Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ዝሰከሐ ስርዓት ህግደፍ፣ ብፖለቲካዊ መርገጺኦም ዝኣመነሎም 6 ተጻወቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ብምሕራይ፣ ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከቡዋ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሰናኒዑ ኣቝሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝሰከሐ ስርዓት ህግደፍ፣ ብመንገዲ ኮምሽን ስፖርት፣ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ይኹን ኣሰንጣኒኣ ኣብ ክንዲ ብብቕዓት ብፖለቲካዊ መርገጺ ክምረጹ ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ዑመር ዝተባህለ ብቕዓትን ተመክሮን ዘይብሉ

እቲ ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝሰከሐ ስርዓት ህግደፍ፣ ብመንገዲ ኮምሽን ስፖርት፣ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ይኹን ኣሰንጣኒኣ ኣብ ክንዲ ብብቕዓት ብፖለቲካዊ መርገጺ ክምረጹ ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ዑመር ዝተባህለ ብቕዓትን ተመክሮን ዘይብሉ ኣሰልጣኒ ካብ ጊንዳዕ ከምዝመዘዘ፣ ንሱ ‘ውን ካብ ውሽጢ ሃገር ዝወሓዱ መሐወስታ ዝኾኑ ተጻወቲ ብምሕራይ፣ ዝበዝሑ ካብ ወጻኢ ሃገራት ክመርጽ ብዝተዋህቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንጡፍ ተሳታፍነት ዘይጸንሖም ዝበዝሑ ኣብ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ገይሩ፣ ሰናኒዑ ብሃታሃታ ኣቝሙዋ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

በቲ ካብ ኣስመራ ዝረኺብናዮ ዘለና ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ተረቝሖም ዘለዉ ተጻወቲ 6 ጥራይ ክኾኑ ከለዉ፣ መሓመድ ዑስማን፣ ማዕውያን ካብ ክለብ ኣልነስር፣ ዮናስን ሳምንዮማን ካብ ክለብ ኣዱሊስ፣ ጋባን ካብ ደንደን፣ ሙኒር ካብ ማይ ኣድከሞም እዮም።

ተጻወቲ ክበብ ቀይሕ ባሕሪ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኣህጉራዊ ውድድር ንደገ ምስተላእኩ ዳርጋ ኩሎም ተጻወታ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ስለዝሓተቱ ተጻወታ ከይምረጹ ብዝተመሓላለፈ ትእዛዝ መሰረት ካብ ምርጫ ከምዝተኣገደት እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርትራዉያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ኣህጉራዊ ወድድራት ኣብ ዝገሹሉ ዝበዝሑ ብኡ ኣቢሎም ብተደጋጋሚ ዑቕባ ብምሕታቶም ዝሰክሐ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ንሽሙ ኤርትራ ተሳቲፋ ጥራይ ንኽብል ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይምእርር ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ጠቒስና ኔርና። በዚ መሰረት ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበር ሲራክ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጻዋታይ ዝሓለፈ ቀዳም ኤርትራ ከምዝኣተወ ‘ውን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 3 ደቀንስትዮን 6 ደቂ ተባዕትዮን ብዘይ ኣሰልጣኒ ክሳተፉ ኮምሽን ስፖርት ወሲኑ ‘ሎ። ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኤርትራ ብዘይ ኣሰልጣኒ ክኸዱ ተወሲኑሉ ዘሎ ምኽንያት ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ምዃኑ ብጋህዲ ከምዝገለጹሎም ‘ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Tesfa'yu sinqey November 15, 2013

    Assenna,
    xibuQ nay jeganu Eritrawyan sport ziena zeytemixuu kab haTew qeTew zkone ziena.

  • ahmed saleh November 15, 2013

    Those political asylum seekers sport men should respect and follow the rule of law . Otherwise , they are
    gambling with their future life to put their request for refugee statue legitimacy at jeopardy .
    Anyway , if they think they are smart enough to underestimate the law of their host country , I feel sorry
    for them to engage in this politically mixed-up case.

POST A COMMENT