Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተዝካር ንኡስ ወለዶ፡- በዅሪ ዓመት ኅልቀት ላምፐዱሳ

ተዝካር ንኡስ ወለዶ፡- በዅሪ ዓመት ኅልቀት ላምፐዱሳ ብፍሥሐየ መብራህቱ ኣሲረ ኣሰርኩም ኣምሪሑ ናብ ማእሰርቲ ተጎተት ተስሓብ  እንስሳ ማሕረድቲ ሓሳረ መከራ ተጎሊትኩም ርስቲ ዕድል ድዩ መርገም ታሪኽኩም ትንግሪቲ ደም ኪፈስስ ንቡርዩ ብእሾኽ ዕንቅፍቲ ሓሞት ምስዚፈስስ መዓንጣ ብልዕቲ ሱር ነቀል ህላዌ ጥፍኣት’ዩ መቕዘፍቲ ሃገር ፍለጡለይ መኅደር

ተዝካር ንኡስ ወለዶ፡- በዅሪ ዓመት ኅልቀት ላምፐዱሳ

ብፍሥሐየ መብራህቱ

ኣሲረ ኣሰርኩም ኣምሪሑ ናብ ማእሰርቲ
ተጎተት ተስሓብ  እንስሳ ማሕረድቲ
ሓሳረ መከራ ተጎሊትኩም ርስቲ
ዕድል ድዩ መርገም ታሪኽኩም ትንግሪቲ
ደም ኪፈስስ ንቡርዩ ብእሾኽ ዕንቅፍቲ
ሓሞት ምስዚፈስስ መዓንጣ ብልዕቲ
ሱር ነቀል ህላዌ ጥፍኣት’ዩ መቕዘፍቲ
ሃገር ፍለጡለይ መኅደር ዝብኢ በዓቲ?

እምሮ ከይቀሰነ እነይረግእ ልቢ
ልቢ ከይረግአዶ’ሞ ከይቐውም እግሪ
ዓራርቦ ይወፍር ቀለብ ዝብኢ ኣድጊ
ሌላ ምስ ድነትሞት ቅባጸት መዕለቢ
ጭኑቕ ወዲ ኣዳም ስኢኑዶ ቀልቢ
ሰጓጕኡ ሕሱም ካብ ጋኒን ዚዓቢ
ብልጭታ ሓረነት ካብ ጊላነት ዓስቢ
ኅልቀት ንእስነትኩም ዓለም መዛረቢ።

ሰምበልን ካርሸሊን መቓውሕ ምስሰርሓ
ዓመጽን ቅትለትን ኣእዳወን ዘርግሓ
ናኹራ ተራቢሓ ከይዳ ተዘርጊሓ
ገልዓሎ ሓሊፋ ኣብ ዊዓ በጺሓ
ዒራዓሮ ከይዳ ብጉድጓ ፍልሓ
ማሕጸን ወላድ መኻን ደም ተዘጊሓ
ዝባደመት ሃገር ናብ ጻንታ ኣምሪሓ
ዘሎናያ እዋን እንታይ ኮን’ዩ ብልሓ?

ሓላው ዶብ ወሰን ስማዓ ጽን በለኒ
ህንጡይ መሳርያኻ ኪተፍእ ብረስኒ
ኣውያት ብጸይትኻ ረኺቡዶ እዝኒ?
ኣታ ሽያጢ ሓው ኵላሊት ደላሊ
ክሳዕ መኣስ ኢኻ ተጎልቢብካ ጸብሪ
ከውሒ ኅልናኻ ብዘይ ደረት ክሊ
ፍትሒ ምስ ኣወጀ የልቦን መኸወሊ
ወልዶኻ ኪዝንጠል ብሕፍረት ብነውሪ።

ስንጭሮን መሮርን ዘይብለኩም ፍጊዕ
መዋዕል ኮይንኩም ክትፍጽፍጹ ኣንጉዕ
ኣትረውዩን ዲኹም ናይ በዳ ኣጻምእ
ብታሪኽ ኣይጸንሐን ደም ሰትዩ ዝረክእ
ወሓይዝ ቀላያት ምስ ባሕሪ ዘጕባዕብዕ
ምንታንይ ተድሪሩ ሃህ ኢሉ ዘጕስዕ
ዕሸላት ውሒጡ ኣጓብዝ ከማልእ
ለከ ባህ ኢሉዎ ኣበ ዉሉድ ከንብዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT