Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       19/12/2015 4ይ ክፋል   ኖኣም ቾምስኪ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣመሪካዊ፡ ኣብተን ‘IMPERIAL AMBITIONS’ (2005) ከምኡ`ውን  ‘POWER SYSTEMS’ (2013) ዝብላ ብመልክዕ ቃለ-መጠይቅ ዘዳለወን ክልተ መጻሕፍቱ፡ ነዘን ዝስዕባ ምስ ኩነታትና  ዝኸዳ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ

ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       19/12/2015

4ክፋል

 

ኖኣም ቾምስኪ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣመሪካዊ፡ ኣብተን ‘IMPERIAL AMBITIONS’ (2005) ከምኡ`ውን  ‘POWER SYSTEMS’ (2013) ዝብላ ብመልክዕ ቃለ-መጠይቅ ዘዳለወን ክልተ መጻሕፍቱ፡ ነዘን ዝስዕባ ምስ ኩነታትና  ዝኸዳ ጥቕስታት ንረክብ።

 

  • ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ክትቆጻጸሮ እንተ ኪኢልካ፡ ብዛዕባ ዝህልዎ ስምዒታትን ሓሳባትን ዘገድስ ኣይኮነን። ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ከትቆጻጸሮን ከተረኻኽበሉን ዘይትኽእል እንተ ኮንካ ግን፡ ኣተሓሳስብኡን ርእይቶኡን ክትቆጻጸር ኣገዳሲ ኢዩ” I- A
  • ሰባት ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንተ ሰጊኦም፡ ካብ ጸላእቶም መታን ክከላኸለሎምን፡ ካብ ዘለዎም ስግኣት ክድሕኑን፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ረብሓታቶም መታን ክዕቅቡ፡ ጸግዒ ናይቲ ዝበርትዐ መራሒ ኢዮም ዝደልዩ።” I- A
  • ሂትለር ንህዝቢ ጀርመን ክለዓዕሎ ከሎ ኣብ ዓለም ዝግበኣ ቦታ እትረክብ፡ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዋ ሓዳስ ጀርመን ክንፈጥር ኢና። ነዚ ንምግባር ድማ ኣንጻር ኣይሁዳውያንን ቮልሸቪካውያንን (ዴሳውያን ማለቱ ኢዩ) ክንቃለስ ይግባእ። ጸገምና ንሳቶም ስለ ዝኾኑ” P- S
  • ህዝቢ ተስፋ ዘይብሉ፡ ዝተነጻጸለን `ፖላራይዝድ` ኮይኑ ኣብ ሓድሕዱ ዘሎ ርክብ እንተ በቲኹን፡ ሓይሊ ኢዩ ዝዕወት” ‘P – S

 

ነዚ ከም መእተዊ ተጠቒመ ድማ ኢየ፡ ናብዚ ኣብ 4 ክፋል ኣዳልየዮ ዘለኹ ጽሑፍ ክኣቱ፡

ቃልስና ኣንጻር ህግደፍ ኢዩ ክንብል ከለና፡ ኣንጻር እቶም ንህግደፍ ዘቆሙ ውልቀ ሰባት ከም ጉጅለ፡ ወይ`ውን ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ (ከም መራሒ ህግደፍ) ኣይኮነን። ቃስልና ኣንጻር`ቲ ኣብ ግዜ ገድሊ፡ ነቲ ቅዱስ ናይ ናጽነት ዕላማ ተጎዝጒዙ፡ ከም ጎድናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ኮይኑ ዝማዕበለ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ በቶም እናተበላልዑ ዝመጹ መራሕቲ ሰውራ ከም ባህሊ ዝተወርሰ ቀንጻልን በታንን ፖሊሲ ኢዩ። ዳርጋ ኩሉ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ሰብ ወይ ውዳቤ “ንስርዓተ ሕጊ እቃለስ ኣለኹ” ከም ዝብል ርዱእ ኢዩ። ሕጊ ንባዕሉ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት፡ ባዕሎም ብዝመረጽዎም ወከልቲ ዝቖዉም ስለ ዝኾነ፡ “ኣየናይ ስርዓተ ሕጊ . . . ? መን ዘውጽኦ ሕጊ . . .?” ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ዘድልዮም ኢዩ። ምኽንያቱ ውልቀ- መለኽቲ፡ ነጋውስ ይኹኑ ካልኦት መጸይቲ ስርዓታት፡ ናታቶም ሕጊ ኣቊሞም፡ በቲ ዘውጽእዎ ሕጊ ክትግዛእ ስለ ዝሓቱኻ።

 

ኣየናይ ሕጊ . . ?” እቲ ኩሉ ደላይ ለውጢ ክሓተሉ ዘለዎ ሕጊ እምበኣር፡ ብውክልናን ክኢላታትን ናይ ኩሉ ህዝቢ ዝወጽእ፡ ናብ ኣመጻጽኣን ኣቃውማን ፖለቲካዊ ስልጣን ዘተኮረ፡ ማዕርነታዊ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር ዘረጋግጽ ሕጊ ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ክብል ከለኹ፡ መራሕቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕሉ ግዜ ዝድርት፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ኩሉ ዜጋ ድሕረ ባይታኡ (ሃይማኖቱ፡ ብሀሩ፡ ዝተወልደሉ ከባቢ . . . ) ብዘየገድስ፡ “ይበቕዖ ኢየ” ንዝበሎ ሓላፍነት (እንተላይ መራሕ ሃገር ንምዃን) ክወዳደርን ነዚ መሰል`ዚ ዘረጋግጸሉ ብቅዋም ዝጸደቀ ዝሰርሕ ሕግን ትካላቱን ከም ዝህልዎ ምግባር ማለት ኢዩ። እቶም ድምጺ ህዝቢ ተጠቒሞም ናብ ስልጣን ዝድይቡ ሓለፍቲ ድማ ደረት ስልጣኖም ገደብ ሃልይዎ፡  ተሓተትቲ ናይቲ ዝመረጾም ህዝቢ ከም ዝኾኑ ምግባር ማለት ኢዩ።

 

እቲ ማዕርነታዊ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር ዝብል`ውን ካብቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝህሉ ውክልና ፈጺሙ ዝፍለ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይቲ ሕ/ሰብ ፋሕ ዝበለ እንተኾይኑ፡ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር`ውን ናብ ዝበዝሐ ኣካል ናይቲ ሕ/ሰብ ፋሕ ክብል ግድነት ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ሓደ ከባብን ብዝተወሰነ ጉጅለን ዝተባሕተ እንተኮይኑ ግን፡ ኣተዓዳድላ ጸጋታት ሃገር`ውን ንዓኣቶም ቀዳምነት ዝህብ ኢዩ ዝኸውን። ዘይማዕርነታዊ ኣተዓዳድላ ስልጣን እንተልዩ፡ ዘይማዕርነታዊ ኣተዓዳድላ ጸጋታት ሃገር ይህሉ ማለት ኢዩ። እቲ ዝቀውም ሕጊ እምበኣር፡ ኩሎም`ቶም ንልኡላውነታ ደሞም ዝኸዓዉ ዜጋታት፡ ኩሎም`ቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንባህልን ልምድን ናይ ነብሲ ወከፍ ከባቢ ብዘይጻረር መንገዲ፡ ማዕረ ተጠቀምቲ ጸጋታት ናይታ ሃገር ንኽኮኑ ውሕስና ዝህብ ሕጊ ከም ዝህሉ ምግባር ማለት ኢዩ።

 

ኩሉ`ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ተግባራዊ ዝኸውን ግን፡ ስልጣን ብኣፍ ሻምብቆ ብረት ዘይኮነስ፡ ብድምጺ ህዝቢ ዝረጋገጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ዘይርና ዘይርና እምበኣር ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ዓንዲ ማእከል ናይ ኩሉ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ድማ ቅድሚ ናጽነት (ኣብ እዋን ገድሊ) ኮነ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት (ኣብ ዘመነ ህግደፍ) ካብ ኣፍ ሻምብቆ ብረት ጥራይ ክረጋገጽ ምጽንሑ ክንዝክር ይግባእ።

 

ነዚ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ሕቶ ኣቐሚጠ ድማ ኢየ፡ ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።

ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ይሃሉ፡ ኣንጻር`ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ግፍዒ፡ ኣድልዎን ምዝመዛን ይቃለስ ኢዩ። ዘካይዶ ቃልሲ ውዱብን ዘይተወደብን ክኸውን ይኽእል። ከከም ዝህልዎ ናይ ኣመራርሓ ብስለት ድማ፡ ብውጽኢት ፍረ ቃልሱ ክዓግብ ወይ ተመሊሱ ናብ ዝኸፍአ ጭቆናን ኣድልዎን ክምለስ ይኽእል። እቶም ሓንሳብ በትረ ስልጣን ዝጨበጡ፡ ወይበትረ ስልጣን ካብ ኢድና ከምልጥ የብሉን” ዝብሉ መራሕቲ፡ ንውዳቤ ናይቲ ህዝቢ ተጠቂሞም፡ ናይ ስልጣኖም ጥሙሕ ከረጋግጹ ይጽዕሩ ኢዮም። ቃስሊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ሽግር`ዚ ኢዩ ኣጋጢሙዎ። እቶም ናይ ቀደም ናይ ገድሊ መራሕቲ ኮኑ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህግደፍ፡ ውዳቤ ህዝቢ ኤርትራ ከም ውሕጅ ጸራሪጉዎም መታን ከይከይድ፡ ህዝቢ ካብቲ ቀንዲ ዕማሙ ንኽኣልዩዎ፡ ኣንጻር ውልቀ-ሰባት፡ ኣንጻር ዝተወሰኑ ቀጸላታት ናይቲ ሕ/ሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ሰባት ዘነጻጸረ ቀንጻሊ ዘመታት ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም።

 

መራሕቲ ሰውራ ይኹኑ መራሕቲ ህግደፍ – ባዕሎም፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸላእቲ ይፈጥሩ`ሞ፡ ኣብቲ ካልእ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሮም፡ ኣንጻር`ቶም ባዕሎም ዝፈጠርዎም ጸላእቲ ክጉስጉስዎን ኣብ ጎድኖም ከም ዝዓስል ብምግባር፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣናቚቶም ስልጣኖም ከደልድሉ ፈቲኖም ኢዮም።

ኣብዚ ሓጺር ተመኩሮና ጥራይ`ኳ፡ ስርዓት በሽር ከይጠፍአ፡ ንቱራቢን እስላማዊ ኣጀንድኡን ከየጥፋእና፡ ስርዓት ወያነ ከይጠፍአ፡ ሃጸይነትን ጽዮንነትን ካብ ገጽ ዓለም ከይጠፍኡ . . ወዘተ ዝብል ናብ ናይ ደገ ሓይልታት ዘነጻጸረ ጎስጓስ ሰሚዕና። ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ እና ኣካየዱ ከለዉ ድማ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ምስቶም ጸላእትና ዝበልዎም ናይ ደገ ሓይልታት ክሰዓዓሙን ክዝትዩን ርኢናዮም።

 

ኣብቲ ውሽጣዊ መዳዩ ድማ ኣንጻር እስላማዊ ጥሩፍነት፡ ኣንጻር ጅሆባ፡ ኣንጻር ጴንጠ-ቆስጠን ኣብ ልዕሊ ገለ ከባቢታትን ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ክካየድ ተዓዚብና። ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት (ኣብ ዘመነ ገድሊ) እውን ተጋዳላይ ብተመሳሳሊ ይጉስጎስ ምንባሩ ኩልና እንዝክሮ ሓቂ ኢዩ። እቲ ዕላማ ድማ፡ ከምቲ እቲ ኣመሪካዊ ዝበሎ፡ ህዝቢ ካብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ኣሊኻ፡ ኣብ ሸንኮለል ኣትዩ፡ ነንሕድሕዱ ከም ዝናቖት ምግባር ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ድማ እዚ ንገለ ቀጸላታት ወይ ጉጅለታት ናይ ሕ/ሰብ እና ኣልዓልካ ኣንጻሮም ጎስጓስ ምክያድ፡ ኣብ ሓይልታት ተቓውሞ`ውን መልክዑ ቀይሩ ይቀላቐል ምህላዉ ኢዩ። ኣንፈትካ ኣስሒቱ ኣብ ሓድሕድ ምትህልላኽ ዘእቱ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሓደስቲ ውልቀ መለኽቲ ዝፈጥር መንገዲ ስለ ዝኾነ ድማ ኢየ፡  ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክዛረብ ዝደለኹ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ በታንን ከፋፋልን ፖሊሲ ህግደፍ ዘነጻጸረ ኮይኑ ካብ`ዞም ዝስዕቡ ኣደናገርቲ ጎስፍጓሳት ክጥንቀቕ ይግባእ

 

  1. ጎስጓስ ኣንጻር ዝተወሰኑ ቀጸላታት ናይ /ሰብና፡

ከምቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ቀጸላታት ሕ/ሰብና ክሃርም ጸኒሑ። ገለ ካብኡ ኣንጻር ጅሆባ፡ እምነት ጴንጠ-ቆስጠ፡ ከምኡ`ውን ኣንጻር እስላማዊ ጥሩፍነት ብምጉስጓስ፡ ኣብቲ ክርስትያናዊ ወገን ዘየለ እስላማዊ ስግኣት ክፈጥር ርኢናዮ። ከምቲ ቾምስኪ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ንርእይቶታትን ስምዒታትን ህዝቢ ግምት ከይሃበ፡ ብበትሪ ኣፉ ክዓጽዎ ከሎ፡ ኣብ ደገ ግን ከረኻኽበልና ስለ ዘይከኣለ፡ ዝተፈላለየ ናይ ምፍልላይ ስልትታት እና ኣተኣታተወ፡ ኣተሓሳስባናን ስምዒታትንናን ክቆጻጸር ዕድል ሂብናኖ ኣሎና። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ህዝቢ ክከፋፈልን “ፖላራይዝ” ክኸውንን ጸኒሑ። ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ርክብ በቲኽና፡ ሓድሕድ ምርድዳእና ፈጺሙ ጠፊኡ ስለ ዘሎ ድማ፡ ሕጂ`ውን ከምቲ ቾምስኪ ዝበሎ፡ ኣብ መጻኢ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ክገዝእ ዘለዎ ዕድል ዓቢ ኢዩ። እዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘሎና፡ ዋንነቱ ዘይፍለጥ፡ ከም ሓደ ማሕበራዊ ቀጸላ ኣንጻር ተጋደልቲ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ድማ (ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ) ካብቲ ሂትለር፡ ኣንጻር ኣይሁዳውያንን ዴሳውያንን ዝገበሮ ቀንጻሊ ጎስጓሳት ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ዘሊ ናይ ህግደፍ ጎስጓስ እምበኣር፡ ህዝብና ከፋፊሉ ካብ ቀንዲ ጉዳዩ ኣልዩዎን ከፋፊሉዎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝሓየለ (ናይ ህግደፍ) ጸግዒ ሃሰስ ከም ዝብል`ውን ገይሩዎ ኣሎ።

 

እንተ ብዛዓባ`ቲ ናብ ተጋደልቲ ገጽካ ምውጥዋጥ ግን፡ እቶም ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስ፡ ግዝኣተ ሕጊ ክረጋገጽ፡ ዜጋታት ብማዕረ ተጠቀምቲ ጸጋታት ሃገሮም ንኽኮኑ ጎስጒስኩም ተባሂሎም ዝተሞቑን ዝተቀትሉን ተጋድልቲ ፡ ካብቶም መሓውራት ስለያ፡ ጸጥታን ሰራዊትን ስለ ዝተቖጻጸሩ ሃገር ዘብርሱ ዘለዉ ጎሓሉ፡ ዝተዓጻጸፈ ቊጽሪ ከም ዘለዎም ምፍላጥ ከድሊ ኢዩ።

ነቶም ብገርሆም ኣብ ተጋደልቲ ኣነጻጺሮም ዝጉስጉሱ ወገናትና ድማ እዛ እትስዕብ ኣብነት ወስ ከብለሎም ጽቡቕ እመስለኒ። ሓደ ብርትዕ ዝበለ ሕማም ዝሓመመ ሰብ፡ ብርትዕ ዝበለ መድሃኒት ይእዘዘሉ። እቲ መድሃኒት ነቲ ሕማም የጥፍኦ። እቲ ሕሙም ድማ ካብቲ ቀንዲ ዘሳቕዮ ዝነበረ ሓደገኛ ሕማም ይገላገል። እቲ መድሃኒት ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ግን፡ ኣብቲ ሕሙም ገለ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ይገድፈሉ። ሓካይም ድማ ነቲ ብሰንኪ`ቲ መድሃኒት ዝተፈጥረ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣስተኻኺሎም፡ ነቲ ሰብ ስሩዕ ህይወቱ ክመርሕ ይሕግዝዎ እምበር፡ ተመሊሶም ነቲ ሕማም ኮነ ነቲ መድሃኒት ዘማርር የብሎምን።

ኤርትራውያን ድማ ነቲ ኣብ ገድሊ ዝማዕበለ ሕማቕ ኣሰራርሓ ከስተኻኽሉ እምበር፡ ነቲ ገድሊ ኮነ ንተጋደልቲ ዘጽልእ የብሎምን። ብዙሓት ተጋደልቲ ድማ፡ እቲ ክስተኻኸል ዘለዎ ኣሰራርሓ ተረዲኦሞን ይሰርሕሉን ከም ዘለዉ ክገልጽ እፈቱ።

 

  1. ጎስጓስ ኣንጻር ዝተወሰኑ ጉጅለታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ወዘተ

እዚ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳትን ጉጅለ ናይ ሰባትን እናኣልዓልካ ኣንጻሮም ዝግበር ጎስጓስ፡ ካብ 1961 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ ነቲ ክቡር ናይ ናጽነት ዕላማ ተጎዝጒዙ ዝመጸ፡ ጽኒሑ ናብ ውርሻ ዝተቀየረ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ገድሊ ኤርትራ ኢዩ። ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ቀንጻሊ ፖሊሲ ድማ ኣብ 1963 ዓ.ም.  ኣብ ዕላ-ጻዕጻ ዝተጨፍለቑ፡ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ነይሮም። እታ ሽዑ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእል` ትብል፡ ነቶም ናይ ሽዑ ተጋደልቲ ዝተነግረቶም ኣስተምህሮ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ 30 ዓመታት ናይ ገድሊ፡ ጠንቂ ምቅትታል ኤርትራውያን ውድባት ኮይና ጸኒሓ። ኣብ 1993 ዓ.ም. ድማ ናይ ዘመንና ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፎርቂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ክብል ደጊሙዎ።

 

ኩሎም`ቶም ቀዳሞት ይኹኑ ዳሕረዎት መራሕቲ ኣብ ገግዜኦም፡ ኣልፋን ኦመጋን ናይቲ መሪሕነት ንሕና ጥራይ ኢና። “ንኣመራርሓናን ንእንህቦ ትእዛዛትን እንተ ዘይሰሚዕኩም፡ ክንጭፍልቐኩም ኢና” ኢዩ እቲ መልእኽቲ። እቲ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 52 ዓመታት  ዝቕጽል ዘሎ ኣሰራርሓ ንሱ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ገድሊ ኤርትራ፡ ነዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ከም ዝፈጠረ ዝስሓት ኣይኮነን። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ጌጋታት ክእርም እምበር፡ ንዕኡ ክቕንጽል እንተሓሊኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጌጋ ይወድቕ ምህላዉ ክፈልጥ ይግባእ።

 

ቃልስና እምበኣር፡ ኣንጻር`ቲ ቀንጻልን በታንን ፖሊሲ እምበር፡ ኣንጻር`ቶም ንህግደፍ ኣቚሞም ዘለዉ ጉጅለ ናይ ሰባት ኣይኮነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ መራሕቲ ሓራካ ምስ ተቐንጸሉ ወይ መሪሕነት ጀብሃ ተኣልዩ ሜዳ ኤርትራ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ተባሕተ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምረኣና። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት (ዳሕራይ ህዝባዊ ግምባር) ኣውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነቲ ውድብ ዝመርሕ ዝነበረ ጉጅለ ናይ ተጋደልቲ ኮነ ናይ ምውሳን ዓምታቶም ዝተፈላለየ ኢዩ። ሕጂ`ውን እዚ ሎሚ ንህግደፍ ዘቆመ በታኒ ጉጅለ፡ ብኻልእ ጉጅለ ናይ ሰባት ስለ ዝተቐየረ ጥራይ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ንምርግጋጽ ውሕስነት ኣይህብን ኢዩ። ጠለብና ውሕስነት ዝህልዎ እምበኣር፡ ኣብቲ ፖሊሲን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣተኲርና ምስ እንሰርሕ ጥራይ ኢዩ።

 

እዚ ዘሎ ኣወዳድባ ደምበ ተቓውም ድማ ካብቲ ዝጸንሐ ሓድሕድ ናይ ምቅንጽጻል ኣገባብ ዝወጸ ኣይመስልን። ጠንቁ እቲ ካብ ገድሊ ዝተወርሰ ኣሰራርሓ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብህግደፍ ንምብታኑን ንምድኻሙን ዝስላዕ ባጀትን፡ ተጽዕኖ ናይ ከባቢና ሓይልታትን`ውን፡ እጃም ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሓይሊ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ኣዳኺሙ፡ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ስግኣታት ክድሕን፡ ጸግዒ ናይቲ ዝሓየለ ህግደፍ ክደሊ ይረአ ኣሎ።

 

  1. ጽልእን ጎስጓስን ኣንጻር ውልቀ-ሰባት

ብዙሕ እዋን “ታሪኽ ናይ ሓፋሽ ኢዩ” ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ብሓቂ`ውን ኣብ ፍጻሜታት ታሪኽ፡ ደሙን ጉልበቱን ዘፍስስ እቲ ህዝቢ ኢዩ። እንተኾነ እቶም በቲ ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቦም ወይ ብሓይሎም ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት፡ ንኣንፈትን ማእዝንን ናይቲ ንታሪኽ ዝምዝገብ ፍጻሜታት ዝቕይሱን ዝመርሑን ውልቀ- ሰባት ኢዮም። እቲ ጉልበቱን ህይወቱን ዝኸፍል ህዝቢ፡ እምነቱ ኣብኣቶም እንተገይሩ`እሞ ከኣ፡ ተመሊሱ ኣገልጋሊኦም ክገብርዎ ዘለዎ  ዕድል ዓቢ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ፡ ነቲ ኣቐዲምካ እምነት ዘሕደርካሉ`ሞ ዝጠለመካ መራሒ (ውልቀ-ሰብ) ትጸልኦ። ኣንጻሩ ከኣ ትቃለስ። እቲ መስርሕ ይቅጽል። ካብ ንጉሁኡ፡ እምነትካ ይኹን ጽልእኻ፡ ካብ ውልቀ-ሰባት ወጺኡ፡ ኣብ ኣገባብን ፖሊሲን እንተ ኣቐሚጥካዮ ግን ካብ ዕንክሊላዊ ምትኽኻእ ናይ ውልቀ-ሰባት ትድሕን። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ውልቀ-ሰብ ምስ ብሀር፡ ሃይማኖት፡ ከባብን ኣውራጃን ተኣሳሲሩ ዝረኣየለን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን።

 

ገለ ሰባት ነዚ ናይ ህግደፍ ብልሽው ኣሰራርሓ፡ ፡ምስ ጥልመት ውልቀ-ሰብ (ኢሰያስ) ጥራይ ኣተኣሳሲሮም ይርእዮዎ ኢዮም። ኢሰያስ ግን፡ እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ምብልላዕ ዝወለዶ ጉሒላ እምበር። ብውልቁ መሎኮታዊ ሓይሊ ስለ ዝወነነ ኣይኮነን። መራሒ (ኣቦ-ወንበር) ካብ ስልጣኑ ስለ ዝተኣልየ ለውጢ ዝመጽእ እንተኸውን፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ 1987 ዓ.ም ኣብ ተ. ሓ. ኤርትራ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣዋናት ኣቦ-መንበራት ተቐይሮም ኢዮም። ኣብቲ ውድባት ግን ዝመጸ ለውጢ ኣይነበረን። እዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ እምበኣር፡ ነቲ ከም ሓደ ጎድናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ናይ ገድሊ ኤርትራ ኮይኑ፡ ንኢሰያስ ዝወለደ ኣገባብ (ፖሊሲ) እምበር፡ ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ ኣይኮነን።

 

ሰውራ ኤርትራ ብዓንዳ ርእሱ`ውን፡ ኣንጻር`ቶም ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣይነበረን። ቃልሱ ኣንጻር`ቲ መግዛኣታዊ ፖሊሲኦም ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። መስፍናዊ ስርዓት ሃይለ-ስላሴ ተኣልዩ፡ ዝሓሸ ውክልና ብዝነበሮ ስርዓት ደርግ ምስ ተተከአ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይበለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ደርግ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ፖሊሲኡ ስለ ዘይቀየረ ጥራይ ኢዩ። ሽዑ`ውን እኮ፡ “ድሑር መስፍናዊ ስርዓት ብሓድሽ `ገስጋሲ` ስርዓት ስለ ዝተተክአ፡ ናይ ናጽነት ሕቶኹም ኣወንዚፍኩም፡ ምስቲ ሓድሽ `ገስጋሲ ስርዓት` ሓቢርኩም ስርሑ” ተባሂልናን ኣቢናን ኢና። ሕጂ`ውን ንኢሰያስ ምእላይ ጥራይ ከም ቀንዲ ዕላማ ክንርእዮ የብልናን። እቲ ኣብ ኣድልዎ ዝሰረተ፡ ክፋፋልን በታንን ፖሊሲ ምስ ተኣልየ፡ ኩሎም`ቶም ነቲ ሕማቕ ኣሰራርሓ ዘሳሰዩ ገበነኛታት ምስኡ ክጽረጉ ኢዮም።

 

ስለዚ ፖሊሲታትካ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ከተወሃህድ ስለ ዘይከኣልካ ወይ ስለ ዘይደለኻ፡ ወይ`ውን ንዕኡ ካብታ ሒዙዋ ዘሎ መንበር ኣሊኻ፡ ንባዕልኻ መተካእታ ኮንካ ንመሓውራት ናይቲ ስርዓት ክትጥቀመሉ ካብ ዘለካ ጥሙሕ ጥራይ፡ ወይ`ውን ብስም ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ መወልቲ ዝረኸብካዮ ሚልዮናት ስለ ዘለካ መወራረዲ ሕሳብ ክትጥቀመሉ ስለ ዝደለኻ፡ ወይ`ውን ካልእ ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ናይ ባዕልኻ ምኽንያት ሃልዩኳ፡ ኣጻብዕትኻ ብውልቂ ናብ ኢሰያስ ጥራይ ምውጥዋጥ፡ ዘይምትእምማን ምክፍፋልን ኢዩ ዝፈጥር ዘሎ። እንተ`ቲ ሓቀኛ ቃልስና ግን ኪንዮ ኢሰያስ ከይዱ፡ ህዝቢ ወናን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ክኸውንን ማዕረ ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገሩ ኣብ ምግባርን ከተኩር ኢዩ።

 

ኣብ መደምደምታ ናይ ጽሑፈይ እምበኣር፡ ናብ ጥቕስታት ኖኣም ቾምስኪ ኢየ ክምለስ። ህግደፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብጎሮሮኡ ሓኒቑ፡ ብሓይሊ ክቆጻጸሮ ስለ ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ ስምዒታቱን ርእይቶታቱን ዝግደስ ኣይኮነን። ነቶም ብቐሊሉ ከረኻኽቡልና ዘይከኣለ ኣብ ደገ ዘሎና ኤርትራውያን ግን፡ ብሃገር  ደረጃ ንኹሉ ናይ ሓበቤታ ማሽኔሪ ስለ ዝቆጻጸር፡ ብመርበብ ሓበሬታ 03 ኣቢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት በበይኖም ናይ ጽልእን ቅንጸላን ሓበሬታታት ኣብ ውሽጥና ብምዝርጋሕ፡ ከምቲ ቾምስኪ “atomization is a technique of control and marginalization” (ምብትታን መሳርሒ ናይ ምቁጽጻርን ውገናን ኢዩ) ዝበሎ፡ ሓድሕድ ርክባትና ተበቲኹ፡ ኣብ ገገዛና ናብ ሓመይቲ ጥራይ ቀይሩና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ክገዝእ ዘለዎ ዕድል ዓቢ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ`ኳ ብዙሕ ሰብ ናይ ለውጢ ተስፋ ስለ ዘይተራኣዮ፡ ወለዱ ክርኢ ወይ ምእንቲ ካልእ ረብሓታቱ ክብል ንኹሉ ተጻብኦታት ተጻዊሩ ጸግዒ ህግደፍ ክደልን ዓዱ ከምላለስን ይረአ ኣሎ።

 

እቶም ስም ደምበ ተቓውሞ ሒዞም፡ ኣስማት ናይ ዝተፈላለዩ  ማሕበራውያን ቀጸላታት እናኣልዓሉ (ገለ ካብኡ ተጋደልቲ፡ ዓበይቲ፡ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ወዘተ) እናኣልዓሉ፡ ኣንጻሮም ጎስጓስ ዘካይዱ ሰባት፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ይኾኑ ምህላዎም ክፈልጡ ይግባእ።

 

ከምቲ ውሩይ ደራፋይ ቦብ ማርሊ “emancipate yourself from mental slavery” (ንገዛእ-ርእስኻ ካብ ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኩን) ክብል ዝደረፈ፡ ንሕና`ውን ካብቲ ህግደፍ ብመርበብ ሓበሬታ ባዶ ስለስተ (03) ዝዝርግሖን ብእዝንና ሰሚዕና እንደግሞን፡ ሓቂ መሲሉና እንዝርግሖን ወረታት ነብስና ሓራ ክንገብርን፡ ኩሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ክንጥቀመሉን ይግባእ።

 

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምበኣር ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ፡ ወይ ኣንጻር `ቶም ንህግደፍ ኣቚሞም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከም ጉጅለ፡ ወይ`ውን ኣንጻር`ቶም ንባዕሎም ግዳያት ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣይኮነን። ቃልስና ብፖሊሲ ደረጃ ክንርእዮን፡ ዕላማና ድማ ግዝኣተ-ሕጊ ምዃኑ ክንርዳ ይግባእ። ሕጊ ድማ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ሃይማኖትን ብሀርን፡ ኣውራጃን ከባብን ኣይፈልን ኢዩ።

 

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Simon G. December 20, 2015

    Another excellent article, Tadesse!

  • Mebreq December 21, 2015

    Kubur haw Ato Tadesse Kidane, please continue with your brilliant and well explained articles. People who generalize and blame poor tegadelti are very wrong and ‘ab kunat zeywaEle beliHi’ experts of fiction stories or world. Poor tegadelti gave everything for Eritrea and got nothing out of their long and bitter struggle and sacrifices.

  • ERITRAWIT December 21, 2015

    Dear Tadesse,
    Not even one word is wrong keep it up.
    Merry Christmas.

  • wdhzby December 28, 2015

    Very good article Please continue Tadesse

    Wdhzby Birmingham Happy new year 2016

  • Yemane December 30, 2015

    ንህግደፍ ብኩሉ መልክዓቱ ገልጽካዮ፡ተጋዳላይ ዉን ግዳይ ነይዚ ነዉራም ፖሊሲ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝወረደ ሃስያ ብህግደፍ ከያኣክል ብደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብለ ብአልማማ ንኩሉ ተጋዳልይ ዘወግን ዘመተ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ብጉልባብ ተቓወምቲ ንዕድመ ስርዓት ኢሰያስ ከናዉሑን፡ስቅያት ህዝቦም ዘይዓጅቦም ናይ 03 ምጋበርያ ኢዮም፡፡ ህግን ተጋደልቲን ኩሎም ሓደ ኢዮም ንሶምን ኣተሓሳስብኦምን ክጠፍኡ ኢሎም ዝምድሩ ናይ ፓልቶክ ጨለታት ናይ ዘረባ በላሕቲ ነዚ ጽሕፍ ታደሰ ኪዳነ ብልቦማ ደጋጊሞም ከንብብዎ ተንኮላት ኢሰያሰን 03 ዝዋናጨፍ መርዚ ክፈልጥዎ ይግባእ። ገለ ካብዞም ጨለታት ኣብ ግብራዊ ስራሕ ፍጹም ዘየለዉ፡ ኣብ ዉድቦም ስምረት ኣበርክቶ ዘይብሎም ጨጓር መልሓስ ዝተዓደሉ፡ ነቲ ግብራዊ ናይ ሓባር ስርሓት ብኩሉ ዓቕምም ዝዉድቡ መደባት ዝሰርዑ ተጋደልቲ ኢዮም። ድክመቶ ክሽፉኑ ናይ ዝሓለፍ ድኽመታት ይጽብጹቡ፡ ናይዚ ጸገም ተጋደልቲ የሰኩሙ። ንባዕልም ብረት ዝዓጠቑ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክርሸኑ፡ ክእሰሩ፡ ኣዋልድና ብሓይሊ ክ ክዕመጻ ብመከንናት ህግደፍ ዘይርእየን ዘይሰምዓን የለን። ኣብ ምድረ በዳ ሳሃረ ኣብ ሊብያ ዝወርድና ስቅያት ክትዝኩሮ ዘስካሕክ ብጽምኢ ማይ ዝምቱ፡ ካብ መአካይን ወዲቖም ዝተረፉ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ ዕይንና ኣዋልድና ብብደዊ ክዕመጻ ዓግብ ከይንብል ተጠማሚትክ ዘስቀጥና ክንደይ ኢና። ድኽመታትና ክንሽፍን ፍትወት ነብሲ ዘጥቃዕና ንስደት ዝመረጽና ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ኣዕናዊ ፖሊሱን ብኩሉ ዓቅምና ንምኩቶ ኣብ ዝሓለፈ ምደረኽ ክንዛረብ ሕልናና ዕሪቡ ስቅያት ህዝብና መሪሩ ሃገርና ኣብቅድሚ ዓይንና ትበርስ ኣላ፡፡ ጸላኢና ህግደፍዩ፡ ገበን ዝገበረ ይዕበ ይንአስ ብሕጊ ተሓታትዩ፡፡ኣታ ሕጊ ምሳን ኣላ፡ ባዕልና ብቓልስና ንተክላ ዝልግሰልና ኣካል የለን።

Post a Reply to Gabir Cancel Reply