Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይ ባጀት ትመሓደር ሃገር! ክትሰምዖ’ኳ ዘባህርር ነገር!

ምብህራር ጥራይ ድዩኸ! እንታይ ዶ ተሪፉዋ’ዩ እዛ ሃገር! ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ እንዲያ ተቐይራ ዘላ! ኣብ ዝሓለፍካዮ እንዳ ግፍዒ እንድዩ ዝጸንሓካ! ኣብ ወጻኢ ዘሎስ ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ሰሚዑ’ዩ ዝብህርር ዘሎ። እቲ ኣብ

ምብህራር ጥራይ ድዩኸ! እንታይ ዶ ተሪፉዋ’ዩ እዛ ሃገር! ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ እንዲያ ተቐይራ ዘላ! ኣብ ዝሓለፍካዮ እንዳ ግፍዒ እንድዩ ዝጸንሓካ! ኣብ ወጻኢ ዘሎስ ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ሰሚዑ’ዩ ዝብህርር ዘሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ግን ሃብቲ ሃገር ክዝመት ስለ ዝርኢ ዝገብሮ ጠፊኡዎም እምበር መዓንጥኡ ይሓርር’ዩ ዘሎ። ዝገደድ ከኣ ንኡኡ ከገልግሉ ከም ዝተፈጥሩ ዝሓስቦም መሳኪን ብጥሙይ ከብዶም  ከም እኽሊ ኣብ ዓውዲ ተሰጢሖም ይዝበጡ’ዮም ዘለዉ። ዝዘምቶ ሃብቲ ሃገር ካብ ዓውዲ ሓፊሶም ከቐብልዎ ሂወቶም ይስእኑ’ዮም ዘለዉ! ብዙሓት ከኣ ትሕቲ ምድሪ ሰፊሮም፡ ‘ኣታ ከማኹም ኤርትራውያን እንዲና! ስለምንታይ ትቕጥቁና! ተጥፍኡና!’ እናበሉ’ዮም ዝጠፍኡ ዘለዉ። እዚ ኢዩ ድቃስ ከሊኡና ዘሎ ትብሉ ከም ዘለኹም ኣይጠፍኣንን ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን። ኢሳያስ ዝኸምኡ ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ዘጥፍኡ ጸይቀ-ዕሉላት ካበይን ብኸመይን ኣኻኺቡ መሪጹ ከም ዘሰልጥኖምን ዘዋፍሮምን ከኣ ከማይ ብልሓቱ ጠፊኡኩም ይኸውን። ከምዛ ብዘይርአ ገመድ ኣሲሩ፡ ከም ስዓት መሊኡ ዝለኣኾም ሰይጣውንቲ ኢዮም ዝኾኑ። ዝፍጽምዎ ግፍዒ ሰብ ዘይፈልጦ’ዩ ዝመስሎም። ግና ሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮ ከም ዝብሃል ተግባሮም ሓሊፋ ከም ዝጸንሖምን ኢዶም ከም ዝረኽቦምን ክፈልጡ ኣይከኣሉን። ናብ ልብኹም ተመለሱ ዝብሎም ስኢኖም’ዮም ብህይወት ኣሕዋቶም ዝጻወቱ ዘለዉ። ክሳብ ተግባሮም ዝቕላዕን ሓዲኡ ዝኸውንን ግን ከምዚ ከማይ፡ ኣ-ቤ-ት! ክንደይ ጉዶ’ያ ጼራ ዘላ እዛ ሃገር!  እዚ ኩሉ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕስ መን ኮን ክፍደዮ ኢዩ! መንፈሶም ኣይልከየና! ትብሉ ከም ዘልኹም ዝስሓት ኣይኮነን። በሉ ዝመጽእ ባዕልኻ ኣለኻዮ ጎይታይ! ደንጓይ ኢኻ እምበር ፈዳይ ኢኻ! እናበልና ናብቲ ‘ትንተና ብዛዕባ ፕሊቲካዊ ቁጠባ ኤርትራ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቃለ መሕተት ክንሓልፍ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ክሳብ’ቶም ተመራመርቲ ብመርትዖ ኣሰንዮም ዘቕርቡልና፡ ሃገርና መለኽቲ ዝዕንድሩላ ከም ዘይነበረት፡ ብግዜ እንግሊዝን ድሕሪኡን እውን ዳርጋ ቅድሚ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ትምራሕ ከም ዝነበረትን ምስ ናይ ምዕራባውያን ዝቀራፈብ ፋይናንሳዊ ምሕደራ ከም ዝነበራን ካብ ዝውዓሉሉ ዘዋህለልኩዎ ንምዝኽኻርን ንመወከስን ዝኣክል ቀሪቡ ኣሎ። ምናልባት’ውን እዚ ታሪኽ’ዚ ምስቲ ዝቐረበ ቃለ መሕተት ተደሚሩ፡ ነቶም ሃገርና ዘኹርዕ ታሪኽ ከም ዝነበራ ዝዘንግዑ፡ ሎሚ ዝፈጠሩዋ ዝመስሎም፡ መን ከማና ዝብሉ፡ ንህዝቦም ንዒቖም ካብ ዝባኑ ምውራድ ዝኣበዩ ውሑዳት ተበለጽቲ ናብ ልብኹም ተመለሱ፡ በስመ ኣብ ወይ ቢስሚላህ ኣይትግደፉ፡ ግዜ ከለኩም ተናስሑ፡ ንዝበደልኩሞ ህዝቢ ክሓሱ! ሃገርና ከም ቀደማ ብመስዋእቲ ደቃ ክብርትን ሕፍርትን ኮይና ከም ትነብር ፍለጡ ብማለት ዘጠንቅቕ ኢዩ።

በሉ ንቐጽል። ዶክተር ገብረ ገብረማያም ብዛዕባ ፕሊቲካዊ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ምስኡ ዝተዋስኡ ምሁራን ዝሃብተመን ይበል ዘብል’ዩ። ራድዮ ኣሰና’ውን ናይ ሃገርና ኤኮኖሚ ዕድብየትን ባጀትን ኣብ ክልተ ክፋል ምቕራባን ህዝቢ ክምሃረሉ ክትገብር ምኽኣላን ልሳን ህዝቢ ምዃና ዘረጋግጽ ኢዩ። ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ደላይ ፍትሒ ከኣ ደጋጊሙ ክሰምዖን ንዘይሰምዑ ከስምዕን ክዛየተሉን ከም ዘድሊ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ቃለ መሕትት ብግዜ ህግድፍ ዘሎ ግዕዙይን ኢሳያስ ሃብቲ ኤርትራ ከም ድላዩ ንምዝማት ንክጥዕሞን ብከመይ ከም ዘካይዶ ዘረድእ ኢዩ። ብኸመይ ኢዩ ባጀት ኣብ ዘይተመደበሉ ሃገር! ዕብየት ተመዝጊቡ እናበልካ ዝንገር! ንዝብል ሕቶ’ውን ብመጠኑ ዝምልስን ንናይ ኤኮኖሚን ምሕደራን ንሰብ ሞያ ጥራይ ዘይኮነ ንዝሰምዐ ዜጋ’ውን ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘስንቕን ኢዩ። ሃገርና ክትምዕብልን ናብራ ህዝባ ክመሓየሽን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክድይብን ዝነብረ ተስፋ ንምንታይ ከም ዝጸልመተን ንድሕሪት ይጉተት ከም ዘሎን ንምርዳእ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ’ውን ብቀሊሉ ዘይርአ እዋናውን ጉዳይ ኢዩ። ኢሳያስ ዋላኳ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ብምምሳል ንዝብዙሓት ከደናግር እንተጸንሐ ዕላምኡ ስልጣኑ ምሕላውን መሬት ኤርትራ እንተጠሊማቶ ከኣ ኣብ ወጻኢ መናበሪ ዝኾኖ ገንዘብን ወርቅን ምውህላልን ምዃኑ ብብግዚኡ ዝወጽእ ሓበረታ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።  ዕላምኡ ከይፍለጥ ከኣ፣ ‘ናትና ኣሰረርሓ ኣለና! ዓለም ካባና ክምሃር ኣሎዎ! ኣበይ ርኢኹም ናይ ሓቂ ደሞክራሲ! ናይ ምንታይ ምርጫ! ህዝብና ንፈልጦ ኢና!’ እናበለ’ዩ ዝምድር። ዓለም ክፈልጦ ዘይከኣለ ምስጢር ዝረኸበ ከምስል’ዩ ዝመጣጠር። ካብ ታሪኽ ዝምሃር ስለ ዘይኮነ ከኣ ውድቀቱ ባዕሉ የቀላጥፍ ከም ዘሎ ክርድኦ ኣይከኣለን።

ናይ ቀረባ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝምስክሮ ብምምሕዳር እንግሊዝ ግዜ ብሳላ ለባማት ኣቦታት ብሃይማኖትን ኣውራጃን ከይተፈላለዩ ስለ ዝመከቱ ኢያ ናብ ክልተ ካብ ምምቃል ዝደሓነት። ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተጸምበረት ከኣ ስርዓት ፈደረሽን ብፍላጥ ከም ዘይሰርሕ ስለ ዝተገብረን ብሰላማዊ መገዲ ክእረም ስለ ዘይተኻእለን ኢዩ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ መስከረም 1961 ብግጅግና ኢድሪስ ዓወተ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ደማዊ ኣንጻር ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኩናት ዝተጀመረ። ብምምሕዳር እንግሊዝ ግዜ መሰረታዊ ዝኾነ ምስ ናይ ምዕራባውያን ዝቀራረብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ፋይናንሳዊ ምምሕዳርን ከም ዝነበረ መጀመርያ ተመሪጾም ዝመጹ ሰበ ስልጣን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝመስከርዎ ሓቂ ኢዩ። ከምቲ ‘እዝኒ መሰታ ቀዳሞት’ ዝብሃል ካብ ዝወዓሉ ዘዋህለልኩዎ ከኣ እንሆ። ኣቶ ዘነበ ዝብሃል ናይ ገንዘብ ሚኒስቴር ም/ሚስትር ዝነበረን ብትህምህርቱን ክእለቱን ልምዱን ተመሪጹ ንኤርትራ ዝተላእከ ብዓል ስልጣን ኣብ ኤርትራ ብከመይ ዓመታዊ እቶት ከም ዝርከብ፡ ኣብ ስራሕ ከም ዝውዕል፡ ናይ ባጀት ኣመዳድባን ቁጽጽርን ከም ዝነበረን ሳንቲም ከይተረፈ ከም ዝፍለጥን በቶም ናይ ኤርትራ መንግስቲ ዋና ተቖጻጻሪ (ዋና ኦዲተር) ቀኛዝማች ገብረመድህን ተሰማ ዝርከቡዎም ሓለፍቲ ኤርትራውያን ምስ ተገልጸሉ ኣብ መንጎኦም ዝተገብረ ምልልስ እንታይ ከም ዝመስል ከም ዝስዕብ ኔሩ።

ኣቶ ዘነበ፡ ‘እዚ ናይ ፋይናንስ ኣሰራርሓ ምስ ናይ ምዕራባውያን ዝመሳሰል ኢዩ። ካብ ናትና ኣሰራርሓ ዝበለጸ ኢዩ፡’ይብሎም።

እቶም ክገልጹሉ ዝጸንሑ ንዝገለጾ ብታሕጓስ ይቕበሉዎ። ቀጺሎም ከኣ፡ ‘እሞ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓ ናብዚ ናትና ኣሰራርሓ ክትልውጦ ኢኻ ማለትዩ?’ ይብሉዎ።

ኣቶ ዘነበ ትቕብል ኣቢሉ፡ ‘ሕሰቡስከ። ንእሽቶ ኩባያ ሙሉእ ማይ ናብ ሸኸሎ ምግልባጥ ዶ ሽከሎ መሉእ ማይ ናብ ኩባያ ምግልባጥ ይቐልል!?’ ይብል።

እቶም ክገልጹሉ ዝጸንሑ፡ ‘እዚ ማለት ድኣ ናትኩም ምፍራስ ይሓይሽ ትብል ኣለኻ ማለት እንድዩ’ ይብሉዎ።

ኣቶ ዘነበ፡ ‘ካልእ ምርጫ የለን’ ይብሎም።

ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ነቲ ኣብ ኣህገርና ክዕምብብ ዝጀመረ ናይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ፊናንሳዊ ኣሰራርሓን ብምፍራስ ሕጊ ዘይገዝኦን ከም ድላዮም ዘካውስዎን ኮይኑ። ንብዙሓት ሓላፍቲ ከኣ ገንዘብ ህዝብን መንግስትን ንምጥፍፋእ ምቹእ ባይታ ፈጢሩሎም። መዕገቱ ዘይብሉ ከከም ክእለትካ ብምዝማት ምህብታም ስዒቡ። ብምምሕዳር ፈደረሽን ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ‘መራሕ መንግስቲ ኤርትራ’ ዝብል ቃል ምልዓል፡ ነገር ምዕዳም’ዩ ኔሩ። ስብ ስልጣን ኢትዮጵያ ኮነ ኢሎም ዝነበሮ ክብሪ ንምቕናስ ይኹን ‘መራሕ መንግስቲ ኤርትራ’ ምባል ስለ ዝኣገሞም  chief executive ብዝብል ሽም’ዮም ዝጠቕስዎ ዝነበሩ። ኢትዮጵያ ንስርዓት ፈደረሽን እናዳኸመት ብ1960 ምስ ኣፍረሰቶን ኤርትራ መበል 13 ጠቕላይ ግዝኣት ኮይና ምስ ተባህለን ኢዩ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረን ክሳብ 1991 ብዓወት ህዝብና ዝዛዘም ዝቐጸለን።

ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመት ድማዊ ኩናት ናጽነታ ምስ ጨበጠት ከኣ ዝሓለፈ ንታሪኽ ገዲፉ ቅዋም መስሪቱ ብልምዓት ንቕድሚት ክግስግስ ኢዩ ዝጽበ ዝነበረ። ተስፍኡ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዝነበረ’ውን ዝዝከር’ዩ። ኢሳያስን  ህግደፋውያን ስዓብቱን ግን ንሃገርና ‘ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና፡ ህዝባ’ዩ ሓይላ፡ ክምቲ ኣብ ኩናት ቅያ ስሪሕና ዝትዓወትና ኣብ ልምዓት’ውን  ክንዕወት ኢና፡ ኣሽንኳይ ሰባ ኣእዋም ኤርትራ’ውን ጸባ ክሰትዩ ኢዮም ወዘተ …’ ብዝብሉ መናፍሓት  ንህዝቢ እናተሃራረፉ ብጥሙይ ከብዱ ከም ጽጉብ ኮይኑ ክሓድርን ክውዕልን ይገበሩዎ ከም ዝነበሩ ህዝቢ መሪር ሓዘን እናተሰምዖ ዝዝክሮ ሓቂ ኢዩ። ብልምዓት ንቕድሚት ዝተወንጨፈት ሲንጋፖር ምዃንስ ኣይነበሮ ኣይጠፍኦ! ዝነበሮ ዘጥፍኡሉ’ዩ ገዲዲዎ ዘሎ። ሲንጋፖር ብቅዋምን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈን ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ስርዓት (ማክሮኤኮኖሚ ፖሊሲ) ሓንጺጻ ስራሕ መፈጸሚ ባጀት ብምምዳብ  ከም ዝማዕበለት እናፈለጡ ንሃገርና ግን መገዲ ምዕባለ ገዲፎም መገዲ ጥፍኣት መሪጾም። ህዝብና ግን ካብ ደቀይ ዝብሎም ጸጽቡቑ እናተመነየን ብልምዓት ንቕድሚት ክውንጨፍ እናተጸበየ ዘይኢዱ ረኺቡ። ብዛዕባ ልምዓት እናመደሩ ንድሕሪት መሊሶሞ። ቁል ቁል ኣፉ ደፊኦሞ። ካብ ምንባር ኣብ ዘይምንባር ኣብጺሖሞ። ብዛዕባ ቅዋምን ልምዓትን ምሕሳብ ገዲፉ፡ ናይ ሎምስ ተራእዩ ጽባሕከ እንታይ ኮን ትወልድ ትኸውን? ኣብ ምባል በጺሑ ከም ዘሎ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብሩህ’ዩ።

ከምዚ ንርእዮን ንሰምዖን ሓደ ሕብረተሰብ ብምሒር ጭቆናን ምርጋጽን ምስ ተሳቐየን መሰሉ ብሰላማዊ መገዲ ምኽባር ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐን ኣማራጺ ምስ ሰኣነን ኢዩ ኣብ ኩናት ክኣቱ ዝግደድ። ኢሳያስ ከኣ ንህዝብና ዘለዎ ንዕቀት ደረቱ ስለ ዝሓለፈ ክሳብ ‘ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን! ምባል’ዩ በጺሑ። ሃገራዊ እቶት ንምግባትን ኣብ ምንታይ ከም ዘውዕሎ’ውን ህዝቢ ከይፈልጥን ከይሕተትን’ዩ ከኣ ናይ ሃገር ዓመታዊ እቶትን ባጀትን ብጽኑዕ ዝሕሎ ምስጢር ጌሩ ሒዙዎ ዘሎ። ሃገር ንምልማዕን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ውጥንን ባጀትን ምምዳብ ወሳኒ ምዃኑ እናፈለጠፈ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ (ማክሮኤኮኖሚ ፖሊሲ) ዘይሓንጸጸት፡ ዓመታዊ ባጀት ዘይብላ ሃገር ጌሩ የመሓድር ኣለኹ እናበለ ዝምድር። ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝመለኸ ከኣ ንዓለም’ውን ዝመለኸ ኮይኑ’ዩ ዝስምዖ። ስለዚ ንጽላለ ዝገደፈሉ የብሉን። ሕሉፍ ሓሊፉ ‘ዓለም ካባና ክምሃር ኣለዎ፡’ ክብል ዝሰምዐ ኤርትራዊ ብሕፍረት ኣብ ዝኣትዎ ከም ዝስኣነ ዝዝክር ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ፣ ‘ካብ ዓለም ዝተፈለኻ ሰራሕ ቅያ!’ ኢኻ እናበለ’ዩ ኣብ ህዋ ከስፍሮ ዝመጣጠር። ንደገፍቱ ከኣ ከም ስዓት መሊኡ ንዓለም ከይተረፈ ክጽልሉ’ዩ ዝልእኮም። መላሲ ዘይብሎም ባንዴራ ለቢሶም ‘ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ’ ክብሉ ንዓለም ከጽምሙ ርኢናዮም ሰሚዕናዮም። ከክንድኦም ብሕፍረት ኣብ ዘዘለናዮ ነቒጽና። ድሕሪ ሕጂ’ኳ ቁጽሪ ደላይ ፍትሒ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ ክንደየናይ ከይደግሙዎ። ግን ከምቲ ‘ጽሉል ጥዒሙዎ’ሎ…’  ዝብሃል ንከምኦም ዘይተጸለለ ሓዎም፡ ሓውቶም፡ ወለዶም፡ ህዝቦም’ዩ ከፊኡዎ ዘሎ። ‘ነዚ ኣደዳ ሞትን ጥሜትን ጌሩ ዘጽንተና ዘሎ  ናይ ጥፍኣት ስርዓት ዶላርን ዩሮም እናስነቑ ክፍንዉልና! ስቓይና ከም ዘናዋሕን ዝገድድን ክገብሩ! ክሳብ ክንድኡ ክጽለሉ! ኣንታ ተሰተሩ’ባ እንተ ተባህሉ ከኣ መመሊሶም’ዮም ዝግተሩ። ህዝቢ ብጽላልኦም እናጎሃየን እናተራገመን፡ ዋይ ሞት ስትራን!’ እናበለ’ዩ ረጊሙ ንረጋሚ ዝህቦም ዘሎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብምልዋጥ ባጤራ ናቕፋ ብምልዋጡ ምኽንያት ህዝቢ ይሕምስ ከም ዘሎ ዘይሰምዐ የለን። መወዳእትኡ ከኣ እንታይ ከም ዝኸውን ኩሉ ዜጋ ዝከታተሎ ዘሎ  ጉዳይ ኢዩ። ግን ምስኣ ብምትሕሓዝ ዋዛን ቁም ነገርን ዝሓዘ ሓደ ግዜ ዘምበብኩዎ ናይ ክልተ ኣመሪካውያን መንእሰያት ኣዕሩኽ ዕላል ከካፍለኩም። ምናልባት’ውን ኣምቢብኩሞ ትኾኑ። ግን ክደግሞ። ምስቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ደሞዝ ተወሲኹ ዝብሃል ዕላል እስከ ክነመዛዝኖ ንፈትን። ኢሳያስ ካብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ መዋጥር ንመውጽኢ ዝሕግዝ መሲሉ ስለ ዝተራእዮ ደሞዝ ተወሲኹ ይብል ኣሎ። እዚ ኩሉ ገንዘብ ካበይ ክመጽእ’ዩ? ብኸመይከ ባጀት ክትዓራረ ይኽእል? ብማለት ከኣ ዝጭነቕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከም ልማዱ ገንዘብ ስለ ዘህትም ፈላጣታት’ውን ኣየድልዩዎን ኢዮም። እታ ዋዛ ምትርጓም ገዲፈ ከም ዘላታ ከቕርባ።

Two young American friends were sharing their ideas.

The first one said, ‘If I were the president I would increase everyone’s salary.’

The second one said, ‘If you do that you would be very popular, but how would you balance the budget? The first one said, ‘Since you know a lot about budget I would give you that job.’

ናይ ኣምሓርኛ፣ ‘ኣምበሳ ምን ይበላል? ተበድሮ። ምን ይከፍላል? ማን ጠይቆ’። ዝብል ብሂል ክውስኽ’።

ናብ ትግርኛ ክመልሳ። ‘ኣንበሳ እንታይ ይበልዕ? (ካበይ የምጽኦ)። ተለቂሑ። ብኸመይከ ይኸፍሎ? መን (ደፊሩ) ክሓቶ’።

ሎሚ ንኢሳያስ መን’ዩ ደፊሩ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኣውዒልካዮ ኢሉ ዝሓቶ። ነዛ ሕቶ’ዚኣ ዘቕረበ ብህይወቱ ዝፈረደ ኢዩ። ሃብቲ ሃገር ምግባት ጥራይ ዘይኮነ ፕረዚደንት ተባሂሉ ኣስመራ ኮይኑ ሃገር ክንዲ ሃገር ዘምሓድር ካቦ ምነዋለ (ሓለቓ ሰራሕተኛታት) ኮይኑ ዓዲ ሃሎ ይውዕል ከም ዘሎ’ዩ ዝንገር። እዚኣ ከኣ ብልሓታ ዘይተፈልጠ ምህዞ ኢያ። ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዶላርን ዩሮን ብምቕያር ምዝማትን ኣብ ወጻኢ ባንክታት ምኹማርን ግን ስርሐይ ኢሉ’ዩ ተተሓሒዙዎ ዘሎ። ህዝቢ  ብጥሜት እንተተኾስተረ’ውን ዝግድሶ ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ግዜ’ውን 200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ወርቂ ከም ዘለዎ ሃቡኒ ኢሉ ኣብ ዓዲ ዓረብ ዘሎ ናይ ባንክ ሕሳቡ ከም ዘቐመጦ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሐ ዜና ሰሚዑ ዘይሰምበደ ዜጋ የለን። ሃብቲ ሃገር ክሳብ ዝውዳእ ከይተጓሕጉሐን ጅጋኑና እናዳህለለ በብሓደ ከይጠፍኦምን ከሎ ተጓይና ፍታሕ ምርካብ ከኣ ናይ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ሓላፍነት ኢዩ። ህዝብና ካብዚ ኩሉ ኣደራዕ ክናገፍ ዝኽእል ከኣ ነዚ ጸይቀ-ዕሉል ካብ ስልጣኑ ምእላይ ጥራይ ምዃኑ ርዱእ ስለ ዝኾነ ሎሚ ጽባሕ ከይበልና ምስ ህዝብና ተሰሊፍና ካባና ዝድለ መስዋእቲ ምኸፋል ጥራይ ኢያ እታ እንኮ ምርጫና። ንሳ ኢያ ንብዓት ህዝቢ ተንቅጽ። ምስ ዕዉታት ዘውዕል መዓልቲ ይሃበና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ መስከረም 4 2016

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT