Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽን ሰነዳዊ ዝምድናን

መስከረም 15/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ብርእይቶይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑን ክሳብ ሕጂ እንታይ ከምዝበለን ዘገበረን ተተመላሊስና ክንጽብጽብ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ምኽንያቱ ኣኺሉ ዝተርፍ ፖለቲካዊ መንነት ኢሳያስ ስለዘዋህለልና ካብኡ ወጺእና ብታሪኽ ደረጃ

መስከረም 15/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ብርእይቶይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑን ክሳብ ሕጂ እንታይ ከምዝበለን ዘገበረን ተተመላሊስና ክንጽብጽብ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ምኽንያቱ ኣኺሉ ዝተርፍ ፖለቲካዊ መንነት ኢሳያስ ስለዘዋህለልና ካብኡ ወጺእና ብታሪኽ ደረጃ እንዳኣዛመድና መንነትና እንተፈተሽናን እንተመዘንናን ይሓይሽ ብሃላይ ኢየ። ምኽንያቱ ቃልስና ካብ ታሪኽ ተበጊሱ ታሪኽ ዝሰርሕ ጒዕዞ ኢዩ። ብድሕሪኡ ማሕለኻታት ጸላእቲ ክንበትኽን መንገዲ ናይ መጻኢ ኣነባባር ክንቅይስን ዝሓሸ ዕድል ክህልወና ኢዩ።

ታሪኽ እኩብ ድምር ናይ ኣሉታውን እወንታውን ኩለንተናዊ ሕሉፍ ተመኲሮታት ህዝቢ ወይ ኣህዛብ ኢዩ። ታሪኽ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ስንቂ ናይቶም እንደገና ጽፉፍ ታሪኽ ክሰርሑ ቅሩባት ዝዀኑ እዋናውያን ኢዩ። ስንቂ ዝዀነሉ ምኽንያት ክኣ ካብቲ ኣሉታ ተማሂርካ ካብቲ እወንታ ክኣ ሃብቲምካ ናብ ስልጣኔ ክትድይብ ኣስካላ ማለት መደያይቦ ስለ ዝዀነካ ኢዩ።

ታሪኽና ምብዛሕትኡ ካብ ባዕልና ዝጸሓፍናዮ ግዳማውያን ገዛእቲ ከም ድላዮም ጌሮም ዘቕረብዎ ይበዝሕ። ምኽንያቱ ድማ ሰላማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር መስሪትና ነጻ ኰንና ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ ብሕድሕዳዊ ምልዛብ ንጽሑፍን (written) ኣፈ-ታሪኽን (legendary) ብኣፍልጦ ማለት ብሊቃውንቲ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና ንኹላትና ብዘዕግብ ከነቕርቦ ዕድል ክንረክብ ብዘይምኽኣልና ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዘሎ መዛግብቲ ኣዚዩ ውሑድ ኰይኑ፡ ኣፈ ታሪኻውያን ኣቦታት’ውን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኣዚዮም ውሕዳት ኰይኖም ኣነባባርና’ውን ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ስለዘሎ ሃሰስ ኢልካ ክትረኽቦም ቀሊል ኣይኮነን። እንተተረኺቦም’ውን በዚ ዘሎ ምላኺ ስርዓት ኣፎም ስለ ዝተሎጒመ ድርካቦም ከረክቡና ዕድል ኣይተረኽበን። ካብዚ ዘሎ ደምሳሲ ስርዓት ክኣ ይትረፍዶ ንታሪኽ ዝኸውን መዛግብትን ሰባትን’ሲ እታ ሃገር ከም ዘላታ’ውን ከምዘይነበረትን ከምዘይትቕጽልን ክገብራ ይጓየ ኣሎ።

ሓንቲ ሃገር ታሪኻ ማለት ዘሕለፈቶ ቍርቍሳትን ውረድ ደይብን ንህዝባ ወይ ኣህዛባ ብዘዕግብ ደረጃ ብግቡእ ከም ዝቐርብ እንተዘይገይራ፡ ዝቕጽል መገሻ ናይ ምዕብልንኣ ብዘይ ስንቂ ስለ እትኸዶ ዕንቅፋት ድሕሪ ዕንቅፋት ማሕለኻ ድሕሪ ማሕለኻ ስለዘጋጥማ፡ ጽኑዕ ኣብራኽ ዘይብላ ማለት ኣብ ሰንከልከል ስለ እትነብር ኣደዳ ውሽጣውያን ጠለምትን ግዳማውያን ጎበጥትን መዛናባዕቲ ታሪኽን ከምኡ’ውን መደናገርትን ኢያ ትኸውን።

ሃገራት ስሉስ ዓለም ኣብዚ ኩነታት እዚ ስለ ዝርከባ ኣብ ሕማምን ደግስን ዝነብራ ውሑዳት ኣይኮናን። ሎሚ ንሃገርና ኤርትራ ኣጋጢሙዋ ካብ ዘሎ ሐደ ሽግር’ውን ካብ ጽፉፍ ታሪኽ ዝውለድ ጽኑዕ ኣብራኽ ስለ ዘይብላ ኢያ። ታሪኽካ ብግቡዕ ክትፈልጦ እንተ ድኣ ክኢልካ ማለት ዝሓለፍካዮ ጒዕዞ ኣሉታውን እወንታውን ተረኽቦታቱ ክትመሃረሉ ዕድል ትረክብ እሞ ካብ ጒድለትካ ትምህርቲ ካብ መንፍዓትካ ክኣ ምህርቲ ስለ እትሓፍስ ሓንቲ ሰላማዊትን ርብሕትን ንህዝባ እተዕግብ ሃገርን ክትህልወካ ትኽእል።

ፍረ መግዛእቲ ዝዀና ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ታሪኻዊ ሰነዳተን ከከም ኣቕራቢኡ ፋሕ ጭንገራሕ ዝበለ ስለዝዀነ ግቡእ ትምህርቲ ቀሲመን ጸገማተን ብግቡእ ፈቲሐን ጽኑዕ ኣብራኽ ናይ ሓድነት ከጥርያ ስለዘይክኣላ እንሆ መፍቶ ውሽጣውያን ኰራኲርን ግዳማውያን ገበትትን ኰይነን ኣብ ስማዊ ነጻነት ብባንዴራ ተዓሽየን ህዝበን እንዳተበደለ ዕንክሊል ክብላ ይነብራ ኣለዋ። ናይ ሓባር ስልጣኔ ከተመዝግብ እንተድኣ ኰንካ ናይ ሓባር ታሪኻዊ ባይታ ክትምድም ክትበቅዕ ኣለካ።

ቅዋም፡ ፓርላማ፡ ባይቶ፡ ኣብያተ ፍርዲ ማለት ሓጋጊ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል፡ ከምኡ ድማ ፈጻሚ ኣካል እቲ ዝዓበየ ትሕዝቶን ትካላትን እቲ መሰረታዊ ናይ ኣነባባር ሃብቲ ናይ ሓንቲ ሃገርን ምዃኑ ንዝንግዕ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ክኣ ንዕኡ ንቃለስ ስለ ዘለና። እንተዀነ ግን ብድብድቡ ቍልቍል ዝኣፉ ንሱ ብምህላዉ ሓንቲ ሃገር ናይ ብሰላም ምንባር ውሕስነት ኣለዋ ማለት ከስምዕ የብሉን ። ንሱ እንዳሃለወን ከሎ ሰላም ዝረሓቐን ወግሐ-ጸብሐ ኣብ ዓጸባን ዕግርግርን ውግእን ወረ-ውግእን ዝነብራ ውሑዳት ኣይኰናን።

 

እዚ ክውንነት’ዚ ዝሕብረና ነገር እንተድኣ ኣሊዩ ከምቲ ቃልስና ኣብ ሜዳ ብባህርያቱ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ከሎ ደሞክራስያውነቱ ኣጥፊኡ ኣብ ሃገራዊ ጥራይ ተሓጺሩ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወለደ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ሰነዳት ጥራይ ተወሲኑ ተግባራውነቱ ከይዳኸም እቶም ንዕኡ ሰራውር ዝዀንዎ ቅድመ ኲነታት ማለት ኩለንተናዊ ታሪኻዊ ተመኲሮና ብዝክኣል መጠን ጥርኑፍ ኰይኑ ኣብ ቃልስና ከም ሕብረ-ብሄረተሰባዊት ሃገር ከርውየና ብዝኽእል መንገዲ ከም ዘንጸባርቕ ንገብር’ሞ ብኡ ኣቢልና ክኣ ብቑዕ ሃገራዊ ንቕሓት ንውንን።

 

ኣታ ግደፉና ነዚ ሰይጣን ህግደፍ ዝበሃል ጥራይ ነጥፍኣዮ ዝብሉ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም፡ ግን ጥራይ ንደርጊ ነጥፍኣዮ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣበይ ከም ዘብጽሓና ክኣ ማዕረማዕሪኡ ክዝከር ይግባእ። ሓደ-ሓደ ንምጥቃስ፦ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅዋም ነይሩዋ፡ ንኹላቶም ዝጣበቕ ግን ኣይነበረን፡ ዚምባብወ ቅዋም ነይሩዋ፡ ታሪኽ ሮበርት ሙጋበ ግን ዝርሳዕ ኣይኰነን፡ ግብጺ ብዕድሚኣ ዳርጋ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ኣፍሪቃ ክንብላ ንኽእል፡ ቅዋም ነይሩዋን ኣለዋን፡ ግን ነቲ ስልጣን ብዓል መን ይቀባበልሉ? ናይጀርያ ሃብታም ኢያ ቅዋም’ውን ኣለዋ፡ ግን እዚ ኹሉ ኣብኡ ዘሎ ሕድ-ሕድ ኲናት ካበይ መጸ? ኣብ ኮነጎ’ውን ቅዋም ኣሎ፡ ግን ኣብ ምንታይ ኲነታት ይርከቡ? እቲ ዝተረፈ ወዘተ… ኢልና ንሕለፎ።

 

ኣብ ጎረቤትና ክንመጽእ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ቅዋም ካብ ዝህሉ ትውልድታት ኣቝጺሩ ኣሎ፡ ግን ከመይ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ሓሊፎምን ኣለዉን? ቅዋም ዲሞክራሲያዊ እንተድኣ ኰይኑ፡ ብጒንዱ ናይ መሰልን ሰላምን ምዕባለን መብጽዓ ስለ ዝዀነ ንህዝብኻ ይኹን ንኻባኻ ርሒቖም ዝርከቡ ኣህዛብ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋወሪ መንገዲ ዝጓዳእ ክኸውን የብሉን። እስከ ናይ ካልእ ገዲፍና ኣብዛ ዘለናያ ኣፍሪቃ እንተአተኲርና፡ ከምኡዶ ኰይኑ ንረኽቦ? እመብኣር እዚ ቃልስና ኣብዚ እዋን’ዚ ኪኖ ሰነዳት ዝሓስቡ ንሰነድ ከም ትርጒሙ ዝሰርሕ ዝገብሩ ካብ ታሪኻዊ ክውንነት ዝብገሱ ውፉያት ንቑሓት እምነት እተምብረሎም ምራሕቲ የድልዩ ማለት’ዩ። ንኽውንነት ናይ ታሪኽ ሸለል ብማለት ኣብ ነብሰ ምክልኻል ዝነብሩ መማህራን ናይ መጻኢት ሃገር ክዀኑ ስለዘይክእሉ ሰነዳዊ መብጽዓታት እኹል ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

እዚ ኩሉ ፋሕ ጭንግራሕ ናይ ደምበ ተቓውሞና’ውን ሰነዳት ስለዝተሳእነ ዘይኰነስ፡ ንሰነዳት ኣወሃሂድካ ምእዙዝ ናይ ሰነዳት ክትከውን ዘይምቕባል ኢዩ።

 

ኣብ ሜዳ ከለና ደሞክራሲያዊ ሰነዳት ነይሮምና፡ ግን ነቶም ዝነበሩና ሰነዳት ኣወሃሂድና ክንሰርሓሎም ወይ ክንምእዘዞም ስለ ዘይክኣልና ብማህሰይቲ ዝተረፈና የብናን። ኣብ ዓዲ ደሞክራስያዊ ሰነድ ተቐሪጹ ነይሩ፡ ግን እዚ ንርእዮ ዘለና ገባቲ ስርዓት ክምእዘዞ ስለዘይደለየ ኣደዳ ሕሰም ኰንና። ሰነድ ትርጒም ክህልዎ እንተድኣ ኰይኑ፡ እቶም ንሰነድ ዝህንድሱ ኣካላት ብተግባር  ሂደት ናይቲ ሕብረተሰብ ማለት ፍልልያቱን ተመሳሳልነቱን ልዕሎን ትሕቶን ናይ ኣነባብርኡን ብጥንቃቐ ዝተረድኡ ክኸውን ይግባእ። ብሓፈሽኡ ባህላውን ቍጠባውን ፖለቲካውን መሕበራውን ናይቶም ነታ ሃገር ዘቖሙ ሰብ ብርኪ እኹል መጽናዕቲ ዝተወስዶ ካብ ተጽእኖ ነጻ ብዝዀነ ኣእምሮ ክዳሎ ኣለዎ።

 

እዚ ኹሉ ዕማማት ግን ብእዋኑ ክትቃለስ ከለኻ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ባይታ ሰሪሕካሉ እንተጸናሕካ ኢዩ’ምበር ዓዲ ምስ ኣተኻ ተብተብ እንተዀይኑ ዕንቅፋት በዚ መጸ ኣይትብሎን ኢኻ። ኣብ ግዜ ቃልሲ እንተድኣ ሰሪሕካሉ ግን እቲ ተቓላሳይ ህዝቢ ነታ መጻኢት ሃገር እንታይ ከም እትመስል ኣብ ኣእምሮኡ ተዋህሊሉ ስለዝጸንሕ ብመታለልቲ ብቐሊሉ ክዝራዕ ወይ ክማረኽ ኣይክእልን ኢዩ።

 

ኣብ ክውንነትና እንተ ርኢና እዚ ዝተባህለ ብዓንተብኡ ናብ ህዝብና ክዝርጋሕ ዕድልን ኣስተብህሎን ነይሩና እንተዝኸውን ህዝባዊ ሓይሊ ተዋህሊሉን ተዳልዩን መጸንሐ’ሞ ነቲ ቅዋም ከተግብሩ ክብሉ ተመቝሖም ዘለዉ ተጋደልቲ ኣሕዋትና ህዝባዊ ሓይሊ ምተኻላኸለሎም ነይሩ። ብጒንዱ ክኣ እቲ ሰራዊት ስነ-ስርዓት ከም ዝኽበር ክገብር ምኸኣለ። ብኣንጻሩ እቲ ሰራዊት ነቲ መላኺ ስርዓት ከም ዘገልግል ኰይኑ ህዝባዊ ሓይሊ ባኺኑ ተሪፉ። ህዝቢ ኤርትራ እንዳሰምዐን እንዳርኣየን ነቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ ዝበደሉ ዘይብሎም ንቤት ማእሰርቲ ኣፋኒዉዎም ጥራይ ዘይኰነስ ብድሕሪ’ውን ሃለዋቶም ክፈልጥ ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ።

 

ኣብዚ ግዜ’ዚ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተደራረበ ዕማም ከቢዱና ፍሕት ምባል ስኢንና ዳርጋ ኩላትና መን ከምዝሰረሖ ዘይፍለጥ ጽሓይ ዓረበት በረቐት ኣብ ምጽባይ ተሓጺርና እንታይ ጌርና ዘይኰነስ እንታይ ይበሃል ኣሎን እንታይ ተገብረን ክንብል ናብ ጋዜጠኛታት ተቐይርና ኣለና።

 

እቶም ኣብ ግዳማዊ ዓለም እንርከብ ዘይተኣሰርና ዘይገበርናስ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርና ታአሲሮም ዘለዉ ጥራይ ክገብሩልና ንጽበ ምህላውና ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ኩሉ ዓዓቕሙ እንተዝገብርን ኣዋህሊሉ እንተዝጥቀመሉን ክንደይ ኮን ምሰለጠ። ነዚኣ ግን እምቢ ኢልና ስለዘለና፡ ጸላእትና ብሕመቕና ኣብዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ በጺሖም። ሐጂ ክኣ ኣብ ሕመቕና ኮፍ እንተድኣ ኢልና ነቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ይምድምድዎ ወይ ቅድመ ኲነት ይፈጥርሉ ስለዘለዉ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ሕጋውነት ከልብሰዎ ከምዝመጣጠሩ ክንዝንግዕ የብልናን።

 

ሰነዳት ክመሓየሹን ብመሰረቱ’ውን ብሓደስቲ ሰነዳት ክትክኡን ወይ ክቕየሩን ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት እንዳ ኣእተና ክንቃለስ ከምዝግብኣና ካብ ሕጂ ምፍላጥ የድሊ። ኢሳያስ ንዶክቶር ኣብይ ኣረኪበካ ክብል ከሎ፡ ናይ ዕቡዳት ዘረባ ክመስል ይኽእል ኢዩ፡ ግን ንሕና ኣገባብ ቃልሲ እንተጠፊኡና ናቱ ናይ ጥዑያት ናትና ክኣ ናይ ጽሉላት ዘይኰነሉ ምኽንያት የለን።

 

ብኹሉ መዐቀኒታት ህዝብና ብዓጸቦ ብዕርቃን ብስደት ብድንቍርና ብማእሰርቲ ኮታ በቲ ከሉ ኰይንዎ ዘሎ ከምዚ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ ንህዝብና ሃገራውነቱ ከምዝሃስስ ጌሮም ናብ ፖለቲካዊ ምድንጋር ከእትውዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ሕጂ ደይ ሰላም ኢዩ ዝድለ እንዳበሉ ዝፍንውዎ ዘለዉ ሚስዮናዊ ወፈራ ዝገብርዎ ዘለዉ ቍጠባዊ ሓልዮት መሰል ምንቅስቓሳትን እኮ ማዕረማዕሪኡ ናይ ሓይሊ መሰነይታ’ውን ይቐራርብሉ ከም ዘለዉ ንርኢ ኣለና። እምብኣር ንፖለቲካዊ ኣእምሮ ዘለዎ ወድ-ሰብ፡ እዚ ምቅይያራት እዚ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ፖለቲካዊ ትርጒም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ዘየብል ምኽንያት ይለን።

 

ናይ ዶ. ኣብይን ናይ ኢሳያስን ስትራተጂ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ዝርአን ዘይርአን ሰራውር ከምዘለዎ ክንስሕት የብልናን። እዚ ፖለቲካዊ ካርታ’ዚ በወዝቱ ብዓል መን መዃኖም ክንፈልጥ ኣለና። ንሕና ተቓወምቲ ንበሃል ብዀፍና ነቲ ህዝቢ በዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ጸባጦ ኣተዓሻሽዮም ንሃገሩ ክምዝርስዕን ናብ ምድማር ከም ዝዛዙን ኣብ ዝገበርሉ ስዓት ሕጂ ነታ ናይ ብቐዳማይ እወ ወይ ኣይፋልን  ትብል መሳርሒ ክደግምዋ ማአዲ ናይ ምርጫ (referendum) ቀሪቦም ሕጊ ብሕጊ አፍሪሶም ንድልየቶም ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ክረኽቡ ከም ዝመጣጠሩ ኣነ ሓደ ካብቲ ዘሰክፈኒ ኢዩ። ኣበሃህላይ ባዕላዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ንዓይ ግን እቲ መስርሕ ከይሓሰብኩሉ ዝኸይድ ኰዬኑ ኣይርኣየነን። ምኽንያቱ ምርጫታት (referendums) ናይ ሓደ ግዜ ተርእዮ ጥራይ ኣይኰኑን። ንኣብነት ኣብዚ ኣነ ዘለኹዎ ካናዳ’ኳ ናይ ኲበክ (Quebec) ተደጋጊሙ ኢዩ።

 

ብዛዕባ ማዕቀብ ምልዓል ዘይምልዓል ንዝብሃል ግን ኣብዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ትርጒም ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ምኽንያቱ ከምዚ ንርእዮ ዘለና እንተድኣ ኩሉ ዓይነት ቍጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ዋላ ፖለቲካዊ ምውህሃድ ኣሊዩስ እቲ ማዕቀብ ኣበየናይ ቦታ ኢዩ ክሰርሕ? ንምልክት ወይ ሲምቦል ካብ ምዃን ሓሊፉ ንኢሳያስ ዝጎድእ ነገር የብሉን። እዚ ናይ ማዕቀብ ተዋስኦ’ዚ ምስ’ዚ ኣብ ዘበንና ናይ ቦጎግ ዜና (fake news) ዝበሃል ዘሎ ዝመሳሰል ኢዩ። ከምቲ ምክትል ፐሮፌሰር አቪን ወስት ዝበሃል ኣብ ዋሽንተን ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ኣብ ሳይሞን ፍሬዘር ዩኒቨርሲቲ ቫንኮበር ተዓዲሙ ናይ ቦጎጒ ዜና (ፌክ ኒውስ) ኣብ ዘበነ ኢንተርነት ክንነፍዮ ትምህርቲ የድሊ ዝበሎ፡ ንመደናገሪ ፈነወ ዜናታት ከነስተብህለሎምን ኣዛሚድና ክንመዝኖምን ከድልየና ኢዩ።

 

ኤርትታውያን ካብ ታርኽና ብግቡእ ተማሂርና፡ ብኣፍልጦ እንተድኣ ተቓሊስና ነዚ ኹሉ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ኣመንዝራነት ናይ ብዓል ክናናን ምናናን ከም ልምድና ከም እነበርዕኖ ዘጠራጥር የብሉን። ምናና (ኢሳያስ) ሞይቱ ኢዩ፡ ክናና ግን ሬሳ ተሰኪሙ ስለዘሎ ሕማቕ ሞት ትጽበዮ ኣላ። ነቶም ኣፈ-ታሪኽ ናይ ክናናን ምናናን ዘይትፈልጡ መንእሰያት ንምሕባር ዝኣክል፡ ክናናን ምናናን ክልተ ኰይኖም ተጣቢቖም ዝተወልዱ ኣሕዋት ኢዮም፡ ምዓልቱ ኣኺሉ ምናና ካብዛ ዓለም ይፍለ’ሞ ክናና ክኣ ሬሳ ሓዉ ተሰኪሙ ሕማቕ ሞት መይቱ ይበሃል። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኣ ኣዚዩ ዝተናደደ ረጋማይ ሞት ክናና ሙት ኢሉ ይረግም።

 

ሓደ ተምሃራይ ነብኡስ ካልኣይ ብልጫ ወጺአ ይብሎ’ሞ፡ ክንደይ ኔርኩም? እነተበሎስ፡ ክልተ ኢሉዎ ዝበሃል ዕላል ኣሎ። ንሕና ክኣ ድድሕሪ ከናናን ምናናን ጎተት እንተበልና ዝነፋዕና ከይመስለና ከየዘንግዑና ኣርኪብና ንቐድሞም።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT