Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኻዊ ጉዕዞ ኤርትራ ካብ ዘበነ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ናጽነትን ውልቀምልክን ዘንጸባርቕ ብ `ፎካስ ኤሪትርያ` ዝተዳለወ ፍሉይ ስእላዊ ምርኢት ትማሊ ምሸት ኣብ ለንደን ተኸፊቱ።

ታሪኻዊ ጉዕዞ ኤርትራ ካብ ዘበነ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ናጽነትን ውልቀምልክን ዘንጸባርቕ ብ `ፎካስ ኤሪትርያ` ዝተዳለወ ፍሉይ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራን ድሕረ ናጽነትን ተሳታፍነት ዝነበሮም ኤርትራውያንንን እግሊዛውያንን ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ ምሸት 4 መስከረም፡ ብ ምኽትል

ታሪኻዊ ጉዕዞ ኤርትራ ካብ ዘበነ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ናጽነትን ውልቀምልክን ዘንጸባርቕ ብ `ፎካስ ኤሪትርያ` ዝተዳለወ ፍሉይ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራን ድሕረ ናጽነትን ተሳታፍነት ዝነበሮም ኤርትራውያንንን እግሊዛውያንን ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ ምሸት 4 መስከረም፡ ብ ምኽትል ኣቦ ወንበር ብኩለኣዊ ጉጅለ ፓርላማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ (All Parliamentary Group on Eritrea) ሎርድ ኣልቶን ናይ ሊቨርፑል ኣብ ለንደን ተኸፊቱ።

እቲ ‘Eritrea in the News’ ብዝብል ቴማ፡ ኣብ Resource for London ዝተዳለወ ክሳብ 30 መስከረም ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ዝጸንሕ ስእላዊ ምርኢት፡ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ጥልያን፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራን ምጉንጻፍ ናጽነትን ክሳብ`ዚ ሕጂ ንሃገርና ዓምጺጹዋ ዘሎ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ንዝነበሩ ኣገደስቲ መድረኻት ታሪኽ ኤርትራ ዝገልጹ ገለ ካብኦም ብህዝቢ ተራእዮም ዘይፈልጡ ልዕሊ 40 ስእልታት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ስእላዊ መርኢት፡ ሓደ ካብ መስረቲ `ፎካስ ኤሪትርያ` ኣቶ ሃብተ ሓጎስ፡ ንታሪኽ ናይታ ኣብ ዜናታት ሳሕቲ ጥራይ እትቕልቀል ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምርኢት ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጥቃስ፡ ንትሕዝቶን መልእኽትን ናይቶም ዝቐረቡ ስእልታት ብሓጺሩ ገሊጹ። ድሕሪ`ዚ ኩሉ ዝተሓላለኸ በዳሂ ታሪኽ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ተቐልቂሉ ኳ እንተሎ ናይ ሓቀኛ ለውጢ ምልክት ከምዘየልቦ ሓቢሩ። ሎርድ ኣልቶን ናይ ሊቨርፑል ነቲ ስእላዊ መርኢት ክኸፍቶ ድማ ዓዲሙዎ።

ሎርድ ኣልቶን ናይ ሊቨርፑል ኣብ መኽፈቲኡ፡ ንመልእኽታት እቶም ዝቐረቡ ስእልታት ምስ ታሪኻዊ ጉዕዞ ኤርትራ መድረኽ ብመድረኽ ድሕሪ ምንጽብራቕ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተራእየ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ኤርትራ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ህይወት ከምዘባኸነ፡ ስደትን ሞትን ዘምረሮ ዘሕዝን ተርእዮ ምንባሩ ካብቶም ብህዝቢ ተራእዮም ዘይፈልጡ ስእልታት ብግልጺ ከምዝንበብ ኣረዲኡ።

እቲ ድሕሪ ነዊሕ ተጻብኦን ወጥርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ምቅርራብ ምናልባት ብሃወኽ ዝነኣድ ዘሎ ዝመስል ኳ እንተኾነ፡ ብሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነቲ ቅሳነትን ራህዋን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛን ነባርን ሰላም ከምጽኣሉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣንፈት ሰላም መሸፈኒ ናይቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ከይከውን ብምዝኽኻር ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም `ውን ንሓድሽ መጻኢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ከይረሰዐ፡ ብ ክፉትን ፍትሓውን ዓይኒ ክርእዮ ኣተሓሳሲቡ።

ነቲ ስእላዊ ምርኢት ዝወደበ ፎካስ ኤሪትርያ፡ ሕብረት ናይ ዘይመንግስታውያን ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ `ውን ወጽዓን ዓመጽን ኤርትራውያን ዘገድሶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ግዱሳት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ኮይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሽግርን መከራን ኣቓልቦ ክገብረሉ ዝጽዕር፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ተሓታትነት፡ ግዝኣተ ሕጊ ክህሉ ዝጣበቕ ማሕበር እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ፎካስ ኤሪትርያ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ለንደንን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያንን እንግሊዛውያንን ነቲ ክሳብ 30 መስከረም ዝጸንሕ ስእላዊ መርኢት ክከታተሉዎ ዓዲሙ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tewodos September 5, 2018

    Where is this exhibition. I mean the full address of the Exhibition. .I live in London and would be glad to come and have a look.

POST A COMMENT