Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተካል መሬት

ተካል መሬት ፍሥሓየ መብራህቱ መሬት ኣላትኒ መሬት ናይ ዓደቦ ቆላኣን ደጋኣን ክሳዕ ጸግዒ ጎቦ ትፈስስ ነበረት ጸባ ምስ ኣጅቦ ትሕፈስ ነበረት ዓዲ ትቕልቦ ዓይኒ ኣውዲቖምላ ኵሎም ሰብ ጎዶቦ ወጸላ ሽዕበታ ስኢኑ ትኳቦ።   ኣላትኒ ክብል ዚውንና መሬት መናበሪ ገዲፋ ኮይና መናገሪት ጎልጎል ዝነበረት ኮነት ጠረር ህረት ድዃ

ተካል መሬት

ፍሥሓየ መብራህቱ
መሬት ኣላትኒ መሬት ናይ ዓደቦ

ቆላኣን ደጋኣን ክሳዕ ጸግዒ ጎቦ

ትፈስስ ነበረት ጸባ ምስ ኣጅቦ

ትሕፈስ ነበረት ዓዲ ትቕልቦ

ዓይኒ ኣውዲቖምላ ኵሎም ሰብ ጎዶቦ

ወጸላ ሽዕበታ ስኢኑ ትኳቦ።

 

ኣላትኒ ክብል ዚውንና መሬት

መናበሪ ገዲፋ ኮይና መናገሪት

ጎልጎል ዝነበረት ኮነት ጠረር ህረት

ድዃ ዝነበረት ተፊኣ ጸጸር ኵረት

ኣይትድረት ኣይትጅረፍ

ቃድራ ኢልካ ኣይትግደፍ

ሓጋይ ኮይኑ ኣትይግረፍ

ኣየት ኣትዩ ኣይትልዓል ኣይትልስልስ

ተካል መሬት ዳርጋ ጎድፍ።

 

ተማህሊለ ባሕቲ ግንቦት

ማይ ዓቝራ ኣይጠለለት

ዘሪአያ ኣየብቆለት

ዘብቆለቶ ኣይሰወተ

ቀውዒ ኮይኑ ኣይተሓፈሰ

ሓቂዶኸ እያ ንሳ?

መን ወሰዶ እቲ ራሕሳ?

ንታሕቲዶ ንሰማይ ከእዊ

ተካል መሬት

ማይ ወቒዑ ኣይትረዊ

ደምን ፈረስን

ተደብዲባ ተጀሊጣ ኣይትሓዊ

ኣንጕዕ መጺያ ዘይቀዳዊ

ጓህሪ ከብዳ እጕድ ሓዊ

ዝተዘርአ ዝበቖለ ዝሰወተ

ተቖለወ ተጠጠቐ ተጠበሰ

ተዓዛቢ እንታይ ትጸዊ?

 

ኣነ’ሞኒ ከይሓድጋ ተወሊደ

ከይሕዛ ተቐሚደ

ክምሕላዶ ተሰዲደ

ክረግማዶ ዝገደደ

ደቀይ’ምበር መንነቶም ከይዝረፉ

ብዘይ ርስቲ ብዘይ ጊደ ከይተርፉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • keren November 30, 2014

    beautiful! indeed.

  • oromay December 2, 2014

    ።።። ክብሪ ሃገርን ህዝብን ኣይትተንክፍ ከም ብዋዛ ከም ጸወታ።።

  • FM December 2, 2014

    ኦሮማይ፡ እንታይ ማለትካ ኢኻ? ክብሪ ሃገርን ሕዝብን ሎሚ ዲዩ ዝተተንከፈ? ፈቲኻ ጸሊእካ ናይ ብርዒ ስምካ ንባዕሉ ትርጕሙ እንተድኣ ትፈልጦ ኮይንካ ምልክት ቀቢጸ-ተስፋ’ዩ። ግን ስለምንታይ ወይ ብመን ክብሪ ሕዝብን ሃገርን ምግሃሱ ምእንቲ ክንሓስብ ካብ ምጽሓፍ ዓዲ ኣይክውዕልን እየ።

    • Mogos December 4, 2014

      ዝኸበርካ ፍሥሓየ መብራህቱ::
      በቲ ጽሑፍካ ክብሪ ሃገር ዘይገሃስካ አንተደኾንካ፥ ኣይገሃኩን ክትብል ኣለካ ይመስለኒ፥፥
      ክርብሪ ሃገር ቀደም ተጋሂሱ እዩ አልካ ፤ መሊስካ ትግህስ እንተሊኻ ግና ትጋገ ኣለኻ፥፤
      ድሓር ደም ተቀዳዲምካ ናብ ጸርፍን ናህርን እትኸይድ፤ civilized ብዝኾነ መንገዲ ከተረድእ አንተትፍትን፤ ሃገርናን ህዝብናን ምክብባር ዘለዎ ምርድዳእ መማዕበልና ይመስለኒ::
      ብፍላይ ድማ ንስኻ ከም ጸሓፋይ: ኣብዚ ነገርዚ ሓላፍነትን ፥፥ ዝበለጸ ጽልዋ ንምምጻእ ሓለፋታትን ከም ዘሎካ ኮይኑ ይመስለኒ፥፥
      ሒጂ ግና ብሃንቲ መስመር ዘይትኣክል ዝርርብ ድሮ ሓርፋፍ ዝምድና ኣጥሪኻ ማለት እዩ፥፥ ንአንባብቢ ደማ ኣይግድን፥፥

  • FM December 6, 2014

    Dear Mogos, thanks for your advice. Though I apologized for not choosing the right phrase, I was trying to explain the meaning of “oromay” which means too late or no more possibility. If someone uses such a pen name what is that implying? As a writer I do not do for public relation purpose rather as social and political criticism. As a result I will have critics and supporters. Finally, I was not upset or angry at all – our country is in down spiral direction and our people are emptying the country in alarming rate. The latest ring of Eritrean human traffickers arrest in Italy and Germany the tip of the iceberg how low our people and nation has fell down. Being oblivious to such tragedy yet criticizing my writing which is stating the obvious with artistic expression does not add up.

  • Mesinas December 7, 2014

    ዝኸበርካ ሓው ፍስሃየ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ነዛ ሓው መጐስ በቲ ትጽሕፈሉ ዘለኻ ቋንቋ ኣደኻ ጌሩ ዝሃበካ ርእይቶ፡ ከም ጸሓፊ መጠን እታ ብወገነይ ዝዓበየት ህያብ ከም ዝተቐበልካ’የ ዝቘጽሮ። እዚ ብሉጽ ህያብ’ዚ ግን ንኣኻ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹልና ጸሓፍቲ ዚምልከት’ዩ። በዚ ኸኣ ንሓው መጐስ ስለ’ቲ ብሱልን ጠቓምን ማዕዳኡ ብልቢ አመስግኖ። በዚ ኣጋጣሚ ንኣይውን ካብ መስመር ስነ ጥበበኛታት ኣብ ዝወጸሉ ግዜ ቀይዲ ከም ዘሎ ከዘኻክረኒ እላበዎ?

    ካልእ ዝገረመትኒ’ሞ ከይጠቐስኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ከኣ ንስኻ ጸሓፊ ቋንቋ ትግርኛ ኢኻ፤ ብኣኡ ብምጽሓፍካ ከኣ ንምዕባለኡ ድርኺት ትገብር ኣለኻ ማለት’ዩ። ኮር ተገምጠል ግን ወሃብ ዓለቕ (ርእይቶ ብትግርኛ እናጸሓፈልካስ ንስኻ ብእንግሊዝኛ መልሲ ክትህቦ ንምንታይ ኣድለየ!? ተጠቃምነት ቋንቋ’ኮ ዋላ’ኳ በቲ ቕኑዕ ኣጠቓቕማኡ እንተዘይኮነ፡ ብብዝሒ ምዝውታሩ ግን ንምዕባለኡን ዕብየቱን ሓጋዚ’ዩ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ናይዞም ቋንቋኦም ገዲፎም ብባዕዳዊ ቋንቋ ክረዳድኡ ዝመርጹ ሰባት ዕላማ ኣይርደኣንን’ዩ!? እቲ ምስጢሩ ትፈልጦ እንተ ኴንካ ግን ሓበሬታ ኣንተ ትህበኒ ባህ ምበለኒ ሓው ፍስሃየ? የቐንየለይ።

  • FM December 8, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ ንነቐፌታኻ እቕብሎ’የ ግና ንሞጎስ ክምልሰሉ እንከሎኹ ናይ ግዕዝ ፊደላት ዘይቢል ታብለት ስለዝተጠቀምኩ እየ እምበር ብካልእ ኣይኮነን። መብዛሕቱ ብዛዕባ ናይ ትግርኛ ጽሑፋተይ ብእንግሊዝኛ ዝሃብኩዎ ርእይቶታት ብኸምዚ ምኽንያት ምዃኑ ኽኅብር እፈቱ። ብመሠረቱ ግና ኣንባቢኻ ምስ ፈልጥካ ትሕዝቶ ሥነ-ጽሑፍካ ብኸመይ ከድምዕ ከምዝኽእል ብምግምጋም ካልእ ቋንቋ ምጥቃም ኣድላዪ ይኸውን። ትምኒትን ድልየትን ኣብ ቦታኡ እነክሎ ጊዜን ኵነታትን ምንባብ ድማ ንባዕሉ ሓደ ጥበብ’ዩ። ብሰላም

POST A COMMENT