Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተግባራት ሰብን ታሪኻዊ ሓይልን

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ።

ፊዚካውን ከሚካላውን ሕግታት ብምጽናዕ፡ ንውጽኢታት ነገራት ብገለ ወገናቱ ክትግምት ወይ ክትንበ ይከኣል እዩ። ነቲ ብዝኾነ ዓይነት መምዘኒ ኪልካዕ ዘይክእል ባህርያት ሰብን፡ ኣብ ባህርያት ወድሰብ እተሞርኮሰ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ፍጻመታትን ግን ብሳየንሳዊ መገዲ ኣጽኒዕካ ዘኸትሎ ሳዕቤናትን ውጽኢታትን ንምትንባይ ብመጠኑ ይከኣል እኳ እንተ ኾነ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግን ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ዓለምና ክንመዝኖ ዘይንኽእል ምስ ስምዒታትን እምነታትን እተዛመደ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኪምዘን ወይ ኪዕቀን ዘይክእል ነገር ድማ ኣብ ሳየንስ ኪኣቱ ኣይክእልን። ከተንብየካውን ኣይክእልን።

ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጕዕዞ ወድሰብ፡ ውልቃውን ማሕበራውን ግሎባላውን ሓይልታት ወይ ድራኸታት ኣገዳስሲ ጽልዋታት ይገብሩ እዮም። ውልቃዊ ሓይሊ (individual forces) ነቲ እቲ መዓልታዊ ብውልቃዊ መገዲ እንሓስቦን እንትልሞን እነተግብሮን ንጥፈታት የንቀሳቕስ። ማሕበራዊ ሓይሊ (social forces) ነቲ ብማሕበረሰብኣዊ መገዲ እንሓስቦን እንትልሞን እነተግብሮን ንጥፈታት ይድርኽ። እቲ ግሎባላዊ (ዓውለማዊ) ሓይሊ ግን ነቲ ኣብዛ ዓለም ዝካየድ ማሕበረሰብኣውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታትን ኩነታትን ደሚሩን ደማሚሩን ብዳየለክቲካዊ መገዲ ዚጎዓዝ ታሪኻዊ መስርሕ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ (global or historical forces) እዩ።

ንውልቃዊ ሓይሊ ብመጠኑ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና። ንማሕበራዊ ሓይሊውን ብገለ ሸነኻቱ ክንቆጻጸሮ ንኽእል። ንግሎባላዊ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ ግን ብፍጹም ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእልን። ወድሰብ ንነብሱ ኪቆጻጸር ይኽእል ይኸውን፡ ሓደ ማሕበረሰብ ግን ኣብቲ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ኣካይዳኡ ዘለዎ ቍጽጽር ምሉእ ኪኸውን ኣይክእልን። ካብኡ ቀጺሉ እቲ ብግሎባላዊ ድፍኢት ዚካየድ ዓለምለኻዊ ወይ ዩኒቨርሳላዊ ንጥፈታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እዩ።

ታሪኻዊ ሓይሊ ናበይ ከም ዚወስደና ብመጠኑ ክንግምት ንኽእል እኳ እንተ ኾንና፡ ብልክዕ መገዲ ግን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን። ሽሕኳ ታሪኻዊ ሓይሊ በቲ ሕጂ እንፍጽሞ ውልቃውን ማሕበራውን ተግባራትን ኩነታትን ዚጽሎ እንተ ኾነ፡ ነዚ ከም መመርኮሲ ጌርና፡ ከም ደቂሰብ ናብዚ ገጽና ንኸይድ ኣሎና፡ ከምዚ ኪጓነፈና እዩ ኢልና ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ግን ኣይንኽእልን።

እንታይ እዩ ምኽንያቱ? እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ታሪኻዊ ሓይሊ ኽንቆጻጸሮ ዘይምኽኣልና እዩ። ታሪኻዊ ሓይሊ ነቲ ኣብ ዓለምና ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ዚካየድ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ተክኖሎጂያውን ምዕባሌታትን፡ ናይ ወድሰብ እተፈላለየ ኣተሓሳስባን ርእይቶን እምነታትን ራእይን ድራኸን ጠቕሊሉ፡ ጸሚቑ፡ መስሪሑ (ፕሮሰስ ገይሩ) ወድሰብ ኪቆጻጸሮ ብዘይክእል መገዲ ሓደስቲ ተርእዮታትን ፍጻመታትን ኩነታትን ዚፈጥር ወይ ዘቕርብ ሓይሊ እዩ።

እዚ ሓድሽ ተርእዮታትን ፍጻመታትን ኩነታትን ተመሊሱ ነቲ ውልቃዊ ሓይሊ እውን ይጸልዎ እዩ፡ ማለት እቲ ዚፍጠር ሓድሽ ሃዋህው ኣብቲ ናይ ውልቀሰብ ባህርያት ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ለውጢ የምጽእ እሞ፡ እዚ ድማ ብወገኑ ብድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ኣብቲ ማሕበራዊ ሓይሊ ጽልዋ ይገብር፡ ማሕበራዊ ሓይሊ ድማ ብግደኡ ኣብቲ ግሎባላዊ ወይ ታሪኻዊ ሓይሊ ጽልዋ ይገብር።

ይኹንምበር፡ ሽሕኳ ውልቃውን ማሕበራውን ኣካይዳና ኣብ ታሪኻዊ ሓይሊ ጽልዋ ዚገብር እንተ ኾነ፡ ንታሪኻዊ ሓይሊ ግን ክንቅይሮ ወይ ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእልን። ብተግባራትናን ኣካይዳናን ግን ነቲ ጕዕዞኡ ከነቐልጥፎን ከነደንጕዮን ንኽእል ኢና።

ከም ኣብነት ፍረ ዳዕሮ ንውሰድ። እዛ ፍረዚኣ ኩሉቲ ንመጻኢ ኪኸውን ዘለዎ ንጥፈታት ኣብ ውሽጣ ሒዛቶ ኣላ፡ ማለት ምስ ተኸልካያን ማይ ምስ ኣስተኻያን፡ ነቲ ናይ ዳዕሮነት ባህርያት ንምግሃድ ክሳዕ መወዳእታ እያ እትቃለስ። ኣብ መንጎቲ ህይወታዊ ጕዕዞኣ፡ ማይ ትስእን ትኸውን፡ ወይ ብገለ ብከላ ዕብየታ ይድንጒ ይኸውን፡ ወይውን ቅሩብ ምስ ዓበየት ጨናፍራ ይቝረጽ ይኸውን፡ ግን ነዚ ኹሉ ሰጊራ ዓባይ ዳዕሮ ኾይና፡ ንኣዕዋፍ ኣጽሊላን ኣዓንጊላን እያ እትነብር። እዚ እቲ ምዱብ ዕላማኣ እዩ። ነዚ ኪጠውዮ ዚኽእል ሓይሊ ድማ የልቦን። ክትልውጣ በዝን በትን እንተ መጻእካያ እውን፡ ናይ ብርቱኻን ፍረ ወይ ናይ ጽገረዳ ዕምባባ ከተብቁለልካ ኣይትኽእልን። ምዱብነት (determinism) ዚብሃል ሓይሊ ኣብኣ ስለ ዚሰርሕ፡ በቲ እተመደበላ መገዲ እያ እትኸይድ።

ይኹንምበር፡ ነቲ ናይ ምዕባይ ጕዕዞኣ ከተቐልጥፎን ከተደንጉዮን ትኽእል ኢኻ። መዓልታዊ ማይ ብምሃብን፡ ኣቝጽልታ በብወርሓቱ ብምቝራጽን፡ ጨናፍራ ብምጽልጻልን ብምምልማልን ነቲ ዕቤታ ከተቃላጥፎ ከሎኻ፡ ማይ ብምኽላእን፡ ብዘይ ምዅስኳስን…ወዘተ… ነቲ ናይ ምዕባይ ፍጥነታ ከተዳኽሞ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናብ ዳዕሮነት ዚወስድ ጕዕዞኣ ግን ደው ከተብሎ ኣይከኣልን። ማለት: ክትበቁል ምስ እትገድፋ፡ ዳዕሮ እያ ክትከውን፡ ካልእ ክትከውን ኣይትኽእልን።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ዓለም (ከም ሕብረተሰብኣዊት ኣካል) ክትበጽሖ ዘለዋ ብታሪኻዊ ሓይሊ ዚድረኽን ዚምራሕን ዕላማ ኣለዋ። እዚ ዕላማዚ ምናልባት ናይ ወድሰብ ፍጹም ሓድነት ኪኸውን ይኽእል፡ ወይውን ወድሰብ ናብቲ ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ዚበጽሓሉ ደረጃ ዘእቱ ጕዕዞ ኪኸውን ይኽእል። ግን እዚ ብዘየገድስ፡ ወድሰብ ነቲ ምዱብ ታሪኻዊ ሓይሊ ኪልውጦ ኣይክእልን። ብተግባራቱን ንጥፈታቱን ኣካይዳኡን ገይሩ ግን ነቲ ጕዕዞ ብመጠኑ ከደንጕዮን ከቐልጥፎን ይኽእል።

እስከ ድማ ነቲ ናይ ሃገርና ጉዳይ ኣብዚ ዓንኬልዚ ብምእታው ክንርእዮ ንፈትን። ሃገርና ናብ ፖሊሳዊ መዓስከር ካብ እትልወጥ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ፖሊሳዊ ኣከባቢ ድማ ግፍዒ ኪህሉ ግድን እዩ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ነቲ ሃገራዊ ጸገማትናን ስቓይናን ስቕ ኢልካ ምርኣዩ ዚመርጹ ኣለዉ። ተበልጽቲ ድዮም ወይስ የዋሃን ባዕላቶም ይፈልጡዎ። ከምዚ ምግባር ግን ኣብ ልዕልቲ ዘይፍትሓውነቱ፡ ነቲ ብታሪኻዊ ሓይሊ ዚጽሎ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ እውን የደናጉዮ እዩ። ተቓውሞ ምስ እነርእይ ማለት ብፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መገዲ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ምስ እንነጥፍ፡ ነቲ መስርሕ ውድቀት ከነቃላጥፎ ንኽእል። ስቕ ምስ እንብል ግን ነደንጕዮ። ይኹንምበር፡ ኩሉ ስርዓት ብታሪኻዊ ሓይሊ ተጸልዩ ኣብ ገለ እዋን ምውዳቑ ኣይተርፎን። ክሳዕ ሽዑ ግን ስቕ ኢልካ ምጽባይ ቅኑዕ ድዩ?

ሽሕኳ ብዘይሕለል ተቓውሞናን ጻዕርናን ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ከነውድቖ እንተ ኸኣልና፡ እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ታሪኻዊ ሓይሊ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝገብሮ ጽልዋ እንታይ ከም ዚኸውን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን።

ኣብዚ ግን ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ኪልዓል ይከኣል። እቲ ጣልቃ ብምእታውናን ብምቅዋምናን ዚኽሰት ውጽኢታት በቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእልን ብእተመደቦ መገዲ ዚጎዓዝን ታሪኻዊ ሓይሊ ዚጽሎን ኣንፈቱ ዚልወጥን ካብ ኮነ፡ ንምንታይ ደኣ ክንቃወም ወይ ክንቃለስ ግዜናን ጉልበትናን ንኸንቱ ነጥፍእ ዘሎና?

ኣብዚ እውን እቲ ውልቃዊ ሓይሊ ከም ደራኺ ረቛሒ ይነጥፍ እዩ። ወድሰብ ኣብ ተፈጥሮን ኣብ ከባቢኡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ከባቢኡ ኪዋሳእ ባህርያቱ ይድርኾ እዩ። ዝሓስብ ብምዃኑ፡ ንተፈጥሮኣውን ማሕበራውን ኣከባቢኡ ኪልውጥ ይፍትን፡ ይቃለስ፡ ይዕወት ወይ ይስነፍ። እቲ ንለውጢ ዚህንጠ ባህርያቱ ምስኡ እተፈጥረ እዩ። ካብ ደረጃ እንስሳ ናብ ደረጃ ሰብ ከም ዝሳገር ዝገበሮ ድማ እዚ ድራኸዚ እዩ።

ንሕና ከም ዚሓስብን ሕልና ዘለዎን ሰብ ኣብዛ ዓለም ክንነብር ከሎና፡ ነቲ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ክንመልስ፡ ነቲ ቄናን ከነቕንዕ፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ናብ ፍትሓዊ ክንቅይር፡ ነቲ እተሰብረ ክንጽግን፡ ነቲ ዝፈረሰ ክንሃንጽ እንተ ዘይፈቲንና፡ እንታይ ደኣዩ ዕላማ ምፍጣርና? ስለምንታይከ እዩ ኣእምሮን ሕልናን እተዋህበና?

ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ኣብቲ ዚኽሰት ገበናትን ግፍዕን ከም ምስታፍ ኮይኑ ስለ ዚረአ፡ ንሕና፡ ናይቲ ብእተመደቦ መገዲ ዚኸይድ ታሪኻዊ ሓይሊ ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ክንጣበቕን ክንቃለስን ሰብኣውን ዩኒቨርሳላውን ግዴታ ኣሎና። እቲ ዘይተበከለ ውልቃዊ ባህርያትናውን ነዚ ክንገብር ይደፋፍኣና እዩ።

ከምኡ ምስ ዘይንገብር ግን፡ እቲ ካብ እንስሳታት ዚፈልየና ባህርያዊ ጋግ እናጸበበ ከም ዝኸይድ ክንግንዘብ ይግባእ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ድማ ኣብቲ ናታቶም ደረጃ ክንኣቱ ከም እንኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde March 6, 2016

    I hear you Amanuel,loud and clear.You are pounding at the door, but nobody is home.I guess the rule of global forces does not seem to apply in this beleaguered tiny nation and its people.The unique and strange behavior that seems of a battered wife syndrome is deeply rooted in its cultural auspices.Come to think of it.

  • Geza-Wereket March 6, 2016

    Dear Mr. Amanuel

    Thank you for another educational article.

    Idmen Tinaan Yehabeleye Memhirye!

Post a Reply to Geza-Wereket Cancel Reply