Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ሜላታት ሰደት

ብዛዕባ ሜላታት ሰደት እቲ ኣግኣዚናን ሓላዪናን ዓቢዪ ሓው ኢሳያስ ኣፈጨርቂ በቶም ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕርን ዝጠፍኡ ዘሎዉ መንእሰያት ተስቈርቍሩ ‘ሜላታት ዕዉት ስደት’ ዝሰየሞ መጽሓፈ መምርሒ ጉዕዞ ስደት ደሪሱ ኣሎ። እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምዝርግሑ ከንብቦ ዕድል

ብዛዕባ ሜላታት ሰደት

እቲ ኣግኣዚናን ሓላዪናን ዓቢዪ ሓው ኢሳያስ ኣፈጨርቂ በቶም ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕርን ዝጠፍኡ ዘሎዉ መንእሰያት ተስቈርቍሩ ‘ሜላታት ዕዉት ስደት’ ዝሰየሞ መጽሓፈ መምርሒ ጉዕዞ ስደት ደሪሱ ኣሎ። እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምዝርግሑ ከንብቦ ዕድል ስለዝረኸብኩ ነቶም ክትስደዱ ትሓስቡን ኣብ ጉዕዞ ስደት እትርከቡን መንእሰያት ሃገረይ ጠቓሚ እዩ ኢሉ ዝሓሰብኩዎ ጠንቍረ አቕርበልኩም።

ሓውኹም

ዳንኤል ተስፋይ

31.08.2013

 ***

ሜላታት ዕዉት ጉዕዞ ሰደት

መጽሓፈ መምርሒ

ብኢሳያስ ኣፈጨርቂ

ኣግኣዚን ፕረሲደንትን ግዝኣተ ኤርትራ

መእተዊ

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ዝዓበያ ስደተኛታት ዘምርታ ሃገር እያ። ክሳብ 2000 ኣብ ወርሒ። ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ከኣ ነቲ ስደተኛ ብዙሕ ሽግራት የጓንፍዎ። ገንዘቡ ይዝረፍ። ይዕመጽ። ዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ ንቡር ኴይኑ እንተላይ ወዲ ተባዕታይ’ውን ይዕመጽ። እቲ ዝኸፍአ ግን እቲ ስደተኛ ገንዘቡ ከፊሉ ንባዕሉ ይሽየጥ። ይልወጥ። ዝዕድጎ ቤተ ሰብ ወይ ፈታዊ እንተሲኢኑ ከኣ ብህይወቱ ተጎዝዩ ውሽጣዊ ኣካላቱ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ይሽየጥ። ቀንዲ ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ንግዲ’ዚ ከኣ በደው ራሻይዳን ዶክቶራትን ሰበስልጣናት ጸጥታን ግብጽን ዶክቶራትን ሕሙማትን ኣይሁዳውያንን ኣሜሪካውያንን እዮም። እዚ ከኣ ዓሚቝ ኢድ ናይ ሲ.ኣይ.አይ. ከምዘሎዎ የረጋግጽ። ሓንቲ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ልቢ ዝተቐየረላ ኣሜሪካዊት በዓልቲ ኑ ዮርክ፡ ካብ ናርኮዘ ምስተበራበረት ፈለማ ቃላታ “ዓወት ንሓፋሽ!” ነበረ። እዚ ከኣ እቲ ኵሉ ሲ.ኣይ.አይ. ንሰውራን ህዝብን ኤርትራ ንምብትታን ዘካይዶ ኵሉ ፈተነታት ብጽንዓት ልቢ ኤርትራ ከምዝፈሽል የረጋግጽ።

ኣነ ኤርትራ ነጻ ክትኸውን፡ ማለት፡ ብገዛእ ደቃ ክትግዛእ ምሉእ ህይወተይ ዝተቓለስኩ ሓርበኛ እዬ። እቲ ዕዉት ስለ’ዚ  እቲ ዝበለጸ ወዳ ንኤርትራ ስለዝኾንኩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራ ንበይነይ ክገዝኣ ትብጻሕካ ኢሉኒ። እቲ ናተይ ወለዶን ዝሰዓቡ ወለዶታትን ጠሚና፡ ጸሚእና፡ ዓሪቕና፡ ብሓለዋ ሰውራ ተጨፍጪፍና ከይበለ ስኑ ነኺሱ፡ መዓጥቖኡ ሸጥ ኣቢሉ ዓቢዪ ጅግንነት ኣመስኪሩ። …. [ኣብ’ዚ ንጎዕዞ ዘይሕግዝ ብዙሕ ነፍሰ ውደሳዊ ሃተፍተፍ ይቕጽል።]

… ሓዊ’ስ ሓዅምሽቲ ይወልድ ከምዝበሃል ከኣ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ክብረት ስደት፡ ካብ ነጻነት ባርነትን ካብ ምስ ህዝቡ መዓት ንበይኑ ገዓት መሪጹ ይስደድ ኣሎ። ናይ’ዚ ስደታዊ ቡሕቡሕ ደፋኢት ከኣ ዓማ እያ። ዓማ ከምዝኾነ ዝተሳዕረ ተሳዒራ ትም ኣይበለትን። ዝኾነ እንስሳ ብተወዳዳሪኡ ምስተሳዕረ ስዕረቱ ተቐቢሉ ነታ ሰበይቲ ነቲ ሰዓሪ ሓዲጉ ይኸይድ። ዓማ ግን ተሰዲዳ ተማሂራ፡ ቸመንቶ ወልዊላ፡ ኣኽላባት ኣዛዊራ ገንዘብ ጌራ ንርእሳ ጽቡቕ ነቢራ ክሳብ ነዝማዳ ገንዘብ ክትልእኽ ጀመረት። ሔዚ፡ እቶም ዝጠዓሞም ኤርትርትራውያን ደቂ ውሽጢ ሃገር ኣዝማድ ዓማ እዮም። ዓማ ዝኾነ ፖለቲካዊ ራእይን ሜላ ቃልስን ሓድነትን ዘይብላ ዝጠፈሸት ነገር እያ። እቲ ዝኾነቶ ብልጭልጭ ግን ንብዙሓት ለዋሃት ዜጋታት ኣታሊሉን ንኽስደዱ ድማ የስድዕን ኣሎ። ዝኾነ ዘብለጭልጭ ወርቂ ኣይኮነን ኢልና ላሕ ኢልና ዝሰምዓና ግን ውሑድ እዩ። ምዉቕ ቤትካን፡ ትፈትዎም ስድራቤትካን፡ ፍቕርቲ ሃገርካን ራሕሪሕካ ደሓር ኣብ ከርፋሕ ጎቦታት ሲና “እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ!” ኢልካ ምውቃር ፋይዳ የብሉን። ንሕና ንመክር። ምኽርና ንዘይሰምዐ ከኣ ሲና ባዕላ ትመኽሮ። እንተኾነ ምስላ መሲልና ጥራሕ ስቕ ኣይንብልን። ዝተቓለስናሉን ዝደመናሉን ህዝብና ስለዝኾነ ከኣ፡ ግድን ክስደድ’የ ካብ በለ፡ ነቲ ጉዕዞ ስደት ብዝበለጸ ከመይ የካይዶ ሓሳባትና ከነካፍሎ ንደሊ።

  1. እቲ ዝደሓነ ጉዕዞ ስደት ክትስደድ ዘይምፍታን እዩ። ኣብ’ታ ፍትውቲ ሃገርኩም ከብዲ ምላሽ፡  ንፍርቂ ከብዲ ምላሽ ስራሕ መሊኡ ተሪፉ ይርከብ። ኣቦታትኩም ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት ኢሎም ከም ዝምስሉ ረሲዕኩም። መዓልታዊት ሓንቲ ምሳሕ እንተበኾረትኩም ብዓጸቦ ኣይክትሞቱን ኢኹም። እቲ መዓንጣኡ ሸጥ ህዝቢ ኤርትራ ቍርሲ ጥራሕ በሊዑ ክነብር ከም ዝኽእል ሰውራ ኣረጋጊጹ እዩ። ንሕና ሓመድ በሊዕና ኢና ነጻ ኣውጺእናኩም። ሔዚ ቈጢብኩም እንተበላዕኩም እቶም ዝተቈጠቡ መኣድታት ንመጻኢ ወለዶታት ንምምጋብ ክጠቕሙ እዮም። ኵነታትኩም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዑ። 
  2. ግድን ክንስደድ ኢና እንተበልኩም ከኣ ናባና ምጹ። $75,000 እንተኸፊልኩም(ብዋጋ ዕዳጋ ንኣምን ኢና)  ዕላዊ ፓስፖርት ኤርትራን ቪዛን ሂብና ናብ ዝደለኹሞ ዓዲ ብዘይካ ዝኾነ ኣዳልሕ ምስ ምሉእ ኣካላትኩም ከነብጽሓኩም ንኽእል ኢና። ከም’ዚ ገቢርና ከኣ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ንቐትል። ነቲ ገንዘብ ንሃገራዊ ልዕላውነትን ድሕንነትን ናይታ ጠንጢኩማ ትኸዱ ዘለኹም ፍትውቲ ዓድኹም ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብኡ ንብኡ ከኣ ነቶም ከም በዓል ማንጆስ ተኽላይ ዝኣመሰሉ ማእከሎት ኣቃጠርቲ ከነልግሶም ንኽእል። ንቤተሰብ ኣባላት ህግደፍ ብፍርቂ ዋጋ ክንሰድድ ንኽእል። ሽሕ’ኳ ገንዘብ ንስረትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተኾነ ክሳብ’ቲ ኣገዳስነቱ’ውን ስሱዓት ኣይኮናን። ንኣብነት ንቤተ ሰብ መስፍን ሓጎስ ብነጻ ከም ዝስደዱ ገቢርና ኢና።
  3. ኣቱም $75,000 ክትከፍሉ ዘይትኽእሉ ከኣ፡ ቁጠባዊ ኵነታትኩም ኣጽኒዕና ክሳብ $50,000 ክንወርድ ንኽእል። ካብ’ዚ ዝወሓደ ክንቅበል ግን መንግስታዊ ክብረትና ኣየፍቅደልናን። ስለ’ዚ ብእግሪ ዕድልኩም ፈትኑ።

መጠንቀቕታ  ኣብ’ዚ ንግዳዊ ለውጢ’ዚ ባጤራ ናቕፋ ቅቡል ኣይኮነን። ባጤራ ናቕፋ ንመለዋወጢ ጨውን በርበረን ጥራሕ እዩ ተወጢኑ።

  1. ፍሉይ ምዕዶታት ንኣጋር ስደተኛታት

እቲ መገዲ ስደት ብየማነ ጸጋሙ ዕምባባታት ዝተተኽሎን ሰቲ ዝተነጽፎም ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ስድሪ ጉዕዞኹም ብንህይወትኩም ክምንጥል ዝተቀረበ ሓደጋ ዝጸቕበበ እዩ። ቅድሚ ናብ’ዚ ጉዕዞ’ዚ ምብጋስ ብርቱዕ ኣካላዊ ምቅርራብ ክትገብሩ ኣለኹም። ልክዕ ከም ማራቶናዊ ጎያዪ ነዊሕ ኪሎ ሜትራት ብእግሪ ክትጎዓዙ ክትለማመዱ ኣለኩም። ብመዓልቲ ደቂስኩም ለይቲ ንቑሓት ክትኮኑ ክትመሃሩ ኣለኩም። ንመዓልቲ ናብ ለይቲ ናይ ምቕያር ሃብታም ተሞኵሮ ስለዘሎኒ ምኽረይ ስምዑ።

[ኣብ’ዚ ብኢድ ዝተሳእሉ ክልተ ካርታታት ሰሜናዊ ምብራቅ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፣ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ማእከላይ ባሕርን ተሓንጢጦም ይርከቡ። ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ብቐይሕ ሕብሪ ተቐቢኡ እዩ።]

ጉዕዞ መኪና

እቲ ዝነውሐ መገዲ ካብ ሱዳን ንሊብያ ኣብ ኣብ ክልተ ደርብታት ኣብ ዝተኸፍለ መጽዓኒ ዓባይ መኪና ጽዕነት እዩ ዝሰላሰል። ንስኻትኩም ኣብ’ቲ ታሕተዋይ ደርቢ ከም ሳርዲን ክትዕሸጉ ኢኹም። ኣብ ልዕሌኹም ከኣ ንቡር ጽዕነት ክጸዓን እዩ። ክሳብ ናብ ሸቶኹም ትበጽሑ ከኣ ንብዙሕ ሰዓታት ካብ’ቲ በዓቲ ኣይክትወጹን ኢኹም። እቶም ኣብ ኮንተይነራትና ንገለ ጊዜ ዝተኣስሩ ብጾት ዝበለጸ ዕድል ስረት ክህልዎም እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ስለዝኣሰርናዮም ከመስግኑና እዮም። ስለ’ዚ ብኣጋኡ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ጸቢብ ርሱን ቦታ ተኾርሚኹም ናይ ምቕማጥን፡ (ኣብ ሞቝሎ ግን ኣይትቐመጡ ምቐመጫኹም መሊጡ ናብ ኣህባይ ከይልውጠኩም!) ሽንትን ደገን ንነዊሕ ጊዜ ናይ ምዕቋር ሜላን ተለማመዱ። ዮጋ ንሽንትን ደገን ምቍጽጻር (Yoga: How to control your urine and waste matter flow: by Swami Shankara) ዝተባህለ መጽሓፍ ኣንብቡ። ንዓይ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ሓደ ሽግር ኣሎኒ። ብዘይ ሓላው ነፍሰይ ናብ ዝኾነ ቦታ ክኸይድ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክቕመጥ ኣይክእልን ንጽላሎተይ’ውን እፈርሕ። ኣብ ሰገራ’ውን ከምኡ። ኣብ ቅድሚ ዋርድያይ ከኣ ደገ ኣይመጸንን። ሔዚ፡ ሳላ’ቲ መጽሓፍ ንሰሙናት ደገ ከይወጻእኩ ክነብር ክኢለ ኣሎኹ። እዚ ክእለት እዚ ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ እግርን መኪናን ኣዝዩ ክጠቕመኩም እዩ። እቶም ነቲ መጽሓፍ ከተንብቡ ዕድል ዘይረኸብኩም ጥርሙስ ፕላስቲክ ወይ ከኣ ብዝበለጸ ባላንችናታት ተማሊእኩም ኣብ መትለኹም ስዅዕዎ። ንደረቕ ደገ’ኳ ዘይሕግዝ እንተኾነ ብዙሕ ሽንቲ ከዕቁር ይኽእል እዩ። ባላንቺና ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ’ውን ህይወታዊ ኣገድሲ ዝኾነ ጥቕሚ ኣሎዎ ድሒረ ክገልጸልኩም እዬ።  ባላንቺና ንደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ ዘይክእልን ምዃኑ እሓዘን። ደቂ ኣንስትዮ ግድን  ናይ ዓበይቲ ፓምፐርስ ክማልኣ ኣሎወን። ፓምፐርስ ደገኦም ክቈጻጸሩ ንዘይክእሉ ደቂ ተባዕዮ’ውን ሓጋዚ እዩ።

ሽግራት ጉዕዞ መኪና ሃሪሩን ምጭባጥን ምቕብቃብ ፍሕኛን ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ሓሪ ጸሓይን ጽቕጥቅጥን  በዓቲ ጽዕነት መኣዛ ዘሎዎ ዝስትንፈስ ኣየር’ውን ቀልጢፉ ይውዳእ። ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ዝዓውሉን ዝሞቱን ኣይሰኣኑን ። ስለ’ዚ ብገለ ነዃል ካብ ደገ ኣየር ክትመጡ ክትክእሉ መታን ነፍሲ ወከፍኩም ክሳብ 10 ሜትሮ ዝንውሓቱ ቀጢን ቱቦ ጎማ  ክማላእ ይግብኦ።

ምክልኻል ነፍሲ

እቲ ጉዕዞ ንህይወት ሓደገኛ እዩ። ነቲ ሓቂ ካብ’ዚ ንላዕሊ ከጋንኖ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ብዘይካ መሳርያ መከላኸል ነፍሲ ነቲ ጉዕዞ ክትፍትንዎ ኣይትጽዓሩ። መራሕትኹም ሰብ ሴፍን ብረትን ምዃኖም ኣይትረስዑ።  እታ ዝበለጸት መሳርሒ ከኣ፡ ብርእቶይ፡ ሰንጢ ወትሃደራት ስቪጸራ እያ። ብዙሕ ጠቓሚ ክፋላት ከም ካራ፡ መቀስ፡ መጋዝ (ንመቝረጺ መቍሕ)፡ መኽፈት ጠራሙዝን እስቃጥላታት መግብን ኣሎዋ። ካብ ኵሉ ድማ ብምንኣሳ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ኣብ መቐመጫኹም’ውን ከይተረፈ፡ ክትሓብኡዋ ትኽእሉ። ህይወተይ ሓደገኛ ስለዝኾነ ኣነ’ውን ሓንቲ ኣላትኒ። ኣበይ ከምዝሓብኣ ግን ኣይነግረኩምን’ዬ።

[ኣብ‘ዚ ሓንቲ ብኢድ ዝተሳእለት ሰንጢ ኣላ]

ንጉዕዞ ባሕሪ ዘድልዩ ኣቕሓታት

ካብ ኵሎም ጎዕዞታት እቲ ዝኸፍአ ጉዕዞ ባሕሪ እዩ። ባሕሪ ይሓቍን ዝበላዕካዮ ዘበለ ከኣ ኣብ ከብዲ ኣይቀውምን። ናይ’ዚ ፍታሕ ቀሊል እዩ። ኣብ ጎዕዞ ባሕሪ ኣይትብልዑ። እዚ ከኣ ንኤርትራውያን ብርቱዕ ኣይኮነን ሳላይ ከይበላዕኩም ንነዊሕ መዓልታት ክትጸንሑ ተሞኪርኩም ኢኹም። እተን ዘጓዕዛኹም ሞቶር ዘለወን ጥስትታት ነቲ ጉዕዞ ባሕሪ ዘይበቕዓ ኣብ ርእሲ ምዃነን ልዕሊ ዓቕመን ይጸዓና። ስለ’ዚ ናብ ሸቶአን ክበጽሓ ዘሎ ዕድል ውሑድ እዩ። ነቲ ውሑድ ዕድል ተጠቒምኩም ክትሰሩ ክትክእሉ ነዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ተጠቐሙ።

  1. እንተድኣ እታ መርከብ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከምዝተጻዕነት ኣስተውዒልኩም፡ ብዙሕ ከይተጎዓዝኩም ነቶም ድኹማት ተሳፈርቲ፡ ማለት፡ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑትን ሕሙማትን ናብ ባሕሪ ደርብዪዎም። ኣብ’ቲ ጸምጸም ፈሳሲ ገሃነም ‘ዝሓየለ ጥራሕ እዩ  ዝሰርር።
  2. እታ መርከብ ማዕበል ኣላጊዑዋ፡ ወይ ከኣ ምስ ገለ ኣኻውሕ ተላጊዓ ክትጥሕል እንተበለት’ከ እንታይ ትገብሩ? እንተዘይጠሓለት’ውን፡ ዘይሕጋዊት ስለዝኾነት ክሳብ መሬት ወይ ወደብ ኣይከተብጽሓኩምን እያ። እሞ ገለ ሓደ ኪሎ ሜተር፡ ብዝወሓደ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ክትሕንብሱ ኣሎኩም። እንተኾነ መብዛሕትና ኤርትራውያን ፍቕሪ ማይ ስለዘይብልና ሓንቢስና ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኣምላኽ ንዘይጥቀምሉ ስለምንታይ እህቦም ኢሉ ዝናም ለኵቱና ዘሎ። ኣነ’ውን ጎይታ ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ክንሰይ ሓንቢሰ ኣይክእልን ንዓይ እቲ ባሕሪ ኑክሌርያዊ ጎሓፍ ካልኦት ሃገራት ዝድርብየሉ ጉድጓድ ጥራሕ እዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዬ፡ ንጥዕናኹም ሓልዬ፡ ካብ’ቲ ባሕሪ ዓሳታት ገፊፍኩም ከይትዕንገሉ ዝኸልከልኩኹም። ሔዚ ግን፡ ይሕሸና ኢልኩም፡ ናብ መርከብ ዝተሰንዐ ጥስቲ ተሰቒልኩም ክትኩብሉሉ ወሲንኩም። እቲ ባሕሪ ከኣ ኣፉ ገፊሕ ኣርሕዪ ክውሕጠኩም ተቐሪቡ እንሀ። እንታይ ትገብሩ?

2.1    ቅድሚ ናብ መርከብ ምስቃልኩም ሓደ ካላማዳርያ ቢሽግለታ ሓዙ። ነቲ ካላማዳርያ ነፊሕኩም ኣብ ኣፍልብኹም ትሕቲ ትሽቲሽኩም ዕጠቁዎ’ሞ ባዕሉ ኣንሳፊፉ ናብ መሬት ከብጽሓኩም እዩ። ናይ ማውንቴን ባይክ ካላማዳርያ እቲ ዝበለጸ እዩ።

2.2   ወሸለ ካላማዳርያ እንተዘይሓዝኩም ከኣ ነቲ ዝሸንኩሙሉ ባላንቺናታት ነፊሕኩም ተጠቐሙ። ፈለማ ግን ነቲ ሽንቲ ኩዓዉዎ።

2.3   ወሸለ ባላንቺና እንተዘይሓዝኩም ከኣ በታ ሰንጢ ስቪጸራ ከብዲ ሓደ መሳፍርትኹም ቀዲድኩም ፍሕኛኡ በንቍስኩም ከም ባላንቺና ተጠቐምሉ። ፍሕኛ ኣየናይ ጾታ ኣየገድስን እዩ። ናይ ደቀንስትዮ ከምዝገዝፍ ግን ሰሚዐ ኣሎኹ። ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ባህርያዊ ሕጊ ‘ዝሓየለ ይሰርር’ ኣብ ዝኾነ ቦታን ተግባርን ፈጺምኩም ኣይትረስዕዎ። ካብ ንስኻትኩም ትሞቱ መሳፍርትኹም እንተሞቱ ይሕሸኩም። እዚ ንዓይ ክሳብ ሔዚ ዘስረረኒ ዝተፈተነ ሜላ እዩ።

2.4  እቲ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ማይ ጥራሕ ኣይኮነን ብህይወትኩም ንምሉእ ኣካልኩም ክውሕጡ ኣፎም ክሳብ ሰማይ ከፊቶም ዝጽበይኹም ኣራዊት ባሕሪ ኣሎዉ። ንኣካልኩም ነቶም  ኣራዊት ናብ ዘይምቅር ስጋ ክትልውጥዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝሓሰረ ንምሉእ ኣካልኩም ብዘይቲ ሞቶረ ወይ ከኣ ብቕጥራን ምልቕላቕ እዩ። ቅጥራን ነዳዲ ኣብ ባሕሪ እንዳተኻዕወ ንእንስሳታት ባሕሪ ኮስቲሩዎም ስለዝኾነ ካብ’ዚ ፈሳሲ መርዚ’ዚ ክርሕቁ ተማሂሮም እዮም። እቶም ድሓን ገንዘብ ከተውጽኡ ትኽእሉ ግን ነቲ ንፈለማ ጊዜ ኣብ’ታ ትፈትዉዋ ኤርትራ ዝተሰንዐ፡ ንክብሪ መርዓተይ ‘ሳባ ሳቢና’ ተባሂሉ ዝተሰየመ ሽቶ ዓዲግኩም ዓዲግኩም ምሉእ ኣካልኩም ቅብኡ። ነዚ ሸቶ’ዚ ዝተለኽየ ኣሽንኳይዶ ኣራዊት ባሕርስ ኣነ’ኳ ክቐርቦ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ከኣ’የ፡ ከም’ቲ ኵሎም ፕረሲደንትታት ዓለም ዝገብርዎ፡ ንመርዓተይ ሳባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ምሳይ ዘየውጽኣ። ነቲ ሽቶ እያ ትልከ።

መስተውዓሊ   

‘ሳባ ሳቢና’ ብዶላር ጥራሕ እዩ ዝሽየጥ። እትዋቱ ከኣ ንምክልኻል ልዑላውነትን ውሽጣዊ ጸጥታን ኤርትራ እዩ ክውዕል። መታን ወያኔ ከይሰርቁና ከኣ ብስመይ፡ ወይ ብስም መርዓተይ ወይ ብስም ወደይ ኣብ ባንክታት ርሑቕ ቺና እዩ ዝቕመጥ።

2.5   ሜላታት መሬት

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኣብ’ታ ፈለማ ዝዓለባን ኣሰር ኣጻብዕቱ ዝተወስደላን ሃገር እዩ ዝቕመጥ። ነቲ ዝዘርዘርኩዎ ሜላታት ተጠቒምኩም ከም ዘጓንፈኩም ንፋስ (ንፋስ ፋሉል ክሳብ ሔዚ ንንፋስ ክንውድቦ ኣይከኣልናን) ኣብ መሬት ማልታ፡ ግሪኽ ወይ ከኣ ዓዲ ጥልያን ክትበጽሑ ኢኹም። እዘን ዝተጠቕሳ ፈለማ ትረግጹወን ሃገራት ከኣ ካባና ዘይሕሻ ድኻታት እዬን ኣሽንኳ ንስደተኛ’ስ ንህዝበን እውን ዘብልዕኦ  የብለንን።  ናብተን ብልጹጋት ሃገራት ክትኩብልሉ መታን ክትክእሉ መሬት ምስ ረገጽኹም ብዝቐልጠፈ ኣሰር ኣጻብዕትኹም ብሓዊ ኣቃጺልኩም ኣጥፍእዎ። ኣጻብዕትኹም ከይረክስ ከኣ ኣብ ቮድካ እለኹዎ። መወልዒ ሽጋራ ካብ ነፍስኹም ፈጺምኩም ኣይትፍለዩ። ኣዝዩ ዘሕምም ተግባር እዩ። ግን ከኣ ግዙፍ ስቅያት ክትጾሩ ክትክእሉ ኣለማሚደኩም እዬ። እቶም ምስ ስቅያት ከፋልጠኩም ጽቡቕ ዕድል ዘየጓነፈኩም ግን ብማፍያ ዝሽየጥ ሕሱር ኣእዳው ጸለምቲ ዓዲግኩም ብእኡ ፈርሙ።

  1. ፍሉይ ምኽርታት ነቶም ብሲና ኣቢልኩም ናብ እስራኤል ክትኣትዉ ትደልዩ

እቲ ዝብኢ ኣብ  ዝተኣስሮ ጉድጓድ ሲና ዝወደቐ ምስ ህይወቱ ካብ’ቲ ጉድጓድ ክወጽእ እንታይ ሜላታት ክጥቀም ይኽእል? ሓንቲ’ኳ። ኣዝዩ ውሑድ። ምናልባት’ዶ ‘ሳባ ሳቢና’ ቁሩብ ምሓገዘ ኢለ ግን እሓስብ። ብመሰረቱ ግን ኣምላኽ ባዕሉ መዋጽኦ ይሃቦ በሃሊ እዬ። ኣሜሪካውያን ንስም ያህዌ ናብ ዶላር ከምዝቐየሩ ትፈልጡ እንዲኹም። እምበር እታ ሓንቲ መዋጽኦ ዶላር እያ። ብዙሕ ዶላራት።  እቲ ብቐደሙ ንዓና እንተትኸፍልዎ ኣብ ነፋሪት ኣራጢጥኩም ናብ’ቲ ዝደለኹሞ ሃገር ዝመብጽሓኩም ዶላራት። ኣምላኸይ ዶላር ካብ’ዚ ጸበባ’ዚ ኣውጽኣኒ ኢልኩም ጸልዩ።  እቲ ከኣለኵሉ ዶላር ጸሎትኩም እንተዘይሰሚዑ  ግን ተሓሪድኩም፡ ስጋኹም ተጎዛዝዩ ክሽየጥ እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ ጽሩይን ወሓለን ሆስፒታላትና ሓንቲ ኵሊት ንዓና- ማለት ንሃገርኩም፡ ምብርካት ምሉእ ኣካልኩምን ህይወትኩምን ንበደው ራሻይዳ ምብርካት ጭው ዝበለ ኤርትራዊ ዕሽነት እዩ። አረ መዓስ ኢኹም ክትልብሙ!

ክሳብ’ቲ ገንዘበ ጅሆ ዝኽፈል ወይ ከኣ ኣካላትኩም ዝሽየጥ ከኣ ብርቱዕ ስቕያት ክወርደኩም እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ኣነ ዘለማመድኩኹም ስቕያት ነቲ ኣብ ሲና ዝወርደኩም ስቅያት ከዝህመልኩም ዳርጋ ኣይክእልን እዩ። ሓንቲ ንእሽቶም ምኽሪ ግን ኣላትኒ። ኣብ ሳንጣኹም ሓንቲ መጥፍኢ ሽጋራ ሒዝኩም ዝንሑሞ ነቶም በደው ከም ገጸ በረከት ኣቕርቡሎም። እዚ እንተዘይገበርኩም ግን ንዝባንውንትኹም ከም መጥፍእ ሽጋራ ክጥቀሙሉ እዮም።

  1. ስረት ኣብ እስራኤል

ኣብ’ታ ብመፈለምታኡ ንቕጽትን ብውግኣት ዝላደየትን እስራኤል ከም ስደተኛ ክትሰርር ምኽኣል ብርቱዕ ጽዕሪ ይሓትት። ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ክትሰሩ ክትክእሉ ከኣ ንታሪኽን ባህልን ስነኣእምሮኣዊ ቅርጻን ኣይሁድ ግርም ክትግንዘቡ ይግባእ።

ኣይሁድ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጨፍጨፎምን ዘጽነቶምን ናዚነት ዘይሓምቁ ናዚ እዮም። ሰብ በቲ ብሂትለር ዝወረዶም መቕዘፍቲ እንዳደንገጸሎም፡ ንሳቶም፡ ሔዚ፡ ነቲ ኵሉ ኣብ ርእሲኦም ዝወረደ ግፍዕን ኣገባብ ኣወዓዕልኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤምን ናይ ከባቢኦም ኣዕራብን የውዕልዎ ኣሎዉ። ሂትለር ኣፍርዩ።

ኣይሁድ ሕሩያት ያህዌ ኢና ኢሎም ስለዝኣምኑ እቶም ዝኸፍኡ ዓልየታውያን እዮም። ነቲ ምሉእ ብያህዌ ዘይተሓርየ ህዝቢ ዓለም ከኣ ይንዕቁ። ንሳቶም ብዘይካ ንገንዘብ ንዘይንዕቑዎ የብሎምን። ብስጋን ነፍስን እቶም ዝነጻህና ህዝቢ ኢና ስለዝብሉ እቲ ዝተረፈ ዓለም ክርሕቁዎ ዘሎዎም ርስሓት ጥራሕ እዩ። ገንዘብ ንዘሎዎ ግን ንዅሉ ሕግታቶም ጥሒሶም ይቐርብዎ እዮም። ገንዘብ የንጽህ እዩ ያኢ!

ባህልን እምነትን ስነኣእምሮን ናይ’ቶም መቀናቕንቶም ዓረብ እውን ካብ’ቲ ናይ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ኣይፍለን። ክልተ ሕሩያትን ንጹሃትን ደቂ ኣብራሃም ሕድሕዶም እንተተፋለሱ ከኣ ንዓይ ነቲ ረሳእ ኢሳያስ ኣይግድሰንን። ንዓይ ዘገድሰኒ ኣብ ዝኾነ ሃገር ስደትኩም ሰሪርኩም፡ ዝሰራሕኩም ሰሪሕኩም ዋላ’ውን መዓኰር ሓጺብኩም ናብ’ታ ፍቕርቲ ሃገርኩም ዶላራት ምልኣኽ ጥራሕ እዩ። ምክልኻል ልዑላውነትን ድሕንነትን ሃገር ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ኣብ ዝኸድኩም ኬድኩም ኣይትረስዑ።                

ኣብ እስራኤል፡ ብመበቈልኩምን ሕብሪ ቈርበትኩምን ብዙሕ ክትፍንፈኑን ክትነዓቑን ኢኹም። ንሕስረትን ውርደትን ክትለማመዱ ብዙሕ ጽዒተ’ዬ። እንተኾነ ካብ ገለ ዓይነት ሕስረትን ውርደትን ዝኾነ ልምምድ ከድሕን ኣይክእልን። ቈርበት ሓርማዝ ኣስፊኹም ተኸደኑ ቁሩብ እንተሓገዘ።

ኣይሁዳውያን ብኣይሁዳውነቶምን ኣዝዮም ቀናኣት እዮም። ብፍላይ ድማ ብያህዌኦም። ኣስማቶም እንተተለቃሕና፡ ኣብ ኣምላኾም እንተኣመን’ና ምናልባት ይሕጎሱልናን ይጾሩናን ይኾኑ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ነዚ ከም ምቅጻጽ ስለዝወስድዎ ውጺቱ እቲ ኣንጻሩ እዩ። ነቲ ንህይወቶም ዘናውሕን ዘመቅልልን ውሽጣዊ ኣካላትኩም እኳ ማይ ጸሎት ነጺጎም እዮም ዝቕበልዎ። ክሳብ እውን እቲ ዝተሰኳዓሎም ዘይንጹህ ክፍለ ኣካል ንምሉእ ንጹሕ ኣካሎምን መንፈሶምን በሊኹ ካብ’ቶም 144.000 ንገነት ዝኣትዉ ሕሩያት ኣይሁዳውያን ከይኮኑ ዝዕንቅፍ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ፍልስፍናዊ ሕቶ የልዕሉ እዮም። ስለ’ዚ ኣብ እስራኤል ብሰላም ክትነብሩ ክትክእሉ ካብኣቶም ኣዚኹም ዝተፈለኹም ምዃንኩም ኣርእይዎም። ንምዃኑ ደቂ’ቶም ቀንዲ መስረትቲ እስራኤል እኳ ነቲ ዓዲ ጠንጢኖም ናብ ምዕራብ እንዳተሰዱ (ንኣብነት ደቂ ጎልዳ ማይር፡ ደቂ ኢሳቕ ሻሚር፡ ደቂ ሞሸ ዳያን… ) ንስኻትኩም ስለምንታይ ኣብ እስራኤል ክትነብሩ ከምእትመርጹ ንዓይ ኣይርድኣንን። እቲ ውግእ፡ እቲ ቅትለትን ማእሰርትን፡ እቲ ደረቕ መሬት፡ እቲ ምረት ጸሓይን ጽምኣትን፡  እቲ ውርደትን መከራን ኣብ’ታ ትፈትዉዋ ሃገርኩም መሊኡ ተሪፉ ክነሱ ስለምንታይ ካብ እስራኤል ተንቀላውጥዎ? ኣነ እሙን ዝብኢ ዓድኹም እንዳሃለኹ፡ ስለምንታይ ዝብኢ ሲና ይበልዓኩም? ሕሰብሉ ድኣ ዓቀይቶተይ። እዚ ወድሓንኩም። ናብ’ታ ፍትውቲ ኤርትራኹም ዶላራት ዘስድድ ጉዕዞ ይግበረልኩም። እቲ ሓደ መረጋገጺ ነጻነትኩምን ሃገራዊ ልዑላውነትኩም ዶላር ምዃኑ ደጊመ ደጋጊመ አስተውዕለኩም።

ኣያኹም፣

ኢሳያስ  ኣፈጨርቂ

ዓወት ንሓፋሽ ውድቀት ንወያኔ ፈሽፋሽ!

ኤርትራ ብልዑላውነተይ ንዘልኣለም ትንበር!

ኣነ ንዘልኣለም እንበር!

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Habrom Gomida September 3, 2013

    I classify this note as Sick mans Halowlow. Nothing more nothing less.

    Luring your brothers and sisters to predicament and suffering and death? This is is inhumane and UnEritrean. One time you be hold accountable.

    • Romay September 6, 2013

      What a waste of time. As they said ” an idle mind id a devil’s work shop” This guy ( Danny Boy) is a living example.

  • Be honest September 3, 2013

    Daniel tesfay shame on you. you are playing with life of your brothers and sisters. leave Iseyas you can have a lot facts about him why you chose these ideas brother I HOPE YOU HAVE RELATIVES WHO ARE CROSSING THE SEA, SINAI AND OTHERS AND YOU WILL FEEL THE PAINS

  • Suleiman Salim September 3, 2013

    Daniel,

    tegagiKa:: ane kemzi ayteSebeKuKan:: beHwatka ayHCheChn ‘yu:: b’issayas amsilka ‘ti kulu ab nebsKa zelo kf’at gbri awSi’kayo:: rebi ymHarka!!

  • Kalighe September 3, 2013

    ዳንኤል ተስፋይ is not encouraging our young to go out of their country to seek refuge or to get a job and send back money. His message is rather not to do so, but said in a way not so easy to understand.

  • H.K September 4, 2013

    Dear Daniel,

    Thanks for your excellent satire.
    Unfortunately it is too sablime for a common Eritrean to understand it.

    Good job and please keep it up.

    H.K.

    • samuel September 4, 2013

      ሓው ዳንኤል!
      ፍሽኽ ዘብል፡ ዘተሓሳስብ ሕጫጨ እዩ። ነዚ ኸም’ዚ ዓይነት ባጫ ዘይፈልጡ፡ ዘይርድኡዎ እውን፡ ኣዚዮም ብዙሓት እዮም። ካብ’ዚ ዝገድድ እውን ክበሃል ምተኻእለ። ዝኾነ ኮይኑ እንቋዕ ንስኻ ጀመርካዮ። እንስዕበካ ውሑዳት ኣይኮናን። ብዙሕ ክለዓል ዝኽእል ኣርእስትታት ኣሎ። ክንዲ ማይ ቀይሕ-ባሕሪ ጀሊፍካ ዘይውዳእ።
      ከይተቋርጾ’ዚ ሓወይ! እቶም ብነብሶም ክስሕቁ (እንዳ ተቐንዘኻ እንከሎኻ ምስሓቕ ዘይምኽኣል) ዘይኽእሉ ሕማም ልቦና ዘለዎም፡ ልቦም እተሰብሩ ጥራሕ እዮም።
      ሰላም

  • Zeray September 4, 2013

    I like satirical writing but this one is tasteless.

    • Suleiman Salim September 4, 2013

      Zeray,

      It is tasteless and cowardly. Daniel doesn’t seem to have the courage to state his views directly. He said a lot of bad things about the Jews and put them in the mouth of someone else. One can not get more cowardly than that.

  • NEW HOPE ERITREA September 4, 2013

    Brother Daniel ,

    Excellent satire ,but you wasted it on idiots & too literal people.
    The only brilliant people to understand are ..Samuel &HK.
    Pain can be explained in different manners ,you are not only Brilliant but also corageous ,YOU REMIND ME OF ME:…..unfortunately ,To a donkey ,honey is tasteless say Amharas..most idiots will not understand it.
    Nevertheless ,keep up the brilliant manner. !!!

    • Suleiman Salim September 4, 2013

      New Hope

      “To a donkey ,honey is tasteless”

      How do you know that is the case? Are you a donkey?

      • NEW HOPE ERITREA September 5, 2013

        Brother Suleiman,

        The Amharas said it ,who better to know about donkeys more than Amharas…Thet were ruling donkeys for long..until 1991..to be exact.
        I kid us …Amhara Mish Aidug Iyom ???

  • meskinerre September 5, 2013

    Hi Daniel,

    I have never read any of your pieces. Just like a mother says to her young child…”ok….go jump and break your legs!” when her heart is so full of love, you have presented the sad truth with humor. …But..many people will think you are silly or even stupid…That is because ..meskin Eritrana: bsenki Higdef Hatela: you look left…r’esi baliqa ..you look right..r’esi tanika iya melia.

  • ahmed saleh September 5, 2013

    Hawna Daniel
    Many readers will benefit from your articles to have a broad knowledge into our national affairs . Keep it
    up brother to continue your constructive example to write and speak freely for the sake of those voiceless
    political victims .

  • abdu September 5, 2013

    even though the article got 90percent relevant information what exactly happening in the desert; and also you can’t be always serious;some times you need to have some sense of humor too; while you are sending useful educational information for Eritreans who are leaving the country such as yours.That will make you defently think twice before you leave; for the people who wants to buy the stroy and used it that’s what i mean.
    thank you !

POST A COMMENT