Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብ ህዩስተን ዝነበሩ ኤርትራውያን ወርሒ ኣብ ዘይመልአ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ብኻልእ ሓዘን ተወቒዖም ኣለዉ። ጋዜጠኛ ነበር ዳኒኤል ተስፋይ፡ ብሰንበት 7 ሓምለ 2019፡ ኣብ መበል 51 ዓመቱ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ዓሪፉ ኣሎ።

ኣብ ህዩስተን ዝነበሩ ኤርትራውያን ወርሒ ኣብ ዘይመልአ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ብኻልእ ሓዘን ተወቒዖም ኣለዉ። ጋዜጠኛ ነበር ዳኒኤል ተስፋይ፡ ብሰንበት 7 ሓምለ 2019፡ ኣብ መበል 51 ዓመቱ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ዓሪፉ ኣሎ። ዳኒኤል ኣብ ገስነር ከምኡ’ውን ሃርዊን ዝበሃል

ኣብ ህዩስተን ዝነበሩ ኤርትራውያን ወርሒ ኣብ ዘይመልአ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ብኻልእ ሓዘን ተወቒዖም ኣለዉ። ጋዜጠኛ ነበር ዳኒኤል ተስፋይ፡ ብሰንበት 7 ሓምለ 2019፡ ኣብ መበል 51 ዓመቱ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ዓሪፉ ኣሎ።

ዳኒኤል ኣብ ገስነር ከምኡ’ውን ሃርዊን ዝበሃል ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ መወቃዕቲ (ሕማም) ምስ ወደቐ ናብ West Houston Medical Center ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፡ ድሕሪ 2 ሰዓት ኣቢሉ: ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ።

“ካብ ሆስፒታል ደዊሎም ብዛዕብኡ ነጊሮሙኒ። ብስንባደ ናብ’ቲ ቦታ ከይደ ናይ ዳኒኤል ሬሳ ምስ ርኣኹ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጸ።” ኢሉ ኣስመሮም ደሞዝ። ንሱ ብተወሳኺ እግዝኣብሄር ንዳኒኤል መንግሰተ ሰማያት ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡ ከኣ ጽንዓት ክህቦም ተመንዩ።

ዳኒኤል፡ ብሽመልባ ናይ ኤርትራውያን መዓስከር ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ፡ ናብ ህዩስተን ኣብ 2006 ቅድሚ ምምጽኡ፡ ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ዳኒኤል ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ ከም ወኪል ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ብዶብ ዝፍለጥ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ከም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ዳኒኢል ኣብ ህዩስተን ምስ መጸ፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ መነባብርኡ ንኽልውጥ ሰሪሑ ይኣቱን መኪና ይዝወርን ቤተሰቡ ይረድእን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ግና፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ገለ ዝተወሰነ እዋን፡ ብገለ ጉድለት ወይ ሓጥያት ከምዝፍተን፡ ዳኒኤል’ውን ብመስተ፡ ሽጋራን ካልእን ወልፊ ተፈቲኑ፡ ተሰኒፉ ነይሩ እዩ። ዳኒኤል ነብሱ ክኣሊ ብዘይምኽኣሉ ኸኣ ኣብ ግዳም ዝሓድረሉ እዋናት’ውን ነይሩ እዩ። 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብርክት ዝበሉ ግዱሳት ሰባት፡ ዳኒኤል ካብ ዝነበሮ ኩነታት ንኽወጽእ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዶም እዮም። ካብ ሞራል፡ ንዋትን ገንዘብን ብምርካት ሓሊፎም፡ ኣብ ቤቶም የንብርዎን፡ ሞያዊ ሓገዛት ንኽረክብ ጻዕርታት ዘካየድሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ይኹን’በር ዳኒኤል ካብ ዝነበሮ ጸገም ፈጺሙ ክናገፍ ኣይከኣለን።

ዳኒኤል ኣብ ኢትዮጵያ ከሎን ናብ ኣሜሪካ ምስ መጸን ንኣምላኹ ይስዕብ ነይሩ። ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን’ውን ናብ ቤተ-ክርስትያን ይኸይድ፡ ኣብ ናይ ኣባይቲ ዘሎ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ከኣ ይሳተፍ ከም ዝነበረ ብጾቱ መስኪረሙሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሮሜ 10፡9-11 “…ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ እንተ ተኣሚኑውን ይድሕነ እዩ። ስለዚ ብኣፍካ የሱ ጎይታ ምኻኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን  ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ።” እዩ ዝብል። ስለዚ ድሕነት ወይ ጽድቂ፡ ሓደ ሰብ ብዝገብሮ ዘይኮነ፡ ብእምነት እያ ትርከብ። ዳኒኤል’ውን ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ ጎይትኡን መድሓኒኡን ይኣምን ነይሩ እዩ። ናይ ዳኒኤል እምነት፡ ንጽድቂ ከም ዝቑጸረሉ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጸልና።

ናይ ዳኒኤል ሓዘን መብጽሒ ቦታ፡ ኣብ 6100 Elm St Apt# 1814 Houston, TX 77081 እዩ። ዳኔኤል ንጽባሕ ቀዳም 13 ሓምለ 2019 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ህዩስተን ሓመድ ክለብስ ምዃኑ ተመዲቡ ኣሎ። 

ናይ ዳኒኤል ቤተሰብን ፈተውትን ንመቓብር ዝኸውን፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ gofundme.com ገይርኩም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክትገብሩ ብትሕትና ሓቲቶም ኣለዉ። 
 
እግዝኣብሄር ንቤተሰብ፡ ንቐረብቱ፡ ንህዝቢ ህዩስተን ብሓፈሻ ጽንዓት ይሃብ።

Contributed report from Houston

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Negash July 10, 2019

    I know Daniel while he was a reporter for the Eritrean News agency. He was a dedicated and humble journalist. May his soul rest in peace.

  • Khaled July 11, 2019

    It’s sad that so many talented young Eritreans are dying, away from the country they love so much, because of a shifta regime in Asmara.
    It’s stupid to call such a mafia clique “our government”.
    May his soul rest in peace.

  • Hidat July 16, 2019

    R.I.P

POST A COMMENT