Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይ ልጓም በቅሊ ምውጣሕ ኣይክኣልን’ዩ

ኣሽምባይዶ ንዓቅሚ ኣዳምን ሂዋንን ዝበጽሐ ሰብ ዘጽብቀሉን ዘኽፍኣሉን ዝግንዘብ ሰብ፡ ወለዲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ውላዶም’ውን “እንታይ ይሕሸካ” ኢሎም ዝበልዖ መግቢ ፡ ዝሰትዮን ዝለብሶ ክዳንን የምርጽዎ። ወለዲ ሓደ- ሓደ እዋን ጠለብን ቃሕታን ውላዶም ይሰምዑ፡ ካልእ እዋን

ኣሽምባይዶ ንዓቅሚ ኣዳምን ሂዋንን ዝበጽሐ ሰብ ዘጽብቀሉን ዘኽፍኣሉን ዝግንዘብ ሰብ፡ ወለዲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ውላዶም’ውን “እንታይ ይሕሸካ” ኢሎም ዝበልዖ መግቢ ፡ ዝሰትዮን ዝለብሶ ክዳንን የምርጽዎ። ወለዲ ሓደ- ሓደ እዋን ጠለብን ቃሕታን ውላዶም ይሰምዑ፡ ካልእ እዋን ድማ ብሕጽረት ዓቅሚ ወይ ብጽቡቅ ሓልዮት፡ ወለዲ ንጠለባት ውላዶም፡ “ኣይፋል” ዝብል መልሲ ክህቡ መሰል ኣለዎም። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2016 ኣትሒዙ፡ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ብዛዕባ ገበናውን ሲቪላውን ሕጊታት ኤርትራ ህዝብና ዳግማይ ንምትላልን ካብ ተነጽሎ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምንጋፍን ወፈራ የካይድ ኣሎ። ወዮ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ዘጸብቀሉን ዘኽፍኣሉን ዘይፈልጥ ደንቆሮ ኮይኑ’ምበር፡ ኤርትራ ንርብዒ ዘመን ልኡላዊት ሃገር ክንሳ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ገበናውን ስቪላውን ሕግታት ኤርትራ ንምንዳፍ ጎስጓሳት ምጅማሩ ሕፍረት ክስምዖ ምተገብአ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣኼባታትን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተለፍለፈሎም ኣዋጃት፡ ሕግታትን መደባት ስራሕን ማእለያ የብሎምን። ተጀሚሮም ዝተቛረጹን ኣብ ወረቀት ሰፊሮም ዝሃሰሱን ጉዳያት’ውን ብዙሕ’ዮም። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ሕግታትን ኣዋጃትን ኣብ ወረቀት ንምስፋር ጸገም የለን፡፡ እቶም ህግደፍ፡ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዘዳለዎም ኣዋጃትን ሕግታትን ኣብ ተግባር እንተዘይውዒሎም’ውን፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝሓቶን ዝብድሆን፡ ስረ ዝዓጠቀ ሰብኣይ ኣይርከብን’ዩ፡፡

ምንዳፍን ምትግባርን ገበናውን ስቪላውን ሕግታት ኤርትራ ዝቃወም ወገን የለን። እኳ ድኣ ግዜ በሊዑን ዓስዩን። እቲ ንቡርን ኣድማዒ ውጽኢት ዝህብን ኣሰራርሓ ግን፡ ዝሕረስ መሬት ምስ ሓዝካ ኢኻ ዘርኢ ተዳሉ። ቅድሚ ዝኣገረን ንሕብረተሰንብ መንግስትን ኤርትራን ዝቅይድ፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝተነድፈ ቅዋም ክህሉ ኣለዎ። ህላወ ቅዋም፡ እምነ ኩርናዕ ናይ ብሓላፍነት ህዝብን መንግስትን ዝሕተትን ዝግደስን ስርዓት’ዩ። እዚ ቅዋም’ዚ ተወኪስካ ድማ ንህዝብን ሃገርን ዘገድሱ ሕግታትን ኣዋጃትን ከተውጽእን ክትነድፍን፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ውዕላትን ዝምድናታትን ክትምስርትን ክትበትኽን ትኽእል። እዚ ሕጂ ዝምደረሉ ዘሎ ክልተ ሕግታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ስለዝኾነ፡ ብመሰረት ቅዋም፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ወይ ንሱ ብዝውክሉ ኣካል (ባይቶ) ተኻቲዑ ከጽድቆን ከከም ኣድላይነቱ ከማሓይሾን ምስዝኽእል’ዩ። ነዚ ቅኑዕ ቅጥዒ ጎሲኻ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዘድልየካ ሕግታት እዚ’ዩ” ኢልካ ብዘይ ፍታዉ ከተመንግጎ እንከለኻ ብድዐን ስርቅን’ዩ።  ዕድመን ጥዕናን ንሚኒስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎውዚያ ሃሺም ይኹን፡ ስለቲ ግዜኣ ወፍያ ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ንገበናውን ስቪላውን ሕግታት ኤርትራ ኣመልኪታ ትህቦ ዘላ መግለጺታት፡ ብመላኺ ኢሳያስን መሰልቱን ዝተዋህባ መምርሒ ከየጉደለት ከይወሰኸት፡ “ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሕና” ኢላ ከይሓተተት ብድፍረት ኣብ ግብሪ ምውዓላ። ኣብ ኣስመራ፡ ከመዮ ዋና ገዛ ንተኻራያይ፡ “ሰነዳት ውዕል ክራይ ገዛ ሃበኒ” ምስ በሎ፡ “ቅሰን፡ ሕግታት መንግስቲ ኤርትራ ንግሆ- ንግሆ ስለዝቅየር ውዕል ክራይ ኣይድልየካን’ዩ” ኢሉ ዝመለሰሉ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎን ብቅዋም ክሳብ ዘይተማእዘዘን፡ ብዘይ ኣፍልጦን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ ሓደስቲ ሕግታትን ኣዋጃትን ክወጹ፡ ክጥሓሱን ኣብ ከብሕታት መአከቢ ደሮና ክኾኑን’ዮም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣእግሮም ኣብ መሬትና ምርጋጾም፡ ኣብ ተራ ዕለታዊ ምንውስቃሱን ማሕበራዊ ጉዳያቱን፡ ከም መውስቦ፡ ቀለብ ቆልዓ፡ ፍትሕ፡ ሕዛእትን መጋሃጫን፡ ቅትለትን ጋር-ነብስን፡ ሕቶ መሬት፡ ውርሻን እምባጓሮን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝመሓደረሉን ዝቅየደሉን ሕግታትን ደምብታትን ነይሩዎ’ዩ።  እቲ፡ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፡ ሕጊ ኣድግነተ ገለባ፡ ሕጊ ሎጎ ጭዋ ወዘተ፡ ህዝቢ ብዝወከሎም ለባማት፡ ዓበይቲ ዓድን ፈላጣትን ንመዓልታት ተኣኪቦም ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዶም ዘጽደቅዎን ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዝረዓሞን ሕግታት ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ሕብረተስብና፡ በዞም ዝተጠቅሱን ካልኦትን ሕግታት ተቀይዱ፡ ካብ ግዳም ደገፍ ከይተጸበየ ንነዊሕ ዓመታት ባዕሉ ብዝነደፎ ሕጊ ተቀይዱ ብስኒትን ብኽብርን ይነብር ነይሩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ክውዕይካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ ከምዝብሃል፡ ኣይ ንሕግታት እንዳባ ሓያልን ድኹምን መዳያቱ ከጽንዕ፡ ኣይ መተካእታኡ ሓድሽ ሕጋታት ከተኣታቱ፡ ን25 ዓመታት ብሸንኮለልን ዘይርጉእ ፖሊስታትን ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕን ነቲ ኣብ 1997፡ ዝተደኽመሉን ገንዘብ ዝፈሰሰሉ ንድፊ ቅዋም ጉሒፉ ሕጂ ድማ ገበናውን ስቪላውን ሕግታት ኢሉ ይልፍልፍ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ሓቀኛ ሕግን ስርዓትን ምንዳፍ ማለት፡ ንኹሎም ሰበስልጣናት ብዘይ ቀይዲ ከይዕንድሩ፡ ህዝቢ ከይጠልሙን ከይረግጹን መግትኢ ልጓም’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ሓጋጊ ኣካልን ኣብዘይብሉ፡ ብዛዕባ ገበናውን ስቪላውን ሕግታት ምምዳር፡ ኣሽካዕላልን ብዘይ ልጓም በቅሊ ምውጣሕን ማለት’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (5 ታሕሳስ፣ 2016)     

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 7, 2016

    Right on the money Tsilal. The idle,good for nothing,gun totting,blood sucking goofballs put together a ‘penal code’ in between their royal flush card games while under the influence of blue label to penalize who?the poor people? and now they are looking at levying tax on chicken,eggs,goats,cows,lamb,chaquit…..if this is where they look for their tax base,what is that tell you about these cowboys in Asmara? It hurts.

POST A COMMENT