Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ኣቦይ ተስፋይ ጋይም፡ ኣብ ራድዮ ወጋሕታ፥

ኣቦይ ጋይም ተስፋይ፡ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑን ብዓል ሓዳርን እዮም። ካብቶም ሽድሽተ ደቆም፡ እቶም ሰልሰተ ንሓርነት ኤርትራ ሃገርና ኪስውኡ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነትና እዩ ተሰዊኡ። ብዓልቲ ቤቶም፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብሞት ስለ ዝተፈለይኦም፡

ኣቦይ ጋይም ተስፋይ፡ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑን ብዓል ሓዳርን እዮም። ካብቶም ሽድሽተ ደቆም፡ እቶም ሰልሰተ ንሓርነት ኤርትራ ሃገርና ኪስውኡ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነትና እዩ ተሰዊኡ። ብዓልቲ ቤቶም፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብሞት ስለ ዝተፈለይኦም፡ ‘ድሕሪ ኣሚነይ ደጊም ናብ ቁርባነይ’ ብምባል፡ ህይወቶም ባዕሎም ብዘይ ብዓልቲ ቤት ንኪመርሑ ዝመነኑ ኣቦ’ዮም። እዞም ወዲ 79 ዓመት ኣቦ፡ ንሓንሳብ በታ ኣደ ሽዱሽተ ቈልዑ ዝኾነት ሰይቲ ስውእ ጓሎም፡ ንሓንሳብ ድማ ብጎረባብቶም እናተሓገዙ፡ እናሓንሳእ ድማ ባዕሎም እናመንጠሩ (ንእሽቶ ቅጫ እናሰንከቱ) ኣብታ ከምዛ ዘይወለዱ ወላድ መኻን ኮይኖም ንበይኖም ዝተረፉላ ገዛ ኮይኖም፡ ምስ ናብራ እናተቓለሱ ከለዉ፡ እቶም ብዘይካ ዕድመ ስልጣን መላኺ ንምሕላው ካልእ ቅንጣብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይብሎም ህግደፋውያንን ዕሱባቶምን መጺኦም፡ ‘ብረት ዕጠቑ’ ኢሎም ምስ ገደድዎም፡ እቶም ኣቦ ዝበሉዎ ልቢ ለዋህ ዝትንክፍ ቃሎም’የ ብናዕታ ኣቕሪበልኩም ዘለኹ’ሞ ሰናይ ምስትምቓር፡ መከተ ኣቦና ኣቦይ ጋይም ተስፋይ  ንህግደፍ እብል።
ኣቦይ ጋይም ተስፋይ!
ታሪኽ ኣቦይ ጋይም ትማሊ ሰሚዕና
ብተግባር’ዚ *ፋኖ ኣመና ጒሂና        *ሽፍታ፡ ቀይዲ በተኽ፡ ከም ድላዩ ዚገብር
ጥልመቱ ከይኣክል ሕድሪ ስውኣትና
ብራዕድን ሽበራን መሊኹ ህዝብና
እኖሆ ይድውን ምስሊ ወለድና!
ሽማግለ ሰብኣይ እርጋን ዘሰነፎም
ሰለይ እናበሉ ምርኩስ ተደጊፎም
ብረት ኪሕንገጡ ቁርባኖም ገዲፎም
ግዲ ምስ በሉዎም መሰሎም ገፊፎም
ዓገብ ኢሎም ወላዲ ግብሮም ተጸይፎም!
“ኣንታ ወደይ ብሩኽ እዝጊሀር የርእኻ
እናረኣኻኒ ምርኩስ ሒዘ ኣቦኻ
ጠበንጃ ክሕንገጥ ትሓተኒ ኣለኻ
መሓረኒ ኣይፋልካን ብዓይነ ብርክኻ!”
ብምባል’ቶም ኣቦ ጸገሞም ተነገሩ
ዕሱብ መላኺ ግን ኣዒንቱ *ኣፍሪሩ  *ዓይኑ ፈጠጠጥ ኣቢሉ፡ ኣንጐልሒጡ
ነቶም ኣቦ ስውእ ጀጋኑ ዝቐበሩ
ብመስዋእቲ ደቆም ልቦም ብሕርሩ
“በፍንጫ ትዓጥቕ!” ምስ በሎም ደፊሩ!
ኣቦይ ጋይም ሽዑ ከም ነብሪ ነዲሮም
ብድድ በሉ ብቕጽበት *ከረዛኖም ዓቲሮም     *ዓንቃሪቦ በትሪ፡ ምርኩስ
“ኣንታ ዘይሓፍር ዕቡይ ደረቀይና
ምሳኻ ደኣ’ሞ ንፋላጥ እንዲና
ንመን ኢኻ ሕጂ ኪትኮነሉ ጅግና
ግዜ ብምሕሳሙ ርእስና ተድነንና
ኣብ ባይቶ ዓድና ሰብኣይ ኪትኮነልና!
ኣቦ ብርሃነ እኮ’የ እዚ ሓየት ጅግና
ኣቦ የማነ እንድየ ገንሸል ሓርነትና
ኣቦ ለምለም እወ ጸራጊት ኣባይና
ኣነ ኣቦ ታደሰ ዋሕስ ናይ ዶባትና
ብኣኻ ክድፈር ኣብ ባይቶ ዓድና
እንታይ እሞ ክንገብር ግዜ ዘሪዩና
ኣብ በረኻ ተሪፎም ጀጋኑ ደቅና!
ምእንታይ ምእንታኻ ሓመድ ዝቐበሮም
ኣቦ እዞም ጀጋኑ ገንሸላት ሃገሮም
ምዃነይ ዘንጊዕካስ ጠሊምካዮ ሕድሮም!
እዛ ሓላል መሬት ርስቲ ዓደ ኣቦና
ጸላምን መዓሙቕን ሲኦል ኮይናትና
ብሕሰም ክንስደድ ምርኩስ ተደጊፍና
ሎሚ ተመሊሶም እንቋዕ ኣይርእዩና!”
ኢሎሞ እቶም ኣቦ ግንባሮም ኣሲሮም
መባእ ናይ ሓርነት ንደቆም ዘኪሮም!
ኤርትራዊ’የ ኢሉ ንነብሱ ዚጽውዕ
ብብሉጽ ታሪኹ ዝሕበን ዝኾርዕ
ዓይኑ እናረኣየ ወላዲ ኪነብዕ
ኣብ መድረኽ ወጺኡ ንጥፍኣት ዘጣቕዕ
ዘይነቐሐ እንተሎ ናይ መላኺ *ሽርዱዕ    *ጸፋዕጸፋዕ ዘብዝሕ፡ ጽጋብ ዝሰንጠቖ
ምሕረቱ ይሃቦ ለኪሙ ከይጠፍእ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 02-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Birah March 4, 2013

    What a touching poem! what is happening to those who paid dear is despeacable.

  • Yemane Johar March 4, 2013

    Well done! Proud of you!

  • Mesinas March 5, 2013

    ምሉእ ታሪኽ ውጹዕ ኣቦይ ጋይም ተስፋይ፡ ኣብ ራድዮ ወጋሕታ ኣብ “መደብ ሰላምን ሕውነትን” ናይ ሮቡዕ 27-02-2013 ኣለኩም ተወከሱ።

POST A COMMENT