Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቲፋኖስዶ ደባስ?

ቲፋኖስዶ ደባስ? “ቲፋኖስ” መጽውዒ እቲ ኣብታ ስነ ጥበበኛ ነፍሴር ኢሳያስ ጸጋይ ዝደረሳ፡ “ንእሽቶ ሓወይ፡ ክንዲ ሓሙተይ” ዘርእስታ ፊልም፡ ከም ሽፍታ ኮይኑ ዝተዋሰአ ስነ ጥበበኛ በያን (ወዲ ብጫ) እዩ። ደባስ ድማ ሓደ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ማለት፡

ቲፋኖስዶ ደባስ?
“ቲፋኖስ” መጽውዒ እቲ ኣብታ ስነ ጥበበኛ ነፍሴር ኢሳያስ ጸጋይ ዝደረሳ፡ “ንእሽቶ ሓወይ፡ ክንዲ ሓሙተይ” ዘርእስታ ፊልም፡ ከም ሽፍታ ኮይኑ ዝተዋሰአ ስነ ጥበበኛ በያን (ወዲ ብጫ) እዩ። ደባስ ድማ ሓደ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ማለት፡ ኣብ ከባቢ ኣባሻውል ኣብ ኣፍደገ ማቸሎ፡ ሳሕቲ፡ ለይቲ ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲኑ ዝርአ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሰብ ይኹን ንእንስሳታት ዘይተጓድአ፡ ብደባስ ዚፍለጥ ጋኔን ወይ ድማ ሰይጣን ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። ብዝያዳ ግን ደቂ ኣባሻውል ይፈልጡዎ ይኾኑ’ዮም ዚብል እምነት ኣሎኒ።
እዚ ሓድሽ ንመላኺ ሃገርና ተዋሂቡ ዘሎ ስም’ዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን “ካብ ባለነኪ ተላኢኹለይ” ብምባል፡ ራድዮ ወጋሕታ ዘቃላሓቶ ጽሑፍ’የ ሰሚዐዮ። እቶም ንዓመታት ንቡር ናብራ ሓሪሙዎም፡ ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቲ ሳሕቲ ስልጣኑ ንምድልዳል፡ ብሕቡእን ብሃንደበትን ናብ ድፍዓቶም ተተቐልቂሉ፡ ምስ ታሕተዎት ሓለፍቶም ተራኺቡ፡ ቀልጢፉ ዚስወር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ደባስ” ኢሎም ከም ዝሰመዩዎ ሰሚዐ። እዚ ስም’ዚ ድማ ንደባስ ዘለፋ ስለ ዚኾነ፡ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ፡ ኣይፋልኩምን ደቂ ኣስመራ ጻዕዳ፡ ስም ቀይሩሉ ክብሎም ፍቐዱለይ?
ቲፋኖስዶ ደባስ?
ነቲ እኩይ ፍጥረት ኣብቲ ደንደን ዘሎ
“ቲፋኖስ” ዝብሉዎ ዋርሳይ ይከኣሎ፡
ንመራሒ ህግደፍ ናይ ኣጽነትቲ *ጃንዳ   *ጉጅለ፡ ፈንጊ
“ደባስ” ሰሚዮሞ ደቂ ኣስመራ ጻዕዳ!
እከይ ብምዃኑ መዘና ዘይብሉ
ኣስማት ናይ *መቓፍር ተቐያየርናሉ  *ተንኰለኛ፡ ክፉእ ግብሪ
ንእኡ ዝበቅዕ ምስሊ ስኢንናሉ
ዘይነግረና ግዳ እዚ መላኺ ባዕሉ!
እዚ ንጉስ *ሄባል ስልጣን ሃይማኖቱ  *ህውከት
ብቓጻ ዝመጸ ጀጋኑና ኣጽኒቱ
ኣእላፍ ደቂ ህዝቢ ዘጥፍአ ብከንቱ
ብዘይካ ሰገድቲ ከም ጣኦት ኣምለኽቱ
ቀለስቲ ምዕባለ ምሁራን ዘይፈቱ
“ደባስ” ክትብሉዎስ ሂብኩሞ ዘይናቱ!
ኣብ ቀጽሪ ማቸሎ ጸላም ዝሰፈሩ
ካብ ዝፈሰሰ ደም ፈርሲ ተደሪሩ
ብሰላም ዚነብር ፍጡራት ኣኽቢሩ
ኢሳያስ እትብሉዎስ ደባስ እንታይ ጌሩ!?
ዋላ ሰይጣን ይኹን ርጉም ብተፈጥሮ
ደባስ ሕያዋይ እዩ ዘይፈቱ እምባጋሮ
ዝበደሎ የለን ንሱ ዘሸገሮ
እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ ኩሉ ዝምስክሮ!
ዓቃል’ወ ደባስ ፍጹም ዘይጓዳእ
ተንኰል ዘይኣልም ንጹሃን ንምጥፋእ
ስልጣኑ ኪሕሉ ምስ ሰብ ዘይጻላእ
ሓደራ መላኺ ብስሙ ከይጽዋዕ
ደባስ ተቐይሙ ከይፍጽም ክፋእ!
ወሪዱዎ ደባስ እዚ ሰላማዊ
ናይ ስልጣን ጽምኣቱ ብዓመጽ ከርዊ
ኲናት ኣኣጒዱ ኪጠብስ ናብ ሓዊ
መንእሰይ ኤርትራ ብሓይሊ ዚጨዊ
ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ ስሚ ኤርትራዊ!
ደባስ ወዲ ኣስመራ፡ ጻዕዳ ነጸላኡ
ድሕሪ ናጽነትና ደሃዩ ጠፊኡ
*ደማሒ መጺኡ ቦታኡ ተኪኡ   *መላኺ
ማእሰርትን መቕዘፍትን *መቓርዕ ቋንቋኡ   *ሓለንጊ
መንእሰይ ኤርትራ ብከንቱ ኣጥፊኡ
ይጸጽየና ኣሎ ሃገርና ሓዚኡ!
እዚ ርኹስ ፍጥረት ሊቀ ኣጋንንቲ
ተንኰላት ዚኣልም ለይቲ ምስ መዓልቲ
*ሕንዳ ዘየብሉ ከም ሰይጣን በዓቲ     *ንሕስያ
ፍቑራት ዘባእስ ደሞም ንኽሰቲ
ብሓይሊ ፈጣሪ ክንስዕሮ ምእንቲ
ኣሕዋት ጸሎት ጌርና ንማኸር ንዘቲ!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/02/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hadge'anbes February 13, 2014

    halew’lew

  • luna February 13, 2014

    Wonderful choice of words expressing your write up in the form of the above poem. Well done! Thanks for including the background of the story of the film too. I think, Warsai gave the name ‘Debasse’ to this diabolical character as a metaphor for the reality in Eritrea. Keep up the good work.

  • halengi February 14, 2014

    figee ilkana eti ane tiray eye zefelet kisb higi ab bitu eyu zelo ajewejew kisab meas

  • kidane February 14, 2014

    Keshi Messinas
    Ni kalsi ni tebenja zikewin sire yelan bel nikola atemika awet inteterekebe

  • ERITRAWIT February 14, 2014

    Mesinas,
    Kubur hawna, nezey seb da entay ena knblo deyablos? kab deyablos zkef entelo ka hasese belu deky Eri.

  • bilen February 14, 2014

    Dear mesinas!!!
    well said. very nice.

  • solomon February 14, 2014

    I was very impressed and I would like to say wellll doneee
    Mesinas

  • aba chegora February 15, 2014

    MESINAS,
    PLEASE DONT WASTE YOUR TIME ON HALEW-LEW-LEW-LEW

  • t February 16, 2014

    kulu tegadalai is a murderer,killing and abusing civilians.

Post a Reply to solomon Cancel Reply