Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሸገራብ ናብ ካርቱም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 13 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዎም ሰለስተ ካባኣቶም ከምዝሞቱ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከባቢ ክሰላ ሓቢሮም።

ብ ዓርቢ 13 ሰነ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሸገራብ ብመንገዲ ሓልፋ ብ ሀሉክስ መኪና ናብ ካርቱም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 13 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ መራሒ ናይታ መኪና ሓደ ሱዳናዊ ብኡንብኡ ክመቱ

ብ ዓርቢ 13 ሰነ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሸገራብ ብመንገዲ ሓልፋ ብ ሀሉክስ መኪና ናብ ካርቱም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 13 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ መራሒ ናይታ መኪና ሓደ ሱዳናዊ ብኡንብኡ ክመቱ ከለዉ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕክምና ሓልፋ እግራ ከምዝተቖርጸት፣ ካልኦት ክቢድን ፈኵስን መቕሰልቲ ዘጋጠሞም ከኣ ኣብ ከሰላን ካርቱምን ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከባቢ ክሰላ ሓቢሮም።

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ድሮ ከምዝተፈጸመ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።  

ብሰንኪ ጭውያ ራሻይዳን ሽግር ምሕደራን ሕሰም መነባብሮን መዓክር ስደተኛታት ሸገራብ ቅሳነት ስለዘይብሉ፣ ብዓቢኡ ድማ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ስለዝህወኹ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሕጋውን ዘይውሑስን ጉዕዞ ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ልሙድ ኮይኑ ምህላዉ እቶም ምንጭትት የርድኡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Tezareb June 15, 2015

    Eritrea and Eritreaness has become such a cheap identity full of misery and death. How did we get to this hell blindfolded? Right now, we must be the most worthless people in this planet.

  • ERITRAWIT June 15, 2015

    Anta hzbey akley do gbere wela temeka abta hagerka bezen, wedi zeen kthalek.
    Nezey Gebele hager zhmsa zelo do sebay tesano.

  • AZ June 15, 2015

    I think its time we stop immigrating and start fighting the regime from inside, we are dyeing anyways.

  • Teclay June 16, 2015

    ደቀይ ሙሁራት እዮም ፣ናይ ዓለም ኩሉ ሊቃውንቲ እዮም እናበለ ፣ኣብ መዋጽኦ ዘይርከቦ ገደል ዝተሸመ ፣ኣዝዩ ዝሕዝን ሕዝቢ፣ ለካ ሙሁርስ ባዕሉ እዩ ነይሩ።ለካ እቶም ፓስታ ተመሲሖም ፣ላዛኛ ዝድረሩ ደቁስ፣ ደናቁር ኣብዲ እዮም ነይሮም

    • Mehari Hagos June 16, 2015

      Bravo brother Teclay, you’ve said it nicely but you forgot to mention about their breakfast which was of course ” fritata or special omelette”. We have a tigrigna saying which truly describes our pathetic situation “One who fakes his sleep never even wakes up to the tornado or earth quake”.

      Thus, the Eritrean Diasporas are on their fake sleeps and couldn’t be awaken to the fact that Eritrea is in real disaster due to Isaias’s erratic leadership, defiant to the international laws and above all his brutal treatment of our people.

POST A COMMENT