Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቦሎኛ – መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን

ቦሎኛ  - መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን ዮውሃንስ ጸጋይ - ሎንዶን - 26 ሰነ 2014   ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበቕዐት ንኡስ ዕድመይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ፡ ብመትከልን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓጺበ፡ ኣብኡ ዓብየ ተጋዲለ፡ ሰንኪለ፡ ዝበሃግኩዋ

ቦሎኛ  – መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን

ዮውሃንስ ጸጋይ – ሎንዶን – 26 ሰነ 2014

 

ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበቕዐት ንኡስ ዕድመይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ፡ ብመትከልን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓጺበ፡ ኣብኡ ዓብየ ተጋዲለ፡ ሰንኪለ፡ ዝበሃግኩዋ ናጽነት ክርኢ በቒዐ። እታ ዝበሃግኩዋ ሓርነት ህዝበይ ግን ክርእያ ኣይበቓዕኩን። ከም ኩሉ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባህገይ፡ ራህዋን ቅሳነትን ህዝበይ ንምርኣይ ኢዩ። ሎሚ ክጽሕፍ ተበጊሰሉ ዘሎኹ፡ ብዙሕ ከይሓሰብኩ፡ ብዛዕባ ታሪኻዊት ቦሎኛን፡ ኣብኣ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫል ህግደፍ (ህዝባዊ ግንባር ንዲሚክራሲን ፍትሒን) ኢዩ።

 

ናይ ትማሊ ቦሎኛ  ብዓይኒ ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን

 

ናይ ትማሊ ቦሎኛ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንሰዓቢ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሃገራዊ ወኒ ክብ ኣብ ምባል ናህሪ ዝወሰኸት፡ ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ናጽነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ተወሳኺ ናህሪ ዝወሰኸትን ኢያ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ቃለስ ዝነበርና ተጋደልቲ ድማ፡ ናይ ቃልሲ ፍናንን ናይ ምግዳል መንፈስን ኣብ ምሕያል ዓበይ ኣበርክቶ ከምዝነበራ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኪኖ’ዚ ዝተጠቕሰ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ከም ሕምብርቲ መራኸቢ፡  ከም መለዋወጢ ሓበሬታ ናይ ውሽጢ ሜዳን ወጻኢን ዝካየድ ዝነበረ ምዕባለታት ቃልሲን፡ ከምኡውን ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዝላለዩላ ኣጋጣሚ፡ ከምኡ’ውን በቲ ሃብታም ሃገራዊ ኤርትራዊ ባህሊ ዝሕጎሱላ ዓመታዊት ወቕቲ ወይ ንግደት፡ ኢያ ነይራ።  ብሕጽር ዝበለ፡ ቦሎኛ፡ ሕመረትን ፍናንን ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኢያ ነይራ።  ብመላእ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ድማ፡ ከም ትእምርቲ ናይ ጽንዓት፡ ሓድነትን ሓበንን ኤርትራውያን ኢያ እትልለ።

 

ይዝከረኒ’ወ፡ ከም ኩሉ መቓልስተይ ሓርበኛ ተጋዳላይ! ብድምጺ-ሓፋሽ-ኤርትራ፡ መቓልሕ ቦሎኛ ክንሰምዕ ከሎና፡ ተወፋይነት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ተወፋይነት ኣዴታት ኢጣልያ፡  ክንሰምዕ ከሎና፡ ዝስማዓና ዝነበረ ናይ ቃልሲ ፍናን ኣዝዩ ሓያል  ኢዩ ነይሩ።

 

ቦሎኛ፡ ንሓፋሽ-ውዱባት ህዝባዊ ግንባር ማእከል ዝገበረት ትንበር እምበር፡ ትእምርቲ ኤርትራዊ ኢያ ነይራ። ዓበይቲ መራሕቲ ቃልሲ ኤርትራውያን ዝኾኑ፡- ከም ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ወኒ ኤርትራውያን ዘበራበሩ ዓበይቲ ኣቦታት ሃገራውያን ሙዚቀኛታት ዘሳተፈትን፡ ብዙሕ ሰሚናራት ዝተኻየደላን ማእከል ኢያ ነይራ።

 

ቦሎኛ ሎሚ’ኽ?

 

ቦሎኛ፡ ከም ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበራ ናይ ኤርትራ ናይ ደገፍ ማሕበራት (Eritrea Support Committees & Affiliated Organisations)፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዛ፡ ዝነበራ ሽግ ሃጢሙ፡ ተረሲዓ ኢያ ጸኒሓ።

 

ቦሎኛ ሎሚ፡ ኣብታ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ማለት ዓሚ ጥቅምቲ 2013፡ ኣማኢት ሬሳታት ኣሕዋትናን ዕሸላት ደቅናን፡ ናብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረላ ሃገርና ኤርትራ ከየዕረፈ፡ ኣብ ግዝያዊ መካነ-መቃብር ዝተነብረላ ሃገረ-ኢጣልያ ኢያ ዘላ።  ንብዓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ኣይነቐጸን፡ ሃገረ-ኤርትራ፡ ግቡእን ፍሉይን መዓልቲ -ሓዘን ኣይኣወጀን፡ ፕረሲደንት-ሃገረ-ኤርትራ፡ ከም ንቡር መራሕሒ ክገብሮ ዝግባእ ድንጋጸን ነቲ “የገልግለካ ኢየ” ዝብሎ ህዝቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቡ ንስሙ’ኳ፡ ንስድራ መወትቲ፡ ጽንዓት ይሃብኩም ኣይበሎምን። ከምኡ’ውን፡ ንቡር ሰብኣዊ-ሕልና ዝጎዶሎም ኤርትራውያን፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ግብኣተ-መሬት ዘይተፈጸመሉ ሬሳታት ምስዕሳዕ ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ላዕለዎት መራሕቲ  መንግስቲን ህግደፍን ዝባረኹዎ ዳንኬራታት ብምውዳብ ክስዕስዑ ዓለም ተዓዚባቶም ኢያ። ናይዞም ድሒሮም ዝተገልጹ፡ ታሪኽ ጽባሕ ክሓትቶም ምዃኑ ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ፡ ብሕልናኦም እውን ደቂሶም ዝሓድሩ ኣይመስለኒን።

 

ዓሚ፡ ኣብ 2013፡ ብ’ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ቦሎኛ፡ እቲ ዝነበራ ታሪኽ ዳግማይ ብምሕዳስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ቃልሱ ንሓርነት ዘበራብረላ ተበግሶ ተወሲዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ብውሑድ ቁጽሪ ይጀመር እምበር፡ እቲ ተበግሶ ዝተባባዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ብዝሓሸ መልክዑ ክድገም ትጽቢት ኣሎ፡ ክኸውን ዘለዎ ድማ ኢዩ።

 

ንሓርነቱ ዝተላዕለ ኤርትራዊ፡ ማለት፡ ንሰናይ ተበግሶን ጻውዒትን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከምኡውን በብዓዱ ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡  ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሰሪቱ ዘሎ፡ ብግዕዙይን ብልሹውን ምሕደራ ናይቲ ብውሑዳት መራሕቲ ህግደፍ ዝዕብለል መንግስቲ፡ ዝወርድ ዘሎ ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሓርነትን መሰልን  ኤርትራውያን፡  ፍጹም-ጥልመት ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ፡ ብቃልሱ ንምጭባጡ፡  ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ቦሎኛ ማእከል መነሃርያኡ ክገብራ ትምኒተይ ኢዩ።

እዚ ምዕባለ ከምዚ ዝተጠቕሰ እናሃለወ፡ ብወገን ህግደፍ፡ ሃንደበት ናይ ሃታሃታ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ቦሎኛ ናይ “40 ዝኽሪ ፈስቲቫል” ክገብር ይዳሎ ኣሎ። ከምዚ ዝውረ ዘሎ፡ ብመንግስቲ መጋዓዝያ ክኽፈለሎም እውን ኢዩ።  ኣብታ፡ ሬሳታት ኤርትራውያን ገና ንቡር ሓመድ-ኣዳም ዘይረኸበላ ኢጣልያ እትርከብ ቦሎኛ፡ ገርሂ-ልበን ኣዴታት ምስቶም ጎሓላሉን ልኡኻቶምን ክስዕስዓ ኢየን። እታ ብሓርበኛ እትፍለጥ ዝነበረት ኣደ፡ ውላዳ ንመስዋእቲ ኣተባቢዓ ዘሰለፈት ኣደ፡ ጽባሕ፡ ኣብ ቦሎኛ ኣንጻር ዕላማታት መስዋእቲ ደቃ ክትስዕስዕ ክንዕዘብ ኢና። እቶም ንዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ጨውዮም ግዝኣተ-ግፍዒን-ሽበራን ዘስፈኑ መራሕቲ ህግደፍ ድማ፡ ዲስኩር ከስምዑ ኢዮም።

 

ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ኣይግባእን!

 

ታሪኽ ቦሎኛ፡ ብገዛእቲ ጉጅለ ህግደፍን ብዝተታለሉ ሰዓብቶምን፡ ምስላ ክብለል ከነፍቅድ ኣይግባእን!

 

ኤርትራዊ፡ ናብታ ትእምርቲ ሓርነት ኤርትራዊያን ዝነበረት ቦሎኛ ተጓዒዙ፡ ሽግ ሓርነት መሊሱ ክውልዕ ኣለዎ!

 

ቦሎኛ፡  መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር፡ መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን።

 

 

ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን

26 June 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • ብሓቒ June 29, 2014

    ጂግና ዮሃንስ በርሀ
    ጽሑፍካ ይበል ዘብል ቕኑዕን እዋናውን ኢዩ፣ ቐጽሎ፣ ብዛዕባ ሳዕሳዒት ቦሎኛ ይሳዕስዑ ግደፎም ግን ከምቲ ዝበልካዮ ታሪኽ ክፈርዶም ምኻኑ ኣይዘንግዑ፣ ህዝቢ ካብ`ቲ ሳዕሳዒት ዝዓቢ ነገር ኣለዎ። ብፍላይ ተቓውሞ ዝብሃል ሽም፣ ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን ኣለዎ እምበር፣ደሞንስትራሽን ኣብ ቕድሚ ህግደፍ ዋላሓንቲ ዘፍርዮ ነገር የብሉን። ነዞም ሳዕሳዕቲ ናህና ደሞንስትራሽን ኣየፍርሖምን ኢዩ፣ ናህና ሓድነትን ግብራውነትን ግን ፈጥ-ፈጥ ኢዩ ዘብሎም። ምኽንያቱ ሓድነትና ኣትሪርና ኣብ ግብሪ ተተበጊስና እታ ዝፈርሕዋ ለውጢ ክትመጽእ ምኻና ስለዝፈልጡን ብድሕሪኡ ድማ እቲ ነታሕ ታሪኾም ከፍርዶም ምኽናኑ ስለዝፈልጡን ቐጻሊ ንሓድነትና ኢዮም ዝጻብኡን ዝፈርሑን እምበር ናትና ደሞንስትራሽን ኣይፈርሑን ኢዮም። ስለዚ ንሕና ክንገብሮ ዘለና፣ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካ ኣድማዒ ስራሕ ምስራሕ ኢዩ እምበር ካልእ ኣገዳሲ ንድሕሪት ገዲፍካ ናብ ደሞ ትርጉም የብሉን።
    ንህግደፋውያን ትፈርሖም
    ሓድነትና ኢዩ

    ዓወት ንደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ኤርትራ
    ቓልስና ሓርፋፍ ኢዩ፣ ብጽንዓትናን ሓድነትናን ግን ክንዕወት ኢና።

  • Ghenet June 29, 2014

    Guys,
    PFDJ is using Bologna as decoy or as an attention distraction. We are talking about Bologna now instead of doing what we are supposed to do- pushing dictatorship away and saving our people. PFDJ know that Bologna won’t work and that it could expose them for who they are more. But still they will go on to do it. What are we doing? only talk!

    • ERITREAN UNCLE June 29, 2014

      Ghenet ,

      You are so wise you remind me of me.I do not have anything to add to what you have correctly pointed out.

      Brava Ghenet

  • yonas June 29, 2014

    Hi goitom
    Xbuq aleqa.eti ebud kelbi (eseyyad) keman keatwayu.

  • ኣርዓዶም ውፉይ June 30, 2014

    Dear Assenna
    we contribute and support assenna because we love assenna as its justiceful, but why you are so deleting my comments,its not really good, we write it hardly spending some time but when you see that you are deleting it is very very hurtful, you should thank about the comment not about the names used. its not really right to delete comments that are fruitful.

  • sara gual eritra June 30, 2014

    kubur tsehafi
    nay lomi adetat adi tilyan eten nay kedem aykonan
    ezen nay lomi ZITESEWEE, ZITEGADELE,SAWA KERTET ZIBELE wlad wey hawi zeyblen
    iyen ,n’eritra dhri 91 zfeleta’a hobby naten saesiet MAHAYMAN IYEN
    eten nay kedem EHH endabela kulen moyten iyen

    • ክብርቲ sara gual eritra,

      ካብ ርእይቶኺ፡ ብፍላይ እታ “እተን ናይ ቀደም እዴታት ኤህ! እናበላ ኩለን ሞይተን ኢየን።” እትብል ሓሳብ ኢያ። ሓንቲ ፍጻሜ ድማ ተዘኻኽረኒ፡-

      ኣብቲ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ 1999፡ ብስራሕ ተወኪለ ናብ ሮማ ኢጣልያ መጺአ ነይረ። ኣብቲ ኣብኡ ዝቐነኹሉ እዋናት፡ ብጻይ ማሕሙድ ሸሪፎ (ሽዑ፡-ሓላፊ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኣቃውማ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ናይ ‘ምክትል ፕረሲደንት’ ማዕርግ ዝነበሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ምስ ክብርቲ በዓልቲ-ቤቱ፡ ብጸይቲ ተጋዳሊት ኣስቴር ፍስሃጼን፡ ካብ ውላዶም ተሓሪሞም፡ ኣብ ማሕዩር ዒራዒሮ ሓቒቑ ዘሎ)፡ ምስ ካልኦት ጉጅለኡ ከም በዓል የማነ ገርብኣብ (“የማነ ማንኪ”)፡ ህዝባዊ ሰሚናር ከካይዱ ኣብ ሮማ ቀንዮም ነይሮም።

      ሓደ ምሸት፡ ብመንገዲ ኤምባሲ ሃገረ-ኤርትራ፡ ዶ/ር ፍስሃጼን፡ ኣብ መንበሪ ገዛኡ፡ ናይ ድራር እንግዶት ተገይሩልና ምስ ብጾተይ ኣብ ሓደ ኣብ ዘምሰናሉ፡ ንሓድሕድና ዕላላት ንለዋወት ኔርና። የማነ ገብርኣብ፡ ኣብ ኩሉ መልስታቱ ካብ ርእይቶ ብጻይ ሸሪፎ ዝተፈልየ ምንባሩ ኣጸቢቑ ይዝከረኒ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ከም ዋዛ ሰሚዐያ ዝሓለፍኩ፡ ዲሒረ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መራሕቲ ተጋደልቲን ኣባላት ባይቶን ሚኒስተራትን ዝነበሩ፡ ኣብ 2001 ዝተወስደ ሃለዋቶም ናይ ምስዋር ስጉምቲን፡ ምስ ዝሰዓበ ህሉው ኩነታት ሃገርናን፡ ናይታ ምሸት እቲኣ ዕላል ምስ ብጻይ ሸሪፎ፡ ኩሉ ሳዕ ትዝ ትብለኒ። ኣብ መንጎ’ቲ ዕላላት፡ ከም ዋዛ ብዝመስል ቁምነገር፡ ብጻይ ሸሪፎ-“ንሕናን ኣዴታት ዓዲ ጣልያንን ቁማር ተበሎዕና ኢና!” ክብል ተዛሪቡ፡ ስምዒት ብዝተሓወሶ ኣገባብን ንዓይ ገርሂ-ልቡ ድማ እቲ ኩነታት ካልእ ኢዩ ዘሎ፡ ኣይትዓሹ ብዘስምዕ ኣጠማምታ።

      እዛ ኣብ ላዕሊ ዝሃብኪያ ንናይ ቀደም ኣዴታት ዓዲ ጣልያን እትምልከት ርእይቶኺ እምበኣር፡ ነዛ ሓጻር፡ ግን ከኣ፡ ብጻይ ማሕሙድ-ሸሪፎ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝምዕብል ዝነበረ ኩነታት ዝነበሮ ስክፍታን፡ ንከም ከማይ ዝኣመሰሉ ገርሂ-ልብናን፡ ዘመሓላለፎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ደጊማ ኣዘኻኺራትኒ፡ ምሳኹም ክካፈላ ከለኹ ድማ ነቲ ውዕለቶም ንኡስ ምስክርነት ዝገብር ዘሎኹ ኮይኑ ይስማዓኒ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ሓላዊ ቤት-ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝነበረ፡ መንእሰይ ኢዮብ፡ ኣብቲ መላእ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ዝተዓዘቦ ኣብ ዩ’ቱበ ተዘርጊሑ ዝርከብ ቃለ መጠይቓቱ፡ ካብ መዓሙቕ ዒራዒሮ፡ ናይ ብጻይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ናይ ቃል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉልና ኢዩ፡- ነቲ ሓላዊኡ፡ ማለት ኢዮብ፡ “ንስኹም ናይ ሎሚ ራኣይቲ፡ ናይ ጽባሕ መስከርቲ ኢኹም!” ክብል ተዛሪቡዎ። ኢዮም ድማ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ ዓለም ኣቃሊሑዎ።

      ኤርትራዊ ተጋዳላይ፡ በጃ ህዝቡ ክሓልፍ እምበር፡ ብህይወቱ ክምለስ ኢሉ ኣይተጋደለን። ከምቲ ናጽነት ሃገር ከቢድ መስዋእቲ ዝሓተተ፡ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብመስዋእቲ ኢዩ ዝርከብ። ስለዚ ከይተሓለልና ንመሰልናን ሓርነትናን ምቅላስ ይግባኣና’

      እወ፡ ታሪኽ’ዞም ጀጋኑ ስዉኣትና ብክብሪ እንዝክረሉ እዋን ክመጽእ ምኻኑ ዘየጠራጥር ኢዩ። ሓድነትን ጥርናፈን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ።

      ነዚ ስለ ዘዘኻኸርኪኒ ብዓዕሚ የቐንየለይ።

      ዮውሃንስ ጸጋይ
      ሎንዶን

      • MightyEmbasoyra July 1, 2014

        Ato Yohannes,
        What do you think the root cause of our situation when it comes to unity?
        Is this lack of education? Or we are naturally hot headed people which we can’t agree on anything? Or we are simply stupid people on the planet?
        How is that one person (with his very few sub-human implementers, HGDF) can ruin the country and decimate its people and we are (most of us) wasting our time on trivial items?

        • Teclay July 2, 2014

          Mightywmbasoyra

          “What do you think the root cause of our situation when it comes to unity?
          Is this lack of education? Or we are naturally hot headed people which we can’t agree on anything? Or we are simply stupid people on the planet?”

          -Mighty still you do not understand?
          All the your questions can be an answer. our Problem :
          – Our problem is the idea of Ghedli
          -Our problem is regionalism
          -Our problem is religion fanaticism
          -Our problem is identity crisis (love of Arabs and love of Italians )
          -Our problem is our choice of spaghetti and lasagna which are cases of diabetics to the very healthy food TEFF

          Generally our problem is our idiotsm .

          • rezen July 2, 2014

            Greetings! Teclay,

            You know what, Teclay! You and MightyEmbasoyra [whom I admire for his unique mind] are really on the same wavelength.It is just that both of you pursue a refinement in the same prism. Here is how I see it:Mighty nudges the reader to THINK; You are, on the other hand, generous and provide a READY MADE meal for your compatriots. Eritrea needs you both — especially at this time. So, keep on Questioning & Hammering.

      • Ghenet July 3, 2014

        Dear sara
        and Yahonnes,
        I can understand your frustration about ‘adetat adi tilyan’.
        Sarah, you said they are not the same ‘adetat’ as before. Actually they are the same women.
        Yohaness, Sherifo rightly said ‘kumar tebeliena’.
        But the worst thing is that although they lost, the women in Italy and Europe who are still supporting PFDJ. they are additced to gambling! They are the same women but they are willingly addicted to supporting PFDJ! I am a member of the Network of Eritrean women and these women (supporters) have a chance to change but they decided to side with the enemy of their children! They chose the houses they built in Eritrean over the young Eritreans dying horrifying deaths all over the world. They are so materialistic that they do not have human soul at all. I do not feel sorry or have any sympathy for them. Inside Eritrean also they support DIA despite the misery they see around them. ‘enda seme’e zesqetes endareaye qbero!
        they have now decided to dance around the unburied bodies of young eritreans! around a mother who died along with her 4 kids, around a mother who birth while dying in the cruel sea! what more can they do! how long are we going to make excuses for them!

      • Saba July 7, 2014

        “ወዲ ዓሻ ክልተሻዕ ይጽፋዕ” ከይከውን ጽቡቕ ጌርካ ዝሓበርካና እዚ ሓወይ።

        • Saba July 7, 2014

          ንየውሃንስ ጸጋይ እዩ እቲ መልሰይ።

  • ERITREAN UNCLE July 1, 2014

    ዝኸበርካ ዮሃንስ ጸጋይ፣

    ነዛ ትቕጽል ጽሑፍካ ክጠቕሳ
    “ከም ኣብ ጽሑፈይ ዝገለጽሁዎ፡ ቦሎኛ ትእምርቲ ጽንዓትና ኢያ። ሕጂ’ውን ትእምርቲ ጽንዓትና ክትከውን ኣለዋ። ብኸመይ ኢያ ነዚ ከተመስክር እትኽእል፡ ንዝብል ሕቶ ድማ፡- እቶም ናብቲ ናይ ህግደፍ በዓል ክትሳተፉ ተዳሊኹም ዘሎኹም፡ ኣብኡ ታሪኽ ክትፍጽሙ ኣሎኩም። ንሕልናኹም ዘቕስን፡ ንሃገርና ድማ ዝጠቅም ንእዋናዊ ጸገም ኤርትራዊ ዘቃልል በዳሂ ሕቶታትን ርእይቶታትን ከተፍስሱ ይግባእ።”

    ክቡር ሞኽሲ ኣነ እውን እዩ 56 ዕድመይ,መልእኽተይ ዝበርሃልካ ኣይመስልን ሓው፣ኣነ ኣንኳይዶ ጓይላ ህግደፍ ክኸይድ፣ኣይደጕሓሉን እውን፣ እቲ ነጥቢ ዝገብሮ ዘለኹ ግን__ኣብ ፓርቲ ሻዕብያ ኬድኩም ካብ ትቃወሙስ,ነቶም ሲናይ ዝግፍዑ ዘለዉ ደው ዘይትብሉሎም።ሻዕብያ ናብ ራሻይዳን በደዊንን ሰብ እናሸጠ ፣ንህዝብና ጥጠው ዘይበልኩምሉስ__ግርምቢጥ ዶ ኣይኮነን፣ቅድመ ተኸተልኩም ፍለጡ እየ ዝብል ዘለኹ።

    የቐንየለይ

    • ዝኸበርካ ERITREAN UNCLE,

      ተረዲአካ፡ የቐንየለይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ልቢ ከምዘሎና ከተረጋግጸለይ ምኽኣልካ — ብጌጋ ተረዲአካ ነይረ።

      ከምዝበልካዮ፡ ነቲ ናይ ሲናይ ይኹን፡ ሊብያ ከምኡ እውን እስራኤል፡ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሕእትን ኤርትራውያን፡ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ መመሊሶም ከሐይልዎ ኣገዳሲ ኢዩ። ብዛዕባዚ ጉዳያት’ዚ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ርእይቶን ጽሑፋትን ሓሳባትን ኣቕሪበ ነይረ ( http://www.snitna.com/articles.html )። ስለዚ ዝበልካዮ ኩሉ ይሰማምዓሉ ኢየ።

      ኣብ ናይ ቦሎኛ ጉዳይ ግን፡ ቦሎኛ፡ ከም ትማሊ መናሃርያ ቃልጺ ንናጽነትናን መዐቀቢት ሃገራዊ መንነትናን፡ ሎሚ ድማ መናሃርያ ሓርነትና ንክትከውን፡ ኣብኡ ንዝተጀመረ ተበግሶታት ከነተባብዖን፡ እንተኺኢልና ድማ ዓቕምና ዝፈቕዶ ተሳትፎ ክንገርን ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓኒ። መንእሰያት ደቅና፡ ብስምረት ንመሰላቶምን ሓርነት ህዝቦምን ብንቕሓት ክለዓሉን ክቃለሱን ኩላትና እጃምና ከነበርክት ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብፍላይ ነቶም ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት፡ ማለት፡- ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ዝነበርና፡ እዋናዊ ሓላፍነት ዘሰክም ዕማም ኢዩ። ንሕና እንተሰሚርና፡ ንፍትሒ ብሓደ ድምጺ እንተጸኒዕናን፡ ንሓድሕድና ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ምጥቕቓዕ እንተኣቋሪጽናን፡ እቲ እንደልዮ ክሰልጠና ኢዩ። ከምቲ ኣያና ወዲ ቫካሮ ዝበሎ፡ ጀብሃ፡ ሻዕቢያ፡ እናበልና ንፈላለየሉ እዋን ኣይኮነን። ብስም ኤርትራውያን ጥራይ፡- ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ኣብ ሃገርና፡ ምእንቲ ፍትሒ ምንጋስ ኣብ ሃገርና፡ ምእንቲ ምምላስ ዝተጠልመ መብጽዓ ሰማእታትና፡ ሓደ ኢድ ኮይንና ደው ንበል። ደቅናን መናእሰያትናን ድማ በዚ መንፈስ’ዚ ንክኸዱ ነተባብዓዮምን መስዋእቲ ንኽፈልን።

      መንግስቲ፡ ኩሉ ናይ ሃገር ገንዘብን መሳለጢያን ተጠቒሙ፡ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ዘጣጥሕ፡ ንስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘናውሕ ስጉምቲ ክወስድ ቀሊል ኢዩ። ግን፡ ከም ኩሎም ገዛእቲን መለኽቲን ስርዓታት፡ ምውዳቑ ዘይተርፍ ኢዩ። ንሕና ድማ፡ ብጻዕርናን ብጉልበትናን ብገንዘብናን፡ ዋላ በታ ንእሽቶ ትንፋስና ከነበርክት እንሕተተሉ መድርኽ ኢና ኣቲና ዘሎና። “ንእሽቶ ቁልዒ ሓዊ፡ ሻኻ ተባርዕ!” ከም ዝተባህለ፡ እዚ ዝብገስ ዘሎ ህዝባዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምዕዋቱ ዘይተርፍ ኢዩ። እቲ ብገርሁ ተታሊሉ ዘሎ ናብ ልቡ ናይ ምምላሱ ድማ ናይ ጊዜ ጉዳይ ጥራይ ኢዩ።

      በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነዚ ጽሑፈይ እትከታተሉ ዘሎኹም መናእሰይ ደቂ-ኤረይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝተቓለስኩም ብጾተይ፡ ለበዋይ ክትሰምዑኒ ይምሕጸን።

      ሓውኹም፡ ብጻይኩም፡
      ዮውሃንስ ጸጋይ

  • MightyEmbasoyra July 2, 2014

    I had kind of weird dream, few days ago. East African countries united to form a union and decided that there is no boundary in between them (while they keep their independent countries as it is), when it come to trade, travel, school, etc. These blessed joint had worked for few yrs and the western countries paid their full attention. Some of the well known Silicon Valley companies start opening offices, mfg sites, etc all over the region. As usual this stupid alarm rung and interrupted my sweet dream. I was hoping that dream to show up and can continue, to see any new developments but it hasn’t happened yet. So, I am sharing it with you now. Don’t ask me what language they have used.

    • rezen July 3, 2014

      ha ha ha ha …… MightyEmbasoyra

      I am learning and thinking and hope others do! Ahhhhhh…. that “stupid alarm! It interrupted your beautiful dream by the only language that it knows: rrrrrrrrring!

  • Yohannes July 3, 2014

    ሃዬ በሉ ለባማት ንፉዓትን ተቓለስቲ ፍትሒ ድቂ ሃገርና ይነግሩናን ይመኽሩናን አለወሞ ንስማዓዮም ዳሕራይ ከይንጠዓስ። ዝበልዕዎ ጠራሕ ዝፈልጡ በላዕቲ ሳዕሪ ኣይንኹን። ደቂ ሰባት ኢናሞ ንሕሰብ ንመራመር፡ እቶም ሕጂ ጊዜኦምን ፍልጠቶምን ስዊኦም ዝነግሩና ዘለዉ ጽባሕ ንጉሆ ምናልባት እዚ ለባምን፣ ኣርሒቑ ዝጥምትን ድሕነታዊ ምኽሮም አይንረኽቦን ንኸውን። ሕጂ ንጠቐመሉ ንበረያ ነበረ ከይንኸውን። ነገራት ክቕየር ጊዜ አይወስድን እዩ። ምስ ምልካዊን ሓርገጻውን ምምሕዳር ህግደፍ ውድቀት ኤሪትራ ዘይተርፍ ተርእዮ ኢዮ። እዞም ሕጂ ገነታዊ ሕልሚ ናይ ድሑር ማፍያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስኪሩና እንታይ ገደሰኒ ኢልና ኣብ ፈስቲቫላትን ጥፉሽ ዳንኬራን ዶረናን ህግደፍ ሓሸው ንብል ዘሎና ጽባሕ ከይንበኪ ንኤሪትራ ከነድሕና ንኽእልሉ ጊዜ ሕጂ እዩ። ሃየ ንጓየየላ ነዛ ክብርቲ ሃገርና ጸሊም ነጥቢ ከይንኸውን ኣብ ታሪኽ ዓለም።
    ይኣክል ሕጂስ ጎበዝ ተታሊሉ፤ ክኢላ ተባሪሩ፤ ህዝቢ ተማሪሩ
    ናይ ኣፍሪቃ ጃንዳ ክሜርሩዠ ፖልፖታዊ ስርዓት ካን ሕሉፍ ዓንዲሩ
    እቲ ዓቃል ህዝብና ክብል ኣለዎ መሪሩና ይኣክል ምጻሩ
    ሃዬ ኢደይ ኢድካ ንበል ነድሕና ነዛ ሃገር ክትነብረልና ንወትሩ
    ይሕተት ኣሎ ኩሉ ኤሪትራዊ ኣርሒቑ ዝሓስብ ነታ ሓላል ሃገሩ
    ዓለምና ትሐምበብያ ዘላ ከይንኸውን ጊልያ ኣብ ዓደቡኡ ዝነብር ሓሲሩ
    ጸጋ ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ዘይወነነ ዜጋ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገር ተሸቚሪሩ
    ሳላ ህግደፍ ኣዬጥርን ኣሎ ክእለትን ሃብትን ዝገብሮ ዘድምዕ ተዋዳዳሩ
    ምስቲ ወጻእተኛ ናብ ሃገር ዝመጽእ ክነብር ብሉጽ ሃብቱን ክእለቱን ኣዋፊሩ
    እቲ ዝጽበዮ ዕጫ ፍሉጥ ንኽተስምዖውን ዘሰቅቕ ንኹሉ ፈታዊ ሃገሩ
    ንሕሰበሉድኣ ንቃለስ እዚ እዩ ክኽውን እቲ ዕድልና ንኹልንና ንሓዋሩ
    ሕማቕ ሓድጊ የንጾላሉሎ ንጸላኢኻኳ ዘይትትምነዬሉ ርእስኻ ዘድንን ንወትሩ
    ኔው ንበሎ ነዚ ዝገዝእ ዘሎ አደንቊሩ ኣጥምዩ፤ ቀቲሉ፤ ኣሲሩ
    እወ ከይንርዕሞ እዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ ነብጻሓዮድኣ ናብ መፈጸምታ ዕምሩ
    ህዝብና ክነብር ብሰላም ብራህዋ ከምዓለሙ ተኸቢሩ ተሓቢኑ ተሓፊሩ
    ኣወ ኤሪትራና ትሓተናላ ከነውጽኣ ካብ ምንጋጋ ሕሱማት ኣራዊት
    ባርባራዊያን ጨካናት ዝነብሩ ብናይ ማእከላይ ዘመን ሕገ ግዝኣት
    ንቐልጥፍ ነልግሶም ንኤሪትራና ብኹሉ ሓይልና ከኖሰጉማ ንቕድሚት
    ቁርዲድ እዮም ኣባይ ናይ ድሕረትን ድንቁርናን መሃንድሳት
    ብትሪ ንግጠሞም ኤሪትራና ወሊዳ ደይኮነትን ጀጋኑ ሓዬታት
    ነልግሶም ድኣ ተኸፊሉዋ እዩ ሃገርና ደም ጀጋኑ ምዑታት ፈላጣት
    ዕድል ኣይንሃቦም ወሰንድኣ ነትሕዞም ነዞም ሕሱማት ተንኮለኛታት
    ንኣርባዓ ዓመት ዝተጨማለቑ ከዳዓት ብፈላሊኻ ግዛእ ሽርሕታት

Post a Reply to Saba Cancel Reply