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ፈታኒ ተርእዮ ከም ምዃኑ መጠን፡-

ተጋሩ! እንታይ ትገብሩ?

ዝምድና ጎረባብትና ልምደን ቋንቍኤን ብዓቢኡ ክኣ ባህለን ምስ ናትና ሕደ ወይ ክኣ ዝተመሳሰለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ወይ ክኣ ኢዩ። እዚ ክውንነት እዚ ካብ ምዕብልንአን ዘንጸባረቐ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ተገሊጹ ኢዩ። ከተማውን ገጠራውን ምዕብልናታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ከይተረፈ ፍልልያቱን ምቅርራባቱን ካብ ደረጃ ምዕብልንአን ዘንጸባረቐ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ከምዝተዓዘብናዮ እቲ ወዲ ከተማ ነቲ ወዲ ገጠር ኣንታ ህጉር እንዳበለ የላግጸሉን ወይ የባጭወሉን ብናይ ትምክሕቲ ዓይኒ ክኣ ይርእዮን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ዋላ አብ ዓደ’ምሓራ እቲ ወዲ ከተማ ነቲ ወዲ ገጠር ባላገር ኢሉ የነኣእሶ፡ እቲ ገጠር ዕባይ ክኣ ከም ኲነታቱ ይድሃል ወይ ክኣ የንጸርጽር ናብ ባእሲ ገጹ ብምድሃብ ክኣ ብዘለዎ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተመክሓሉ ሰብ ሓደጋ የውረድ። እዚ ነገር’ዚ ኣባናን ኣብ ጎረባብትናን ከጋጥም ከሎ ኣርኪብናሉ ኢና። ብዛዕባ ለውሃትን ዘይለውሃትን ልግስን ብቅን’ውን ከምኡ ካብቲ ቍጠባዊ ኣነባባር ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ ምስፍናዊ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ንኽትነብር ብዙሕ ጒልበተ-ዕዮ ስለ ዘይተፍስስ ኣብ መጓሰን ሕርሻን ስለ እትነብር፡ ከምዚ ሎሚ ኣግራብን እንስሳን ከይበረሰ ከሎ እቲ ካብ ጥሪት ዝርከብ ሕሉብን ካብ ስቡሕ መሬት ዝርከብ ማእቶትን ሃብታም ፍረ መሮርን ዝህደና እንስሳ በረኻን ምስ ልግስን ሕያውነትን ከም እትተኣሳሰር ይገብረካ። ኣብ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ግን ነጋዳይ ንመኽሰቡ፡ ሸቃላይ ክኣ እኹል ጻማ ርሃጽ ስለዘይረክብ እቲ ኲነታት ለውሃትን ዋላ ጠባያት ናይ ሰብን ከም ዝቀያየር ይኸውን።

ካብኡ ናብኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ከበሳ ዘሎ ህዝቢ ምስ ኣብ ምታሕት ዘሎ ብፍላይ ክኣ ኣብ መጓሰ ዝነብር ብጣዕምን ብህዱእ ኣዘራርባን ብለውሃትን ከይተረፈ ዝተፈልየ ኰይኑ ንረኽቦ። ሓደ ብዓል መጋርያ ከብቲ ከምዚ ሎሚ ከይኰነ ኣብ ንብረቱ ዘውጽኦ ጒልበተ ዕዮ ክንዲቲ ናይ ወዲ ከበሳ ኣብ ጸቢብ መሬት ዝሓርስ ወይ ክኣ ሸቃላይን ሓውሲ ሸቃላይን ኰይኑ ብጥበብ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ዝሰጋገር ብዓይኒ ለውሃትን ሸገርገርን ክትርእዮም ከለኻ ዝተፈላለዩ ኰይኖም ትረኽቦም።

እዚ ማለት እቲ ብዓል መጋርያ እታ ዝዓበየት ስርሑ ወጋሕታ ተሲኡ ነታ መጋርያ ከብቱ ዝሰትያላ ጋብላ ማይ ምምላእ እያ። ብድሕሪኡ እቲ ዝተረፈ ህድእ ኢልካ ዝግበር ስለ ዝዀነ፡ ገሰ ሰብር ውደ፡ ኮፍ በል ኣይተተሃወኽ ሓሊብ እንካ ስተ ኢሉ ጓጒድ ኢዬ ዘቐብለካ። ኣኺሉ ዝተርፍ ጸባ አብ መሬት ከይተረፈ ዝኲዖ ስለዘለዎ ክኣ ወዮ ሰቲኻሉዶ ኢዩ።

ኣብ ተጋሩ እንተ ተዓዚብካ’ውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ኣነ ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ስደት ምስ ብዙሓት ተጋሩ ሌላ ነይሩኒን ኣለንን። ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ካብ ኣነባባር ዝበቖለ ፍልልይ ኣለዎም። ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ደቂ ከተማ ዓቕለኛታት ኣይኰኑን፡ ብተስታን ብቡኛን ዝጨራደዱ ኢዮም። እቲ ሚስኪን ድኻ ግን ወዲ ትግራይ ይኹን ወዲ ኤሪትራ ወይ ወዲ ካልእ ሃገር ኣብ ትኳቦ ስለዝነብር ካብ ዓቕሊ ምግባር ሓሊፍካ ካልእ ዕድል የብሉን። ኣብ ትግራይ እንድሕሪ ኬድካ ክኣ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣለኒ። ከም ዝተሓበርክዎ ብሸነኽ ምብራቕ ዘለዉ ለጋሳት ብሸነኽ ምዕራብ ዘለዉ ክአ ኣይግድን ወይ ክኣ ኣይከምኦምን ይበሃል። ዳሕራይ ኣነ ነቲ ኣነባባሮም እንተስተብሃልኩሉ መጠናዊ ፍልልይ ኣለዎ።

ብዓል ኣኽሱም ጥንታውያን ከተማታት ስለ ዝዀና ኣብ ምህዞታት ዝተመርኰሰ ሸቐጣ ሸቐጥ ኣለወን። እዚ ኹሉ ማእለማታት ጥበበኛታት ናይ ወርቂ ቀረጽቲ በብዓይነቱ መተዓየይታት ቤት መስተታት ቤት ብልዕታት ከተማውን ሓወሲ ከተማውን ኣነባባራት ስለዘለዎ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ እቲ ፍልልያት ምስ ጒልበተ ዕዮ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ መዚነዮ። እዚ ናተይ ሚዛን ኰይኑ ካብ ናይ ካልኦት ክፍለ ይኽእል ይኸውን።

ብሓጺሩ ዝዀነ ይኹን ምቅይያራት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዝርከብ፡ ኣብ ቋንቓ ዝርከብ ናይ ቃላት ምትኽኻእ ከይተረፈ ካብ ምዕባለ ናይ ቍጠባዊ ሰረት ዘንጸባረቐ ወይ ዝተወልደ ኢዩ ክብል ስለዝደለኹ ኢየ። ንመረዳእታ ዝኣክል፡ እቶም ኩሎም ናውቲ ማእቶታት ምትከል ዕርፊ ድጒሪ ነዊት ኣርዑት ምራን ቀደም ምራን ቍራብዓት ከርፈስ ወዘተ…ኣብ ግዜ መስፍናዊ ስርዓታት ኣገደስቲ ዝነበሩ፡ ኣብ ርእሰማላዊ ስርዓት ብኻልኦት ርእሰማላዊ ናውቲ ማእቶት ተተኪኦም ኣብ ቋንቋ ናይ ቃላት ምቅይያራትን ናይ ቋንቋ ምህብታምን ከም ዝውለድ ይገብሩ። ብዛዕባ ቋንቋን እንታይነቱን ምናልባት ካል ገዜ ብዝሰፍሐ ክነዕልለሉ ስለ እንኽእል ንሕጂ ኣሕጽር ከነብሎ።

ስለ’ዚ ሕብረተሰብ ከም ሕብረተሰብ ናይ ኣገባብ ማእቶት እንተዘይኰይኑ ንዓይ ኩሉ ሰብ ሓደ ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየኒ። ምስ ጎረባብትና ዋላ ብደም ብዘርኢ ንተኣሳሰር እንተዀንና ካብ ታሪኽ ዘማዕብሎን ወይ ዝወልዶን ፍልልያት ከነምልጥ ስለ ዘይንኽእል፡ ነቲ ፍልልያት ክንቅበሎ ኣብዘይንኽእለሉ ግዜ፡ ሓድነትናን ምምስሳልናን ብዘየገድስ ኣብ ምትዕምማጽ ንኣቱ። እቲ ቃልሲ ድማ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ይኸውን እሞ ኣብ ዘበናዊት ዓለምና ኣብ ደሞክራስያውያንን ጸረ-ደሞክራስያውያንን ጎበጥትን ጸረ ጎበጣ ተቓለስትን ንከፋፈል።

እዚ ኲነታት እዚ እምበኣር ኣብ መነጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ይደጋገም ስለ-ዘሎ፡ ተጋሩ ኣዝማድኩም ዝጒበጡ ዘለዉ ኤርትራውያን ዲዮም ወይስ ዝጎብጡ ዘለዉ ኢትዮጲያውን? ነብስኹም ከም ደሞክራስያውያን ትቖጽርዋ እንተድኣ ኰንኩም ሃገርኩም ብምዃና ጥራይ ንሰላሕታዊ ወረራ ኢትዮጵያ ብትም ክትሓልፍዎ ወይ ክኣ ንኤርትራ ከም ሃገር ኢና ንፈልጣ ብዝብል ናይ ልሳን ኣገልግሎት (lip service) ብምውፋይ ኣብ ጥበራ ጥራይ ክትነብሩ ዝግባእ ኰይኑ ኣይስምዓንን።

ስለዚ ተጋሩ! እንታይ ትገብሩ?

ብመሰረቱ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣባይ ኣብዚ ንኽበጽሕ ዕድል ዝሃብኩሞ ማለት ኣመራርሓኹም (ወያኔ) ምስኡ ዘየዋጽእ ፍቕርን ዘይብሩህን ብሩህን ሽርክነት ብምግባሩ ኢዩ። እዚ ሽርነት’ዚ ብርሰት ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ከምዘስዓበን ሕጂ ኽኣ ኩሉ ምሉ ኣብ ዝተረፈ ጸንቅቕ ዝብል ኢሳያሳዊ ጭከናን በጺሑ ክምዘሎን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ትርእይዎ ኣለኹም። ባህላዊ ዝምድና ይኹን ናይ ወለዶ ሓረግ ምስ ኤርትራ ዘለኩም ካብ ወረራ ከድሕነና ኣይክኣለን። ፖለቲካዊ መርገጽኩም ካብ ደሞክራሲያውነት ይርሕቕ ስለ ዘሎ፡ ታሪኽ ክደጋገም ከሎ ብትም ክትሓልፍዎ ከለኹም ናይ ዶ/ኣብይን ናይ ኢሳያስን ማሕላ  ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ደሎ ዓቃላት ለዋሃት ተጸምምቲ መኽበርቲ ሰብ ናብ ዝብል ኣበሃህላታት ዘይኰነስ ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ ናብ ዝብል ምሳሌ ገጹ ከዛዝወኩም ስለ ዝኽእል፦_

ሕጂ ተጋሩ! እንታይ ትገብሩ?

እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ናይ ሕውነት ዓለም ኣይመስለንን፡ ፖለቲካዊት ዓለም ካብ ትኸውን ነዊሕ ኰይኑ’ሎ። እዚ ድማ ናይ ጥቕምታት ዝምድናታት እምበር ናይ ደም ዝምድናታት ኣኽቲሙ ዳርጋ ቦታ የብሉን ክበሃል ይክኣል። ቀደም ናይ ደም ዝምድና ዝተፈላለየ ሓልዮትን ክሳዕ ናይ ምሕላቕን ነይርዎ። ቀሊል መረዳእታ ኣነ ዘርከብክሉ፡ ዓድና ድንድል ይሰረሑ ነይሮምሲ ኲለን ጎዶቦታትና ሓሓደ ምዓልቲ ብጒልበት ክሕግዛና ከለዋ፡ ሓንቲ ዓዲ ብትውልዲ ናይ ቀረባ ኣሕዋት ስለ ዝዀንና ክልተ ምዓልቲ ሓጊዛትና። ፍቕሪ ይኹን ጽልኢ፡ ሓልዮት ይኹን ለውሃት ወይ ብኣንጻሩ ሎሚ ግዜ ኲነታት ናይ ኣነባባር ረሲዑዎ ስለዘሎ፡ ዝምድና ሕብረተሰብ ብደሞክራስን ጸረ-ደሞክራስን ከም ዝትካእ ኰይኑ ኣብዝሃለወሉ ህሞት ብሓረግ ናይ ዘርእኹም ዘይኰነስ ብደሞክራሲያውነትኩም፦

ሎሚ ተጋሩ! እንታይ ትገብሩ?

ሎሚ ኲነታት ዓለም ኣብ ሓዲሽ መድረኽ ኣትዩ ዝምድናታት ሓያላን መንግስታት ካብቲ ዝነበረ እንዳተቐየረ ክኸይድ ከሎ ንዕዘቦ ኣለና። ቀደም ዘይነበረ ሕብረት ኣውሮጳ (EU) ሓድሽ ፖለቲካዊ ኲነታት ዓለም ከም እንርኢ ገይሩና፡ ካብኡ ዝተጣዕሰ ውሳነ ዓዲ እንግሊዝ በረክሲት (BREXT) ካልእ ሓድሽ ኲነታት ንዕዘብ ኣለና፡ ካልእ’ውን በሪክስ (BRICS) ዝበሃል ዝምድና ብራዚል ሩስያ ህንዲ ቻይና ከምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ተርእዮ ተወሲኹዎ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ቅድድም ሩስያን ቻይናን ኣዝማዶም ከም ብዓል ቱረክን ኢራንን ወዘተ.. ብሓደ ወገን፡ ብቲ ካልእ ወገን ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቤተሰባን ኰራዂራን ከም ናይ ብዓል ኢማራት፡ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዘይነበረን ዘይግመትን ሓድሽ ፈንጠርጠር ዝምድናታት ምስ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕን ዙርያ ማእከላይ ባሕርን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝርከቡ ህዝብታትን ዝካየድ ዘሎ ዓቐን ዘይብሉ ግፍዒ ከም ሽም ዘይብሉ ንህቢ ከምዝፈናጣሕ ገይሩ፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኰነስ ኢትዮጶያውያን’ውን ካብኡ ሓራ ኣብዘይኰንሉ እዋን፡ ኣብዚ ውሕስነት ናይ ሰላም ዘይብሉ ተርእዮ ኣብ ዝምድና ዶ/ኣብይን ጸረ ወድ-ሰብ ኢሳያስን፦

ተጋሩ! እንታይ ትገብሩ?

ምናልባት መፍለስ ኣብ ኦም ከይድይብሲ ምሳር ተማላእ ዝብል ምስላ ቀዳሞት መፍለስ ኣብ ኦም ዝድይብ ስለዝዀነ ኣይኰነን፡ ግን ምናልባት ሓደጋ ከየጋጥመካስ ተጠንቂቕካ ጽናሕ ማለቶም ኢዩ። ኣነ እዚ ተጋሩ ኣሕዋትና ዝብል ኣዘራርባ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ዝስቆረኒ ኣይኰነን፡ ንሕውነት ብዓይኒ ዲሞክራሲ ጥራይ ኢየ ክመዝኖ ዝደሊ፡ ምኽንያቱ ይትረፍዶ ናይ ዘርኣዊ ሓረግ ሕውነት እዚ ዘለናዮ ኲነታት ደቂ ሓንቲ ማህጸን’ውን ገሌና ኣብ ትሕቲ መሬት፡ ገሌና ክኣ ኣብዚ ኣሎ ዘይትብለሉ ስደት መሃንንና ጠፊኡና መርድእ ዘይብሎ መቓብር ይውሕጠና ኣሎ። ብደቂ ሓንቲ ማህጸን ክኣ ንሽየጥን ንልወጥን ኣለና።

እምብኣር ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ዋልታ ኢሳያስን ዶ/ኣብይን እቲ ዝረኣናዮ ተሳኢሎምሉ ዘለዉ ካብ ሓንቲ ጥይት ክከላኸል ዘይክእል ትዝታ ፈኸራ መሳፍንቲ ንደሞከራሲያዊ ዕጥቂ ከሸንፎ ኣይክእልን ኢዩ ብሃላይ ኢየ። ስለ’ዚ መራሕቲ ሕዝቢ ትግራይ ህዝብኹም ከይተረፈ ምስ ደሞክራሲያዊ መሰላት ተላልዩ ስለዘሎ፡ በቲ ተላልዩዎ ዘሎ ዕጥቂ ክትመርሕዎ ኣነ ከም ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) እምሕጸነኩም ኣለኹ።

መጻኢ ትውልዲ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ወዘተረፈ ጎረባብትን ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣተገባብራ ምርኲስ ጌሩ ኢዩ ሰላም ፍቕሪ ሓድነት ዝፈጥር እምበር፡ ብኣገባብ ናይ ቅዝፈት ወልፉ መላኺ እሳያስን ኣምሰሉ ዶ/ኣቢይን ንደሞክራሲ ቀቢርካ ብፍቕርን ሰላምን ዝብሉ ቃላት ኣጎልቢብካ ልቕሉቝ መቓብር ምስራሕ እንዳ ምዉታን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ንህዝቢ ክልቲኡ ህዝብታት ዘቕስን ወጽኢት የብሉን።

ስለዚ ዲሞክራሲያውያን እንተድኣ ኰንና ንስካትኩም ጥራይ ዘይኰነስ ንሕና’ውን ምሳኹም ተሓባቢርና ካብዚ ዝኸበና ዘሎ ዓለም ለኻውን ዞናውን እሳተ-ጎመራ ንህዝብታትና ካብ ተለኻኸም ክነድሕን አስተዋጽኦና ከንድምርን ታሪኽ ከይንደግምን ሓላፍነት ንሰከም። ኣነ ከም ውልቀ-ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይን ኣብ ናይ ወትሩ ገለጻታተይን ንጸያፍ ህግደፋዊ ተልእኮ ኣብ ልዕሊ ተገሩ ዝወረድ ብዓይኒ ደሞክራሲ ካብ ዝሞጎቱ ሓደ ኢየ።

ስለዚ ንመሰልን ክብርን ደው ኢልና ንወረርቲ ክንምክቶም እውከሰኩም ኣለኹ። ብተወሳኺ ኣቐድም ኣቢለ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጸይ ኤርትራ ንትግራዎት እንታይ ከምዝነበረትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቍጠባ፡ ኣብ ስነ ኪነት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ምዕባለ እንታይ ግደ ከም ዝነበሮም ኣዘኻኺረ ኢየ። ምሕጽንታ ናይ ዝውረር ዘሎ ህዝቢ ከቢድ ታሪኻዊ ጽዕነት ስለ ዝኾነ ንኹልና ክኸብደና ይግባእ። ብዝተረፈ ኣነ ብውገነይ ውጽኢት ብዓል ኢሳያስ ብዓንተብኡ ሓደገኛ ምዃኑን ንድቅሰሉ ጒዳይ ከምዘይኰነን ንምእማት ዝኣክል ኣቐዲመ ብ 1985 ዝደረስኩዋ ግጥመይ ብወናም ምንግስተ ሰማይ የዋርሶ ብሓረግ እንተድኣ ዀይኑ ትግራዋይ ብሃገርነት ግን ነቕ ዘይብል ኤሪትራዊ ናይ ፖሊስ ደራፋይ ዝነበረን ሜዳ ንሃገሩ ዝወረደን ሓው ዩኑስ ኢብራሂም ኲርምቲ ኣንበሳ እትብል ኣብ ቦለኛ ዓዲ ጥልያን ከይተረድኡዋ ዝተደርፈት ጌረ ንሎሚ ወድሓንኩም።

ኲርምቲ ኣንበሳ

1985 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣዝማች፡- ደቂሱ’ዩ ኢልኩም ኣይተላግጹ

         ኲርምቲ አንበሳ ዓጽሚ መወጹ

    ጎደሎ ኣጻብዕቶም ዘይጭብጡ ዋልታ

    ሕብብእ ኣመሎም ሰላሕ ባይታ-ባይታ

    ኣብ ባሕሪ እንተኸዱ ሰበባ ዝዓግቶም

    ኣብ መሬት እንተበሉ ጸጸር ዝምክቶም

ኣዝማች፡- ደቂሱዩ ኢልኩም ኣይተላግጹ

         ኲርምቲ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

    ወፈራ ርቡጻት ዕግርግረ ልማዱ

    ገለ ከየፍረኻስ ገገዛኹም ኪዱ

    ዘይፈለየ ገና ዘይኣተ ኣብ ኣልባ

    ምን’ሞ ክቐርቦ ሕርኽራኽ ዘረባ

ኣዝመች፦ ደቂሱ ኢዩ ኢለኩም ኣይተላግጹ

         ኲርምቲ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

    ከም ቆጽሊ ትንባዀ ዕላምኦም ትኪ

    ዘምልእ ዘይብሎም በዘይካ ዝንኪ

    ሩባ ዘይሳገር ንውሕጅ ዝጽበ

    ጽላሉ ዝድርቢ ማይ እንዳሰረበ

ኣዝመች፦ ደቂሱ ኢዩ ኢልኩም ኣይተላግጹ

         ኲርምቲ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

    ጸቢብ ሓሳባቱ ኣርሒቑ ዘይጥምት

    ናይ ዓውዱ ገዲፉ ዘይረብሕ ዝሽምት

    ገዛ ከይኣተወ ኣብ ግዳም ይድርበ

    ትሕዝቶ ድኹማት ንመካራ ይጽበ

ኣዝማች፦ ደቂሱ ኢዩ ኢልኩም ኣይተላግጹ

         ኲርምቲ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

እያ ትብል ነይራ’ሞ፡ ካብ ዝፈራህናዮ ስለ ዘይወጻእና ሎሚ ዝድቅስ ንዲሞክረሲያዊ መሰላት ዝርምስ እምበር ንህዝቢ ዝድብስ ስለዘይኰነ ታሪኽ ዝደግሙ ወረርቲ ብዘይድቅሱ ተቓለስቲ ከም ዝስዓሩ ክንገብር ኣለና።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT